Awate.com

ካብ ሳዕሳዕካስ ጾርካ ኣጸቢቅካ ተሓንገጦ

(እዚ ጽሑፍ ካብ ናይ ዓዋተ ናይ ክትዕ ገጽ ዝተቀድሐ እዩ)

ትብጻሕ እዛ ደብዳበ ናብ ኩቡር ሓው ማሕሙድ ሳለሕ፡ ምስ ሙሉእ ሰላምታ።

ማሕሙድ፡ ኣብ መድረኽ ዓወተ ስለዘይረኸብኩኻ፡ እስኪ ኣበይ ሓኪሉ ኢለ መስከረም ግንጽል እንተበልኩስ፡ ኣሰርካ ኣብኣ ረኺበዮ። ንስኻ ካብ መድረኽ ዓወተ እንተጠፋእካ፡ ኣብ መስከረም ትርከብ፣ ኣቦይ ሃይለ (ኣነ ኣይኮንኩን፡ ናይ ብሓቂ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ሽሞም ብስመይ ሓቢኤዮ) ገዝኦም እንተዘይተረኽቡ እንዳ-ኣንጥባሉ ኣይስኣኑን ነበሩ። ኣቦይ ሃይለ ባዕሎም እዮም እዛ እንዳ-ኣንጥባሉ ትብል ሽም ንቐላቢቶም ዘውጽኡላ። ነዳቓይ እዮም ነይሮም። ቤተሰቦም ኣብ ዓዲ ኣቐሚጦም ኣብ ካንሾሎና፡ ሓንቲ ንእሽተይ ክፍሊ ተኻርዮም ይነብሩን ይሰርሑ ነበሩ። መግቢ ትምግቦም፡ ቀላቢት ኣብ-ገዝኣ፡ ሰሙን ሰሙን ዝኸፍሉዋ ነይራቶም። ቀላቢቶም፡ ቁሩብ ዝያዳ ገንዘብ ንክትረኽበሉ ኢላ፡ እቲ ጸብሓ ቀጢን፡ ብዓል ሰለስተ ፍረ-ስጋ፡ እቲ ጭልፍኣ ንእሽተይ ማንካ ዳርጋ፡ ነበረ’ሞ፡ ኣቦይ ሃይለ ኣብ መኣዲ፡ እቲ ብታህዋኽ ዝሰንከተቶ ኣጸቢቑ ዘይበኹዐ እንጀራ ጥራይ እንዳተረፈ፣ ኣንቲ ቁሩብ እንዶ ጸብሒ ኣንጥብሉ ይብልዋ ነበሩ። ንሳ ከ’ኣ፡ ‘ወይለ’ከ ኣይትሓፍሩን፡ ካልኦት’ከ እንታይ ክበልዑ’ እንዳበለት፡ ፍርቂ እታ ንእሽተይ ጭልፋኣ ፈይ ተብለሎም እሞ፣ ኣንቲ ክንደይ ትረግሚ፡ ቁሩብ ጥብ ኣብልሉ እንተበልኩስ እዚ ጥራይ፣ ካይተርከሰ ከመይ ጌሩ ናብ ከርሰይ ክወርድ እንዳበሉ ነይሮም ዝቕለቡ። በዚ ምኽንያት እዚ እንዳ-ኣንጥባሉ ኢሎም ቤት መግቦም ዝሰመይዎ። ቀላቢቶም ስዋ ተዳሉ ስለዝነበረት’ውን፡ መውዓሊቶም፡ መሓከሊቶም ንሳ እያ ነይረ።

ማሕሙድ፡ እንዳ-ኣንጥባሉ ቀይርካ። ምቕያርካ እኳ ደሓን ነይሩ። ቅድሚ ሕጂ ኣነ’ውን ብወገነይ ኣብ ካልኦት ቅልቅል እንተበልካ ጽቡቕ እዩ ኢለካ ነይረ። ግና ኣየብዛሕካዮን’ዶ? ምለሊኽ ሰዋ ነጻ ኢዩ ይመስሊ ኣብኡ። እዛ ብርዒ ናትካ ዘይፈልፈለቶ ሓተታ የብላን! ኣንታ ማሕሙዳይ ንተቓወምቲ ዘይገበርዎ ንኽትጽብጽብ’ሲ፡ ተግባር YPFDJ ተግባር ጽድቂ ጌርካዮ። ከምቲ ገሌና ብእንጽጽሮት ምኽንያት ንYPFDJ በትርና ነትርር፡ ንስኻውን ኣብ ተቓወምቲ ዝዘርጋሕካዮ መህረምቲ ዘትረርካ ይመስለኒ። ኣነ ብዝመስለኒ፡ YPFDJ ንሃገሮም ስለዝተሰለፉ ኣይኮነን’ቲ ሽግር፣ ንሃገሮም ናይ ብሓቂ ከገልግሉ ዝቃወሞም ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ሰብ ዝቃወሞም ዘሎ፡ ናይቲ እዝኑ ዝሓተመ፡ ዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ፡ ዝበለ ስርዓት መሳርሒ ስለ ዝኾኑ እዮም። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንዘለዉ መናእሰያት ነጻነትን፡ ግፍሒ-ኣተሓሳስባን፡ ዕብየትን ንኽህልዎም ዘይጸዓረ ስርዓት፡ ን ኣብ ወጻኢ ከምዚ ኢሎም ካልኣይ ሃገሮም ዝዕበዮም መናእሰያይ ኮነ ዓበይቲ ብስም YPFDJ፡ ብዝገብሮ ዘሎ (እቲ ስርዓት) ኣጉል ምክንኻን እዩ’ቲ ተቓውሞ። እዚ ስርዓት እዚ ከምዚ ዝበለ ክንክንን ኣቃልቦን ኣብ ልዕሊ YPFDJ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ መንእሰይ ዝዝርግሖን ዘስምዖን ዘሎ መልእኽቲ፡ “ኪዱ ተሰደዱ ከምኡ ጌርኩም ተማሂርኩም YPFDJ ኰንኩም ምጹና ደቅኹም ልኣኹልና” ዝብል እዩ። መናእሰያት ኤርትራ ናይ ብሓቂ ንሃገሮም ክጠቕሙን ክዕንብቡን እንተዝሓስብ ነቶም ኣብቲ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘለዉ፡ ሙሉእ ዲሞክራስያዊ ነጻነት ሂቡ እንተዘምህሮም ኣይምሓሸን’ዶ? ብዘይ ፍርዲ እናኣሰረ፡ ትርጉም ፍትሒ ኣብ ወረቐት ጥራይ ምዃኑ ብተግባር እንዳምሃረ፡ ን’ኣብ ወጻኢ ፍትሒ ኣብ ዘለወን ሃገራት ብምሉእ ነጻነት ንዝዓበዩ መንእሰያት ከም ናይ ሃገራዊነት ኣርኣያ ጌይሩ ምቕራቡ፡ ነቶም ዓዲ ዘለዉ ንዑ ኪዱ ተሰደዱ ማለት ጥራይ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ፡ ንስኻ ትስሕቶ ኢኻ ማለተይ ዘይኮንኩስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ YPFDJ ዘሎ ተቓውሞ መለዓዓሊኡ ንምግላጽ ጥራይ ኢየ። ማህረምቲ ኣይተትርር። እንተ’ጋቢዞምኻ ክ’ኣ ምድርጓሕ ኣይትሕመቕ። ባህላዊ ምስላና፡ “ንለባም ደርጓሓሉ እንተቋመቶ፡ ንዓሽን ኣምተሉ ዘይ ኩሉ ጊዜ ዝስሕቶ” ክኸውን ነይርዎ።

ጽሑፍካ ብዙሕ ኣርእስቲ ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ክትንክፎ ኣይከኣልኩን። ሓንቲ ኣብ መጨረሽታ ሓተታኻ ንጽሑፋት ኣማኑኤል ሳህለ ኣመልኪትካ ዘስፈርካዮን፡ መብዛሕቲኡ ዝሰማምዓሉን ግና ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣማኑኤል ሳህለ ዘውጽኦ ጽሑፋቱ ብሕልፊ’ኳ ኣብታ “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” እትብል ጽሑፉ፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንኤርትራውያን ዝደቁስ እምበር ዝሃንጽ ኮይኑ ስለዘይረኸብኩዎ ብወገነይ መልሲ ንምሃብ ጽሑፍ ጀሚረ ብጊዜ ምስኣን ምኽንያት ክጠራንፎን ክውድኦን ኣይከኣልኩን። ካብቲ ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ሓሳባተይ እምበኣር እንሆ። ከምቲ ኣምሓራ ዝብልዎ “የወደቀ ዛፍ ምሳር ይበዛበታል”፡ ዝወደቕና መሲልዎ ምሳር ዘብዝሐ ይመስል። ኣማኑኤል ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝጽሕፎ ዘሎ፡ ሓሳቡ ኣበይ ክበጽሖ ከምዝደለ ዘደንጹን ዘደናግርን እዩ። ሕጂ’ውን ካልአይቲ ኣምሓርኛ ምሳለ ክጠቕሰልካ። ጽሑፍ ኣማኑኤል “በPFDJ እንቅርት ላይ ‘ናይ ብሓቂ’ ጆሮ ደግፍ tetanizing” ኮይኑ ተሰሚዑኒ። “ኣንታ ኣነ ሕማቕ፡ ኣንታ ኣነ ጀልጋፍ፡ ኣንታ ኣነ ፈሽኳል፡ ኣንታ ኣነ ጥልቁይ፡ ኣንታ ኣነ ተገዛኢ እምበር ማዕረ-ሰብ ክኸውን ዘይክእል ሰብ ኢየ” እንዳበልና ነፍሲወከፍና ንባዕልና ምውቃስ ሰብኣዊ መሰልና ይመስለኒ። ከምኡ እንዳበልና መንፈስናን ስጋናን ከም ዛር ሰሪሩኒ-ዝበለ-ሰብ ብኩርማጅ ክንቀጽዕ መሰልና እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ከም ቅናት ኣደይ ማርያም (rainbow) ሕብራዊ፡ ብብሔር፡ በተሓሳስባ፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽ ደሚቕን ብዙሕን፡ ሃብታምን ቅኑዑን ህዝቢ ኣብ ሓደ ዝመረጽካዮ ዘንቢል ኣእቲኻ ዓጺኻ ምቕራብ ካብቲ PFDJ ዝብልዎን ዘይንሰማማዓሉን ሓደ-ሕዝቢ-ሓደ-ልቢ ዝብል ኣጉል ጭርሖ ፈሊኻ ዘይርአ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስቲ ጊጉይ ንሕናን ዕላማናን ዝብል ናይ ቀደም ሓቛፊ ዘይኮነ ሓሳባት ተፈልኡ ክርአ ዝኽእል’ውን ኣይመስለንን።

ህዝቢ ኤርትራ ተገዛኢ ኣይኮነን፣ ግና በብግዜኡ ሓይልን መሳርያን ድጋፍን ረኺቦም፡ ኣብ ጊዜ ጽጋቡ ኮነ ኣብ ጥምየቱ፡ ቀረጽን ፈሰስን ክእክቡ ጠመንጂኦም እናዋጣወጡ ዘበሳብስዎ ብዝነበሩ፡ ሓንሳእ ኣሕዋትካ ሓንሳእ ገዛእትኻ ብሃልቲ፡ ግዳይ ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዝተሳቐየ ህዝቢ እዩ። ነዚ ከይጠቐስካ ዘሊልካ ሓሊፍካ፡ ኤርትራውያን ናይ ቱርኪ’ዶ ናይ ጥልያን ለመንቲ-ተገዛእቲ ናይ ፈጠራ ትንታነ ምቕራብ፡ ሓቅነት ዝጎደሎ ጥራይ ዘይኮነስ ጎዳኢ’ውን ይመስለኒ። እዚ ሓበሻ ንሓበሻ ምግዛእ፡ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዝዋግኦ ዝነበሮ ሓቢሩ ዘሕለፎ ቃልስን ቃንዛን እዩ ኢልካውን ሸፊንካ ክሕለፍ ዝኽእል ታሪኽ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ እንተኾይኑ እሞ፡ ነጺልካ ነቲ ደሓር ኤርትራዊ ዝኾነ፡ ተምበርኻኺ፡ ተገዛኢ፡ ፈሽኳል ጌርካ ንምንታይ ምቕራብ ተደልኡ? ኤርትራዊ ሕማም ተገዛእነት (colonized mind) የብሉን፣ ናይ ገዛእነት ሕማም (colonizing mind) ናይ ዝነበሮም እሕዋት ተጠቃዒ ወይ ግዳይ ግና ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ጊዜ እውን እንተኾነ፡ እቲ ሃገርና ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ኣመሓዳድራ ዜጋታቱ ገዛእነት ሕማም (colonizing mind) ተኸቲሉ ዝኸይድ እንተተባህለ ጌጋ ኣይኮነን። እዚ ግና ልክዕ ከምቶም ትማሊ ኣብ ቀረባ፡ ሎሚ ብማዕዶ ኮይኖም ናይ ገዛእነት ሕማሞም (colonizing mind) ከጥፍእዎ ዘይከኣሉ ወይ በብግዚኡ ዝግንፍሎም ተፈልዩ ክርአ ኣይግብኦን።

ኣማኑኤል ሳህለ “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” ኣብ ዝብል ጽሑፉ፡ ኤርትራዊ ቀጻሊ ተገዛኢ ኣምሲሉ ንኸቕርብ ዘይሃቀኖ የለን። ናይ ቱርኪ ንባጽዕ ናይ ነዊሕ ጊዜ ም’ሓዝን ንሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ገምገም ባሕሪ ምቁጽጻርን ንከበሳ ምድያብን ነዛ ትማኒ ኣብ ሓደ ተጠርኒፋ ብጣልያን ኤርትራ ዝተሰየመት ሃገርና ብምሉኡ ቀጻኒ ተገዛኢት ጌይሩ ዘቕረቦ ታሪኽ መሰረቱ ዝሰሓተ ኮይነ፡ ኮነ ኢሉ ንሓሳባቱ ንምድጋፍ ዘቕረቦ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ከም ኣቦታት ኣበሓጎታት እንዳበለ ዝጠቐሶ ስዉር ዝኾነን ኣብ ትሕቲ ባዕዲ ምሕዳር ትውልዳዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ፍጹም ጌጋ እዩ። ኣማኑኤል ናቱ DNA ኣብ ምሳለ ኣቕሪቡ ዝሃቦ መግለጺን ፈጠራን ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ምሁር (intellectual) ክወጽእ ዘይነበሮ ሓሳባት ኮይኑ ይርኣየኒ። ናይ ኤርትራውያን DNA ፍሉይ DNA እዩ ዝበለ ብወገነይ ኣይርኣኹ ኣይሰማዕኩ። ኣብዚ ኣማኑኤል ዘልዓሎ ሓሶት ህቦብላ፡ ‘ናተይ DNA ፍሉይ’ዩ’ ዝበለት ሓንቲ ጸጸር የላን። “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” ጽሑፍ ናይ ኣማኑኤል ናብ ጽሑፍ ጸለመ ዘድሃበ እዩ። ሽም ዝረኸበ ክጋገ ከሎ ኣየርእኻ! ጌይረ ጥራይ ክወስዶ። እዚ ክብል ከለኹ ግና ምስ ኣማኑኤል ምግጣም ከም ምስ ሓወልቲ ምብኣስ ኮይኑ እናተሰምዓኒ’ዩ። ኣማኑኤል ሙሉእ ሓውልቲ እምበር ነቓዕ ሓወልቲ ኮይኑ ከይተርፍ ዘሎኒ ትምኒት እንዳገለጽኩ፡ ማሕሙዳይ፡ ካብ እንዳ-ኣንጥባሉና* ከይትጠፍእ ከዘኻኽረካ እፈቱ።

Haile S.

*ዓወተ.ኮም እቲ ዝበለጸ ጽራይ ስዋን ጽራይ ፍልጠትን ዝርከበሉ ነበርሲቲ ከም ምዃኑ እኣምን።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares