Awate.com

ጃምቦ እቲ ዑቡድ ከልቢ ገዛውትና (ዳእላ)

ዘገርም ህይወት እኮ`ዩ ዘሎና፡ ብውሽጢ ዑቡድ ከልቢ ኣይትንበሩ እንዳበለ ይነኽሰና፡ ብግዳም  ድማ ንምንታይ ምስ ዑቡድ ከልቢ ትነብሩ ኣለዅም ኢሎም ይኸሱና`

ጃምቦ ዝበሃል ነይሩ- ከልቢ ገዛውትና፡፡ ጃምቦ ዕትዕት ኢሉ ሓፊስ፡ ቖርቦቱ ጎፍጓፍ  ኮይኑ ዝዕጕርጕር ዝበለ ኢዩ ነይሩ፡፡ ጃምቦ ብባህሪኡ ምንኻስ ክፈቱ መዓት`ዩ፡፡ ብፍላይ ብፍላይ ድማ ጭሩኡ ዝሕዞ ሰብ ሓንሳብ ምስ ነኸሰ ኣይሓድግን ኢዩ፡፡ ቅምታ መናብርቱ ስለ ዝኾነ ከምዛ ዓጽሚ ኣብ ኮርሩምቲ ኣእትዩ ዘቛስያ፡፡ ነተን ጥፍጣፍ ፍጹም ዘይፍልያ ኣስናኑ ሽኽል ኣቢሉ በዘግ እንተቢሉካ በጺሑካ፡፡ ዝበዝሕ ግዜ እኳ ስቅታ ዘብዝሕ ሓፋር እንተመሰለ፡ ሓንሳብ ምንባሕ እንተጀሚሩ ግና ክትዛረብ እውን ዕድል ኣይህበካን ኢዩ፡፡ ነታ ዝደልያ ኣብታ ድሌቱ ክሳብ ዘብጽሓ ግና ጃምቦ ፍሉይ ዝኾነ ትዕግስቲ ኣለዎ፡፡

ሕጂ ሕጂ  ግና ጃምቦ ጠባዪ እንዳቐጠነ መጽዩ፡፡ ብዝጠቕምን ዘይጠቕምን ቀንጠ-መንጠ ምኽንያት፡ ንሓላፊ መንገዲ ውሕ! እንዳበለ ክመናጨት ጀሚሩ፡፡ እዚ ሓድሽ ጠባይ እዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናህሩ እንዳወሰኸ፡ ናብ ጽላለ ገጹ የድህበሎ ኣሎ ተባሂሉ ካብ ዝሕመ ነዊሕ ኣቍጺሩ`ዩ፡፡ ሙሉእ ለይቲ ከእዊ ይሓድር፡፡ ቀትሪ ዘይነበሮ ባህሪ ብጽላሎቱ ክብህርር ጀሚሩ፡፡ ገዛውቲ ሙሉእ ብባህሪይ ጃንቦ ተሃዊዅ ሰላም ሲኢኑ፡፡ ምእታውን ምውጻን እኮ ኣሸጊሩና፡ ነዚ ዕቡድ ከልቢ ሓዲኡ ዘይትገብሩልና እንዳበሉ ካብ ጎደቦ ገዛውቲ ዝጠርዑ እንዳበዝሑ መጺኦም፡፡ ደቂ ገዛውቲ ግና ኣብ ልዕሊ ጃምቦ ዝነበረና ሕሉፍ ፍቅሪ እንዳዘከረና፡ ካብ ሎሚ ጽባሕ ይሕሾ እንዳበልና ከነማኽንየሉ ህርድግ ኢልና፡፡ ጃምቦ ግና ተጎኒፉ ኢዩ፡፡ ሕማሙ ዝገዶ እምበር ዝሕሾ ኣይነበረን፡፡ ቅርብ ንዝበሎ ሰብ ከም ዓጽሙ ዘሕደግዎ ከልቢ ሕሕ! እንዳድመጸ ከም ቅንፍዝ ኣሺዅ ኣይትተንኵፍኒ` ኮይኑ- መካፍቲ ኣፉ፡፡ ገዛውቲ ሙሉእ ብጃምቦ ዝኣክል ሩፍታን ድቃስን ሲኢኑ፡፡ ጃምቦ ከልብና እንታይ ወረዶ? ዝብል እንዳተበራኸተ መጺኡ፡፡ ገሊኦም ስጋ መሲልዎ ዓጽሚ`ዩ ዊሒጡ ይብሉ፡፡ ገለ ድማ ከልቢ ኣብ ግዜ እርጋኑ ዘምጾኦ ባህሪያት ኢሎም ንዕድሚኡ የማኻንዮ፡፡ ገሊኦም ድማ ዝደፍሮ ስለ ዝሰኣነ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዘጥረዮ ናይ መን ከማይ መንፈስ`ዩ ኣብ ውሽጡ ሰፊሩ ዘዕገርግሮ ዘሎ ይብሉ፡፡  ገለ ድማ ዝብላዕ ከም ዝሰኣነ፡ ኣብዛ እንዳጓሓፍ ሃንፍ-ነፍ ክብል ከሎ ዘምጽኣ ሕማም ከይኮነት ኣይትተርፍን ኢያ ዝብሉ ኣይተሳኣኑን፡፡

ዕብዳን ጃምቦ ግና ኣብ ገዛውትና ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተረፈን፡፡ ጃምቦ እንተ ብሰላሕመላሕ ኣጸምው ኣቢሉ፡ እንተ ብቀትሪ ኣዳህልል ኣቢሉ፡ ቖልዑ ጎሮባብቲ በዘግ ምባል መዓልታዊ ስርሑ ገይሩ ወሲድዎ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኳናታት ጎሮባብቲ እንዳሰገረ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብምእታው ኣብ ቅድሚኡ ጎፍ ዝበሎ እንዳለኸኸመ፡ እፎይታ ከሊእዎም፡፡ጎረባብቲ ዓገብ ዕቡድ ከልብኵም ኣክቡልና እንዳበሉ ብተደጋጋሚ ካብ ምጥራዕ ዓዲ ኣይወዓሉን፡፡ ብሓደ ጕኑፍ ከልቢ ከምዚ ኢልና እንዳተሃወኽና ክነንብር ከነፍቕድ ኣይኮናን እንዳበሉ እውን ከፈራሩሑና ጀሚሮም፡፡ ንለምለም ትብሃል መኪና ሚኒቹፕየ ጸዊዕና ከንሕንቖ ኢና ምስ በሉና፡ ንጃምቦ ድምጺ መኪና እንተሰሚዕና ለይቲ ምስ መዓልቲ ክንሓብኦ ዳር ትሪኢትና ሪኢና፡፡ ንዑዑ ዝኸውን መሕብኢ ጎዳጕዲ ዘይፈሓርናዮ የሎን፡፡ እቲ ዝገርም ጃምቦ ዋላ እንዳሓለናሉ ካብ ምንካስናን ምፍርራሕናን ግና ዓዲ ኣይወዓለን፡፡ ዕብዳነቱ ብግሉጽ እንዳረኣናዮ፡ ጡዑይ ሙዃኑ ንጎረባብትና ከነእምን ህርድግ ኢልና፡፡ ወረ ከም ጃምቦ ዝበለ ከልቢ ስለ ዘይብልኵም ንምንታይ ትቐንኡልና ኢልና ሓሚናዮም፡፡

ዕብዳን ጃምቦ እንዳገደደ ከይዱ ካብ ፉጹም ቍጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ፡፡ በብቝሩብ ደቂ ገዛውትና ክኣትው ክወጹ ጃምቦ ምንባር ስለ ዝኸልኦም፡ ገዛውትና ገዲፎም ናብ ጎረባብትና ተሰዲዶም፡፡ እዋእ ክንደይ ግዜ ድኣ ኣሎ ምውቕ እንዳበልካ ናብራ! ስለዚ እታ ዝፈትዋን ዝናፍቕዋን ገዛውቶም ገዲፎም ማዕዶ ሰፊሮም፡፡ ኣቡኡ እውን እንተኾነ ጽላሎት ጃምቦ ኣይሓደጎምን፡፡ ኣጽምው ኣቢሉ ብስልሕልሖ ብለይቲ ክሃድኖም ጀሚሩ፡፡ ባዕሎም ስጋ ማቾላዮ፡ ተረፍ መረፍ ማኛ እንዳቐለቡ ዘህጠርዎ ከልቢ፡ ተሚሊሱ ክነኽሶም ዋላ ኣሚኖም ክቕበልዎ ኣይከኣሉን፡፡ ምስ ጃምቦ እኮ ሕሉፍ ፍቅሪ`ዩ ነይሮዎም፡፡ ባሬቶ ቀቀቲሎም ከብልዕዎ፡ ኣብ ላጌቶ፡ ማይ ኣንበሳ፡ ማይ ባሕሬን፡ ኣፍሪቃ፡ እንዳወሰዱ ኣካላቱ ክሓጽብዎ፡ ክምሽጥዎ ከቐባጥሩሉ፡ በቃ መዓልታዊ ዋኒኖም`ዩ ነይሩ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ሓደ መዓልቲ መዓልቲ ጃምቦ ኢሎም፡ ጋንታ ሓገዝ ኢሎም በጊዕ ሓሪዶሙሉ ነይሮም ኢዮም፡፡ ሓንጎል ጃምቦ ነዚ ፍቅሪ እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝርስዖ ዘሎ? እምበርከ እቲ እንፈልጦ ጃምቦ ዲዩ? ክላእ ጃምቦ ናይ ብሓቂ `ዩ ተጸሊሉ፡፡ ዓኽ ታገይ እንተትነብር ጽቡቕ ነይሩ፡፡ ታገይ እታ እኳ ብእዋን ደርጊ ኣደ ኣኻልብ ዝነበረት፡፡  ምስቶም ኣኽላባትኪ ገይርኪ ንጃምቦ ኣርሕቅ ኣቢልኪ ውሰድልና ምስ በልናያ፡፡ ንዓዓስ ሕራይ ምስ በላ ግዲ፡፡ ቋንቛ ኣኻልብ ጽቡቕ ገይራ እንዲያ ትፈልጦ፡፡ እንታይ እሞ ዕድል ኣይገበርናን፡፡ ታገይ ናበይ ከም ዘበለት ስውር ኢላ፡፡ ንጹሉል ከልቢስ ከመይ ኢልካ ጹሉል ሙዃኑ ከተረዶኦ ትኽእል? ንጡዑይ እኳ ንጋዳ፡፡

ጃምቦ ኣብ ዝውዕሎን ዝሓድሮን ኣይፈልጥን፡፡ መልሓሱ ጀል ኣቢሉ፡ ሳምና መገዲ ባቡር ሙሉእ ተደሪጹ ዘይውጽኦ ዓፍራ ዘርጠብጠብ እንዳበለ፡ ዕንኪሊል ይብል፡፡ምሳና ኣሎ እንዳበልናዮ ህልም ኢሉ ይቕኒ፡፡ ዓኽ ጃምቦ ሎምስ ለምለም ቖብ ኣቢላቶ ኢያ እንዳበልና ሃንደበት ቦሎኽ ኢሉ ቅልቅል ይብለና እሞ ንድነቕ፡፡ ኣብ ኣካላቱ ግና ሩኡይ ዝኾነ ለውጢ እንዳረኣና መጺና። ነብሱ ሳጽዩ ሳዕሪ`ዩ መሲሉ፡፡ ካብ ኣዕንቱ ህይወት ዘይብሉ ንብዓት ወረር ይብል፡፡ ሕማም ጽላለ ኣፍ ይሎጕም`ዩ መስለኒ ብጀካ እተን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ፈይ ፈይ ዘብለን  ኣይ ውሕ፡ ኣይ ሕሕ… ናይ ምቅሳት ድምጺ፡ ተዳኺሙ`ዩ፡፡ምንካስ ግና ኣመል ኮይንዎዩ መስልኒ ኣካል ሰብ ገዲፉ ሽባኻ ገረብ፡ ኣእጋሩ ሓፍ ኣቢሉ ሽንቲ ጨብ ከብል ከሎ እግሪ መንገዱ፡ መንደቕ ግህጽ ምባል ኣምጺኡ፡፡ እዋእ እንታይ`ዩ ዝግበሮ? ጃምቦ እዚ ጃምቦና በቃ ዓቢዱ`ዩ፡፡ ሎምስ እቲ ኣእጋሩ ሓፍ ኣቢሉ ሽንቲ ኣብ መንደቅ ምርጫይ ገዲፉ፡ ብደው ተሸሽ ምባል ኣምጺኡ፡፡ ጃምቦ እምኒ ቖርጢሙ ባዕሉ እንተዝሞተልና እንታይ ነይርዎ፡፡ ንዑዑ ምሓሾ፡ ጎርባብትና መዕረፉ፡ ንሕና ከኣ ካብ ሓጢያት ዲሒና ብሰላም ምነብረና፡፡ ግና እንተ ኣባ ጅጎ እንተ እቲ ኣብ ሓንጎሉ ዝተጻዕኖ ሓለቃ ኣጋንንቲ ቢልያል፡ ከም ድሙ ሸውዓተ እስትንፋስ ከም ዝዓደሎ፡ ገና ኣርባዓ ሓምሳ ዓመት ምሳዅም ኣለዅ`ዩ ዝፍክር፡፡ ዕድመ ከልቢ ክንደይ ዲዩ? እሞ ከልቢ ንከልቡ ድማ ዕቡድ ከልቢ? ምዕባድ ዕድመ የናውሕ ዲዩ?

መቸም ናብራ ምስ ጃምቦ ናብራ ዘብሎ መጸውዒ ናብራ እኳ እንተዘይብሉ፡ ከም ሻሙ ምወቕ እንዳበልና ምንባር ኣይገደፍናን፡፡ ልዕሊ ኵሉ ዘፍርሓና ድማ፡ እቶም ብጃምቦ ድሮ ዝተነኽሱን ዝተለኵፉን ደቂ ገዛውትና፡ ባህርይ ጃምቦ ተላቢሶም ተመሊሶም ንሶም እውን ከይነዅሱና ፍርሒ ኣሎና፡፡ ከምቲ ዝውረ ዕቡድ ከልቢ እንተነኺሱካ፡ በቲ ዘረብረብ ዝብል ዓፍራ ጥፍጣፍ ኣቢሉ መርዚ ዕብዳኑ ናብ ደምካ ስለ ዝጽምብሮ፡ ኣብ ከብድኻ ውሕ ዝብሉ ኮራዅር ፈጢርካ፡ ንስኻ እውን ብግዴኻ ውሕ እንዳበልካ ምንካስ ከም እትጅምር`ዩ፡፡ እዚ ድማ ብሓቂ ዘፍርሕ ነገር`ዩ፡፡ ስለዚ መዓትና ብሞት ጃምቦ ዘብቕዕ ይግበሮ። ዑቡድ ከልቢ እኳ ከምዚ ገይሩ ዘሳራጥየናስ፡ ዑቡድ ሰብ ድኣ እንታይ ክደግመና`ዩ? ካብ ኵሉ ድማ መናውራ ጎረቤት ድቃስ ከሊኡና ኣሎ፡፡ ሎምስ ቍርጽ ኣቢሎም ናይ ሞት መርድእ ኣብ ልዕሊ ጃምቦ ሊኢኾምልና ኣለው፡፡ ሓደው ዑብድ ከልብዅም ኣክቡልና፡ ኣይፋልን እንተበልኵም ግና ትዕግስትና ጸንቂቕና ኢና ባዕልና መጺና ክንሰሃሎ ኢና፡፡  ኣቱም ሰባት ጕድ ኣይትርከቡ ጕድ እኮ ኢና ረኺብና፡፡ ብውሽጢ ዑብድ ከልቢ ኣይትበሩ ይብለና ብግዳም ድማ ንምንታይ ምስ ዑቡድ ከልቢ ትነብሩ ኢሎም ይኸሱና፡፡ ደቂ ገዛውቲ ጕዳይ ጃምቦ ከይደንጎና ኣብ ሓደ ምዕራፉ ከንብጽሖ ኣሎና፡፡ እንተዘይኮይኑ፡ ጎረባብትና ንዑዑ ክልኵሙ ክብሉ፡ ብኣልማማ ንዓና እውን ደሚሮም ከየጥፉና፡ ደሓር ከኣ ንወሩኡ እኳ ክፉእ፡ ዓቕምና ተኣኻኺቡ ንሓደ ዑቡድ ከልቢ ዘይከውን እንተኾይኑ ኣለና ክንብል እውን የጸግም`ዩ፡፡ በዚ ኢና ድማ  ጕዳይ ጃምቦ ሓዲኡ ክንገብሮ፡ ህጹጽ ደምዳሚ ኣኼባ ኣብ ገዛውትና ዝጠለብና፡፡

ሓደ ኣጋ-ምሸት`ዩ መሬት ጸለግለግ ምስ በለ፡ ኣብ ሓደ ጽምው ዝበለ ቦታ ደቂ ገዛውቲ ተኣኪብና እሞ ብዛዕባ ጃምቦ እንታይ ንግበር፡፡ ካብ ጎሬቤትና ዝመጽእ ዘሎ ስምዕታ፡ ብሸለል መለል ዝሕለፍ ኣይኮነን፡፡ ጃምቦ ዕብዳኑ እንዳበኣሶ ከይዱ፡ ዘይሩ ዘይሩ ነዉሕ ዝሰርር እስትፋስ የብሉን፡፡ ስለዚ ንምውት ዑብድ ከልቢ ክንሕልው፡ ንሕና ምሱኡ ተለኪምና ክንጠፍእ ዕሽነት`ዩ፡፡ ስለዚ ተቐላጢፍና ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና ዝብል ናይ ሓባር ስሚዒት እኳ እንተነበረ፡ ሓደ ስቕ ኢሉ ክሰምዕ ዝጸንሔ፡

“ኣብዚኣ እሞ ኢሉ ኢዱ ሓፍ ብድሕሪ ምባል”

እዋእ እዞም ጎርባብትና እንታይ ግበሩ ኢዮም ዝብሉና ዘለው፡፡ ጃምቦ እኮ ምንካስ ብኣና`ዩ ጀሚሩ፡፡ ስለዚ ንሕና እውን እኮ ፈቲና ኣይኮናን ጭዓ ኣስናኑ ተተርኢስና ንሓድር ዘሎና፡፡ ግና ገሊኣ እታ ኣስናን ጃምቦ ዝዓለባ ኣፍ ጃምቦ ክትዓብስ ንንየው ነጀው ትብል ኣላ፡፡  ገሊኣ ግና ኣስናን ጃምቦ ገና ዘይመጅረጣ፡ ኣብ ማዕዶ ሰፊራ ጃምቦ ጃምቦና`ዩ፡፡ጃምቦ ማለት ንሕና፡ ንሕና ማለት ጃምቦ እንዳበለት ሞኽ ተብልና ኣላ፡፡ እዚ ድማ ዘይስጋኻ ጃምቦ ይመጅርጦ ዝዓይነቱ ናይ ሱሱዕ ሰብ ባህርይ ኢዩ፡፡ ስለዚ እዞም ጎሮባብትና ክሳብ ጕዳይ ጃምቦ ኣብ ሓደ ነገር እነብጽሖ እንተዝዕገሱና ይሓይሽ ይብል`

ሓደ ካብ ደቂ ገዛውትና ትቕብል ኣቢሉ፡

ጽቡቕ ሓሳብ እኳ እንተኾነ፡ ጎረባብትና ግና ዝነደሩ እዮም ዝመስሉ፡፡ ስለዚ እቲ ዝሓይሽ ንለምለም ጸዊዕካ፡ ንጃምቦ ሓኒቖም ክወስዱልና ምልባው ይሓይሽ፡፡ ስለዚ ኵልና ተሓባቢርና ጎረቤት ኣብ ጕዳይ ጃምቦና ኣእዳዎም ክእርንቡ፡ ቡኡ ኣቢልና ጃምቦና ዓቢዱ ንዅልና ሰላም ስለ ዝኸልኣና ክመዅሩልና ዱማንዳ ንጽሓፍ`

ሓደ ስቅ ኢሉ ክሰምዕ ብድሕሪ ምጽናሕ ፡

ኣቱም ስቕ ኢልኵም ዶ ኣይትሃውቱቱ፡፡ ለምለም ዝሕነቝ ከልቢ ከባቢ ስለ ዝበዝሓ፡ ጥርዓና ከተንቦቦ እውን ግዜ የብላን፡፡ ለምለም እውን እኮ ምስ ረብሓታታ ኢያ ትኸይድ፡፡ ካብ ኵሉ ሎሚ ሎሚ ዝይዳ ሓይላ፡ ኣብቶም ሽጕርቲ ኮሚደረ ዝሽቕጡ` ያ ኣድህቦ ገይራ ዘላ፡፡ ዕቡድ ከልቢ ሓኒቓ እንታይ ኢያ ክትረብሕ? እንትርፎ ዓፍራ! ስለዚ ኮይና ተሪፋ ጕዳይ ጃምቦ ካብ ኢድና ዘይሓልፍ ጕዳይ`ዩ`

ኣብ መንጎ ደቂ ገዛውቲ ስቅታ ነጊሱ ብድሕሪ ምጽናሕ፡፡ ሓንቲ ሞት ጃምቦ ክትርኢ ከብዳ ሓቦጭቦጭ ዝበላ፡

ከመይ ኢልና ኢና እሞ ንጃምቦ ክንጭክነሉ፡፡ ትማሊ ትማሊ ንሱ ዶ ኣይኮነን፡ ኣኻልብ ጎረባብቲ ክነኽሱና ምስ መጹ ዘባረረልና፡፡ ትማሊ ትማሊ ንሱ ዶ ኣይኮነን ኣንጻር ብዙሓት ዘራያት ጎርባብቲ ደው ኢሉ ዝመከተ፡፡ ንሱ ስለ ዘሎ እኮ ኢና ዘይተደፈርና፡፡ እዛ ገዛውትና ብዘይ ጃምቦ ሽል ክትብል፡፡ ሎሚ ስለ ዝሓመመ ክንጠልሞ የብልናን፡፡ እንተኺልና ጾም ጾሎት ገይርና ሕማሙ ንፈውሶ`

ሓንቲ ኣፋፊት ደገፍ ንህላዌ ጃምቦ ዝተኸፍተላ ጓል ገዛውቲ፡

ጽቡቕ ኣሎኺ፡፡ ኣነ እውን ምስ እዚ ኣበሃህላኺ ይሰማማዓሉ`የ፡፡ ኣነስ ካብ ለምለም ኣብ ቅድሚ ኣዕንትና ትሓንቖ፡ ወይ ድማ ጎሬቤትና መጺኦም ብእምኒ ደሲቖም ዝቐትልዎ፡ እንዳ ቅድስቲ ማሪያም ወሲድና፡ ኣቡኡ እንተነፈውሶ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ`

ኣታ ጸኒሕኵምሲ ገለ ከተስምዑና ኢዅም፡፡ እንዳ ቅድስቲ ማሪያም ዶ በልኪ ` በለት ክርኪር ኢላ ብድሕሪ ምስሓቕ ` እንዳ ቅድስቲ ማሪያም ጃምቦ ዝኸይድ ድኣ መሊሱ ዲዩ ዝዓበዱ ከዕብድ? `

ኵሎም ተኸቲሎማ ሰሓቕ ብሰሓቕ ኮኑ፡፡

ሓደ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ

ኣቱም ንምንታይ ኢዅም ትዕሽው ዘለኵም፡፡ እንዳጽሉላት ድኣ ጹሉል ሰብ እምበር ጹሉላት ከልቢ መዓስ ይቕበሉ፡፡ ንጃምቦ ደኣ ከመይ ኢሎም ሕራይ ኢሎም ክቕበሉና፡፡ ደሓር ከኣ ንጃምቦ ምስ ረኣዪ እዞም ኵሎም ጹሉላት ሓጹር ቅድስቲ ማሪያም ዘሊሎም ኣብዛ ከተማ ዝርእ እንተበሉ ዝገደደ ከነምጽእ፡፡ ጠዋዊካ ጣጣ ዝብልዎ እኮ ከምዚ`ዩ፡፡ ኣነ መቸም የሎዅላን፡፡ ነገር ኣላ እንዳቦይ ዓብደላ፡፡` ኢሉ ኣጻብዑ ቖራዕራዕ ኣበለ፡፡

“ እሞ ድኣ እንታይ ይሓይሽ? ` ገጹ ኣማዕተበ ነቲ ኣኼባ ገዛውቲ ዝመርሖ ዝነበረ፡ ካብ ኵሎም ፍርዝን ዝበለ መንእሰይ፡፡

ኣነስ ማይጨሎት ወሲድና ክልተ ሸውዓት ነሕጽቦ ዕብዳኑ እንተበረረሉ` በለ ሐደ ናብ ሰማይ ገጹ ጠሚቱ ኢዱ ንጸሎት እንዳማዕተበ፡፡

ጽቡቕ ሓሳብ ግና መን ኣቡኡ ከብጽሖ፡፡ በብሓደ ቖራጢሙ ክውድኣና ገና ማይጨሎት ከይበጽሓና፡፡ ካብ ኵሉ ሕጂ ምግቢ ምብላዕ ካብ ዘቛርጽ ነዊሕ ስለ ዝገበረ፡ መላሲ ኣውያት ዘይብልና ዓጽሚ እውን ኣየትርፈልናን`ዩ፡፡`

ድምጺ ጣሕሸም ዝሰምዑ መስሎም፡፡ ኣዕንቶም ኣብቲ ጸላም ዝያዳ ፈጢጠን ከም ኾኾብ ኣብለጨለጫ፡፡ ጃምቦ ብማዕዶ ጎሰስ እንዳበለ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዖም፡፡ ኣብ ዘለውዎ ኣብራዅም ፍስስ በላ፡፡

እዎዎ ንገር ኣለዋ እንዳቦይ ዓብድላ፡፡ ኣነ የሎዅላን እዚኣ፡፡ ከምታ ዝነበርክዋ ምውቕ እንዳበልካ ናብራ ትሕሸኒ፡፡ ከይደ ኣለኵ ገዛይ፡፡ ደሓን ሕደሩ፡፡` ኢልዎም ሓደ ብጕያ ምርቕፍ በለ፡፡ ነዊሕ ኣይጸንሑን፡፡ ዝውረደ ይውረድ ካብ ሰብና ዶ ከይከፍኣና ኢሎም ኵሎም በብሓደ መሽኮት መሽኮት ኢሎም ህድማ ናብ ውሻጠ ተተሓሕዝዎ፡፡ ክልተ ግና ኣብቲ ጸላም ዝመጸ ክመጾም ምስ ጃምቦ ክፋጠጡ ወሲኖም ኢዮም፡፡ ወይ ጃምቦ ቀዲሙ በዘግ ከብሎም ወይ ንሶም ቀዲሞም በቲ ኣብ ኢዶም ዝጨበጥዎ ኣእማን ገይሮምኣስናኑ ከርግፎዎ ግብግብ ክገጥሙ ዓጢቖሙሉ እዮም፡፡

ምስ ጃምቦ ኣብ ዝቅጽል ምዕራፍ የራኽበና፡፡ ጕዳይ ጃምቦ ዑቡድ ከልቢ ገዛውትና ናበይ የብል ይኸውን?

halhalta@yahoo.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares