Awate.com

ከምታ ናይ ሊብያ!

ጭቁን ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ዘመሳስሎ ናይ ሓባር ረቛሒታት ኣለዎ። እዚ ድማ ጭቆና ኢዩ። ኣብ ሊብያ ዘሎ ሽግር ኣብ ኤርትራ ኣሎ። ምናልባሽ ናይ ኣፈታትሕኡ ኣገባብን ግዜን ክፈላለ ይኽእል። ኣብ መጨረሻ ግን ንዘላኣለም ከምኡ ኢሉ ዝነብር ሽግር የለን። ኣብ ኤርትራ’ውን መዓልቲ ኣላ ህዝቢ ዝትስኣላ።

ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ጸረ ዲክታተርነት ሰውራ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኢዩ። ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዘሎ ሰውራ ካብ ኣርዑት ጭቆና ዘይወጹ ዘለው ኣህዛብ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብጽሞና ይከታተልዎ ኣለው። ብፍላይ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ሽሕ’ኳ ስርዓት ኢሳያስ፡ መራኸቢ ሓፋሽ ገቢቱ ክሓብኦ እንተ ፈተነ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ካብኡ ተመኩሮ ከም ዝወስድ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ብመሰረቱ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሊብያን ተመሳሳሊ ኢዩ። ጀጋኑ ሊብያውያን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን ተቓሊሶም ሃገሮም ነጻ ከም ዘውጽኡ ዝዝከር ኢዩ። ኤርትራውያን ኣቦታትና’ውን ክቕድም ኣንጻር ወራር ግብጺ ተዋጊኦም ከም ዝሳዓሩ። ቀጺሉ ድማ ኣንጻር መግዛእቲ ጥልያን ብዘኹርዕ መንገዲ ከም ዝተኸላኸሉ ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ። ኣብ መጨረሻ ድማ ኣብ ዘበና ኣንጻር ነገስታት ኢትዮጵያ ተቓሊስና፡ እቲ ፍረ ቃልሲ ድኣ ስርዓት ህግደፍ ጨውይዎ’ምበር ዓወት ከም ዝተጓናጸፍና  ናይ ግዜና መስክር ኢዩ።

ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት’ውን  እንተ ኾነ እዚ ክልቲኡ ህዝብታት’ዚ ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ዲክታተርነት ወዲቑ ንሓያሎ ዓመታት ከም ዝተጠቕዐ ናይ ግዜና ምስክር ኢዩ።ኣብ ሊብያ ጋዳፊ። ኣብ ኤርትራ ኢሳያስ። ኮለነል ጋዳፊ ነቲ ዝነበረ ንግስነት ዓልዩ ን40 ዓመታት ክገዝእ እንከሎ፡ ኢሳያስ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ዘምጽኦ ናጽነት፡ ከም ናይ ብሕቱ ሂያብ ወሲዱ ን20 ዓመታት ብመዘና ዘይብሉ ጭቆና ይገዝኦ ኣሎ። እቲ ዘገርም ድማ ኢሳያስን ጋዳፍን ክልቲኦም ዝኸፍኡ ዲክታተራት ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እንተላይ ምንባሮም ኢዩ። ነይሮም ክንብሎም ምኽንያቱ ሕጂ ብሓንሳብ የለውን። ኣብ ሊብያ ዝነበረት በትሪ ሕጂ ኣብ ኢድ ህዝቢ ስለ ዘላ፡ ኣብ ኤርትራ ግን እታ በትሪ ትቕጠን ወይውን ሰባር ትኹን’ምበር ኣብ ኢድ ኢሳያስ ስለ ዘላ። ይኹን’ምበር ንሳውን መዓልቲ ኣላታ ህዝቢ ዝትስኣላ።

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሊብያን ብምንታይከ ይፈላለ? ህዝቢ ሊብያ ከም ህዝቢ ኤርትራ ጸሙ ዝሐድር ኣይኮነን። ቀዳማይ ሊብያ ብተፈጥሮ በንዚን ስለ ዘለዋ። ካልኣይ ጋዳፊ ነቲ ህዝቢ ከም ኢሳያስ ብኸብዱ ኣይሓዞን። ህዝቢ ሊብያ መሰሉ ኢዩ ሲኢኑ ነይሩ’ምበር ዝብላዕ ኣይሰኣነን። ኢሳያስ ግን ኣንባቢ ዘይትስሕቶ/ዘይትስሕትዮ፡ ሓርጭን ቢሒቚን ዝቋጻጸር መራሒ ኢዩ። ጥሜት እንከሎ “ ጥሜት የብልናን” ዝብል ጨካን ዲክታተር ኢዩ። ህዝቢ በሊዑ ከይዕንገል ረዲኤት ዝኽልክል ፡ ኢሳያስ ናይ ፈርዖን ፈርዖን ጨካን ሽፍታ ኢዩ።ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ከብዱ ጥራይ ከም ዝሓስብ ኢዩ ጌሩዎ።ዝጠመየ ህዝቢ ከኣ ብቐሊሉ ክቃለስ ኣይኽእልን።ብተወሳኺ ሊብያውያን ካብ ተፈጥሮ ሃበቶም ዝረኸብዎ ሞራል ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጐድኖም ጠጠው ከም ዝብሉ ገይርሎም ኢዩ። ሎሚ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሊብያ ጠጠው ከም ዝብላ ዝገበረን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ጥራይ በምምርጓስ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ሊብያ ሃብታም ስለ ዝኾነት ኢዩ። ተዘይኰይኑ ህዝቢ ሊብያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝያዳ ስለ ዝተወጸዐ ኢዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ጋዳፊ’ውን ካብ መስመር ወጺኡ ከም ኢሳያስ ኣብዘይ ዓቕሙ ኣብ ፈቖዶ ጐረባብቲ ሃገራት ጠብሎቚሎቚ ስለ ዝበለ ኢዩ ክንብል ኣይንኽእልን።ኮታ ብመንጽር ህዝባዊ ጭቆና ጋዳፊ ካብ ኢሳያስ ይኸፍእ ኢዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

እሞ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ዓለም ዝኸፍአ ከንሱ፡ ስጋብ ሕጂ ክጸንሕ ዘኽኣሎ ምኽንያት እንታይ ይኸውን? ነዚ ሕቶ’ዚ ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዓዋተ (Why Is The Eritrean Regime Still Surviving) እትብል ብንግሊዘኛ ዝጻሓፈኩዋ ጽሕፍቲ ምውካስ ይኣክል። እዚ ሕቶ’ዚ ከም ዘለዎ ኰይኑ ግን፡ ስለምንታይ ህዝቢ ሊብያ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዕወት ኪኢሉ? ዝብል ክምልስ እፈቱ።

ህዝቢ ሊብያ ካብ 6 ወርሒ ዘይነውሕ ግዜ ኣብዚ ዓወት’ዚ ክበጽሕ ዝኸኣለ ኣብ ሓደ ዓላማ ሓድነት ስለ ዘለዎ ኢዩ። እቲ ዓላማ ድማ ስርዓት ጋዳፊ ኣልጊስካ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ ዝብል ኢዩ። ነዚ ዓላማ’ዚ ንምትግባር ግን ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኣካላት ናይ ስነሓሳብ ወይ’ውን ናይ ፖለቲካ ፍልልያት ኣየልዓሉን።ኣብ ኣገባብ ቃልሲ’ውን ኣይተፈላለዩን።ኩሎም ስርዓት ጋዳፊ ከምቲ ባህሪያቱ ብጎንጺ ማለት ብዕጥቂ ብረት ከም ዝእለ ተሰማምዑ። ከምቲ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ፍልልያት ኣየልዓሉን። እዚ ኣብቲ ዚመጽእ መደረኽ ከልዕልዎ ናይ ግድን ይኸውን። ንስርዓት ጋዳፊ ንምውዳቕ ከምቲ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ብኣገባብ ቃልሲ ኣይተፈላለዩን።ካሊእ ይተርፍ ከምቲ ናትና ናይ ቅዋምን ባንደራን ሕቶታት እውን ኣየካትዖምን። እተን ዝነበራ ናይ ጋዳፍ ባነደራን ቅዋምን ደርቢዮም ናቶም ኢዮም ዝገበሩ። እስከ ንሕናኸ ስርዓት ህግደፍ በኸመይ ንእለዮ ካብ ምባል ብዛዕባ ኣገባብ ቃልስን ቅዋምን ባንደራን ዝምልከት ኣሰሓሓብ ክንደይ ግዜ ኢዩ ወሲዱለና? ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ እናጥፈአ ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኦም ምፍልላይ ኣገባብ ቃልሲ ምስሓት ኢዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ሊብያ ክንዮው ምውዳቕ ስርዓት ጋዳፊ ኣይጠመቱን። በቲ ኣብ በንጋዚ ዘሎ መሰጋገሪ ባይቶ ኣቢሎም ድማ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡ ኢዮም።ኣባና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግን ዘገርም ኢዩ። ጌና ስርዓት ህግደፍ ከይወደቐ ዕድል ናይ ሓደ ህዝቢ ወሰንቲ ኮይና። ናይ ቢሄራትን ሃይማኖታትን ሕቶ ሰልፍታት ወይ ድማ ውድባት ዝውስንዎ ሕቶ ኣይኰነን። ሰልፍታትን ውድባትን ዘለዎም ሓላፍነት ስርዓት ህግደፍ ኣውዲቕካ ስልጣን ናብ ዋንኡ ምርካብ ጥራይ ኢዩ።ካብዚ ሓሊፉ ጫሌዳ ጠለባት እናፈጠርካ ሸንኮለል ምባል ዕድመ ስርዓት ኢሳያስ ምንዋሕ ኢዩ።

ቀንዲ መሰረታዊ ሕቶ ስርዓት ህግደፍ ብኸመይ ንእለዮ ኢዩ። ኣካይዳና ልክዕ ከምታ ናይ ሊብያ ክትከውን ኣለዋ።ከምቲ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ “እወ! ንኽእል ኢና” ዝበሎ፡ንሕና’ውን ተወፋይነት እንተሎ ህዝብና ኣብ ሓጺር ግዜ ሓራ ከነውጽኦ ንኽእል ኢና።እወ! ልክዕ ኢዩ ከምቲ ናይ ሊብያ ናይ ኣትላንቲክ ቃልኪዳን ነፈርቲ ጉልባብ ኣይክንረክብን፡ ምኽንያቱ ሃገርና ድኻ ስለ ዝኾነት። ይኹን’ምበር ካብቲ ናይ ሊብያ ኩነታት ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ተመኩሮታት ዘለወን ውድባት ኣለዋና።ዕጥቂ’ውን ኣለና። እቲ ጐዲሉ ዘሎ ጥርናፈ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊመ ዝገለጽኩዎ ውድባትን ሰልፈታትን ኤርትራ ኣብ ናይ ውድበንን ሰልፈንን ቃልሲ ኢየን ዘለዋ። እዚ ኣገባብ ቃልሲ’ዚ ድማ ግዜኡ ዘሓለፎ ኣገባብ ኢዩ። ሎሚ ዘሎካ ዓቕምታት ኣወሃሂድካን ተኸኣኢልካን ተሰማሚዕካን እትቃለሰሉ ግዜ ኢዩ። ከምኡ እንተዘይገርካ ስርዓት ኢሳያስ ስልጣኑ ንምክልኻል ነቕ ዘይብል ሓይሊ ኢዩ ደሊቡ ዘሎ።እቲ ቀንዲ ሽግር ኰይኑ ዘሎ ድማ ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፍታትን ምክእኣል ዘይምህላዉ ኮይኑ ኣብ ውድባውን ሰልፋውን ጸግዒ ዝተመርኮሰ ዝምድናታት ምህላዉ ኢዩ። ነዚ ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሓይልታት ኣዋሃሂዱን ኣሳንዩን ዝመርሕ ኣካል ተሳኢኑ ኣሎ።

ካሊእ ክብሎ ዝደሊ ዝኾነ ተቓዋሚ ኣካል ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣበርቲዑ ክቃለስ ኣለዎ። ሎሚ ግዜኡ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምቹእ ኢዩ። ብፖለቲካዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ወይ ድማ ወተሃደራዊ ሸነኻት ዘሎና ዓቕምታት ኣወሃሂድና ክንቃለስ ኣሎና።ሊብያውያን ብኹሉ ሸነኻት ኢዮም ንስርዓት ጋዳፊ በዲሆምዎ። ብዲፕሎማስያዊ  ሸነኻት ኢምባሲታቶም ምስ ህዝቢ ጠጠው ከም ዝበሉ ጌሮም። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ናይ ጋዳፊ ትካላት ከም ዘይንቀሳቐስ ገይሮምዎ። ብወተሃደራዊ ሸነኻትውን ብጀካ ውሑዳት ስርዓት ጋዳፊ ጠንጢኖም ህዝቦም ዝመረጹ ምኩራት ወተሃደራት፡ ተመኩሮ ዘይብሎም መንእሰያት ኣዕጢቖም ኢዮም ስርዓት ጋዳፊ ከውድቕዎ ኪኢሎም።ንሕናውን እቲ ብኢጋድ ቀሪቡ ዘሎ ማዕቀብ ማለት 2%ን  ወርቅን ንስርዓት ኢሳያስ ሂወት ዝህቡ ምንጭታት ቁጠባ ማዕቀብ ንኽግበረሉ ንጽዓር። ንጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤታት ንጽሓፍ። ሰላማዊ ሰለፊ ንግበር።ጽንሕ ኢለ ንዝገልጾ ኣብ ትሕቲ ውድባትን ሰለፍታትን ዘለዋ ወተሃደራዊ ክንፍታት ተጠርኒፈን ብሓደ ከም ዝሰርሓ ንግበር። ንዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባአ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጥጡሕ ባይታ ንፍጠር።

ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ስርዓት ህግደፍ መሳረሒ ዝኾኑ መስከረም ዳት ነትን መሰላቱን፡ ዲክታተር ኢሳያስ ናብ ኡጋንዳ ምዃዱ ዓቢ ተስፋ ኰይኑዎም ክጭርሑ ቀኒዮም። እቲ ኩነታት ግን ከነረድኦም ጽን ኢሎም ይስሙዑና። ስርዓት ህግደፍ ካብ ኢጋድ ባዕሉ ወጽዩ። ያኢ እንዳሻሂ ተረኺቡለይ ትማሊ ኣብ ኣዲሰ-ኣበባ ዝተገብረ ናይ ኢጋድ ኣኼባ ወኪል ኢሳያስ ባዕሉ ኣትዩ ኣብቲ ኣኼባ ኮፍ በለ። ኣብ መጨረሻ ውጻእ ተባሂሉ ምስ ኣበየ ብጸጥታ ተደፊኡ ወጸ።እዚ ጥራይ ኣይኮነን ጽን ኢልኩም ስምኢዑ ክነረድኣኩም። ቀጺሉ ናይ ኡጋንዳ ቆዋሚ ኣንባሳደር ብዕሊ ኣብ ተለቪዠን “ኡጋንዳ አብናይ ኤርትራ ማዕቀብ ዘለዋ ኣረኣእያ ካብተን ናይ ካልኦት ኣባላት ኢጋድ ኣይፍለን። መንግሰቲ ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ማዕቀብ ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዋ” በለ።ቀጺሉ ኣቦ መምበር ሕብረት ኣፈሪቃ ጂኣን ፒንግ “ስርዓት ኣስመራ ስጋዕ ክንደይ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ምዃኑ ዘረድእ ኢዩ” በለ።እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣብ ተለ-ቪዠን ዝተሰምዐን ዝተራዕየን ዘሕፍር ተግባር ኢዩ።

ኣነኳ ብዛዕባ መስከረምን መሰላቱን ብዙሕ ኣይገርመንን።ወዲ ጀነራል ጎይትኦም ያኢ ሃገራዊ ክመስል ዕድመ ልክዖም ንህዝቢ ኤርትራ ሂወቶም ዘወፈዩ ተጋደልቲ “ኢትዮጵያ ኣተው’ዶ ሃገር መቓቐሉ’ዶ” እናበለ የደናግር ኣሎ። ኣቦኡ ሃገራዊ ኣይነበሩን። ንሱ’ውን ሃገራዊ ኣይኮነን። ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኮይኑ ዝሞተ ኣይውቀስን’ምበር ኣቦኡ ደኸ ኣይኮኑን መሳርሒ ነገስታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ። ንሱ ከኣ ሰረት ኮይኑዎ መሳረሒ ጸረህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ። ካብ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ዝምባሌ ኢዩ ከይብሎ ምናልባሽ ምስ ህዝቦም ጠጠው ዝበሉ ኣሕዋቱ ክህልው ይኽእሉ። ስለዚ ሕጂ’ውን ብዛዕባ መስከረም ኣይገርመንን። ክገርመኒ እንተ ኾይኑ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ዕላዊ ናይ ጉባኤ ጽሑፋት ኣብዚ መጋበሪ ህግደፍ ዝኾነ መራኸቢ ማዕከን ተዘርጊሑ ክሪኢ እንከሎኹ ይገርመኒ።ወዲ ጀነራል ጐይትኦም ድሌቱን ትምኒቱን ስርዓት ህግደፍ ሂወት ዘሪኡ ጠጠው ንምባል ኢዩ። ዓላማን ድሌትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓደ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ዘኾነ ስርዓት ንምትካል ኢዩ ይመስለኒ። ጐድኒ ንጎድኒ እዚ ጽሑፋት’ዚ ኣብ ሓደ ወብ-ሳይት ኣንባቢ ከንብብ እንታይ ይስምዖ? ኣብ ሰልፊ ዲሞከራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይሓድሮ? እዚ ሓቶታት’ዚ ኣልዒልና ምስ ኣሕዋት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሮተርዳም ከም ዝተመያየጥና ትዝክሩ ኢኹም። እዚ ዌብ-ሳይት’ዚ ካብ ዝጠቕመኩም ዝጎድኣኩም ይበዝሕ። ምኽንያቱ መስከረም ዳት ነት ካብ ሻዕብያይት ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ጸረ ዲሞክራሰያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርተራ ጠጠው ዝበለ፡ ብሽም ተቓወምቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝምባሌ ዘለዎም ባእታታት መጋበሪ ኢዩ። ከምዚ ተባሃሂልና ተራዳዲእና ነርና። ሕጂ’ውን እቲ ሓቂ ንሱ ኢዩ። እሞ ስለምንታይ ዕላዊ መግለጺታትን ፖለቲካዊ ፕሮግራማትን ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣብዚ ይስቀል? እዚ ክብል ከሎኹ ብቕንዕና ኢዩ። ምኽንያቱ ዋላ’ኳ ምስ ኣረኣእያ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ገለ ፍልልያት እንተሃለወኒ፡ ንዓይ ከም ሓደ ተቓዋሚ ኣካል ጉድለት ወይ ድኽመት ናይ ሓደ ሰልፊ ረብሓይ ስለዘይኮነ ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ ሓደ ከርሰ-ነገር ከይ ጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ቀራና መንገዲ በጺሑ ክበሃል ይከኣል።እዚ መድረኽ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ዘብቃዓሉን ተቓዋሚ ሓይልታት ዝሕይለሉን ተፈላጥነት ዝረኽበሉን መድረኽ ኢዩ። ነዚ ምቹእ ኩነታት’ዚ ዝፈጥሮ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ። ንሃገራዊ ጉባኤ ክንዳሎ ኣሎና። ሃገራዊ ጉባኤ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ፈጢሩ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዘሰጋግር ቢንቶ ኢዩ። ብኮምሸን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝወጸ ሰነዳት ኣብ ቦተኡ ኮይኑ፡ ኣነ ከም ዝመስለኒ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዞም ዝስዕቡ ሓፈሻዊ አገደስቲ ዕማማት ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ፡

1. ሰፊሕ ህዝብና ዝውክል ባይቶ(ሓደ ኣካል) ከነቕውም ኣለና። ስለዚ ጽዑቚ ህዝባዊ ውደባ የድሊ

2. ፖለቲካውን ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ሓያል ነብሱ ዝኻኣለ ባይቶ ምቛም የድሊ

3. ኩለን ሰልፍታትን ውድባትን ብባይቶ ክምርሓ ኣለወን

4. ኣብትሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዘለዋ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት  ኣብ ሓደ ተጠርኒፈን ብመሳጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ይምራሓ። እዚ ግን ግዜ ክወስድ የብሉን ኪዳን ካብሕጂ ክዳለወሉ ኣለዎ። ወተሃደራዊ ክንፊ ብትሕዝቶኡን ኣተሓሳስባኡን ህዝባዊ ሰራዊት ኮይኑ፡ ክሰፍሕን ክሕይልን ኣለዎ።

Comments: Fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares