Awate.com

እሽም

“እሽም እስክትሽም

እሽም እስክትሽም

’ዛ ጥልፈይ ጉምጉም

ነጸላይ ጥምጥም

ኣዋርቐይ ስክም

’ዛ ቢራይ ግስም

እሽም እስክትሽም

ወይ’ዚ ወልፊ ሕሱም

እሽም እስክትሽም

ቶባእ ድሕሪ ደጊም!”

 

ኢላ’ምበር ባሃብላ

ክትልብም ግዲ’ላ

እቲ ምዃን’ታይ ክትደግም ኢላ

ወራዙትን ከም ዓይበት ይቕደዳ

ባሃብላን ተራይዋ ኩዳ

ምስ ወዲወዳ

ዓንዲራ ዓቢዳ

ምስ ጓልጓላ

ዘሊላ ፈሊላ

ሎምስ ይብለየላ

ካብ ስራሕ ዕዋላ

ጸሎት መምሓረላ

ይኣኽለኪ’በላ

ምሕረት የውርደላ!!!

 

ሰሎሞን ኣበራ

ሓምለ 2011

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares