Awate.com

ማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ኣብ ዓቢ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተሳቲፉ

ሪፖርታዥ ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃን

ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኤርትራውያን(Eritrean law society) ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ኣህጉራውያን ጠበቓታት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳቲፉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ካሎኦት ኣገደስቲ ሰባትን ብምርኻብ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ።ኣብዚ ኣብ ለካቲት 11_12 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ንማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ብምውካል፡ኣቦ መንበር ናይቲ ማሕበር ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ተሳቲፉ፡ምስ ብዙሓት ኣገደስቲ ሰባትን ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱን ናይ ሕግን ምርምርን ኪኢላታት ከምዝተራኸበውን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።ኣቦ መንበር ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ኤርትራውያን፡ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ምስ ፕረዝደንት ሪፓብሊክ ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ብምርኻብ፡ክቡር ፕሬዝደንት ካጋሜ ዛጊት ንሕግን ግዝኣተ ሕግን ብዝምልከት ንዝገብሮ ዘሎ ስራሓት ዘለዎ ናእዳን ምስጋናን ብሽም ማሕበር ኤርትራውያን ጠበቓታት ገሊጹሉ።ምስ ካሎኦት ፍሉጣት ውልቀሰባትን ብምርኻብውን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ጉዳይ ስደተኛታትን ካልእ ምስ ሕግን ኩነታት ዑቕባን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ብምልዓል ሰፊሕ ርክባት ኣካይዱ ዝድለ መብርህን መረዳእታውን ሂቡ።

ኣብዚ ብፓን ኣፍሪካን ማሕበር ጠበቓታት(Pan African lawyers Association) ዝተወደበ ኣኼባ፡ካብ 43 ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ጠበቓታት፤ናይ ሕግን ቅዋማዊ ሕግታትን ኪኢላታት፤ናይ ሕጊ ሙሁራትን ተመራመርትን ካሎኦትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምውን ተዓዲሞም ዝመጹ ኣጋይሽ ከምዝነበሩውን፡ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ሓቢሩ’ሎ።ናይ ለብዘበን ዋዕላ ኣፍሪቃውያን ጠበቓታት ቀንዲ ዘተኮረሉን ቴማ ናይቲ ጉባኤውን ዝነበረ፤ምምዕባል ዓቕም ሰብ(Capacity Building) ኣብ ዝብልን ከሙኡውን ምድልዳል ዘቤታዊ ዓቕምን ኪኢላ ሓይሊ ሰብን ንጉዳይ ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ሰብ ሞያ ሕግን ክኾነሉ ዝኽእል ኣገባብ ኣብ ምንዳይን ኣብ ግብሪ ኣብ ስራሕ ዝውዕለሉ መገዲ ሃሰስ ኣብ ምባልን ከምዝኾነ፡ካብ መግለጺ ናይቲ ኣኼባ ክፍለጥ ተኻኢሉ።ጉባኤ ኣፍሪቃውያን ጠበቓታት(PALU) ብኣቦ መንበር ጠበቓ ሚስተር ኣኬሬ ሙና ምስተኸፍተ፡ ኣቦመንበር ሓደ ካብ ሽርካ ማሕበራት ጠበቓታት ኣፍሪቃ ናይ ዝኾነ ባንካ ልምዓት ኣፍሪቃ(African Development Bank) ዶክተር ዶናልድ ካቤሩካውን መደረ ኣስሚዑ። ቐጺሉ ጉባኤ ኣፍሪቃውያን ጠበቓታት ብፕሬዝደንት ፖል ካጋሜ ብወግዒ ተኸፊቱ ስርሑ ከምዝጀመረ ካብ መብርሂ ኣቦ መንበር ጠበቓታትን ናይሕጊ ኪኢላታትን ኤርትራውያን፡ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብዚ ኣገዳሲ ኣኼባ ኪኢላታት ሕጊ ኣፍሪቃ፤ነቲ ኣህጉር ብዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘተ ተኻይዱ፤መጽናዕታውን ምርምራውን ጽሑፋት ቀሪቦም ኣገደስቲ ውሳነታትውን ተማሓላሊፎም’ዮም።ብፍላይ ንጉዳይ ሰብኣውን ሲቪካውን መሰላት ብዝምልከት፡ማሕበር ጠበቓታት ኣፍሪቃ ነፍስ ወከፍ ሃገር፡መሰልን ሕግን ዜጋታትን ዓለም ለኻዊ ውዕላትን ከተኽብር ከም ዝግባእ፡ጻዊዒት ኣቕሪቡ። ንምእሳር ኣቦመንበር ጠበቓታት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፑብሊክ፡ብትሪ ኮኒኑ።ንትብዓትን ኣበርክቶን ጠበቓታትን ሰብ ሕግን ቱኒዝያን ግብጽን፤ ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ኣብ ምስፋን ልዕልና ሕግን መሰል ዲሞክራስን ምኽባር መሰል ዜጋታትን፤ኣንጻር ምልክን ኣብ ዝተገብረ ጥምጥም፤ንጠበቓታት ግብጽን ቱኒዝያን ዘለዎ ዓቢ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ናይ ደገፍ መልእኽትን ኣስሚዑ።ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ፤ኣብ ክንዲ ኣዝዩ ገዚፍ ወጻኢታት ብምውጻእ፡ ምዕራባውያን ጠበቓታትን ሰብ ሞያ ዓውድ ሕግን ዝዕድጋ(ዝቖጽራ)፡ ብናይ ውሽጥ ዓድን ኣፍሪቃን ጠበቓታት ኽጥቀማን ነዚ ሃብታም ዑቑር ሃብቲ ኪኢላታት ሰብ ሞያ ሕግን ጠበቓታት ኣፍሪቃን ብግቡእ ኽጥቀማሉ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፤ንብቕዓትን ክእለትን ደረጃ ትምህርትን ካልእን ዝምልከት፡ንኹሉ ኣፍሪቃዊ ናይ ሕጊ ኪኢላ ዓቕም ሰብ ዝምልከት፡ ሓደ ናይ ሓበሬታ ማሕፉዳ(Data base) ከምዝዳሎውን ተሓቢሩ።

ንጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት፡ኣቦመንበር ጠበቓታት ኤርትራውያን፤ኣቶ ሚኪኤል፡ ምስዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን፡ወከልቲ ጉዳይ ስደተኛታትን ተራኺቡ ዘትዩ። ኣብዚ ምስ ወከልቲ፤ኬንያ፤ግብጺ፤ኢትዮጵያ፤ቶጎ፤ካሜሩን፤ጅቡቲ፤ሱዳን፤ሩዋንዳ፤ኡጋንዳ፤ደቡብ ኣፍሪቃን ካሎኦትን ዝገበሮ ርክብ ንጉዳይን ህልው ኩነታት ኤርትራን ብፍላይ ኣብ ስደተኛታትን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ(Asylum seekers) ብዝምልከት፤ብቐንዱውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ንዘጋጥሞም ዘሎ ኣዝዩ ኣስቃቒ ኩነታትን ባርባራዊ ኣተሓሕዛን ብዝምልከትን ክግበሩ ወይ ክውሰዱ ዝግብኦም ሕጋዊ ስጉምታት ብዝምልከት፡ምስ ኣፍሪቃውያን ሰብ ሞያ ሕግን ወከልቲ ማሕበራት ጉዳይ ስደተኛታትን መብርህን ሓበሬታን ሂቡ ምሕጽንታውን ኣቕሪቡ። ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ስድተኛታት ኤርትራውያን፡ብፍላይ ኣብ ሃገረ፥ ግብጺ ዘጉዋንፎም ንዘሎ ኣዝዩ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ምግሃስ መሰልን ምጥሓስ ዓለም ለኻዊ ስምምዓትን ከምዝኾነ ድሕሪ ምግንዛብ፤እቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ደው ክብልን መዕገትውን ክግበረሉ ኣተሓሳሲቡ ንኹሎም ዝምልከቶም መንግስታትን ኪኢላታት ሕግን ኣብዚ ጉዳይዚ ዝካኣሎም ክግብሩውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ተሳተፍቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሰፊሕ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ምግሃስ መሰል ዜጋታትን ከምዝግንዘቡን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምድንጋጽን ዝምድናን(solidarity) ክምስርቱ ከምዝደልዩን ብዝካኣሎም፤ ብፍላይኩዋ ብመዳይ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ኩሉ ካብኦም ዝድለ ክገብሩ ቑሩባት ከምዝኾኑ ክግንዘብ ከምዝኻኣለ፡ኣቦ መንበር ጠበቓታት ኤርትራያን( Eritrean law society); ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታውን ማሕበር ጠበቓታት ኣፍሪቃ(PALU) ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይምስረት ተሓሪምዎ ኣብ ስደት ናይ ዝቖመ ማሕበር ጠበቓታትን ኪኢላታት ሕግን ኤርትራ(ELS) ከም ሙሉእ ኣባል ተቐቢልዎ።

ኣብ ከባቢ 2005 ዓ.ም ዝቖመ ማሕበር ጠበቓታትን ሰብ ሞያ ሕግን ተማሃሮን ሕግን ኤርትራውያን፡ከም መብዛሕተአን ሞያውያን ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝቖመ ኮይኑ፡ንጉዳይ ሕግን ሰብኣውን ሕጋውን መሰላት ኤርትራውያን ብዝምልከት፤ብኣውሩኡውን ነቲ በብእዋኑ ቑጽሩ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ንዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያንን፤ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ኣመልኪቱ ዝነጥፍ ዘሎ ማሕበር ከምዝኾነ ካብ መግለጺ ኣቦመንበር ናይቲ ማሕበርን፤ዕላማታትን ሕግታትን ናይቲ ማሕበር ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።ከምዝፍለጥን ቅድሚ ሕጂውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዜና ተዘርጊሑ ዝነበረን፡ማሕበር ጠበቓታት ኤርትራውያን(ELS); ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት፤ኤርትራውያንን ወጻእተኛታት ምሁራን ሕግን ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱ ውልቀሰባት፤ዲፕሎማሰኛታት፤ወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ኤምባሲታትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፤ሓለፍቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ካልእን ብምርኻብን፡ ዝተፈላለዩ ደብዳበታት ጥርዓንን ጻውዒታት ብምግባር፤ንጉዳይ ኩነታት ኤርትራን ሰብኣዊ መሰልን፤ጉዳይ ስደተኛታትን ዘጋጥሞም ንዘሎ ምግሃስ መሰልን ኩሉ ዕንቅፋታትን ከምኡውን ክውሰዱ ንዝግቦኦም ስጉምታት ብዝምልከት ቐጻሊ ርክባት ይገብር ዘሎ ማሕበርዩ። ወከልቲ ማሕበር ኣቐድም ኣቢሉ፤ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፤ከተማታት ኣትላንታ፤ዋሽንግተን ዲሲን ዳላስን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካልኦት ቦታታውን ተዓዲሙ ተሳቲፉ፡ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋትውን ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።ንመጻኢውን ብፍላይ ኣብዚ ዓመትዚ፡ንጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ(Asylum seekers) ብዝምልከት፡ዝተፈላለዩ መደባት ተታሒዞም ከምዘለውን በብእዋኑውን ንህዝቢ ክሕበር ከምዝኾነውን ሓላፊ ናይቲ ማሕበር ጠበቓ ሚክኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ድሕሪ ምሕባር፤ዝኾነ ግዱስ ኣካል ነቲ ማሕበርን ስርሑን ብዝምልከት፡ኣብ WWW.Eritreanlawsociety.net ክውከስ ከምዝኽእል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares