Awate.com

ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ

ውልቀመለኽቲ ፡ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ክትሓስቦን ክትገብሮን ክስምዓካን ዘለዎ ነገራት ክልፍልፉ መሬት ይዓርቦም።  ውልቃዊ ባህግታትካን ሃንቀውታኻን ኣብ ቅድሚኦም ትርጉም የብሉን። ስለዚ፡ በቶም ንህይ ወትካ ዝያዳኻ ዝሓልዩላ ሰባት ተኣዚዝካ ምንባር እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ ነፍስኻ ምሕሳብ ኣየድልየካን’ዩ ይብሉኻ።                                                          ስቲፈን ቪዚንዘይ

ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ጀጋኑ ደቁን፡ ሳላ’ቲ ዘርኣዮ ንባዕዳውያን ኣይግ ዛእን ዝብል ዘይሕለል ናይ ቃልሲ ኒሕ ንፈለማ ግዜ ነጻነቱ ምስ ጨበጠ፡ ሓንቲ ብሕልሚ’ምበር ብጋህዲ ዘይትርከብ ኤርትራ ክምስርት’ዩ ነይሩ ባህጉ። ኵሉ ነገር በቲ ዝተመነዮ እንተ ዝኸደሉ እቲ ሃንቀውታኡ ሓቂ ምኾነ ነይሩ። ኣፍሪቃ ቅኑዓት መራሕቲ ስለ ዘይተዓደለት ግን ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወ ጨው ሓቒቑ ተሪፉ። ኣብቲ መጀመርያ ድሌትን ሃንቀውታን ህዝቢ ክፍጸም ከም ዝኾነ ማእለያ ዘይብሉ መደረታትን ቃለመሕትትን ክገብር ዝጸንሐ ብስም መራሒ ሃገር ዝተጠመቐ ስሱዕ ሰብ ናይ ስዉኣት መትከል ረጊጹ፡ ህዝቢ ክጭቍኑን ከበሳብስን ጀሚሩ። እቲ ዝቐርብ ዝነበረን ዘሎን፡ “ህዝቢ ንደሞክራሲ ኣይተዳለወን፡ ቅድም ክበልዕ ክሰቲን’ዩ ዘለዎ። ብዛዕባ ደሞክራሲ ዝነግረና ሰብ ኣይንደልን ኢና ወዘተ፡” ዝብል ከም ሃለሉያ ዝደጋገም ምስምሳት ህዝቢ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎ ሰሚዑዎ። እቲ ዝተባህለ ከብዲ ምምላእ ይኹን እቲ ፍትሕን መሰልን ተፈጻምነት ስለ ዘይረኸበ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት መነባብሮ ህዝቢ መሬት ዘቢጡ፡ ህዝቢ ገጽ ደቁ ካብ ምርኣይ ተሓሪሙ፡ ብውላዱ እናሓዘነ፡ “ካብ ሎምስ ኣብ ግዜ ደርግ ይሕሸና ነይሩ” ኣብ ዝብለሉ ኵነታት በጺሑ ይርከብ። ህዝቢ ጥዒሙዎ እንተ’ልዩ፡ ብቓላቱ ካብ ቀደምስ ሎሚ ይሕሸና ክብል’ዩ ዘለዎ። ብሬድዮን ቲቪን፡ “ህዝቢ ጥዒሙዎ ኣሎ። ውሃ ዝበለ ስርዓት ተኺልና፡ እከለ ዝተባህለ ውድብ ኣሞጊሱና፡ እከለ ዝብሃል ሰብ ድማ ኣድኒቑና፡” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ተመሓድሮ ዘለኻ ህዝቢ ምሳሉ ክዛረብ ምጋዳፉ’ዩ ነይሩ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ።

ሃገርና ነጻ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንመዋእላት ተሓሪሙዎ ዝነበረ ነጻነት ከስተማቕር ዝነበሮ ክቱር ባህጊ ብኡ ንብኡ ተቘጽዩ ተሪፉ። ረፈረንደም ክግበር ስለ ዝነበሮ ንኽልተ ዓመት ብግዝያዊ መንግስቲ ዝፍለጥ ዓለም ዘይፈለጦ መንግስቲ ክመሓደር ግድነት ነይሩ። ኣብቲ ዝነበረ ናይ ክልተ ዓመት ግዜ፡ እቲ ምስ ደሙ ዝነበረ ተጋዳላይ ኣብ ብዙሕ ናይ ልምዓትን ዳግመ ህንጻን ስራሓትን ክዋፈር ዝኽእል’ኳ እንተ ነበረ፡ መራሕቱ ብግቡእ ስለ ዘይኣለዩዎ ብፍላይ ሰራዊት ኣብ ፈቐዶ በረኻ ጸሓይ ክጽሎን ብረት ክውልውልን ይውዕል ነይሩ። ነዚ ኢሳያስ ባዕሉ ድሕሪ ረፈረንደም ከይሓፈረ፡ “ክሳብ ሎሚ ኣብ ናይ ፈንጠዝያን ዳንኬራን፡ ከምዚ ሕጽኖት ንብሎ ኢና ኔርና፡” ክብል ገሊጹዎ’ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ተጋዳላይ ዕረፍቲ ይኹን ደሞዝ ኣይሓተተን። እኳ ደኣ ኣብቲ ሳሕቲ ዝግበር ዝነበረ  ኣኼባታት፡ “ስለምንታይ ከምቲ ናይ ሜዳ ባህልና ማእቶት ዘይነደንፍዕ፡ ስለምንታይ ነቐፌታ ተሪፉ፡ ህግሓኤ ከም ቀደሙ የሎን፡” ዝብል ርእይቶ ዝሃቡ ተጋደልቲ ብዙሓት ነይሮም። ሽዑ ንተጋደልቲ ናይ ምጥርናፍ ዕድል ዝህብ ኣኼባታት ወይ ንጥፈታት ይድለ ስለ ዘይነበረ ተከልኪሉ ነይሩ። ስለ ዝኾነ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ሃገር ኣብ ድስካለ ተሸሚማ ክትጸንሕ ግድነት ኮይኑ። ተጋዳላይ ኣብ ሜዳ ኸሎ ብዙሕ ተኣምራታት ሰሪሑ’ዩ። እቲ ንህዝቡ ዘይበቆ ጕልበቱን ኒሑን ግን ኣብ ጥቕሚ ህዝቡ ከውዕሎ ዕድል ኣይረኸበን።  ሃገር ኣይረብሐ፡ ተጋዳላይ ክረብሕ ኣይተራእየ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ ብዘይ ሓደ ፍረ ባኺኑ ተሪፉ።

