Awate.com

ማዕበል ሁበቡላ

ቅድሚ ኩሉ እንቓዕ ነዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ጉያ ጉያን፤ ሓዞን ኣርክብን ጥራይ ከይኮነስ ርድኣዮን ርድኣናን ናይሓሶትን ናይ ሓቅን ጥርዓን ካብ ኩሉ ኩርናዕ ብሓባር ክንሰምዕን ክንርእይን ኣብጽሓና። እወ ከም ብዙሓት ሕብሪ ዝተዛነቐ ናይ ፈተውትን ናይ ብዙሓት ምፍጣረይ ዘይወሓጦሎም ከይተረፈ ሃላዋት ኣሻቒለ ከምዝነበርኩ ኩሉ ይርድኣኒ። እንተኾነ ሎሚ ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይኮነን ሕምረት ጹሑፎይ። እንተኾነ ከምቲ በምሓርኛ ዝብልዎ “መሰንበት ደግነው ሁሉን ያሳል” መዓልቲ ውድቀት በዝበዝቲ ህዝቦም የሕጉሰና እምበር ከምቶም ሐደ ሐደ ዝብልዎ ንዓና ንኤርትራዊያን እንታይ ለውጢ የምጽኣልና ዝብሉ ኣይኮና። ዒባም ሓሰኻ ስለዝወልድ ንላም ዒባ ከይትወልድ ኢልካ ኣይቅተልን ስለዝኾነ፡ ንሕናም ምስ ኩሉ መልክዕታቱን፣ ትሕዝትኡን፣ ይዕበ ይንኣስ ብዘይገድስ ዝመጽእ ለውጥታት ብውጹዓት ህዝቢ ድልየት ክሳብ ኮነ የገድሰና ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢና ክኸወን ከሎ ከአ ብዙሕ ዝተቐራረበን ብኹሉ መዳይ ዝተተሓሐዘ ብምኻኑ ዓብይ ኣቕልቦ ክንህበሉ ይግባእ።

ብፍላይ እቲ “ማዕበል ሁበቡላ” ካብ ምዕራብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ናብ ምስራቕ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ቀልጢፉ ምብጹሑ ብጣዕሚ ደስ የብል። ካብኡ’ኸ ቁልቁል’ዶ ይጋዓዝ ይኸውን ኢልና እናተሻቐልና ከለና፣ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ብጺሒቱ ክእክብ ከይደንጎየ ካርቱም ምብጽሑ ኣደንጊጹና። ሓጎስና ግን ገና ክንጽበ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ኣብ ንፈትዋ ሃግረና ክንራኸብ ኣይርሕቕን እንዳበልኩ ብጥንቃቀ ክንጋዓዝን ክንከታተሎ ይግባእ።

ነቶም ብአዲስ ኣበባ ምምላስ ትኽሰሱን እቶም ኣዲስ ኣበባ ንሰላም ምእታው ዝሓንገድኩም ወይ ዝዓመጽኩም፣ ጾም ሰላምኩም መፍቲሒኡ ካብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ተስፋ እገብር። ብፍላይ እቶም ጭርሖ ህድገፍ ኣብ ወጻኢን ኣብ ውሽጢን ኣንጻር ህዝቢ ንምክፍፋል ተናፍሑዎ እከይ ግብርኹም ቁሩብ ክትሓስብሉን ቅድሚ ናይ ጥፍኣት ቁርባንኩም ንስሓ ክትኣትዩ ተስፋ እገብር። ጥፍኣትኩም ከአ ቅድም ቀዳድም ብሕቡእ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ እዳተራኸብኩም ነቶም ብቕሉዕ መርገጺኦም ኣነጺሮም ዝኣተው ምውንጃልኩም ኣይግድን። እቲ ሽግር እኮ ሓመድ ናይ ኢትዮጵያ ምርጋጽ ወይ ኢትዮጵያውያን ንበይኖም ዘምጽእዎ ኣይነበረን። ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ሕልኽልኽ ብኽልቲኡ ወገን ንዝፈጠሮ ሽግር ብሰላም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ስለዘይነበረ፤ ሓይሊን ጎነጽን ኣስዒቡ።  እዚ ከአ እቶም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ብግዚኡ ዝነበሩ መርሓቲ ህዝቢ፣ ሕጂውን መብዝሓቲኦም ኣብ መርሒነት ዘለዉ ብዝፈጠርዎ ዓብይ ጌጋ ኢዩ።

እቲ ሓቂ ሐደ ወገን ናይ ዝዓበደ ኢልካስ፡ እቲ ካልኣይ ወገን ምስኡ ክዓብድን ደድሕሪኡ ምስዓብን ብዘይገድስ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ውልዶ መንእሰይ ክስዉኡን ንብረት ንዘይረብሕ ክበርስን ዘየድሊ ምትህልላኽ ዘምጽኦ ዓብይ ኪሳራ ኮይኑ። ንክልቲኡ ኣህዛብ ከም ጎረባብቲ ሃገራት ጥራይ ከይኮነስ ከም ሐደ ቤተስብ ብታሪኽ ዝተረጋገጸሉ ህዝቢ መሊስካ ናብ ሓውን ናብ ጽልእን ቅርሕነትን ዘእተወ ጌጋ ነይሩ። እዚ ከአ ናይ ህዝቢ ትጽቢትን እምነትን ኣይነበረን።

“እንተኾነ ብወገን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝወሰድዎ ንጹር ናይ ጌጋ ምፍጻም ጣዕሳ ብዘረባ ጥራይ ከይኮነስ ነቲ ጌጋ ዘምጽኦ ሽግራት ንምፍታሕ ብግብሪ ተታሓሒዞሞስ፤ ነቲ ኣሞንጎ ህዝቢ ዝነበረ ምፍሕፋሕ እንዳተማሐሸ ይመጽእ ከምዘሎ አነ ጥራይ ዝፈልጦ ሕቡእ ምስጢር ኣይኮነን። ክምስክረሎም ኢለ’ውን ኣይኮነን። ምግጋይ ምስ ወዲሰብ ዝኸይድ ባህራዊ ፀባይ ኢዩ። ጌጋኻ ምእራም ከአ ሰብኣዊ ባህርይ ጥራይ ከይኮነስ ግደታ ሓላፊነትካ ተቐቢልካ ምእራሙን ምፍጻሙን ምኽኣል ፍሉይ ተውህቦ ኢዩ። ሕጂ’ውን ክቅጽሉሉን ነቲ ብአጋ ተሪፉ ዘሎ ሕልኽልኽ ክፍታሕ ብዘይምቁራጽ ክጽዕሩሉ ይላቦ። እዚ ከአ ቁስሊ ክልቲኡ ህዝቢ ቀልጢፉ ክፍወስ ዓብይ ጊደን ተራን ከምዝህልዮ ኣይንዘንግዕ።”

“ብወገን ኤርትራ ከአ ካብ ህዝበይ ንላዕሊ ዝፈልጦ ሰናይ ተበግሶ ንሰላም ኣይራኣኹን። እቶም ዝራኸቦምን ኣብ ኤርትራ ሓቑፉዎም ዘለው ከአ ዝፈልጥዎም ይዛረቡሎም።”

ሕጂም ከም ኤርትራውነተይ ፈቲኹም ጸሊእኹም ክብሎ ዝደሊ ንሕና ጥራይ ንፈልጥ፤ ንሕና ጥራይ ንምራሕ ከይኮነስ ንሕና ከምድላይና ሃገር ነበሳበስ፤ ሃገር ከነብርስ ከለና ሰዓቡናን ተዓዘቡናን፤ እዚ እንተገርኩም ሃገራውያን፤ ኤርትራውያን ኢኹም እንተዘይኮነ ሃገር ከሓዲቲ እዳበልካ ጽውጽዋይ ዘረባ ጹሉላት ምብታን ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ሃገር ትርጉሙን ክብራዊነቱን ዘይምርዳእ ድኹም ዓቕሚ ተሓንጊጥኩምም ሊዕሊ ኩሉ ክትኾኑ ምፍታን ንነብስኻ ምዕሻው ጥራይ ይኸውን።

ናይ ህዝቢ ፍርድን ናዕብን እንታይ ከም ዝመስል ከአ ቅድሚ ሕጂ ሃጸይ ሃይለስላሴ ምስ ምንስትራቱን ላዕሎወት ወከልቲ ኣመሓደርቱ ዝነበሩ ካብ ስልጣን ክወርድ ከሎ እንታይ ከም ዝመስል ዝረኣና ንእስነትና የዘኻኽረናን ኣሚሂሩናን ኢዩ። እቶም ድሕረና ዝዓበኹም ተመሃሩ፣ እቶም መሳቱናን ከምኡ’ን ምዕባያታትናን ኣያታትናን ኣቦታትናን ትኾኑ ብዕድመ ከአ ረሲዕኹሞ እንተኾይኑ ሕጂ ክትዝክርዎ ንታሪኽ ክትውከሱ ተስፋ እገብር። ምስ ዝዓበደ ምዕባድ ይሕሸና ካበልኩም ከአ ህዝብና ማይ ጮሎት መወኣሉ ክነጽገልኩም ዓቕሚ የብሉን።

ህዝብና ነታ ንዕለቱ ዝበልዓን ዝሰትያን ከይረክብ መንእሳያቱ ሰሪሖም ኮነ ተማሂሮም ከይዕንግልዎ ፍርቆም ኣብ ጎዳጉድ መሓዩር፡ ፍርቆም ኣብ በረኻታት ናይ ጠጠውካ ህይወትካ ኣበላሲ ትእዛዝ ተውሲንዎምስ ብሽም ሳዋ ብጥርሑ ተረፉዑዎም አለኹም። ካብ ባርነት ክሰቱኽ ዝፈተነ ህይወቱ ብጥይት ክርሸን ካልእ ዘይጻወሮ ትእዛዝ ኣብ ህይወቱ ብዘይገበን ኣመሓላሊፍኩም። እቲ ካልእ ኣካል መንእሰይ ከአ ኣሳፊሕካ ሞት ተኾርሚኻ ሞት ሐደ ምኻኑ ዘተውዓለ ከአ ዕድሉ ፈቲኑ፣ በሺሓት ብድሕሪኦም ተረሺኖም ዕድል ዝገበሩ ከአ ካብ ኣፍ ጥይትኩም ሰቲኾም ኣፈቐዶ ዓድታት ከርተት ዝብሉን ኣፈቐዶ ናይ ዕቑበኛታት መዓስከር ዝተዳጎኑን ቁጽሮም መኣለያ ይብሉን።

ነዚ ናይ ሓዲሽ መከራ ህይወት ከርከቡሉ ኣብ ጉዕዞ ዝተረፉ’ውን  ወሎዶም ይቑጸርዎም። እዚ ንወለዲን ንሃገርን ዓብይ ወጽዓን ስንብራትን ዘውደቐ ግፍዓዊ ስራሕ ታሪኽ መራሕቲ ህድግፍን ኮራኹር ዕሱባት ሰዓብቶምን ኢዩ።

እቶም ብገንዘብን ብደገፍኩምን ዘውጻእኹሞም መንእሰያት ከአ ምስቶም ሃደዳ ግፍዕን ጭቆናን በርቲዕዎም ዝወጽኡ መብዛሕቲኦም መንእሰያት ኣይቁጸሩን ኣይኮነን ዝብሎ ዘለኹ። ግና ሽግር መፍቲሒኦም ናትኩም ናይ ህድግፍያውያን ስስዐን ጸባብ ኣተሓሳስባን ስለ ዝነበረ፣ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣኽፊልኩሞም ወይ ከአ ብካልእ ግዕዙይ ስራሕ ተጠቒምኩሎም።

ቁሩባት ግን ንሕና ከም ህዝብና ናይ ኢኮኖሚ ሽግርና ክንፈትሕን ስድራና ከማታትኩም ክንሕግዝ እምበር መንግስትና ዝገብሮ ጸሊእና ኣይኮነን እንዳበሉ ብሓሶትን ብድሕርነትን መንእሰያት ክመቓቕሉ ክቓዙሙ ኣስተዊዕላና። እዚ ኸአ ድሕሪ መንበሪ ኮነ ናይ መስሪሒ ወረቓቕቶም ብሽም ውጹዕ ህዝብናን፣ መንእስያትናን፣ ብሓፈሽኡ ዓለም ዘደንገጸ ሽግር ሃገርና ተጠቒሞም ምርካቦም ዘደንቕ ሓሶት ኣይኮነን።

እታ መዓልቲ ሓቂ ከአ ምስ በጽሐት ካብ ተሓታትነት ኣደናጊሮም ክሰትኩ ምፍታኖም ስለ ዘይተርፍ፡ ንዓታቶም’ውን ኣብ ዘለዉ ኣለዉ ዘይምርሳዕ’ዩ። እቲ ኩርኩር ጫቑታት ምባላዕ እተጀሚሩ ኣብቲ ገዛ ዳርሁ ክህልያ ስለ ዘይክእል እቲ ንጽበዮን ንፈትዮን በዓላት ኣይንሕጎሰሉን ክኸውን’ዩ። ከልቢ ክሳብ ዝኸውን እንተተጸብና ግን ዝብኢ እምበር ከልቢ ኣይኾነን ዘዕበናዮ። ጥሪት ክህልዋና ከአ ዘይሕሰብ ይመስለኒ። ደንበ ተኻሉ ከአ ኣዘንጊዑ ኣብ ሃገርና ስለ ዝተራብሐን ተስፋፍሐን፡ ሕጂ እቲ ካርቱም በጺሑ ኣሎ ዝበሃል ጽቡቕ ወረ “ማዕበል ሁበቡላ” ንሃገርናም ጽዋ ነጻነት ንህዝብና ከጥዕመልና እሞ ርስሓት ሃገርና ጥራይ ክመላእልና ተስፋ ነውድቐሉ።  

“ማዕበል ሁበቡላ”

ማዕበል ነቒሉ – ዝተጻዕኖ ፈንቂሉ
ውቅያኖስ ተናውጺ – ነጎድጋድ ኣድሚጹ
ኩሉ ግን – ባህራዊ ስለዝኾነ
ዝጥሕል ጢሒሉ – ዝሕንብስ ተሳጊሩ
ዝተረፈ ተርፍ ኩሉ
ኣብ ማእኸል ሰፈፍ ምስ በለ
ወይ ይግለፍ ወይ ይሓልፍ
ተፈጥሮ ዕድሉ ዘውደቐሉ
ዕጫ ምርጫ ዘይብሉ
መርከብ ሓየልቲ በዝበዝቲ
 ኣብ ዘይውስኑሉ
ማዕበል ነይሩ ንኹሉ።
 
ማዕበል ለዘበን ግን
ሁበቡላ ወሲኹ
ካብ ምድረ በዳ ሰሃራ
ሓዊ ኣጉዱ ኣጋጉዱ
ዝምለስ ኣይመስልን
ብዓመጽ ዝሰወዱ
ዝነዱ ኣንዲዱ
ዝበልዐ በሊዑ
ንዓቐብ’ዩ ኣማዕድዩ።
 
 
ማዕበል ! ህዝቢ ምስ ተኣጉደ
ክጸርግ ግዕዘ ምዕዘ
ብደም ውጹዓት ዝተለበደ
ሽዑ መርከብ ግፈዔኛታት
ደላይ ለውጢ መሲሉ ነቆየ
ግደፉ ተዓገሱ እንዳበለ
ንሰላም ንፍትሒ ኣእወየ።
 
እንታይ  ዋጋ አለዎ
ገዛ ምስ ነደደ
ውልቀ መላኺ ምስ ዓበደ
ሑፃ ምድረ በዳ
ዓሳን እናይወለደ
ፖለቲካ ሓያላት ጥራይ
ምስ ሰዓብቱ ተዋረደ።
 
ብገንዘብ ተሸጦም – ብዙሕ ዝተሓየሩ
ዲሞክራሲን ፍትሕን – ኣብ ግብሪ ዘይነበሩ
ሎሚ ተፈቲሖም – ጭርሖ ክምድሩ
ብዛዕባ ውጹዓት – ክዛረቡ ብዘይሓፍሩ
መልሓሶም መንታ – ከም አመሉ።
 
ክሳብ ዘገልገልካ – ዓሚተዮ ዓይነይ
እንዳ ወደቅካ ግን – ኣይጻወሮን ወነይ
ምስ ጥቕመይ ይሕሸኒ
ክጋየ ከም ቀደመይ
ዕርክነት ክጅምር – ከየፍቀረ ልበይ
መርከብ’ዶ ኣብ ሑጻ – ትድይብ በሉለይ
ህዝቢ’ዶ ይዕንገል – ጨኪኑ ምስ ተላዕለ።
 
ድሓን ኩኑ’ዶ – ክንብል ብጾትና
ድሓን ኩኑ ወይስ ኮራኹርና
ኣፋትኩም ዝሓተመ – ስቡሕ ስጋና
ኣእዛንኩም ዝለኮተ – ምቁር ዘረባና
ዓይንኹም ዘዕወረ – ብርቕርቕ ኣጽዋርና
ጁባኹም ጸቢብዎ – ስዊዝ ኣትዩ ገንዘብና
ህዝቢ ተዓቢሱ – ንሕና ግን ተዓራሪኽና።
ሎሚ ግን ውጹዕ ተላዒሉ – ብሰንኪ ግብርና
ብምድረ በዳ ጀሚሩ – ኢሮፕ ኣመሪካና
ናይ ህበቡላ ነበልባል – ሃለልታ ከሕርረና
መዕበሲ ሲእናሉ – ካብ ነእውይ ቀኒና
ብዛዕባ ጸጥታ – ቅሳነት ኣመኻኒና
ንዘረባ መጠበሪ – ዘይግደሱ በኣና

ከም ሑጻ በዚሖም – ከበሬታ ዘይህቡና
ክንደይ’ሞ ዘይፍተና – ከነድሕን ጥቕምና
ናታትኩምስ ድሓን – ፖለቲካ ተበላሹና
ሰበርቲ ዲሞክራሲ – ሰበርቲ ፍትሒ ተጸዊዕና።
 
 ዓለም ከምዘፈልጦ – አቦ ክልተኡ ነይርና
ንኽንደይ ወኻሩ – ደድሕረኦም ኣጋይይና
ብሽም ዲሞክራሲ – ኣብ ጉድጋድ ዘእተና
ሎሚ ንብጾቶም ክነድሕን – ክንደይ ተዋሪድና
ከምቲ ታሪኽ ዝምስክሮ – ንኹሉ ግብርና
ክንዛረብ ሓቂ – እንተ አፍቂድኩምልና
ዘክሩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጊደና  
መጀመሪያ ንኣፓርታይድ ደጊፍና
ስዓቱ ምስ አኸለ ንኣፓርታይድ ኣወጊዝና
ክሳብ ሕጂ ሓንቲ – እምነት ፍልስፍናና
ካብ ንውጽዓት ምድጋፍ ኣንጻር ዕላማና
ንውልቀ መለኽቲ – ምፍጣር ይሕሸና።
 
ሎሚ ግን ኣፍሪቃ ተቐይሩ
ማዕበል ውጹዓት – ሁበቡላ ፈኒዩ
ታንክታትና ተሰሪዔን – ግን ተሳዓረን 
ከም ሕያዋይ ኣቦ – ንቃልዑት ሓንጊረን
ሽልማት ጠለባት – ተሰሊመን ኣንጠልጢለን
ዓለም ከንብቦ – ሚስጥራት ዛሕዚሔን።
 
ማዕበል ሁበቡላ – ማዕበል ሁበቡላ
ኤርትራውን ኣብ ጥቓኻ ኣላ
ንኣውያት ናይ ህዝባ ክትሰምዓላ
ተሓጺያ ተኻሒላ ንመርዓ ንጋይላ
ዳስ ፍትሒ ዳስ ዲሞክራሲ
ትጽበ ብተስፋ – ንህዝባ ክተታኽላ። 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ሕልና – 01/31/2011”

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares