Awate.com

ህግደፍ፡ ገና ኣብ ጽውጽዋይ

ብሰሎሞን ኣበራ

ወርሒ ታሕሳስ 1994፡ ስርዓት ኢሰያስ ምስ ስርዓት ኣልበሽር ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብወግዒ ዝበተኸሉ ግዜ ኢዩ። እቲ ሃንደበታዊ ናይ ህግደፍ ኣዋጅ ንብዙሓት ዘደንጸወ ምንባሩ ምዝካር ይከኣል። ገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝጸንሐ እወንታዊ ሕውነታዊ ርክብን ክልቲኦም ስርዓታት ዝነበሮም ዘይልሕልሕ ዝመስል ጥቡቕ ምትእስሳርን ብቕጽበት ምቕያሩ ኢዩ።

ነቲ ብወገን ስርዓት ኢሰያስ ዝተወስደ በይናዊ ስጉምቲ ከምኡ እውን ንዕኡ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ወተሃደራዊ ረጽሚ ምኽኑይ ንምግባር ይመስል፡ ካብቲ ዕለት እቲ ንደሓር ህግደፍን መሓውራቱን ናብ ጽዑቕ ፕሮፖጋንዳዊ ዕዮ ዛዘዉ። እቲ በብግዚኡ ዝተባህለ ብዙሕ ኢዩ። ሓደ ካብ’ቲ ጸኒሑ ዝሰዓበ፡ “ስርዓት ሱዳን ንፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንምቕታል ወጢኑስ ፈሺሉ፡ እቲ ልኡኽ ከኣ ተታሒዙ” ዝብል ነበረ።

እቲ “ንኢሰያስ ክቐትል ካብ ሱዳን ተላኢኹስ ተታሒዙ” ዝተባህለ ከኣ፡ ሓደ ኣብ ሃገሩ ኣባል ሃገራዊ ጸጥታ ማለት “ኣምን ኣል ደውላ” ዝነበረሞ፡ ከም ብዙሓት ሱዳናውያን ንስርዓት ኣልበሽር ራሕሪሑ ኣብ ኤርትራ ኢዱ ዝሃበ ምንባሩ ይንገረሉ። እቲ እዋን ሱዳናውያን ተቓወምቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ክሕብሓቡን ክርረዉን ዝጀመሩሉ ኢዩ። ሽዑ ወዮ “ንኢሰያስ ክቐትል ተላኢኹስ ተታሒዙ” ዝተባህለ፡ ኣብ ሓደ ብዓጌፋ ዝተሰርሐ ዝመስል ንእሽቶ ገዛ ኣብ ፊት ናብኡ ዘነጻጸረት ካሜራ ኮፍ ኢሉ፡ብዘይተፈልጡ(ዘይረኣዩ) ኣካላት ብቛንቋ ዓረብ ቃለመጠይቕ ተገብረሉ’ሞ “ትርጉሙ” ተባሂሉ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ህግደፍ ከምዝወዓዋዕ ተገብረ። በዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ምብታኽ ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ምውጥዋጥ በትርን፡ ከምኡ እውን ካብ ኣፍ ድኻታት እናመንጠልካ ዝግበር ምሕብሓብ ሱዳናውያን ተቓወምቲ ምኽኑይ ንምግባሩ ተፈተነ።

እዚ ናይ “ቀተሉኒ-መንጠሉኒ” ክሲታት በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ኣየብቀዐን። ዓመታት በሊዑ’ውን ደጊሙ ደኣ ተሰምዐ። ኣብ ጥቅምቲ 2004 ተመሳሳሊ ክሲ ብመንግስቲ ህግደፍ ብወግዒ ተዘርጊሑ። መግለጺ ወጺኡ፤ ንኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና እውን “ርኣዩልና ስምዑልና፡ መንግስቲ ሱዳን ንፕረሲደንት ኢሰያስ ክቐትል ፈቲኑ” ተባሂሉ። እወሓስ-ኣግብእን ናይ ቃላት ውግእን እውን ቀዊዑ።http://news.bbc.co.uk/2/hi/africa/3755488.stm

እቲ ኩሉ ናይ “ቀተሉኒ” ስምዕታ፡ “ናይ ግደፉኒ ኣይትሓዙኒ” ዋዕዋዕታ ግን ቃንኡ ክቕይር ግዜ ኣይወሰደን። እቲ “መንግስቲ ሱዳን ክቕተሎ ፈቲኑ” ዝተባህለሉ ፕረሲደንት፡ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዓራቒ፤ ሸምጋልን ኣሳሳዪን ናይ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ ተቐልቀለ። “ኣኽዋን ኣኽዋን ኤሪትሪያ ዎ ሱዳን” ዘመረ። ሱዳን ከኣ መገሺቱ ኮነት። ሕሉፍሓሊፉ ናብቲ ገና ውሕስነቱ ዘየተኣማምን ንነዊሕ ግዜ ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሉ ደቡብ ሱዳን እናተመላለሰ ጨፈረን ሳዕሰዐን፤ ኢንቨስተር ኮይኑ እውን ትካላት ከፈተ። ካብቲ መሪር መግዛእቱ እናምለጡ ናብ ሱዳን ኣትዮም ካብ ዘዕቆቡ መሳኪን ዜጋታትና ክሳብ ንዓለማዊ ውዕላት ብምግሃስ ንዝደልዮም እናጨወየ ንክወስድ ዝተዋህቦ ግንዖ እውን፡ ብሳላ በለጻዊ ጥቡቕ ዕርክነቱ ኢዩ።

እዚ ዝተጠቐሰ ጭቡጥ መርትዖታት ካብ ዘብርሆ ጉዳያት፡ እቲ ኩሉ ዝግበር ዝነበረ ናይ “ቀተሉኒ ጨመቱኒ” ኣውያት፤ ካብ ህልው ኩነታትን ሓቅታትን ንምህዳምን ንግዝያዊ ኣጀንዳታት ንምዕዋትን ዝመሃዝ ሓሶት ምንባሩ ኢዩ። እንተዘይኮነስ ሓደ “መራሒ ሃገር ኢየ” ዝብል ምስ “ክቐትለኒ ይጸናተወኒ ኢዩ” ኢሉ ብተደጋጋሚ ዝኸሶ ስርዓት ሕግብግብ ክብልን ከውደኽድኽን ኣይምተረኽበን። በየናይ መተኣማመኒን ውሕስነትን፧

ኣብ 1998 ዝተፈጥረ ብልዝብን ርግኣትን ክዓርፍ ዝኽእል ዝነበረ፡ ግን ከኣ ብብድዐን ፈንጣሕጣሕን መራሒ ህግደፍ ናብ መጠነ ሰፍሕ ኲናት ዝዓረገ ውግእ ባድመ ቅድሚ ምውልዑ፡ ኣብ ኤርትራ ውጡር ፖለቲካዊ ኩነታት ይፍጠር ምንባሩ፡ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ዝርስዖ ኣይኮነን። ካብ’ቲ፡ ትግባረ ቅዋም፤ ስርዓተ ደሞዝ፤ ምጽንጻልን ምጥያስን፤ ሽቕለተኣልቦነት፤ ጉድለት ምምሕዳራዊ ብቕዓቱን ስግንጢር ፖሊሲኡን ዝፈጠሮ ከቢድ ሃዋህው ንምህዳም ህግደፍ፡ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ተሸጒጡ “መጹኻ ጠፋእካ፤ ዶብካባ ጭራምካባ” እናድመጸ፡ ክሳብ ሕጂ ንኩሉ መሰላት ጓዕጺጹ ክሳድ ዜጋታት ረጊጹ ይርከብ ኣሎ።

መንግስቲ ኢሰያስ እምበኣር፡ ዝጎርሐ እናመሰሎ ስራሕ ዓያሹ ምፍጻም ዝተሰበሎ ስርዓት ኢዩ። ክሰግእን ብውሽጣዊ ኩነታት ክውጠርን እንከሎ ሃዋህውን ኣርእስትን ንኸቐይር ወትሩ ሳዕ ጸፋዕፋዕ ይብል። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ እነሆ ሎምቅነ፡ ንሓደ ብቐሊሉ ክንጸር ዝኽእል ጉዳይ መጣጢጡ ከኮማስዕን “ኣማውቱኒ” ከድምጽን ክስማዕ ቀንዩ።

ኩሉ ከምዝግንዘቦ ኣብ ዞባና ኣብ ልዕሊ ገያሾ መራክብ ክትራንን ሽፍትነትን ኪፍጸም ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ገይሩ’ሎ። ስለዚ ድማ ትካል ሓለዋ ኣህጉራዊ መራክብ (Protection Vessels International) ብሸፋቱ ባሕሪ ክትራንን ጭውያን ንከይፍጸም ሓለዋ ዘካይድ ትካል ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። እዚ ፍሉጥ ክነሱ፡ እቲ ምስቶም ሸፋቱ ባሕሪ ዝደናገጽን፡ ንተግባራት ናይቶም ሸፋቱ ባሕሪ ከም ሰናይ ብምውሳድ “ዕጡቓት ባሕሪ” ዝብል መጸውዒ ዝጥቀምን መንግስቲ ህግደፍ ግን: ንግዝያዊ ሃልኪ ነቲ ጉዳይ ካልእ መኣዝንን መልክዕን ከትሕዞ ምፍታኑ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት እውን ሕጊ ጓዕጺጹ ሸይሸይ ክብል ዝከኣሎ ዝመስሎ ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ዘይመሃር ኣብዲ ኢዩ።

ነቲ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ወርሒ መመላእታ ክሓባብኦ ዝፈተነ ምእሳር ናይቶም እንግሊዛውያን፡ ቅድሚ ብማዕከናት ዜናታቱ ምዝርግሑ፡ ብውሽጢ ውሽጢ በቲ “ባዶ ሰለስተ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓሶት ዝነዝሕ ህግደፋዊ መሓውሩ ኣቢሉ፡ “እቶም ሰባት ንኢሰያስ ንምቕታል ኢዮም መጺኦም ነይሮም፡ ደሓር ግን ሓንቲ ሰበይቲ ካብ መርካብ ወሪዶም ብበጠበጥ ክኣትዉ ምስረኣየቶም ሓቢራ ኣትሒዛቶም” ዝብል ዓይኒ ዘንቁር ሓሶት ክነዝሕ ወሪሑ ኢዩ። ሕጂን ከኣ፡ እቶም ናይ ድሕነት መራክብ ሓለውቲ ኣቐዲሞም ኣብ ናይ ሓለዋ ንጥፈታቶም ባዕላቶም ንዝሰኣልዎ’ሞ ኣብ መርከቦም ንዝረኸቦ ስእሊ ብምጥቃም “ንኤርትራ እናሃጀሙ” ብዘምስል ኣቀራርባ ንግሩሃት ዳግማይ ከገርህ ለኻዕካዕ ክብል ከምዘይቀነየ፡ ከምቲ “ብኸበሮ ኣብያስ ብሕምቢጣጥ” ዝበሃል፡ ብሰላሕመላሕ ለቒቕዎም። እንተደኣ ብሓቂ ገበነኛታትን ካልእ ዕማም ዝነበሮምን ነይሮም ደኣ፡ ሕጂ ብኸመይ ብጭሉቕ ኣፋንይዎም፧

http://www.guardian.co.uk/world/2011/jun/12/british-men-held-in-eritrea-freed

ሎሚ ኣብ ዘመነ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ፡ መደቀሲ ዓራትካ’ኳ ኣበየናይ መኣዝን ከምእትርከብ ኣብዘይሰሓተሉ ወቕቲስ ያኢ፡ ሰለይቲ ወይ ካልእ ዕማም ዝፍጽሙ ብኣካል ምስዳድ ኣድልዩ፧ ስርዓት ህግደፍ ዓሻ ክነሱ ዓያሹ እንተረኸበ “ጣፍ ነቒዙ” ኢሉና። ንነብሱ ከም ሓደ ኣብ ዓለም ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ተደላዪ ባእታ ገይሩ ኪነፋፍሓ ንዕዘብ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ዕጫ ናይታ “ግድን ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን ኣለኒ” ኢላ ነብሳ ኣመና ነፊሓ ገዛእ ርእሳ ተኲሳ ዝሞተት እንቁርዖብ ከይበጽሖን መስጣ ህዝቢ ኤርትራ ከይወረዶን ዝተርፍ ኣይመስልን። ኣብ ጽውጽዋይን ብጽውጽዋይን ክንበር ዝከኣል ከኣ ኣይኮነን።

እግዚኣብሄር ፍትሕን ሰላምን የንግሰልና!

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares