Awate.com

ስቕታ፡ ኣብ ምስላ ኣብ ያታ

ስቕ መሪጽና
ተግባር መራሕትና
ናይ ሎሚ መለዓሊ ዘረባና

ኣብ ሙሉእ ዓለምና
ብሕልፊ ኣብ ኤርትራና

ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ይምጎስ ይፍቶ ስቕተኛ

ንህቦ ንስቕታ ዓቢ ክብረት
ይቑጸር ዝበለጸ ልዕሊ ንብረት

ናይ ስቕታ ልዕልና ንምጉላሕ
ምስላኡ ንምጥቃም ንብል ላሕ

ንጥቀም ብዝሕ ዝበሉ ኣበሃህላ
ምስላ ነእቱ ኣብ ብዙሕ ዘረባ ክኢላ

በሉ ምስ ገለ ምስላ፡ እስኪ ንግበር ሌላ፤

“ስቕ ጥዑም”
ዋላ እንዳ ኣእተወና ኣብ ህጉም

ስቕ መቐረታ ከም ጥዕምቶ
አፍ ተዕጹ እንዳሃለወካ ትሕዝቶ
ክትወጽእ ዝግባእ ትብለካ እቶ እቶ
ስማዕ ጥራይ፣ ሓቢጥካ ከለኻ ብሕቶ

“ስቕ ዝበለ ካብ መዓት ገለለ”
ንግዚኡ ይመስሎ ዝኸደ ዘታለለ
ክሳብ መዓት ዘርክቦ እንዳዘለለ
ስቕ’ሲ ተዛራቢ እንዳሃሎ እንዓብለለ?

“ስቕ ዝበለ ኣፍ፡ ዝምቢ ኣይኣትዎ”
ወይ አደራዕ፡ ከመይ ዝበልዎ!
ፈለማ ሃመማ አብ አፍ እንታይ አእተዎ
ግና አይተርፍን ብስቕታ ኣፍ ምስ ጨነዎ!

“ዘረባን ስኣን ስቕ” (ሓርጭኒ ስኣን ውስኽ)
ሓደ ሓጥእ፣ ሓደ ጻድቕ
ሓደ ተራ፣ ሓደ ሊቕ

ምስኪናይ ዘረባ ከም ሕማቕ ተቆጺሩ
ክውቀስ ይነብር ንስቕታ ከመጉስ ክብሩ

ሓርጭ ተወሰኸ ከም መሰነይታ
የባእስ ዶ ንምባል ይኸወን ንሃልሃልታ?

“ስቕ ዝበለን ይርሓስ ዝበለን ሓደ”
ወይ ኣነ ዕደ!
ከመይ ቢሉ?
ንዑ’ባ ዓገብ በሉ
መን ሰሚዕዎ አይፋሉ
መን ፈለጦ ኣብ ስቕታ ዘሎ ኣሉ!

“ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ”
ዘፍርህ ካይበለ ብጭቕ
አኪቡ ሎኲቱ አብ ሳንዱቕ
ዝርአ እንተዝኸውን አቢልካ ፍቕቕ

ምሓሸ ሰቕሳቑ እንተዝዛረቦ
ገና ካይኣሾኸ እንከሎ ዒልቦ

“ሰቕ ምባል ዳርጋ ወርቂ፡ ጽቡቕ ምዝራብ ዳርጋ ጽድቂ”
ብግልባጡ ምሓሸኒ፡ ብኡነት ናይ ብሓቂ
ሰቕ ምባል ዳርጋ ጽድቂ፡ ጽቡቕ ምዝራብ ዳርጋ ወርቂ

ብብዝሒ ዝዝውተሩ ስቕታ ዘመጉሱ
ውሑዳት’ውን ኣለዉ ንስቕታ ዝወቕሱ

“ስቕ ዝበለ ጎራሕ ይመስል
ንብላዕ ዝበለ ህሩፍ ይመስል”

ኣብዚ እንሃልኩም ምስላ
ግልጺ ቃል-ዓለም ዘይብላ

ዝተዛረበ ይረክብ ሞሳ
ዘስቐጠ ይመስል ሬሳ

“ስቕ ምስበለ እንድዮም ዝቐበርዎ”
ዋአ! ትንፋሱ ‘ተሓቢኡ ድኣ፡ እንታይ ክገብርዎ!

ዝኾነ ኮይኑ፣ ንኤርትራ ተኻናኸኑ

እንታይ እዩ ዘሎ ዘዛርበና
መንግስቲ ኤርትራ፡ ስለ ዘብዘሖ ስቕ መሪጽና

ስቕ፡ እወ መሳርያ እዩ ኣብ ዝግብኦ
ጊዜኡ ፈሊጥካ ‘ተእትዎ ‘ተውጽኦ
ከም ጸባ ሓደው ተፍልሖ ሓደው ተርግኦ
ስቕ ተሃንዲዱ ንዝመጸ ይኽእል ከህድኦ
ከዝሕሎ ይኸል ከረድኦ
አብ ዘድሊ: ስቕ ይህልዎ ዓቢ አስተዋጽኦ
ቀጻሊ ከም ውጥን ግና፡ ክቑጸር ይኽእል ዳርጋ ተዋስኦ

ኣብ ምስሕሓብ ዶብ ስቕ መሪጽና
ኣብ ምስጓግ ዜጋታት ስቕ መሪጽና
ኣብ ስደት ዜጋታት ስቕ መሪጽና
ኣብ ክሲ ወዲ ክሲ ስቕ መሪጽና
ኣብ ውግእ ኣብ ሞት ስቕ ኢልና
አብ ክሲ ወንጀል ስቕ መሪጽና
ስቕ መሪጽና ኣብ ወዘተረፈ
ነገር ተኣከበ ከደ ተኣፈፈ

ዓለም ትዝወር ብዘረባ
ብዙሕ ሕብሩ ከም ዕንባባ
አብ ውሽጢ ገዛ ኮነ አብ አኼባ
አብ ሃገር ኮነ ዓለም-ለኸ አብ ዞባ

አብ መንጎ ዜጋታት ብዲሞክራሲ
አብ መንጎ ሃገራት ብዲፕሎማሲ
ን(ጻዕሪ)ጸዓት መመሓላለፊ ከም ነሃሲ

ዘረባ መበገሲ
ዘረባ መቃለሲ
ዘረባ ካብ ረስኒ መምለሲ
ስቕ መጠራጠሪ መካሰሲ

ስቕ ዝበለ ኩሉ ይለግቦ
ዝወጠኖ ዝሓሰቦ ዘይሓሰቦ
ዝደርበዮ ዝወደዮ ዘይተጎልበቦ
ስቕ ምስ ከእለት አይቁጸር፡ አይተውህቦ

ዓላማ፡ መምረሒ፡ ስርዓተ-ምሕደራ
ኣብ ስቕ ክህልዎም ኣይክእልን እንኮ ስፍራ
ብግልጺ ክዝረቡ ይግብኦም ከም ዘይነጽፍ ዛራ

ኩሉ እንተ-ዘይቀሪቡ ብግልጺ ብድምጺ
ሃገር ትኸውን ሕብእቲ ዝተነፍገት ቅርጺ
ዜጋ ይኸውን ዝዛረብ ብጎንጺ

ስቕታ ግድን ክዛረብ ኣለዎ
ከድምጽ ትሕዝቶ ከምዘለዎ

ሃይለ ሰ.

ንበያን ነጋሽ ይብጽሓዮ ምስጋና
ነዛ ሓሳብ ብሓንሳብ ዘልዓልና

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares