Awate.com

መዝገብ ተኸሰስቲ፡ ኢሰያስን ጭፍርኡን AT

መዘኻኸሪ፡ እዚ  ሰነድ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝተረኸበሉ በብግዚኡ ዝመሓየሽ ህያው ሰነድ ኢዩ። ኣብዚ ሰነድ’ዚ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ መራሕቲ ህግደፍ ኢዮም። ሓበሬታ ኣብ ዝተረኸበሉ፡ እዚ መዝገብ ተኸሰስቲ’ዚ ኣብ ካልኣይ፣ ሳልሳይን ራብዓይን ጽፍሒ ሓላፍነት ንዘለዉ ሰባት ‘ውን ከጠቓልል ይኽእል።

ተኸሰስቲ

ሓደ ሰብ፡ ክሲ ቅድሚ ምምስራቱ፡ ከም ተደበለ ከረጋግጽ ከም ዝግባእ ወይ ድማ መርትዖ ክህልዎ ከም ዝግባእ ብሕጊ ዝተነጸረ ፍሉጥ መትከል ኢዩ። ነጻ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ሕጋውያን ናይ ተቓውሞ ውድባት፣ ነጻ ኣብያተ ፍርዲ፣ ነጻ ፕረስ፣ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት መንግስቲ ኣንጻር ህዝቢ ኩናት ምስ ዝእውጅ ግን ብኸመይ ክኽሰስ ይኽእል፧ ከም ዜጋታት መጠን፡ ንመጻኢ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ ወይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ንዝኽእል ክሲ ከም መበገሲ ከገልግል ዝኽእል መደብ ጀሚርና ኣለና። እዚ መደብ’ዚ ስም ዝርዝር ናይቶም ከም ክሱሳት ክልለዩ ዝኽእሉ ቀንዲ በደለኛታት ኣብ ምስናድ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። ስዒቡ ኣብ ዝቐርብ ጸብጻባት ድማ ስም ዝርዝር ናይ ብዱላትን (ከሰስቲ) ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ከነቕርብ ኢና።

ኣብ ምልካውን ወናኔ-ኩሉን ስርዓታት፡ ስርርዕ መንግስታዊ ቅርጽን ዝርገሐ ፖለቲካዊ ስልጣንን ምፍላጥ ንገዛእ ርእሱ ናይ ክኢላታት ትንተና ዝሓትት ስራሕ ኢዩ። ኣብ ከም በዓል ሕብረት ሶቭየት ነበርን ቻይናን ዝኣመሰላ ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝመሓደራ ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ እተን ሰልፍታት ዘለዉ ላዕለዎትን ታሕተዎን ሓለፍቲ ብምምልላይ መን’ዩ ሓያል መንከ ኣይሓያልን ብቐሊሉ ክፍለጥ ይከኣል። ንኣብነት፡ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ደረጃን ጽፍሕን ሓላፍነት ንምፍላጥ ተንተንቲ ዝኽተልዎ ሓደ ኣገባብ ኔሩ። ኣብ መዓልቲ ሸቃሎ ይግበር ኣብ ዝነበረ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ዝህሉ ኣቀማምጣ ናይቶም ሓለፍቲ ከም መወከሰቲ ይጥቀምሉ ኔሮም። ኣብ ውጹእ ምልካዊ ስርዓታት፡ እቲ ዝርካቡ ሰልፊ ብሓደ ሰብ ምስ ዝጭወ፡ ደረጃን ጽፍሕን ሓላፍነት ምፍላጡ ኣጸጋሚ ይኸውን። ከም ኣብነት፡ ዒራቕ ኣብ ግዜ ሳዳም፣ ሶርያ ኣብ ግዜ ኣሳድ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ግዜ ኢሰያስ ክጥቀሳ ይኽእላ። ኣብ ከምዚአን ዝበላ ሃገራት፡ ሰባት ሃንደበት ሓላፍነት ይቕይሩ፣ ይድስክሉ፣ ወይ መዓርግ ይውስኹ። ኣኼባ ኣይግበር፣ ጉባኤ ኣይግበር፣ ምርጫ ኣይግበር ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሰልፊ ገረውረው ዝበለ ጥርሑ ኢዩ። እቲ ሕቶ እምበኣር፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ኢሰያስ ስልጣን ዘለዎም ሰባት መነመን ኢዮም ኢዩ። ናይዚ ኹሉ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት፡ ድሕሪ ኢሰያስ ተሓተትቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት መነመን’ዮም፧ ብምሉኦም ኣባላት ህግደፍ ድዮም፧ ኣይኮኑን እንተኾይኖም፡ ብንጹር ተኸሰስቲ ክበሃሉ ዝኽእሉ ደኣ መነመን’ዮም፧

ቅርጺ ስልጣን ህግሓኤ/ህግደፍ

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣብ 1994 ኢዩ ተመስሪቱ። ብልክዕ ንምዝራብ፡ እቲ ኣብ 1977 ዝተመስረተ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኢዩ ኣብ 1994 ስሙ ናብ ህግደፍ ቀይሩ። ህግሓኤ ካብ ዝምስረት ዝተኻየደ ክልተ ጉባኤታት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እንከላ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ኣብ 1977 እቲ ሓደ ድማ ኣብ 1987 ኢዩ ተኻይዱ። ኣብ 1991 ኤርትራ ሓራ ምስ ወጸት፡ እቲ ውድብ ስሙ ክቕይር ከም ዘለዎ ተገንዚቡ። ውድባዊ ቅርጺ ግን ዳርጋ ከም ዘለዎ ኢዩ ቀጺሉ። እቲ “ብማእከላይ ሽማግለ” ዝፍለጥ ዝነበረ ሓጋጊ ኣካል ናይቲ ውድብ ብስምን ቅርጽን ከም ዘለዎ ቀጺሉ። እቲ “ብፈጻሚ ሽማግለ” ዝፍለጥ ፈጻሚ ኣካል ‘ውን ከምኡ ስሙን ቅርጹን ከይቀየረ ቀጺሉ። ከም ኩሉ ማርክሰ-ለኒናዊ ውድባት፡ ኣብ ውሽጡ ሰልፊ ናጽነት ዝበሃል ምስጢራዊ ሰልፊ ‘ውን ነበሮ። እዚ ‘ውን ከም ዝነበሮ ቀጺሉ። ኣባላት “ሓለዋ ሰውራ”  ኣባላት “ጸጥታ” ኮይኖም ቀጺሎም። እቲ ዋና ጸሓፊ ድማ ፕረዚደንት ሃገር ኮይኑ። ብሓጺሩ፡ ህግደፍ ሓድሽ ቻርተር ጥራይ ደኣሉ ጽሒፉ እምበር መቐጸልታ ህግሓኤ ኢዩ።

እቲ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ዝተቖጻጸረ “መሰጋገሪ መንግስቲ” ሓደ “ሃገራዊ ባይቶ” ዝበሃል ኣካል ብምቛም ንስልጣኑ ተቕባል/ሕጋዊ ተቐባልነት ከልብሶ ፈቲኑ። እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2002 ዝተኣከበ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብኣቃውምኡ፡ 75 ካብ ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ 75 ድማ ካብ እሙናት “ሲቪላውያን” ኣባላት ህግደፍ ዘቖምዎ ባይቶ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ዓመታት፡ ስሩዕ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ከም ንቡር ይካየድ ኣይነበረን። ብዘይካ’ቲ ኣብ 1994 ዝተኻየደ ውድባዊ ጉባኤ፡ ክግበር ዝነበሮ ግን ኣብ ግዚኡ ዘይተገብረ ካልእ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ስለ ዝነበረ፡ ፕረዚደንት ደረት ስልጣኑ እንዳሰፍሐ ከይዱ። ስልጣኑ ደረት ከም ዘይብሉ ድማ ኣረጋጊጹ። ነዚ ዘረጋገጸ ገለ ኣብነታት፡ እቲ ኣብ  ልዕሊ ስንኩላን ኩናት ዝተወስደ ኣስካሕካሒ ስጉምትን ካብ 1994 ኣትሒዙ ንኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኩናት ዝሸመማ ኣዕናዊ ናይ ወጻኢ ፖሊስን ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ 2000 ኣብ ሞንጎ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ገፊሕ ናይ ርእይቶ ፈቓቕ ተጋህደ። በቲ ሓደ ወገን እቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ንፕረዚደንት ስልጣን ብሒትዎ ኢሎም ክነቕፍዎ እንከለዉ፤ በቲ ሓደ ድማ ፕረዚደንትን ጉጅልኡን ነቲ ነቐፌታ ነጺጎም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ-15 ብመርትዖ ዘይተሰነየ ክስታት ሰንዚሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 18 መስከረም 2001 ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስ ዳጎንዎም ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ነገር የለን።

ድሕሪ 2002፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምቲ ቅድም ዝገብሮ ዝነበረ ዋላ ንይምስል ውሳነታቱ ሕጋውነት ከልብስ ኢሉ’ኳ ዝኾነ ኣኼባታት ባይቶ ኣይጸውዐን። ማእከላይ ሽማግለ ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ናይ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ጉጅልኡን ውሳነታት ንስሙ ‘ውን ይኹን ከጽድቕ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን። ትካላት ዝበሃል የለን። ሓጋጊ ኣካል የለ፣ ፈራዲ ኣካል የለ፣ ዋላ ‘ውን ብዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምእከል ንውሳታት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ክብድህ ዝኽእል ባህላውን ዓዳውን መሳርዕ ‘ውን የለን። ከምቲ ኣብ ካልእ ምልካውያን ስርዓታት ዝግበር ንኢሰያስ ኣፍወርቂ ክብድህ ዝኽእል ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት  ኮሚተ ወይ ኣካል ‘ውን የለን። ኤርትራ ብሓደ ውልቀ-ምልካዊ መራሒ እትመሓደር ዕብዕብቲ ሃገር ኢያ። ንስልጣኑ ክብድህ ዝኽእል ድማ ዋላ ሓደ የለን።

ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ገበናት ይፍጸም ኣሎ። ገበን ድማ ብዘይ ገበነኛ ኣይፍጸምን ኢዩ። ሓላፍነት ዝስከም ግን መን’ዩ፧ ንኤርትራውያን ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኮንተይነራት ዝዓጹ መን’ዩ፧ ንመንእሰያት ብመግረፍትን ሕሱም ስቅያትን ናብ ገላዩ ቀይርዎም ዘሎ መን’ዩ፧ ኣዴታትን ኣቦታትን ደቅኹም ካብ መዓስከራት ባርነት ሃዲሞም ተባሂሎም ንኽእሰሩ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ መን’ዩ፧ ሰባት ተቓዊምኩም ተባሂሎም ንዓመታት ኣብ ትሕቲ መሬት ክእሰሩን ክስወሩን ትእዛዝ ዝሃበ መን’ዩ፧ ንጹሃት ሰባት ንጽህንኦም ከረጋግጹን ብሕጊ ነብሶም ክከላኸሉን ዕድል ከይተዋህቦም ክርሸኑ ዝኣዘዘ መን’ዩ፧ ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ውሽማታት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጀነራላትን ክኾና ኩነታት ዘጣጥሐ ወይ ዝኣዘዘ መን’ዩ፧ ወተሃደራትና ኣብ ዓዲ ጓና ከይዶም ግብረ-ሽበራውያንን ቀይዲ በተኻትን ከሰልጥኑ ትእዛዝ ዝሃበ መን’ዩ፧ ናጽነት ኣብያተ ክርስትናን መሳጊድን ክድፈር ኮነ ኢሉ ዝኣዘዘ መን’ዩ፧ ኤርትራ ዝጠፈሸት ሃገር ክትከውን ውሳነታት ዘርቀቐን ዘሕለፈን መን’ዩ፧ ትእዛዛት ዝሃበ መን’ዩ፧ ዝተግበረ መን’ዩ፧ ይፍጸም ከም ዝነበረ ዝፈልጥ መን’ዩ፧ ከምኡ ይግበር ከም ዝነበረ ክፈልጥ ዝግብኦኸ መን’ዩ፧

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝግበር፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ‘ውን ጭቆንኡ ዘተግብረሉ፡ ሚኒስተራት ኣመሓደርትን ካልኦትን ዝሓቖፈ ቅርጺ ከም ዘለዎ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ትእዛዛት ግን ብመሰረቱ ካብ ሓደ መንቀሊ ቦታ ኢዩ ዝብገስ። እዚ ድማ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ካልእን ምዝራብ ዋጋ የብሉን። ኣብዚ ዝፍጸም ዘሎ ጨፍላቒ ስጉምታት ዝሳተፉ፣ ዝሕንጽጹ፣ ዝውስኑን ዘተግብሩን በዚ ድማ ንኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየርዋን ሓላፍነት ድማ ዝሰከሙን ሰባት ካብ ዕስራ ኣይበዝሑን ኢዮም።

እቶም ብሓላፍነት ዝሕተቱ ሰባት ንምፍላጥ፡ ቅድም ንማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ዘቖሙ ሰባት ከነለሊ ከም ዝግባእ ተገንዚብና። ቀወምቲ ዓማዊልና ከም እትዝክርዎ፡ ሓደ እዋን ኢሰያስን ጭፍርኡን ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪብና ኔርና። ድሒርና ኣብ 2003 ከም ዝገምገምናዮ ግን እቲ ሽዑ ዘቕረብናዮ ጸብጻብ ኣብ ኣቃውማ ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ዝተሞርኮሰ ስለ ዝነበረ፡ ግዚኡ ዝሓለፎ መለክዒ ምዃኑ ተረዲኡና።

ኢሰያስን ጭፍርኡን ዝኽተልዎ ፍሉጥ ስነ-ሓሳብ ወይ ጽኑዕ እምነት ዝበሃል የብሎምን። ኣብቲ ንወራር ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ዝደገፈ ኪዳን ወለንታውያን ኣለዉ ክበሃሉ ከም ዘይጸንሑ ኣብ መዝገብ መወልቲ ግብረ ሽበራውያን ድማ ከም ሕጹያት ትረኽቦም። ምስ ሓንቲ ሃገር ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውዕል ከም ዘይተፈራረሙ ተመሊሶም ነታ ሃገር የጥቅዑ። ንማሕበር ሃገራት ዓረብ ከም ዘይረብሕን ልሙስን ምትእኽኻብ ክዘልፍዎ’ሞ ይጸንሑ ጽንሕ ኢሎም ድማ ሓገዝ ይልምኑ። ኢሰያስ ዝቐርጾን ዝሕንጽጾን ጭፍርኡ ድማ ዝሰርሑሉ ፍሉጥ መምርሕታት ግን ኣሎ፡- (1ይ) ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ከም ዝርዕድ ምግባር፣ (2ይ) ካብ ኤርትራውያን ክርከብ ዝኽእል ገንዘብ ብሓይሊ ምምንዛዕ። ናይዚ ጭፍራ’ዚ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ‘ውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ፡- (1ይ) ብዝተኻእለ መጠን ጎረባብቲ መንግስታት ከም ዝርዕዱ ምግባር፣ (2ይ) ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ክርከብ ዝኽእል ገንዘብ ብሓይሊ ምምንዛዕ። እቲ ጭፍራ፡ ንፋይናንስ፣ ቁጠባዊ ጉዳያት፣ ወተሃደራዊ ጉዳያት፣ ጸጥታ፣ ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ውድባውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ዝቆጻጸር ናይ ስልጣን ማእከላት ኣለዎ። እቲ ዕላማ ግን ፍሉጥ ኢዩ፡- ምርዓድን ገንዘብ ብሓይሊ ምምንዛዕን። እዚ ራዕድን ሓይሊ ዝተሓወሶ ዝምታን ዝብል ስነ-ሓሳብ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ተሪር ተቓውሞ የጋጥሞ ኣሎ። ብሰር’ዚ ኣመሪካ ንኤርትራ ኣብ መዝገብ መወልቲ ግብረ ሽበራውያን ከተእትዋ ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።

ምንጪ ሓበሬታ መዝገብና

መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም ኣብ 2000 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንኣማኢት ኤርትራውያን ኣዘራሪብና። ገሊኦም ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ኣምሊጦም። ገሊኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት (መደብ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ”) ኢዮም። ገሊኦም ገዳይም ኣባላት ህግሓኤ/ህግደፍ ኢዮም። ገሊኦም ኣባላት ናይተን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቓልሲ ዝነበራ ውድባት ኢዮም። ገሊኦም ድማ ተራ ዜጋታት፡ ኣሕዋት፣ ኣሓት፣ ኣዴታትን ኣቦታትን ናይቶም ብዘይ ፍትሒ ዝተኣስሩ ሰባት ኢዮም። ኣብ ኩሉ ዝገበርናዮ ዝርርባት፡ ነናሳዕ ሓደ ዓይነት ኣስማት ይጥቀስ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጽና።

ሓደ ዝበርሃልና ነገር ግን ኔሩ። ገለ ሓለፍቲ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣለው። ኣብ ምቕታልን ምምሓርን ግን ብዙሕ ተራ የብሎምን። እዚኦም ከምቶም ገበርትን ሓደግትን ዝበሃሉ፡ ኣብ ሞንጎ ሂወትን ሞትን ኣብ ዘሎ ፍልልይ ወሳኒ ተራ ዘለዎም ሰባት፡ ከምኣቶም ኣይኮኑን። ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሓደ ኣብነት ኢዩ። ብውሑዱ ብስም ጥራይ’ኳ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሓላፍነት ዘለዎ ክነሱ፡ ኣብቲ ኣዳሊናዮ ዘለና መዝገብ ግን የለን። ምኽንያቱ ኣንጻሩ ዝቐረበ ክሲ ኣይሰማዕናን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሳልል ወተሃደራዊ ሓላፍነት ክትርድኦ ዘጸግም ነገር ኢዩ። ሓደ፡ ሓደ ሓለፍቲ ንሚንስተር ምክልኻል ጥሒሶም ብቐጥታ ናብ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ትእዛዝ የመሓላልፉ። ብኣንጻሩ ኣብ ቅርጺ መንግስታዊ መሳልል ኣብዚ ኣለዉ ዘይብሃሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ብተደጋጋሚ ክጥቀሱ ይስማዕ።

እዚ መዝገብ ተኸሰስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘዳለናዮ ጸብጻባት ዝተሞርኮሰ ስለ ዝኾነ ምሉእ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ከም መበገሲ ግን ጽቡቕ’ዩ ኢልና ንኣምን። ንኤርትራ የመሓድሩ ናይ ዘለዉ ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓበሬታ ዝሓዘ ኢዩ። እዚኣቶም ናይ ኢሰያስ እሙናት ዓሳክርን ኣዕኑድ ናይቲ ስርዓትን ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ዓመታትን ሕጅን ካብ ኢሰያስ ጽኑዕ መምርሒ ይቕበሉ። ኣብቲ ዝተዋፈርሉ ንጥፈታት ድማ እኹል ስልጣንን ሓይልን ኣለዎም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ገበናት ሓላፍነት ድማ ብሓባር ይስከሙ። ነቲ ዝተፈጸመ ገበናት ይፈልጥዎ ኢዮም፤ ወይ ድማ ከምኡ ይፍጸም ከም ዘሎ ክፈልጡ ዝግብኦም ኢዮም።

ገለ ሰባት ከም ዝብልዎ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ገበናት ኣብ 2001 ኣይኮነን ጀሚሩ። እቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡን ገለ ኣብ ተቓውሞ (ኣብ ስደት) ዘለዉን ‘ውን ዝበደልዎ ነገራት እንተሎ ሓላፍነት ክስከሙ ከም ዝግባእ ይዝረበሉ ኢዩ። ንሕና ‘ውን ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ንሰማማዕ ኢና። እቲ ዘገድስ ነገር ንሳቶም ‘ውን ዝሰማምዕሉ ምዃኑ’ዩ። ኩሎም ኣባላት ህግሓኤ/ህግደፍ ዝነበሩ’ሞ ሕጂ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ከምኡ ‘ውን ካልኦት መራሕቲ ደንበ ተቓውሞ፡ ዝኽሰስሉ በደላት እንተሎ፡ ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ንኸሰስቶም ክገጥሙ ድሉዋት ምዃኖም ኢዮም ዝገልጹ። ብርዱእ ምኽንያታት ኣድሆቦና ኣብቶም ገና ነቲ ስርዓት ዘይራሕርሕዎን ጉዳያት ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ከይርአ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዘለዉን ኢዩ። ስለዚ’ሲ ጉዳያት ኣብ ነጻን ዘይሻራውን ቤት ፍርዲ ከይርአ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዘለዉ ሰባት ክሓባእ ዝደልይዎ ነገር ስለ ዘሎ’ዩ እንተበልናስ ምኽኑይዶ ኣይኮነን፧

ኩሎም እቶም ዝተበደሉ ኤርትራውያን ፍትሒ ክወጸሎምን ክቐስኑን እንተኾይኖም፡ እቶም  ተኸስስቲ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ጉዳዮም ድማ ክምርመርን ኣለዎ። ካብቲ ናታቶም ፍርዲ ካልኦት ገበነኛታት ‘ውን ክፍለጡ ኢዮም። እዚ መደብ’ዚ ንኽዕወት፡ ኩሉ ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ነቲ መዝገብ ተኸስስቲ ኣብ ምህጣርን ክተሓባበር ንጽውዕ። ናይቶም ተኸሰስቲ ሓጺር ታሪኽ ሂወት፡- ቦታን ዕለትን ልደት፣ ትምህርታዊ ድሕረ ባይታ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝነበሮም ሓላፍነት፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክሲ ዝገልጽ መዝገብ ነዳሉ ኣለና።

ዘለኩም ሓበሬታ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ለኣኹልና፡-

ኢመይል፡- accused@awate.com

ሓለቓ ጭፍራ

1. ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡- ንነብሱ ፕረዚደንት ኢሉ ዝሰመየ ውልቀ-መላኺ ኢዩ። ብወግዒ ሒዝዎ ዘሎ መዝነት ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፡- ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣቦ መንበር ህግደፍ፣ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣቦ መንበር ካቢነ ሚስተራት፣ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ቻንስለር። ከም መራሒ ናይቲ እንኮ ፖለቲካዊ ሰልፊ መጠን ንኹሉ ሸነኻት ሂወት ኤርትራውያን ምሉእ ብምሉእ ተቐጻጺርዎ ኣሎ። እቶም ንሱ ዝመርሖም ጭፍራ ከም ፍጹም መራሒ ይርእይዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ዘስምዖ መደረን ዝህቦ ኣዋጃትን እቶም ጭፍራ ከም ጽኑዕ እምነት ይኽተልዎ። ንቓላቱ ከምዚ ዝስዕብ እንዳበሉ ከም መማጎቲ ይጠቕስዎን ይደግምዎን፡- ሓይሊ እንተለካ ኢኻ ትኸብር (ሓያል ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ኢዩ)፣ ሃብታማት ሰሪቖም’ዮም ሃብቲ ዝድልቡ፣ ንመትከልና እንተተበጀና ‘ውን ሓላል’ዩ፣ ዓለም ኩላ ኣንጻር ኤርትራ ኢያ፣ ኩሎም እቶም ምሳና ዘይሰማማዕ ርእይቶ ዘለዎም ከዳዓት ኢዮም።

እቶም ጭፍራ

እቶም ጭፍራ ኣብ ሰለስተ ኢዮም ዝምቀሉ፡- (1) ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ናይ “ጸጥታ ኣካላትን” (2) ገንዘብ ብሓይሊ ዝምንዝዑ ኣሕሉቕ (3) ናይ ሓሶት ልኡኻትን መታለልትን።

ናይቶም ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ቀጸላ ብኣርባዕ ጀነራላት ዝቖመ ኢዩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ስልጣኖም ዝቆጻጸርዎ ነናቶም ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣለዎም። ኣብ ዘዞብኦም ንዘሎ ወተሃደራውን ሲቪላውን ሂወት ምሉእ ብምሉእ ይቆጻጸርዎ። እቲ ናይ “ጸጥታ ትካላት” ድማ ኣብ ምሉእ ሃገር መሓውራቱ ዘርጊሑ ስለያዊ ስራሓት የካይድ።

እቶም ገንዘብ ብሓይሊ ዝምንዝዑ ኣሕሉቕ፡ ብመገዲ እቲ ዝዓበየ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምውፋር ነቲ ስርዓት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ይእክቡ። ነዚ ንምግባር ኣብ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ንግዲ ይኣትዉ። ኣጽዋር፣ ጫት (ሓሽሽ)፣ ናይ ኮንትሮባንዳ ኣቑሑትን ካልእን ብሕቡእ ይሸጡ።

እቶም ናይ ሓሶት ልኡኻትን መታለልትን መደበሮም ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኮይኑ፡ ቀንዲ ስርሖም ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ምሕሳው፣ ምድንጋርን ምትላልን ኢዩ። ከምዚ መግበሪኦም ቀንዲ ምኽንያት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጽገና ክቐርብ ንዝኽእል ሕቶታት ንምጉዕጻጽን ገንዘብ ንምእካብን ከምኡ ድማ እሙናት ኣባላት ንምምልማልን ኢዩ።

ቀጸላ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ

1. ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፡- ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሱዳንን ወተሃደራዊ ኣወሃሃዲ ኢዩ። ልክዕ ከም ከምቶም ካልኦት ኣዘዝቲ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንሱ ‘ውን ኣብ ኩሉ መዐለሚ መዓስከራት ኣብያት ማእሰርቲ ኣለዎ። ኣብኡ እሱራት ወተሃደራት ይግረፉን ይርሸኑን። ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ንሱዳን ክሰግሩ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ይረሸኑ ዝብል ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ንሱ ምዃኑ ዘረድእ ክስታት ኣሎ። ደቅኹም ኣህዲምኩም ንዝተባህሉ ወለዲ ከም ዝኣስርን ግፋ ከም ዘካይድን ‘ውን ይፍለጥ።

2. መጀር ጀነራል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡- ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኢዩ። እዚ ‘ውን ከምቶም ካልኦት ኣዘዝቲ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዎ። ኣብኡ እሱራት ወተሃደራት ይግረፉን ይርሸኑን። ኣብ 1977 ኣብ ከረን፡ ንእድሪስ እቸት ሕና፣ ኣብራሃ ወልደንድርያስ፣ ሰርጀንተ ተወልደ በየነን ካልኦትን ወወጢጡ ከም ዝወሰዶም ይፍለጥ። 30 ዓመታት ድሕሪ’ቲ ፍጻመ እቶም ሰባት ኣበይ ከም ዘለዉ ኣይፍለጥን። ተረሺኖም ኢዮም ዝብል ዝግምታት ግን ኣሎ። ደቅኹም ኣህዲምኩም ንዝተባህሉ ወለዲ ከም ዝኣስርን ግፋ ከም ዘካይድን ‘ውን ይፍለጥ።

3. መጀር ጀነራል ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡- ናይ ሓይሊ ኣየር ኣዛዚ ኢዩ። ነቶም ካልኦት ጀነራላት ከም ዝንዕቆምን ዘይበሰሉ እንዳበለ ከም ዘናሽዎምን ይዝረበሉ። ምስ ኩሎም ኣዘዝቲ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ስኒት የብሉን። መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን ሓላፊ ስለ ዝነበረ ናይቲ መደበር ሕግታትን ኣተሓሕዛ ተዓለምትን ባዕሉ ከም ዝሃንደሶ ይፍለጥ። ናይታ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘቖመት ኮሚተ ኣቦ መንበር ኔሩ።

4. መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል፡- ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኢዩ። እዚ ‘ውን ከምቶም ካልኦት ኣዘዝቲ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዎ። ኣብኡ እሱራት ወተሃደራት ይግረፉን ይርሸኑን። ሰባት ነብሶም ከይተኸላኸሉ ንማእሰርቲ፣ ሽርበትን ካልእን ዝፍረድሉ “ዕጹው ቤት ፍርዲ” ኣለዎ። ደቅኹም ኣህዲምኩም ንዝተባህሉ ወለዲ ከም ዝኣስርን ግፋ ከም ዘካይድን ‘ውን ይፍለጥ።

5. መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡- ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ዞባዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኢዩ። ቁማረጅን ኣብ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግዲ ተዋፊሩ ዝነበረን ትምህርቲ ዘይብሉ ደንቆሮ ኢዩ። ኣብ ህግሓኤ ምስ ተጸንበረ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ በጺሑ። እዚ ‘ውን ከምቶም ካልኦት ኣዘዝቲ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዎ። ኣብኡ እሱራት ወተሃደራት ይግረፉን ይርሸኑን። ደቅኹም ኣህዲምኩም ንዝተባህሉ ወለዲ ከም ዝኣስርን ግፋ ከም ዘካይድን ‘ውን ይፍለጥ።

6. ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ፡- ሓላፊ ፍሉይ ስርሒታት ኢዩ። ኣብ ባህር-ዳር ካብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ፖሊተክኒክ ምስ ተመረቐ ናብ ተሓኤ ተጸንቢሩ። ንዶ/ር ፍጹም ዝተብሃለ ኣዛዚ ቀቲልካዮ ተባሂሉ ብተሓኤ ተኣሲሩ ኔሩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ምስ ተፈትሐ ኣንጻር ተሓኤ ኣድማ መሪሑ። ድሒሩ ናብ ህግሓኤ ኢዱ ሂቡ። ኣብ ናይ ጀነራል መዓርግ ድማ በጺሑ። ንጉጅለ-15 ከም ዝኸድዖምን ንማእሰርቲ ኣሕሊፉ ከም ዝሃቦምን ይፍለጥ።

ናይ “ጸጥታ ኣካላት”

1. ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡- ናይ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ዋና ሓላፊ ኢዩ። ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ከም ዝስሊ ዝገበረ ሰብ ኢዩ። ዓሰርተታት እሱራት ክርሸኑ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ምዃኑ ይንገረሉ።

2. ኮሎነል ስምኦን ገብረድንግል፡- ናይ ኣብርሃ ካሳ ምክትል ኢዩ። ኩሉ ኣንጻር እሱራትን ሲቪላውያን ሰባትን ዝካየድ በደላት ፈጻሚኡ ንሱ ኢዩ።

3. ናይዝጊ ክፍሉ፡- ዋና ናይ ጸጥታ ሓላፊ ነበር ኢዩ። ንሕክምና ኢሉ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነዊሕ ምስ ጸንሐ መጥባሕቲ ናይ ኩሊት ጌሩ ኣብዚ ቀረባ እዋን’ዩ ተመሊሱ። ብዙሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ከም ዝገረፈን ነዚ ድማ ከይሓነኸ ብብደዐ ከም ዝዛረበሉን ይፍለጥ። ቤት ጽሕፈቱ ናይቲ ብምስጢራዊ ኣማውታ ዝሞተ ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኢዩ። ቤት ጽሕፈቱ ንሰባት መግረፊ ብዝጥቀመሎም (ብጥንቃቐ ዝዓቀቡ) መሳርሕታት ዝመልአ ኢዩ።

ገንዘብ ብሓይሊ ዝምንዝዑ ኣሕሉቕ 

1. ሓጎስ ገብረሂወት (ክሻ)፡- ኣቐዲሙ ኣምዳሳደር ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ኢዩ። እቲ “ክሻ” ዝብል ሳጓ ዝለገቦ፡ ብገንዘብ ሃነፍነፍ ዝብል ስሱዕ ስለ ዝኾነ ኢዩ። እቶም እሙናት ኣባላት ህግደፍ ዝበሃሉ ከይተረፉ ብሃርጋፍ ጠባያቱ ስለ ዝሰክሑ፡ ካብ ዋሽንግተን ክእለየሎም ብወግዒ ሓቲቶም። ሓጎስ ክሻ ናይ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዘንቢል’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ዝዓበየ ንግዳዊ ትካል ህግደፍ፡ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንሱ ኢዩ ዝቆጻጸሮ። እዚ ትካል’ዚ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ኣብ ዝበሃል ንግዳዊ ንጥፈታት፡- ምምጻእን ምልኣኽን፣ ህንጻ፣ ሕርሻ፣ ዕደና፣ ፍርያት ዓሳ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከይተረፈ ይነጥፍ።

2. መሓመድ ዑመር ማሕሙድ፡- መጀመርያ ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝተመስረተ ማሕበር ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣባል ኔሩ። ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ብሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ዝነበረ  ህዝባዊ ሓይልታት – ቀዳማይ ወገን ኣባል ኔሩ። ነዚ ጉጅለ’ዚ ገዲፉ ኣብ 1977 ናብ ህግሓኤ ተጸንቢሩ። ኣብ ሃገራት ዓረብ (ማእከላይ ምብራቕ) ዝንቀሳቐስ ሓጎስ ክሻ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ዕሉል ደጋፊ ኢሰያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምሉእ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ብሓይሊ ዝመንዘዐ ሰብ ኢዩ። ኣብተን ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ናይ መንበሪ ወረቓቕቶም ክዕቅቡን ንሃገሮም ብሰላም በጺሖም ክምለሱን እንተኾይኖም ምስ ህግደፍ ክሰማምዑ ስለ ዘለዎም ከይፈተው ዝተሓተትዎ ይኸፍሉ። ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ገንዘብ ህግደፍ ንሱ ይቆጻጸሮ። ህግደፍ ኣብቲ ዞባ ምስ ዘለዉ ነጋዶ ንዝገብሮ ሕቡእ ንግዳዊ ንጥፈታት ወኪል ኮይኑ ይሳተፍ።

ናይ ሓሶት ልኡኻትን መታለልትን

1. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡- ወግዓዊ ስልጣኑ ጸሓፊ ህግደፍ ኢዩ ዝብል። ቀንዲ ስርሑ፡ ኣባላት ህግደፍ ብፍላይ፡ ህዝቢ ድማ ብሓፈሻ ዝተውሃቦ ዕዮ ይዓዪ ከም ዘሎ ምቁጽጻር ኢዩ። ቀንዲ ክእለቱ ንኣባላት ደንበ ተቓውሞን ንደገፍቶምን ምጽላም ኢዩ።

2. የማነ ገብረኣብ፡- ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ፍሉይ ኣማኻሪ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ኢዩ። የማነ ንኢሰያስ ማለት ከርት ግሩበር ንሂትለር ማለት’ዩ። ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ደገፍቲ ህግደፍ ንምምልማል ኣብ ድያስጶራ ዝርከቡ መንእሰያት ክውድብ ተኸኽ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ህግሓኤ ከሳብ ዝጽንበር ኣባል “ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ”  ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ናይ ውሽጥን ወጻእን ፖሊሲ ቀንዲ ሓንጻጺ ኢዩ። ጨካን ስጉምታት ከም ዝውሰድ ዝገብር ‘ውን ንሱ ኢዩ። ናይ ኢሰያስ ፖሊስታት ተርጓምን ተግባርን ኢዩ።

3. ዓብደላ ጃብር፡- ወግዓዊ ስልጣኑ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኢዩ። ቀንዲ ስርሑ ግን ንተቓወምቲ ጉጅለታት ሱዳንን ንኤርትራውያን ተቓወምትን ምስላይ ኢዩ። ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ግንባር ምብራቓዊ ሱዳን ናይ ህግሓኤን ተሓኤን ተጋደልቲ ነበር ዞሪቖም ከም ዝኣትውዎም ናይ ምግባር መደብ ባዕሉ’ዩ ዘተግብሮ። ንሱዳናውያን ሓለፍቲ ጉቦ ብምሃብ ገለ ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ካብ ሱዳን ከም ዝጭወዩ ዝገበረ ሰብ ኢዩ።

4. ዘምህረት ዮሃንስ፡- ተመራማርን ምሁርን ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ። ሰባት እንታይነቶምን እምነቶምን ከም ዘጠፍኡ ዝገበረ፡ ንኤርትራዊ ባህሊ፣ ያታን መንነትን ይብሕጉግ ናይ ዘሎ እከይ ሸርሕታት ኩሉ ሃንዳሲ ኢዩ። ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረን ካብ ጀብሃ ምስ ተፈንጨለ ‘ውን ኣብ ሳግም ክሳብ ደረጃ መሪሕነት በጺሑ ዝነበረ ኢዩ። ኣብ መሪሕነት ሳግም ዝበሩ ኢብራሂም ቶቲል፣ ዘምህረት ዮሃንስ፣ ዶ/ር ገርግስ ተኽለሚካኤልን ተወልደ ገብረስላሰን ኢዮም። ብዘይካ ተወልደ ገብረስላሰ እቶም ካልኦት ኩላቶም ኣብ 1986 ናብ ህዝባዊ ግንባር ኢዶም ሂቦም።

5. ዮሱፍ ሳይቕ፡- ኣብቲ ብማሕበር ኤርትራውያን ተመሃሮ ዝቖመ ህዝባዊ ሓይልታት – ቀዳማይ ወገን፡ ካብ ባቕዳድ ጀሚሩ፣ ክሳብ ካይሮ ኣባል ኔሩ። ንህዝባዊ ሓይልታት – ቀዳማይ ወገን ገዲፉ ናብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1977 ተጸንቢሩ። እዚ ሰብ’ዚ ጉጅለ-15 ንዝተሓበሱሉ ቤት ማእሰርቲ ክሕሉ ዝውዕል፡ ከምኡ ብምግባሩ ድማ ተኣማንነት ዘጥረየ፡ ብማእሰርቶም ሰብ ዝኾነ ኢዩ። ነቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝውዕሉ ጭፍራ ድሒሩ’ዩ ተጸንቢርዎም።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares