Awate.com

መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድን ኣበራታን

ኩቡራት ኣንበብቲ መጀመርታ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፡

እቶም ብደቂ ሰባት ብቓል ወይ ብጹሑፍ ዝፍጸሙ ጌጋታት፡ ብቡዙሕ ኣገላልጻ ክግለጹ ይኽእሉ፡ ገለ ካብኣቶም፡
1. ጌጋ ትፍጽም ከምዘለኻ ብዘይ ምርዳእ፡
2. ብሰባት ተደፋፊእካ፡
3. ሓቅነት ዘይብሉን ኢሎሞ ኢልካን ወይ ስምዒታውን ወገናውን ምስ ዝኸውን፡
4. እቲ ዝኸፍአ ግና ረብሓታትካ ንምኽዕባትን ሰባት ንምኽሳብን ኮይኑ፡ ንኻልኦት ዝብድል ፈጠራን ንታሪኽ ዝሓማትልን ጨምጣጥን ቶኽታዂን ምስ ዝኸውን ኢዩ።

ኣብዚ ከብርሆ ዝደሊ፡ ኣነ ምስ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ዕርክነት ይኹን ጽልኢ የብለይን። ፍልጠትና ድማ ብዘይካ ሓንቲ ማዓልቲ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣብ ጥቓይ ኮይኑ ሻሂ ዝሰተየላ ናይ 15 ደቓይቕ፡ ከም ህዝበይ ኣብ መርበባት ድሕሪ ምልላዩ ተዘይኮይነ፡ ዝኾነ ፍልጠት ኣይነበረንን። ወላ እኳ ኣንጻር ህግደፍ ብጋህዲ ክጽሕፍ ምስ ጀመረ፡ በቶም ብሽም ተቓወምቲ ቶሮንቶ ዝስመዩ ወይ ዝስመ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኣንጻሩ ክህንደዱ ምስ ጀመሩ፡ ካብቲ ዝኾነ ሰብ ኣንጻር ህግደፍ ዝተላዕለ፡ ሕሉፍ ታሪኹ ብዘየገድስ፡ እቲ ንፍትሕን ንሓርነትን ሃገር ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ኤርትራዊ፡ ብኽልተ ኣእዳው ክቕበሎ ኣለዎ ዝብል መትከል ተበጊሰ፡ ንደገፍ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ ኣንጻር እቶም ኣንጻሩ ዝጽሕፉ ዝነበሩ ግብረ መልሲ ሂበ ኢየ።

ንመጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፡ ከም ኩሎም ሃንቀው ክብልዋ ዝጸንሑ ኤርትራውያ፡ ኣነ ውን ሃንቀው ኢለያን ሰባት ኣብ ጽንብል ልደታ ንኽሳተፉ ጎስጓስ ጌርን ኣብ ልደታ ውን ውዒለ ኢየ። ሽዑ ኣቶ ረድኢ ብዝናኣድ ኣገባብ ንመጽሓፉ ምስ ኣላለያ፡ ዋጋኣ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ፡ $20 ኢዩ ምስ በለ፡ ገና ከየንበብናያ ምስቶም የማነይ ጸጋመይ ዝነበሩ፡ እዋይ $40 እኳ ክውሕዳስ ከንደይ ዳኣ ኣሕሲሩዋ ብምባል ተሰኪፍና፡ ንሓደ መጽሓፍ ዝሓሰብናዮ ድማ ቡዙሓት ከክልተ መጽሓፍ ገዚእና። ሽዑ ንኣቶ ረድኢ፡ ኢዱ ጨቢጠ እንቋዕ ኣብዚ ኣብቃዓካ ብምባል ሓጎሰይ ገሊጸሉ ኢየ። መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ግና፡  ዘይተጸበናዮ ኣብ ውሽጣ ክሰፍር ዘይነበሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብገለ ሰባት፡ ንገለ ሃለልትን ጠወቕትን ትምክሕተኛታትን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ምስ ገዛእቲ ወጊኖም ህዝቢ ዝበደሉን ዘህለቑን ጸሊም ታሪኽ ዘለዎምን፡ ኣብቲ ንኹሉ ኣብ ልብና ጌርና ንቕድሚት ንመጻኢ ምጥማትን ምሕሳብን ምስራሕን ይበልጽ ብምባል ነዊሕ ተጓዒዝና ኣብዝነበርናሉ እዋን፡ ኣብ ቁስልና ጨው ክንስኑሱልና ስለ ዝጀመሩ ግና፡ ፋይላት ገበናቶም ክንገናጽልን ከነዘኻኽሮምን ተገዲድና።

ስለዚ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝተሰነደን ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ገበናት፡ እሞ ተቶኽቲኽናን ተገዲድናን ግብረ መልሲ ዝሃብናሉ፡ ካልእ ነቲ ኣብ ኤርትራ መን ይገዝእ ኣሎ መን ይብድል ኣሎ ንዝብል ውን፡ ንኽብለጽን ንሓቂ ክቐብርን ዝደሊ ተዘይ ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ሓደ ብጻዕዳን ብጸሊምን ኢዱ ኣብ ውሽጢ እቲ ንወቕሶ ዘለና ጉጅለ ዘገልገለ፡ እንኮላይ ኣብታ ናይ ጸይቅን ገበናትን ሰልፊ ከይተረፈ ሙሉእ ዕድመ ንእስነቱ ዘሕለፈስ፡ ንዝኾነ ተራ ሰብ ውን ፉሉጥ ኢዩ።

ንሕና ህዝቢ ክርስቲያን ኤርትራ ኢዩ ዝገዝኣና ዝብድለና ዘሎ ኣይበልናን፡ ዝበልና፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ናይ ክርስቲያን መንግስቲ ኢዩ ተመስሪቱ ኢና ዝበልና። እዚ ውን ብሰነድ ብጭብጢ ዝተረጋገጸን ንነብሮ ዘለናን ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላሙ ክርስቲያኑ ድከቱ ዝወጸሉ ዘሎ እዋን ውን ስለ ዝኾነ።

ነዚ ሓቅታት ረጊጹ እንዳፈለጠ፡ ታሪኽ ምሂዙ ግብረ መልሲ ክህብ ዝፍትን ግና፡ ኣምሰሉን ተበላጽን ዱሑርን ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንወርቂ ብሓሰር ክለዋወጥ ዝፍትን ተንኮለኛ ውን ኢዩ። ዝርዝራት ጌጋታትን ኣበራትን መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ተር ከም ዓተር ብጥንቃቐ ተኸታተሉ።

ንመጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፡ ብጥንቃቐ ኣንቢበ ምስ ወዳእኩዋ፡ ንጌጋታታን ኣበራታን ብኸመይ ኣገባብ ንኣቶ ረድኢ መሓሪ እንተመለስኩሉ ይሓይሽ ብምባል፡ ከይተሃወኽኩ ምስ ነብሰይ ኣብ ውረድ ደይብ ብምእታው ሓሰብኩ፡ ዝበጻሕኩዎ መደምደምታ ድማ፡ እቲ ጌጋ ናይ ቦታ፡ ናይ ዕለት፡ ናይ ኣስማት ሰባት፡ ወ.ዘ.ተ. ስለ ዘይኮነ፡ እቲ ጌጋ ወገናዊ፡ ፈጠራ፡ ቶኽታዂ ኢዩ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ፡ እዚ ድማ ናብ ህዝቢ ስለ ዝተዘርገሐ፡ ናብ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ ናብ ውልቁ ተሌፎን ብምድዋል ወይ ብጹሑፍ ምርኻብ ትርጉም የብሉን ኣብ ዝብል መደምደምታ ምስ በጻሕኩ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝበጽሐ ጌጋታት፡ ነቲ ጌጋታት ዝእርምን ዘቃልዕን ግብረ መልሲ፡ ብቐጥታ ናብ ህዝቢ ከቕርብ መሪጸ።  

ኣቶ ረድኢ መሓሪ መጀመርታ ሰላምታይ ተቐበል፡ ብምቕጻል ነቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብጉጅለ ኢሳይያስ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ገበናት፡ ኣብ ልዕሌኻን ስድራኻን ውን ከምዝተፈጸመ ካብ መጽሓፍካ ክርዳእ ክኢለ። ከም ኩሉ ቡዱል ኤርትራዊ ድማ፡ ኣንጻር ዓመጽ ኣብዝመረጽካዮ ግዜን ቦታን ብጋህዲ ቃልሲ ምጅማርካ ቁቡል ኢዩ።

መቐጸልታ ናይተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣንጻር ህግደፍ ቃልስኻ ድማ፡ ከም መብጽዓኻ፡ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ናብ ኢድ እቲ ብሃንቀውታ ክጽበያ ዝጸንሐ ህዝቢ ከተረክባ  ምብቃዕካ ሞጎስ ይግባኣካ።

መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፡ ቡዙሕ ንህግደፍ ዕርቃኑ ዘውጽእ ሓቀኛ ትሕዝቶ ኣለዋ። እቲ ናይ ውልቅኻ ታሪኽ ሂወትን ቶሞኩሮን ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ካልእ እቲ ሱኑድን ዘይሱኑድን ብኣፈታሪኽ ጥራይ ዝዝረብን ዝውረን መርትዖ ዘለዎን ዘይብሉን፡ ብመራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ብኸገልግሎም ዝኽእል ኣገባብ ክቐርብን ህዝቢ ከፋልስን ሓድነት ህዝቢ ክበታትንን ዝጸንሐን ዘሎን ስለ ዝኾነ፡ ቡዙሕ ካብ ታሪኽና፡ ጌና ዓሚቕ ኩዕታን ዝጸበበ መንፊት ታሪኽን የድልዮ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና፡ ክሳብ ኣዕሚቕና ፍሒርና ብዝተራቐቐ መንፊት ታሪኽ ዝንፈን ዝጻረን፡ ኩሉ በብክእለቱን ዘዝፈልጦን ግን ሓቀኛ ታሪኽ ክነግር፡ እቲ ታሪኽ ድማ መሪር ይኹን ሙቁር፡ ንገለ ወገናት ዝትንክፍ ይኹን ኣይኹን ሓቂ ክሳብ ዝኾነ፡ ክድርጓሕ ኣለዎ። ኣነ እዚ ሰባት ክትከስብ ኣለካ ዝብል ዘይቅቡል ምኽሪ፡ ብዋጋ ሓቂ ሰባት ምእንቲ ክትከስብ ነእዛኖም ዘዝምቅሮ ምጽሓፍ ይኹን ምትራኽ ኣይኣምነሉን ኢየ።

ናብቲ ቀንዲ መበገሲ ጹሑፈይ ክኣቱ፡ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ ብናተይ ርኢቶ፡ ንዝኾኑ ሰባት ኣብ መርበብ ዝጽሕፉዎ ይኹን ብቓል ዝዛረብዎ እሞ ጌጋ’ዩ ኢልካ ንዝኣመንካሉ፡ ኣብ ግዜኡ በቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ፡ ግብረ መልሲ ክትህበሉ ሙሉእ መሰል እኳ እንተ ኣለካ፡ ኣድቢኻ ወሪሕካ ኣብታ ሃንቀው ክንብላ ዝወራሕና፡ ሓቅነት ዘይብሉ ጭምጠጣን ታሪኻት ምሕምታልን’ሲ ኣይምተገብአን።

ኣነስ ገለ ደኾን እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተተንከፈ ብዛዕባ ገበናት ኲናት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንቐደም በሉ ይብለና ዝብል ተስፋ ነይሩኒ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ገበናት ኲናት ከምዝተፈጸመ፡ እቲ ዝፈልጦ ይፈልጦ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ውግእ ሕድሕድ። ንሓበሬታ ሓደ ማዓልቲ ኣብ ባርካ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ንኽልተ ሰሙናት ኣዕሪፈን ነበራ፡ ሽዑ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ ከምዚ ኢሉ ኣዕለለና። ኣብ 1981 ኣብቲ ትሪኡዎ ዘለኹም፡ ነቲ ጥቓና ዝነበረ ዝዓነወ ገዛውቲ ኣመልኪቱ፡ 19 ተጋደልቲ ዓማ ገሊኦም ብረት ዝዓጠቑ ገሊኦም ዘይዓጠቑ ነቲ ማእለያ ዘይነበሮ ዝተቐበረን ዘይተቐበረን ንብረትን ቃንጫ ዝመስል ሓደስቲ ኣጽዋራትን ክሕልው ምስ ጸንሑና፡ ኣይተኮሱን ኢዶም ሂቦም፡ ምስ ማረኽናዮም፡ እዚ ዝኣክል ንብረት ገዲፎም’ሲ ትም ኣይክብሉን’ዮም፡ ስለዚ፡ ውድብ ጀብሃ ክሃጅም’ዩ ብምባል ኣብ ተጠንቀቕ ውዒልና ንጽባሒቱ ግና ገሪሙና ዝሃጅም ሓይሊ ብዘይምንባሩ፡ ሽዑ፡ እሮማይ ጀብሃ ተደፊኦም ማለት’ዩ ብምባል ተዛነ ኮይኑ በለና። ሽዑ እቶም ኣርባዕተ ንኸውን ጽን ኢልና ንሰምዖ ዝነበርና ካብኡ’ኸ ዳኣ ኢልና ሓተትናዮ፡ ካብኡ ዳኣ ጉዕዞና ቀጺልና በለና፡ ኣነ ሽዑ እቶም 19 ተጋደልቲ ጀብሃ’ኸ ዳኣ በልኩዎ፡ ቁልቁል ዝኣፋ ንዖኦም ዳኣ ደግደግ ኣቢልናዮም በልኒ፡ ንኹሎም ቀጸለ ሕቶይ፡ ቅልጥፍ ኢሉ እንታይ ዳኣ ክንገብሮም ምስ በለኒ፡ ኤርትራውያን ኮለው መለስኩሉ፡ ግና ኣይመለሰለይን፡ እዝን ወዲ ከምዝን ከርሲ ኤርትራ ክንደይ ታሪኽ ሲኦል ኢዩ ጼሩ ዘሎ።

ብኸምዝን ወዲ ከምዝን ዝጠፍኡ ሓርበኛታት ኣብ መዝገብ ሱውኣት ጀብሃ ምስተሳእኑ፡ ኣነ ዝፈልጠን ቡዙሓት ኣዴታት ናይ ዓቕሊ ጽበት ክሳብ ሎሚ ስንቀን ቆጺረን ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን እንዳተመላለሳ ወደይ ዝራኣየ ብምባል ሃሰው ዝብላ ከብድኻ ዝበልዓ ብዙሓት’የን። ስለዚ፡ ኣቶ ረድኢ ገለ ከምዚኢታት ጆባእ ደኾን ይብለና ዝብል ትጽቢት’ሲ ኔሩኒ ኢዩ ብዘይ ቃልዓለም።

ኣብ መጽሓፍካ ኣብቲ ንታሪኽ ሂወትካ ዝምልከት ግና ነቲ ሓፈሻዊ ለላዕሉ ጥራይ ዳህሲስካ ብምሕላፍ፡ ኣብ ቃልሲ ብዓቕመይን ኣብ ዝተመደብኩሉ ሰሪሐ ኢየ፡ ግና ብዛዕባ’ኡ ኣይክዛረብን ኢየ ኢልካ ስለ ዝደምደምካ፡  ንባዓል መስፍን ሓጎስ ክትነቅፍ ዝኾነ ሕልናዊ ልዕልና የብልካን።

ብናተይ ርኢቶ፡ ንመጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ እቲ ሓርኢ ደርሆ ኣብ ነጸላ ኮይኑዋ ዘሎ ዝብሎ፡ ኣሕጽር ኣሕጽር ኣቢለ ክሕብረካ ኢየ፡ ቡቑዕ መልሲ ድማ ካባኻ ካብ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ክጽበ ኢየ። ካልኦት ውን ብተሌፎን ወይ ብጹሑፍ ክልእኩልካ ኢዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።

1.ኣብ ምዕራፍ 3 ገጽ 89 ሕጡብ 2

ኢሳይያስ ብደምን ገበንን ገዳይም ተቓለስቲ ኪዳነ ክፍሉን ወልዳይ ግደይን ዝጀመረ፡ ናብ ሕቡእ ቅንጸላ 270 ሙሁራት ኤርትራውያን(ስርየት-ኣዲስ)ፎግፊጉ ኣተወ ዝበልካዮ ኣቶ ረድኢ።

መጀመርታ፡ ስርየት ማለት እኮ ብዓረብ ሓንቲ ሓይሊ ማለት ኢዩ ብወታሃደራዊ መግለጺኡ። ተወሳኺ፡ ኣብ መባእታዊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ንሓደስትን ገዳይምን ዝዋሃብ ዝነበረ፡ ካብ 70 ክሳብ 120 ዝኾኑ መብዛሕቶኦም ሙሁራት ደቂ ከበሳ፡ ብቅያደል-ዓማ ከምዝተቐንጸሉ ንማሃር ነበርና፡ ሓንቲ ሓይሊ ድማ ብዝሓ ክሳብ ክንደይ ድዩ ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ተ.ሓ..ኤ.ን?። ስለዚ 270’ሲ ኣይተጋነነን ዶ ጥራይ ዘይኮነስ ጠገለ ኣይሳኣነን’ዶ ይመስለካ።

2. ኣብ ምዕራፍ 3 ገጽ 94 ሕጡብ 3

ተንኮለኛ ኢሳይያስ ንሸኽ ሹም ሙሓመድ ተራኺቡ ከሕንኖምን   ክውድቦምን ጀመረ። እንኩመ እዘን 300 ቅርሺ እዚኣተን መሊእኩም ን ኣብርሃም ተወልደ ብስሚ ከም ዝመውት ግበሩ ኢሉ ኣብ ስምምዕ ኣተወ ዝበልካዮ ኣቶ ረድኢ መሓሪ።

እዚ ኣባሃህላ’ዚ ኣዝዩ ሰራምን ሓደገኛን ስለዝኾነ፡ ኣኮታተይ ደቂ ሳሆ ከምዚ ኣነ ዝሓተካ ዘለኹ፡ ብቕትለት ኣብርሃም ተወልደ ከሲስካና ስለዘለኻ ሃየ መርትዖ ኣቕርብ እንተተባሃልካስ መልሲ ኣለካ ዶ?።

3. ኣብ ምዕራፍ 4 ገጽ 150 ሕጡብ 2

ዝገደደ ድርብ በለጽ፡ ናይዚ ዓመት’ዚ ከኣ፡ “ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ብሄር ትግርኛ ኢዩ” ዝብሉ ሓደስቲ ሶቅራጥሳት ተቐልቂሎም ምህላዎም የሕዝን ዝበልካዮ ናይ ምቁንጻብ ቃላት ኣቶ ረድኢ መሓሪ።

  ድርብ ሓቅን ድርብ ትብዓትን እምበር ይብለካ።

ተበለጽትስ ንዕዘቦም ኣለና ንዶላራት ሃነፍነፍ ክብሉ። መጀመርታ፡ ሓደስቲ ማለትካ ንምንታይ ኢዮም ሓደስቲ?፡ ንህግደፍ ብጋህድን ብትብዓትን ምቁዋም ማለትካ ኣንተኾይኑ፡ ኣቶ ረድኢ ንስኻ ኢኻ ሓድሽ። እንተ ነቲ ሶቅራጥሳት ዝበልካዮ እሞ፡ ሶቅራጥስ ሓደ ፉሉጥ ግሪኻዊ ናይ ዓለምና ፍላስፋ ኮይኑ፡ ብቶሞኩሮን ብትምህርትን ብምርምርን ኣዝዩ ዝበሰለ ሰብ ኮይኑ፡ መለለይ ባህርያቱ ድማ ፍትሒ, ሓቂ, ትብዓት ካብ መትከሉ ፈልከት ዘይብል ንዝኣምነሉ ኩሉ ዓይነት ዋጋ ክኸፍል ዱሉው ነበረ።  ንኹሉ እቲ ቡሉጽ ስራሕ ንዓለም ዘበርከቶ፡ ባዕሉ እኳ ተዘይ ደብተሮ፡ ግና መምህር ናይ ባዓል ፕላቶስ ስለዝነበረ፡ ድሕሪ እቲ ነቲ ናይ ሽዑ እዋን መለኽቲ ግሪኻውያን ዘርእዮ ዝነበረ ተባዕ ተቓውሞ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ንሞት ተፈረደ።

ይኹን እንበር ሽዑ ዝቐረበሉ ምርጫ፡ እቕሬታ ክሓትት፡ ብገንዘብ ክቕጻዕ ወይ ድማ ሀምሎክ ዝተባህለ መርዚ ብምስታይ ብሞት ክቕጻዕ። ኮምኡ ውን ብፈተውቱ ነቶም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ጉቦ ብምኽፋል ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኸህድምዎ ዕድል እንተነበሮ፡ ሶቕራጠስ ግና፡ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ደሞክራስን፡ ብኢደ ወነኑ መርዚ ሀምሎክ ብምስታይ፡ ኣይምብርከኽን እምቢ ንመለኽቲ እምቢ ንዓመጽቲ ብምባል ኣብ 470 ዓ.ም.ፈ. ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ካብዛ ክፍኣትን በለጽን ሽርሕን ወገንን ቅትለትን ስስዐን ዓመጽን ዝመልኣ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሞት ተሰናቢቱ።

ስለዚ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡  ከም ሶቅራጥስ ንሙዃን ድማ ኩሉ ማዓስ ይኽእሎ።  ነቲ ተመራሚሩን ብተሞኩሮን ብብቕዓቱን ዝበጽሖ ደረጃ ሃብቲ ፍልጠት፡ ነቶም ቁኑዓትን ገርዛማትን ተበለጽትን ጸየቕትን ሱሱዓትን ወገናውያንን ደቂ ሰባት፡ ሓቂ ኣብ ዝድርጉሓሎም ዝነበረ ግዜ፡ ብፍላይ ካብቶም ገርዛማትን ተበለጽትን ጸየቕትን ሱሱዓትን መለኽትን፡ እዚ ዘይባሃል ተቓውሞን ኩነኔን ተጻብኦን ገጢሙዎ ኢዩ። ይኹን እንበር ካብ እምነቱን መትከሉን ፈልከት ዘይብል ሰብ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ናቱ ራእይን ስነ ሞጎትን ግና ተኣሚኑሉ ንምዕራባዊ ዓለም መሰረት ፍትሕን ደሞክራስ ክኸውን በቒዑን፡ ታሪኹ ድማ ንዘልኣለም ብደቂ ሰባት ብጹቡቕ ክዝከር ይነብር ኣሎ።

ብዛዕባ ህግደፍ ናይ ክርስቲያን ዲዩ ኣይኮነን ቅድሚ ምምላሰይ፡ ህግደፍ ንዓይ መንግስተይ ኣይኮነን ኣይኣምነሉን ውን ኢየ። ምኽንያቱ፡ ብህዝቢ ዘይተመረጸ ሕጋዊ ስለ ዘይኮነ።

ናይ ክርስቲያን ድዩ ኣይኮነን ንዝብል ሕቶ ውን፡ ንኣፋፉኖት ዘይብሉ ሰብ ንከረድኦ ቡዙሕ ምተንተንኩ፡ እንተ ንዓኻ ንኣቶ ረድኢ መሓሪ ግና፡ ከም ኣቋርጻ መሸላ ረርእሱ ኮፍ ኮፍ ከብለልካ ኢየ። እዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሓይሊ ጨቢጡ ዘሎ ጉጅለ፡ ክብገስ ኮሎ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕንኳልን ንጸይቅን ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ሃይለስላሴ ምስ ሞቶ ግና ማኣዝኑ ብምቕያር፡ ስልቲ ቀይሩ ብነጻነት ኤርትራ እንዳዘመረ, ሓላይ ክርስቲያን መሲሉ ብሃይማኖት ንህዝብን ተጋደልትን እንዳሳሓለን እንዳ ኣጋገየን ን ኣስላም ንምድኻም ኩሉ ዝካኣሎ ብምስራሕ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ። ኢሳይያስ ኣስላማይ ተዝኸውን ኔሩ እሞ እዚ ኩሉ ገበናት እንዳተፈጸመ እንታይኮን ምስራአና?።

ክደግመልካ’የ ሕጂ ውን ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ, ቁጠባዊ, ወታሃደራዊ ኮታ ሃገር ፉጹም ተቖጻጺሩ ዘሎ ብሄር፡ ክፋል ብሄር ትግርኛ ክርስቲያን ኢዩ። ኮምኡ ውን እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ዝነበረ ሕቡእ ሰልፊ ሰልፊ ጸይቂ፡ ንስልጣን ኢሳይያስ ዝሕሉ ንዓብላልነት ክርስቲያን ዘረጋግጽ፡  ንሓርበኛታት ንቁኑዓት ኣስላምን ክርስቲያንን ዘዳኽምን ዝቕንጽልን፡ ዝነበረን ዘሎን ብክርስቲያን ዝቖመን ዝተዓብለለን ኮይኑ፡ ሓደ ክልተ ኣስላም ውን ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ቦታ ንይምሰል ንፍርዲ ኣይርትዑና ዘለውዎ ጉጅለ ኢዩ።

ሎሚ ውን ዝተፈላለየ ኣስማት ወይ ሕብሪ ይዋሃቦ፡ ወዲ ዱሙ ከም ቀደሙ፡ እቲ ናይ ጸይቂ ሰልፊ ኣብ ቦቱኡ ኣሎ፡ እቲ ዓብላልነትን ገበናትን ትምክሕትን ድማ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ኩሎም እቶም ክሳብ ሱዳን ዝቕንጽሉን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ውሽጢ ተጋደልትን ህዝብን ብሃይማኖት ሰባት ዝስሕሉን ኣእሙሮ ዝምርዙን፡ ሓርበኛታት ዝቕንጽሉን ዝነበሩን ዘለውን፡ ካብታ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ንነዊሕ ዘገልገልካላ ሰልፊ ጥፍኣት ኢዮም ዝጫጭሑ ዝነበሩ። ምስዞም ሰብ ደምና ድማ ሓደ ማዓልቲ ምትሕስሳብ ዘይተርፍ ኢዩ።

ብሄሮም ትግርኛ ካብ ኮነ ሃይማኖቶም ክርስቲያን ካብ ኮነ ዳኣ’ሞ እንታይ ኢልና ኢና ክንጽውዖም፡ ሂንዱ, የኡድ, ወይ ቡዳ። ግርም እባ ተፈሊጥና ኢልካ ምንጽርጻር፡ ንሓቅስ ፈቲና ጸሊእና ንውሓጣ ዳኣ፡ ድሕሪኡ ድማ’ዩ ዕርቅን ምትእምማንን ሓዳስን ሰላምን ብልጽግትን ኤርትራ ክትምስረት ትኽእል።

ናይዞም ጸየቕትን ቀንጸልትን ከምዚ ዝጠቐስኩዎ ኮይኑ፡ ነቶም ኣበሳን ሓጢያትን ዘይብሎም ክርስቲያን ብሄር ትግርኛ ኣሕዋትና ግና፡ ሰባት ክንከስብ ከይበልና ዝተነፍሐ ይነፋሕ፡ ሕጂ ውን ኣብ ውራይካ ዝዕጠቑ ኣብ ጸገምካ ዝምክቱ ሰብ መትከል ኢልና ኢና ክንጠቕሶም። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ ንሓቂ ምድጋፍ ድማ ፍትሒ ስለዝኾነ።

ጸገም እኳ ረኺብና፡ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ጸላኢ ኣይከነን ኢልና እንተጻሓፍና፡ ብገለ ወገናት ሎምስ ድማ ንተጋሩ’ሲ ጀጋኑን ፈተውትናን ክትብል ብምባል ኣፍንጫኻ ምንፋሕ። ኣነ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘይተበከለ ንፋስን ባህልን ስነ ምግባርን ቋንቋን፡ ሙዕቡልን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣብ ገጠር ከበሳ ኢየ ተወሊደን ዓብየን እንተጻሓፍና፡ ብገለ ወገናት ደቂ ከበሳ ወይ ክርስቲያን ዳኣ ካብ ማዓስ ኢዮም ፍትሓውያን ኮይኖም ብምባል ሰላምታ ምኽላእ። ንስንፍናን ብዕልግናን ዝወቅስ እንተጻሓፍና ድማ፡ ነዴታትካ ክትጸርፍ ኢልካ ምህንዳድ ወ.ዘ.ተ.ን ብምባል ንገብሮ እኮ ጠፊኡና። ነቶም ጠወቕትን ሃለልትን ተረፍ ማሕበር ኣንድነት ግብረ መልሲ ኣብ ዝሃብናሉ ድማ፡ ንጻሓይ ክትሽፍን ሓፍ ኮፍ ምባል።

4. ኣብ ምዕራፍ 6 ገጽ 183 ሕጡብ 2

ዘይከምቶም ኣብ 1975 ናጽነት ቀሪባ ኣላ ኢሎም ካብ ሱዑዲያ  ዝተሰለፉ “ሑሪያ ገሪባ” ኩሉ ተጋዳላይ፡ ድሕሪ መሪርን ዝተናውሐን ቃልሲ እንኮ ማዓልቲ ናጽነት ከም እትትግበር እምነቱ ሙሉእ እዩ ዝነበረ ዝበልካዮ ውን ኣቶ ረድኢ።

ረድኢ መሓሪ ክሳብ ክንደይ ዱሑርን ተበላጽን ሰብ ሙዃንካ በለጭ ኣቢሉ የረድእ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣባሃህላ’ዚ ካባኻስ ኮድድ መልእኽቲ ትሰድድ ኣለኻ ማለት እኳ’ዩ። ኣባሃህላኻ፡ ካበይ ተበጊሱን ንመን ዕላማ ዝገበረን ምዃኑ ድማ ፉሉይ ብልሒ ዘድሊዮ ኣይኮነን። ግርም እባ ገበታ ድሕረትን ጽልእን ተሰኪምካ ኢሳይያስ ከምዚ ገበረ መስፍን ከምዚ ደገመ ኢልካ ሃተፍተፍ።

እታ ካብ ዓድኻ ኳዜን ናብ ቃልሲ ዝተበገስካላ ማዓልቲ፡ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ከምዝዕወት ትፈልጥ ኔርካ ማለት ድዩ፡ እቲ ሓቂ ግና፡ ተጋደልቲ ካብ ኣመሪካ ይሰለፉ ካብ ጀርመን፡ ካብ ኢትዮጵያ ይሰለፉ ካብ ሱዑዲያ፡ ኮምኡ ውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ 1977 ሎሚ ለይቲ ደኾን ይኣትው ኣስመራ ወይ ድሕሪ ሰሙን ዝባሃለሉ ዝነበረ እዋን፡ ከም ሽንቲ ገመል ቃልሲ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝነውሐ ግዜ ክኸስር ዝላዓለ መስዋእቲ ክኸፍል ከም ሙዃኑ ዝፈልጥ ኔሩ ድዩ።

ኣባሃህላኻ ኣብታ ሰልፊ ጸይቂ ዝተማሃርካያ ንሰባት ብዝምባሌኦም ኣስዲዕካን ኣራሳሲንካን ከም ጓንቲ ትጥቀመሎም ዝብል ኣከያይዳ ተኸቲልካ ዲኻ፡ ወላስ ነቶም ተረፍ መረፍ ማሕበር ኣንድነትን ደቂ ኮማንዲስን ዝውንኑዋ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ግብረ መልሲ ኣብዝተዋህበሉ፡ ብዛዕባ እቶም ደም ኤርትራውያን ዘፍሰሱን ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡን፡ ሃይለስላሴ ምስ ሞቶም ግና ናብ ዘብሉዎ ስለ ዘይነበሮምን ዓድታት ዓዲ ተኽላይን ዓዲ ገብሩን ወኪዱባን ካልኦትን ገጠራት ከበሳ ዘይተጸበይዎ ክነዳ ምስ ጀመራ፡ ኣብ ከተማታት ውን ማሕነቕቲ ምስ ጀመረ፡ ኣብ 1975 ናብ ቃልሲ ክስለፉ ዝጀመሩ ናይ ስጋ ኮይኑካ። ንዕኡ ግብረ መልሲ እንተ ኾይኑ ግና ፉጹም ኣይካኣልካሉን፡ ነታ መጽሓፍ ውን ኣፍኲስካያ፡ ምኽንያቱ ኣይምስኡ ኣይምስጥቕኡ ጥር ኢልካ ኮይኑ።

5. ኣብ ምዕራፍ 12 ገጽ 370 ሕጡብ 2

እቲ ዝጎልሐ ታሪኽ ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ብዘመነ ግዝኣት ዓባይ  ብሪጣኒያ ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። ሽፍትነት ንዝምታን ዝናን ኢዩ ዝነበረ። እቲ ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ዘይነበረትሉ ዓመታት ዝነበረ ሽፍትነት፡ እቲ ሽፍታ ለይቲ ኣብ ጣሻታትን ጸልማትን ኢዩ ዝዘምትን ዝቐትልን ዝነበረ ድማ በልካ ኣቶ ረድኢ።

ወይ ጉድ፡ እቶም ሸፋቱ ደቂ ኣየናይ ብሄር ኢዮም? መን ኢዩ’ኸ ወዲቡዎም፡ መን ዝሃቦም ብረት’ከ? ኣበየናይ ቦታ’ኸ ኢዮም ዝዘምቱን ዝቐትሉን ዝነበሩ” እቲ ግዳይ ዝምታን ቅትለትን’ከ መን ነበረ?።

ኣብዚ ብሓቂ ነቶም ኣብ ውራይካ ዝዕጠቑ ኣብ ጸገምካ ዝምክቱ ኢለ ዝጠቕሶም ፈራሃት እግዝኣብሄር ዝኾኑ ክርስቲያን ብሄር ትግርኛ ከየሰክፍ ምእንቲ ኣይምልሶን ኢየ፡ ኣብ ታሪኽ ዝተሰነደን ኩሉ ዝፈልጦን ድማ ስለ ዝኾነ። ንኣቶ ረድኢ መሓሪ ግና ዓገብ ታሪኽ ክትስርዝ ምፍታን ዓሻ ድፍረት’ዩ ጥራይ ኢየ ዝብለካ ንሕጂ!!!

6.    ኣብ ምዕራፍ 12 ገጽ 385 ሕጡብ 2

      ገበነኛ ኢሳይያስ ንስርዓት ኮምዩኒዝም ከም ጉልባብ ገይሩ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብሃይማኖት ንምክፍፋል ዝገብሮ ዝነበረ ፍልስልስ ኣየቋረጾን ድሕሪ ምባልካ ኣቶ ረድኢ፡ ከምቲ ኣብ ተኸተልቲ እምነት ጆሆቫን ጴንጠን ዝወሰዶ ናይ ምእሳርን ምብራርን ስጉምቲታት፡ ናብ ውሽጢ ሃይማኖት ኣስላም ብምእታው ከኣ ብስም “ጫሓማት” ዝብል ሰባብ ምኽንያት፡ ቡዙሓት ደቀባት ኤርትራውያን ካብ መታሕት ኤርትራ /ከረን፡ ሓጋዝ፡ ኣቑርደት፡ ተሰነይ፡ ወ.ዘ.ተ…/ሰባት ኣሰረ፡ ኣንጻረይ ክስለፉ ኢዮም ንዝበሎም ቡዙሓት ደቂ ብሄር ኩናማ ከም ዝኣሰሮም ውን እፈልጥ’የ በልካ ኣቶ ረድኢ።

እሞ ነቶም ኣብ ቆላታት ኤርትራ ዝተኣሰሩ ካብ ፈለጥካ ዳኣ፡ ነቶም መጭወይቶምን ምሕቃቖምን ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ኣማኢት ደቀባት ከበሳ ኣስላም ዘይምዝካርካ ዳኣ እንታይ ኢዩ ምስጢሩ!!! እዞም ግዳያት እዚኣቶም እኳ፡ ካብ ገጠራትን ከተማታትን ሰራየ፡ ኣከለጉዛይ፡ ሓማሴየን’ዶ ኣይኮኑን። ንምርዓድን ኣራእስ ንምድናንን ተባሂሉ ዝተወሰደ ናይ ቦጅቧጃት ሱጉምቲ’ዶ ኣይኮነን ዝነበረ፡ ዝፈጸሙዎ ገበናት’ከ ኣሎ ድዩ?።

7.    ኣብ ምዕራፍ 13 ገጽ 398 ሕጡብ 3

እቲ ገዛእቲ ሓይሊታት ንረብሕኦም ኢሎም ዘተኣታተውዎ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ምምቕቓላት፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣጥፊእናዮ ክንስና ዝበልካዮ ኣቶ ረድኢ።

ናዓ ዳኣ ኣይፋልካን፡ ዝኣኽለን ጥሒነን’ሲ ባዓለማርያም ይብላ ዝብሉዎ ከምዚ’ዩ፡ ኣብ ሜዳ ኣጥፊእናዮ እንተንኸውን፡ ደቂ ገለ ኣውራጃ ብደቂ ካልእ ኣውራጃ ግዳይ ቅንጸላን ምብላል ታሪኾምን ኣይምኾኑን። ኣብ ሜዳ ኣጥፊእናዮ እንተንኸውን፡ ደቂ ሓደ ሃይማኖት ኣንጻር ደቂ ካልእ ሃይማኖት ዝቐንዐ ምስጢራዊ ሰልፊ መስሪቶም ቀተልቲ መልሚሎም ሓርበኛታት ኣይምኾስተሩን። እዚ ስለ ዝነበረን ዘሎን፡ ሀገረ ኤርትራ ከምዚ ትዕዘባ ዘለኻ፡ ከም ሊባኖስን ዒራቕን ሶማልን ንኽትከውን ዝተረፋ የለን። እዚ ግምት ወይ ትምቢት ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ ኩውንነትና ኢዩ ፈቲና ጸሊእና።

8.    ኣብ ምዕራፍ 16 ገጽ 492 ሕጡብ 2

ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ፡ ብኣውራጃ ይመቓቕሉ፡ ብሄር ምስ ብሄር የተሃናኹቱ፡ ኣስላም ምስ ክርስቲያን የተፋንኑ፡ ሸፋቱ ኣዕጢቖም የዋፍሩ ውን ወሰኽካ ኣቶ ረድኢ።

ኣብዚ እነሀ ዘረባ ዝብሉኹም ኮምዚ ኢዩ። እዚ ምዕራፍ ናይታ መጽሓፍ፡  ምስ ምዕራፍ 12 ገጽ 370 ሕጡብ 2 ብፉጹም ይገራጮ። ስለዚ ናይ ኣጻሓሕፋ ጌጋ ዲና ክንብሎ ወይ ሓቂ ሞሊቛ ወጺኣ፡ እቲ ፍርዲ ን ኣንበብቲ ይገድፎ።

ኩቡራት ኣንበብቲ ክሳብ ኣብዝመጽእ ጹሑፈይ ንራኸብ ሰላም ንኹልና ኣብ ዘዘለናዮ።

Hiyabu@netzero.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares