Awate.com

ጸላኢኻ ይሙት ኣቦና ኣባይካ

ጸላኢኻ ይሙት ኩቡር ኣቦና ኣባይካ መልእኽትኻ ኣብጺሕካ በጃና ዄንካ ኬድካ እምባኣር ሕጅስ ካን ሓሊፍካ ላላእ ኣይሞትካን ኣቦና ላላእ ኣባይካ ላላእ ኣይሞትካን ኣቦና ላላእ ኣባይካ ዝሞትናስ ንሕናዳኣ ንስኻስ ኣለኻ ቀኒዕካ ድንን ከይበልካ ምስ ክብረትካ ነቢርካ ምስ ሃይባኻ ምስ ሸረፍካ ከም ኣመልካ ባዓል ግርማወ ኤህ ዳአ ወይሉኡ ዝደፈረካ ኣሊኻ ኣሪምካ ኣናቢኻ ሓብሒብካ ኮብኪብካ ድንን ከይበልካ ምስ ክብረትካ […]

ሃይማኖታዊ ጎንጺ ዝበሃል የለን

“ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ዝበሃል የለን“ …  ካብዚ እምነት`ዚ`የ ክብገስ፤  እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ተረደኦና ዘሎ ጸህያይ ከኣ ክዕጸድ ኣለዎ። ዝናብ ኣብ ምድሪ ከሕዲ ይዘንብ ኣብ ምድሪ ኣማኒ ይዘንብ ጸሓይ ኣብ ዓዲ ኣማኒ ትበርቅ ከምኡ`ውን ኣብ ዓዲ ኸሓዲ ኣማኒ ዝዘረኦ ይኹን ኸሓዲ ዝዘረኦ ይፈሪ ከሓዲ ይኹን ኣማኒ ይዋሰብ ይፋረ ዝሰጎመ ኣማኒ ይኹን ከሓዲ ናብቲ ዝኣመቶ ይበጽሕ…፤ ወዘተረፈ […]

ብሓደ ዜጋ ናብ ኢሳያስ ዝተጻሕፈት ደብዳበ

{እዚ ጽሑፍ ብ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዜጋ ዝተጻሕፈ እዩ ፡ ምእንቲ ድሕንነቱ ስሙ ዓቂብናዮ አለና።} __ ናብ ዝኸበርካ ኢሳያስ ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን እቲ ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ከምዘይርስዓካ ገይሩኒ። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ዓበይቲ ኣሕዋተይ እናኣኽበርኩ ስለዝዓበኹ፡ ንኽብሮምን ንኽብሪ ባህልና ብምባል፡ ስምካ እናጸዋዕኩ መልእኽተይ በዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክልእከልካ ወሲነ። ትፈልጥ’ዶ? እቶም ኣብ ትሕቲ ፍጹም መግዛእቲ ዝሳቐዩ […]

ጉዕዞ ባንዴራታት ኤርትራ

(ኣብ ሕዳር 2001 ‘Eritrean Symbols Of Many Colors’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብሳልሕ ቃዲ ጆሃር ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ: ትርጉም – ዮኣ) መእተዊ : ኣንበሳ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ደፊኡ ሰንደቕ ዓቲሩ ኣሎ፣ እታ ኣኽሊልን እታ ዓቲርዋ ዘሎ ዘንጊን ድማ ኣብ ልዕሊአን መስቀል ኣለወን። እዚኣ ኣርማ ናይ “ኣንበሳ-ዘነገደ-ይሁዳ-ግርማዊ-ቀዳማዊ-ሃይለ-ስላሰ-ንጉሰ-ነገስት-ዘኢትዮጵያ” ኢያ ዝነበረት። እዛ ኣርማ ኣብ ማእከል እታ ቀጠልያ፣ ብጫን፣ […]

መንግስቲ ኤርትራ ብገበኑ ተኣሚኑ

The Eritrean Government Admits Its Banking Blunder

ካህናት ተዛሪቦም፤ ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?

“ኣቱም ኣቦይ ቀሺ’የ፤ ዓገብ እንዶ ኣይትብሉየ ” (ሓደ ዛንታ፡ ገጽ 25) ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ መእተዊ እዚ ሓተታ’ዚ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ብካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ ዝቐረበ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ጽሑፍ ዘንቀሎ ኢዩ። እዚ ብኣርባዕተ ዓበይቲ ካህናት እታ ቤተ-ክርስትያን ዝተዳላወ ኣገዳሲ ጽሑፍ’ዚ ብመገዲ ኢንተርነትን ካልኦት መራኸቢታትን ኣብ ኤርትራን ምሉእ ዓለምን ተዘርጊሑ፡ ኣርእስቲ ክትዕን ዕላልን ኮይኑ […]

ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞሲያዊ ለውጢ ምስ ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ጉዳያት ተራኺቡ

መግለጺ ንጥፈታት ኤርትራዊ  ሃገራዊ  ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን፡ ብሓጂ ጀሚል ኣማንን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ኣባላት ባይቶ፡ ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ኣስፊሖም ዘትዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ […]

ዘመነ ኣሰለት የብቕዕ

“ኣስተውዕል መንእሰይ ኣለኵ በል ክስገር ኢዩ እዚ ዘመን ገበል”  ድምጻዊ ዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትኳቦ) ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሙኳኑ’ዩ ምስ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ “ ይገርመና ኣሎ” ምስ ትብል ግጥመ-ዜሙኡ ቝሙቕ ዝበለ ስነ-ጥበባዊ ዕላል ኣካይድና ነይርና፡፡ ድሕሪኡ ዋላ ኣይተራኸብናን፡፡ ተጣፊኢና፡፡ ኣብ ልዕሊ “ ይገርመና ኣሎ” ስነ-ጥበባዊ ትንታነን ውልቓዊ ርእዩታተይ ከስፍር ከለዅ፡ ካብ ኣንባቢ ብዙሕ ኢ-መይል መጺኡኒ ነይሩ፡፡ […]

መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድን ኣበራታን

ኩቡራት ኣንበብቲ መጀመርታ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፡ እቶም ብደቂ ሰባት ብቓል ወይ ብጹሑፍ ዝፍጸሙ ጌጋታት፡ ብቡዙሕ ኣገላልጻ ክግለጹ ይኽእሉ፡ ገለ ካብኣቶም፡ 1. ጌጋ ትፍጽም ከምዘለኻ ብዘይ ምርዳእ፡ 2. ብሰባት ተደፋፊእካ፡ 3. ሓቅነት ዘይብሉን ኢሎሞ ኢልካን ወይ ስምዒታውን ወገናውን ምስ ዝኸውን፡ 4. እቲ ዝኸፍአ ግና ረብሓታትካ ንምኽዕባትን ሰባት ንምኽሳብን ኮይኑ፡ ንኻልኦት ዝብድል ፈጠራን ንታሪኽ ዝሓማትልን ጨምጣጥን ቶኽታዂን ምስ […]

ዝወዓለስ ፥ ኹሉ ደኣ ይለለ

     ኣስታት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ይኸውን ሓደ ዓርከይ ንክልተ ቤተ-ሰብ ናይ ድራር ዕድመ ገበረልና። ድሕሪ ዝተቀረበ ሽሻይ ምምጋብና ናብ መሕለፊ ጊዜ ዝበልናዮ ወግዒ ኣተና። ከም ኣጋጥሚ እቲ ሳልሳይና ኣዚዩ ተዋዛያይ ብምንባሩ ነቲ ምሸት ዳርጋ ንሱ ተቛጻጺርዎ ኔሩ ክብል ይኽእል።      እዚ ሓው እዚ ብዝሓት ቛንቛታት ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ዝነበሮ ስለዝኮነ ካብ ሓደ ዕላል ናብ ብሓደ […]

ቀብሪ ሓደ ሰብኣይ ወይስ መሰል 4 ምልዮን ህዝቢ?

ኣብ ዓለም ዘለው ዲክታተራት ሓደ ንኹሎም ዝገዝኦም ባህርይ ኣሎ። ንሱ ድማ መሰል ህዝቢ ኣየኽቡሩን፡ መሰል ውልቀሰባት ኣየግድሶምን፡ ልዕላውነት ሃገርውን ኣይንታዮምን። እታ ቀንዲ እተገድሶም ስልጣኖም ኢያ። ብስልጣኖም ዝመጾም ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ድልዋት ኢዮም። ኢሳያስ ብፍላይ ሕልፍ ዝበለ ጨካን ኢዩ። ናይዝጊ ክፍሉ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሕከም ጸኒሑ ከም ዝዓረፈ ዝፍለጥ ኢዩ።ከምኡ’ውን ኣብቲ ንሳላሳ ዓመታት […]

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (2ይ ክፋል)

ኣብቲ “ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡  መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምትንታን ዳህሲስናዮ። ብመሰረት’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ዝቐረበ ትንተና ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኹሉ መለክዕታት ሕጋውነት፡ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጽና። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡ ንደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ ብኸፊሉ ክንድስሶ ኢና፡፡ ኣብቲ ዝስዕብ ሳልሳይ ክፋል […]

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (ቀዳማይ ክፋል)

ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ’ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም።  ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡ እቲ ብቐዳምነት ክትግንዘቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ጕዳይ ሕጋውነቱ ስለ ዝዀነ፡ ቀዳማይ […]

ካብ ዕውት ጉባኤ ሃዋሳ ሕጂ’ኸ ናበይ?

መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣሓጎሰካ፡ እንቋዕ ከኣ ኣሓጎሰና ክብል እፈቱ። እዚ ዓወት’ዚ ብርግጽ ንውጹዕ ሀዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንህግደፋውያን ድማ መርድእ ኢዩ። እወ! ሕጂ’ውን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እንድሕሪ ተኣኪቡ ከምቲ ጸላእቱ ዝምነይዎ ዘይኮነስ ከይተሰማምዐ ኣይወጽእን ኢዩ። እወ! ንመጀመርያ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣይወክል እምበር ብከፊል ብህዝቢ ዝተመርጸ ኤርትራዊ ባይቶ ቆይሙ። ዲሞክራስያውያን ተቓለስቲ እንቋዕ ደስ በለኩም። ሽሕኳ ህግደፋውያንን […]

ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብቀሲስ ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ (ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ) ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ […]

ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ

ውልቀመለኽቲ ፡ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ክትሓስቦን ክትገብሮን ክስምዓካን ዘለዎ ነገራት ክልፍልፉ መሬት ይዓርቦም።  ውልቃዊ ባህግታትካን ሃንቀውታኻን ኣብ ቅድሚኦም ትርጉም የብሉን። ስለዚ፡ በቶም ንህይ ወትካ ዝያዳኻ ዝሓልዩላ ሰባት ተኣዚዝካ ምንባር እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ ነፍስኻ ምሕሳብ ኣየድልየካን’ዩ ይብሉኻ።                                                          ስቲፈን ቪዚንዘይ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ጀጋኑ ደቁን፡ ሳላ’ቲ ዘርኣዮ ንባዕዳውያን ኣይግ ዛእን ዝብል ዘይሕለል ናይ ቃልሲ ኒሕ ንፈለማ […]

ኣወል ወረ ለቲሸ ምስ መሓዙቻ

መሓዙቻ ድሕሪ ንግደት ኒው-ዮርክ ዋላ ዋላ ጥዕና ዝበሃል ኣይረኸበትን፡፡ ወዲ-ኣፎም ይመጽእ ኣሎ ምስ በልዎ፡ ልባ ኣብ እንግድዓ ተሓዚላ ከም ሕንጢት እሩሩ ክትብላ’ያ ቐንያ፡፡ ኣብተን ስሕዋት ጸጕሪ ርእሳ ዝስቖራ፡ ጭሕሚ ዑፉን ዝመስላ ዊግ ከተናዲ ዘይኣትወቶ እንዳድኳን ኣይነበረን፡፡ ንቝኖ ዘመላክዕ ወርቃዊ መስተር(ሚዶ)፡ ካብ ቅርቅርቲ ንርእሲ ኣብ ክልተ ከፊሉ፡ ብግንባር ተጠዊ፡ ንኣዛን ኣልሒሱ ብምሕላፍ፡ ከም ሓረግ ዝጠማጠም ሰንሰለት […]

ንግደት ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ኣብ ኒው-ዮርክ

ንግደት ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ኣብ ኒው-ዮርክ ጕዕዞ ኣባ ጎብየ ናብ ጽምብላሊዕ ቃላት ንስምዒት ኵነታት ኵታ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ግዜን ቦታን ዝቓነን ዝድህሰስን ዘይድህሰሰን ተሰኪሙ ናብ ቃልዕ ከምጽእ ሓይሊ ኣለዎ እኳ ክበሃል እንተተኸኣለ፡ ኣብ ገለ እዋናት ግና ሓጎስ ክንየው  ክትገልጾ ትኽእል ሓይሊ ከይዱ ፍንጭሕ ምስ እትብል፡ ጓሂካ ክንየው ጓሂ ሓሊፉ ሕርር ኵምትር ምስ እትብል፡ መግለጺ […]

ኢሳያስ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማይ ጣይታ ኮይኑ ክምድር ርኢና

ትማል 23 መስከረም፡ እቲ ጸርፍን ምቁንጻብን ዝኣመሉ፡ ኣባ ጃዊ ህግደፍን፡ ዓንተር ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ዘይከምቀደሙ፡ ቅርዓት ዘየውጽእ ዘረባ ኣብ መበል 66 ኣኼባ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣስሚዑ። ወያ ፈላጥ-ኹሉ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ‘ተስፋ ብዘቁርጽ ኣገባብ ዝኣረገ’ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ውድብ፡ ጥራሽ ጣቋ ዘይብሉ ናይ ሙዃን ሓደጋ የንጸላልዎ ምህላው ኣጠንቂቁ፡፡ ዋላ እኳ ብንጹር ከሙኡ ኢሉ […]

ከምታ ናይ ሊብያ!

ጭቁን ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ዘመሳስሎ ናይ ሓባር ረቛሒታት ኣለዎ። እዚ ድማ ጭቆና ኢዩ። ኣብ ሊብያ ዘሎ ሽግር ኣብ ኤርትራ ኣሎ። ምናልባሽ ናይ ኣፈታትሕኡ ኣገባብን ግዜን ክፈላለ ይኽእል። ኣብ መጨረሻ ግን ንዘላኣለም ከምኡ ኢሉ ዝነብር ሽግር የለን። ኣብ ኤርትራ’ውን መዓልቲ ኣላ ህዝቢ ዝትስኣላ። ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ጸረ ዲክታተርነት ሰውራ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኢዩ። ኣብ ከባቢና ዝካየድ […]

Archives

Cartoons

Shares