ንግደት ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ኣብ ኒው-ዮርክ
ንግደት ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ኣብ ኒው-ዮርክ ጕዕዞ ኣባ ጎብየ ናብ ጽምብላሊዕ ቃላት ንስምዒት ኵነታት ኵታ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ግዜን ቦታን ዝቓነን ዝድህሰስን ዘይድህሰሰን ተሰኪሙ ናብ ቃልዕ ከምጽእ ሓይሊ ኣለዎ እኳ ክበሃል እንተተኸኣለ፡ ኣብ ገለ እዋናት ግና ሓጎስ ክንየው ክትገልጾ ትኽእል ሓይሊ ከይዱ ፍንጭሕ ምስ እትብል፡ ጓሂካ ክንየው ጓሂ ሓሊፉ ሕርር ኵምትር ምስ እትብል፡ መግለጺ […]
ኢሳያስ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማይ ጣይታ ኮይኑ ክምድር ርኢና
ትማል 23 መስከረም፡ እቲ ጸርፍን ምቁንጻብን ዝኣመሉ፡ ኣባ ጃዊ ህግደፍን፡ ዓንተር ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ዘይከምቀደሙ፡ ቅርዓት ዘየውጽእ ዘረባ ኣብ መበል 66 ኣኼባ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣስሚዑ። ወያ ፈላጥ-ኹሉ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ‘ተስፋ ብዘቁርጽ ኣገባብ ዝኣረገ’ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ውድብ፡ ጥራሽ ጣቋ ዘይብሉ ናይ ሙዃን ሓደጋ የንጸላልዎ ምህላው ኣጠንቂቁ፡፡ ዋላ እኳ ብንጹር ከሙኡ ኢሉ […]
ከምታ ናይ ሊብያ!
ጭቁን ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ዘመሳስሎ ናይ ሓባር ረቛሒታት ኣለዎ። እዚ ድማ ጭቆና ኢዩ። ኣብ ሊብያ ዘሎ ሽግር ኣብ ኤርትራ ኣሎ። ምናልባሽ ናይ ኣፈታትሕኡ ኣገባብን ግዜን ክፈላለ ይኽእል። ኣብ መጨረሻ ግን ንዘላኣለም ከምኡ ኢሉ ዝነብር ሽግር የለን። ኣብ ኤርትራ’ውን መዓልቲ ኣላ ህዝቢ ዝትስኣላ። ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ጸረ ዲክታተርነት ሰውራ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኢዩ። ኣብ ከባቢና ዝካየድ […]
ናብ ተስፋንኪኤል ገራህቱ፣ ኳደረ ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ
ናብ ተስፋንኪኤል ገራህቱ፣ እንታይ ኢለ ቅጽል ከም ዝህበካ እኳ ኣይፈለጥኩን። ኣቶ ከይብለካ ናይ ኣቶታት ስራሕ ኣይትሰርሕን ዘለኻ። ኣብ ክንዲ ንደቀባት ኣኪብካ ብዛዕባ ሃገርን ህዝቢት ትመያየጥ፣ ንጽባሕ ንጉሆ ዘጣዕሰካ ሰብኣዊ ሕልናኻ ዘይቅበሎን ብታሪኽ ዘሕትተካን ተግባር ትገብር ከም ዘለኻ ፍለጥ። ጎረቤትካ ኮይነ መዚነካ’ሞ ከም ሓሰር ንፋይ ፈዃስካ ረኺበከ።ኣብዛ ኮሪዕና ዝተወለድናላ ኤርትራ መዕለቢ ንዘይብሎም: ብናይ መንነት ቅልውላውን ንዝሕመሱ […]
እሽም
“እሽም እስክትሽም እሽም እስክትሽም ’ዛ ጥልፈይ ጉምጉም ነጸላይ ጥምጥም ኣዋርቐይ ስክም ’ዛ ቢራይ ግስም እሽም እስክትሽም ወይ’ዚ ወልፊ ሕሱም እሽም እስክትሽም ቶባእ ድሕሪ ደጊም!” ኢላ’ምበር ባሃብላ ክትልብም ግዲ’ላ እቲ ምዃን’ታይ ክትደግም ኢላ ወራዙትን ከም ዓይበት ይቕደዳ ባሃብላን ተራይዋ ኩዳ ምስ ወዲወዳ ዓንዲራ ዓቢዳ ምስ ጓልጓላ ዘሊላ ፈሊላ ሎምስ ይብለየላ ካብ ስራሕ ዕዋላ ጸሎት መምሓረላ […]
ፍረ ናጽነት ምዕባሌ ኢዩ
ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ቀንዲ ዓላማኡ እቲ ሕብረተሰብቲ ካብ ጭቆና ተጋላጊሉ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ። ለውጢ ክበሃል እንከሎ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ተለዊጡ ህዝቢ ዝሳተፎ፤ ዝቆጻጸሮ ህዝባዊ ስርዓት ምቛም ማለት ኢዩ። ህዝባዊ ስርዓት ድማ እቲ ህዝቢ መሰሉ ተሓሊዩ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብባህሊ ይኹን ብሃይማኖት ዕብለላ ዘይብሉ ብማዕረ ዝነብረሉ ስርዓት ማለት ኢዩ። […]
ተፈጥሮ እውን’ዶ ፖለቲካ?
ብሰሎሞን ኣበራ ካብ መግዛእቲ ህግደፍ ሓራ ወጺኤ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ድሕሪ ሓደ ዓመት’ዩ ነይሩ፡ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ኣብዛ ዝነብረላ ሃገረ ጀርመን ዝተኻየደሉ፡ ክራማት 2006። ሓደ ኣጋምሸት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሓበሻ ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ማእከላይ መደበር ባቡር (hauptbahnhof) ብእግረይ እናተጓዓዝኩ፡ “እዚ ደኣ እቲ ጋዜጠኛ ድዩ፧’’ ዝብል ዘረባ’ኳ እንተሰማዕኩ፡ ጉዕዞይ ኣየሰናኸልኩን። “…..ኣንታ ሓወይ…..ስምዓኒ’ሞ….መን […]
ተፈጥሮ እውን’ዶ ፖለቲካ?
ካብ መግዛእቲ ህግደፍ ሓራ ወጺኤ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ድሕሪ ሓደ ዓመት’ዩ ነይሩ፡ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ኣብዛ ዝነብረላ ሃገረ ጀርመን ዝተኻየደሉ፡ ክራማት 2006።ሓደ ኣጋምሸት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሓበሻ ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ማእከላይ መደበር ባቡር(hauptbahnhof) ብእግረይ እናተጓዓዝኩ፡ “እዚ ደኣ እቲ ጋዜጠኛ ድዩ፧’’ ዝብል ዘረባ’ኳ እንተሰማዕኩ፡ጉዕዞይ ኣየሰናኸልኩን። “…..ኣንታ ሓወይ…..ስምዓኒ’ሞ….መን ኢኻ…ሰሎሞን….” ዝብል ጻውዒት ምስሰዓበ ግን፡ስጉመይ […]
ምልክታ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ለንደን ዘካየዶ ዘተ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልኡኻት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃኮደለ) ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤI) ሰሉስ ሰነ 14, 2011 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምርኻቦም ሕጂ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም ኣለዉ። ሃገራዊ ዋዕላን፡ ዋዕላ ዝፈጠሮ ትካላትን ብሓደ ወገን፡ ብመንጽሩ ከኣ ኣብ መንጎ ሰደህኤን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤደኪን) ዝሰዓበ ናይ ኣተራጓጕማ ፍልልያትን […]
ናብ ኩላቶም ኤርትራውያን፡ ብዝያዳ ድማ ናብ ምእመናን ካቶሊካውያን፡ ዝቐርብ ህጹጽ መጸዋዕታ
ብኣብ ሰሜን ኣሜሪካን፡ ኣብ ኤውሮጳን፡ ዝርከቡ ኣባላት ምእመናን ካቶሊካውያን። ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ከምኡውን ኩልኻትኩም ኤርትራውያን ሃገራውያን፦ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኩላተን ሃይማኖታት፡ ብፍላይ ከኣ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ዘለዎ መደብ (ፖሊሲ) ተኻታቲልናዮ፡ ኣድቂቕና’ውን መርሚርናዮ፤ ዘሰምብድ ኮይኑ ድማ ረኺብናዮ። ምኽንያቱ ከኣ መንግሥቲ ኤርትራ፡ ንኹላተን ሃይማኖታት፡ ብፍላይ ከኣ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንሓዋሩ ከድክማ፡ እነተኾይኑሉ ክኣ ከጽንታ ዝመደበ እዩ ዝመስል […]
ህግደፍ፡ ገና ኣብ ጽውጽዋይ
ብሰሎሞን ኣበራ ወርሒ ታሕሳስ 1994፡ ስርዓት ኢሰያስ ምስ ስርዓት ኣልበሽር ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብወግዒ ዝበተኸሉ ግዜ ኢዩ። እቲ ሃንደበታዊ ናይ ህግደፍ ኣዋጅ ንብዙሓት ዘደንጸወ ምንባሩ ምዝካር ይከኣል። ገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝጸንሐ እወንታዊ ሕውነታዊ ርክብን ክልቲኦም ስርዓታት ዝነበሮም ዘይልሕልሕ ዝመስል ጥቡቕ ምትእስሳርን ብቕጽበት ምቕያሩ ኢዩ። ነቲ ብወገን ስርዓት ኢሰያስ ዝተወስደ በይናዊ ስጉምቲ […]
ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ
Eritrean American Public Forum: Dallas-Fortworth ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ብማዕበል ሓርነትን ነጻነትን ተናዊጹሉ ዘሎ ግዜ፡ አብ መላእ ዞባና ዝርከቡ ጭቁናት ኣህዛብ፡ ካብ ኣርዑት ዓመጽቲ ስርዓታት ንምግልጋል፡ ሓደ ብሓደ ካብ ሱሮም በርቂቖም ክውድቅዎምን ክብድህዎምን እንከለው፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ማዕበል ለውጢ፡ ተዓዛባይ ጥራይ ኮይኑ ክጥምቶ አይግባእን። ኣቃልቦ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዞባና ኣተኲሩ ይርከብ። ነዞም ንነዊሕ ዓመታት ዝገዝኡ […]
ጃምቦ እቲ ዑቡድ ከልቢ ገዛውትና (ዳእላ)
ዘገርም ህይወት እኮ`ዩ ዘሎና፡ ብውሽጢ ዑቡድ ከልቢ ኣይትንበሩ እንዳበለ ይነኽሰና፡ ብግዳም ድማ ንምንታይ ምስ ዑቡድ ከልቢ ትነብሩ ኣለዅም ኢሎም ይኸሱና` ጃምቦ ዝበሃል ነይሩ- ከልቢ ገዛውትና፡፡ ጃምቦ ዕትዕት ኢሉ ሓፊስ፡ ቖርቦቱ ጎፍጓፍ ኮይኑ ዝዕጕርጕር ዝበለ ኢዩ ነይሩ፡፡ ጃምቦ ብባህሪኡ ምንኻስ ክፈቱ መዓት`ዩ፡፡ ብፍላይ ብፍላይ ድማ ጭሩኡ ዝሕዞ ሰብ ሓንሳብ ምስ ነኸሰ ኣይሓድግን ኢዩ፡፡ ቅምታ መናብርቱ ስለ […]
ኤልሳ ጭሩም :ተራ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ
መደረ ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ብዕለት 25/03/11 ኣብ ለንደን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ተራ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኩልና ከምንፈልጦ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትዓትር ዝኸኣለት ሳላ እቲ ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ደቃ እዩ። ይኹን እንበር ተቃለስቲ መሲሎም ብናይ ካልኦት ደምን ዓጽምን ተመኹልዮም ኣብ ስልጣን ዕድል ዝረኸቡ ገለ ጠላማት፣ […]
መዐቀኒ ሃገራዊነት!
ሃግራዊነት ስፍሕ ዝበለ ትርጉምን ኣገላልጻን ኣለዎ። ብዙሓት ጸሓፍትን ናይ ፖለቲካ ፈላጣትን በቢዝመስሎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጽዎ። ብሓፈሽኡ ግን ሃገራውነት ማለት ሓደ ብርቱዕ ስሚዐት ናይ ኩርዓትን ተኣማንነትን ሓርበኝነትን ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ሃገራውነት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ብዙሓት ሰባት ሃገራውነት ምስ ልዕላውነት የተሓሕዝዎ። “ቀንዲ ሃገራውነት ልዕላውነት ሃገር ምክልኻል ኢዩ።” ይብሉ። ቀጺሎም ልዕላውነት ምስ […]
እንድዒ
እንድዒ እቲ ተመን ኣብ ትሕቴና በትሪ ኣብ ኢድና ነታ ወስ እኳ ስኢንና አረ እንታይ’ዩ ዓዚሙና? እንድዒ … እንታይ’ዩ ዓዚሙና ቋንቋና ተዘባሪቑ ባቤል ዝኾነና? ኣብ ሰዋስው፡ ኣሳዅዓ ቃላት መግለጺታት፡ ትርጕማት ሽንኮለል ዝበልና? እንታይ’ዩ ሕድሕድና ዘቋስል? እቲ ሓደ ተወደቐ እቲ ሓደ ዘዕልል እቲ ሓደ ተለዘበ እቲ ሓደ በትሩ ዘልዕል እንታይ’ዩ ነቲ ሓደ ንየማን ነቲ ሓደ ንጸጋም ነቲ […]
ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)
“ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡ ህይወቱ ብጕቡእ ከይመርሕ፡ ከይመሃር፡ ከይሰርሕ፡ ሓዳር ከይገብር፡ ዓዲ ዊዒል […]
እቲ ሓቂ ክበርህ ንተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር (Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ። ብሓደ ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ብዝወሰደኦ ቕዱስን ቅኑዕን ተብግሶ ንሕና ኣብዚ […]
ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ
ሓደ ህዝቢ ጭቆና ምስ ዝመሮ ዓጋቲ የብሉን፡፡ ንዓመታት ዘሳቐዮ ስርዓት ብመዓልትታት ይድርምሶ፡፡ ብመንጽር ክልሰሓሳባዊ ኣበሃህላ ንሓደ ለውጢ ህዛባዊ ውደባ የድሊ ይበሃል፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ብሃንደበት ተላዒሉ ነብሱ እናኣለየ ዲክታተርነት ክዓሉ ሎሚ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑና ኣሎ፡፡ ቅድም ኣብ ቱኒሰያ፡ ዳሓር ኣብ ግብጺ ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝረኤ ዘሎ ህዝባዊ ቁጣዐ ታሪካዊ ምስክር ኢዩ፡፡ […]
ማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ኣብ ዓቢ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተሳቲፉ
ሪፖርታዥ ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃን ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኤርትራውያን(Eritrean law society) ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ኣህጉራውያን ጠበቓታት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳቲፉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ካሎኦት ኣገደስቲ ሰባትን ብምርኻብ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ።ኣብዚ ኣብ ለካቲት 11_12 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ንማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ብምውካል፡ኣቦ መንበር ናይቲ ማሕበር ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ተሳቲፉ፡ምስ ብዙሓት […]
Awate Forum