Awate.com

ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ

ሓደ ህዝቢ ጭቆና ምስ ዝመሮ ዓጋቲ የብሉን፡፡ ንዓመታት ዘሳቐዮ ስርዓት ብመዓልትታት ይድርምሶ፡፡ ብመንጽር ክልሰሓሳባዊ ኣበሃህላ ንሓደ ለውጢ ህዛባዊ ውደባ የድሊ ይበሃል፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ብሃንደበት ተላዒሉ ነብሱ እናኣለየ ዲክታተርነት ክዓሉ ሎሚ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑና ኣሎ፡፡

ቅድም ኣብ ቱኒሰያ፡ ዳሓር ኣብ ግብጺ ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝረኤ ዘሎ ህዝባዊ ቁጣዐ ታሪካዊ ምስክር ኢዩ፡፡ ደቒቕ ትሓልፍ፡ ደቒቕ ትትካእ፤ ሰዓት ትሓለፍ፡ ሰዓት ትትካእ፤ መዓለቲ ትውዳእ፡ መዓልቲ ትመጽእ፤ ወርሒ ትኣክል፡ ወርሒ ትትካእ፤ዓመት ትውዳእ፡ ዓመት ትትካእ፤ ዝመረሮ ህዝቢ ክልዓል እንከሎ መላሲ የብሉን፡፡

ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝተሰኤ ህዝባዊ ሰውራ ካብቲ ናይ ሊብያ ፍልይ ዝበለ ይመስለኒ፡፡ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ከምቲ ዝድለ ኣይኹን-ምበር ተቓዋሚ ኣካል ኣለዎ፡፡ ኣብ ሊብያ ግን የለን፡፡ ኣብተን ክልተ ዓድታት እቲ ወተሃደር ብቐሊሉ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ፡፡ እቲ ምንታይ ብወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዝተማህረ ንቑሕ ሰራዊተ ስለ ዝኾነ፡፡ ናይ ሊብያ ኩነታት ግን ከምኡ ኣይመስልን፡፡ ድሮ ኳ ስርዓት ጋዳፊ፡ ሓይሊ ብምጥቃም በርከት ዝበሉ ሰላማዊ ህዝቢ ከም ዝቐተለ ናይ ወረ ማዕከናት ይጥቁሙ፡፡ እቲ ዘሎ ወተሃደር ውን ዝተመቓቐለ ይመስል፡፡ ስለ ዚ ከይዱ ከይዱ ናብ ውግእ ሓድሕድ ከየምርሕ ዘስግእ ኢዩ፡፡

ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከም ዘበሃል፤ እሰከ ናብ ጉዳይና ክኣቱ፡፡ እሞ ብሕቶ ክጅምር፡፡ ልክዕ ከምዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ዚ ናዕቢ እንተ ዝፈጥር እንታይ ምኾነ? ከም ጭቆና እንተ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓለም ዝመሮሮ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ቃልሲ ዘካየደን ዝተሞከረን ህዝቢ ኢዩ፡፡ ግን ከኣ ብዘይ ተሓዝ ተታሒዙ፡፡ ከም ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ወላ ድኽም ዝበለ ተቓዋሚ ከይህሉ፤ የለን፡፡ ምረት ህዝቢ ዝስመዖ ብስል ዝበለ ወተሃደር ከይህሉ፡ ኣበደን፡፡ ሃገር ብበዓል ዉጩ ምጩ እትሕሎ ኮነት፡፡ ሰለዚ ህዝባዊ ህልቂት ክወርድ እንተዘይ ኮይኑ ብኸምዚ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ኣይኽእልን፡፡ እሞ ኣብ ኤርትራ ከዐውት ዝኽእል ናይ ቃልሲ መይላ እንታይ ኢዩ? እዚ ብግቡእ ክመለስ ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ፡፡ ወዮ ድኣ እቶም “ በሰላማዊ መንገዲ ጥራይ “ ዝብሉ ኣካላት ከይኹርዩና እናፈራሕና’ ምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ከዐውት ኣይኽእልን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጸ ከምቲ ናይ ሊብያ ብታንክን ነፈርትን ምስ ጨረሶ እንተ ኮይኑ እቲ ዝመጽእ ለውጢ ኣይ ፈልጥን፡፡ ካብዚ ሓሊፉ እዚ ዓይነት ሜላ ዚ ምስ ኩነታት ክውንነት ሃገርና ዘይኸይድ ሜላ ኢና ክንብሎ እንኽእል፡፡ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ወጻኢ ንህዝቡ ዝከላኸል ንቑሕ ሰራዊት ክሕወሶ ኣለዎ ስርዓት ህግደፍ ክእለ እንተኮይኑ፡፡ ተዘይኮይኑ ስርዓት ህግደፍ “ዝባን ሕጊ “ ኢልካዮ ዝሰምዕ ኣይኮነን፡፡ ካሊእ ይተረፍ ንዉጉኣት ሓርነት ዝረሸነ ስርዓት ኢዩ፡፡ ልክዕ ኢዩ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣብዚ እዋን ዚ በተን ብሕማም ኮላሊት ዝደንዘዛ ኣዒንቱ ናይ ሑሰኒ ሙባረክን ቓዛፍን ኣዕርኹ ብምዕዛብ ኣዚዩ ይስንብድ ኣሎ፡፡ ግን ክኣ ኣይተረስዑ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ “ስቓይ ህዝቦም ዘይግድሶም ጀነራላትን ኮለነላትን፡ ሓለውቲ ኣለውኒ ፡፡ ሽግር የለን፡፡ “ ከም ዝብል ዘክሩ፡፡

ኣነ ክዋ ፡ ኩሉ ግዜ ብዙሕ ዘገድሰንን ዘተሓሳስበንን ናይ ተቓወምቲ ሓልታትና ጥራይ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ እቲ ከዐውተናን ከውድቐናን ዝኽእል ንሱ ጥራይ ኢዩ፡፡ ከም ዘይናተና ስቕ ኢልና እንተ ሪኢናዮ ድማ ንውድቀት ምምራጽና ጠራይ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ትሕዝቶና ንሱ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡፡ ወይድማ ካሊእ ዝሓሸ ተካኢ ክንፈጥር ኣሎና፡፡ ወይድማ ሓደ ኣፊቱ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝወገና ክንከውን ኣሎና፡፡ ካሊእ ማእከላይ ምርጫ የለን፡፡ እዛ ዓመት ከም እንዕዘባ ናይ ዲክታተራት ዓመት ኣይኮነትን፡፡ ናይ ሳዓብትን ደገፍትን ዲክታተራት ምዩቕ ዝበሉላ ዓመት ኢያ፡፡ ካሊእ ይተረፍ ኢሳያስ ዝገሸለን ዓድታት እናተሳእና ኢየን፡፡ ንሰን ድማ ግብጽን ሊብያን ቐጠርን ኢየን ነይረን፡፡ ናይ ግብጺ ተዓልዩ፡፡ ኣቶ ጋዳፊ ውን ይጻዓሩ ኣለው፡፡ ምናልባሽ እውን እቲ ባርዕ ጽባሕ ናብቶም ሽኽ ይበጽሕ ይኸውን? ኢሳያስ ከይሞተ ገህነ-እሳት ኣትዩ፡፡ መሬት ጸልሚታቶ ኣላ፡፡

ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ኸ እንታይ ይሓስቡ? ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ እንታይ ክገበሩ ኣለዎም? ኣብ ውድባዊ ጸግዒ ዝተላዕጠጠ ፖለቲካ ተመርኩሶም ድዮም ከውድቕዎ? ወይድማ ኢሳያስ ብሕማም እንተተኣልየ ይጽበዩ? እሞ ካብኡ ሰሰልፎም ወይ ወውድቦም ሒዞም ክገዝኡ? ኣቶ ኢሳያስ እነተ ኾነ እተን ብመስተ በስቢሰን ዘለዋ ኮላሊቱ ዕድመ ንገንዘብ እቲ ናይ ቐጠር ሸኽ ክጽግነን ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ስጋብ ዲክታተር ኢሳያስ ብሞት ዝእለ ክበርስ ኢዩ፡፡ ስለዚ እዚ ተቓዋሚ ኣካል ሓደ ለውጢ ካብ ውሽጡ ከምጽእ ኣለዎ፡፡ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ሓንትን እንኮን ውድባዊ(ሰልፋዊ) ጸግዒ ከጥፍእ ኣለዎ፡፡ እዚ ኹሉ ሕንፍ-ሽፍሽ ዝረኤ ዘሎ ሰልፋዊ ጠቕሚ ቅድሚ ህዝባዊ ጠቕሚ ምስራዕ ኢዩ፡፡ ሓንሳብ ካብ ኪዳን፡ ሓንሳብ ናብ ኪዳን፡ ሓንሳብ ካብ ጥርናፈ፡ ሓነሳብ ናብ ጥርናፈ፡ ሓንሳብ ካብ ዋዕላ፡ ሓንሳብ ናብ ዋዕላ፡፡ እመኑኒ፡ እዚ ኹሉ ውረድ ደይብ፡ ውድባውን ሰልፋውን ጸግዕታት ኢዩ፡፡ ካልኣይቲ ኣገዳሲት ነጥቢ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ውን ዝጸደቐት፡ ኣብ ግበሪ ግን ሓቒቓ ዝተረፈት፡ እተን ኣብ ኪዳን ዘለዋ እሞ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ዘለውወን ውድባትን ሰልፍታትን፡ ወተሃደራተን ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ብሓደ ወተሃደራዊ ማእከልነት ክካየድ ኣለዎ፡፡እዚ ሓደ ሰጉመቲ ንቕድሚት ኢዩ፡፡ ካሊእ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ኣብ ቃልሲ ፍጹምነት ዝበሃል የለን፡፡ እተን ሕጂ ኣብ ኪዳን ዘለዋ ውድባት ብልቢ ተወሃሂደን ሓደ ጽኑዕ ግንባር ክምስርታ ኣለወን፡፡ ተወፋይነት እዚ ኢዩ፡፡ናይ ስነሓሳብን ፖለቲካን ፍልልያት ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ዚ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ስነሓሳብ ኣላቶ፡፡ ንሳ ድማ “ ስርዓት ህግደፍ ኣውዲቕኩም ስልጣን ናብ ዋናኡ ናብ ህዝቢ ኣረክቡ“ እትብል ኢያ፡፡ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ህዝባ ምልዕዓል ብቐጥታ ዘይኮነ ብተዘዋዋሪ ኢዩ ዝከታተሎ ዘሎ፡፡ “ዋይ ንሕናውን ከምኡ እንተ እንገብርስ ክንደይኮን ምጣዓመ? “ ኢዩ ዝብል ዘሎ፡፡ ይንዋሕ ይሕጸር ምበር ንኹሉ መዓልቲ ኣለዎ፡፡

ካሊእ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ብዛዕባ ዝመጽ ዘሎ ሃገራ ጉባኤ ኢዩ፡፡ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ከምቲ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘዐወትናዮ ከነዐውቶ ኢና፡፡ ገለ ኣካላት ዋዕላ ንዲሞክራሰያዊ ለውጢ ብርግጽ ተዓዊቱ እናወጸ ብዓይኖም እናረኣዩ “ ኣይተዓወተን “ ዝበሉ ነይሮም፡፡ ኣብ መጨረሻ ግን ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ ድሌ ተዓዊቱ፡፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘልሓጥሓጥ ኣብ ቃልሲ ህዝብና፡ ተሞኩሩሉ ኢዩ፡፡ ዕጅብ ኣይብሎን፡፡ እቲ ኩሉ ምድንቓፋትን ተስፋ ምቑራጻትን ኣብ መስከረም ዳት ነት ዝጻሓፍ፡ ስርዓት ህግደፍ ዘተለሞ ከንቱ ፈተነ ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ገረብ ብሓኽላ ከም ዝበሃል፡ ያኢ መስከረም ከም ሓደ ናይ ተቓወምቲ ወብ ሳይተ መሲሉ ህዝቢ ነምትላል ኢዩ፡፡ እነተ ኮነ ግን እዚ ውበ ሳይት ዚ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ምኽዋኑ ዘይፈልጥ ተቓዋሚ ኣካል ኣሎ ኣይብልን፡፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝነኒ ግን ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት ከይተረፉ ናይ ሰልፎም ልሳን ኣብዚ ዕሉል መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝኮነ ምጥቃሞም ኢዩ፡፡ እሞ ነዚ ኩሉ ማሕለኻታት በዲህና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤና ጥራይ ነተኩር፡፡ እዚ ኣዝዩ ዘሓጉስ ድማ ፈጻሚት ሽማግለ ኮሚሸን ብጽፈጽ ስራሓታ ተካይድ ምህላዋ ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ሓደስቲ ተካላት ኣቑማ፡ ማለት ኣማኸርትን ኣጽናዕትን ኣብ ጎድና ሰሪዓ ትሰርሕ ኣላ፡፡ ሪኢይቶ ካብ ህዝቢ ኣናተቐበለት፡ ህዝቢ ውን ብንኡስ ዞባዊ ኮሚሸኑ ኣቢሉ ርእይቶኡ የመሓላልፍ ኣሎ፡፡ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብትሕዝቶኡ ዝሓሸን ዝጸፈፈን ከም ዝኸን ፍጹም ኣይጠራጠርን፡፡ ኣብ እነካይዶ ክትዓት ውን ምስ ዘሎ ፍልልያትና ከመይ ጌርና ንስርዓት ህግደፍ ንእለዮ ዝብል ክኸን ኣለዎ፡፡ ግዜ ንድሕሪት እናጎተተ፡ ዘየሳማምዐና ዘሎ፡ ኣብዘይ መድረኾም ክፈላልዩና ዝኽእሉ ነጥብታት ብምልዓል ኢዩ፡፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ውን ኣብዘን ነጥብታት እዚኣትን ኮለል እናበልና ክነብር ኢዮም ዝደልዩና፡፡ ኣነ ብሪኢቶይ፡ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ በሄራትን ሃይማኖታትን ሕቶ ክልዓል የብሉን፡፡ ኣጀንዳ ክኸውን ዘለዎ ምስ ኩሉ ፍልልያትና ከምይ ጌርና ህዝባና ነድሕን፡፡ ናይ ስነሓሳብ ሕቶ ኣብ ቀዋም ሰፊሩ ብዝቢ ኢዩ ዝጸድቕ፡፡ እዚ ዝኸውን ድማ ኣብ ጽባሕ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ፡፡ ብጭቡጥ ህዝቢ ዝጠልባ ዘሎ ሕቶ ከኣ እዚኣ ኢያ፡፡ ገለ ሰልፍታትን ውድባትን ከባዚ ድሌት ህዝቢ ወጺኤን ኢየን ነዚ ህዘባዊ ቃለሲ ኮለል ዘብላኦ ዘለዋ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኣካባቢኡ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዓዓላት ብሃንቀውታ ይዕዘቦ ኣሎ፡፡ ምእንተ ህዝቦም ዝውፈዩ ዘጋታት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝያዳ ሎሚ ይጥለቡ ኣለው፡፡

ሎሚ’ውን ከም ዓሚ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ ንዳሎ፡፡

Comment: fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares