Awate.com

ሕሩይ ተ. ባይሩ: ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ሰራዊት ዲክታቶር ኢሳያስ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ኲናት ናብ ኲናት ካብ ዝድጒሎ እንሆ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፎም፣ ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፉ ምስ ሕቡራት መንግስትታትይፋጠጥ ኣሎ፣ ንውግኣት ክዌትን ዒራቕን ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ርኢና። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት “ግደፍ ! ወይ ተመለስ !” ዝብል ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ንምውሳድ ቅሩብ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፣ ካልእ ግንዛበ […]

ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ን10 ዓመታት ሓደ ዓይነት ደርፊ

ኢሳያስ ንህዝቢ ዝጠቅም ክዛረብ ኢዩ ኢለ ዘይኰነስ “ሎሚ’ኸ እንታይ’ኮን ክዛረብ ይኸውን?” ብዝብል ሓሳብ ተመርኵሰ ብናይ ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ምስ ሰማዕኩ፡ ከም ትጽቢተይ ድሙ ከም ቀደሙ ኰይኑ ረኸብክዎ። “ወያኔ!ወያኔ!ከደመቲ!ከደምቲ!ትማእዘዝቲ ወዘተ.” እዘን ቃላት እዚኣተን ብዘይምግናን ን10 ዓመታት ዝኣክል ኣጽሚመናና ኢየን። መቸስ ንኽኢትሰምዖ ሓድ ሓደ ግዜ ዘስሕቕ ኢዩ። ኢሳያስ “ወያኔ ኩሉ ግዜ ብኣና(ብሻዓብያ) ኢዩ ዝብህርር” ይብል። […]

ሹም ገደደን ቆርበትን

እዚኣ ዛንታ ነቶም ብሓይሊ ዝተዓስከሩ ግዳያት ዘይኮነ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዝተጻሕፈት እያ። ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጽብቕቲ በዓልቲ ሓዳር ሰበይቲ ሰለዝደለያ፡ ሓደ እከይ መደብ ኣውጺኡ፡ ሸያጥ ጠስሚ ተመሲሉ ማዕጾ ገዝኣ ኳሕኲሐ። ብዓል ቤታ ማዕጾ ምስ ኸፈተ አብ ቆርበት ዝተመልአ ጠስሚ ብኣዝዩ ሕሱር ዋጋ ከም ዝሸይጥ ዘሎ ነገሮ። እቲ በዓል በት በቲ ሕሱር […]

Archives

Cartoons

Shares