ኢሳያስ፡ ክሳብ ምልዕዓል ናይ ጕጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ንህዝቢ ኤርትራ ብምትላል፡ ብመብጽዓታት፡ ብትሕትና ኣርዮስ’ዩ ዘካይዶ ነይሩ። ድሕሪ ምንቅስቓስ ጕጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ድጕል ንዕቀትን ትዕቢትን፡ ከም ሓንቲ ልጓም ዘይብላ በቕሊ ክዕንድር ብምጅማር ንህዝቢ ኣብ ቃለመሕትት ከቃልሎ ተራእዩ። ስለዚ፡ እቲ ኢሰያስ ዝህቦ ዝነበረ መብጽዓታት ይኹን ኣገደስቲ ቃላት ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ስለ ዝኸውን ቀጺልና ምርኣዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺበዮ።

ህዝብን ዋና ጸሓፍን 

ሕቶ ቍጽሪ ተጋደልቲ ናብ 30 ሽሕ ክወርድ ተባሂሉ ነይሩ፡ እቲ 70 ሽሕ እንታይ ክኸውን? (ቅድሚ ምጥያስ ተጋደልቲ ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ።)

መልሲ ኣብ ከተማታት ምሸታዊ፡ ኣብ ገጠራት ድማ ምጥፋእ መሃይምነት ክጅምሩዮም። ኣብዚ መወዳእታ ድማ መእተዊ ፈተና እናተዋህበ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ከም ዝከታተሉ ክግበርዩ። ብዘይካ ሞያዊ ስልጠና ንምሃቦም ምደባት ወጺኦም ኣለዉ።

እዚ ኢሳያስ ሂቡዎ ዘሎ መልሲ ብልክዕ ካብ ሓደ ወላዲ ክወጽእ እትጽበዮ መልሲ’ዩ። ኢሳያስ ግን ልክዕ ከም መምህሩ ጆሴፍ ስታሊን ሓደ ነገር እናበለ ካልእ ስለ ዝፍጽም፡ ንግዜኡ ህዝቢ ንምትላል ጥራይ ተዛሪቡዎ። ምኽንያቱ፡ ይትረፍ ንተጋደልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝመሃሩ ወይ ሞያዊ ስልጠና ከም ዝረኽቡ ክገብር፡ ነቶም ብጻዕሮም ሓርኮትኮት ኢሎም መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ’ውን ዕድል ኣይሃቦምን። ነቶም ንሱ ከይፈለጠ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክመሃሩ ዝጀመሩ ተጋደልቲ ድማ ብትእዛዝ ብምሉኣቶም ከም ዘቋርጹ ገይሩዎም። ናይ ኢሳያስ ሓጢያት እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ገለ ተመሃሮ ኣጋ ምሸት ናብ ቤተምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ክጐዓዙ ምስ ረኣዮም፡ “ናበይ ክበጽሑ ኢዮም’ዞም ተጋደልቲ ክንድዚ ዝጓየዩ ዘለዉ? “እንተ’ደልዮም ዶዘር ወይ ትራክተር ግዳ  ዘይመሃሩ!” ከም ዝበለ ብብዙሓት ናይ ሽዑ ተመሃሮ ይግለጽ። ኢሳያስ ንባዕሉ ቀለም ስለ ዘይጸገበ፡ ሰብ ልዕሊኡ ክመሃር ኣይደ ልን’ዩ። ኣብ ሜዳ ንዝነበሩ ምሁራት ከይተረፈ ምሒር ይፍንፍኖምን ይጸል ኦምን ከም ዝነበረ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ኣብ ገለ እዋን ኣብ ሜዳ ኸሎ ስሙ ክገልጾ ንዘይክእል ሓደ ምሁር ብነብሰይ’ኮ ኢየ ዘይፈትዎ ክብል ከም ዝተሰምዐ ዝገልጹ ብጾት ኣለዉ።

ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሜዳ ንዝነበሩ ልዑል ትምህርቲ ዝነበሮም ብጾት ምስ እንምልከት ኣብ ተራ ሰብ ክሰርሖ ዝኽእል ስራሓት ኣዋፊሩዎም ከም ዝነበረ ንዕዘብ። ብፍላይ ነቶም ዘይሰግዱሉ ዝነበሩ ሰባት ብዝከኣሎ መጠን ካብ ኣገዳሲ ቦታታት ከም ዝርሕቁ ብምግባር ኣብ ናይ መጽናዕቲ ወይ ምርምር ቦታታት ጥራይ ከም ዝምደቡ ይገብር ነይሩ። ናይ ምርምር ቦታ ከም ሓቂ ዝጽላእ ኣይኮነን። ኣብ ህግሓኤ ግን ናይ ምርምር ቦታ ከም ናይ መደስከሊ ቦታ ጥራይ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ምናልባት ገለ ምሁራት ታሪኽ ክጽሕፉ ወይ ክመራመሩ ዕድል እንተ ረኺቦም ድማ ነቲ ህዝቢ ዝተቐበሎን ዝኣመነሉን ስርሖም ኣትሪሩ የቋናጽቦ። ኢሳያስ ታሪኽ ዘይፈልጥ ክነሱ ሊቃውንቲ ዝጸሓፉዎ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ 2008 ምስ መጽሔት መንእ ሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከቋናጽቦ ፈቲኑ። ምኽንያቱ፡ እቲ መጽሓፍ ንሱ ብዝደለዮ ኣገባብ ስለ ዝይተጻሕፈ ጥራይ’ዩ። ምናልባሽ ከኣ ከምቲ ግዜ ጃንሆይ ዝነበረ ንዑኡ ዝውድስ ነገር ምስ ስእሉ ስለ ዘይተገብረሉ ይኸውን። ካብዚ ዝዓቢ ነውሪ ወይ ብድዐ ኸኣ የለን። ክንዳኻ ዘይኣኽላ ብኣኻ ይወዓላ ኢልካ ምሕላፉ ይሓይሽ።

ኢሳያስ ኣብ 2000 ዓ.ም ብትካል ልምዓት ፕሮጀክት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ንትምህርቲ ተባሂሉ ዝተዋህበኩም ገንዘብ፡ ወይ ተጠቐሙሉ ወይ ምለሱዎ፡” ምስ በለ፡ ዕረ እናጠዓሞ ኣብ ማትሪክ ንዝተ ዓወቱን፡ ኣብ ናይ ማነጅመንት ኮርስ ጽቡቕ ነጥቢ ንዘምጽኡን፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣባላት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበሩ ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኣፍቂዱ። ትምህርቶም ብግቡእ ከይወድኡኢ ከለዉ ግን ነቲ ከም ወርሓዊ ደሞዝ ዝኽፈሎም ዝነበረ ሚእትን ሓምሳን ዶላር ድሕሪ ክልተ ዓመት ከም ዝቋረጽ ገይሩዎ። እዚ ብፍላይ ነቶም ደሞዝ ዘይነበሮም ኣገልግሎት ሃሳዪ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ እቲ ትምህርቲ ጨሪሹ ደው ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ’ውን ብዓንደርእሱ ተዓጽዩ። ስለምንታይ ተዓጽዩ ንዝብል ሕቶ፡ ዩኒቨርሲቲ ማእከል ተቓውሞ ስለ ዝነበረ ዝብልዩ’ቲ መልሲ። ኢሰያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ብሰለይቲ ይኹን ብምፍርራሕን ምእሳርን ክሰብሮ ፈቲኑ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ከም ናይ መጨረሽታ ፍታሕ ዝወሰዶ ስጕምቲ ምዕጻው ኮይኑ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ካልእ ቍምነገር ዘይኮነ፡ ዩኒቨርሲቲ ማእከል ተቓውሞ ከም ዝኾነ ጥራይ’ዩ ተማሂሩ። ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ድሮ ነቲ ዕድል ስለ ዝተጠቕመሉ ሕጂ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ዩኒቨርሲቲ እንተ ተዓጽወ ዝጐድሎ ነገር የብሉን።

ኢሳያስ ንምሁራት ከም ዘስተናዕቕን ኣብ ስልጣኑ’ምበር ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ከም ዘይግደስ ወይ ንምሁራት ከም ዝንዕቕ ካልእ ኣብነ ታት’ውን ኣሎ። ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ምስ ተኪአ በየነ ኣብ መጽሔት ሕወየት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ገለ ሰባት ንትምህርቶም ሚስቲፋይ ክገብሩዎ ይፍትኑ። ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ነገር ግን ኣይኮነን። ኣነ ሚስቲፋይ ምግባር ኣይፈቱን’የ። ንዅሉ ብመጽሓፍ ክትመሃሮ ትኽእል ኢኻ፡” ክብል መዲሩ። ነዚ ዅሉ ሰብ ደኺሙ ዝረኽቦ ማስተርስ ዲግሪ ወይ ናይ ዶክት ሬይት መዓርግ ትርጕም ከም ዘይብሉ ገይሩዎ። ከምቲ ንሱ ዝበሎ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ እዞም ኵሎም ናይ ዓለም ሊቃውንቲ ከይደኸሙ በቋራጭ ምተመረቑ ነይሮም። ናይቲ ምርኡይ ኢሳያስ መወዳእታ ስለ ዘይብሉ፡ ነቶም ንማስተርስ ዲግሪ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ተማሃሮ ኣኼባ ምስ ዓደመ፡ “ንዓድኹም እንተ መጻኹም ጽቡቕ፡ ኣይመጻኹምን ድማ ጸገም የሎን ፊሊፒን ክነምጽእ ንኽእል ኢና። ተማሂርና ኢልኩም ከኣ በጠጥ ኣይትበሉ። ኣየናይ ትምህርቲ ኮይኑ’ዩ እዚ ናትኩም፡” ምስ በሎም ሓደ ካብቶም ተመሃሮ፡ “ካብ ናትካ መቸም ይሓይሽ፡ ንስኻ ቀዳማይ ዓመት ጥራይ ኢኻ ተማሂርካ፡” ምስ በሎ ኮሪዩ ኣኼባ ረጊጹ ከይዱ። ይበል መራሕ መንግስቲ ዘብል’ዩ። ካብ ናይ ጽርግያ ዕዋላ ዘይሓይሽ ሰብ መራሒ ክትብሎ ጸገም’ዩ።

ካብ ጋዜጣታት ሓዳስ ኤርትራ

2ይ ዓመት ቍጽሪ ሓደ ረቡዕ 2 መስከረም ቃለ መሕትት ምስ ዋና ጸሓፊ።

ሕቶ ህዝባዊ ግንባርን ውድባቱን እንታይ ክኾኑዮም ድሕሪ ረፈረንደም? ህዝባዊ ግንባር ብሓድሽ ስም ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ኪቕጽል ድዩስ ጨሪሹ ክፈርስ?

መልሲ ቅድሚ ሓርነትውን እንተኾነ ህግሓኤ ተልእኾኡን ህላወኡን ክሳብ ሓርነት ዝርከብ ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኢዩ። እዚ ሕጂ ህግሓኤ ከም መንግስቲ ኮይና ተመሓድረሉ ዘላ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ግን መቐጸልታ መስርሕ ሓርነትዩ። ድሕሪ ረፈረንደም ህግሓኤ ዝብሃል ኣይክህሉንዩ። ነዚ ውሳኔ ጭቡጥ ስጕምትታት ብምውሳድ ክነረጋግጾ ኢና። መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ኣብቲ ንፖለቲካዊ ሰልፍ ታትን ትካላትን ዝውስን ቅዋምን ሕግን ዝተመስረተ ክኸውንዩ። ሽዑ ኣብ መንግስትን ኣብ ፖለቲካውን ንጥፈታት ምስታፍ ንዅሉ ኤርትራዊ ከከም ድሌቱ ክፉት ክኸውንዩ። ኣብቲ መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወት ናይታ ሃገር ህግሓኤ ከም ውድብ መጠን ኣይክህሉንዩ።

ሕቶ ህግሓኤ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ክቕጽል እንተ ወሲኑ ግን በቲ ዝነበሮ ታሪኽን ካድረታትን ኪዕብልልዩ። ኣይመስ ለካንዶ? ፖለቲካዊ ሰልፊ ክኸውን ድዩ ወይስ ንሓዋሩ ክጠፍእ?

መልሲ እዚ ግምታት ጥራይዩ። ብዙሓት ሰባት ብጌጋ፡ ህግሓኤ እንተ በዚ እንተ በቲ ስማ ለዊጣ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ክትህሉ ይብሉ። ሓደ ነገር ኣሎ። ህግሓኤ ምስ ፈረሰት ኵሎም እቶም ኣባላታ ዝነበሩ ካብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ተሰናቢቶም ኪነብሩዮም ኣይብልን። ድሕሪ ረፈረንደም ህግሓኤ ዝብሃል ውድብ ከም ዘይህሉ ግን አረጋግጸልካ። ክትህሉ እንተ ኾይና ኣንጻር መትከላታ ክትከይድ ማለትዩ። ትፈልጦ ኢኻ ህግሓኤ መተኣኻኸቢ ካብ ኵሉ ክፋላት ህዝብና ዝመጹን ነንበይኑ ዝኾነ ፖለቲካዊ እምነታት ዝነበ ሮምዮም። ንሕሉፋት ጸጋማውያንን ሕሉፋት የማና ውያንን ዝጠርነፈ ኢዩ። እቲ ዝነበረ ኵነታት ነዞም ነንበይኑ ዝኾነ ፖለቲካዊ እምነታት ዝነበሮም ሰባት ንሓርነት ሃገሮም ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ገይሩዎም። ሕጂ እዚ ዅሉ ኵነታት የሎን። ስለዚ ከመይ ጌርካ ኣብ ሓደ ውድብ ተጠርነፉ ክትብሎም ትኽእል? ልክዕ ድሕሪ ረፈረንደም ናቶም ፖለቲካዊ ውድብ ንኽምስርቱ ወይ ምስ ካልኦት ሓደስቲ ውድባት  ክጥርነፉ ናጻ ኢዮም።

እንተደኣ ገለ ኣባላት ህግሓኤ ዝነበሩ ሰባት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኖም ክቕጽሉ ዝደልዩ ተረኺቦም ግን ብዛዕባ ኣብቲ ዘድሊ እዋን መግለጺ ኪወጽእ ኢዩ። ሕጂ ብዛዕባ ንጹር መልሲ የብለይን። ድሕሪ ረፈረንደም ህግሓኤ ከም ውድብ ከም ዘይትህሉ ግን ቈሪጹ ኣሎ። ገለ ሰባት ህግሓኤ ዓብን በዓል ብዙሕ ጽልዋን ስለ ዝኾነ፡ እንተ ደኣ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ክቐውም ኮይኑ ኪዕብልል ኢሎም ይፈርሑ ይኾኑ። ህግሓኤ እዚ ጥርጣረ ኣብ ገለ ሰባት ከም ዝህሉ ይፈልጥ ነይሩዩ። ብኣኡ ኢዩ ኸኣ ህግሓኤ ገና ሓርነት ከይተረኽበ ከሎ፡ ሃገር ሓራ እንተ ደኣ ኾይና ከም ዝበታተን ዝወሰነ። ምኽንያቱ እንተ ደኣ ህግሓኤ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ኪቕጽል ወሲኑ እቲ እንኮን ዝሓየለን ዝዓብለለን ክኸውንዩ። እዚ ኸኣ ኣንጻር ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ክኸውንዩ። እዚ ንኸይከውን ድማ ህግሓኤ ባዕላ ንክትሓቅቕ ዝወሰነ። ርግጽ ፍርሕን ጥርጣረታትን ክህሉዩ። ህዝቢ ግን ብንጹህ ልቦና ክቕበሎ ይግባእ። ክፉእ ክሓስብ ኣይግባእን።

ሕቶ ብዛዕባ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዘፍርሕ የብልናን ዲኻ ትብል ዘለኻ?

መልሲ እቲ ንደሞክራሲ ዝፈርሕ ደሞክራሲያዊ ዘይኮነ ዕላማታት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። እንተ ደኣ ደሞክራሲ ናብ ርግኣትን ምዕባለን ዘብጽሕ ኣገባብ ኮይኑ፡ እንፈርሓሉ ምኽንያት የሎን። እዚ ንሰላሳ ዓመታት ንደሞ ክራሲ ዝተቓለሰ ህዝብና ንደሞክራሲ ከመይ ጌርካ ከም ትዕቅባ ይፈልጥዩ። 

ሓዳስ ኤርትራ ርክብ ፕረሲደንት ምስ ህዝቢ ዕለት 26/2/98።

ሕቶ፡ ኣብያተ ፍርዲ ብግቡእ ይሰርሓ ኣለዋ ኢልካ ትኣምንዶ? ፍሉይ ቤትፍርዲ ስለምንታይ ንህዝቢ ዕጹው ዝኸውን? ስለምንታይከ ብማዕከናት ዜና ዘይቃላሕ? እቶም ኣብኡ ዝቐርቡ ጕዳያት ዓበይትን ንኣሽቱን’ዮም፡ ስለምንታይ ዶብ ክግበረሎም ዘይተኻእለ?

መልሲ፡ ዋሕዲ ናይ ሞያውያን ክኢላታት ኣሎ። ክኢላታት ናይ ሕግን ፍርድን የለዉን። ብዛዕባ ንህዝቢ ክፉት ዘይከውን ዝብል ዘረባ ግን ወረ ካብ ምድላይ ሓሊፍካ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ቤትፍርዲ ኮፍ ኢልካ ጕዳያት ብምስማዕ፡ እከለ ሰሪቑ፡ እንታይ ሰሪቑ? ክንደይ ሰሪቑ? ክንደይ ተፈሪዱ? ኢልካ ንምውርዛይ ክጥዕም እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ኣገባብ ዘጠራጥር ወይ ውዲት ስለ ዘሎ ንዑኡ ንምፍላጥ ስለ ዘድለየ ኣይመስለንን። ስለዚ እቲ ወረ ዝደሊ ሰብ ኣብ ገዝኡ ክመጾ ስለ ዝኾነ ዓቕሊ ገይሩ ክጽበ ኣለዎ። ፍሉይ ቤትፍርዲ ንህዝቢ ይከፈት ኣይከፈት ኣብ ዝብል ዘረባታት ኣይኣቱን’የ።

ንተዓዘብ እምበኣር፡ ኢሳያስ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ብወግዕን ብስኑድ ኣገባብን ዝበሎ ረሲዑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከጕባ ዕብዕ ተራእዩ። ስለዚ፡ እቲ ዅሉ ሃተፍተፍ ስልጣኑ ክሳብ ዘደልድል ንኽቃወም ዝኽእሉ ሓይልታትን ህዝብን ንምትላል ተባሂሉ ብመደብ ዝተገብረ ትያትር ነይሩ ማለት’ዩ። ብዙሓት የዋሃት ስለ ዝኣመኑዎ ድማ እቶም ብኣጋኡ ቃልሶም ከሕይሉ ዝሓሰቡ ሰባት ዝሰምዖም ኣይረኸቡን። ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኢሳያስ ብዛዕባ ደሞክራሲ ምስ ተሓተተ፡ “ደሞክራሲ እንታይ ማለት’ዩ?” ክብል በቃጫጭ ንሕቶ ብሕቶ ድሕሪ ምምላስ፡ “እሞ ክሳብ መዓስ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ኢኻ ማለት’ዩ?” ዝብል ሕቶ ምስ ሰዓበ፡  ኣድላዪ ክሳብ ዝኾነ እዋን ክጸንሕ ከም ዝኾነ መሊሱ። ስለዚ፡ እቲ ኢሳያስ ዝገብሮ መደረታት ዓላማኡ ምስ ግዜ ዝኸይድን ብመደብ ንህዝቢ ንምትላል ተባሂሉ ዝቐርብን ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል።

ርግጽ’ዩ ኣብ ገለ እዋናት እንተስ ሰኺሩ ሓዲሩ፡ እንተስ ኣበይ ዘሎ ህዝቢ’ዩ፡ ’ኣበይ ኣዲኡ ከይበጽሕ!’ ኢሉ ግዲ ኾይኑ ፊን ከም ዘበሎ ናይ ዓያሹ መልሲ ዝሃበሉ እዋናት ኣሎ። ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ደሞክራሲ እናተሓተተ ከሎ፡ ናይ ይምሰል ደሞክራሲ ኣይንደልን፡ ኣብ ህንዲ ደሞክራሲ የሎን፡ ኣብ ጓንታናሞ እሱራት ኣለዉ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ እናበለ ብዛዕባ ዘይተሓተቶ ክምልስ ዓንገረር ዝብል ሰብ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ከይተረፈ ደሞክራሲ ፈሊጡስ ኣብ ሃገራዊ ባይቶኡ ብስልጡን መንገዲ ይካታዕን ሃገር ይመርሕን ነይሩ’ዩ። ሽዑ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ማሕበር ሰራሕተናታት ዝብሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ግን ምዕቡልን ሓያልን ዝኾነ ብበዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝምራሕ ማሕበር ሰራሕተኛታት ነይሩ፡ ነጻ ጋዜጣታት’ውን ነይረን። ሕጂ ድሕሪ ስሳ ዓመታት ግን ኣብ ኤርትራ እዚ ዅሉ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ’ዩ ተሪፉ። ቅድሚ ስሳ ዓመታት ኤርትራ ዝተፈ ላለየ ጨው፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ትሰድድ ነይራ። ሕጂ ግን ነብሳ ስለ ዝይትኽእል ካብ ወጻኢ በርበረ፡ ሽጕርቲ፡ ብርቱኳን፡ እንቋቕሖ ከይተረፈ ክመጽእ ርኢና። ንድሕሪት ትኽየድ ንዘላ ሃገር’ዩ ድማ፡ ከበድቲ ናይ ልምዓትን ህንጸትን ስራሓት ተኻዪዱ እናተባህለ ዓንገረር ዝብሃል። ሓደ ሰብ ነታ ኣሉታዊ ናቱ ከይጸብጸበ ነቲ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ነገራት ዝጠቅስ እንተ ኾይኑ፡ መጋገዪ ስእሊ ክህብ ስለ ዝደለየ ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ይግባእ።

ኣብ ገለ ገለ እዋን ነቲ ብተደጋጋሚ ዝተሓተተሉ ጕዳይ ስግረዶብ ክምልስ ከሎ፡ ሃዳምነት የሎን፡ ሃገሩ ዝጸልእ ኤርትራዊ ስለ ዘየሎ ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ሃገሮም ኣይርስዑንዮም፡ እዞም ዝሃድሙ ዘለዉ ሓተላ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾኑ እንተ ጠፍኡልና ኣይጕህንዩ፡ ኣሽሓት ዶላር ሂብካ ናብ ደገ ምኻድ ስደት ስለ ዘይብሃል ንዙረት ከም ዝኸዱዩ ዝርድኣኒ፡ እዚ ናይ ኣመሪካ ሽርሒ ምኽንያቱ እቶም ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ብከመይ ይምወሉ ኣዕሪና ንፈልጥ ኢና፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ሃገር ከይውቀጽእ ክልኩል ኣይኮነን ወዘተብዝብል ኣብ ነንሓድሓዱ ዝጋጮ መልስታት ክህብ ተሰሚዑ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ይኹን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ርኡይ ንዕቀት ከም ዘለዎ ዘርኢ’ዩ።

ልዕሊ ዅሉ ግን ኢሳያስ ንዓበይቲ ዓዲ ሕተቱኒ ኢሉ ኣብ ኣዳራሽ ኣኪቡ ከብቅዕ፡ እቶም ክቡራት ወለዲ ሕቶ ስለ ዝሓተቱ ጥራይ መቀባበልቲ ወረ፡ ሓመይቲ ኢሉ ክዝንጥሎም ዓቢ ነውሪ’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጊ ኣብ ዘለዎ ሃገር መኽስሶን ጦርጦስ መእተዎን ነይሩ። እቲ ቀንዲ ከምዚ መበሊኡ ምኽንያት ድማ እቲ ንሱ ዘቘሞ ፍሉይ ቤትፍርዲ ብኣሉታ ክጥቀስ ከሎ ይትንክፉኒ ኣለዉ፡ ንዓይ’ዮም ዝቃወሙ ዘለዉ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ጥራይ’ዩ። ሓደ ክብሪ ዘይብሉ ሕሱር ሰብ ስለ ዝኾነ ግን ይትረፍ ኣቦታትካ ንዝኣኽሉ ብኽብሪ ንዝተዓደሙ ዓበይቲ ዓዲ፡ ንሓላፊ መንገዲ’ውን ዘይትብሎ ትዕቢት ዝመበገሲኡ ናይ ስድነት ቃላት ደርቢዩሎም። ልቢ ኣዕብዮም ይኹኑ ፈሪሖም ብትብዓት ክምልሱሉ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ዝያዳ ክሻድንን ከም ተባዕታይ ኣድጊ ክሃልልን ዕድል ረኺቡ።

*      *      *

ኢሳያስ ሓንሳብ ንነብሱ ከም መራሕ ሃገር ምስ ኮነ፡ ኵሉ ካልእ ተረሲዑ፡ ብኸመይ ስልጣኑ ከጽንዕን ከደልድልን ከም ዘለዎ ናብ ዝብል ዕላማ ተቐዪሩ። ምኽንያቱ ኣብ ምህናጽን ምምሕዳርን ሃገር እንተ ዘድህብ፡ ብዘይ መደብ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓንዘር ክብል ኣይምተራእየን ነይሩ። ኣብ ዘዝኸዶ ሃገር ምስ ዝጠቕማን ዘይጠቕማን ጋዜጣታት ሃለው ክብል፡ ኣብ  ዘድልዮን ዘየድልዮን ኣርእስታት ኣትዩ ይዛረብ ስለ ዝነበረ ድማ ዝያዳ ክፈኵስ ተራእዩ። ሓደ ግዜ ናብ ዓዲጥልያን ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ሓደ በዓልስልጣን፡ “ኢሰያስ ብዙሕ ግዜ ናብ ዓዲጥልያን ዝመላለስ ብመንግስቲ ተዓዲሙ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “ንሕና ከም ቱሪስት እንተ ዘይኮይኑ ብጕዳይ ሃገር ተዓዲሙ ከም ዘይመጸ ንፈልጦ የብልናን፡” ክብል መሊሱ። እቲ ጕዳይ ግን ኣብዚ ኣየብቅዐን።

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዕለት 11/06/08 ኣብ ዓዲጣልያን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኢላ ኣብ ዘቕረበቶ ትሕዝቶ፡

ኣመሪካ፡ ንኣሕዋት ሶማላውያን ተቓለስትን ንመንግስቲ ኤርትራን ግበረሽ በራውያን ትብል እንተ ኾይና፡ በዓል ጆርጅ ዋሺንግተን ማርቲን ሉተርን’ውን ግብረ ሽበራውያን ክብሃሉ ከም ዝኽእሉ ምፍላጥ የድሊ፡

ክብል ከም ዝተዛረበ ጠቒሳ። ክኢለዮ ተባሂሉለይ ዘይዛመድ ነገራት’ዩ ከዛምድ ዝፍትን ነይሩ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ናይ ኒፋሻ ስምምዕ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ ዶክተር ሙስጠፋ ዑስማን ብዛዕባ ጕዳይ ሰላምን ተራ ኢሳያስ ኣብቲ ጕዳይን ኣብ ቴለቪዥን ተሓቲቱ ዝመለሶ ንርአ።

“ንሕና ነዚ ሰብዚ ኣብ ጕዳይና ኢዱ ክእቱ ኣይንድልዮን ኢና። ምኽንያቱ ባዕሉ ሽግር ፈጢሩ ባዕሉ ዓራቓይ ክኸውን ዝደሊ ሰብ’ዩ። ፓርላማ የብሉ፡ ሕጊ የብሉ ኣበይ ዘሎ ኢዩ’ዚ ክንድዚ ዋጋ ዝወሃቦ! ትማሊ ትማሊ (ሳልሳይ ወራር) ሩዑ ጠቕሊሉ ክሃድም ሓሲቡ ዝነበረ ሰብ’ንድዩ፡”

ክብል ንኢሳያስ ብምቍንጻብ ተዛሪቡ። ኢሰያስ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝነበረ ምዉቕ ዝምድና ብምጥቃስ ዝበሎ ምስ እንርኢ ድማ ነዚ ዚስዕብ ንረክብ፡-

“እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ምስ ኢትዮጵያ ምይጽ ምይጽ ምባል ናይ ለቝመጽመጽን ተረፍ መኣዲ ምድላይን ጥራይ’ዩ፡” ክብል ተዛሪቡ። ኣብ 1996 ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዝለዓለ ናይ ምሕርፋፍ ኵነታት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ድማ፡ “ግብረ ሽበራዊ ዝኾነ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ከይተኣልየ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝምድና ክመሓየሽ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ፡” ክብል መሊሱ ነይሩ። እዚ ዅሉ ሓሊፉ ግን ናይ ምብራቕ ሱዳን ናይ ሰላም ውዕል ምስ ተፈጸመ ግን እቲ ዅሉ ዓዘራ ዘረባ ተረሲዑ ነንሕድሕዶም ክወዳደሱ ተራእዮም። ካብዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጕዳያት ወጻኢ ሓደ ንጹር ስትራተጂ ወይ መትከል ከም ዘይብሉ፡ እንታይ ደኣ ከከም ዝጠዓሞን ከከም ኵነታቱ ኣክሮባት ምስራሕ ዝፈቱ ስርዓት ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል። ሎሚ ሓደ ነገር ክብል ጸኒሑ ጽባሕ ግልብጥ ኢሉ ኣንጻሩ ምዝራብ ሓደ መርኣያ ናይቲ ስርዓት’ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ምስ ጐረባብትና ዝነበረናን ዘለናን ዝምድና ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ሓደ ጫፍ እናተጻፍዐ ክጐዓዝ ከም ዝጸንሐ ንዕዘብ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኵነታት ቅርዑይ ስለ ዘየሎ ጥራይ’ዩ። ውሽጡ ጽሩይ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣይወድቕን’ዩ።

ጕዳይ ሱዳን ዝያዳ ተኣፋፊ ስለ ዝኾነ ጠቒሰዮምበር፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዘለዋ ሃገራት ዝነበረን ዘሎን ዝምድናን ምስ እንርኢውን ተመሳሳሊ ስእሊ ኢና ንረክብ። ካብ 1995 ኣትሒዙ እቲ ስርዓት ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመን፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣመሪካ ኤውሮጳ ጽቡቕ ዝምድና ፈጢሩስ፡ ምስጢር ኢሰያስ ከይፈለጡ’ውን ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ንኢሰያስን መለስ ዜናዊን ኣብነታውያን መራሕቲ፡ ተስፋ ናይ ደሞክራሲ ወዘተ ዝብል ዘብለጭልጭ ኣስማት ኣጠሚቖሞም። ኢሰያስ ነዊሕ ኣይጸንሐን፡ ቅድም ምስ ሱዳን፡ ድሒሩ ድማ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያ ክልተ ግዜ ምስ ጅቡቲ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ። ንመራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን በብተራ እናዓደመን ማዕረ ናብ ሳዋ ሒዙዎም እናኸደን ናይ ዞባና መራሕ መስርዕ ክኸውን ፈቲኑ። እቲ ዝተጀመረ ናይ ለኻዕካዕ ዝምድና ኣብ ግዝያዊ ጥቕሚ ዝተመርኰሰ ስለ ዝነበረ ግን ኢሰያስ ሽጣራኡ ተፈሊጡ ኩላቶም በብሓደ ሃዲሞሞ። ዕላማኡ ንኹላቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ሰሪዑ ኣንጻር ኣመሪካን ኤውሮጳን ከሰልፎም’ዩ ነይሩ። ጕዳይ ኮንጎ ርሱን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ድምጺ ሓፋሽን ጕዳያተን ረሲዐን ብዛዕባ ናይ ፈረንሳ ሓድሽ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክገልጻ ተኸኽ ኢለን ነይረን።

እቲ ናይ መንግስቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኮንጎ፡ ሩዋንዳ ዝገብሮ ዝነበረ ጠብሎቝሎቕ  ጽቡቕ ስለ ዘይሃቦ ድማ ምስተን ሃገራት ዝነበሮ ዝምድና በብሓደ ክበጣጠስን ጀሚሩ። ነገረኛ ወጠጦ ኣን ኣፍደገ እንዳ ነብሪ የዅድድ ከም ዝብሃል ድማ ኢሰያስ ኣብ ዶብ ጅቡቲ ዘየድልዮ ጠንቀምቀም ፈጺሙ። እቲ ጕዳይ ብኸምዚ ዚስዕብ ከም ዝጀመረ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ይገልጹ። ካብ ወርሒ ሓደ 2008 ጀሚሩ ኢሰያስ ባዕሉ ናብቲ ቦታ ክልተ ግዜ ብምኻድ ድፋዕ ከም ዝፈሓር ኣዚዙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓንቲ ኣብ ውሽጢ ጅቡቲ ዘላ  ጎቦ ክሕዙዋ’ውን ኣዚዙ። እቲ ዶብ ስብርባር ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ድፋዕ ኣብ ክንዲ ኣብ መሬትና ዝገብሩዎ ገለ ክፋሉ ኣብ መሬት ጅቡቲ ኮይኑ። እዚ ንዕቀት’ምበር ካልእ ክብሃል ኣይክእልን። ጅቡታውያን ድማ ወላ’ኳ ኣብቲ መጀመርያ ሕራይ ኢሎም እንተ ነበሩ ኣብ መሬቶም ድፋዕ ምስ ተፋሕረ፡ እሞ ኸኣ ክሳብ ኣስናኑ ዝዓጠቐ ሰራዊት ኮፍ ኢሉ ምስ ረኣዩ ክቃወሙ ግድነት ነይሩ። ተስዓ ካብ ሚእቲ ናይ ሰራዊቶም ማለት 11 ሽሕ ዝኣክል ድማ ኣብ ዶብ ከስፍሩዎ ተገዲዶም። እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ማሕበረ ሰብ ዓለም ይኹን ዞባውያን ውድባት ብምርድዳእ ክፍታሕ ይጽውዓ ነይረን’የን። ኢሰያስ ግን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመንጎኝነት ናይ ሳልሳይ ኣካል’ውን ነጺጉዎ። ብሓጺሩ ንዕርቂ ከም ምትዅታኹ ከም ዝቘጽሮ ገሊጹ። ኵነታት ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ወርሒ ሽዱሽተ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ገለ ወተሃደራት ሃዲሞም ናብ ጅቡቲ ኢዶም ሂቦም። ሰራዊት ኤርትራ ተዅሲ ከፊቱ፡ ሰራዊት ጅቡቲ ድማ መልሲ ሂቡ። ነቶም ዝሃደሙ ምለሱዎም ዝብል ሕቶ ብሰራዊት ኤርትራ ምስ ቀረበ፡ ሰራዊት ጅቡቲ ነቲ ሕቶ ኣይተቐበሉዎን። እቲ ሰሉስ ዝጀመረ ኵናት ድማ ክሳብ ረቡዕ ቀጺሉ ውዒሉ። ክሳብ ከቢድ ብረት ተሓዊሱዎ ነይሩ ይብሃል።

ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ውድባት ተዅሲ ደው ክብል፡ ዝርርብ ክግበር እንተ ጸውዑ፡ ኢሰያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ዝኾነ ነገር ከም ዘየሎ፡ እቲ ነገር ካብ ምትዅታዅ ናይ ኣመሪካ ከም ዝተበገሰ ገሊጹ። ኣብቲ ኵናት ጅቡቲ 12 ከም ዝሞቱዋ፡ ክሳብ 100 ከም ዝቘሰሉዋ ክትዛረብ ከላ፡ ሚእቲ ኤርትራውያን ከም ዝማረኸት ኣብ ዜና ማዕከናታ ገሊጻ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ምሩኻት ኣብ መደበር ቲቪ ኣልጀዚራ’ውን ተራእዮም ይብሃል። ካብዚ ዝኸፍእ ነገር ክህሉ ኣይክእልን። እዚኣቶም ተማሪኾም ዘይኮኑ፡ ምስቲ ኵነታት ብፍታዎም ኢዶም ሂቦምዩ ዝብሃል። ሰራዊት ጅቡቲ ግን ከም ምሩኻት ተጠቒሙሎም። እዚ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ብሰንኪ ጕድለት ኣመራርሓ፡ ጕድለት ምሕደራ፡ ብልሽውናን ሰፍ ዘይብል ጭቈናን ናይ ምውጋእ መንፈሱ ለሚሱ ናብ ሃዳምነት ስለ ዝዘምበለ፡ ካልእ ንሃገር ክሃሲ ዝኽእል ብርቱዕ ኵናት ምስ ዝውላዕ ሃገር ከም ዘየላ ክንግንዘብ የኽእለና። እዚ’ዩ ድማ እቲ ሓደገኛ ነገር። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ከጋጥም መስደመም ጥራይ’ዩ ዝብሃል።

ኣብዚ ዘስሕቕ ነገር እንተ’ልዩ፡ ዋናኣ ዝኣመነት በጊዕስ ኰልኰላ ኣብ ደገ ተሕድር ከም ዝብሃል፡ እታ ኢሳያስ፡ “ጅቡቲ ከም ሃገር ክትሕሰብ’ውን ኣይትኽእልን። ካብ ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት ዝቘመት ሃገር’ያ፡” ኢሉ ዝነዓቓ ሃገር ዝኣመነት ኣሚና፡ “ኤርትራውያን ተዅሲ ምስ ከፈቱ ንሕና ድማ ዓጸፌታኡ መሊስና። ኤርትራ ኵናት እንተ ደልያ ድማ ክትስሕና’ያ፡” ኢላ ክትጃሃር ተሰሚዓ። ንጃህራ ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ክብሃል ከሎ፡ ሕቡን፡ ኵሩዕ፡ ርእሱ ዘየድንን ዜጋ’ዩ። ሎሚ ግን እዚ ተርእዮ’ዚ ነበረ’ያ ነበረ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። የድሕነና’ዩ ዘብል። ብኸምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ማለት ብሰንኪ ናይ ኢሳያስ ግጉይ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፡ እታ ሃገር ከም ሓደ ዘኽታም ቈልዓ ኣብ ተነጽሎን ጽምዋን ኣትያ ትርከብ። ምናልባት ሰሜን ኮርያ ጥራይያ ልዕሊ ኤርትራ ተነጽሎ ዘለዋ ሃገር። እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበረ ምዉቕን ትስፉውን ዝምድናታት ወጻኢ ሎሚ ነበረያ ነበረ ኮይኑስ፡ ብዓይኒ ኢሳያስ ብኣሉታ እንተ ዘይኮይኑ ብእወታ ትጥቀስ ሃገር የላን።

እቲ ዝኸፍአ ግን ካብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ዝገደደ ኢሳያስ ምስ ህዝቢ ተባኢሱ ኣሎ። ክሳብ ሳልሳይ ወራር ዝገበረ እንተ ገበረ፡ ህዝቢ ተንኰሉ ስለ ዘይፈለጦ እቲ ብስቱር ዘምርሮ ሰብ’ውን ውሑድ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ግን፡ ቅድም እቲ ብመጠኑ ከርዳእ ዝኽእል ሰብ፡ ድሒሩ ድማ እተን ፡ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብሪ ዝብልኦ ዝነበራ ኣደታት ከይተረፋ ከምርርኦ ጀሚረን። ኣደታት ኤርትራ ምስ ኢሰያስ ዝነበረን ርክብ ዝተበትከ ግን ፊኖ ተሳኢኑ ንመብጽሒ ዝኸውን ሕምባሻ ምስ ሰኣና፡ ሽኮር ብኩፖን ክሽየጥ ምስ ጀመረ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ነጻ ዕዳጋ ሓሙሽተ ሚእቲ ክሽየጥ ዝጀመረ ናይ ባርካ መሸላ መንግስቲ ስለ ዝከልከሎ ናብ ሽሕ ምስ ተጸግዐ’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ በጋጣሚ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ገለ ኣደታት ቡን እናሰተኹ ጕዳይ መሸላ ይለዓልሞ፡ ሓንቲ ስቤት ዘር ዘበለት ኣደ፡ “እቲ ኢሰያ’ንድዩ ነዚ ዅሉ ናይ ባርካ መሸላ ነዞም ሶማል ሂቡዎም ኢሎሞ፡” ምስ በላ፡ እተን ሓንቲ ትቕብል ኣቢለን፡ “ይድርቐሉ’ባ ደኣ ህዝቡ እናጠመየስ መሸላና ንዓዲ ሃገር ክህቦ! ሓደ ሓቦኛ ሰብኣይ’ንድዩ ስኢኑ ሓቁ!” ክብላ ተዛሪበን። እዚ ሓደ ቀሊል ኣብነት ንምቕራብ ዝኣክል’ምበር ኢሳያስ ብሰንኪ እከይ ተግባራቱ ብህዝቢ እናተጸልአን እናተፈንፈነንዩ ዝኸይድ ካብ ዝከይድ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ’ሎ። እዚ ምሉእ ክኸውን ግን ነፍስወከፍ ኤርትራዊ፡ ንኢሳያስን ነቲ ነቲ ስርዓትን ሓገዙ ክነፍጎምይግብኦ። ካብ ህዝቢ ንምንጻሎም ድማ በብዓቕሙ ክቃለስ ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ ንመዋእል ሰላም ስኢኑ፡ ብሰንሰ ለታዊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከም ካልኣይ ዜጋ ክሕሰብ ጸኒሑ። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ፖለቲካዊ ቃልስን ናይ ሰላሳ ዓመታት ደማዊ ኵናትን ነጻነት ረኺበ ኢሉ እናተጸበየ ኸሎ፡ እቶም “ነጻነት ጥራይ ዘይኮነ ሓርነት’ውን ክነጐናጽፈካ ኢና፡” ኢሎም ዝመሓሉሉ መራሕቲ ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ድኽነት፡ ራዕዲ፡ ጭቈና፡ ምጕዳል ፍትሒ ዝሰፈኖ ህይወትን መነባብሮን ከም ዝሽመም ገይሮሞ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ መንጎኡ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዮም ብዓመታት ዝተሃንጸ ሓድነቱ ኣብ ዝላሕልሐ ደረጃ ኣብጺሖሞ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓንሳብ ዝኣመኖም መራሕቲ፡ ልቢ ኣዕብዮም ንረብሓ ህዝቢ ብቕንዕና ክሰርሑ’ዮም ዝብል እምነት ከም ባህሊ ርዒሙዎ ስለ ዝጸንሐን፡ ዝርካቡ ሓበሬታ ካብ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ስለ ዝኾነን ብዛዕባ ጕዳዩ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣዝዩ የጸግሞ’ዩ። ደሓር ከኣ ነዛ ክነብር ዝጽግሞ ዘሎ ህዝቢ ዝውድቦ ኣካል ዘይብሉ እንታይ ክገብር ይኽእል? ወዲሰብ ሓደ ነገር ንኽገብር መጀመርያ ክበልዕ ክሰቲ ክኽእል ኣለዎ። ርግጽ’ዩ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ጽቡቕ ዝነብሩ’ዮም ንህዝቢ፡ “ሃየ ተለዓል! ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ሱሩ በንቍስና ንእለዮ!” ኢሎም ዘለዓዕሉዎን ዝውድቡዎን። ከምዚ ክገብሩ ከለዉ ግን ባዕላቶም ምስቲ ህዝቢ ኣብቲ ቃልሲ ፈፈው ክብሉ ኣለዎም።

ካብኡ በለ እቶም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዘይረኽበና፡ ማእለያ ዘይብለን ሰልፍታት መስሪትና፡ ኣብ ልምሉም ዓራት እናደቀስና፡ ጥዑም እናበላዕናን እናሰተናን ንነብር መራሕቲ ኢና ንብል ሰባት፡ “ኣጆኻ ህዝበይ! ነዚ ፋሺስታዊ ስርዓት’ዚ ኣዕንዎ! ተለዓል!” ብምባል ጐረሮና ክሳብ ዝልሕትት ዓንገረር እንተ በልና፡ ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋትን ጭርሖታትን እንተ ወቀጥና ዝሰምዓና ሰብ ክርከብ ኣይክእልን። መጀመርያ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር ክንፍጽም ኣለና። ኣብ ክንዲ ነንሕድሕድና ምምንጫትን ክንደይ ኵርሲ ኢና ክንሕዝ ብምባል ኣብ ናይ ስልጣን ቍርስ ምጽማድ፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ብምባል ሓድነትና ኣደልዲልና ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ክነሕብሮን ንቓልሲ ድሉው ክንገብሮን ይግብኣና። ቀዳማይ ዕላማና እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፋሺስታዊ ስርዓት ምዃኑ ተረዲእና ኵሉ ሓይልና ኣንጻሩ ክነቕንዖ ክንካል ኣለና። ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣገዳሲ ኣብ ዘይኮነ ቀንጠ መንጢ ኣቲና ወርቃዊ ናይ ቃልሲ ግዜና ነቃጽል እንተ ዄንና ግን ብጕዳይ ህዝቢ ንጻወት ከም ዘለና ጥራይ’ዩ ዘርኢ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ድማ ህዝቢ ቀዲሙና ብምኻድ ንጕዳዩ ባዕሉ ክተሓሓዞ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ቱኒዝ ይኹን ኣብ ግብጺ፡ የመን ይኹን ሶርያ ወይ ሊብያ ዝተራእየ ህዝባዊ ናዕቢ ድማ ግሁድ መርኣያ ናይዚ’ዩ።

ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ፡ ሃገር ናይ ኵሉ ስለ ዝኾነት ናብ ተብሎ የብላን። መንግስቲ ግን ነባሪ ኣይኮነን። ይትረፍ ብህገድፍ ዝምራሕ ኣብ ዓመጽን ምድንጋርን ዝተመርኰሰ ጠርቋሽ ስርዓት፡ ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ደርግ፡ ሕብረት ሶቬት፡ ሳዳም ሑሴን ከይተረፈ ነበረያ ነበረ ኮይኖም ኣለዉ። ኤርትራውያን ሕማቕ ዕድልና ኮይኑ እቲ ናትና ዝበልናዮ ፈላሚ መንግስቲ ንጸይቅን ንጭቈናን ካብ ተዓጥቀ፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ተረዲእና፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሕድሕድና ምምንጫትን ብውልቃዊ ጥቕሚ ተደሪኽና ናይዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ጨፍላቒ፡ ስርዓት መጋበርያን መናውሒ ስልጣንን ንኸውን፡ ጠንቂ ናይቲ ዅሉ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕሰምን መከራን ናይ ህዝብና ዝኾነ ጨቋኒ ስርዓት ክነወግድ እጅገና ክንስብስብ ይግብኣና።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares