Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ናብ ተስፋንኪኤል ገራህቱ፣ ኳደረ ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

July 9, 2011
Awate Team

ናብ ተስፋንኪኤል ገራህቱ፣ እንታይ ኢለ ቅጽል ከም ዝህበካ እኳ ኣይፈለጥኩን። ኣቶ ከይብለካ ናይ ኣቶታት ስራሕ ኣይትሰርሕን ዘለኻ። ኣብ ክንዲ ንደቀባት ኣኪብካ ብዛዕባ ሃገርን ህዝቢት ትመያየጥ፣ ንጽባሕ ንጉሆ ዘጣዕሰካ ሰብኣዊ ሕልናኻ ዘይቅበሎን ብታሪኽ ዘሕትተካን ተግባር ትገብር ከም ዘለኻ ፍለጥ። ጎረቤትካ ኮይነ መዚነካ’ሞ ከም ሓሰር ንፋይ ፈዃስካ ረኺበከ።ኣብዛ ኮሪዕና ዝተወለድናላ ኤርትራ መዕለቢ ንዘይብሎም: ብናይ መንነት ቅልውላውን ንዝሕመሱ ከም በዓል ሓድሽ ለገሰ ዝተባህሉ እኽብካብ በጋሚንዶታት ብምእካብካ፤ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ከይብለካ ብዘይካ 2% ገንዘብ ምውጻእ ምንም ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ዘይትሰርሕ ብምዃንካ እየ። ስለዚ (ዓው ኢልካ ኣይትዛረብ እዝኒ ኣለዎ ገረብ) ከም ዝበሉዎ እቶም ለባማትን ለዋሃትን ኣቦታትና፣ እቲ ንዓይ ንምጽራፍ ኢልካ ንበዓል ሓድሽ ለገሰ ጸዊዕካ ዝገበርካዮ ናይ ጸርፊ ዕድመን ውራይን ሰሚዐዮ እየ። ምስ  ሓድሽ ለገሰ ዝኣከብካዮምን ዝኣከብካየንን እንታይ ከም ዝበሉን ዝበላን ብዕለቱ በጺኡኒ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ህግደፍ ኣብ ዘለናሉ ግዜ ናይ ገለ ወይጦታት ብዙሕ  ውረድ ደይብን ተኣንጎት ተሸብሸብን ክንርኢ ኢና።

ሓደ ካብቶም ዕምሪ ሓለቕኡ ኢሰያስ ንከናውሕ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ /ለንደን/ ከም ኳደረ ተላኢኹ ንሰባት ዘደናግር ዘሎ ነፋሒቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኢዩ። እዚ እሙን ወኪል ናይ ጥፍኣት ሓዋርያ ኢሳያስ ዝኾነ ኳደረ ብዕለት 19 ሰነ 2011 ንተኸተልቱ ጸዊዑ ኣኼባ ገይሩ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣኼባን ዝነበረ ዝርርብን፣ ተራን ርእይቶን ናይቶም ተኻፈልቲ ከይተረፈ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ተጻሒፉስ ንንባብ በቒዑ ኢዩ። ኣብዚ እቲ ክውስኸሉ ዝደለኹ ግን ብፍላይ ንዓይ ንሃብተማርያም ኣብርሃ ዝምልከት ብባዓል ሓድሽ ወዲ ኣይተ ለገሰ ዘረባ ስለዝነበረስ፣ ነቶም ተዛረብቲን ኣካቢኦምን ገለ ወስ ከብል ብዝብል እየ እዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ናብ ደቀባት ኤርትራ ክዝርግሓ መሪጸ። ኣብቲ ናይ ዱሮ መዓልቲ ሰማእታት መአከቢ ዝተባህለ ኣጀንዳ ብዛዕባ ጉዳይ እገዳ ባይቶ ጸጥታን ምእካብ 2% ዝምልከት ምንባሩ ኣቐዲምና ሰሚዕና ኔርና ኢና።

Advertisement

እንተኾነ ንዓይ ንምጽራፍ ካብ ዝነበረካ ድጉል ባህጊ ተበጊስካ ብኣፈኛኻ ሓድሽ ለገሰ ክትብሎ ዝደለኻ ኢልካዮ ኢኻ። ወዮ ደኣ ብግዳም ግዳምካ ኮይንካ፣ ኣይ ካብ ታሪኽ ኣይ ካብ እምነት ናይታ ዝተወለድካላ ዓድኻ ሕምብርቲ ሓዲግ መዲግ ኮንካ’ምበር፤ ቀደም ዘበን ሓደ ካብቶም ለባማትን ጭዋታትን ደቂ ሕምብርቲ ኣቶ ኣባይ ተስፈ ዝተባህለ ወደባት ሕምብርቲ; ሓንጣል ዝተባህለ ወዱ ብሰብ ተቐቲሉ ከም ዝነበረ ከዘንትወልካ። እቲ ቀታሊ ተላኢኹ ደኣ እምበር ምንም ጽልኢን ቅርሕንትን ኣይነበሮን። ሓደ ከምዚ ከማኻ መታለሊ ኳደረ ግን ነቲ መስኪን ሰብ ንክቐትል ሰሓሒሉ ለኣኾ። ሰብኣይ በዓል ሕምብርቲ ሓንጣል ወዱ ምስ ተቐትሎ ኣብ ቀብሪ ከምዚ ክብል ኣልቂሱ ነይሩ ኢዩ’ሞ እስከ ጽን በል።

“ሓንጣል ወደይ መን ኢዩ ዝቐተሎ፣
ሓደ ለጒሙ ኣቐበሎ
እቲ መስኪናይ ተኲሱ ቀተሎ
እንተ ነቲ ገርሂ ኣምላኽ ይምሓሮ
ነቲ ርጉም ግን ኣራግሙኒ ቀባሮ፣         ኢሉ ኣልቀሰ።

እቲ ስርሑ ዘይገድፍ ሰማያዊ ሓይሊ ኣምላኽ ድማ ነቲ ገርሀኛ ልቕሶ ተገንዘበ። ወያ ተንኮለኛ ጥይት ለጒሙ ዘቐበለ ከኣ ኣብ መረብ ኣረና ዝተባህለ ቦታ ጭማራ ኣብ ሑጻ ተኺሉ ክዘልል ክብል ብልሒ ጭማር ናብ ከብዱ ኣትያ ቀተለቶ። በዚ ድማ ኣቶ ኣባይ ተስፈ በቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ተኣምር ንማርያም ሕምብርቲ ብዕራይ ወፈየላ። ስለዚ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ንስኻ ኣንታ ንሰባት እናሰሓልካ ንዑ ደኣ “ደገፍቲ ወያነ፣ ሰዓብቲ ወያነ” እንበልኩም ጽረፉ እናበልካን ንሰባት ናብ ጽልኢ ትሸሞም ዘለኻ ኳደረ ከምቲ በዓል ሕምብርቲ ዓድኻ ጭማራ ህዝቢ ኤርትር ናብ ከብድኻ ከም ትሽመም ካብ ሎሚ ተገንዘብ።

ኣብቲ ናይ ዕለት 19 ሰነ ዝነበረ ትያትሮ ብዘይካ እቲ ሓደ ግዜ ዓደይ ሓሊቦ፣ ጸኒሑ ከኣ ተኺሎ እናበለ ብቅልውላው መንነት ክሕመስ ዝነብር፤ ሎሚ እውን ካልእ ዓዲ ኣብ ዑና ዓንዶም ኣጸግዑኒ ዝብል ዘሎ ኣፈኛኻ ሓድሽ፣ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብሓሶት ናይ ዓይኒ ስንክልና ኣመኽንዩ ገንዘብ ሓራም ዝበልዕ ዘሎ ኢዩ። ሓድሽ ናይ ዓይኒ ስንክልና ኣለኒ እናበለ ቀትሪ ናብ ሓኪም ብምርኩስን ኣስተርጓሚን ኢዩ ዝኸይድ። ለይቲ ናብ ጓይላ ህግደፍ ክኸይድ ከሎ ክኣ ብከበሮ ኢዩ። እዚ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ፣ መበቆል ትውልዱ ትግራዋይ ክነሱ ንሓቀኛ መንነቱ ሓቢኡ ንኣሕዋቱን ወገኑን ትግራዎት ክጸርፍ ይነብር ኣሎ። ከምታ ኣብ ክሳዳ ናይ ህግደፍ ቃጭል ኣሲርካላ ዝነበርካ ኣብ ክንዲ በስመ ኣብ ንግሆን ምሸትን ‘ወያነ…ወያነ’ ትብል ዝነበርት ጅሮም ዝተባህለት መሳርሒትካ ዝነበረት’ሞ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልት፡ እነሆ ሓድሽ ለገሰ እውን  ክሳብ ኣሰራ ዝስዕብ ናታ ወራስ ዓራት ኮይኑ ብስም “ወያነ” እናበለ ይጸርፍ ኣሎ።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

እዚ ንቤት ጽሕፈትካ መኸወሊ ገይሩ ዝጸርፍ ዘሎ ውርደትኛ ሰብ ምዃኑ ኣብ ከተማ ለንደን ዝነብር ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኣብቲ ኣኼባኻ ንዓይ ንምጽላም “ሃብተምርያም ኣብርሃ ዝተባህለ 40 ሽሕ ዶላር ከውህበካ ንዓ ምሳና ኩን ኢሉኒ” ክብል ከም ዝተዛረበ ሰሚዐዮ። ኣቤት ጻዕዳ ሓሶት፣ ኣይኮነንዶ ብ40 ሽሕሲ ሓድሽ ወዲ ለገሰ ኣርባዕተ ዶላር እውን ዘይተውጽእ ምዃንካስ ኣብ ሙሉእ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ሰብ ይፈልጠካ ኢዩ። እቲ ሃብተማርያምን ወያነን እናበለ ደጋጊሙ ዘቕረቦ ዘረባ ድማ ንዓይ የኹርዓኒ እምበር ኣየሕፍረንን ኢዩ፣ እቲ ምንታይ ኣጻርካን ኣንጻር እቲ ጉሒላ መራሒኻ ብክሬም ምልካይ መልክዑ ዝኾሓሕል ዘሎ ኢሰያስን ንክቃለስ ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ብምርካበይ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐብነኒ።

ነተን ምንም ንቕሓት ዘይብለን በዓል ሂወትን ዕንሹ (ሓብታ ንኣመሓዳሪት ከተማ ባጽዕ ፋና ተስፋማርያም) ዝተባህለትን ደቀንስትዮ መጫፍርቲ ምግባርካ ንዓይ ንሃገራዊ ሰብ ኣይገርመንን። እቲ ልቢን ወረጃነትን ዝጎደሎ ኣበሃህልአን ከኣ ንሰማዒ ዝግደፍ እምበር ኣነ ዝገልጾ ኣይኮነን። እዘን ኣተዓባብያ ዝበደለን ወይዘራዝር ህግደፍ ወዮ ደኣ ባህሊን ወረጀነትን ቀዳሞት ኣዴታተን ንየው ኢለንኦ’ምበር፣ እተን ለወሃት ኣዴታትሲ ንዝሓመመ ይበጽሓ፣ ንዝሓዘነ የጸናንዓ፣ ንዝጠመየ ይዕንግላ ወ.ዘ.ተ… ኢየን ዝነበራ።  “ኣብ ዝኾነ ናይ ተቓወምቲ ጉዳያት ከይንካፈል፣ ኣብ መርዓታቶም ጸጉርና ኣይንቆነን፣ ኣንይትሓነን  ከምኡ ድማ ኣብ ሓዘኖም ኣይንካፈል ኣይንብከ” ዝብል ዓሻ ዘረባ ዘሕፍር ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ስነ ምግባር ኤርትራውያን ኣይነበረን ሎሚ እውን የለን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሓምሳታት ብልኡኻት ማሕበር ኣንድነት ተፈጺሙ ኢዩ። ሎሚ ከኣ ዝገደደ ብናይ ልቕብቃብ ፈትሊ ዝባኖም ክልግቡ ህርድግ ዝብሉ ከም በዓል ሓድሽ ለገሰ ይድገም ኣሎ። ቅድሜና ዝነበሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ብጸርፊን ሽምጠጣን ተዋሪዶም ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ህዝቢ ይስዕር እምበር ተሰኒፉ ስለዘይፈልጥ ኣብቲ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ሃገራዊ ቃልሲ ክምስከር ይከኣል ኢዩ። ኣብ ልዕሊ በዓል ራእሲ ተሰማ፣ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ዓብደል ቃድር ከቢረ ወ.ዘ.ተ… ዝወርድ ዝነበረ ዘለፋታት ንዝክሮ ኢና።

ራእሲ ተሰማ በዓል ማዕረባ
ምስ ኣስላም ሳሆ ገይሩ ዘረባ
ምስ ኢትዮጵያ ግን ኣብዩ ዘረባ

Advertisement

ቆጽሊ ሓበነ ቆጽሊ ሓበነ
ሓሳባት ተሰማ እንቋዕ ተበተነ

ቅራፍ ሽጉርቲ ቅራፍ ናይ ሽጉርቲ
ንተሰማ ዝወለደት ጓል ሕድርትና ሓንቲ

ይበሃል ከም ዝነበረ ከዘንትወልካ እደሊ። ከምኡ ድማ ንሃገራዊ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ እቶም መናሸውቲን ከም በዓል ሓድሽ ለገሰ በጋሙንዶታትን ልኡኻት ማሕበር ኣንድነት ከምዚ ቢሎም ገጠሙሎም፦

ኢብራሂም ሱልጣን ወዲ ዓረብ
ብጉዳይ ኤርትራ ኣይትዛረብ
ኢብራሂም ሱልጣን መን ኢኻ
ዘይ ሱዳን ኢዩ ዓድኻ … ወ.ዘ.ተ

Advertisement

እናበሉ ኣብ ዘዕገርግርሉ ዝነበሩሉ እዋን፣ እቶም ሓርበኛታት ብፈኸራን ገዓሮን በጋሚንዶታት ክምህ ከይበሉ ኢዮም ተቓሊሶም እሞ፣ ሎሚ እውን ኣነ ሃብተማርያም ወደባት ኤርትራ በዚ ዝገበርካዮ ናይ በጋሚንዶታትን ብቅልውላው መንነት ዝተሓመሱ ሰባትን ቅጭጭ ኣይብለንን ኢዩ። ሃገራዊ ሰብ ንነብሱ ሓደ ግዜ እንተደኣ ወፍዩዋ ካልኣይ ምርጫ የብሉን’ሞ ኣነ’ውን ንህዝበይን ሃገረይን ቀደም እየ ተወፍየ። ቀዳሞት ሓርበኛታት ስለ ፍትሒ ቢሎም ኣብ ዝቃለስሉ ዝነበሩሉ እዋን፣ ጸርፊን ባጫን ጥራይ ዘይኮነስ ብጥይትን ቦምባን፣ ብበትሪን ስሚን ከይተረፈ ተፈቲኖምን ተሳሒቶምን ኢዮም። ታሪኽ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዓብደልቃድር ከቢረን ህያው ምስክር ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ወይጦታት፦

ወልደኣብ ወልደማርያም ዓዲ ግደፍ
ከም ዓብደልቃር ብጥይት ከይትቕዘፍ
ከም ወዲ ከቢረ ብምንሽር ከትቕዘፍ

እናበሉ ብልሒን ኣንፈትን ተቓለስቲ ንምጥፋእ ዘይፈተኑ ኣይኮነን።

ኣብ መዕጸዊ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ነቶም መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ንምጽልማት ናይ ሓይሊ ኣቡኦም ዝስርሑ ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍን መራሒኦም ኢሰያስን ብምድጋፍ መከራ ህዝቢ ተኻዕብቱ ዘለኹም ደቀባት መንገድኹም ንክትቅይሩ ሃገራዊ ምኽረይ ክልግሰልኩም እደሊ። ኣነን ከማይ ዝበሉ ተቓለስቲን ሎሚ እውን ሃገራዊ ግቡእና ንገብር ኣብ ዘለናሉ ግዜ፣ ኣዕናዊ ተራኹም ናብ ወለዶታት ንምምሕልላፍ መዛግብትና መመሊሱ ይመልእ ከም ዘሎ ከዘኻኽረኩም እመርጽ።

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ     

The Past & The Future: Important But Not Urgent Questions
The Sound Of Money

Comments

Latest News

  • The Pledged Public: Toward an answer to “The Grammar of Promise”May 16, 2026
  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (754)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services