Awate.com

ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞሲያዊ ለውጢ ምስ ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ጉዳያት ተራኺቡ

መግለጺ ንጥፈታት ኤርትራዊ  ሃገራዊ  ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን፡ ብሓጂ ጀሚል ኣማንን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ኣባላት ባይቶ፡ ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ኣስፊሖም ዘትዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግፍዓውን ጨካንን ጉጅለ ህግደፍ  ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳርን መከራን ዝመልኦ ናብራ ብዝርዝር ኣብሪሆም።

ክምኡ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ  ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈ ማዕቀብ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከም ዘለዎን ከምኡ ‘ውን ነቲ ህግደፍ ካብ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእክቦ ግብሪ (2%) ደው ክብል ከምዘለዎ ኣጥቢቖም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣቃውማ ሃገራዊ ባይቶን ዕላምኡን ከምኡውን እዚ ባይቶ ዳርጋ ናይ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፡ መንእሰያትን ከምኡ ‘ውን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወካሊ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን፡ ምስ ዝተፋላለያ መንግስታትንን ዓለም-ለኻውያንን ዞባውያን ውድባት ዘካይዶ ዘሎ ዝምድናታት ኣብሪሆም። እዚ ዝምድናታት ‘ዚ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ዝኸደሉ ኩነታት ኽልቲኦም ወገን ዘትዮሙሉ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares