Awate.com

ነፍሰን ሪሶርስስ፡ ጉልበት ጊላነት ኣብ ዕደና ቢሻ

7/9/2013

ብ 9 ምያዝያ 2012 ዓዋተ ዶት ኮም (ገዳብ ንይውስ) ኣንጻር ነፍሰን ሪሶርስስ ናይ ክሲ ስጉምቲ (class action lawsuits) ከም ዝተወስደ ጸብጺባ።[i]

ስዒቡ ዝቐርብ ክሲ ንምድንጋር ገንዘባዊ ሰነዳት (securities) ዝምልከት ክሲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ሞንጎ መጋቢት 28, 2011ን የካቲት 2012 አጠቓሊልካ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ብርክታት ነፍሰን (common shares) ዝገዝኡ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ እዩ። ከሰስቲ ጥርዓኖም፡ ትካል ነፍሰን፡ ኣንቀጻት ሕጊ ጸረ ምድንጋር ሸርፊ ብፍላጥ ብምጥሐስ ወይ ውን ብውሑዱ ሸለል ብምባል፡ ርኡይ፡ ዘይቅኑዕን ኣደናጋርን መግለጺ ብዛዕባ እቲ እንኮ ኣታዊ ዘመንጩ ኣካሎም፡ ዕደና ቢሻ፡ ወርቅን በይዝ ሜታል ዘፍሪ ዕደና ኣብ ኤርትራ ዝርከብ፡ ኣቕሪቦም እዮም።

ዕደና ቢሻ ብነፍሰን ሪሶርስስ (ካናዳዊ ኩባንያ) ብኤርትራዊ ኩባንያ ዕደና (ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን) ብሓባር ዝውነን ኩባንያ እዩ።[ii]

ብ ጥሪ 2013 ህዩማን ራይትስ ዎች (ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቕ ትካል) ኣብ ትሕቲ “እከይ ኣይትስማዕ፡ ግዱድ ማእቶትን ሓላፍነት ዓበይቲ ትካላት ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘርጊሑ።

ዝስዕብ ገለ ኣብቲ ጸብጻብ ካብ ዝተጠቕሰ እዩ:-

ተሞክሮ ነፍሰን ከም ዘርእዮ ትካላት ዕደና ኣብ ኤርትራ ፕሮጀክታት ብምምዕባል: ናብ ጸገማት ሰብእዊ መሰላት ዝመለኦ ታኼላ ይአትዋ ምህላወን እዩ። ርኡይ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዓዘቕቲ ናይቲ ፍሉይ መዝማዚ  መጨረስታ ዘይብሉ ብዘይ ስሙ ሃገራዊ ኣገልግሉት ዝተሰምየ ታኼታ ፕሮግራም ግዱድ ማእቶት ድማ ይጥሕሉ ኣለው። መንግስቲ ኤርትራ ብመገዲ እዚ ፕሮግራም ሓያሎ ኤርትራውያን ከም ዕስኩራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ከም ዝኣትው ጌሩ እዩ። ኣብ መጀመርያ ከም ናይ 18 ኣዋርሕ ፕሮግራም ዝተሓስበ: መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሎም ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ንዘይ ተወሰነ ጊዜ፡ መብዛሕቱ እዋን መወዳእታ ንዘይረኣየሉ ጊዜ ኣብ ትሕቲ ከቢድን ሕሱምን ኩነታት ክነብሩ ይገብር ኣሎ። እቶም ክሃድሙ ዝፍትኑ፡ ማእሰርቲ: ስቓይን ዋላ ኣውን ኣብ ስድረኦም ዝቐነዔ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሓደጋታትን የጋጥሞም።[iii]

ትካል ነፍሰን ነቲ ኣብ ሕሱም ናይ ጉልበት ጊላነት ፕሮግራም ‘ታኼላ ናይ ምእታው ሐደጋ’ ከም ዝሰገሮ ዘመልክት ሓያለ መርትዖታት ኣሎ:: ዕደና ቢሻ ብመንግስቲ ብዝውነና ስራሓተን ኣብ ግዱድ ማእቶት ዝሙርከስ ሳብ ኮንትራክተራት እዩ ዝካየድ። እዚ ድማ ምጥሓስ ናይቲ ካናዳ ብ 1948 ዝፈረመቶ ውዕል ዓለም ላኻዊ ኣዋጅ ሰብአዊ መሰላት እዩ።

ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ተወዲብካ ብዛዕባ ኩነታት ስራሕካ ናይ ምዝርራብ መሰል የብሎምን፡ ብዘይ ክፊሊት ኣብ ናይ ዕደናን ካልእ ፕሮጀክትታት ህንጻን ክሰርሑ ድማ ይግደዱ። ግዳያት ጉልበት ጊላነት ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ኢሎም ይርከቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቶም ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስድ ፍርሂ ስለ ዘለዎም ግን ክዛረቡ ኣይደፍሩን።

ንመሰላት ግዳያት ካብ ግዳያት ባዕሎም ሓሊፉ ክቃለስ ዝኽእል ስለ ዘየለ: ኩሎም እቶም ን ግዱድ ማእቶት ተጋሊጾም ዝነበሩን እቶም  ነዚ ምዝመዛታትን ምግሃሳትን ዝምልከት ትሑዝ ሐቤሬታን ዘለዎም ቀሪቦም ብክፉት ወይ እውን ብሚስጥራዊ መገዲ ምስክርነቶም ክህቡ ንጽውዕ።

ምስክርነት ፍርያት ፍትሒ ኣብ ምቕንጣብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ምግሃስ ዘብአዊ መሰላት፡ ገበናትን ሃስያታትን ተሰሚዖም ዝርስዑ ዘይኮኑ ብሕጋዊ መገድታት ዝተሓዙ ጉዳያት ክኾኑ ይግባእ። ጸገም ኤርትራውያን ግዳያት ንፍትሕን ፍታሕን የእዊ አሎ። እቶም ጉልበቶም ብሓይሊ ዝተመዝመዘ ነቶም ምስቶም ጊላታት ዝገበርዎም ዝተሓባበሩ ከረኻኽብሎም ይግባእ።

ንኹሎም ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ብፍላይ እቶም ኣብ ካናዳ ዝርከቡን ኤርትራውያን ጠበቓታትን ድማ ነዚ ጉዳይ ኣብ ምስዕብ ክተሓባበሩ ንጽውዕ።

ብዝስዕብ ኣድራሻ ክትረኽቡና ድማ ንምሕጸን awateteam@awate.com

[i] https://awate.com/nevsun-and-its-eritrean-bisha-gold-mine-more-class-action-lawsuits-filed/
[ii] Nevsun resources website, www.nevsun.com
[iii] http://www.hrw.org/reports/2013/01/15/hear-no-evi
__________________________________________________________________

ሓጺር ጸብጻብ

1. እዚ ናይ ክሲ ስጉምቲ ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ ሕጊ 10 (b) ን 20(a)ን ካብ ሕጊ ሸርፊ ገንዘባዊ ሰነዳት (Securities Exchange Act) ናይ 1934 ከምኡውን ብ SEC ዝተወስደ  ውሳኔ 10b-5 ዝተሞርከሰ ንምድንጋር ሸርፊ ገንዘባዊ ሰነዳት (securities) ዝምልከት ስጉምቲ ክሲ እዩ። እዚ ስጉምቲ ብስም እቶም ካብ ግንቦት 28, 2011 ክሳብ የካቲት 6, 2012 ኣጠቓሊልካ (the “Class Period”)  ኣብ ዘሎ እዋን ብርክታት ትካል ነፍሰን ዝገዝኡ ኩሎም ውልቀ ስባትን ኣካላትን ዝቐርብ ዘሎ ኢዩ::

2. ክሱሳት (ድሒሩ ከም ዝዝርዘር) ዓንቀጻት ሕጊ ጸረ ምድንጋር ሸርፊ ገንዘባዊ ሰነዳት ብምጥሓስ ወይ እውን ብውሑዱ ሸለል ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ  ኣብታ  ንእሽቶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ኤርትራ ዘሎ እንኮ ኣታዊ ዘመንጩ ትካሎም፡ ዕደና ቢሻ፡ ወርቂ፡ ናሓስን ዚንክን ዝዕድን፡ ሓቂ ዘይኮነን ኣደናጋርን መግለጺታት ጌሮም ኢዩም።

3.ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቅሰ እዋን (ካብ ግንቦት 28, 2011 ክሳብ የካቲት 6, 2012 ኣጠቓሊልካ)፡ ክሱሳት ከም ዝበሉዎ ዕደና ቢሻ ብገምጋም 4.651 ሚልዩን ቶን ዕቑር ጥረ ወርቂ ከም ዘለዎን 919,000 ኦንስ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ (the Oxide zone) ከም ዝርከብን ቢሻ ድማ መዓልታዊ 1000 ኦንስ ወርቂ ከም ዘፍርን ወርቂ ቢሻ ድማ ካብ መወዳድርቱ ጸብለል ከም ዝብልን ብሉጽ ዓይነት ከም ዝኾነን ብርኩትን ብቐሊል ከም ዝዕደንን ገሊጾም። ንዕቑር ጥረ ወርቂ ቢሻን ብግብሪ ዘሎ ናይ ዕደናን ፍርያት ወርቂን ቢሻ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ ንአውፈርቲ ኣገዳሲ እዩ ዝነበረ።

4. ዕቑር ጥረ  ወርቂ ቢሻ ንምሻርኽቲ ትካል ነፍሰን ኣብ ምምዕባል እቲ ዕደና ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ እውን ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። ብመገዲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ትካል ዕደና (ENAMCO) ኣቢሉ መንግስቲ ኤርትራ 10% ካብ ዕደና ይውንን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኣብ ዝተጠቕሰ ናይ ጊዜ ገደብ ተወሳኺ 30% ንምግዛእ ምስ ክሱሳት ኣብ ዝርርብ ይርከብ ኔሩ። ዕቑር ጥረ ወርቂ ቢሻ እምባአር ኣብ ምግማት ዋጋ ዕደና ቢሻ ተራ ኔርዎ ኢዩ።

64. ኣብ ታሕሳስ 2007 ትካል ነፍሰን ምስ  ENAMCO ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጸሔን ብኡኡ መሰረት ድማ  ENAMCO 10% ናይ ዕደና ከም ዝወነነን  ድሕሪ ቀዳማይ ጽዕነት ወርቂ ቢሻ ብዝውሰን ርትዓዊ ዋጋ ድማ ተወሳኺ 30% ከገዝእ ሙኻኑ ኣዊጁ።

65. ኣብ 2008 ፍቓድ ዕደና ቢሻ ን ትካል ነፍሰንን ብርካዊ ማሕበር ዕደና ቢሻን ተዋሂቡ፡ ህንጻ ዕደና ቢሻ ድማ 2008 ተጀሚሩ።

66. ኣብ ጥሪ 4,2011 ትካል ነፍሰን ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ “ዕዉት ቀዳማይ ፍርያት ወርቂ” ዕደና ቢሻ ብዕሊ ገሊጹ።

67. ብመሰረት ክሱስ ትሬቢሎክ (ኣብ ሚያዝያ 14, 2011 ኣብ ደንቨር ጎልድ ጉሩብ ኤውሮፓዊ ፎሮም ወርቂ ዝቐረበ መደረ) መጀመርያ ጽዕነት ወርቂ ቢሻ ኣብ ጥሪ 28, 2011 ድሕሪ ምጅማሩ ንናይ ENAMCO 30% ብርኪ ዋጋ ናይ ምግማት ናይ 90 ማዓልታት ገደብ ጊዜ ከም ዝጅምር ጌሩ።

68. ድሕሪ ጽዑቕ ስራሓት ወርሓተ ጥሪን የካቲትን, 2011 ክሱሳት ኣብ የካቲት 22, 2011 ነፍሰን ንግዳዊ ፍርያት ዕደና ቢሻ ከም ዝጅምር ጌሮም።

69. ኣብ መጀመርያ ናይ ክሲ እዋን፡ ኣብ መጋቢት 28, 2011 ኣብ ቢሻ ኣሎ ዝተባህለ ዕቑር ጥረ ወርቂ ብ 15% ክብ ብምባል ናብ ኣስታት 4.6 ሚልዮን ቶን ብምደያብ፡ ዕደና ቢሻ ናብ  ኣስታት 1.14 ሚልዮን ኦንስ ወርቂ (ኣብ ኩሉ ዞናት)፡ እቲ 919,000 ኦንስ ኣብ  Oxide zone ዘሎ አጠቓሊልካ ክብ ከም ዝብል ገበረ።

71. ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይቲ ናይ ክሲ እዋን (the “Class Period”) ርኡይ ኣሎታዊ ኣንፈት ንስራሓት ቢሻ ብአሉታ ክጸሉ ጀሚሩ እዩ። ዕቑር ጥረ ወርቂ ቢሻ ብርኡይ ዝተጋነነ ምንባሩ ን ክሱሳት መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ክስተታት እውን ኔሩ ኢዩ።

72. ንአውፈርቲ ፍሉጥ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ መጋቢት 31, 2011 ናይ ቢሻ Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ብ 81% ብምዕራግ 4.9 በጸሔ።

73. ብዘይ ፍላጥ ኣውፈርቲ፡ ክሱሳት ኣብ ዞና ላዕለዋይ ጫፍ ዝግበር ዕደና ተገሊጹ ካብ ዝነበረ ብርኡይ ከም ዝቀላጠፍ ገበሩ፡ እቲ ምኽንያት ኣክንዲ ወርቂ ሓያለ ዝድርበ ናይ አኻውኽ ጁባታት ስለ ዝተረኽበ ኢዮ። እቲ ናይ አኻውሕ ተረፍ ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ወገን እቲ ዕደና ዝርከብ መኤከብ ተረፍ ተደርቢዩ።

74. እዚ ወሳኒ እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ምቅልጣፍ ላዕለዋይ ዞና (Oxide zone) ናይ ቢሻ ዕቑር ወርቂ ካብ ዝተባህለ ቀልጢፉ ከም ዝጽንቀቕ ስለ ዝሕብርን ነቲ ዋሕዚ ካብ ሽያጥ ወርቂ ዝርከብ ገንዘብን ዋጋ እቲ ኩባንያን ብአሉታ ስለ ዝጸሉን።

75. ክሱሳትን ላዕለዋይ ምሕደራ ነፍሶን ኣብ ቢሻን ጸብጻብ ስታቲስቲክ ፍርያት ዕደና ብመገዲ ፕላት ፎርም Skire Unifier ይረኽቡ ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ብምንጽጻር ግብራዊ ፍርያትን ብጸብጻብ ዝተገልጸ ዕቑር ወርቅን ነቲ ኣሉታዊ ኣንፈት ክርእይዎ ይኽእሉ ኔሮም ኢዩም።

76. ይኹን እምበር ኣብ ቅድሚ እዚ ኹሉ ኣሉታዊ ኣንፈታትን ቆላሕታ ዝስሕብ ምልክታትን፡ ክሱሳት ዕደና ቢሻ 4.651 ሚልዮን ቶን ዕቑር ወርቂን 919,000 ኦንስ  Oxide zone ኣሎ ክብሉ እዩም ገሊጾም። ከም ሓቂ ኣብቲ እዋን እቲ ክሱሳት እናፈለጡ ወይ ብውሑዱ ብሰንኪ ሸለልትነት ክገልጽዎ ዘይካአሉ ዕቑር ወርቂ ቢሻ ብገምጋም ካብ 1.2 – 1.3 ሚልዩን ቶን ወይ ብ 35% ተጋኒኑ ምንባሩ እዩ( እቲ ምግናን ብገምጋም ናይ 190,000 ክሳብ 220,000 ኦንስ ወርቂ ኢዩ) ናይ ቢሻ Strip (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ካብቲ ናይ 2011 ኮታ (ሬሾ) ዝዓበየን እናወሰኸ ዝኸይድን ኢዩ ነይሩ እቲ 1000 ኦንስ ኣብ መዓልቲ ምፍራይ እውን ቀጻልነት ዘይብሉ እዩ ነይሩ። እዚ ወሳኒ ሓቅታት ኣብቲ ናይ ክሲ ገደብ ጊዜ ኣይገተልጸን።

77. ኣብ ወርሓተ ሚይዝያ ግንቦትን ሰነን 2011 ( ቀዳማይ ናይ ቢሻ ናይ  ሙሉእ ፍርያት ርብዒ ዓመት) ኣንፈት ፍርያት ኣብ ቢሻ ብርኡይ ኣንቆልቂሉ። ብፍላይ ክሱሳት እቲ Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ደጊሙ ብምዕራግ 5.1 በጺሑ ብ 30 ሰነ 2011 ብኣስታት 88% ካብቲ ናይ 2011 ኮታ (ሬሾ) ዛይዱ።

78. ብ 3 ግንቦት 2011 ክሱሳት ነፍሶን ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ ምስ  SEC ብመልክዕ Form 6-K ከም ዝተሓዝ ገበሩ። ኣብኡ ድማ ቢሻ ”ሓያል ናይ ፍርያት ስራሕ” የካይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ ክሱሳት ምስ ENAMCO እቲ ናይ መሸጣ ዋጋ ምውሳን ኣብ ሰነ 2011 ክውድእዎ ሙኻኖም ገለጹ። ኣዚ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ብክሱሳት ዝተገልጸ ጊዜ ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ሙኻኑ ኢዩ።

79: ብ 30 ሰነ 2011 ክሱሳት ብመሰረት ስምምዕ 2007ክዛዘም ብዛዕባ ዝነበሮ ስምምዕ  መግዝኢ  ዋጋ ENAMCO ንብርክታት ነፍስን ካልእ ምድንጋይ ከም ዘጋጠመ ገለጹ።

80. ኣብ ነሓሰ 2011, ክሱሳትን  ENAMCO ኣብ $253 ሚልዮን (ዶላር) መግዚኢ ዋጋ  ENAMCO ን30% ብርክታት ነፍሰን ስምምዕ በጽሑ። በዚ ድማ እቲ ትካል ናይ $253 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገበረ።

81. ኣብ ካልአይ መፋርቕ 2011 (ሐምለ ክሳብ ታሕሳስ 2011) ክሱሳት ብዝፈልጥዎን ን ኣውፈርቲ ፍሉጥ ዘይነበረ Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ናይ ቢሻ ምዕራግ ብምቕጻል ኣብ ካልአይ መፋርቕ 2011, 6.6 ብምብጻሕ ናይ ኣስታት 144% ምዕራግ ካብ ናይ  Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ናይ 2011 ኣርአየ:: ካብ ምጅማር እቲ ናይ ክሲ ጊዜ ገደብ(Class Period) ድማ ብ 35% ብምዕራግ ኣብ 2011, 5.9 በጸሔ።

82. ኣብ መስከረም 2 ን 6ን 2011 ሃርዲ 180,000 ብርክታት ነፍሰን ሸጠ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበሮ ብርክታት 100% ሙኻኑ እዩ። በዚ ድማ ናይ $1.3 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገበረ። እዚ ድማ ናይ ነፍሰን ብርክታት (Nevsun common shares) ኣብን ጥቓን እቲ ናይ ክሲ ናይ ጊዜ ገደብ(Class Period) ዝላዓለ ዋጋ $7.30ን 7.27 ን ብቕደም ተኸተል ኣብ ዝሽየጠሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ።

83. ኣብ መስከረም 18, 2011 ዳቪስ 224,600 ብርክታት ንሐደ ብ $ 6.68 ብምሻጥ ናይ $1.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገበረ።

84. ኣውፈርቲ ከይፈለጡ ኣብ መሰከረም 2011 ቪከርስ, ናይ ቢሻ ሓላፊ ስርሒታት(Operations Manager) ከምኡውን ፕሪቶርዮስ, ናይ ቢሻ ሓላፊ ፕሮጀክት ን ነፍሰን/ዕደና ቢሻ ናይ ብርኪ ማሕበር ገደፍዎ። ኣብ ሕዳር 2011 ድማ ካብ 2005ጠቅላሊ ኣካያዲ ስራሕ  ነፍሰን/ዕደና ቢሻ ናይ ብርኪ ማሕበር ዝነበረ ሮጀርስ ነቲ  ነቲ ትካል ገዲፍዎ ወጸ።

85. ምኽሳር እዞም ኣገደስቲ ሓለፍቲ ንነፍሰን ዓቢ ጽፍዒትን ካልእ ናይ ሐደጋ ምልክትን እዩ ነይሩ።

86. ከምኡውን ኣብ መወዳእታ 2011 ክሱሳት ካብ ምጅማር ናይ ክሲ ገደብ ጊዜ(Class Period) ኣትሒዞም ክዕዘብዎ ብዝጸንሑ ሕጽረት ፍርያት ጥረ ወርቂ ተሻቒሎም ንኽልተ ናይ ምህንድስና ትካላት AGP Mining Consultants ከምኡውን ካልእ ትካል ንናይ ቢሻ ናይ Oxide reserve model ዳግም ክምዝሃንጽዎ ገበሩ።

88. ኣብ ሕዳር 15, 2011 ምስ ኣውፈርቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ ኮንፈረንሰ ኮል ርክብ ነዚ ኩሉ ናይ ተጠንቐቕ መልእኽቲ ዘመሐላልፍ ምልክታትን ኣሉታዊ ኣንፈታት እናፈለጠ ወይ ሸለል ብምባል ክሱስ ዳቪስ “ነገራት ኣብ ቢሻ ጽቡቕ ይኸይድ ከም ዘሎ” ገለጸ:: ስታቲስቲካዊ ናይ ዕደና ኣሃዛት ዘርዚሩ ነቲ ንስርሒታት ዕደና ቢሻ ብአሉታ ዝጸሉ ዝነበረ ኣንፈታት ግን ከይ ጠቐሰ ሓለፈ።

89. ኣብ ሕዳር 15, 2011 እምባአር ሮጀርስ 69,000 ብርክታት ብዋጋ $6.00 ንሐደ ሸጠ. ኣብ ታሕሳስ 1, 2, 7ን 9, 2011 ሮጀርስ ተወሳኺ 306,500 ብርክታት ኣብ ሞንጎ $6.00 ን $6.05 ብዘሎ ዋጋ ንሐደ ተወሳኺ ብርክታት ሸጠ። ብጠቕላላ ሮጀርስ 375,500 ብርክታት ብምሻጥ ናይ ኣስታት $2.28 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምግባር ዝነበሮ ብርክታት 100% ሸጦ።

92. ኣብ 7 የካቲት 2012 ቅድሚ ዕዳጋ ምኽፋቱ: ክሱሳት ንአውፈርቲ ዘናውጽ ጋዜጣዊ መግለጺ (ጋዜጣዊ መግለጺ የካቲት 7) ገበሩ። እቲ “ነፍሰን 2012 ትጽቢታትን መምርሒ ፍርያትን” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ መግለጺ ኣብ ሞንጎ ካልእ ነገራት፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ዘሎ ዕቑር ወርቂ ብ 30-35% (ብ ገምጋም 1.2-1.3 ሚልዮን ቶን) ተጋኒኑ ከም ዝነበረን ኣብ 2012 ዝፈሪ ወርቂ ድማ ፍርቂ ናይቲ ኣቐዲሙ ንአውፈርቲ ዝተሐበረ  ሙኻኑን ሐበሩ። እዚ ድማ ንዋሕዚ ገንዘብ ናይቲ ትካልን ጽሩይ ህሉው ክብሪ (net present value) ናይቲ ኩባንያን ብአሉታ ዝጸሉ ኢዩ።

96. ኣብ 7 የካቲት 2012 ድሕሪ እዚ ሊዒሉ ዝተጠቕሰ መግለጺ፡ ዋጋ ብርክታት (Nevsun’s common shares) ነፍሰን ብ $1.94 ንሐደ ብርኪ  ኣንቆልቀለ፡ ኣብ  NYSE Amex ካብ $6.34 ንሐደ ብርኪ ኣብ ምዕጻው የካቲት 6, 2012 ናብ $4.40 ኣብ ምዕጻው የካቲት 7,2012 ወረደ፡ ዳርጋ ናይ 31% ምንቁልቃል ኣብ ከቢድ ዓቐን ድማ ነበረ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares