Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ሃይማኖታዊ ጎንጺ ዝበሃል የለን

March 19, 2018
ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

“ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ዝበሃል የለን“ …  ካብዚ እምነት`ዚ`የ ክብገስ፤  እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ተረደኦና ዘሎ ጸህያይ ከኣ ክዕጸድ ኣለዎ።

  • ዝናብ ኣብ ምድሪ ከሕዲ ይዘንብ ኣብ ምድሪ ኣማኒ ይዘንብ
  • ጸሓይ ኣብ ዓዲ ኣማኒ ትበርቅ ከምኡ`ውን ኣብ ዓዲ ኸሓዲ
  • ኣማኒ ዝዘረኦ ይኹን ኸሓዲ ዝዘረኦ ይፈሪ
  • ከሓዲ ይኹን ኣማኒ ይዋሰብ ይፋረ
  • ዝሰጎመ ኣማኒ ይኹን ከሓዲ ናብቲ ዝኣመቶ ይበጽሕ…፤ ወዘተረፈ

ካብ`ዚ እንታይ ንርዳእ ?

Advertisement

ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ፈጣሪ ዋላ ነቶም ዝኽሕድዎ ኣብ ዕደልኡ / ኣብ ሂባ ጸጋታቱ ከም ዘየዳልዎም። ፈልዩ ከም ዘየጥምዮም ከም ዘየጽምኦም ፤ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ንትእዛዛቱ ተቀቢሎም ወይ ነጺጎም ክነብሩ ከምዘፍቀደ ፤ ንተግባራትና ንፍረደሉ  ቦታ ኣብዛ  ዘለናያ ዓለም ከምዘይኮነ ኸኣ ንርዳእ።

ስለዚ ንሕና/ ደቂ ሰባት ናይ ማንም ሰብ ናይ ነጻ ኮንካ ምንባር መሰል ክንሕልው እንኮለና ፤ ምስቲ  ናይ ፈጣሪ ውሳነ ንሰማማዕ ኣሎና ማለት`ዩ ። ፈጣሪ`ኳ  ዘይኣመነለይ ኢሉ ዘይ ኣዳለወን ጻማ ዘይከለኤን  መን ኮና ኢና ደቂ ሰብ ከም ናተይ እምነት ዘይ ኣመነ ኢልና ንጸልእን ንቀጽዕን !!

እቲ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ንትእዛዛቱ ተቀቢሎም ወይ ነጺጎም ክነብሩ ዘፍቀደ ጎይታ፤ ኣመንቱን ክሓድቱን ደሞም  ከይፈስስ፤ ክብረቶም ከይድፈር፤ ንብረቶም ከይዝመት ዝሕሉ ሕግታት ሸሪዑ /ሓጊጉ`ዩ። ከምኡ`ውን ምስ ካለኦት ፉጡራቱ ከም ማይ እንስሳ ወዘተ ብከመይ ክንናበር ከምዘለና ዋላ ነቶም ክንበልዖም ዘፍቀደልና እንስሳታት ኣተሓራርዳ ከይነኽፋኣሎም ከይ ነሳቅዮም ኣጠንቂቁና`ዩ። ንማይ ብዝምልከት ከኣ ዋላ ኣብ ጥቃ ዋሓጂ ማይ ንንብር እንተኾና ብጥንቃቀ ክንጥቀመሉ፤ ንእንስሳ ብዝምልከት ከኣ ከም ኣብነት … ንዝጸምኤ ከልቢ ማይ ምስታይ  ዓቢ ጻማ ካብ ጎይታ ከም ንረክብ`ውን ተገሊጹልና`ዩ።

እቲ ዘየባእስን ርድኡን ክኸውን ዘለዎ እንታይ`ዩ ?

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe
  • ፈጣሪ እንተዝደሊ ንኹልና ሓደ ሃይማኖት እንኣምን ክገብረና ይኽእል ምንባሩ ምፍላጥ።
  • ክልተ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዝኣምኑ ማለት ክልተ ዝያዳ ዘሰማምዕ ዘራኽብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ማለት ካብ ኮነ ምትእስሳሮም ከም ናባኻ ዘማዕደወ ጽልኢ ክትወስዶ ጌጋ`ዩ፡ ንእትድግፋ ጋንታ ኩዑሶ ዝድግፍ ካብ ንኻልእ ጋንታ ዝድግፍ ንላዕሊ`ዩ ዝቃረበካ !

ነዚ ልቦና ልቢ እንተወስኽካሉ ኸኣ፤ ሓደ ከም ሃይማኖትካ ዝኣምን ከጽድፈካ ዘይወዲ ሃይማኖትካ ከኣ ዘድሕነካ ኩነታት ኣሎ። ብዓብዩ ኸኣ ሰብኣዊ ዝምድና ዝበሃል ዓቢ ጉዳይ ክርሳዕ የብሉን።

  • ኣማኒ ወይ ከሓዲ ማለት ዝምድናዊ ኣገላልጻ`ዩ። ማለት ነቲ ንስኻ ትኣምኖ መሰረተ እምነት ዘይተቀበለ ኹሉ ንዓኻ ኸሓዲ/ካፍር ማለት`ዩ (እዚ ኣጸዋውዓ`ዚ ዘባእስ ክኸውን የብሉን)
  • እቲ ኻሓዲ (ትኣምኖ ዘይኣምን)ብቀጥታ ባይታ ጻዊዒትካ /ስብከትካ ምዃኑ`ዩ፤ ንእምነትካ ክኣምን ትዕድሞ ሰብ ኸኣ ምስኡ ጽቡቅ ዝምድና ክትፈጥር ሰነ-ሞጎት`ዩ፤ እዚ ሰነ-ሞጎት`ዚ ኸኣ ንተኸባብርካ  ምንባር ሓጋዚ ሮቋሕን ባይታን`ዩ።

እዘን ዝቀደማ 4 ነጥቢ ብምኽንያት ፍልልይ ሃይማኖት ምጉናጽ ዕሽነት ምዃኑ ዘብረሃ እመስለኒ።

  • ምግብኻ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ኣማኒ ወይ ከሓዲ ዝሓረሶ፤ክዳንካ ኣማኒ ወይ ከሓዲ ዝኣለሞ ………. ድዩ ክትፈልጥ ኢልካ ዝሓተትካ ኣይመስለንን ! እቲ ምኽንያት ዘይመሕተቲኻ ኸኣ፡ ብሓጺሩ ኩልና ነዛ ዓለም ክነብራ ስለ ዝተፈጠርና ክንተሓባበር ከኣ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ`ዩ። ከም`ቲ ምራኽ ትውልድ ኢላ ጡብ ኣዲኣ ሃሰስ ትብል መጠን`ዩ፤ ብዙሕ ምፍልሳፍ ዝሓትት ኣይኮነን።
  • ፍርዲ ጽባሕ`ዩ ። ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ። ከም ኣደ ዝልውህ የለን`ሞ ፤ ኣብታ ማዓልቲ ፍርዲ ግና ውላዳ`ውን እንተኾነ ከገድሳ ኣይኮነን።
  • ንስኻ ኣማኒ ኮንካ ወለድኻ(ኣቦኻ ኣደኻ)ኸኣ ዘይኣመንቲ ኾይኖም፤ ኹሉ ንወለዲ ዝግባእ ምክብኻብ ክንገብረሎም ፈጣሪ ክእዝዘና እንኮሎ እንታይ ማለት`ዩ እንታይ ንርዳእ ?!
  • ሃይማኖታዊ መሰል ምሉእ ብምሉእ ክሕሎ ኣለዎ። ኣብ ናይ ሓባር ሃገር ኩሉ ነገር ንኽልተ ሸነኽ ሚዛን ኣብ ሓደ መስመር ዘንበረ ክኸውን ኣለዎ፤ዝኾነ ይኹን ሓለፋ ክህሉ የብሉን።
  • ብሰንኪ ሃይማኖቱ ዝብደል ዜጋ ካልእ ዝሃይማኖቶም ዜጋታቱ እንተዘይ ረዲኦሞ ዶብ ሰጊሩ ረዳእቲ ከናዲ እንኮሎ መሰሉ ምዃኑ ተረድእካዮ ክትጸኒሕ ዘለካ`ዩ።
  • ዘራኽበናን ዘፋላልየናን ብፈላጣት እንተ ተነጺሩ ነቲ ፍልልያት ምውጋን ቀሊል`ዩ። ክሳብ`ቶም ፈላጣት ዝብገሱ ገለ ክንብል ንፈትን ፤ ነቲ ፍልልያት ኣብ 1- እምነት 2- ተገዛእነት 3- ማዓልታዊ ሂወት / ስነ-ምግባር ኢልና ወጊና ንርኣዮ፡ ን ኣብነት ፡-
  • እምነነት…

*ክልትኡ ሃይማኖት ብኹሎም ነብያት/ ኑሕ፡ ኣብራሃም፡ያዕቆብ፡የሱፍ፡ ሙሴ … ወዘተ ክኣምኑ ጸኒሖም፡ *እስልምና ድሕሪ ሙሴ/ሙሳ ንእየሱስ ከም ነቢ፤ መሓመድ ኸኣ ከም ድሕሪ እየሱስ ዝተላእከ ናይ መጨረሽታ ነቢ ይፈልጦ። እየሱስ ምምጻእ ነቢ መሓመድ ከም ዝገለጸ ኸኣ ይኣምን።

Advertisement

*ክርስትና ብነቢ መሓመድ ኣይኣምንን፤ ንእየሱስ ከኣ ከም ነቢ ዘይኮነስ ኣምላኽ`ዩ።  *ክልትኡ ሃይማኖት ብድንግል ማርያም /ከም ዝነጽሄት ጓል ሄዋን ይኣምን፤ እየሱስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ብዘይ ኣቦ ከም ዝወለደቶ ይኣምኑ። *ክርስትና ከምዝተሰቅለ ክኣምን እንኮሎ *እስልምና ኸኣ ከም ዘይተሰቅለን ብቀጥታ ንሰማይ ከምዝዓረገ`ዩ ዝኣምን ። እዝን ካልእ ንዕኡ  ዝመስልን ፍልልያት ሰፈሩ ኣብ ልብና ስለ ዝኾነ  ኣብ መገዲ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ንሃገርና ክንከላኸል እንኮለና፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ … ኣይረኤን`ዩ። ብርግኣት ክትካታዓሉ ትኽእል ፤ከም መባኣሲ ክትወስዶ ግና ዕብዳን`ዩ።

  • ተገዛእነት/worship /عبادة …

ኣሰጋግዳና፡ኣጻውማና፡ ኣማጻውታና፡ ኣለማምናና …  ይፈላለ`ዩ። በዚ ሰባት ክባኣሱ ኸኣ ርእየ ኣይፈልጥ`የ።

  • ስነ-ምግባር/ማዓልታዊ ሂወት …

ስርቂ/ሽፍትነት፡ ቅትሌት፡ ምንሻው፡ ሓረጣ፡ ሓሶት፡ ምንቋት፡ጉቦ፡ምንዝርና፡ …. ብ ዝምልከት ከኣ  ኣብ እምነት እስልምና ወይ ክርስትና ኣለኹ እናበልካ ክትፈላለየሎም ዘበት`ዩ ።

ነዚ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ዝምልከት ኩሉ ኣብ`ዛ ሓተታ ከምዘይሰፈረ ርግጸኛ`የ፤ ኣድህቦና ክንህቦሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ከም ዝሓበርኩ ግና ርግጸኛ`የ። ነስተውዕል ! ንማይ ዝሶቶኻ መርከብ ምጭንጓዕ እንታይ`ዩ  ሃይማኖትካ ዝበሃሎ ኣይኮነን!

Advertisement
Awate Team’s Accolade to Yoel Lino and Fanus
Book Review: WORDS THAT GOVERN

Comments

Latest News

  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026
  • Peekaboo: The Ethio–Eritrean GameApril 30, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (753)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services