Awate.com

ጃምቦ እቲ ዑቡድ ከልቢ ገዛውትና (ዳእላ)

ዘገርም ህይወት እኮ`ዩ ዘሎና፡ ብውሽጢ ዑቡድ ከልቢ ኣይትንበሩ እንዳበለ ይነኽሰና፡ ብግዳም  ድማ ንምንታይ ምስ ዑቡድ ከልቢ ትነብሩ ኣለዅም ኢሎም ይኸሱና` ጃምቦ ዝበሃል ነይሩ- ከልቢ ገዛውትና፡፡ ጃምቦ ዕትዕት ኢሉ ሓፊስ፡ ቖርቦቱ ጎፍጓፍ  ኮይኑ ዝዕጕርጕር ዝበለ ኢዩ ነይሩ፡፡ ጃምቦ ብባህሪኡ ምንኻስ ክፈቱ መዓት`ዩ፡፡ ብፍላይ ብፍላይ ድማ ጭሩኡ ዝሕዞ ሰብ ሓንሳብ ምስ ነኸሰ ኣይሓድግን ኢዩ፡፡ ቅምታ መናብርቱ ስለ […]

ኤልሳ ጭሩም :ተራ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ

መደረ ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ብዕለት 25/03/11 ኣብ ለንደን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ተራ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኩልና ከምንፈልጦ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትዓትር ዝኸኣለት ሳላ እቲ ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ደቃ እዩ። ይኹን እንበር ተቃለስቲ መሲሎም ብናይ ካልኦት ደምን ዓጽምን ተመኹልዮም ኣብ ስልጣን ዕድል ዝረኸቡ ገለ ጠላማት፣ […]

መዐቀኒ ሃገራዊነት!

ሃግራዊነት ስፍሕ ዝበለ ትርጉምን ኣገላልጻን ኣለዎ። ብዙሓት ጸሓፍትን ናይ ፖለቲካ ፈላጣትን በቢዝመስሎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጽዎ። ብሓፈሽኡ ግን ሃገራውነት ማለት ሓደ ብርቱዕ ስሚዐት ናይ ኩርዓትን ተኣማንነትን ሓርበኝነትን ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ሃገራውነት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ብዙሓት ሰባት ሃገራውነት ምስ ልዕላውነት የተሓሕዝዎ። “ቀንዲ ሃገራውነት ልዕላውነት ሃገር ምክልኻል ኢዩ።” ይብሉ። ቀጺሎም ልዕላውነት ምስ […]

እንድዒ

እንድዒ እቲ ተመን ኣብ ትሕቴና በትሪ ኣብ ኢድና ነታ ወስ እኳ ስኢንና አረ እንታይ’ዩ ዓዚሙና? እንድዒ … እንታይ’ዩ ዓዚሙና ቋንቋና  ተዘባሪቑ ባቤል ዝኾነና? ኣብ ሰዋስው፡ ኣሳዅዓ ቃላት መግለጺታት፡ ትርጕማት ሽንኮለል ዝበልና? እንታይ’ዩ ሕድሕድና ዘቋስል? እቲ ሓደ ተወደቐ እቲ ሓደ ዘዕልል እቲ ሓደ ተለዘበ እቲ ሓደ በትሩ ዘልዕል እንታይ’ዩ ነቲ ሓደ ንየማን ነቲ ሓደ ንጸጋም  ነቲ […]

ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)

“ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡ ህይወቱ ብጕቡእ ከይመርሕ፡ ከይመሃር፡ ከይሰርሕ፡ ሓዳር ከይገብር፡ ዓዲ ዊዒል […]

እቲ ሓቂ ክበርህ ንተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር (Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ። ብሓደ ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን  ብዝወሰደኦ ቕዱስን ቅኑዕን ተብግሶ ንሕና ኣብዚ […]

ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ

ሓደ ህዝቢ ጭቆና ምስ ዝመሮ ዓጋቲ የብሉን፡፡ ንዓመታት ዘሳቐዮ ስርዓት ብመዓልትታት ይድርምሶ፡፡ ብመንጽር ክልሰሓሳባዊ ኣበሃህላ ንሓደ ለውጢ ህዛባዊ ውደባ የድሊ ይበሃል፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ብሃንደበት ተላዒሉ ነብሱ እናኣለየ ዲክታተርነት ክዓሉ ሎሚ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑና ኣሎ፡፡ ቅድም ኣብ ቱኒሰያ፡ ዳሓር ኣብ ግብጺ ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝረኤ ዘሎ ህዝባዊ ቁጣዐ ታሪካዊ ምስክር ኢዩ፡፡ […]

ማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ኣብ ዓቢ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተሳቲፉ

ሪፖርታዥ ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃን ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኤርትራውያን(Eritrean law society) ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ኣህጉራውያን ጠበቓታት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳቲፉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ካሎኦት ኣገደስቲ ሰባትን ብምርኻብ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ።ኣብዚ ኣብ ለካቲት 11_12 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ንማሕበር ጠበቓታት ኤርትራ ብምውካል፡ኣቦ መንበር ናይቲ ማሕበር ኣቶ ሚኪኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ተሳቲፉ፡ምስ ብዙሓት […]

ኣብባይ ዓርኪ መረብ ናይ ጎረቤትዶ ክንዛረብ!

ኣባይ ወዲ መረብ ዝብላዕ’ስኪ ተዛረብ ኣይውዳእን’ዩ’ቲ መረቕ። ኣባይ ወዲ ጣና – ነቶም ዘፋነና ዓይንና እናረአና – መረቕ ዓደ’ቦና ዝለኣኽና ናበ’ሕዋትና እንታይ’ዩ ማይ ኢዳና። እቲ ንፈልጦ ማይ ከምዘይፈሰሰ ካብ ሰማይ ገዛ ንኽኣቱ ኣብ ዓዲ-ጸሓይ፣ ይውሕዝ ይፈስስ – ዶባት ይጠሓሕስ የልምዕ የተርክስ – የፋቕር የባእስ የድግም የድግስ – ይጽሕፍ ይድምስስ ኣጽርዩ ኣጻርዩ ይምለስ ናብ ባሕሩ ይፈስስ። ናይ […]

ማዕበል ሁበቡላ

ቅድሚ ኩሉ እንቓዕ ነዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ጉያ ጉያን፤ ሓዞን ኣርክብን ጥራይ ከይኮነስ ርድኣዮን ርድኣናን ናይሓሶትን ናይ ሓቅን ጥርዓን ካብ ኩሉ ኩርናዕ ብሓባር ክንሰምዕን ክንርእይን ኣብጽሓና። እወ ከም ብዙሓት ሕብሪ ዝተዛነቐ ናይ ፈተውትን ናይ ብዙሓት ምፍጣረይ ዘይወሓጦሎም ከይተረፈ ሃላዋት ኣሻቒለ ከምዝነበርኩ ኩሉ ይርድኣኒ። እንተኾነ ሎሚ ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይኮነን ሕምረት ጹሑፎይ። እንተኾነ ከምቲ በምሓርኛ ዝብልዎ “መሰንበት […]

ክንዲ ሽሕ ሞይቱና ብሽሕ ከኣ ጎዲልና

  አቶ ፍቓዱ ልጃም 1958 – 2011  ክንዲ ሽሕ ሞይቱና ብሽሕ ከኣ ጎዲልና  ፍቃዱ ሓወይ ኣንታ ለጋስ ወዲ ህዝቢ  ተንኮል ዘይብልካ ጻዕዳ ልቢ ብዘይካ ሕራይ ዘይትፈልጥ እምቢ ንኹሉ ትቕበሎ ብዓብይ ቀልቢ ብኣምላኽ ተፈደዮ ናትካ ዓስቢ።   ሽግር ኣሕዋትካ ኣብ ምፍታሕ ግዜኻ ተጥፍእ ምእንቲ ኣሕዋትካ ሂወትካ ትስውእ ዝሸገሮ ናባኻ ይመጽእ ምኽሪ ዝደለየ ናባኻ ይመጽእ ሓገዝ ዝደለየ […]

ቃል ሓዘን

ቃል ሓዘን ሓውና ፍቓዱ ልጃም ብዝሓደሮ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ብዕለት 13 ጥሪ 2011 (January 13, 2011 ) ኻብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ፍቕዱ ብተፈጥሮኡ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ፈታው ሰብ ፈታው ጽቡቕ ስለዝነበረ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ሰብ ምሕጋዝን ምትሕብባርን የጥፍኦ ነበረ። ዝኾነ ሽግር ዘጋጠሞ ሰብ ድማ ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ ናብ ፍቓዱ ዘይውከስ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ከኣ […]

ንዳንካልያ ዝምልከት : ርኢቶይ ኣብ “ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ”

ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ እትብል መጽሓፍ ድሕሪ ምምባበይ ንደንከል ዝምልከት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ሪኢቶይ ንኽህበሉ ሕልናይ ስለ ዝደረኸኒ ንሓውን ብጻይን ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ፍቓድ እሓትት:: ሓው ሰመረ ፣ “ኮፍ ከይበላስ ቌቕ ኣበላ“ ከይከውን በቲ ኣወንታዊ ሸነኽ ናይ ጻዕርኻን ትብዓትካን ክጅምር እፈቱ:: መጽሓፍካ መብዛሕትኡ ጊዜ፣ ካብ ገዛ ንስራሕ ካብ ስራሕ ንገዛ ኣብ ዝመላለሰሉ እዋን እየ ኣንቢበያ:: መብዛሕትኡ ምዕራፋት […]

ጸጸርና ንደርቢ

ህይወት ብህርመት ዝተቓነየት ኢያ፡፡ ነፍሲ ወከፍ እተድምጾ ድምጺ ውጽኢት ህርመት ኢዩ፡፡ ህርመት ከበሮ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ክራር ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ዋጣ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ሻንብቖ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት መለኸት ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ንፋስ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ማዕበል ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ዝናም ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ልቢ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት እስትንፋስ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ኮታ ህይወት ብህርመት ዝተዓስለት […]

መርድእ (SATIRE)

ኪዳን ዓሪፉ መርድእ ዝሓለፈ ቀዳም 28.11.2010 ዓም ሰዓት 8፡30 ኣብ ፓል-ቶክ ሰሚዕና። መእወዪ: ኪዳነ ሓጎስ። ኣባላታ ኣይሞትናን ኣሎና ክብሉ ኣብኡ ኣይነበሩን እሞ ኪዳነ ሓቁ’ዩ  ዝኸውን ኪዳን ሞይታ እያ። እቶም ኢፒዲፒ ከኣ – ማለት፡ እቶም’ኳ ቀደም ተ.ሓ.ኤ.|ሰ.ባ. ዝበሃሉ ዝነበሩ እሞ ድሓር በዓል ኵስቶን በዓል ኵስቶን ዝተሓወስዎም፡ ድሓር ከኣ በዓል ኵስቶ ዝጎደልዎም፡ ያኢ ሽዓ ምሸት ኣብ ጫፍ […]

ሕጂውን ንሃግራዊ ጉባኤ ንዳሎ

“ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ጥራይ ነጽንዕ” ይብሉ ህግደፋውያን። እዚ ከኣ   ህዝቢ ዝኸፍአ ይኽፋኣዮ  ንሕና ጥራይ ንቕድሚት ንኺድ ማለት ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህግደፍ ዝቕረጽ ኣምር ኢዩ። መትከልና ግን ከምኡ ኣይኮነን። “ዝኸኣለ ይሰጉም። ዝደኸመ ይሳለ። ጭራሽ ዘይከኣለ ይጸበ። ንሕና ግን ንቕድሚት ንሰጉም። እዚ ጭሮሖ’ዚ ኣብ ዝኾነ ሰውራ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ […]

“ጽባሕ” ሓጸርቲ ግጥምታት ትግርኛ: ብ ኻልድ ዓብዱ መሓመድ ስዒድ

መቅድም:   እዚ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ሰፊሩ ዘሎ ግጥምታት፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውድዓዊ ኩነታት ናብ ቅድሚት ብምምጻእ፡  ነቶም ብፍላጥ ኮነ ብየዋህነት ዚድግፉዎን ዚሕለቑሉን ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ከኣ ብምልላይ፡ ነቓፊ ርእይቶን ተግሳጽን ምዕዶን ዚህብ ኮይኑ ብውሕሉል ቃላት እተነድቀ መልእኽቲ ኢዩ።  እዚ ግጥምታ’ዚ፡ እተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዘ ኾይኑ፡ ገለ ብኣስተንትኖኣዊ፡ ገለ ድማ ብመዘናግዒ፡ ገለ ኸኣ ብምሁራዊ መገዲ ተጻሒፉ ኣሎ። […]

ጋዜጣዊ መግለጺ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ – “ዘተን ደሞክራሲን ይዓንብብ”

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ካብ 29 ክሳብ 31ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ናይ ምጽንባር ዋዕላ ዝተመስረተ ሰልፊ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ። ምጽንባራዊ ዋዕላ ብኩሉ መዳያቱ ሃገራዊን ደሞክራሲያዊን ዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር ብምጽዳቕ ፣ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዕ፣ ማዕርነትን መሰልን ናይ ኩሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘኽብር፣ስርዓት […]

ስለምንታይ ኣንጻር ዋዕላ

ዋዕላ ንመን ይጠቅም? ንመን’ከ ይጐድእ? ዝብል  ሕቶ ኣድላኢ ኰይኑ ይስማዓኒ። ዋዕላ ናይ ምይይጥን ምርድዳእን መኣዲ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ብፍላይ ንዓና ዋዕላ ናይ ጥርናፈ መስርሕ ኢዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝኾነ መለክዒ ንሓደ ውጹዕ ህዝቢ ጠቓሚ’ምበር ጐዳኢ ኣይኮነ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ዝኸስር ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። እሞ ስለምንታይ ድኣ ገለ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ንዋዕላ ይቃወሙ? ካብ መጀመርትኡ፡ ዓወት […]

ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ ግን መከራ ይምከሮ

ዝሓለፈ ወርሒ ነሐሰ፣ ኣብቲ ብአዝዩ ዘሓጉስን ዘኹርዕን ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ ክሳተፍ ከይደ ነይረ። ኣብዚ ሓደ ኣዝዩ ዘሐጎሰንን ዝሐበነንን ምስ ብዙሓት ኢርትራውያን ምእካበይን ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ኢዩ። ኣብ ሂወተይ ንመጀመሪያ ጊዜ ምስ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ምርኻበይ ጥራይ ዘይኮነስ ምስአቶም ብሓባር ኮፍ ኢለ ብዛዕባ ናይ ሃገርና ጉዳይ ብጽሞና ምዝታየይ ኢዩ […]

Archives

Cartoons

Shares