Awate.com

ስውኣትና ተቀቢሮም ዶ!

ሰማያት ዘለዋ መሬት:
ሕንብርቲ ዘይብሉ ሽውሃት
ወኒና ካብቲ ካዕበት ዝተሓፍሶ ግራት:ቡቅሊ ኣዳቂላ ከይትወስድ:ኣቃይሓ ብሙሩጽ ጥራሕ ኢየ ዝዕንገል ክትብለኒ…ደንዳኒት በልኩዋ::

ኢዚ ናይሎሚ ጹሑፍ እምበኣር ስውኣት ተቀቢሮም! ክንሓዝን እምበር ስብ ከነጸናንዕ ኣይከኣልናን:መስዋእቲ ክልተ ብ ሓንቲ ንብዓት መን ክኣምን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብሓፍሻ ዘለናዮ እዋን ሓዘን ብዓቅመይ ክድህስስ  ዘዳለኹዎ ጹሑፍ ኢዩ::

ኢቲ ገድሊ ኮነ:ኢቲ ቃልሲ :ኣብ መርድእ ዘብጹሑን:ሓመድ ድበ ሎሚ’ዩ ዝብሉን:መቃብር ዝፍሕሩን:ቃረዛ ዝስከሙን ዝዕጅቡን:ምስተረፈ ኣብ ክንዲ ነቲ ጂግና ትጏኒዮ ኣቃይሓ ዓይና ደም መሊኡዋ:ነቲ ጸዋር ዝተስከማ ተሰኪማቶ:ዓጃቢነፍጋቶ:ቡሉጽ ክትወስድ ዛመሬት: ንጅግና ክትደሀ:ሓዊ ዝሃብካያ ትበልዕ ክንሳ ዘይሰርሕ ኣይብላዕ:ሓራም ክትብሎ ነቲ ልክዓ: ውሑጅ ቅድሚኡ ዝጸነሖ ይልክም ክንሱ ንብዓት ቃንዛና ከይወስድ : ሕሰም ጉሱያት ከይቅንጥጥ:ጡሩዎ:ሙስሉይ’ዩ  ኣብ ገጽኩም ዘሎ ዝረቁዎ ክብለና ንመከላኸሊ ፍግረመሬት ዝተተኽለ ባሕጊጉ ብሽም ስብ ዘይኮነ ብሽም ጂግና ዝጽዋዕ ቡሉጽ’የ ዝመርጽ ክብል ምስተደሃየ ልግሲ ኤርትራውይን ጀጋኑ ኣብ ምርካብ ኮይኑ:: ነቲ ጥይት ዝነሓፎ :ማሕዩር ተረኪቡ:ብመስዋእቲ ክፋንዎ ከሎ ኣብ ክንዲ ዕላማ ቃልሱን ታሪኹን ምስታ ትምለስ ቃሬዛ ተሰኪምናያ ንምለስ እቲ ቃልሲን ታሪኹን ምስኡ ምቅባርና:ነቲ ክድብስ ዝግብኦ ሓዘነ ቃንዛ:ረኽሱ ኣራጊድናዮ ምህላውና ዘይምስትውዓልና ኢዩ ኢቲ ዘብኪን ዘሕዝንን::
እምበኣር(መስዋእቲ :እስትሽሃድ) ስውእ ድማ ሽሙ ሽሂድ እምበር ሙዉት ኣይኮንን::እዞም ጅጋኑ ብጊሓቱ ትንፋሶም ንመስል ህዝቦም ክኽበር ዘወፈዩዋ ኣብ ሎሚ በጺሖም ኣይቀየሩዋን::ዝሞትና እቶም ህሉዋት ዘለና ዝመስለና መሬት ዝነፈገትና ኢና(ሞት…ሞት ክዳን)::ንሕና ኢና ሞይትና::ውርጹጽ ስንዓ ሃረም ዝኾነ ውሩቅ መርሓ ሓቂ ሒዝካ :ኣብ ክንዲ ኢቲ ባሕሪ ትስንጢቆ:ዓሳ ውን ትገፈሉ :ኣብቲ ዓዘቅቲ ዓለቅቲ ክትኣርየሉ ነዊሑ :ኣሕዋት ብሓቂ ነዊሑ::20 ዓመት ብዘይ ቁዋም ብዘይፍትሒ:ብፍርሒ ክትናበር ነዊሑ::

ቃልሲ ነፋሒቶ ብሕብሪ ምቅይያር:ቃልሲ ኣትማን ብመርዚ ኮይኑና: ዘንብዑና እንበር መንዲል ዘቀብሉና ሲኢና:ንኬፈን ዝኸውን ዓለባ ኣቡጀጂጅ ውን ኣብ ዕዳጋ ሲኢናሉ እቲ ህወትና ::

ታሪኽ ነጋሪን ወራሲን ምስ ዝስእን ስውኣት ተቀቢሮም ዶ ኢልና ከነጣይቅ ባህርያዊ ኡኳ ተኾነ ኣይንንባዕ ሰብ ሞይቱና :ስውእ ከይዱና ኢልና::ኤርትራዊ ደኣ መዓልታዊ እንዲዩ ዝመውት ዘሎ:ስውእ ደኣ ንመስዋእቲ ቀደም’ዩ ተሰይፉላ:እንታይ ሓዲሽ ነገር ተፈጢሩ::እቲ ዝተቀብረና ታሪኽ ምኽሪ ማዕዳ ተግሳጽ ሙኻኑዩ ከንብዐና ዝግብኦ::ንመስዋእቶም ኣብልብና ሓወልቲ ሰሪሕና ንዝኽሮም:ጎደና ስሚና ንሽሞም ክንዕቅቦ ተኻኣልና:ንዘልኣለም ዝጽወ ታሪኽ’ከ?ታሪኽ ነጋሪን ወራሲን ምስ ዝስእን ስውኣት ተቀቢሮም ዶ ኢልና ከነጣይቅ ባህርያዊ ኢዩ::ቀጻልነቶም ግን ኣባና ኢዩ ዝሙርከስ::ንሶም ዝተሰወኡሉ ዕላማ : መንፈስ ሕውየት እንተደኣ ክንሶኽዓሉ ኪኢልና እዞም ሰባት ኣይተሰወኡን::ነዚፍ ደም ምስ ገበረ ውሽጥና:ደም ልብና ክንልግስ ተበልና ምስ ደሞም ምስምማዕ ሲኢኑ::መስዋእቲ ኣኸትሉ::መስዋቲ ወለድናን ኣያታትናን ዝኾኑ መሪር ሓዘን ተሰኪምካ መን ንመን ክጸናንዕ::መኖም ኢዩ’ከ ዘይውጹዕ::መን ምስ መን ተሻሪኹ ከም ዝነደቃን መን ምስ መን ከምዝተገፍዓላን :መን ምስ መን ብ ሓደ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ክስርሕ ከም ዝኽእል ዘርኣየት:ፍጻመ ዘዘኻኸረት እዋን ኢያ: : መስዋእቲ ክልተ ብሓንቲ ንብዓት :መን ክኣምና::ካብ የማናይን ጸጋማይን ዝዛሪ ንብዓት ኣየናይ ናይ መኖም ኢልና ክንፈልዮ ኣይከኣልናን::ንብዓት ሓቀኛ ኤርትራዊ እምነት ዘይፈሊ ሙኻኑ ኣብዚ ተራኢዩ::

ካብቲ ኣርእስቲ ክትወጹ ስለዝተደልየ ዘይኮነ ኣብ ሞንጎ መስመራት ዘሎ ፍደላት ከተንብብዎ ስለዝደለኹ ኢዩ ኩቡራት ኣሕዋት::እዚ ቃልሲና ተፍቲሽ ዘይኮነ :ታኽሊጥ ኢዩ ዘድሊዮ::ውሽጥና ዝፍተሽ ቢቲ ኣብ ገጽና ዝረአ ዎዝን ማዳን ክግመት ይከኣል::ተሓዋዊስና ኣብ ባይታ ብእንሰርሖ ከኣ ምትሕውዋስና ምህርቲ በብዓይነቱ ፍረታት ክንሓፍስ የኽእለና ኢዩ::ኢዚ ማለት :ቃንዛ የሕዋት ብጽንዓት ይሃብኩምን ብጽሑፉትን ለስለስቲ ቃላት ክትርክስ ይኽእል ኢዩ ኢልና ክንኣምን ጽቡቅ ኡኳ ተኾነ ኣኻሊ ግን ኣይኮነን::ጅግና ክስዋእ ከሎ ስኒ ክንከስ ኣስናን ክንሕርቅም ኣለና::ስራሕ ክንውስኸሉ ኣለና::

ኣስተውዒል ኩቡር መንእሰይ ኤርትራ ኢታ ትዓርብ ዘላ ጸሓይ ካብ ግዝየኻ ሙኻና ኣይትረስዕ::እስከ ሕሰብ እዞም ሎሚ ሽምጊሎም ዘለው ኣብቲ ንእስነቶም ዝዓየዩዎ ብ መንጽር ምህርቲ ተገምጊሙ ኣብ ምጽብጻብ ከይኣተና ብዝወሓደ ምስቲ ኩሉ ጸገሞም ንናጽነት ተቃሊሶም ናጽነት ከኣ ኣምጺኦማን ኣውሒሶማን::ኢዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ኸ ኢጃምካ እንታይ እዩ?ነቶም ውሑዳት ገዲፍካ ነቲ ቃልሲ ማንካ ዘይተልዕለሉ ስለምንታይ?::ግዜኻን መጻኢ ዕድልካ እንዳ በነነ ንስራሕ ሎሚ ገዲፍካ ብጽባሕ ተመኽኒ ስለምንታይ?::ስለምንታይ ከ ምስ እዚ ኩሉ ዘሕለፈ ምስኡ ትካሰስ ቃልሲ ግደፉልና ክትብል ትስማዕ ዘለኻ?::ኢቲ ሓቂ ግን ሽግ ቃልሲ ትምንዝዖ ዋላ ኡኳ ዘይፍቀደካ ተኾነ ደጊም ዕረፉ ክትብሎምን ክትርከቦምን ብፍታው ምተኻእለ ነይሩ:: ብኣንጻሩ ከኣ እዚ እዋን ሙኩር ዘይድለየሉ እዋን ውን ኣይኮነን::እሞ ኩቡር መንእሰይ ናይ ምትእምማን መንፈስ ክዓዝዝ መታን:ብሓደ ክንሰርሕ ቃል ንኣትወሉ ኣጋጣሚ ንፍጠር በሎም::ኢቲ ጽባሕ ክርሁ ኢዩ ትብልዘለኻ ተነባዪ ድማ :ጽባሕ ናይቶም ጽባሕ ዝመጹ ዘለው ወለዶ ኢያ ዕድመና ወዲእና ካብ ዕድሚኦም ክንልቃሕ ኣይግበእን ኢቲ ሽግር ኣባና ከኸትም ኣለዎ::ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ባይታ ንጣጥሓሎም::ኩሉ ተበነነ ኩሉ ጨና ተሃለዎ : ፍልልይ ኣለዎ ትኪን ዕጣንን የሕዋት::ጋናሒ ኣብ ጽላል ተሃለወ ኢቲ ቃልሲ ጣዕሚ እምበር መጸጽታ ኣይፈጥርን::ኢቲ መብረ ዝሰኣነ ቃልሲ ተራኺ ሲኢኑ ነቲ ታሪኽ ይቀብሮ ኢዩ ዘሎኣ::ኢታ ዘለናያ መዓልቲ ክትዓርብ እንዳ ራእና ንጽባሕ ንጽበ ዘለና :ጽባሕ መዓልቲ ኢያ ከም መዓልታት ትርጉም ዘልብሳ ኢቲ ዝተሰረሓላ ስራሕ ኢዩ::ዕድመ ህግደፍ ከኣ ብሓደ ክንሰርሕን ክንከባበርን ምስ እንጅምር ክብቅዕ ኢዩ::ብፍርሒ ዝኣክል ጥራይ ክጠፍእ ኢዩ::

ብዝወሓደ መዐቀኒና ንዓወት ብዝወሓደ ነጥቢ ክንርኦ መታን:ወላውን ንሓንቲ ደቂቅ ብኣና ክሓስብ ምስ ዝጅምርን ንሓንቲ ደቂቅ ድቃስ ለይቲ ሲኢኑ ክሓድር ንዓና ዓወት ኢዩ::ኢዚ ከኣ ብዝወሓደ ክንስርሓሉ ኣለና::

ሓደ ካብ’ቲ ዝግስግስ ዘሎ ሃመምታ መሬት ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኺ ክኾነሉ ዝደልዮ ዘሎን ክበጽሖ ደሊዩ ዘሎ ቀጸላ እምበኣር: መልእኽቲ ከተጥፍእ መልእኽተኛን ሉኡኽን ክተጥፍእ ኣለካ ብዝብል ከይዲ ዝሳግሞ ዘሎ እምበኣር:-

1-ታሪኹ ጸብለል ኢሉ መታን ክተርፍ ነቲ ዝነበረ ኩውንነት ከይግለጽ ኩሎም ኡሱራት ጸሓይ ክሳብ ትዓርቦም ምጽባይ::ሚስጢር ንምዕቃብ ኣፈሙዝ ክትሑሉ ኣለካ ብዝብል ገሊኦም ብጽላለ ገሊኦም ብ ሞት ክሓልፉ ይጽበ ኣሎ ::እዚ ከኣ ንርኦ ኣለና::

2- ከም ዘለዎ ተቀዲሙዎም ከኣ እቶም ዝተረፉ ነቶም ኩሎም ብ ሓደ ክርሽኑዎም ትእዛዝ ካብ ብሕጂ ዝተቀበሉ ኢዩም::ኢቲ ብርሰት ብርሰት ታሪኽ ስለዝኾነ::እምበር ምሕረት ምሃብ ተሪፍ ናብ ሕጊ ምቅራብ :ኑቡር ቀብሪ ምርካብ ኣይምተገበኦምንዶ::

ኢቲ ሓቀኛ ቃልሲ ከኣ ኣብ ሞንጎ ክልተ ፈተውቲ ሃገር ኢዩ ዝካየድ ዘሎ::እቶም ሓቀኛ ፍትሒ ዝደልዩን:ሓቀኛ ፍቅሪ ሃገር ዘሎዎምን ኢዩ::እቶም ሓቀኛ ፍቅሪ ሃገር ዘለዎም ንብሎም ሰባት እቶም ፍርሒ ዝመለኦም ውሑዳት ግን ከኣ ኣብ ጸልማት ዝነቆሩ ኢዮም::እቶም ኣብ ሞንጎ ዘለው ብኽልቲኡ (ላንጋ ላንጋ) ሰበኽ ሳግም ብኣግነት ዝዕሸው ኢዩም::ስለዚ እምበኣር ጥበራን ምህለላን ገዲፍና ንጸንበር  ዓቢ ንእሽቶ ከይበልና ኣብ ሓደ ቁራዕ ንብሰል:ውድባውያን ኣውራጃውያን ሙኻን ገዲፍና ኤርትራውያን ንኹን::

ኣብ መወዳእታ  እምበኣር ሰማእታትን ተቀቢሮም ዶ ኢልና ካብ ምሕታት: ንደበሶም ብሓባር ኣስላማይ:ክስታናይ:ሰብ ቆላ :ከበሳን: ዓበይቲን:መንእሰያትን:ብሓባር ነስትያ ተኽሊ ንትከል::

ሓውኹም መሓመድ እስማዒል
ኦክላንድ ካሊፎርኒያ
ማዝያ/2018

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares