Awate.com

ሓገራዊ ዋዕላና: ምስ ኩሉ ድኽመታትና መፍቲሒ ሽግርና mAgostino

ኣብ ኤርትራ ክወድቕ ተንጠልጢሉ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፤ ካብ ስሩ ተማሕዩ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እንተ ዘይተተኪኡ፤ ካብቲን ኣኪብካ ካብቲን ለቂምካ ዝግበር ጽገናታት መተካእታ ክኸዉን ኣይክእልን።  እዚ ስርዓት’ዚ ይወድቕ ከም ዘሎ ዘርእዮ ምልክታት ቡዙሕ እዩ፤ካብቲ ቡዙሕ ዉሑድ ንምጥቃስ   እቲ ተካኢ ሃገርን ተቐባሊ ሕድርን  መንእሰይ ወለዶ፣ ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ እግሩ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ካብ ዝጠፍእ መዋእል ሓሊፉ ፣ ህዝብና ብማሃይምነትን ሕማምን ተጎቢኡ፤ ህግደፍ ብዘተአታተዎ ወገናዊ ምግምማዕ ተተዳኺሙ፣ ሃይማኖታዊ ምፍርራህን፣ ወተሃደራዊ ሞራል ዉድቀትን፣ ኣብየተ ማእሰርቲ ምብዛሕን፣ ዝግለጽ ፖለቲካዉን ማሕበረ-ቑጠባዉን ቅልዉላዉን፣ ካብ ዝራኤ  ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ፣ሕጂ ኻአ ብሰንኪ እከይ ተግባሩ ካብ ዓለምና ተነጺሉ አብ መዋጥር ይርከብ።

 ስለዚ ነዚ ዕድል ተቓዉሞ ደንበ ብዕቱብ ክሪኦ ኣይካአለን፣ ሓደ ካብቲ ጠንቅታት ናይዚ ዕድመ ምንዋሕ እዚ ኻአ ድኽመት ናይ ተቛዉሞ ደንበ እዩ፣ እቲ ሕቶ ተቓወምቲ ስለ ዝዋሓዱ ወይ ሳዓብቲ ስለ ዘይረኸቡ ክባሃል ይካአል ይኸዉን፣  ግን እቲ ሓቂ ኑሱ ኣይኮነን፣ ስራሕ ቒያ፣ ኩሉጊዜ ብዉሕዳት ኢዩ ዝዕመም፣ ግን እቶም ዉሑዳት ኣብ ቓልዕ ዝወጹ ክኸኑ ከለዉ። እቶም ቡዙሓት ካአ ክምድመደሎም ዝጽበዩ ስለ ዝኾኑ፣ኣብዚ  ደምበ ተቓዉሞ መድሚዶም ከቕርቡ ኣይካአሉን ንሱ ማለት ካአ፣  ተቛዉሞ ደንበ ትርግታ ህዝቦምን ሁሉዊ ኩነታት ሃገሮምን ምስ መድረኽ ክታዓጻጸፉ ስለ ዘይካአሉ ዓቢ ጸገም ናይ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ ፣ህግደፍ ኣብቒዑ እዩ፡ ደፋኢ ጥራይ እዩ ሲኢኑ፣ ስለዚ ጉዳይና ሎሚ ሂወት ኣድሕን ዳአ እንበር፣ ኣብ ሞንጎና ናይ ቅርሕንትን፣ መን መርሔን ቦቱኡ ሎሚ ኣይኮነን፣  እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ስለ ዘቀድሙ፣ ንናይ ሓባር ኮንካ ነዚ ስርዓት  ምብድሁ ዝብል ኣምር ጎስዮም ክሓልፉ ንሪኢ ኣሎና፣ ሕራይ እዚ ጉዳይ’ዚ ብሰንኪ መራሕቲ ዉድባት እስከ ንበል፣ እቲ ዘገርም  መሰረታት ኣብዚ መስርሕ እጃሞም ዘይምጽዋት እዩ እቲ ቀንዲ ነገሩ፣

በቲ ዝመጸ መምርሒ ካብ ላዕላዋይ ኣካል፣  እሺ ጎይታይ ኢልካ ተቀቢልካ ከየኮማሳዕካ ምዉሓጥ፣  ሽግርን  ዓጸቦን ህዝብና ዘናዉሕ ድኣምበር ዘቓልል ኣይኮነን፣እዚ ኻአ ካብቲ ስርዓት ንህዝብና ዘድምዮ ዘሎ ብኸመይ   ድኣ ኢና ንፈልዮ? ኣብነት፣ ነዚ  ኣሳራርሓ  እዚ ገለ ኣባለት ዉድባት ተቓዉሞኦም  አየስሙዑን ማለት ኣይኮኑን ፣ ግን እቲ ዝዋሃብ ምኽንያታት  መሪሕነት ስለ ዝወሰነት   ኣይንጋገ ከይንጋማማዕ፣ ስቁ ኢልና ንስገሮ፣ በቲ ካልእ ወገን ክንርስዖ ዘይብልና፣ እቶም መጻረርትና ባኣና ክስሕቁ፣ እናበልካ ለጋጊብካ ዝኸዳ ዉድባት ወይ ሰልፊታት፣ንናይ ጹባሕ ኤርትራ ብምንም ታአምር ተካእቲ  ክኾና ኣይክእልን እዩ ሞ ፣ አዋዳድባኤንን ኣሳራርዔኤንን ከማሓይሻ አለወን :: ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከሸድኖ ልዕሊ ብጾቱ ኮይኑ ክጸፍዕ፣ ክሞቑሕን፣ ክቐትልን፣ ዝገበሮ ሸለልትነት ናይ ብጸቱን መቓልስቱን እዩ፣ ድሓን ናጽነት ጥራይ ትምጻእ፣ እናተባህለ ናጽነት ምስ መጸት ካአ፣ ሱር ናቱ ሰዲዱ ስለ ዝጸንሔ እዛ ሎሚ ንሪኣ ዘሎና ሃገር ኣይትብላዕ ኣይትስተ ኮይና ተሪፋ ዘላ፣ስለዚ መሰረት  ነጸበራቅ ናይ ዉድብ ወይ ሰልፊ እዩ ፣ ንቅሓቱ ከዔቢ ኣለዎ.፡  ካብቲ ዘላደየና ኣሳራርሓ ኣብረታዊ ተጋድሎና ክንወጽእ ክንክእል ኣሎና፣ ኣብ ወታሃደራዊ ኣሳራርዓ ዝተባሃልካዮ ፈጽም ድሓር ትሓትት ኣይኮንና ዘሎና ፣ሎሚ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና እንካን ሃባን ኢዩ ንሃገር ዝእትወና፣ ዝሓሸ ህዝቢ ዝቅበሎ ብተግባር  ምስ ዘይፍጸም፣ ህዝበና እሺ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ስለ ዘይጠቀሞ፣ ካላአይ እሺ ዝቕበል ኣይመስለን፣ ስለዚ መንገድና ነጸብቅ፣

ሕራይ ኩለን ሰልፊታት ድየን ዉድብት ናተን (ታይም ተይብል) ኣለወን፣ግን ኣበይን ማአስን ክጥቐማሉ ክፈልጣ ኣለወን፣ ንሕና ከም ኤርታራዉያን ኩሉ ጊዜ ኣብ ኣፋታትሐ ሽግርና ኣይተማሃርናን ዘሎና፣ ትማሊ ኣብ ብረታዊ ቓልስና እቲ ካላኣዊ ሽግርና ንቂድሚት ሰሪዕና ቢሂወት መንእሰያትና ተጻዊትና፣ እዚ ዶ ኣይኣክልን ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ሎሚ ኸ?  ህዝብና ካብ ዓቅሊጽበት ናብ  ዓጽሮሞት በጺሑ ምህላዉ ኣብ ጸብጻብ ክእትዉዎ ነርዎም፣ መጻኢት ኤርትራ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ኢና ክንተክል ንህዝቢ ኢና ንቃለስ እናበልና፣ ብተግባር ግን ህዝብና ዘለዎ ዓዘቕቲ ረሲዕካ፣ ኣብ ጉጁለኻ ምዕባይን ምጉያይን መን ቐደመ ኮለል ክንብል ዉጺኢት የብሉን  እሞ ነዊሕ ከይከድና ናይ ሰብዓታት ታሪኽ ምድጋም ምዃኑ ክንዝንጋዕ የብልናን፣

ስለዚ መሰረታዉያን  ዉድባቶም ክፍትሹ ይግባእ፣ እቲ ናይ’ቶም ኣብ’ዘን ዉድባት እዚኣተን ተሰሪዖም ዝኸዱ ዘለዉ ንጹሃት ሃገራዉያን  እዮም፣ እዞም ንጹሃት ሃገራዉያን እዚኣቶም፣ነቲ ህላወ ተቓዉሞ ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለሉ ተቓዉሞ ደንበ ከምዝፍለጥ እንዳገበርዎ ብምምጽኦም ክምጎሱ ይግባእ፣ ግን እቲ ሎሚ ኣብ ምርብራብ ሓርነታዊዩ ቓልስና ክዋደቁሉ ዘለዎም፣ ህሉዉ ኩነታት ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታዉ መድረኻዊ ዝኾነ ጉዳይ፣ ሃገር ዝጠልቦ ኣብ ግምት ይእትዮም ብዝቀልጠፈ ዝትግበረሉ ክጻዓር ተዝነጥፉ ዓወትና ምተቓላጠፈ  ፣እዚ ዝኾነሉ ካአ እቲ ትእዛዝ ካብ መሪሐጝነት ማለት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ገጹ ዝኸይድ ጥራሕ ዘይኮነ ብሕጋዊ ስሩዕ መልክዕ  ደሞክራስያዊ ማእከልነት ታሓለዩ ካብ ታሕቲ’ዉን ንላዕሊ ክኸይድ ኮሎ፣ እቲ ቀንዲ ረቓሒ ዓወትና እዩ ፣

 ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና በብጊዚኡ ዝተራእየ ናይ ሓደ ዉድብ መሪሕነት ነቲ ባዕሎም ብኣካል ዝሓንጸጽዎ ሕጊ ይኹን ወይ ባዕሎም ኣብ መጋባእያ ዝተሳማምዕሉ ረሲዖም፣   ደስ ኣብ ዘይበሎም ጊዜ እንብልና ክብሉ  ብተዳጋጋሚ ስለ ዝራአኹ እየ፣ እሞ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተና ኣብ ዘይጥዕመካ እምብለይ ክትብል  ማለት እዩ፣ ስለዚ ካብ መሰረት ዘይጸበቐ ጽባሕ ከድሕነና ማለት ኣይሕሰብን እዩ እሞ ዓይንና ንኽፈት

 ስለዚ ጉዳይና እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ዘለኹ ዝመስል ኮይኑ፣ ምስዚ ኩሉ ገልጠምጠምና እንባኣር እንኮ መፍቲሒ ዋዕላዩ፣ ነዚ ኩሉ ጸገማትና እዉን እንተኾነ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስና ክማሓየሽን ክፍታሕን ስለ ዝኽእል ዝብል እምንቶ ስለ ዘሎኒ እየ፣

ገጋ ምሕባርን ምእራምን ነቲ ዝመጽእ ባይታ ሓጋዝን ኣማዕባልን እዩ፣ በዚ መስርሕ ምሕላፍ ካአ እዩ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ክንሃንጽ ንኽእል፣ ካብ ብጾትካ ምፍላይን ኣንጻሩ ጎስጛስ ምኻድ ከ ? አበይናይ ግዝየን ኩነታትን፣ ህዝብና ኣብ ጻዕሮሞት ኣትዩ ካብ መቓብር ምዉታን አብዘይንእስ መቓብር ህልዋን ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ ህሞት እናራኣኻ እናሰማዕካ ክንስኻ፣ ካብ ዘተ መደብን ህዝብኻ ኣይንካፈልን ዕጭ ሓንፈፍኩ ዝባሃለሉ ጉዳይ ብሓቂ ንሕዝቡን ሕብረተሰቡ ዝሓስብ ዉድብ ይኹን ዉልቀሰብ ካብ መስርዑ  ዝወጸ ረብሓ ሀገርን ህዝብን ካብ ናይ ቃልሲ ቕዋም ዝሓኸኸን ዝሰረዘን እዩ ፣

ስለ ዝኾነ ኣጥቂቅካ ዝመተርካዮን ኣንጊህካ ዝኸድካዮን እትን ኣይሓንቅ እትን ኣይሓምቅ እዩ እሞ ነዚ መንስሰያትና ዊሒጡ ዘይጸገበ ገና ንኹላትና ክዉሕጥ ኮራርምቱ ዝስሕል ዘሎ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩ ምእንቲ ከብቕዕ፣ እዞም ተጋባእቲ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ከምቲ ናይ ኣቦታትና ቕያ ኣብ ዝኾነ ዋዕላታቶም ሰሚሮምን ተሳማሚዖም ዝኾዱዎ ዝነበሩ ብኡኡ መሰረትእዉን ኤርትራ ሃገርና ብሕጊን ድግን ሓለፋ ዝነበራ ስለ ዝኾነት ሕድርን ኣቦታትናን ስዋኣትናን ኣብ ግብሪ ክዉዕል ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራዊ ዝደልዮ ስለ ዝኾነ እዚ ዋዕላ እዚ ብዓወት ክዛዘም ዓቢ ተስፋ ኤርትራዉያን ኢዩ፣

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ

  ዓወት ንህዝብና

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares