Awate.com

ንግደት ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ኣብ ኒው-ዮርክ

ንግደት ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ኣብ ኒው-ዮርክ
ጕዕዞ ኣባ ጎብየ ናብ ጽምብላሊዕ

ቃላት ንስምዒት ኵነታት ኵታ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ግዜን ቦታን ዝቓነን ዝድህሰስን ዘይድህሰሰን ተሰኪሙ ናብ ቃልዕ ከምጽእ ሓይሊ ኣለዎ እኳ ክበሃል እንተተኸኣለ፡ ኣብ ገለ እዋናት ግና ሓጎስ ክንየው  ክትገልጾ ትኽእል ሓይሊ ከይዱ ፍንጭሕ ምስ እትብል፡ ጓሂካ ክንየው ጓሂ ሓሊፉ ሕርር ኵምትር ምስ እትብል፡ መግለጺ ሲኢንካ ዕንድ ትብለሉን ስቕ ትመርጸሉን ኵነታት ብዙሕ ኢዩ፡፡ ስግንጥርነት ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ እርይ ቅርም ኣቢልካ ዝውዳእ ስለ ዘይኾነ ንሎሚ ኣብ ኒው-ዮርክ ኣዕንተይ ዝተዓዝብኦ ዘስደምም ፍጻሚ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ዳእላ ( political satire) ከቕርቦ ክፍትን ኢየ፡፡ እቲ ኸመይ ንዘይንቡር ነገር ብኑቡር ኣገላልጻ ክትገልጾ ቃላት እውን ኣስደዲምምዎ ከም ጽምብላሊዕ ክንፊ ኣቢቝሎም ስለ ዝበሩዃ፡ ሕጨጫ ኣስናን ጫሕ እንዳበልካ እንተቐረብካዮ ይምረጽ፡፡ እንተዘይኮይኑ ነቲ ሕልና ዝጽይኖ ክንየው ሓጢያት ዝበረኸ ረሲእነት ክትገልጽ ልብኻ ዶ ጦቕ ክትብል ኮይንካ?

ንግደት ነብዩ ሓሶት ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ብዓብዩ  ድምቐት ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ብዕለት 25/2011 ተኺቢሩ ዊዒሉ፡፡ ምእመናን ዘእመ ምልኪ ወጋሕታ ሰዓት ሰለስተ ካብ ዲሲ ኣውቶብስ ተጻዕኖም ክመጹ ከለው፡ ገለ እውን ንጽድቒ ክኾነና ባዕልና ብመኪናና ክንከይድ ዝበሉ እኳ እንተዘይተሳእኑ ካብኡ ሕልፍ ብዝበለ ብእግርና ክንፍትን ኢና ዝበሉ ገና ከይተበገሱ፡ ልቦም ገበታ ክትሃርም ምስ ጀመረት ነቲ ማራቶን ጕዕዞ ጽድቒ ከቛርጽዎ ተገዲዶም፡፡ ዘእመ ምልኪ መታን ባህ ክብሉ፡ ቖሉኡ ረፍ ዘብል ቀይሕ-መይሕ፡ ኵትሻ፡ ጎባጕብ፡ ማይ ዝመስል ቍኖ ክዋደድ ኢዩ ውራይ ተታሒዙ ቀንዩ፡፡ ኣብ ዲሲ ቖ ነንቲ ተሳኢነን፡ ቍኖ ብሪጋ ኢዩ ነይሩ ይበሃል፡፡ ምእመናን ዘእመ ምልኪ፡ ኣብ ማእከል ማን ሃተን ንክብሩ፡ ከም ሓውለቲ ብሽክን ሓውልቱ ክንደቕ ኣለዎ ዝብል ጠለብ እኳ እንተኣቕረቡ፡ ግብራውነቱ ተመዚኑ፡ ንዓመታ ንግደቱ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጽምበለሉ እዋን ሓወልቱ ክቐውም ብስምምዕ ተረዳዲኦም፡፡ ሓወልቱ ሞቱ ዲዩ ሓወልቲ ህላዊኡ ግና ገና ኣይነጸረን፡፡ ሓንቲ ኣደ፡ ንዘእመ ምልኪ ኣብዛ ቅርቅርተይ ከም ታቦት ኮፍ ከብሎ ኢየ ኢለን ስነ-ሞገት ስለ ዘልዓላ፡ ኣብ መንጎ ኣሰሰይቲ ነቲ በዓል ዘሳስዩ ዝነበሩ፡ ኣዝዩ ምጭንናቕ ዝፈጠረ ኵነት ኢዩ ነይሩ፡፡ ዝፋን ዘእመ ምልኪ ከመይ ገይርካ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ቅርቅቲ ዝስቐሎ? ኣብ ዓለም ተፈቲኑ ዶ ይፈልጥ? ኣብ መወዳእታ ካታሎግ ገናጺሎም ክፍትሹ እሞ መልሲ ሒዞም ክምለሱ እኳ እንተፈተኑ እተን ኣደ ስለ ዘይዓገባ….ሒሕ እንዳበላ ከጕርዓ ስለ ዝጀምራ፡….ጨና መና ነስኒሶም ቖልኤን ዘፍ ኣቢሎሞ፡፡ ሓደ ሰብኣይ እውን ንዘእመ-ምልኪ ጥምት ምስ ኣበልዎ፡ ንብዓቶም ሕልብ ሕልብ ኣቢሎም ዛሮም ስለ ዘይፈኾሶም፡ ተጠሊቖም ከእውዩ ምስ ጀመሩ፡ ሓዞ ሓዞ ኮይኑ ማይ ዝሑል ኣብ ርእሶም ኣፍሲሶም ኣቢዶሞም፡፡

ኣቱም ሰባት ተኣምር ኢዩ፡፡ ምልክታት ሻምናይ ሽሕ ኢዩ ኢልካ ምጾቶታት ክትብሎ ትደናናዕ፡፡ ነቢ ሓሶት ኢሰያስ ትንቢታቱ ክሰምዑ ፈጨው ኢሎም ኣብ ዝጽበዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ” ነቢ ኢሰያስ ከም ሰብ ትድቕስ ዶ? ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት ትድቕስ?” ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን ” ኣመና ደፊርካ ንነቢሲ ሰብ ቍጺርካዮ ክንደይ ሰዓት ትድቕስ ትብሎ? ” ኢሎም ክገንሕዎ ዝፈተኑ ብዙሓት ኢዮም ነይሮም፡፡ እንተኾነ ዘእመ ምልኪ ባዕሉ ” ሸሞንተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓት ቀም ከም ዘብል ፡፡ ኣብዚ ናይ ቀምታ እዋን ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ዝበዝሕ ግዜ ራኢታት ከም ዝርኢ፡፡ ኣብ ገለ እዋን እውን ቀም ኣቢሉ ከሎ፡ ወያነ ኵናት ከም ዝኸፈተትሉ፡፡ ድሕሪ ንግደት ካታሎግ ንዓስርተ ሓደ ዓመት ምስ ምእመናኑ ስለ ዘይተረኣኣየ ኣዝዩ ከም ዝናፈቖም፡ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ሕልሚ ዓለም ዘሎ እምበር ህልው ህውታቴ ኣይስምዕን ኢዩ፡፡ ዘእመ ምልኪ ኣፉ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ነፍሲ ወከፍ ምእመን ኣብስንቲ ንብዓት ተሓሊቡ ኢዩ፡፡ ጥብ ዝበለት ልግዔ ንብዓት ምእመን ኣብ መዓላ ከንውዕላ ብዝብል ኣጋንኦም ሒዞም ንብዓት ዘዕቖሩ እውን ኣይተሳእኑን፡፡ ብጽፍርና ዝነበረት ጭርሖ ዘእመ ምልኪ ግዲ እተን ኣጽፋር ረጊፈን ኮይነን ብንብዓትና ዝተቐየረ ኢዩ ዝመስል፡፡ ምናልባት ብነብዩ ሓሶት ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ዝተባረኸ ንብዓት ከም ጸግታ ማይ ድጋም ይጥቐሙሉ ይዅኑ መን ይፈልጥ?

 ነብዩ ሓሶት ኢሰያስ ዘእመ-ምልኪ ብኣፋፊት ክኣቱ እንዳተጸበይዎ፡ ብሕጓ ምእታው ካብቲ ንምእመናኡ ዘደነቐ  ትእንግርቲ’ዩ ነይሩ፡፡ ደቒ ሕድርትናስ….ማዕጾ ብዕጽው ሰተት ኢለን ከም ዝኣትዋ፡ መሶብ ከፊተን ዘይሰንከትኦ ጣይታ ከም ዝበልዓ ንፈልጥ፡፡ ወዲ ሕድርትና ኸ ኣሎ ዲዩ? ምትሓት ፍጥረት? ዝገርም እኮ ኢዩ ጥብ ኢሉስ ኣብዛ ኵርሲ ሮፎጥ? በዚ ዝተገረመ ሓደ ምእመን ኣውልኡ ከምዚ ኢሉ ከውርዶ ጀመረ፡፡

                  “ ጢሒሻ…..ወዲ ኣፎም ጢሒሻ….
                    ጢሒሻ ወዲ ኣፎም ጢሒሻ…..
                    ንናቕፋ ሓራ ተውጽኣ ብማሕረሻ…
                    ንባጽዕ ሓራ ተውጽኣ ብሞዶሻ….
                ዓቐይትኻ በዓል ማንኪ በዓል ኪሻ
                 ብሕጓ እምበር ኣቲኻያ ነዛ ገዛ….
                 ኒው ዮርኪ ግይጽ ትብል ኣላ ተሓጕሻ

መናድቕ እቲ ኣዳራሽ ሰሊሙ ዝነበረ ባንዴራ ኤርትራ ክሳብ ዘንበድብድ ጣቕዒት ዘኒቡ ኢዩ፡፡ ጠቓዕ ጠቓዕ……..ኣየቓረጸን…..ነብዩ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ብደው ስለ ዝረብረበ ብውሽጢ ልቡ “ እዞም መጣቕዕቲ ከምኣ ኢሎም ኣለው፡ ዘገርም ኢዩ” ኢሉ ብልቡ ሕሜታ ኣዝኒብሎም ኢዩ፡፡ ኣበይ እሞ ሰሚዖሞ….ጠቓዕ ጠቓዕ…….ጠቓዕ…ገለስ እንተ እቲ ዝበውኦ ሕላም ከይሃሰን፡ እንተስ ጕንቦ ኢደን ስምብር መሲሉ ጸላዕላዕ ኢልወን፡ ሸበጠን ኣውጺኤን ጣቒዒተን ክቅጽላ ተገዲደን ኢየን፡፡

ምእመናን ነቢ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ወርትግ ከበሮን ክራርን እኳ ካብ ኢዶም ዝፈልዩ እንተዘይነበሩ፡ ንሩዱእ ምኽንያት ጥራሕ ኢዶም ጠልጠል እንዳበሉ ክኣትው ኢዮም ተቐሲቦም፡፡ ሳንጣ ማንጣ፡ ቖርባብሻ ኣይፍቐድን ኢዩ፡፡ ማሕታ ናይ ስእለ-ምስሊ ይዅን ቪድዮ ነቢ ኢሰያስ ዛሩ ስለ ዘልዓለሉ፡ ኣብ ገዛዅም ገዲፍኵሞ ምጹ ኢዮም ተባሂሎም፡፡ ነፍሲ ወከፍ ዘእመ ምልኪ ዝተዛረባ ቃል፡ ካብ ናሕሲ እቲ ገዛ ክትወጽእ የብላን፡፡ እቲ ከመይ ነቢ ሓሶት ኢሰያስ ሓሙሽተ ማሕተማት ምስጢራት ዓለም ክቐላልዕን፡ ንመጻኢ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ክንበ ስለ ዝኾነ፡ ትንቢቱ ንፋስ ዓለም ክሃርሞ የብሉን፡፡

ገለ ካብ ትንቢታቱ….

  • ዓለም እንተጸንሔት ሰለስተ ዓመት ዕድለኛ እንተኾይና እውን ሓሙሽተ ዓመት፡ ስለዚ ባጤራ ባጤራ ኣዋህሉሉ፡፡ ዘመነ ህድማ ህድማ ምስ ኮነ ዓዲ መእተዊ ዝኾነኵም፡ ነፍሲ ወከፍኵም እንተወሓደ $45 ሺሕ ዶላር ክትእክቡ ኣለኵም፡፡ ሓቐይ ዶ ኪሻ? ኪሻ ፊሽኽ……
  • ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተራእየ ናዕቢ ኣቡኡ ዘብቕዕ ኣይኮነን ኣመሪካ፡ ኣውሮፓ እውን ካብዚ መሸንበባ ዝድሕና ኣይኮናን ስለዚ ኣይትዛነዮ፡፡
  • ኣብ ኤርትራ ጥሜት ዝበሃል የሎን፡፡ ንሓዋሩ እውን ጥሜት ኣይክህሉን ኢዩ፡፡ ወዒለን ሓዲረን እዘን ምዕቡላት ዝበሃላ ዘለዋ ሃገራት ካብቲ ከዚናዮ ዘሎና እኽሊ ክልምና ኢየን፡፡ እዚ ከኣ ልክዕ ከም ሕልሚ ፈርኦን ብራኢ ተራኡዩኒ ኢዩ፡፡ ግና ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዓለም 50 ዓመት ጥሜት ክመጽእ ኢዩ፡፡
  • ካብ ኣብ ዋዕላ ሕብራት መንግስታት ኣብ ጋሽ ባርካ ዘራእቲ ምዕዛብ ይመረጽ፡፡
  • ንዓይ ኵንትራት ዝሃበኒ የብልየን፡፡ እዛ ሃገር ናትይ ኢያ፡፡ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ምባልኵም ንዓይ ዓቢ ጸርፊ ኢዩ፡፡ ንሱ ሃገር፡ ሃገር ንሱ ተባሂሉ ክእረም ኣለዎ፡፡ ንስዅም ከማይ ክትኮኑ ባህጊ እንተለዅም፡ ሰለሳ ዓመት ክትምንኵሱ ኣለዅም፡፡ ነቢ ሙዃን ብባጀላ ኣይመጽን ኢዩ፡፡

ኣድሃ ንበር….ዓለም ጸገማታ ክትምርምር—በለ ሓደ ባርኔጣ ወድዩ ፡ ሻሽ ዝመስል ክዳን ሓበሻ ዝወደየ ዓቢ ሰብኣይ፡፡ በትሩ ከዋጣውጥ ክብል ኣብ ጕኑ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ ኣዕንታ መንሺሩ ኣውጺእዋ ነይሩ፡፡

ነቢ ኢሰያስ ዘእመ ምልኪ ትንቢቱ ነጊሩ ኣብ ዝጸንቐቐሉ እዋን፡ ሓደ ፍርዝን ኢሉ፡ መኽዘን ዒባ ዘግዘፈ ወደል መንእሰይ፡

            “ ነዞም ኣብ ግዳም ኮይኖም ኣንጻርካ ሆ ዝብሉ ዘለው እንታይ ትብሎም?” ዝብል ሕቶ ምስ ወርወረሉ፡፡ ዘእመ ምልኪ ባህ ኣይበሎን፡፡ ቶቖጢዑ፡፡ ብክልተ ሻንብቖ ኣፍንጩኡ ትኪ ፈለል ክብል ይርአ ነይሩ፡፡

ብድሕሪኡ ዝነበሩ ምእመናን እኳ ንምንታይ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ትሓትት ዝብል ምቍርምራም ነጊሱ እንተነበረ፡፡ ዘእመ- ምልኪ ግና ነታ ሕቶ ክምልሳ ነይርዎ፡፡

           “ እዚኦም ምውታት ኢዮም፡፡ ኣቦ ቐሺ ሓጕዙና ፍትሓት ግብረሎም፡፡” ኢሉ ናብቶም ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ብራኬ ዘእመ ምልኪ ዝሰምዑ ዝነበሩ ኣባ ቐሺ እንዳሰሓቐ ምስ ጠመተ፡፡ ኣባ ዕንድ ኢሎም፡፡ ሃስው መሰው ክብሉ፡ መስቀሎም ኣብ ዘቐመጥዋ ጠፊኣቶም፡፡

እቲ ካብ ግዳም ዘንጎድጕድ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ይስማዕ ነይሩ፡፡ እቲ ከመይ ድምጺ ፍትሕን ሓቕን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ድምጺ እቲ ሰሚዔን ናብቲ ኣዳራሽ ዝኣተዋ ኣእዛን ምእመን፡ ክቐሰና ኣይከኣላን፡፡ ነቲ ድምጺ እቲ ንምዕባጥ ገለ ክመሃዝ ነይርዎ፡፡ ነቢ ኢሰያስ ዘእመ-ምልኪ ባዕሉ ዝደረሳ፡ ብድያቖን ወዲ ትካቦ ዝተዘየመት ዜማ ነታ ኣደራሽ ምልእ በላ፡፡

“ጽምብላሊዕ ከዳኒቶ”…..

ሻቡ ድኣ ኣባ ጎብየ ክንፊ ኣብቝሉ ናብ ጽምብላሊዕ ተቐይሩ? ኢሉ ዝሓትት ኣይነበረን፡፡ ጽምብላሊዕሲ መቐመጭኣ ዘይከደነተሲ እንታይ ኢያ በል ክትከድን? ኣውሪዱላ ጽምብላሊዕ፡፡ ንሓርነታ ሰማይ ሰማይ ከይትብል ፊዕ ፈንጥራዕሲ….ንሳ እውን ከም ሰብ ኣብ ባርነት ክትቝረን ዶ ተገዲዳ? ናይ ኣባ ጎብየ እንዳጓሃየናስ?

                   ጽምብላሊዕ ከዳኒቶ….
                   ንዘእመ ምልኪ ገዲፋቶ…
                   ነፊራ ከይዳ ደሓን ትእቶ….

ድምጺ ጕፉዓት ኣይቐነሰን፡፡ ኣይቕንስን ኢዩ፡፡ ድሮ እኳ ሊሒሙስ ጊሰን፡ ሽወደን፡ ሎንዶን በጺሑ ኣሎ፡፡ ድሎ ከይትዕሎ ኮይኑ ነገር፡፡ ስመር ገጥ በል፡፡ ንዓመታ ድማ እንተስ ምእመን ነቢ ኢሰያስ ሓወልቱ ክተኽእሉ፡ እንተስ ንሕና፡ ጕዕዞ ሓመድ ድበ ከነቐላጥፍ፡ ኣብ ቃልሲ ኣሎና፡፡ ክንህሉ ኢና፡፡

                        ኣቲ ኤረይ ክሕሎ
                        ኣስመራ ዶ ብ ህ.ግ.ድ.ፍ ትሕሎ
                        ኢሰያስ ይተዓሎ………….
                        ሎም ዘመን ሓዲኡ ኣሎ….

ሰሰናዪ ንዓዅም ደቂ ኤረ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares