Awate.com

ቀብሪ ሓደ ሰብኣይ ወይስ መሰል 4 ምልዮን ህዝቢ?

ኣብ ዓለም ዘለው ዲክታተራት ሓደ ንኹሎም ዝገዝኦም ባህርይ ኣሎ። ንሱ ድማ መሰል ህዝቢ ኣየኽቡሩን፡ መሰል ውልቀሰባት ኣየግድሶምን፡ ልዕላውነት ሃገርውን ኣይንታዮምን። እታ ቀንዲ እተገድሶም ስልጣኖም ኢያ። ብስልጣኖም ዝመጾም ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ድልዋት ኢዮም። ኢሳያስ ብፍላይ ሕልፍ ዝበለ ጨካን ኢዩ።

ናይዝጊ ክፍሉ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሕከም ጸኒሑ ከም ዝዓረፈ ዝፍለጥ ኢዩ።ከምኡ’ውን ኣብቲ ንሳላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ታሪኽ ናይዝጊ እንታይ ከም ዝነበረ ዳርጋ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብሩህ ኢዩ። ህልም ዝበለ ኣንጻር ደሞክራስያውያን ተቓለሰቲ ከም ዝነበረ ማንም ዘይስሕቶ ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ገለ ብጾት ኣብ መዳ “ኢቫን ናይ ኤርትራ” ኢሎም ይሰምይዎ ከም ዝነበሩ ትዝ ይብለኒ። ኣነውን ብርሑቚ ይኹን’ምበር ናይዝጊ እፈልጦ ከምዝነበርኩ፡ ቀንዲ ገባርን ሓዳግን የማናይ ኢድ ኢሳያስ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝፍለጥ። ኢሳያስ በላ ናይዝጊ በላ ከምዝነበረ ማንም ዝኽሕዶ የለን።

ሕጂ ግን ታሪኽ መዋቲ ናይዝጊ ገዲፍና፡ ናይ ጭካኔ ኢሳያስ ንዛረብ። ናይዝጊ ሕማቕ ጌሩ’ሞ ሕማቕ ይፈደ ኣይንብልን። ብፍላይ ብባህልና “ምውት ኣይትኽሰስ” ከምዝበሃል። ናይዝጊ ብታሪኹ ክኽሰስ ይነብር እምበር መሰሉ ክኽበር ኣለዎ። ሓመድ ሃገሩ ዝነፍጎ ዋላ ሓደ ኣካል ክህሉ ኣይግባእን።ዋእ! ኢሳያስ ግን ንሕስያ ዘይብሉ ጨካን ኢዩ።ኣብ ኣእምሮ እዚ ሰብ’ዚ “ሰብ፡ ሰብ ኣይመስሎን” ንሰብ ከም ኣቕሓ ተጠቒሙ ኢዩ ዝደርብዮ። ዳርጋ ንኹሎም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝነበሩ ተበሳጭዮም ካብ ህዝቢ ከም ዝንጸሉ ጌሩ ይደርብዮም። ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኢሳያስ ዕድመ ልኽዑ ከገልግል ዝጸንሐ ዓንደማርያም ሓደ ኣብነት ኢዩ። ኢሳያስ ከም ብልያረዶ ሰባት ምስ ሰባት እናጋጨወ ዝነብር ሕሉፍ ጨካን ኢዩ። ንኢሳያስ ዘይፈለጠ ይፍለጦ። መን ኣሎ ኢሳያስ ተጠቒሙ ዘይከሓዶ። ኢሳያስ መን ኣልዎ ካብ መጀመርያ ስጋብ መጨረሻ ብዕርክነት ይኹን ብብጻይነት፡ ምስኡ ዝተጓዕዘ? በዓል የማነ ማንኪ’ውን ዝድርበይላ መዓልቲ ኣላቶም። ንሳቶም እውን ይፈልጥዋ ኢዮም። ግን’ከ ከመይ ጌሮም ካብታ ዝኣተውዋ ዓዘቕቲ ይውጽኡ?

ሽሕኳ፡ መዋቲ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ብገበን ዝተላዕጠጠ እንተ ዀነ፡ናይ ቀብሪ መሰሉ ብስድራ ቤቱ ውሳኔ መሰረት ክሕሎ ኣለዎ ንብል ። በወገነይ እውን ነቶም ንጹሃት በተ-ሰቡ ጽንዓት ይሃቦም እብል። ቀጺለውን ነቶም ኣብዚ ግዜ’ዚ ብረይሳ  ናይዝጊ ናብ ዓዲ ክኣቱ ዘይምፈቃዱ ምኽነያት በምግባር ላዕልን-ታሕተን ዝባሉ ዘለው ከም በዓል መስከረም ዝኣመሰሉ ህግደፋውያን ልክዕ ኣለው ኣይቃወመምን። ሕቶይ ግን ነቶም በሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ፈቖዶ ጐዳጉዲ ዝጠፍኡ ዘለው ሃገራውያን’ከ ኣይሪእዎምን ድዮም? ስጋብ መኣስ ኢዮም፤ ኢሳያስ ዝደገፎ ክድግፉ፡ ኢሳያስ ዝጸልኦ ክጸልኡ ክብሩ?

በሉ ክሕደት ኢሳያስ ኣብ ኣኣፍደገኹም በጺሓ። ኢሳያስ ንናይዘጊ’ኳ ዝኸድዖ እንታይ ትጽበዩ? ኢሳያስ ኣይኮነን’ዶ ንሂውት ዘለዎስ ንረይሳ ዝቋጻጸር ሰብ ኢዩ። ካብዚ ስርዓት’ዚ እንታይ ትጽበዩ?

ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ኣይኮነን ረይሳ ንዓዲ ምእታው ከልኪሉ። ካብ ብዙሓት ሃገራት ብዙሓት ረሳታት ኢዮም ናብ ዓዲ ምእታው ተኸልኪሎም።ንኣብነት ሓደ ኣዚዩ ዘሕዝን ታሪኽ ክገልጸልኩም። ሓደ ኤርትራዊ ዓቢ ሰብኣይ፡ ብዕድመ ዝደፈአ እሞ ከኣ ሕሙም ብመንኮርኮር ሰድያ ዝኸይድ፡ ኣብ ሮተረዳም ይነብር ነበረ።ውዱ ገለ ውዲ 18 ዓመት ይኸውን ድማ ይናብዮ ነበረ። እዚ ቆልዓ ኣብ ሆላንድ ኢዩ ተወሊዱ ዝዓበየ። እዚ ንሞት እናተቓረበ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣይ፡ ሽሕኳ ብእመነት እሰልምና፡ ኣብ ዝሞተካዮ ሃገር ምቕባር ልሙድ እንተ ነበረ፡ሃገሩ ኣዝዩ ይፈቱ ስለ ዝነበረ፡ኣብ ሃገሩ ንኽቕበር ታናቢዩ ነታ ዕለት ሞቱ ይጽበ ነበረ። ከምኡ’ውን እዚ ኣቦ ምስ ሞተ እቲ ዝናብዮ ዝነበረ ወዱ ሽግር ከየጋጥሞ፡ እተን ክለተ ካብ ምኢይቲ ይኹና ካሊእ፡ ብኣግኡ ይኸፍለን ነበረ። ሞት ኣይትተርፍን’ሞ፡ ሞት  ኣብ ማዓልታ መጺኣ ሰብኣይ ሞተ። እቲ ወዱ ድማ ከምታ ለበዋ ኣቦኡ ናብታ ዓዱ ውሲዱ ክቐብሮ፡ ናብቲ ቆንስል ስርዓት ህግደፍ ዝርከበሉ ንደሄክ ከፍቅድ ከደ። እቲ ቆንስል ድማ ናይቲ ግብኡ ዝፈጸመ መዋቲ ዘይኮነ ዝዓጠጦ፡ ነቲ ቆልዓ ጸብጺቡ ጸባጺቡ “እዚኤን እንተዘይከፈልካ ረይሳ ኣቦኻ   ዓዲ አይከኣቱን ኢዩ” በሎ። እቲ ቆልዓ ድማ ገንዘብ ስለ ዘይነበሮ ከኸፍል ኣይከኣለን።ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ሓዘን ናይቲ ማዋቲ ዘይኮነስ ናይቲ ስርዓት ጭካኔ ኢዩ። እሞ፡ ሰማ ዘሃገርኩም፡ ኣብ በብዓዱ ክንደይ ረይሳ ዘየተኸልከለ?

ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ፡ ስርዓት ህግደፍ ንማንም ኤርትራዊ ዝጠቅም ኣይኮነን። ብውልቀሰብ ደረጃ ይኹን፡ ብህዝቢ ደረጃ ወይድማ ብሃገር ደረጃ ኣዕናዊ’ምበር ጠቓሚ ስርዓት ኣይኮነን።ፖሊሲታ ቱ ብሙሉኡ ንሽሙ ብሃገራውነት ሸፊኑ፡ ኣብ ስልጣን ዝነብረሉ ቃልስታት ኢዩ ዘካይድ ዘሎ። ስለዚ እቲ ክኸውን ዘልዎ፡ ርግእ ኢልካ ሓሲብካን ተንቲንካን እዚ ስርዓት’ዚ ወጊድካ ህዝቢ ዝጠቅም ስርዓት ምፍጣር ኢዩ።

 ቅድሚ ለውጢ ግን ኣተሓሳስባና ክልወጥ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ እንግሊዘኛ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናይ ሰናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የድልየና’ሎ። ኣብ በዓል ለንደን ኮፍ ኢልካ ንጉባአ ምቅዋም ቀሊል ኢዩ። ኣብኡ ኣቲኻ ምቅላስ ግን ቀሊል ኣይኮነን። መብዛሕትና ንዋዕላ ወይድማ ጉባአ እንቃዎሞ “ኣነ ዘይዋዓልኩላ ወይ ድማ ሰልፈይወዓለላ ዳስ፡ ነጸልማ ዝዓነቱ ኮይኑ ይስማዓኒ። እቲ ኣተሓሳስባ ክኸውን ዘለዎ “ኣነ ይሃሉ ኣሃሉ ንህዝቢ ዝጠቅም ምስ ዝኸውን ክድግፎ ኣሊኒዝብል ኣተሓሳስባ ክነግስ ኣለዎ። ሓቂ ክዛርብ እንተ ኮይና ኮፍ ኢልካ ንተቓወምቲ ምቅዋም ለውጢ ከነመዝግብ ኣይንኽእን። እዚ ከብለኒ ዝኻኣለ፡ ምስኩሉ ኣኽብሮት፡ ከም በዓል ሰላም ዘኣመሰሉ ጽሓፍቲ ኣብ ለንድን ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ጉባአ ብወረ ጥራይ ምፍላጡ ከቢድ ምዃኑ ስለ ዘፈልጥ ኢዩ። 600 ካብ ኩሉ ኩናዓት ወኪሎም ዝተሳተፍዎ ጉባአ ብሑቚ ብብርዒ ምፍራድ ብህዝቢ ምጽዋት ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ ግን እቲ ፍታሕ ስርዓት ህግደፍ ወጊድካ ኩላትና ብሰላም እንነበረሉ ሓደ ደሞክራሰያውን ፍትሓውን ሰርዓት ምትካል ኢዩ። እዚ ድማ ቃልሲ ይሓትት። ኢድካ ኣጣሚርካ ንተቓወምቲ ጥራይ ምቅዋም መፍትሒ ኣይርከቦን። ልክዕ ኢዩ ሃናጺ ነቐፈታ ሓደ ናይ ቃልሲ ሜላ ምዃኑ ይኣምን ኢየ። ገለ እጃም ከየበርከትካ ኮፍ ኢልካ ምምዳር ግን ነቲ ዘሎ ሽግር መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

A.Fitiwi1993@kpnmail.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares