Awate.com

መርድእ (SATIRE)

ኪዳን ዓሪፉ መርድእ ዝሓለፈ ቀዳም 28.11.2010 ዓም ሰዓት 8፡30 ኣብ ፓል-ቶክ ሰሚዕና። መእወዪ: ኪዳነ ሓጎስ። ኣባላታ ኣይሞትናን ኣሎና ክብሉ ኣብኡ ኣይነበሩን እሞ ኪዳነ ሓቁ’ዩ  ዝኸውን ኪዳን ሞይታ እያ። እቶም ኢፒዲፒ ከኣ – ማለት፡ እቶም’ኳ ቀደም ተ.ሓ.ኤ.|ሰ.ባ. ዝበሃሉ ዝነበሩ እሞ ድሓር በዓል ኵስቶን በዓል ኵስቶን ዝተሓወስዎም፡ ድሓር ከኣ በዓል ኵስቶ ዝጎደልዎም፡ ያኢ ሽዓ ምሸት ኣብ ጫፍ ሓንቲ መርፍእ ክንደይ መላእኽቲ ክቕመጡ ይኽእሉ? ክካትዑ ኣምስዮም  ሞቶም ኣይተረድኡን።

ካልእ  መረጋገጺ ሞታ ድማ፡ ሬሳ ይጨኑ እዩ’ሞ  በላዕቲ ጠንቢ ዝበስበሰ ስጋ ሸቲትዎም  ከካብ ጐዳጕጓዶም ክወጹን እቶም ኣብ ዙፋናት ኣግራብ ኣድፊጦም ጠንቢ ከቋምቱ ዝጸንሑ ኣሞራታት ከኣ ብወግዒ፡ ግድን ተደሲቶም ዝብላዕ እንድዮም ረኺቦም፡ ከንጨቛጭቑን ይስምዑ ኣሎዉ’ሞ ኪዳነ’ስ  ሓቁ’ዩ ዝኸውን ኪዳን ግድን ሞይታ እያ። ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብካ።

ንዅሉ ሰብን እንስሳን፡ ብዘይካ ንበላዕ ጥንቢ፡ ባህርያዊ ሞት መግቡ ዘደስቶ የሎን። ሰብ፡ እንስስኡ እንተሓመሞ ይፍውሶ። ኣብ ኢዱ ከይሓውዮ እንተፈርሐ ከኣ ደም ኣንቂዑ ይበልዖ። ኣንበሳ፡ ንሱ ባዕሉ ተጓዩ ብኽሳዱ ሓኒቑ ዘይቀተሎ ጥንቢ ኣይበልዕን። በላዕ ጥንቢ ግን እቲ መግቢ ሓሚሙ ትንፋሱ ትልኽ እንዳበለት ኣብ ጐድጓዱን ገረቡን ኣራጢጡ ክሞተሉ ይጽበ ድኣ’ምበር ነቲ መዋቲ ክሕግዝ ሓንቲ ኣጻብዕ’ቲ’ኳ ኣየልዕልን። ኣፉ ምራቕ መሊኡ ጥራሕ ብትዕግስቲ ይጽበ።     

ኣብ’ዚ ብጌጋ ከይትርድኡኒ  ኣብ ልዕሊ በላዕቲ ጥንቢ፣ ኣሞራ፡ ዝብኢ፡ ወኻርያ…፡ ፍቕርን ኣድናቘትን ድኣ’ምበር ጽልእን ጽየናን የብለይን። ብንትርፎ ንሳቶም ዓለምና በድንን ርስሓትን መሊኣ ብመዓት ሕማማት ም’ተኣለሽና። በላዕቲ በድኒ ኣድለይቲ ኣስፋጺኒ ባህርዪ እዮም። ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም’ውን ከምኡ።

እምበኣር ኪዳን ሞይታ ንዓርከይ ሹም ገረሃንስ ክርድኦምን፡ ግሩም መልቀሲ ከኣ እዮም’ሞ ገለ ልቅሶ ክጽሕፉን ደወልኩሎም።

“ኣይፋልን’ዚ ወደይ ኣይፋልን ትንፋሳ’ስ  ኣይሓለፈን።  ገና’ስ ትልክ ትብል ኣላ። ቅኑዕ መድሃኒት ወሲዳ ነፍሳ እንተፈዊሳ ክትጥዒ’ውን ትኽእል እያ’ሞ እቲ ልቅሶስ ይጽንሓልና። ንሞት ኣይንተሃወኸላ … “  በሉ ኣቦይ ገረሃንስ ኣሪጎም ከነሶም ንሞት ገና ይጸልኡዋ።

“እሞ ኪዳነ ሓጎስ’ስ ካብ’ቶም ናይ ቀደም ፈላጣት፡ ትጕሃት፡ መስተውዓልቲ፡ ምኵራት፡ ሓቀኛታት ሓዋርያት እዩ’ሞ ኣብ ቅድሚ ኣማኢት እኵባት’ስ ኣፉ መሊኡ ከም’ኡ ኣይምበለን … “

“ዋእ! ካብ’ቶም ክትሞተሎም ክጸናጸኑ ዝጸንሑ እንተኾነ’ኸ? ሞት ሓደ’ኮ ምውላድ እቲ ካልእ እዩ። ክውለድ ተሃዊኹ እንተኾነ’ኸ? ወይ ንስኻ! ሕጂ ድማ መሊስና ንኽንፈሽል ዓሰርተ ዓመታት ክንጽበ !“ ሓረቑ ኣቦይ ሹም። ተስፋ ዘቝርጽ ሓበሬታ ምቕባሉ ኣሸጊሩዎም ኢዩ ሓሰብኩ።

“በሉስ’ከ ከምቲ ልሳንኩም ይግበረልና። ብዛዕባ እንታይ  መድሃኒ ድኣ ሓሲብኩም … ? ”

“እቲ ቀንዲ መድሃኒት ክትሰማማዕ ምድላይ እዩ። ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ኣይንቕነቕን … “

“ኣቱም ኣቦይ ገረሃንስ ብምስላ ዝሓዊ ኣይኮነን’ቲ ሕማም   … “

“ብዘይካ ክንሰማማዕ ምድላይ ፍቶ ጽላእ ካልእ መድሃኒት የሎን። ክንሰማማዕ ‘ተደሊናምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢልካ ዝሕደግ ብዙሕ ኣሎ’ሞ እቲ መድሃኒት ንሱ እዩ።  እኳ’ዩ። ክንሰማማዕ ‘ተደሊና፡

  • ዝኾነ ጉጅለ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ተሞኵረይ ፍሉይ ውሕሰነት የድልየኒ እዩ እንተበለ፡ ንኽልን ሓድነትን ሓባራዊ ቅዋምን ሃገርና ብዘይጥሕስ መገዲ እዚ ውሕስነት’ዚ ክግበረሉ ይግባእ። ውሕስነተይ ነብሰይ ከምቲ ቃሕ ዝብለኒ ምውዳብ  እዩ  እንተበለ እዚ መሰሉ እዩ። መን’ዩ ንመን ነብሱ ከመይ ክውድብ ክውስነሉ?  ብሃይማኖተይ ክውደብ እየ እንተበለ’ውን ብሃይማኖቱ ነብሱ ክውድብ ይኽእል። እዚ’ኮ ሓዲስ ኣይኮነን። ራቢጣ ኣል ኢስላምያ ኣብ ክሊ ሃይማኖት ዝተወደበ ውድብ ነበረ። እሞ ኤርትራውነቱ ክሒዱ’ዶ? ኤርትራ ትፈጨል ኢሉ’ዶ? እኳ’ድኣ፡ ብኣንጻሩ፡ ካብ’ቶም ዝለዓሉ ሃገራውያን ዝለዓለ ሃገራውን ሓርበኛውን እዩ ዝኾነ።

ዝኾነ ኣካል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነብሰይ ከም ‘ኣነ’ ክውድብ እየ፡ ውሕሰነተይ እዚ እዩ፡ እንተበለ ብቅጽበት ጸረ ሃገርን ሓድነታን ኴይኑ እዩ ምባል ነቲ ብቐሊሉ ፈራሒ ምፍርራሕ ጥራሕ እዩ። ኢሳያስ ድኣ ካብ’ዚ ሓሊፉ እንታይ ገበረ!  ሓደ፡ ኩናማን ኤርትራውን፡ ዓፋርን ኤርትራውን … ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ኣካል ህዝቢ ኣነ ከም ኣነ ነብሰይ ወዲበ እየ ኣብታ ሓንቲ ሃገረ ኤርትራ ክነብር ዝደሊ ኢሉ እንተጸንዐ’ኸ ኣይፋልን ከም’ኡስ ኣይጥቕምኻን። ጥቕምኻ ከምቲ ንሕና እቶም ዝበዝሑ ንነግረካ እዩ። እንተዘየሎ … ! ክበሃሎ ድዩ? እዝስ ኣይንሰላምን። ኣይንምርግጋእን። ኣይንምትእምማንን።

  • እታ ነጻነት ክሳብ ምፍንጫል ግን ጥዕምቲ ኣይኮነትን። ኣብ ሕጊ ናይ ዝኾነት ሃገር የላን። ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣይተፈጸመትን። ዝድግፋ ሃገርን ዓለማዊ ሕግን እውን የሎን እሞ እቲ ካልእ ክሓድጋ ይግብኦ።
  • ንኢሳያስ ከመይ ንቃለሶ? ንኢሳያስ ብዅሉ ዓቅምና ንቃለሶ። እቲ ብሰላም ንቃለስ ዝበለ ብሰላም ይቃለስ። ሰላም’ውን ብርቱዕ ሓይሊ እዩ። እቲ ብኵናት ክቃለስ ዝበለ ከኣ ብኵናት ይቃለስ። ነንሕድሕዱ ድማ ይተሓጋገዝ።     
  • ብዛዕባ ሓገዝ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ንኢሳያስ ንምስዓር ክሕግዝ እንተበለት ትሓግዝ። ንሳ’ውን በቲ ወድና (ወድና ድዪ ወዳ?) ጥዑም ኣይረኸበትን። ሓደ ካብ ወትሃደራታ ናብ ኤርትራ እንተኣስገረት ግን እቲ ነገር ተበላሽዩ ኢሳያስ ተዓዊቱ ማለት ክኸውን እዩ። ኢትዮጵያ ከኣ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ተሞኵሮ ውግእ ኣይተማህረትን ማለት ክኸውን እዩ። ክልቲአን ሃገራት ድማ ናብ ዘመነ እምኒ ክምለሳ እየን። እቶም ተጋሩ ግን ጎራሓት እዮም ነዚ’ስ ኣይፈልጥዎን ኣይብልን። እዚ ወድሓን’ካ።

“እሞ ብዘይ’ካ ሓንቲ ምስላ ክትድምድሙ …“

“መስሓቕ ሸራፋት ኣይትግበረና ኣምላኸይ። ካብ በላዕቲ ጠንቢ ኣድሕነና …”

“ጸሎት’ውን ሓዊስኩም። የቐንየለይ። እሞ ዝኸውን ኣይፍለጥን እዩ እሞ ነታ ልቕሶስ ጀምርዋ ድኣ …”

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ (Germany)

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares