ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)
“ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡ ህይወቱ ብጕቡእ ከይመርሕ፡ ከይመሃር፡ ከይሰርሕ፡ ሓዳር ከይገብር፡ ዓዲ ዊዒል […]
እቲ ሓቂ ክበርህ ንተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር (Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ። ብሓደ ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ብዝወሰደኦ ቕዱስን ቅኑዕን ተብግሶ ንሕና ኣብዚ […]
ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ
ሓደ ህዝቢ ጭቆና ምስ ዝመሮ ዓጋቲ የብሉን፡፡ ንዓመታት ዘሳቐዮ ስርዓት ብመዓልትታት ይድርምሶ፡፡ ብመንጽር ክልሰሓሳባዊ ኣበሃህላ ንሓደ ለውጢ ህዛባዊ ውደባ የድሊ ይበሃል፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ብሃንደበት ተላዒሉ ነብሱ እናኣለየ ዲክታተርነት ክዓሉ ሎሚ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑና ኣሎ፡፡ ቅድም ኣብ ቱኒሰያ፡ ዳሓር ኣብ ግብጺ ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝረኤ ዘሎ ህዝባዊ ቁጣዐ ታሪካዊ ምስክር ኢዩ፡፡ […]
ማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ኣብ ዓቢ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተሳቲፉ
ሪፖርታዥ ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃን ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኤርትራውያን(Eritrean law society) ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ኣህጉራውያን ጠበቓታት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳቲፉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ካሎኦት ኣገደስቲ ሰባትን ብምርኻብ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ።ኣብዚ ኣብ ለካቲት 11_12 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ንማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ብምውካል፡ኣቦ መንበር ናይቲ ማሕበር ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ተሳቲፉ፡ምስ ብዙሓት […]
ኣብባይ ዓርኪ መረብ ናይ ጎረቤትዶ ክንዛረብ!
ኣባይ ወዲ መረብ ዝብላዕ’ስኪ ተዛረብ ኣይውዳእን’ዩ’ቲ መረቕ። ኣባይ ወዲ ጣና – ነቶም ዘፋነና ዓይንና እናረአና – መረቕ ዓደ’ቦና ዝለኣኽና ናበ’ሕዋትና እንታይ’ዩ ማይ ኢዳና። እቲ ንፈልጦ ማይ ከምዘይፈሰሰ ካብ ሰማይ ገዛ ንኽኣቱ ኣብ ዓዲ-ጸሓይ፣ ይውሕዝ ይፈስስ – ዶባት ይጠሓሕስ የልምዕ የተርክስ – የፋቕር የባእስ የድግም የድግስ – ይጽሕፍ ይድምስስ ኣጽርዩ ኣጻርዩ ይምለስ ናብ ባሕሩ ይፈስስ። ናይ […]
ማዕበል ሁበቡላ
ቅድሚ ኩሉ እንቓዕ ነዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ጉያ ጉያን፤ ሓዞን ኣርክብን ጥራይ ከይኮነስ ርድኣዮን ርድኣናን ናይሓሶትን ናይ ሓቅን ጥርዓን ካብ ኩሉ ኩርናዕ ብሓባር ክንሰምዕን ክንርእይን ኣብጽሓና። እወ ከም ብዙሓት ሕብሪ ዝተዛነቐ ናይ ፈተውትን ናይ ብዙሓት ምፍጣረይ ዘይወሓጦሎም ከይተረፈ ሃላዋት ኣሻቒለ ከምዝነበርኩ ኩሉ ይርድኣኒ። እንተኾነ ሎሚ ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይኮነን ሕምረት ጹሑፎይ። እንተኾነ ከምቲ በምሓርኛ ዝብልዎ “መሰንበት […]
ክንዲ ሽሕ ሞይቱና ብሽሕ ከኣ ጎዲልና
አቶ ፍቓዱ ልጃም 1958 – 2011 ክንዲ ሽሕ ሞይቱና ብሽሕ ከኣ ጎዲልና ፍቃዱ ሓወይ ኣንታ ለጋስ ወዲ ህዝቢ ተንኮል ዘይብልካ ጻዕዳ ልቢ ብዘይካ ሕራይ ዘይትፈልጥ እምቢ ንኹሉ ትቕበሎ ብዓብይ ቀልቢ ብኣምላኽ ተፈደዮ ናትካ ዓስቢ። ሽግር ኣሕዋትካ ኣብ ምፍታሕ ግዜኻ ተጥፍእ ምእንቲ ኣሕዋትካ ሂወትካ ትስውእ ዝሸገሮ ናባኻ ይመጽእ ምኽሪ ዝደለየ ናባኻ ይመጽእ ሓገዝ ዝደለየ […]
ቃል ሓዘን
ቃል ሓዘን ሓውና ፍቓዱ ልጃም ብዝሓደሮ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ብዕለት 13 ጥሪ 2011 (January 13, 2011 ) ኻብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ፍቕዱ ብተፈጥሮኡ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ፈታው ሰብ ፈታው ጽቡቕ ስለዝነበረ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ሰብ ምሕጋዝን ምትሕብባርን የጥፍኦ ነበረ። ዝኾነ ሽግር ዘጋጠሞ ሰብ ድማ ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ ናብ ፍቓዱ ዘይውከስ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ከኣ […]
ንዳንካልያ ዝምልከት : ርኢቶይ ኣብ “ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ”
ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ እትብል መጽሓፍ ድሕሪ ምምባበይ ንደንከል ዝምልከት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ሪኢቶይ ንኽህበሉ ሕልናይ ስለ ዝደረኸኒ ንሓውን ብጻይን ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ፍቓድ እሓትት:: ሓው ሰመረ ፣ “ኮፍ ከይበላስ ቌቕ ኣበላ“ ከይከውን በቲ ኣወንታዊ ሸነኽ ናይ ጻዕርኻን ትብዓትካን ክጅምር እፈቱ:: መጽሓፍካ መብዛሕትኡ ጊዜ፣ ካብ ገዛ ንስራሕ ካብ ስራሕ ንገዛ ኣብ ዝመላለሰሉ እዋን እየ ኣንቢበያ:: መብዛሕትኡ ምዕራፋት […]
ጸጸርና ንደርቢ
ህይወት ብህርመት ዝተቓነየት ኢያ፡፡ ነፍሲ ወከፍ እተድምጾ ድምጺ ውጽኢት ህርመት ኢዩ፡፡ ህርመት ከበሮ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ክራር ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ዋጣ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ሻንብቖ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት መለኸት ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ንፋስ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ማዕበል ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ዝናም ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ልቢ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት እስትንፋስ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ኮታ ህይወት ብህርመት ዝተዓስለት […]
መርድእ (SATIRE)
ኪዳን ዓሪፉ መርድእ ዝሓለፈ ቀዳም 28.11.2010 ዓም ሰዓት 8፡30 ኣብ ፓል-ቶክ ሰሚዕና። መእወዪ: ኪዳነ ሓጎስ። ኣባላታ ኣይሞትናን ኣሎና ክብሉ ኣብኡ ኣይነበሩን እሞ ኪዳነ ሓቁ’ዩ ዝኸውን ኪዳን ሞይታ እያ። እቶም ኢፒዲፒ ከኣ – ማለት፡ እቶም’ኳ ቀደም ተ.ሓ.ኤ.|ሰ.ባ. ዝበሃሉ ዝነበሩ እሞ ድሓር በዓል ኵስቶን በዓል ኵስቶን ዝተሓወስዎም፡ ድሓር ከኣ በዓል ኵስቶ ዝጎደልዎም፡ ያኢ ሽዓ ምሸት ኣብ ጫፍ […]
ሕጂውን ንሃግራዊ ጉባኤ ንዳሎ
“ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ጥራይ ነጽንዕ” ይብሉ ህግደፋውያን። እዚ ከኣ ህዝቢ ዝኸፍአ ይኽፋኣዮ ንሕና ጥራይ ንቕድሚት ንኺድ ማለት ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህግደፍ ዝቕረጽ ኣምር ኢዩ። መትከልና ግን ከምኡ ኣይኮነን። “ዝኸኣለ ይሰጉም። ዝደኸመ ይሳለ። ጭራሽ ዘይከኣለ ይጸበ። ንሕና ግን ንቕድሚት ንሰጉም። እዚ ጭሮሖ’ዚ ኣብ ዝኾነ ሰውራ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ […]
“ጽባሕ” ሓጸርቲ ግጥምታት ትግርኛ: ብ ኻልድ ዓብዱ መሓመድ ስዒድ
መቅድም: እዚ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ሰፊሩ ዘሎ ግጥምታት፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውድዓዊ ኩነታት ናብ ቅድሚት ብምምጻእ፡ ነቶም ብፍላጥ ኮነ ብየዋህነት ዚድግፉዎን ዚሕለቑሉን ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ከኣ ብምልላይ፡ ነቓፊ ርእይቶን ተግሳጽን ምዕዶን ዚህብ ኮይኑ ብውሕሉል ቃላት እተነድቀ መልእኽቲ ኢዩ። እዚ ግጥምታ’ዚ፡ እተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዘ ኾይኑ፡ ገለ ብኣስተንትኖኣዊ፡ ገለ ድማ ብመዘናግዒ፡ ገለ ኸኣ ብምሁራዊ መገዲ ተጻሒፉ ኣሎ። […]
ጋዜጣዊ መግለጺ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ – “ዘተን ደሞክራሲን ይዓንብብ”
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ካብ 29 ክሳብ 31ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ናይ ምጽንባር ዋዕላ ዝተመስረተ ሰልፊ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ። ምጽንባራዊ ዋዕላ ብኩሉ መዳያቱ ሃገራዊን ደሞክራሲያዊን ዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር ብምጽዳቕ ፣ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዕ፣ ማዕርነትን መሰልን ናይ ኩሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘኽብር፣ስርዓት […]
ስለምንታይ ኣንጻር ዋዕላ
ዋዕላ ንመን ይጠቅም? ንመን’ከ ይጐድእ? ዝብል ሕቶ ኣድላኢ ኰይኑ ይስማዓኒ። ዋዕላ ናይ ምይይጥን ምርድዳእን መኣዲ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ብፍላይ ንዓና ዋዕላ ናይ ጥርናፈ መስርሕ ኢዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝኾነ መለክዒ ንሓደ ውጹዕ ህዝቢ ጠቓሚ’ምበር ጐዳኢ ኣይኮነ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ዝኸስር ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። እሞ ስለምንታይ ድኣ ገለ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ንዋዕላ ይቃወሙ? ካብ መጀመርትኡ፡ ዓወት […]
ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ ግን መከራ ይምከሮ
ዝሓለፈ ወርሒ ነሐሰ፣ ኣብቲ ብአዝዩ ዘሓጉስን ዘኹርዕን ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ ክሳተፍ ከይደ ነይረ። ኣብዚ ሓደ ኣዝዩ ዘሐጎሰንን ዝሐበነንን ምስ ብዙሓት ኢርትራውያን ምእካበይን ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ኢዩ። ኣብ ሂወተይ ንመጀመሪያ ጊዜ ምስ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ምርኻበይ ጥራይ ዘይኮነስ ምስአቶም ብሓባር ኮፍ ኢለ ብዛዕባ ናይ ሃገርና ጉዳይ ብጽሞና ምዝታየይ ኢዩ […]
ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ SamRedeab
“We will be very much happy if the conference succeeds to solve even a few of our problems” ወልደየሱስ ሃገራዊ ገለ፡ ሃገራዊ 1) ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይድልድል 2) ህግደፍ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ቦታ ስልጣን ብኸመይ ይእለ፡ ከምኡ ድማ 3) ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን፡ መሰጋገሪ ስርዓት ብኸመይ ይትከል ዝብሉ ኢዮም። ነዞም ዛዕባታት እዚኣቶም […]
ሓገራዊ ዋዕላና: ምስ ኩሉ ድኽመታትና መፍቲሒ ሽግርና mAgostino
ኣብ ኤርትራ ክወድቕ ተንጠልጢሉ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፤ ካብ ስሩ ተማሕዩ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እንተ ዘይተተኪኡ፤ ካብቲን ኣኪብካ ካብቲን ለቂምካ ዝግበር ጽገናታት መተካእታ ክኸዉን ኣይክእልን። እዚ ስርዓት’ዚ ይወድቕ ከም ዘሎ ዘርእዮ ምልክታት ቡዙሕ እዩ፤ካብቲ ቡዙሕ ዉሑድ ንምጥቃስ እቲ ተካኢ ሃገርን ተቐባሊ ሕድርን መንእሰይ ወለዶ፣ ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ እግሩ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ካብ ዝጠፍእ መዋእል ሓሊፉ […]
ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ብመንጽር ሰላምን ደሞክራስን Dr Yousif B
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቶ ማዕርነትን፡ ናይ ምውዳብ ነጻነትን፡ መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን፡ ብሓጺሩ ኣካል ዲሞክራስን ሓርነታዊ መሰላትን ዝኾኑ ኩሎም፡ ዲሞክራስያዊ ባህልን ምሕደራን ኣተኣታቲኻን መንገዱ ተኸቲልካን ደረጃ ብደረጃ ናብ ብትካላት ዝሰረተ ምዕቡል ዲሞክራሲ ዘይምስጓም፡ ንኣህዛብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ካብ’ቲ ብኣሉታ ከምዝኖምን ክገልጾምን ዝጸንሐን ዘሎን ኣሰካፊ ጉዳይ’ዩ። እዚ ወድዓውን መሰረታውን ዝኾነ ሕቶታት ከይተመለሰ […]
ነቲ ናይ 19 ዓመታት ሕሱም ምልኪ ኣላቒቕካ ምትንሳኣ
ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ቅድሚ 19 ዓመታት፡ ንኢትዮጵያዊ ጐበጣ ብምስዓር ነጻነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም። ኣብ 1961፡ ኣብቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ንትሕዝቶ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 1952 ጠቕሊሉ ንምጕሓፍ፡ ናይ መወዳእታ መድረኽ ረጊጹሉ ዝነበረ እዋን ተጀሚሩ ክሰላሰል ዝጸንሔ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ እፎይታ ግልግል ብሓባር ከምዘስመዐ ንዝክር። ከመይሲ፡ ህዝቢ፡ ንገዛእ-ርእሱ ብገዛእ-ርእሱ ዘመሓድረላ ዕለት ክተርክበሉ፡ ን40 ዓመታት ዝኣክል […]
Awate Forum