Calendar
Category Archives: ትግርኛ
ጸወታ ፖለቲካ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣብ ዋሽንግቶን-ዲሲ
ሓጺር ቃል-መሕተት ምስ መሓዙቻ ዓርቢ ጕንበት 25 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሓይል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጸወታ ፖለቲካ ክካይድ’ዩ፡፡ እዚ ኣብ መንጎ ጋንታ “ንሕናን ሕዝብን” “ንሕና ንሱን” ዝካይድ ሓያል ጸወታ ከይምልጠኵም ቖጸራዅም ኣብ ዲሲ ይዅን፡፡ ጋንታ ንሕና ንሱ፡ በቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ከይተቐየረ ዝመርሖም ኣስልጣኒኦም ተመሪሖም፡ ኣብቲ ኣቀዲሙ ዝተገብረ ዓለምላኻዊ ናይ ምሕዝነት( ዲፕሎማሲ) … more
Posted in ትግርኛ
Leave a comment
ሞትን ጽላለታን
ኣይናትካን ኢያ “ሞት ስለኺ እሞ እንታይ ክብል? እንታይ ኣሎ ዘይተባህለ? መን ኣሎ ንዓኺ ዘይፈልጥ፡ ጨሪሽኪ’ዃ ርግምቲ ኣይኮንክን። ግን ጸገም ኣሎኪ። ልብን ቀልብን ይውሕደኪ ኢዩ። ሓንሳብ ትቅልጥፊ ሓንሳብ ትድንጉዩ። ሞት ማዕረ ኢያ ኻኣ ይብሉኺ፡ ብምንታይኪ? መዳለዊት ኢኺ። ካብዚ ንላዕሊ፡ ንዓኺ ዝኸውን ቃላት የብለይን። ኣብ ዙርያኺ ግን ክንቀሳቀስ ኢየ። ናይ ሎሚ ጽሑፈይ … more
ህግደፍ: ሓሶት ነዚሕካ ናብ ተቓወምቲ ምልጣፍ!
ኣብ ዝነኾነ ሕብረተ-ሰብ ንሓደ ሰብ ንሞት ኣይትምነዮን። ብፍላይ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ንጸላኢኻ ከማን ይሙት ኣይትብሎን። ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ግን ሞት ናይ ኢሳያስ ከየጋነንኩ፡ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ተመኒይዎ። ዳርጋ ሞት ኢሳያስ ዝሰምዐ ኩሉ ብዕልልታን ታሕጓስን ተቐቢልዎ ክበሃል ይከኣል። እዚ ድማ ካብ ምረት ግዝኣት ኢሳያስ ዝተላዕለ ኢዩ። በሉ ኣስተውዕሉ! ስርዓት ህግደፍ ፡ ሓሶት ዘሪእኻ፡ናብ … more
ኤርትራ፡ መሰረታዊ ለውጢ ወይስ ጽግና
ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ሰሙን ዝወሰደ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላወ ብዓይነቱ ሓዱሽ ይመስል። ኣቶ ኢሳያስ “ብጽኑዕ ሓሚሙ። ኣይ መይቱ’ባ።” ዝብል ክታዓት ለይቲ ምስ መዓልቲ ይካየድ ኣሎ። ኩላትና ከም እንፈልጦ ሃገረ-ኤርትራ ን 21 ዓመታት ብሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት እትመሓደር ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ስርዓት ሓደ ውልቀ-መራሒ ዘሕምቖ ስርዓት ምዃኑ ኢዩ።ኢሳያስ ካብ ደቂቕ ስጋብ ዓቢ … more
Posted in ትግርኛ
2 Comments
ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞሲያዊ ለውጢ ምስ ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ጉዳያት ተራኺቡ
መግለጺ ንጥፈታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን፡ ብሓጂ ጀሚል ኣማንን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ኣባላት ባይቶ፡ ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ኣስፊሖም ዘትዮም። ኣብዚ … more
Posted in ትግርኛ
Leave a comment
ዘመነ ኣሰለት የብቕዕ
“ኣስተውዕል መንእሰይ ኣለኵ በል ክስገር ኢዩ እዚ ዘመን ገበል” ድምጻዊ ዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትኳቦ) ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሙኳኑ’ዩ ምስ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ “ ይገርመና ኣሎ” ምስ ትብል ግጥመ-ዜሙኡ ቝሙቕ ዝበለ ስነ-ጥበባዊ ዕላል ኣካይድና ነይርና፡፡ ድሕሪኡ ዋላ ኣይተራኸብናን፡፡ ተጣፊኢና፡፡ ኣብ ልዕሊ “ ይገርመና ኣሎ” ስነ-ጥበባዊ ትንታነን ውልቓዊ ርእዩታተይ ከስፍር ከለዅ፡ ካብ … more
Posted in ትግርኛ
4 Comments
መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድን ኣበራታን
ኩቡራት ኣንበብቲ መጀመርታ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፡ እቶም ብደቂ ሰባት ብቓል ወይ ብጹሑፍ ዝፍጸሙ ጌጋታት፡ ብቡዙሕ ኣገላልጻ ክግለጹ ይኽእሉ፡ ገለ ካብኣቶም፡ 1. ጌጋ ትፍጽም ከምዘለኻ ብዘይ ምርዳእ፡ 2. ብሰባት ተደፋፊእካ፡ 3. ሓቅነት ዘይብሉን ኢሎሞ ኢልካን ወይ ስምዒታውን ወገናውን ምስ ዝኸውን፡ 4. እቲ ዝኸፍአ ግና ረብሓታትካ ንምኽዕባትን ሰባት ንምኽሳብን ኮይኑ፡ ንኻልኦት ዝብድል ፈጠራን … more
Posted in ትግርኛ
12 Comments
ዝወዓለስ ፥ ኹሉ ደኣ ይለለ
ኣስታት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ይኸውን ሓደ ዓርከይ ንክልተ ቤተ-ሰብ ናይ ድራር ዕድመ ገበረልና። ድሕሪ ዝተቀረበ ሽሻይ ምምጋብና ናብ መሕለፊ ጊዜ ዝበልናዮ ወግዒ ኣተና። ከም ኣጋጥሚ እቲ ሳልሳይና ኣዚዩ ተዋዛያይ ብምንባሩ ነቲ ምሸት ዳርጋ ንሱ ተቛጻጺርዎ ኔሩ ክብል ይኽእል። እዚ ሓው እዚ ብዝሓት ቛንቛታት ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ዝነበሮ ስለዝኮነ … more
Posted in ትግርኛ
3 Comments
ቀብሪ ሓደ ሰብኣይ ወይስ መሰል 4 ምልዮን ህዝቢ?
ኣብ ዓለም ዘለው ዲክታተራት ሓደ ንኹሎም ዝገዝኦም ባህርይ ኣሎ። ንሱ ድማ መሰል ህዝቢ ኣየኽቡሩን፡ መሰል ውልቀሰባት ኣየግድሶምን፡ ልዕላውነት ሃገርውን ኣይንታዮምን። እታ ቀንዲ እተገድሶም ስልጣኖም ኢያ። ብስልጣኖም ዝመጾም ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ድልዋት ኢዮም። ኢሳያስ ብፍላይ ሕልፍ ዝበለ ጨካን ኢዩ። ናይዝጊ ክፍሉ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሕከም ጸኒሑ ከም ዝዓረፈ … more
Posted in ትግርኛ
2 Comments
ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (2ይ ክፋል)
ኣብቲ “ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምትንታን ዳህሲስናዮ። ብመሰረት’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ዝቐረበ ትንተና ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኹሉ መለክዕታት ሕጋውነት፡ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጽና። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡ ንደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ ብኸፊሉ ክንድስሶ … more
Posted in ትግርኛ
Leave a comment
ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (ቀዳማይ ክፋል)
ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ’ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም። ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡ እቲ ብቐዳምነት ክትግንዘቦ ዝግባእ ኣገዳሲ … more
Posted in ትግርኛ
5 Comments
ካብ ዕውት ጉባኤ ሃዋሳ ሕጂ’ኸ ናበይ?
መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣሓጎሰካ፡ እንቋዕ ከኣ ኣሓጎሰና ክብል እፈቱ። እዚ ዓወት’ዚ ብርግጽ ንውጹዕ ሀዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንህግደፋውያን ድማ መርድእ ኢዩ። እወ! ሕጂ’ውን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እንድሕሪ ተኣኪቡ ከምቲ ጸላእቱ ዝምነይዎ ዘይኮነስ ከይተሰማምዐ ኣይወጽእን ኢዩ። እወ! ንመጀመርያ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣይወክል እምበር ብከፊል ብህዝቢ ዝተመርጸ ኤርትራዊ ባይቶ ቆይሙ። ዲሞክራስያውያን ተቓለስቲ … more
Posted in ትግርኛ
2 Comments
ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ
ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብቀሲስ ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ (ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ) ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። … more
Posted in ትግርኛ
2 Comments
ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ
ውልቀመለኽቲ ፡ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ክትሓስቦን ክትገብሮን ክስምዓካን ዘለዎ ነገራት ክልፍልፉ መሬት ይዓርቦም። ውልቃዊ ባህግታትካን ሃንቀውታኻን ኣብ ቅድሚኦም ትርጉም የብሉን። ስለዚ፡ በቶም ንህይ ወትካ ዝያዳኻ ዝሓልዩላ ሰባት ተኣዚዝካ ምንባር እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ ነፍስኻ ምሕሳብ ኣየድልየካን’ዩ ይብሉኻ። ስቲፈን ቪዚንዘይ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ጀጋኑ ደቁን፡ ሳላ’ቲ ዘርኣዮ ንባዕዳውያን ኣይግ ዛእን ዝብል … more
Posted in ትግርኛ
Leave a comment
