Awate.com

ንዳንካልያ ዝምልከት : ርኢቶይ ኣብ “ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ”

ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ እትብል መጽሓፍ ድሕሪ ምምባበይ ንደንከል ዝምልከት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ሪኢቶይ ንኽህበሉ ሕልናይ ስለ ዝደረኸኒ ንሓውን ብጻይን ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ፍቓድ እሓትት::

ሓው ሰመረ ፣ ኮፍ ከይበላስ ቌቕ ኣበላ ከይከውን በቲ ኣወንታዊ ሸነኽ ናይ ጻዕርኻን ትብዓትካን ክጅምር እፈቱ::

መጽሓፍካ መብዛሕትኡ ጊዜ፣ ካብ ገዛ ንስራሕ ካብ ስራሕ ንገዛ ኣብ ዝመላለሰሉ እዋን እየ ኣንቢበያ:: መብዛሕትኡ ምዕራፋት (ናይ ደንከል ገዲፍካ) መልክዕ ልብ ወለድ ዝሓዘ ታሪኽና ስለ ዝኾነ ኣንብበኒ እምበር ግደፈኒ ዝብል መጽሓፍ ኣይኮነን:: ሓደ ሓደ እዋን ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ጉዕዞይ ክርሕቀለይ ዝምነየሉ እዋን ነይሩ:: ምኽንያቱ ከምቲ ናይ ሱዳን ሕከያ ዎ ባዕደንምስ በሎባዕደን ኡምሃ ጃት ይኾነኒ ስለ ዝነበረ::

ብጻይ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ኣብ ምምሕዳር ትሽዓተ ንሓጺር እዋን እኳ ብሓደ ንንበር እምበር ብዙሕ ምስ ኣባላት ሻዕብያ ተራኺብና ንካታዓሉ ዝነበርና ኩነታት ከተዘኻኽረኒ ዝኸኣለት መጽሓፍ ምጽሓፍካ ምስጋናይ ደረት የብሉን::

እንተኾነ ግን ኣብቲ ንደንከል ዝምልከት ምዕራፍ ምስ በጻሕኩ መጀመርያ ተደናጊረ:: ዓይነይ ድዩስ ወይስ ብሓቂ ዝሰፈረ ጽሑፍ እዩ ብምባል ተሸጊረ:: ደጋጊመ ምስ ኣንበብኩዎ ግን ብሓቂ ዝሰፈረ ጽሑፍ ምዃኑ ከረጋግጽ ኪኢለ::

ኣብ ቅድመይ ዝመጹ ሕቶታት፣ ሓው ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ናይ ሕጊ ምሁር እዩ:: ከመይ ገይሩ ንታሪኽ ዝምልከት ክስታት ካብ ብዙሓት ሰባት ከየጻረየ ክጽሕፍ ኪኢሉ: ዝውከሶም ሰባት ሲኢኑ ይኸውን ከይብል ካባይ ተበጊስካ ክረኽቦም ዝኽእል ኣብ ዳንካልያ ዝነበሩ ተጋደልቲ ውሑዳት ኣይኮኑን:: ኮታ መልሲ ይኹን ምኽኒት ንኽረኽበሉ ኣሸገረኒ::

መጀመርያ ስጉምተይ ምስ ብጻይ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ብተለፎን ምርኻብ ኮነ:: ብተለፎን ነዊሕ ድሕሪ ምዕላል ሪኢቶይ ክህበሉ ምዃነይ ሓቢረዮ::

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ቅድሚ ንኩነታት ዳንካላያ ዝምልከት ርኢቶይ ምሃበይ መን ምዃነይ ከላልየኩም እመረጽ:: ሰመረ ፍስሃየ እብሃል:: ኣብ ዳንካልያ ኣብ መንጎ መወዳእታ 1977 – 1980 ዝነበረ እዋን መጀመርያ ወኪል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ቀጺለ ኽኣ ወኪል ምጣኔ ሃብቲ ቤት ጽሕፈት ኮይነ ኣገልጊለ:: ንዳንካልያ ዝተመደብኩሉ ምኽንያትን ኩነታትን ከምዚ ዝስዕብ ነበረ::

1977 ሓንቲ ካብተን ናይ ፋሉል ዓመታት ኮይና ፋሉል ዝጠፍኡላን ሓደገኛ ስጉምታቶም ዝወሰዱላን ዓመት እያ ነይራ:: ሓደ ካብቲ ሓደገኛ ስጉምታቶም ኣብ ዳንካልያ ምቕታል ብጾት ዓብዱል ቓድር ሮመዳንን ዓሊ መሓመድ ኢብራሂምን ምስኦም ዝነበሩ ተጋደልትን እዩ:: እዚ ከቢድ ኩነታት ምስ ተፈጥረ ንዓይን ካልኦት ሓሙሽተ ካድራት ናይ ዝተፈላለያ ቤት ጽሕፈትን ብህጹጽ ንደቡብ ደንከል ክንከይድ መሪሕነት ውድብ መደበ:: ዕላምኡ ኸኣ ነቲ ኩነታት ምህዳእ ነበረ:: ምሳይ ተመዲቦም ዝተበገሱ ብጾት

  1. ስዉእ ሓድገምበስ ካድር ቦጦሎኒ
  2. ስዉእ ዓዋተ ኣብርሃም ካድር ዜና
  3. ስዉእ ፍስሓጽዮን ሚኪኤል ካድር ዜና
  4. ብጻይ ጃብር ካድር ጸጥታ
  5. ብጻይ ተስፋንኪኤል ወዲ ቐሺ ካድር ጸጥታ

እዮም::

ቅድሚ ምብጋሰይ ኣብ መንሱራ ሰለስተ ኣባላት መሪሕነት (ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ) ውድብ ጸዊዖም ኩነታት ደቡብ ደንከል ብሓፈሻ ይሕብሩኒ:: ንሳቶም ክኣ ብጻይ ዓብደላ ኢድሪስ፣ ብጻይ ኢብራሂም ቶቲል፣ ስዉእ ብጻይ መልኣከ ተኽለን እዮም:: ብብጻይ ዓብደላ ኢድሪስ እተጻሕፈት ንስዉእ ሳልሕ ሹም እትምልከት ደብዳበ ይህቡኒ:: ምስ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ብጾት ካድራት ክኣ ጉዕዞና ንደቡብ ደንከል ንጅምር::

ምምሕዳር 10ን ምምሕዳር 11ን ጢሒስና ወርሒ 12 ናይ 1977 ኣብ ደቡብ ዳንካሊያ በጻሕና:: ምስ ስዉእ ሳልሕ ሹም ተራኺብና ዝሃብኩዎ  ደብዳበ ምስ ኣንበባ ፍሽኽ በለ:: ቀጺሉ ኽኣ ብጻይ ሰመረ ንስኻ ከም ኣባል ለይበር ፓርቲ መጠን ምሳይን ምሳኻን ፍሉይ ዝምድና እዩ ዘሎ ይብል::

     ካብዛ ዕለት እዚኣ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ኣብ ስትራተጂካዊ ውሳነታት ምምሕዳር ሽግር ከየጋጠመና ብሓባር ተጎዓዝና::

ኣነ ዝነበርኩሉ ኣብ መጽሓፍ ንዝተጠቕሱ ኣገደስቲ ነጥብታት ሪኢቶይ ብኽምዚ ዝስዕብ እህበሎም::

  1. ውግእ ብሕቲ ፣ ብሕቲ ነጻ ንምውጻእ ዘካድናዮ ውግእ ምኽንያት መወሰኒኡ ከምቲ ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ እዩ:: እንተኾነ ግን ዝወሶኖ ኣካል ስዉእ ሳልሕ ሹም (ከምቲ ኣብ ገጽ 335 ዝተገልጸ)  ንበይኑ ዘይኮነስ ኣባላት ክፍሊ ምምሕዳርን ከም ስዉእ ዓሊ ዛይድ ዝመሰሉ ላዕለዎት ካድራት ዝተሳተፍዎ ውሳኔ እዩ ነይሩ:: ኣብቲ ኣኼባ ካብቶም ዝወሰናዮም ውሳኔታት ሓደ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ: ነቲ ውግእ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበርና ኣባላት ምምሕዳርን ላዕለዎት ካድራትን ክንመርሖ ዝብል ነበረ:: ነዛ ሪኢቶ እዚኣ ስዉእ ሳልሕ ብዙሕ ኣይደፍኣላን:: ኣነን ስዉእ ዓሊ ዛይድን ኣትሪርና ስለ ዝደፋእናላ ግን ዝተረፉ ብጾት ንኽቕበልዋ መረጹ:: ኣብ ዘካየድናዮ ውግእ ብዙሓት ብጾት ብጅግንነት ተሰዊኦም:: ስለዚ እንተድኣ ምስታፍ ኣባላት መሪሕነትን ካድራትን ጌጋ ነይሩ እቲ ክሲ ንዓይን ንስዉእ ዓሊ ዛይድን እዩ ዝምልከት::
  2. ብስም ባዓስ ፓርቲ ካብ ዒራቕ ዝተበገሰት ጉጅለ (ገጽ 335-336) እዛ ጉጅለ እዚኣ ብጅግንነቶም ዝተፈልጡ ገዳይም ተጋደልቲ ውድብና ዝቖመት ኮይና ዕላምኣ ንምምሕዳራት 12ን 11ን 10ን ክትቆጻጸር እዩ ነይሩ:: መሪሕነት ውድብ መደባት እዛ ጉጅለ ምስ ፈለጠ ንስዉእ ሳልሕ ይሕብሮ:: ስዉእ ሳልሕ መጀመርያ ንዓይ ከም ኣባል ፓርቲ መጠን ይሕብረኒ:: ቀጺሉ ኽኣ ንብጻይ ኣሕመድ ኣሓው ይሕብሮ:: ብጻይ ኣሕመድ ኣሓው ኣቐዲሙ ዝተሓበረሉ ምኽንያት፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ነቕ ዘይብል ውድባዊ እምነቱ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ:: እታ ጉጅለ ብደቡብ ዳነካልያ ንኽትኣቱ ምስ መደበት ዕላምኣ ንኣባል ሰውራዊ ባይቶ ተጋዳላይ ዓሊ ምሓመድ እስሓቕ ኣማኸረቶ:: ንሱ ኽኣ ምስ መሪሕነት ውድብ ድሕሪ ምርድዳእ ሕራይ ምሳኹም ኣሎኹ ይብሎም:: ተጋዳላይ ዓሊ ምሓመድ እስሓቕ ነታ ጉጅለ ባዓስ ከምዚ ዝስዕብ ይብላ “ብወገነይ ኣብ መዳ ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣሓው ኣሎኒ ንሱ ኽኣ ነቶም ዓበይቲ ዓዲ ሒዙ ንኹሎም ገባርን ንዓና ዝኣምኑ ተጋደልትን ክሕዘልና እዩ”:: እምብኣር ብሜዳ ስዉእ ሳልሕ ፣ ኣነ ፣ ከምኡውን ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣሓው ፣ ብደገ ኽኣ ዓሊ ምሓመድ ኢስሓቕን ምሓመድ ሽፋን (ኣብ የመን ወኪልና ዝነበረ) ነቲ ጉዳይ ክንከታተል ጀመርና:: ሓደ ካብቲ መደባት ጉጅለ ባዓስ ንብጻይ ስዉእ ሳልሕን ንዓይን ዝምልከት ስጉምቲ ነበረ ፣ ንሱ ኽኣ ንብጻይ ስዉእ ሳልሕ ማእሰርቲ ንዓይ ክኣ ፍቓደኛ እንተኾይነ ንወጻኢ ከፋንዉኒ እንተ ኣበየ ኽኣ ንክርስትያን ደቂ ከበሳ ሒዙ ንኸበስኡ ይፋኖ ዝብል ነበረ:: ጉጅለ ባዓስ ፓርቲ ፣ ኣብ የመን ምስ በጽሐት ንእሙናት ካድራት ክንሕብር ጀመርና:: ስጉምቲ እትወስድ ጋንታ ኣዳሎና:: ኣባላት ጋንታ መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ደቂ ቦታ ክኾኑ መረጽና:: መራሒኣ ግን ብትውልዱ ምስ ኣባላት ጉጅለ ባዓስ ዝራኸብ ካድር ተጋዳላይ መደብና:: እዚ ካድር እዚ ሓደ ካብቶም ንስዉእ ሳልሕ ገስጋሲ ቃልሱ ዝኣምኑ ካድራትና ነበረ:: ጉጅለ ባዓስ ኣብ ሜዳ ትኣቱ ካብ ገባር ዝተዋጽኡ ሽማግለታት ይቕበልዋ:: ብጻይ ስዉእ ሳልሕ ፣ ኣነ ፣ ከምኡውን ብጻይ ኣሕመድ ኣሓው ኣብ ከባቢ እቲ ቦታ ብምዃን ነቲ ኩነታት ንከታተል:: ኣብ መወዳእትኡ ኽኣ ኣብቲ ዝተመደበ ቦታ ምስ በጽሑ እቲ ናይ ሞት ፍርዶም ንኽውሰድ ተገብረ:: ብድሕሪኡ መራሕቲ ሓይሊ ከምኡውን መራሕቲ ጋንታ ዝነበሩ ተጋደልትና(ብትውልዶም ምስ ጉጅለ ባዓስ ዝራኸቡ) ብዝተፈጸመ ስጉምቲ ሓዚኖም ውድብ ገዲፎም ንየመን ሃደሙ:: ነዚ ኩነታት እዚ ኣብ ዓወት ንምብጽሑ ዝነበረ ተራ ስዉእ ብጻይ ሳልሕ ሹም መዘና የብሉን:: ኣብ 1982 ዘጋጠመ ናይ ውድብና ፋሕፋሕ ኣብ ኮረኮን ኮይነ ምስተዓዘብኩ መጀመርያ ዝተራእየኒ ኩነታት ጉጅለ ባዓስ ነበረ:: ምኽንያቱ ውጽኢት ቃልስና እዚ ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ዕድል እንተዝነብረናስ ብዓል ዑመር መሓመድ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ተጋደልቲ ብ 1973 ኣብ ማእከል ኣስመራ ቀትሪ ምድሪ ንጀነራል ናይ ኢትዮጵያ ቀቲሉ ድሕሪ ምውግኡ ዝተማረኸ ጅግና ተጋዳላይ ኣይምቐተልናዮምን በልኩ::
  3. ኣብ ልዕሊ ናይ ፋሉል ባእታታት ዝተወሰነ ፍርዲ:: ውሳኔ ፍርዲ ብብጻይ ስዉእ ሳልሕ ጥራይ ዘይኮነስ ብኩሎም ኣባላት ክፍሊ ምምሕዳር ብሓባር ዝተወሰነ ፍርዲ እዩ:: ንውሳኔና ዝሕግዝ ጸብጻብ ካብ ክፍሊ ጸጥታን ካብ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን እዩ ቀሪቡ:: ፍርዲ ተፈሪዱ ከመይ ኢሉ ኣብ ግብሪ ይውዕል ንዝብል ሕቶ ምስ ብጻይ ስዉእ ሳልሕ ድሕሪ ኣስፊሕና ምርኣይ ንባርካ ንኽኸዱ መደብና:: ንመሪሕነት ውድብ እውን ሓበርና:: እንተኾነ ግን ተጋዳላይ ኣቡ ደናኑ ነዚ ሓበሬታ እዚ ምስ ሰምዐ ኣብ ገባር “ደቅኹም ዝቐተሉ ክርስትያን ንባርካ ሊኢኾም ነጻ ክሰድዎም እዮም” ዝብል ወረ ነዝሐ:: ኣብ ገባርን ገለ ገለ ተጋደልትን ትሒም ትሒም መጸ:: ብወገነይ ንህዝቢ ክእክብ መደብ እገብር:: ቅድሚ ኣኼባ ምግባረይ ፣ ብጾት ኣሕመድ ኣሓውን ናፍዕ ጅኑብን እቲ ኩነታት መን የራስኖ ምህላዉ ድሕሪ ምሕባሮም ካብ ህዝቢ ንኸጋጥመኒ ዝኽእል ርኢቶታት ንኽዳለወሉ የማኽሩኒ:: ትሕዝቶ ኣኼባይ ኣብ ዕላማ ውድብናን ተመክሮ ቃልስናን ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ዳንካልያ እንርከብ ተጋደልቲ ኽኣ ሃይማኖትና ይኹን ትውልድና ብዘየገድስ ነቲ ቁዱስ ዕላማ ውድብና ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣኼባይ እውድእ:: እቲ ኣኼባ ብዘይ ገለ ሽግር ይፍጸም:: እንተኾነ ግን ሐደ ሰንካም ዝኾነ ናይ ዓበ ወረዳ መራሒ ምስ ኣቡ ደናኑ ብሓባር ነዚ መርዛም ኩነታት ኣሳወርዎ:: ደጋጊሞምውን ንስዉእ ሳልሕ ኣሸገርዎ:: ካብዚ ብምብጋስ ምስ ስዉእ ሳልሕን ብጻይ ኣሕመድ ኣሓውን ብምርድዳእ ንመሪሕነት ንኽንውከስ ንምድብ:: መሪሕነት ውድብ ክኣ እቲ ናይ ሞት ውሳኔ ኣብ ደንከል ንኽትግበር ይእዝዝ:: ስለዚ ውሳኔን ስጉምትን ኣብ ልዕሊ ብፋሉላዊ ገበን ዝተኸሱ ኤርትራውያን መጀመርያ ንመራሕቲ ክፍሊ ምምሕዳር ቀጺሉ ኽኣ ንመሪሕነት ውድብ እዩ ዝምልከት::
  4. 4.   ካብ ናይ ፖለቲካ ኮምሽነር ናብ ወኪል ምጣኔ ሃብቲ ዝቐየርኩሉ ምኽንያት:: ሓደ ካብቶም ንምምሕዳር ደቡብ ዳነካሊያ ካብ ካልኦት ምምሕዳራት ፍልይ ዘብላ ረቛሒ፣ ዝምድና ተጋደልትን ህዝብን ብመንጽር ስንቂ ነበረ:: ከም ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና እንፈልጦ ዝበዝሕ እዋን ሰራዊት ሓርነት ስነቁ ካብ ገባር ኤርትራ እዩ ዝነበረ:: ኣብ ደቡብ ዳንካልያ ግን ብዙሓት ጽጉማት ገባር ስንቂ ካብ ተጋደልቲ እዮም ዝጽበዩ ነይሮም:: ገለ ገለ ናይ ወረዳ ሓለፍቲ፣ ንኣብነት ናይ ወረዳ ዓበ ሓላፊ (መማኽርቲ ተጋዳላይ ኣቡ ደናኑ) ነዚ ኩነታት እዚ ተጠቒሞም ንገባር ይኹን መለሻ ምስ ውድብ ከም ዝጽግዑ ንምግባር ወይ ክኣ ኣንጻር ውድብ ከም ዝትስኡ ምግባር መሳርሒ ይጥቀምሉ ነበሩ:: ኣብቲ ካልኣይ ፍርቂ ናይ 1979 ገባር ናይ እኽሊ ንግዲ ኣብ መንጎ የመንን ደቡብ ደንከልን ይጅምሩ:: ነቲ ኣብ ወደባት ዝራገፍ ንብረቶም ናብ ወረዳታት ንምብጻሕ መካይን ውድብ ብነጻ ይጥቀሙ:: ሓደ ካብቶም ነዚ ኩነታት ዝብለጽሉ ዝነበሩ ገባር ክኣ ሓላፊ ወረዳ ዓበ ነበረ:: ኣብ ደቡብ ዳንካልያ ካብ ወደብ ናብ ማእከል መሬት ዝወስድ ጽርግያታት በቲ እሳተ ጎመራ ዝፈሰሶ መሬት ከም ካራ ዝተሓረድ ስለ ዝነበረ ናይ ጽዕነት መካይን ጎምአን ይኹን ካልእ ኣቕሑተን ኣብ ሓጺር ጊዜ ይበላሾ እሞ ቅያር ንምርካብ ሽግር ኮነ:: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣባላት ምጣኔ ሃብቲ ከም ክፍሊ ስንቂ ይኹን ክፍሊ ጋራጅ ኣብ ብዙሕ ሽግር ይኣትዉ:: ብጻይ ኣሕመድ ኣሓው ምስ እዞም ናይ ገባር ሓለፍቲ ብፍላይ ክኣ ምስ ናይ ወረዳ ዓበ ሓላፊ ኣብ ግጭት ንኸይኣቱ ይሽገር:: ኣቡ ደናኑ ንገባር እዚ ውድብ ናትኩም እዩ ፣ ንዓኹም እዩ ስለ ዝኾነ ኽኣ ይግብኣኩም እዩ ብምባል የረሳስኖም:: እምብኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኢና ምስ ብጻይ ሑሰን ከሊፋ ኩነታት ድሕሪ ምምዛን ኣነ ንምጣኔ ሃብቲ ቤት ጽሕፈት ክመርሕ ብጻይ ኣሕመድ ኣሓው ክኣ ንፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ክመርሕ ዝወሰንና:: ኣብ ምጣኔ ሃብቲ ቤት ጽሕፈት ምስ መጻእኩ እዘን ዝስዕባ ሕግታት ድሕሪ ምድላው ኣብ ግብሪ ምውዓለን ንጅምር::
    1.  ኩሉ ገባር ናይ ንግዲ ጽዕነቱ ብክፍሊ ንግዲ ብዝተተመነሉ መሰረት ገንዘብ ከፊሉ ክጥቀም::
    2. ስንቂ ንዝሓቱ ሽጉራት ገባር ዝግብኦምን ዘይግብኦምን ብሓለፍቲ ክፍሊ ስንቂ ይውሰን::
    3. ካብ መራሕቲ ሰራዊት ሓርጭ ንእከለ ሃቡ ኢሎም ዝእዝዙ ዝነበሩ ትእዛዛቶም ከቋርጹ::

እዘን ውሳነታት እዚኣተን ንገለ ገለ አብ ብርጌድ ሓለፍቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሽግር ይፈጥራሎም:: ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ገባር ተሰማዕነቶም ዘዳኽማ ውሳነታት ስለ ዝነበራ:: እቶም ናይ ንግዶም ጥቕሚ ዝተተንከፈ ገባር እውን ብጣዕሚ ስለ ዝተቖጥዑ ምስ ጸላኢ ብምርኻብ ንኸጥቁዑና ተዓጠቑ:: ነዚ ዕላማ እዚ መራሒ ኮይኑ ዝተረኽበ ናይ ወረዳ ዓበ ሓላፊ ዝነበረ ገባር ኮነ:: ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ቀንዲ ተሓባባሪ ተጋዳላይ ኣቡ ደናኑ ነበረ::

ክቡራት ኣንበብቲ ኣብ መንጎይን መንጎ ብጻይ ስዉእ ተጋዳላይ ሳልሕ ሹም ከም ሓላፊ መጠን ኣነ እውን ከም ሓላፊ መጠን ኣብ ገለ ገለ ኣተገባብራ ውሳነታት ፍልልይ ኣይነበረናን ማለት ኣይኮነን:: ፍልልይና ግን ንስትራተጂ ውድብ ወይ ዕላማ ውድብ ዝምልከት ወይውን ንድሕረታት ሕብረተሰብና ዝምልከት ኣይነበረን::

ስዉእ ተጋዳላይ ሳልሕ ሹም ጸላኢ ንዕዲ ምሓዝ ኣብ ዝገበሮ ውግእ ብጅግንነት ተሰዊኡ::

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares