Awate.com

ካብ ዕውት ጉባኤ ሃዋሳ ሕጂ’ኸ ናበይ?

መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣሓጎሰካ፡ እንቋዕ ከኣ ኣሓጎሰና ክብል እፈቱ። እዚ ዓወት’ዚ ብርግጽ ንውጹዕ ሀዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንህግደፋውያን ድማ መርድእ ኢዩ። እወ! ሕጂ’ውን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እንድሕሪ ተኣኪቡ ከምቲ ጸላእቱ ዝምነይዎ ዘይኮነስ ከይተሰማምዐ ኣይወጽእን ኢዩ። እወ! ንመጀመርያ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣይወክል እምበር ብከፊል ብህዝቢ ዝተመርጸ ኤርትራዊ ባይቶ ቆይሙ። ዲሞክራስያውያን ተቓለስቲ እንቋዕ ደስ በለኩም። ሽሕኳ ህግደፋውያንን ሰዓብቶምን ከም ኣመሎም ነታ ጻዕዳ ሓቂ ከጸልምዋ እንተ ፈተኑ፡ ሓቂ ሓቂ ኢዩ። ዓወት ከኣ ዓወት ኢዩ።

ዕውት ጉባአ ሃዋሳ መቐጸልታ ዋዕላ ሃቃቂ ኢዩ። ኣብ ዋዕላ ሃቃቂ ዝተተለመ ኣብ ጉባአ ሃዋሳ ተዛዚሙ።ዘገርም ኢዩ ህግደፋውያንን መሰላቶምን፡ ዓሚ ከመዚ ሕጂ ባዕልና ሰራሕቲ ቅያ ዋዕላ ሃቃቂ ጠጠው ኢልና ከሎና ዘይሐንኩ ንሓቂ ክቐብሩ “ዋዕላ ኣዲስ-ኣበባ ፈሺሉ ኢዩ” ክብሉ ጀሚሮም ነይሮም። የዎ ድኣ ሓቂ ዘይፈትዉ ኰይኖም’ምበር እቲ ሓቅስ ውጽኢት ዋዕላ  ኣዲሰ ኣበባስ ጉባአ ሃዋሳ ምኻኑ ዘይምርዳኦም ኢዩ።

ካሊእ ኣገዳሲ ነጥቢ ንዕውት ጉባአ ሃዋሳ ጥጡሕ ባይታ ዘበርከተ፡ እቲ ኣብ ኣዲሰ ኣበባ ኣብ ጊዮን ዝተገበረ ናይ ኤርትራውያን መሁራትን ሰብ-ሞያን ኣኼባ ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፈ አኼበኛ ብዓይነቱ ብስለት ሰለ ዝነበሮ፡  ከም ቢሄራውን ሃይማኖታውን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሃገራዊ ጠቀስ ሕቶታት ተኻቲዑ መዕለቢ ገይሩሎም ኢዩ። ኣብዚ ሰሚናር’ዚ ዝተሳተፉ መብዛሕትኦም  ኣብ ጉባአ ዝተሳተፉ ስለ ዘነበሩ፡ እዚ ንጉባአ ሃዋሳ ኣፍደገን መፍትሕን ፈጢሩሉ ኢዩ። ሽሕኳ እዚ ኣኼባ’ዚ ብኤርትራውያን ዝተኻየድ እንተ ነበረ፡ ብተበግሶን ሓገዝን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝነበረ፡”ዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ድማ ንገረሉ” ከምዝበሃል፡ ብወገነይ ንመንግሰቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንሓው ሚኒሰተር በረኸት ሲምኦንን ሓው ጀነራል መስፍንን ምስጋና ይግብኦም። ካሊእ እንብሎኩም የብልናን። ከምቲ ባህላዊ ኣባሃህላ ግን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሓለፈሉ ኣብ ካሕሳኹም የውዕሎ።

ክቡራት ኣንበብቲ! በሉ ሕጂ ናብ ጉባአ ሃዋሳ ምልስ ክብል ፍቐዱለይ? ዛጊድ ብዛዕባ ዕውት ጉባአ ሃዋሳ ብዙሕ ኢዩ ተጻሒፉ። ብፍላይ ንጉባአ ሃዋሳ ዝምልከት በቲ ውሩይ ጸሓፊናን ኣማሓዳሪ ወብ-ሳይት ዓዋተ ዳት ኮምን ሳልሕ ቃዲ “A Congress By The Hawassa Lake”  ዝብል ዘቕረቦ እኹል ኢዩ። ብዘደንቕ ኣቀራርባ ኢዩ ገሊጽዎ።ካብኡ ንላዕሊ ከቕርብ ኣይህቅንን። ኣነ’ውን ንሳልሕ ንመጀርያ ግዜ ብኣካል ዝረኣኹዎ ኣብዚ ጉባአ’ዚ ኢዩ። ርግጽ ሳልሕ ናይ ቀረባ ናይ ቃልሲ ብጻየይ ኢዩ። ኣነ’ውን ብዓቕመይ መሰረት ዓዋተ ካብ ዝጀመር ማለት ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚረ ናይ’ዚ ወብ-ሳይት’ዚ ኣበርካቲ ከንሰይ ምስ ሳልሕ ብኣካል ተራኺብና ኣይንፈልጥን። ከምኡ’ውን ካልኦት ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይዱ ዘለው ተቓወምቲ ወብ-ሳይታትና፡ ኣሰና፤ ኣሰማሪኖ፡ ቶጎሩባ ወ.ዘ.ተ. ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ኩሎም መቃለሲ ዘመናዊ መሳርያና ብምዃን ዕርድናን ኣጽዋርናን ኢዮም።

ከምቲ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ፡ ተሳተፍቲ ጉባአ ሃዋሳ ካብ ኩሉ ክፍልታት ዓለም ዋጋ ናይ ነፈርቲ ቲከቶምን ስንቆም ኪኢሎም ኢዮም መጺኦም። ልዕሊ ኩሉ ግን ዘርኣይዎ ተገዳስነትን ሓላፍነትን ኣዝዩ ዘኹርዕ ነበረ። መብዛሕትኦም ገለ ንሓደ ሰሙን ኣቐዲሞም ኢዮም መጺኦም። ኣነ ንባዕለይ በመንግስቲ ሆላንድ ዝተዳለወ ስራሕ ስለ ዝነበረኒ ኣብ ኣዲሰ ኣበባ ኢየ ጸኒሔ። ተሳተፍቲ ጉባአ ኣብ ዝዓረፍሉ ሆተላት ምስ ተራኸቡ፡ ደኺምና ከይበሉ፡ ሽዑ ንሽዑ ብዛዕባ እቲ ዝጽብዮም ዝነበረ ከቢድ ሃገራዊ ጉዳይ ክዛተዩን ክመያየጡን ጀመሩ። ሓደ ግዜ ንጉባአ ጌና ገለ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ፡ ሓደ ካብ ኣውስትራልያ ዝተወከለ ብጻይ፡ ናብቲ ዝሰርሓሉ ዘሎኹ ዩኒቨርስቲ ደዊሉ “ኣድሓኖም ኣብቲ እትሰርሓሉ ዘሎኻ ገለ ኣደራሽ ክትረኽበልና ትኽእል” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ “ንምነታይ ዝኸውን ኣደራሽ?” ክብል መሊሰ ሓተትክዎ። “ብዛዕባ ጉባአና እንመያየጠሉ” በለኒ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ነጻ ኣደራሽ ስለ ዘይነበረ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን። ጥራይ ”ስጋዕ ክንደይ ኢዮም ሽዑ ንሽዑ ኣትዮም ከነዕርፍ ከይበሉ ብሃገራዊ ሓላፍነት ተዋሒጦም” ብምባል ሞራለይ ኣዝዩ ሓፍ በለ። ኣብቲ ዝጽበየና ዝነበረ ጉባአ’ውን ከም እንዕወት ኣይተጠራጠርኩን።

መዓልቲ ጉባአ ንባዕላ ክትብል ኣኸለት። ጉዕዞ ተጀመረ። እዚ ጉዕዞ’ዚ ነዊሕ ናይ ሓርነትን ፍትሕን ጉዕዞ ኢለ ሰየምኩዎ። ከምቲ ዝተገልጸ፡ ጉባአ ዝግበረሉ ቦታ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ክፍሊ ጽጥታ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረን። መእከቢ ቦታ፡ ክራወን ሆተል ዝበሃል ነበረ። ዘበናዊ አውቶቡሳት ኣብቲ ቦታ ተዳለዋ። ጸጥታዊ ሸነኻት እውን ጽኑዕ ነበረ። በቢ ዞባ ኣውቶቡሳት ተመደበልና። ገለ ብግምት 15 አውቶቡሳት ነበራ። ኣነ ዲሒረ ስለ ዝመጻኹ ኣብቲ መደበይ ናይ ኤውሮጳ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ዝተረፉ ሕውስዋስ አውቶቡሰ ተሳፈርኩ። ጉዕዞ ንቃሊቲ ገጽና ኣምራሕና። ኣነ  ኣብቲ ናይ ዓሚ ዋዕላ ዝተገበረሉ ሃቃቂ ዩኒቨርስቲ ይኸውን ዝብል ግምት ነይሩኒ። ነገር ግን ሃቃቂ ምስ ሓለፍናዮ “እምበኣር ኣብቲ ከባቢ ደበረ ዘይቲ ኢዩ ዝኸውን” በልና። ንሱውን ምስ ሓለፍናዮ፡”እምበኣር ጉባአና ኣብ ኣዳማ (ናዘረት) ኢዩ” በልና። እንኾነ ግን ኣብ ሞጆ ምስ በጻሕና አታ ብፈደራል ፖሊስ እትምራሕ ዝነበረት ቀዳመይቲ ኣውቶቡሰ ንየማን ምስ ተጥውየት፡ ንሃዋሳ ምዃና ኣረጋገጽና።

መንገዲ ሃዋሳ ሰጥ ዝበለ ጎልጎል ኢዩ። በሸነኽ ጸጋምና እቶም ውሩያት ቃላያት ላንጋኖ ይኽተሉና ነበሩ። እቲ ነቓዕ ሽንጥሮ(Rift Valley) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብዚ ዝጀመረ ኢዩ። እዚ መሬት’ዚ በተፈጥሮ ለምለም ኢዩ። ሓንሳብ በቲ ተፈጥሮ መሬት እናተደነቕና፡ ሓንሳብ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ብሓሳብ ተዋሒጥና ንጓዓዝ ነበርና። ብየማነይ ሓው ሲቪል ኢንጂኔር ነጋሲ ኣስገዶም፡ ብጸጋመይ ድማ ናይ ሕጊ ምሁር መስፍን ፍትዊ፡ ኣማኺሎሚኒ፡ ኣብ ጉባአና ከጋጥሙና ዝኽእሉ ጸገማት ደጋጊምና ንመያየጥ ነበርና።

ኣብ መጨረሻ ኣብታ እትደለ ዝነበረት ከተማ ሃዋሳ ኣተና። እቲ ግዜ ኣሰታት ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ኣጋምሸት ነበረ፡፤ ሃዋሳ ሓንቲ ምጭውቲ ከተማ ኢያ። እዛ ከተማ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ኣህዛብ (ደቡብ ህዝቦች) ኢያ። ከምቲ ኣገላልጻ ናይቲ ዞባ(ክልል) ፕረሲደንት፡ ኣብዛ ዞባ’ዚኣ 56 ቢሄራት ይረከባ። ቁጽሪ ተቐማጦ ድማ ኣስታት 17 ሚሊዮን ይኾኑ። ከሎም ድማ በሰላም ብማዕረ ይነብሩ። እቲ ህዝቢ ብየማንን ጸጋምን ኮይኑ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ምልክት የርኢ ነበረ። ጸጥታ ኣዝዩ ጽኑዕ ነበረ። ኩሉን እተን ኣለዋ ዝበሃላ ሆቴላት ብፈደራል ፖሊስ ተኸቢበን ነበራ፡፤ ሽዑ ብዘይ ገለ ስራሕ ኣዕሪፍና ሓደርና፡፤ ቀጺሉ’ውን ንክልተ መዓልቲ ዝኣክል ስጋብ እቲ ናይ ይሕለፍ መንነት ዝዳሎ ዕላዊ ኣኼባ ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ተሳታፋይ ጉባአ ብሙሉኡ ዘይስሩዕ ኣኼባታት ብምክያድ ዝኣክል ዘተ የካይድ ነበረ። እዚ ዘረድኣካ ስጋዕ ክንደይ ተሳተፍቲ ጉባአ ሃገራዊ ሓላፍነት ከም ዝነበሮም ዘረድኣካ ኢዩ፡፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እቲ ስሩዕ ጉባአ ተጀመረ። ካብ ኩሉ ክፍሊ ዓለማት ዝተወከሉ ሃገራውያን ኣብ ሓንቲ ዓባይ ኣዳራሽ ተኣከብና። ምስሊ ኤርትራን ህዝባን ኣብታ ኣዳራሽ የንጸባርቕ ነበረ። ምስ ብዙሕነት ባህልናን መልክዕናን ሓደ ናይ ሓባር ናይ ቀረባን ርሑቚን ዓላማ ነበረና። ነብስ ወከፍና ብስርዓት ህግደፍ ዝተጠቕዐ ቈስሊ ኢና ሒዝና መጺና። እንተ ኾነ ግን ናይ ሓባር መድሃኒት ከነናድየሉ ጥራይ ምዃና ተገንዘብና። ሰለዚ እቲ ናይ ሓጺር ናይ ሓባር ዓላማና እቲ ጉባአ ምዕዋት ነበረ። ብርግጽ እቲ ዝነበረና ምርጫ ብዝኾነ ኣገባብ ነቲ ጉባአ ምዕዋት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ነዊሕ ዓላማ ድማ በዚ ጉባአ’ዚ ኣቢልና ኩልና ብሓባር ብማዕረነት እንነብረላ ሓንቲ ዲሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ስርዓት ምህናጽ ኢዩ። ኣስታት 600 ዝኣክል ህዝቢ ኣኪብካ ብዛዕባ ን20 ዓመታት ብዲክታተርነት ዝተጠቕዐ ህዝቢ ምዝታይ ቀሊል ኣይኮነን። ነብስወከፍ ተሳታፊ ግፍዑን ጭቆናኡን ብሕርቃን ስሚዒቱ ዝገልጸሉ ኩነታት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ናይ መጀመርያ ማዓልቲ ክትዕ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን ኣብቲ ናይ ፈለማ መዓልቲ በታ ዝነበረት ኮሚሸን ኣቢልና ኣጀንዳና ሰራዕና። ቀጺልና’ውን ናይ ኮሚሸን ጸብጻባት ኣሕለፍና።ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ ጉባአኛ ኣብ 7 ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ነቲ በኮሚሸን ዝቐረበ ቻርተርን ሓባሪ መንገድን() ውሽጣዊ ሕግን ንሓደ መዓልተን ፈረቓን ዝኣክል ብደቂቕ ተኻቲዑ ናብ ጠቕላሊ ጉባአኛ ኣቕረቦ። ነታ ዝቐረበት ንድፊ ግዝያዊት ቅዋም ግን ዳርጋ ኩለን ጉጅለታት፡ “ጉባአ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ቅዋም ከጽድቕ ስልጣን የብሉን” ብዝብል ኣረኣእያ፡ እቲ ባይቶ ኣብቲ መድረኹ ምስ በጽሐ ከም መወከሲ ሰነድ ክጥቀመላ የኽእል ኢሉ ሓሊፍዋ። አብ መጨረሻ እቲ ከርሰ-ነገር ናይቲ ጉባአ ኣብ ናይ ሓባር ኣረኣእያን ፕሮግራምን ስለ ዝኾነ፡ ጉባአ ነቲ 7 ጉጅለታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተኻተዓሉ ምስ ኣጽደቐ፡ ጉባአኛ ሓጎሱ ኪቆጻጸር ኣይከኣለን። ብዕልልታን ጠቓዒትን ኣዳራሽ ነቕነቕ በለ። ኣብ ጠጥቓኻ ዝነበረ ሰብ ሓሓኒቕካ ምስዓም ኮነ። ሰሚራ ካብ አሜሪካ ዝመጸት ካብ ታሕጓስ ዝተላዕለ እናበኸየት ነስገደት ዘሊላ ክትስዕማ ምስ ረኣና፡ መብዛሕትና ካብ ስሚዒት ዝተላዕለ ኣዒንትና ብንብዓት ይሽፈኑ ነበሩ። እዚ ክብል እንተ ኣጋኒነዮ ኣብኡ ዝነበርኩም ምስክረይ ኢኹም። ቀጺሉ ነቲ ዝሓለፈ ውሳኔታት ተተግብር 127 ዝኣባላታ ሓንቲ ሃገራዊ ባይቶ ተመርጸ ት። ነዚ ኢዮም እምበኣር ደገፍቲ ህግደፍን መሰከረማውያንን ገለ ነቓዕ እንተረኸቡ ከጸልሙ ስጋብ ሕጂ ሃሰስ ዝብሉ ዘለው። ግን ስለምንታይ? “ጉባአ ፈሺሉ” መታን ክብሉ። ሰለ ምንታይ ፍሽለት ሓደ ሃገራዊ ጉባአ ይምነዩ ? ኣይርድኣንን!!

እሞ ሕጂ’ኸ ካብ ዕውት ጉባአ ሃዋሳ ናበይ?

ቀንዲ መሰረታዊ ዓወት ጉባአ ሃዋሳ፡ ሓደ ሃገራዊ ባይቶ ምቛም ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ከርሰ-ነገር ናይ ሓባር መደብ ዕዮ ወይ ፕሮገራም ምጽዳቕ ኢዩ። እዚ ናይ ሓባር ፕሮገራም’ዚ ሓደ ጥርኑፍ ናይ ሓባር መሪሕነት(ባይቶ)ይጽበዮ። እዚ ናይ ሓባር መሪሕነት ናይ ሓባር ስራሓት ከካይድ ይሳማማዕ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ደመዳሚ ኣዋጅ ዝተጠቕስ እዘን ዝስዕባ መደባት ይሰርዕ፡

  1. ናይ ሓባር ፖሊቲካዊ ቃልሲ ከካይድ
  2. ናይ ሓባር ዜናዊ መደብ ክሰርዕ
  3. ካብ ውድባውን ሰልፋውን ነጻ ዝኾነ ሃገራዊ ሰራዊተ ክሃንጽ
  4. ናይ ሓባር ቁጠባ ከካይድ
  5. ናይ ሓባር ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ከካይድ

አዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ናይ ሓባር ዕማማት ብዕቱብ ምስ ዝስርሑ፡
–          ህዝብና ኣብ ጎደኒ ተቓወምቲ ሓይልታት ክስለፍ ይኽእል

–          ተቓዋሚ ደምበ ኣብ ህዝቡ ብምምርኳስ ብሸነኽ ቁጠባ ነብሱ ዝኻኣለ ይኸውን

–          ካብ ወጻኢ ብቐሊሉ ፖለቲካውን ነገራውን ደገፍ ክረክብ ይኽእል

–          ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ሰራዊት ኣብ ጎደኒ ህዝቡ ይስለፍ

–          መጨረሻ ድማ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ይንጸልን ይደክምን

እቲ ቀንዲ ስተራጂ ንተቓዋሚ ደንበ ከሕይሎ ዝኽእል፡ ጠርናፈን ውደባን ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ብኸመይ ይውደብ መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ። ፈጻሚት ሽማገለ ሃጋራዊ ባይቶ እቲ ቀንዲ ስራሓታ ኣብዚ ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ። ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ሐጂ ዘሎ ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ውደባ ከም ዘለዎ ይኸይድ። እቶም ካብ 5 ኣባላት ዘይበዝሑ ዝሓቖፉ ውድባትን ሰልፍታትን ብሕልናኦም ኣብ ሓደ እንተ ዝጠራናፉ ሓይሽ

ይመስለኒ። ኪዳን ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ከመይ ክጓዓዝ ኢዩ ዝብል ሕቶ፡ ኣባለት ኪዳን ኣብ ህዝባዊ ሓልዮት ዝተመረኮሰ  እንተ ዝዝትዩ ምሓሸ ይመስለኒ። ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበር መንእሰን ደቀነስትዮን ዘይተወደበ ህዝቢ፡ ማለት ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ደምበ ታቓውሞን ኣብ ሃዋህውን ጠልጠል ኢሉ ዘሎ ህዝቢ ናይ ኣወዳድባ መካኒዝም ክድለየሉ ኣለዎ። እቲ ቅንዲ ነገር ፈጻሚት ሽማገለ ሃጋራዊ ባይቶ፡ ህዝቢ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ከተላዓዕልን ክትጥርንፍን እንተ ኮይና፡ ከምቲ ኮሚሸን ዝጀመረቶ ኣባላት ሃገራዊ ጉባአ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ በቢዝቐመጥሉ ሃገርን በቢቅርጸ-ውደባኦምን ክትምዝግብ ኣለዋ። ናይ ነብሲ ወከፍ ኣባል ፋይል ክትሕዝ ኣለዋ። መካየዲ ስራሓትውን ኣብ ውጽኢት ኣባልነት ዝተመረኮሰ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መልክዕ አዚ ኢዩ ተቓወሚ ደምበ ሓያል ክኽውን ዝኽእል።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ፍርቂ-ክፍለ-ዘመን ተቓሊሱ ውጽት ቃልሱ ግን ጭቆናን ባርነትን ኮየኑ። ዝወለዶም ደቁ ኣብ ክንዲ ጽቡቚ ትምህርትን ሰናይ ናብራን ኣብ ፎቖዶ ምድረበዳ ናይ ውሽጢ ኣካላቶም ክሽየጥ ዝተረኣሉ ግዜ ኢዩ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጥራሕ ማዓኮሮም ክፍክሩ ሎሚ ኤርትራዊ ዘጋ እቲ ዝሓሰረን ተቐባሊ ሽግር ዝኾነን ኢዩ ኮኑ ዘሎ። ህግደፋውያንን መሰላቶምን ወዮ ድኣ ኣይሰምዑናን እምበር ንሕናስ አቲ ሓሰቂ ምነገርናዮም። ኣጻብዕቶም ኣብ ክንዲ ናብ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘመልክቱ ናብቲ ቀታሊኦምን ኣሳሪኦምን ስርዓት ህግደፍ እንተ ዘመልክቱ ምሓሸ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝምለከት ንተቓወምቲ ክወቕስዎም ይፍትኑ። ህልም ዘበለ ሽፍታ ዲክታተር ሓቚፍካ በዛዕባ ዲሞክራሲ ክተዛረብ ዘሕፍር ኢዩ። በሉስ’ከ ሰማ ዝሃገርኩም ካብቲ ዲክታቶር ስርዓት ህግደፍ ዘቖሞ ባይቶ በዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝቖመ ሃገራዊ ኤርትራዊ ባይቶ ‘ዶ ኣይሓሽን? ዋላ’ኳ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተዘይወከለ ካብቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኢዩ ቆይሙ። ብዓይኒ ሕጋውነት እውን ካብቲ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝያዳ ሕጋውነት ኣለዎ።

ብዝኾነ፡ ኣነ ለበዋ ኣለኒ። ለበዋይ ንመንእሰያትና ኢዩ። ኣብ ቱኒሰያን ግብጽን ሊብያን ዝተኻይደ ሰውራ፡ መንእሰያት ናይ ‘ዘን ሃገራት አዚኣትን እንተዘይካፈልዎ ነይሮም እቲ ሰውራ ኣይምተዓወተን። ኣብ ህዝቡኹም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኣበቲ ዝለዓለ ጥርዚ ኢዩ በጺሑ። ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ነብስኩም ሪኢኹምዎ ኢኹም። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክዕወትን ዘይከዕወትን ኣብ ኢድኩም ኢዩ። ኣቦታትትኩም ወይ ንጽቡቚ ወይ ንሕማቕ ዘበነ ትውልዶም ዳረጋ ሓሊፉ ኢዩ። ሕጂ ናተኩም ታራ ኢዩ።

በጋጣሚ እዋኑ ግዜ ልደትን ናይ ምዕራባውያን ሓድሽ ዓመትን ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ኣመንቲ ክርሰትና ርሑስ ልደት ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብቲ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ዘብቃዓሉን ናይ ስላምን ራህዋን 2012 ክኾነሉ እመነ።

Comments: a.fitwi1993@kpnmail.com

 

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares