መልሲ “ንግዱሳት ሃገራውያን” መቓልሕ ህግደፍ
እዚ ጽሑፍ ‘ዚ፡ ንገለ ካብ ‘ቲ ብ “ማእከልን ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራውያን” (Center for research and documentation) ተሰምዩ ዝዳሎ ናይ ህግደፍ መቓልሕ (Mouthpiece) ዌብሳይትዝተዳለወ ጽሑፋት መልሲ ንመሃብ ዝቐረበ ሰነድ‘ዩ።
ቅድሚ 3 ሰሙን “ኣጀንዳ CIA’ን ሕቡእ ምስጢራቱን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ድራማዊ ትረኻ፡ ስዒቡ ‘ውን ክሳብ ሕጂ ብተኸታታሊ ትቕጽል ዘላ፡ ነታ AN AFRICAN REVOLUTION RECLAIMED እትብል (ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ብመስፍን ሓጎስን ብፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤልን ዝተደርሰት መጽሓፍ) ናይ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ Memoir“ኣብ ብሩዝ ትንታነ ዝተሰረተት ዘይታሪኻዊት ሰነድ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህበ ዝምቡዕ ክለሳ (Review)ገምጋመይ ንምቕራብ ‘ዩ።
ዝኾነ ታሪኽ ንምጥምዛዝን ንምድንጋርን ዝነጥፍ ኣካል፡ ናይ ጸሓፊ/ከላሲ/ገምጋሚ፡ ወይ ‘ውን ጉጅለ እንተ ኾይኖም ስሞምኣየቐምጡን፡ ዝተወከስዎም ምንጭታት (ብኣካል ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኣብ እዋኑ ይኹን ድሒሮም ዝተሰነዱ ጽሑፋት) ኣይጠቕሱን። እቲ ዝኸፍአ ድማ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም እቲ ጽሑፍ ብናይ ብርዒ ስም ወይ ‘ውን ብጃንዳ ኣዳለውቲ ከም ዝዝርጋሕ ይገብሩ። ነዚ ጽሑፍ መን ከም ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ገምጋም ይሃልወኒ እምበር ብንጹር ንመን ይምልስ ከም ዘለኹኣይፈልጥን ‘የ።
ካብ ዘሎኒ ተመክሮን (ናይ ‘ቲ ዝሓለፈ ናይ ህግሓኤ ቃልሲ ኣባልምንባረይ: ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ምዕባሌታት ‘ውን ብኣካል እከታተሎ ምህላወይ): ነዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ዝምቡዕ ሓበሬታታትን ኣዳናጋሪ ገምጋምን፡ ነቲ ንዓይ ቅኑዕ ኮይኑ ዝስመዓኒ መልሲ ክህብ ሓላፍነት እስከም። ክፋል ናይ ‘ዚመስፍን ሓጎስ ኣዳልይዎ ዘሎ ታሪኻዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ‘ቲ ኣነ ዘይነበርኩሉ እዋን፡ ብኣካል ዘርከብሉን ዝነበሩን ስለ ዘለዉ፡እቶም ብቐዳማይ ደረጃ ታሪኽ ክስንዱ ዝግብኦምን፡ ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ይኹን ንናይ መጻኢ ትውልዲ ግቡእ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ዝግብኦም ንሳቶም ክኾኑ ዝግባእ እኳ እንተ ነበረ(ኣብ መስርሕ ምስናድ ዘለዉ ‘ውን ክህልዉ ይኽእሉ)፡ ኩላትና ኣበርክቶ ክህልወና ታሪኻዊ ሓላፍነትና ‘ዩ፡ ካብ ‘ቲ ዘሎኒ ሓብሬታ ተበጊሰ ድማ ገለ ክብል ኣፍቅዱለይ።
ኣብ ‘ታ “ኣጀንዳ CIA‘ን ሕቡእ ምስጢራቱን” እትብል ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ብዙሕ ኮለል ኣይክብልን ‘የ፡ እንተ ኾነ እቲ ጽሑፍ ነቲ ገረዝጊሄር ውጩ ኣብ ኲናት ባጽዕ ኣሕቢርካ በለና ዝበሎ ኣዘኻኺራትኒ። ነዞም ኣብ ግዳም (ድያስፖራ) ዘሎና ነባራት ተጋደልቲ ብኣልማማ ኣሕቢሮም መሳርሒ ወያነን CIAንMI6ን ኢሎም ከሲሶምና። እቲ ምንጪ ካብ ናይ ትግራይ ውግእ ዝተረኽበ ኣስታት 1000 ዝኾኑ ዝርዝር ኣስማት ዝሓቖፈ ከም ዝኾነ ጠቒሶም፡ ንመረዳእታ (Evidence) ዘቕረብዎ መርትዖታትግን የልቦን።
ቀለልቲ ኣብነታት ጠቒሰ ክሓልፍ ‘የ።
ገለ ካብ ‘ቶም ናይ ወያነ መሳርሒ ኢዮም ኢሎም ጠቒሶሞም ዘለው፡ ንኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ውሽጢ ምድሕርሓርን፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ግዳም ተጻብኦታትን ብቐንዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ንጹር ኣረኣእያ ዘለዎ፡ ኣንጻሩድማ ኣበርቲዑ ዝጉስጉስ፡ ካብ ኣንጻር ወያነ ዘለዎ መርገጺተበጊሶም ደምበ ተቓውሞ “ካብ ህግደፍ ኣይተገላገለን” ብምባል ዝኸስዎ፡ ዝኾነ መረዳእታ ከየተሓሓዙ ናይ ህወሓት ሰላዪ እዩ ኢሎም ክኸስዎ ዓጀብ ዘብል ጥፍሽና ምዃኑ ንኹሉ ንጉዕዞ ታሪኽ ኤርትራ ዝከታተል ብሩህ ይመስለኒ። እዚ ብዙሕ ኮለል ዘየድልዮ ኮይኑ፡ ጽሑፋትን መደረታትን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ምክትታል (Eri-Platform) እኹል እመስለኒ።
ኣስዒበ ኣብ ነብሰይ ክምለስ፡ ርሑቕ ከይከድኩ ገለ ካብ ‘ቲ ንኣረኣእያይ ዘነጽር ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ኣብ Club House, Eritrea First ኣብ ዘካየድክዎ ርክብ፡ ኣንጻር ናይ ደገ ምትእትታው፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ህወሓት ዘሎኒ መርገጺ ምንጻር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ደምበ ፍትሒ ኣሎና እናበሉ፡ ንምትእትታው ናይ ህወሓት ዝድግፉ ቀይሕ መስመር ዝሰገሩ ከደዓት (ነዚ ሕጂ ምሳና ኣሕቢሮም ናይ ወያነ ሰላዪ እዩ ኢሎም ጠቒሰሞ ዘለዉን ሓደ ሓደ ካልኦትን) ከም በዓል ዮሴፍ ገብረሂወት፡ ህዝብና ከስተብህለሎምን ክቃለሶምን ዘለዎ ምዃኑ ብንጹር ኣቐሚጠዮ ኣለኹ (Linkተተሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ)።
እቶም ኣብ ‘ዚ ናይ ወያነ ሰለይቲ ተባሂልና ቀሪብና ዘሎናዝተጠቐስናን ዘይተጠቕሱን ዝርዝር ኣስማት ኣዝዩ ብዙሕ ኮይኑ፡ ብፍላይ እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም እቶም ተሰማዕነት ሃልይዎም ህግደፍ ከስግኡኒ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝፈርሖም ጸለውቲ ሰባት ምዃኖም ዘካትዕ ኣይመስለንን፡ ነብሲ ወከፍ ኣምባቢ ባዕሉ መምዩን ኣለልዩን ካብ ‘ቶም ዉሑዳት መሳርሕቲ ወያነ ፈልዩ ብምውጻእ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ስለ ዘየጸግም፡ እቲ ዕማም ንኣንባባይ ሓዲገ ናብ ‘ቲ ካልኣይ ኣርእስቲ ክሰግር ‘የ።
AN AFRICAN REVOLUTION RECLAIMED (Memoir)
ብመስፍን ሓጎስን ብፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤልን ዝተደርሰት መጽሓፍ
Reviewer ስም ኣይተለምደን! (ጃንዳ “ማእከልን ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራውያን”)
ኣርእስቲ፡ “ኣብ ብሩዝ ትንታነ ዝተሰረተት ዘይታሪኻዊት ሰነድ”
ከላሳይ “ገና ገንጺለ ከየንበብክዋ፡ ጸሓፍን ኣርታዕን ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤል ምዃኑ ኣብ ገጽ ናይ ‘ታ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ፡ “ትሩፍ ድሕሪ ደጊም ብምባል ‘የ ርእሰይ ሒዘ” ክብል ‘ዩ ዝፍልም። ከላሳይ ስለምንታይ ኮን ይኸውን መጽሓፍ ከየንበበ ናብ ፍርዲ ዘሊሉ? ኣርታዓይ ንኣእምሮ ደራሳይ ሰሚዑን ኣምቢቡን ካብ ትረኻ ናይ ደራሳይ ተበጊሱ ነቲ ደራሳይ ዝሰማምዓሉ ታሪኽ ምቕማጥ እዩ ዕማሙ። እቲ ንዓኻ ዘሰምበደካ ግን፡ እቲ ንስኻ ዘይለመድካዮን ክትሰምዖ ዘይትደሊን ካብ ምቁጽጻር (censorship) ነጻ ዝኾነ ብዝወዓለ ዝተተረኸ ታሪኽ ክኸውን ምዃኑ ስለ ዝተሰወጠካ ዶ ይኸውን?ሕጂ ‘ውን፡ ካብ ‘ቲ ብደረጃ (Freedom of Press) ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን ነጻነት ዘየፍቅድ ስርዓት ወጻኢ ዘዳልዎ ዘለኹጽሑፍ፡ ስም ጸሓፊ ርኢኻ ከይሰምበድካ ኣብ ትሕዝቶ ኣቲኻ ክትርድኦን ክትምሃረሉን ክትፍትን እምሕጸነካ።
ከላሳይ ኣስዒቡ “ነዛ መጽሓፍ ገምጋመይ ክህበላ እንከለኹ፡ ንታሪኽን ኣበርክቶን ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ከቆናጽብ ኣይኮንኩን” ይብል። ኣብ ‘ዚ ከላሳይ ኣቕሪብዎ ዘሎ ገምጋም ግን፡ ካብ ኣርእስቲ ጀሚሩ፡ እንትርፎ ንተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዘቆናጽብን ታሪኹ ዝድውንን ካልእ ንጅግንነታዊ ታሪኽ መስፍን ሓጎስ ዝገልጽ ዋላ ሓንቲ ቅንጣብ ጽሕፍቲኣየንበብኩን። ንምዃኑ ኣብ ትሕቲ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ዘየፍቅድ ስርዓት ኴንካ ሚዛናዊ ዝኾነ ገምጋም ከተቕርብ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ብዙሕ ኣይገረመንን።
ከላሳይ እንታይነቱ ስለ ዘይበርሃለይ ሚዛን ጽሑፉ ንክርዳእ፡ተጋዲሉ ኣብ ጥቓ መስፍን ሓጎስ ኮይኑ ኣገልጊሉ ይፈልጥ ዶይኸውን? ናይ ታሪኽ ምሁርን ናይ ምርምር ሰብን ኮይኑ ዝፈልጦን ዘዋህለሎን ፍልጠት ሃልይዎ ዶ ኾን ይሓናጥጥ ይህሉ? ኢለ ተገምጢለ ንነብሰይ ሓቲተያ። ተምሃራይ፡ ምሁር፡ተጋዳላይ፡ ሰራሕተኛ፡ ገባራይ፡ ስደተኛ ……….. ፈጺመ መዓልቦ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን፡ ካብ ‘ቲ ዝምቡዕን ዘይምርምራዊ ኣቀራርባ ገምጋሙ ይኹን ካብ ተመኩሮኡ ጠቒሱ ወይ ‘ውን ኣብ መጽናዕቲ ተሞርኪሱ ዘቕረቦ ነጥቢ ስለ ዘይብሉ ግን፡ ናይ ሓደ ንመስፍን ብቐረባ ዘይፈልጥ ተልመዴን ከላሳይ (amateurreviewer) ኮይኑ ‘የ ረኺበዮ።
ኣብ ‘ቲ ዝቐረበ ገምጋም ሓደ ክልተ እናበልኩ ክቕጽል፡
ከላሳይ ኣስዒቡ፡ ምስ ‘ዛ መጽሓፍ ኣተሓሒዙ ንተራ ተጋዳላይ መስፍን ኣብ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ግርጭታት ህሓሓኤ/ህግሓኤ ኣመልኪቱ ነዞም ዝስዕቡ ነጥቢ ጠቒሱ። “መስፍን …. ነባር ተጋዳላይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ‘ውን ውሳነ ከም ዝወሰነ ሰብ ከም ዝነበረ ዝረስዖ ይመስል” ይብል።
ኣብ ውሽጢ ህሓሓኤ/ህግሓኤ ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ናይ ስልጣን ሕድሕዳዊ ቁሩቁስ ዝተንቀሳቕሳ ሰልፍታትን ጉጅለታትን ምንቅስቓሳትን፡ እዘን ዝስዕባ ‘የን ነይረን።
ሀ. ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት 4፡ 1971 ኣብ ገደም ዝተመስረተኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ቀጺሉ ድማ ኤርትራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝተሰምየ (ኤህሰስ/ኤማሰ) ብኢሳያስ ዝምራሕ ሕቡእ ማርክሰ ለኒናዊ ገዛኢ ሰልፊ።
ለ. ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 1973፡ ብኣጸዋውዓ ናይ ‘ቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ናይ 1973 ኣዕናዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ)፡ ብኣጸዋውዓ ናይ ‘ቶም ተንቀሳቐስቲ ድማ ናይ 1973 ኣራሚ ምንቅስቓስተባሂሉ ዝተሰምየ ጉጅለ።
ሐ. እንተ ዘይተጋግየ ኣብ 1974/1975 ዝቖመት ብብጻይ ጎይቶኦም በርሀ እትምራሕ ኤርትራዊ ሰውራዊ ሰልፊእትብል ሕብእቲ ሰልፊ።
መ. ኣብ 1976 ድማ ብሰለሞን ወልደማርያም እትምራሕ ናይ “የማን (የሚን)” ምንቅስቓስ።
እተን በቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ኣብ ሀ ተጠቒሱ ዘሎ ገዛኢ ሕቡእ ሰልፊ ኤህሰሰ፡ ብ“ፖለቲካዊ ዝምባለ” (Deviation) ተኸሲሰን፡ገለ ካብ ኣባላተን ኣብ ህሓሓሔ/ህግሓኤ ክሳብ ብደረጃ ናይ ሞት ስጉምቲ ዝተወስደሎም፡ ካብ ለ ክሳብ መ ተጠቒሰን ዘለዋ (ጉጅለ/ሰልፊ/ምንቅስቓስ) እየን። ንጉዳይ ኣወሳስና ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ከስዕቦ ‘የ።
እቲ “ናይ 1973 ብስም “መንካዕ” ዝጥቀስ ምንቅስቓስ”፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ዘይነበርኩሉ እዋን ዝተኸስተ ፍጻሜ ብምዃኑ፡ ከም ‘ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ እቶም ዝወዓሉ ክዝርዝርዎዝተመርጸ ምኾነ። እንተ ኾነ፡ እቲ ኣነ ከም መወከሲ ዝተጠቐምኩሉ፡ ብቐንዳ እዛ ሕጂ ትግምገም ዘላ ናይ መስፍን ሓጎስ መጽሓፍ፣ እታ መዓስ ከም ዝተዳለወት ዕለት ዘይተጻሕፈላ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ 1976 ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ብኢሳያስ ሰሚናር ተኻይዱልና (ብኢሳያስ ዝተዳለወት ናይ 1973 “ኣዕናዊ” ምንቅስቓስ እትብል ጽሕፍቲ)፣ ካብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ኣብ 1978፡ ብሃይለ ድሩዕን ኣሕመድ ኣል ቀይስን ዝተዋህበና መግለጺ ዝሓዝክዎ ጽሑፋት፣ ብወገን ናይ 1973 ተንቀሳቐስቲ፡ ብመንገዲ ተስፋሚካኤል ተኽለብርሃን (ቅሱን)ኣብ ‘ቲ እዋን ኣባል ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ዝነበረ ኣብ You Tubeተዘርጊሑ ዘሎ ብዛዕባ መንካዕ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ምስ ኣባላት መንካዕ ነበር ዝገበርክዎ ዕላል፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኸታተልክዎን፣ ናይ ዶር ጋይም ክብረኣብ ኣብ 2008 ዝተደርሰት “Critical reflections on the Eritrean war of independence” እትብል መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር ‘የ።
እቲ ናይ 1973 ምንቅስቓስ፡ ገስጋሲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣዕናዊ ዝብል ሕቶ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት፡ ማለት ብጸግዒ ናይ ህሓሓኤ መሪሕነትን፡ ብደገፍቲ ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ዝነበሩን፡ ዝተፈላለየ መግለጺ ክወሃብ ‘ዩ ዝስማዕ። ብፍላይ እቶም ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ደገፍቲ፡ ካብ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ መንካዕ ተንቀሳቐስቲ ዝተወስደ ኣሰንባዲ ስጉምቲ ዝሰዓበ ጸቕጢ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ይኹን፡ ስዒቡ ‘ውን ኣብ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ (ኣባላት ናይ ‘ቲ ገዛኢ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ስለ ዘለዉ)፡ ብዛዕባ እቲኣርእስቲ እንኳን ዶ መጽሓፍ ክጸሐፍ፡ ዓው ኢልካ ክዕለለሉ ‘ውን ዝከኣል ኣይነበረን/ሕጂ ‘ውን ኣይከኣልን። ክንዲ ዝኾነ ድማ፣ ብወገን ደገፍቲ ናይ ‘ቲ ገዛኢ ሰልፊ ከም ኣዕናዊ፡ብደገፍቲ ናይ ‘ቲ ምንቅስቓስ ድማ፡ ኣብ ድያስፖራ ከም ገስጋስንኣራምን ምንቅስቓስ ምንባሩ ክግለጽ ጸኒሑ። ኩሎም እቶም ኣብ ‘ቲ እዋን ዝነበሩ ኣብ ደገ ዘለዉ ምሁራት ገዳይም ተጋደልቲ፡ ከም ‘ዚ መስፍን ሓጎስ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶወሲዶም መጻሕፍቲ ኣዳልዮም እቲ ዝነበረ ኩነታት ብብሩህ ከሕብሩና ንዝነበረ ሓቅታት ክገልጹን ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ድማ ሓቀኛ ኣፍልጦ ንክህልዎ እጃሞም ከበርክቱ ደጊመ እምሕጸን።
ካብ ‘ቲ ብወገነይ ምርምር ኣካይደ ዝኣከብክዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ዘበገሰ ዘየሰማምዕ ነጥብታት: ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነትን ተንቀሳቐስትን ዝተፈጥረ ናይ ኣነ ካባኻ ይሓይሽ ዝብል ስምዒታት ዝደረኾ ኮይኑ፡ ነታ ክርቢት ክትሽርጠጥ መበገሲ ባይታ ዝፈጠረት ኣጋጣሚ፡ ኣብ ‘ቲ ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነት 2ይ ወገን ህሓ፡ ኣብ መንጎ ሰለሙንን/ እዮብን ኣስመሮምን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ፡ ኣብ ዕለት 18 መስከረም 1973 ዝተጋብአ ናይ ካልኣይ ወገን ናይ 11 ተጋደልቲኣኼባ፡ ሕጋውነት ከም ኣርእስቲ ተላዒሉ፡ ስዒቡ ውን ተጋባእቲ ጸግዕታት ሒዞም ኣብ ቆይቅን ዕግርግርን ተኣትዩ፡ እቲ ክፍታሕ ዝተደልየ ሽግር መዕለቢ ከይረኸበ ጫሌዳታት ፈጢሩ፡ምፍንጫል ናይ ‘ቶም 2 ጉጅለታት ግሁድ ኮነ። ስዒቡ እቲ ጉዳይኣብ ስፍሕ ዝበለን ኣባላት 1ይ ወገን ዝተሓወስዎን ንክፍታሕ ብዕለት 26 መስከረም 1973፡ 36 ካድረታት ዝተረኽብሉ ኣኼባ ተጋብአ። ነቲ ጉድለታት ተባሂሉ ዝቐረበ ነጥብታት፡ ኩሎም ሸነኻት ኣብ ክንዲ ብህዱእን ሰላማዊ መንገድን ክፈትሕዎዝፍትኑ፡ ኣብ ምትህልላኽ ኣትዮም፡ ጸግዕታት ወሲዶምዕግርግር ኮይኑ፡ ሙሴ ተስፋንኪኤል ኣብ ‘ዚ ውድብ ዲሞክራሲ/ሕጋውነት የልቦን፡ እዚ ውድብ ናይ ሓደ ክልተ ሰባት መንዲል እዩ …… ወዘተ ዝብሉ ቃላት ኣውሪዱ ጸጋይ ቀሺ ንሙሴ ብሰደፍ ጠበንጃ ኣብ ምንጋግኡ ሃሪሙ ኣውዲቕዎ፡ እቲ ኣኼባ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ተዛዚሙ።
ዝርዝር ናይ ‘ቲ በቶም ተንቀሳቐስቲ (ብሙሴን ኣፈወርቅን) ተጾሚቑ ዝቐረበ ነጥብታትን ብወገን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተዋህበ መልስታትን፡ ነዊሕ እዩ፡: እቶም ከተንብቡዋ ትደልዩ ድማ፡ እታ ጽሕፍቲ ኣብ ናይ ረድኢ መሓሪ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” እትብል መጽሓፍ ኣብ መጨረሽታ ከም ጥብቆ ኮይና ተተሓሒዛ ቀሪባ ኣላ።
ድሕሪ ናይ 36 ካድረታት ኣኼባ ብዘይ ዝኾነ ምርድዳእ ምፍንጣሓ፡ መሪሕነት ህሓሓኤ ዘሎ ዓቕማ ወዳዲባ ነቲ ዝቐረበ ተጻራሪ ርእይቶታት ናብ ሓፋሽ ብምውራድ ነቶም ተንቀሳቐስቲ ንምውቃዕ፡ ኣብ ዕለት 6 ሕዳር 1973 ካብ ነብሲ ወከፍ ሓይሊ 6 ተወከልቲ ንክለኣኹ ኣዘዘት። ኣስታት 70 ዝኾኑ ተጋደልቲ ምስ ተኣከቡ እቶም ተንቀሳቐስቲ ተቓዊሞሞ እቲ ኣኼባ ተቛረጸ።
እቶም ተንቀሳቐስቲ ‘ውን ድሒሮም እታ መሪሕነት ኣብ ዘይነበረትሉ ተባሂሎም ዝኽሰስሉ፡ እንተኾነ ኣብ ናይ ኣል ኣሚን መሓመድ ስዒድ ህላወ ናይ መሪሕነት ምንባሩ ዝተጸሓፈሉ (Al Amin 1994: 49-50)፡ ሓንቲ ካብ 10 ሰባት ዝቖመት 10 መዓልቲ ዝዕድሚኣ መርማሪት ኮሚተ ተመሪጻ፡ ክስታት ክእክቡ ግዜ ወሲኾም ክሳብ 700 ዝኸውን ክስታት ኣኪቦም ነቲ ክስታት ኣብ 13 ነጥብታት ጾሚቖም ነቶም 70 ተጋደልቲ ኣቕረቡሎም።“ኣኼበኛ” ብኻልእ ሸነኽ ‘ውን መሪሕነት፡ ነቲ መበገሲ ናይ ‘ቲ ጽሟቕ ዝኾነ 700 ክስታት ክሰምዑ ሓቲቶም ኩሉ ዝተኣከበ ክስታት ተነበ። ክስታት ምስ ተነበ ገለ ካብ ‘ቶም ተጋባእቲ፡ ነቲ ዝቐረበ ዝርዝር ክስታት ኣይተቐበልዎን። ኣብ መደምደምታ፡ ካብ ሓይልታትን ክፍለ ስራሓትን ዝሳተፍዎ፡ ንመሰል ተጋደልቲ እትሕሉ፡ ንመሪሕነት እትቆጻጸርን ነቲ ወረቓቕቲ እትምርምርን ሓዳስ ኮሚቴ ክትምረጽ ተወሲኑ።
ስዒቡ ኣብ ዕለት 9 ታሕሳስ 1973 ነታ መሰል ተጋደልቲ እትሕሉን እትቆጻጸርን እትምርምርን ሽማግለ ንምምራጽ፡ ኣስታት 65 ዝኾኑ ካበየ ክፍለ ስራሕትን ሓይልታትን ተኣከቡ። ቁጽሪ ናይ ‘ቶም ዝምረጹ 11 ኮይኖም፡ 9 ካብ ‘ቶም ተጋባእቲ 2 ድማ ካብ ‘ተን ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝነበራ ሓይልታት ክኾኑ ኣኼበኛተሰማሚዑ፡ ኣብ ‘ቲ ብብዙሕ ምስሕሓብን ቆይቅን ዝተኻየደ ኣኼባ 9 ሰባት ተመሪጾም። ስዒቡ እተን ክልተ ሓይልታት ናይ ከበሳ ተሳሒበን ናብ ሳሕል ምስ መጻ፡ ነቶም ዝተረፉ ክልተ ኣባላት ቅድሚ ምምራጸን፡ ብመሪሕነት ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣጻራይት ሽማግለ ተመሪጻ፡ ነቲ ብተንቀሳቐስቲ ዝቐረበ ነጥብታት ውዱቕ ገበረቶን፡ እቲ ዝቐረበ ክስታት ‘ውን ሓሶት ምዃኑ ገለጸት። ብድሕሪኡ እቶም ተንቀሳቐስቲ ማይክሮፎን ሒዞም ናብ ጎቦታት ብምድያብ ጭርሖታት ከስምዑ ተራእዮም። ገለ ካብ ‘ቶም ነቲ ናይ ‘ቶም ተንቀሳቐስቲ ተግባር ዝተቓወሙ፡ ብረት ኣዓሚሮም ክስዕብዎም ፈቲኖም፡ ኣባላት መሪሕነት ነቲ ኩነታት ኣተሃዳዲኦሞ።
እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ነቲ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ካብ ዘለፋታት ሓሊፉ፡ ክሳብ ኣብ ብረት ምትዕምማርዝበጽሐ፡ መሪሕነት ክወርድ ኣለዎ የብሉን ኣብ ዝብል ናይ ስልጣን ቁሩቁስ ተኣትዩ፡ እተን ጉጅለታት ኣብ ምትፍናን ኣትየናሉ ዝነበራ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ቀጺሉ እቲ ምትህልላኽ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ: እቶም ተቐናቐንቲ ውሽጣዊ ጥሙሓቶምን ቆይቆምን ዓጂብዎም፡ ኩነታት ጸላኢ ኣብ ግምት ዘየእትዉሉ እዋናት ‘ዩ ነይሩ:: ክሳብ ሬድዮታት ጠፊአን ጸላኢ ዝተጸግዖም እዋናት ‘ውን ኣጋጢሙ ነይሩ ‘ዩ። ርሕቀት ናይ ጸላኢ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ንሓደጋ ከሳጥሕ ዝኽእል፡ ክሳብ ኣብ ጎቦታት ደይብካ ብማይክሮፎን ሕድሕድ ምዝልላፍን ብረት ምትዕምማርን ተበጺሑ። ተንቀሳቐስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዎም፡ እቲ ኣብ ‘ቲ እዋን ንኩነታቶም ክቆጻጸርሓላፍነት ዝወሰደ ወልደሚካኤል ሃይለ፡ ብወገን ኩሉ ናይ ዲሲፕሊንን ዕንደራን ጉድለታት ምንባሩ ከም ዝገለጸ ይንገር (ናይ ተፋሚካኤል ተኽለብርሃን /ቅሱን/ ዩ ትዩብ)።
እቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ኣካል ይኹን ናይ መንካዕ ኣንቀሳቐስቲ፡ ኣውራጃውያን ‘ዮም ነይሮም ኢልካ ንኽትድምድም ዘጸግም ‘ኳ እንተ ኾነ፡ ዕላምኦም ንክወቕዑን ሰዓብቲ ንከብዝሑን ግን ከም ስልቲ ንሰባት መወደቢ ይጥቀምሉ ምንባሮም ካብ ‘ቲ እቶም መራሕቲ ናይ ክልቲኡ ሸነኻት ኣብ ሕድሕዶም ዝወናጀልሉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እቶም ተንቀሳቐስቲ ሓማ ስዒራ ኣከለ ተሳዒራ ሰምሃር ተደሪራ ….. ወዘተ ኢሎም ተባሂሎም ክኽሰሱ ከለዉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣንጻር ናይ ሓማሴን ዕብለላ ዝቐንዐን ማዕርነት ናይ ኩለን ኣውራጃታት ዝጠልብን ኩለን ኣውራጃታት ብሓባር ይሰጉማ ዝብል ጭርሖታት እዩ ነይሩ (ናይ ቅሱን ዩ ትዩብ) ኢሎምዝገልጽዎ ‘ውን ኣለዉ፡ እዚ ድማ ንደረጃ ምዕባለ ማሕበራዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብና ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ዓንኬል ጽልዋታቶም ንምዕባይ ኣውራጅነት ተራ ክነብሮ ከም ዝኽእልን፡ ይጥቀምሉ ምንባሮምን ንኽትርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።
ኣብ መጨረሽታ ኣብ ዕለት 30 ወርሒ ሰነ 1974 ናይ መሪሕነት ኣኼባ፡ ነቲ ፈራዲት ኮሚተ ብዛዕባ ናይ ‘ቶም ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ቀንዲ መራሕቲ ዝሃበቶ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ኣብ ዕለት 11 ወርሒ 8 1975 ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሙሉኣት ኣባላት ኣኼባ ኣጽኒዓ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ገበረቶ።
ቀጺለ ናብ ‘ቲ ገምጋማይ/ከላሳይ ብዛዕባ መስፍን ሓጎስ ኣብ ናይ መንካዕ ውሳነ ጽሒፍዎ ዘሎ ነጥቢ ክምለስ: – “ ….ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ …. ካብ ሕሉፍ ታሪኹ ንምህዳምን ጲላጦስ ኮይኑ ንምቕራብን ‘ዩ ሃቂኑ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ውሳነ ዝወሰነ ሰብ ከም ዝነበረ ዝረስዖ ይመስል” ክብል እዩሓንጢጡ።
ከላሳይ ነዚ ምጽሓፉ፡ ነታ መጽሓፍ ኣምቢብዋ እንተ ኾይኑብግቡእ ዝተረደአ ኣይመስልን። ነዚ ዘበለኒ ምኽንያት ድማ፡ መስፍን ቅድሚ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል መሪሕነት ምንባሩ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ምምራጹ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ንውሳነ ናይ መንካዕ ብዝምልከት ኣብ መጽሓፉ ኣብ ገጽ 94 ኣቐሚጥዎ ዘሎ ከም ዘለዎ ብእንግሊዝኛ ከቕርቦ ‘የ።
“Because members of the leadership were thus working in distant locations for nearly a year, we did not deliberate on the recommendations until August of 1975. When we reconvened, we endorsed the recommendations of the investigative and ruling committees.” ክብል ምስ ብጾቱ ኮይኑ ንዘሕለፎ ውሳነ ብብሩህ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ከላሳይ፡ ዘይተጻሕፈ ነቢብካ ሰባት ኣብ ምግጋይ ካብ ተእቱ፡ ነታ መጽሓፍ ደጊምካ ከተንብባ እላበወካ።
ቀጺሉ ‘ውን ነቲ ውሳነ መደገፊኡ ምኽንያት ኣብ ገጽ 95 “I supported the decision that the committee passed because I believed Menka’e had wreaked internal havoc at the time when we could barely face off with the ELF and Ethiopia. In moments of near-complete corporeal neglect and sacrifice of oneself, it is hard to put into words – and make people believe – what the spirit of revolution forces you do. …” ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ገጽ 98 “….. If a duly appointed national entity find my past actions to be unacceptable, it is only fair and just that I bear the consequences thereof.” ኣብ ቀጻሊ ‘ውን ህዝቢ ዝወከሎ ቤት ፍርዲ ንዘሕልፎ ውሳነ ግጉይ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ሓላፍነት ክወስደሉ ድሉው ምዃኑ ብብሩህ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።
ካብ ‘ዚ ተበጊሰ፡ ተመሊሰ ንከላሳይ ኣብ ክንዲ ብሳንቡእ ናይካልኦት ንከተተንፍስ ጽቡሕን ዘይጽቡሕን ትሓናጥጥ፡ኣስተውዒልካ ኣንብብ፡ ዘድሊ ምርምር ኣካይድካ ክትክልስን ክትግምግምን ፈትን ኢለ እምሕጸኖ።
ኣብ ‘ዛ ነጥቢ እዚኣ ምስ መስፍን ሓጎስ ዘይሰማምዓላ ነጥቢ እንተደኣ ሃልያ፡ ምስ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ሓለዋ ከነጽንሖም ዝጥዕም ኩነታት ኣይነበረን ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ፡ብወገነይ እቲ እታ ኮሚተ ውሳነ ዝሃበትሉ እዋንን መሪሕነት ነቲ ናይ ኮሚተ ውሳነ ዘጽደቐትሉ እዋንን፡ እቲ ውሳነ ግብራዊ ዝኾነሉ ሰዓትን (ነሓሰ/1975) ነቲ ጉዳይ ደጊምካ ንኽረአ እኹል ግዜ ዝህብ ምንባሩ እግምግም። እቲ ኩነታት ስልጣን ዝደረኾ ናይ ህልኽ ግጥም ‘ዩ ነይሩ።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናይ ‘ቲ ፍጻመ (On the hindsight)፡ ኣብ 2014 ኣብ መጽሓፈይ “ሕብእቲ ሰልፊ” ገጽ 38 – 39 “እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣባላት /መንካዕ/ ዝተዋህበ ውሳነ ብዓይኒ ሕልና ዘለዎ ፈራዲ ተመልኪትካ ክሳብ ክንድኡ ደረጃ ንክበጽሕ መድለየ ዶ? ካልእ ኣማራጺ መንገዲ ኸ ኣይምተረኽቦን ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ፡ ዋላ ‘ውን ነቲ ናይ ‘ቶም ናይ በይኖም ውድብ ጥራሕ ክህሉ ዝደልዩ ኣባላት ናይ ‘ታ ምስጢራዊት ሰልፊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝሓስብ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እንተ ኾነ ‘ውን ኣብ ከምኡ ዓይነት መደምደምታ ክበጽሕ ከቢድ እዩ።” ክብል ርእይቶይ ኣቐሚጠ ነይረ።
ናይ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ምንቅስቓስ፦ ብጻይ ጎይትኦምድሕሪ ምእሳሩ ኣብ መፋርቕ ናይ 1976 ኣበየ ኣሃድኡ እናዞረ“መምሃሪ መግለጺ” ንክህብ መርመርቲ ሓለዋ ሰውራ ሒዞሞ ይኾሉ ነይሮም። መግለጺኡ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ካልእ ናይ በይኑ ሕብእቲ ሰልፊ ከም ዝመስረተ፡ እዚ ድማ “ነቲ ዝነበሮ ናይ ስልጣን ስስዐ ንምርዋይ ዝገበሮ ምዃኑ ‘ዩ” ገሊጹ። ብጻይ ጎይትኦም ማርክሳዊ ጽሑፋት እናተርጎመ ብውሽጢ ውሽጢ ናብ ‘ቶም ኣባላቱ ይዝርግሕ ነይሩ፡ ብዛዕባ ‘ታ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ዝነበረት ሕብእቲ ሰልፊ ‘ውን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ነይሩ ‘ዩ። እንተ ኾነ ኣብ ‘ቲ እናዞረ መግለጺ ዝህበሉ ዝነበረእዋን ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መርመርቲ ንህላወ ሰልፊ ኤህሰሰ ደፊሩክገልጽ ኣይከኣለን (ሕብእቲ ሰልፊ ገጽ 44)። ብጻይ ጎይትኦም ብዘይካ ከም ‘ታ በዓል ኢሳያስ ዝመስረትዋ ሰልፊ ምምስራቱ፡ካልእ ዋላ ሓንቲ “ሓጥያት” ኣይነበሮን። ብጻይ፡ ሰልፊ ብምምስራቱ ብናይ ስልጣን ስስዕቲ እንተ ተኸሲሱ፡ ኢሳያስን ሰዓብቱን ብናይ ስልጣን ስስዐ ዘይክሰስሉ ምኽንያት ኣይህሉን። እዚ ናይ ሓድሕድ ምቅንጻል፡ ነቲ ኣብ ‘ቲ ውድብ ዝነበረ ናይ ስልጣን ውድድር ጋህዲ ይገብሮ። ሰልፊ ንምምስራት ንኢሳያስን ሰዓብቱን እንተ ተፈቒዱ ስለምንታይ ንኻልኦት ሰልፊ ክምስርቱ ኣይፍቀድን? ብጻይ ጎይትኦምን ብጾቱን፡ እቶም ቀንዲ ካብኣቶም(መሲሕ ርእሶም፣ ሃይለ ዮውሃንስ፣ ሳሙእል ገብረድንግል፣ በረኸት ሃይለ፣ መም. ተኽለ ሃብተጼን፣ ኣለም ኣብርሃ) ሕብእቲ ሰልፊ ስለ ዝመስረቱን ጽሑፋት ስለ ዝዘርግሑን ጥራሕ ‘ዮምናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂብዎም። Critical reflections on the Eritrean war of independence. Gaim Kibreab Page 279. ሕብእቲ ሰልፊ ገጽ 44 ተጠቒሱ ኣሎ። እቶም ኣብ ትሕት ዝበለ ደረጃ ዝተንቀሳቐሱ ድማ ከከም ደረጅኦም ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ተበይንሎም።
መስፍን ሓጎስ ኣብ መጽሓፉ ንናይ ብጻይ ጎይትኦም ጉዳይ ኣይጠቐሶን፡ ኣብ ‘ታ እትስዕብ ናይ ትግርኛ መጽሓፉ ከጠቓልላ እትስፎ።
ንኣወሳስና ዝምልከት ኣብ ታሕቲ ክጠቕሶ እየ።
ናይ የሚን ምንቅስቓስ ናይ ‘ዛ ጉጅለ መራሒ ሰለሙን ወልደማርያም እዩ ነይሩ፡ ሰለሙን ሓደ ካብ ‘ቶም ኣንጻር ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ጎኒ ኢሳያስ ኮይኑ ዝተንቀሳቐሰ ኣባል መሪሕነት ይኹን እምበር፡ ድሒሩ ግን ሓደ ካብ ‘ቶም ንናይ ኢሳያስ ስልጣን ኣስጋእቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮምተባሂሎም፡ ብኣውራጅነት ተኸሲሱ ምስ ሰዓብቱ ዝተቐንጸለ ‘ዩ። ሰለሙን ኣብ ናይ ቃልሲ ጉዕዞኡ፡ ኣብ ኣመራርሓ ምስ ኢሳያስ ይቃዶ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሰዓብቲ ንምፍራይሰባት ኣብ ምውዳብ ዳርጋ ብግሁድ ዝንቀሳቐሰሉ እዋናት ነይሩ ‘ዩ። ገለ ካብ ‘ቶም ምስ ኢሳያስ ዘየሰማምዕዎ ነጥብታት፡ ኣብ ‘ቲ ምስ ተ.ሓ.ኤ. ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ዕርቂ ርክባት፡ ነቲ ዝምድና ኣብ ምምሕያሽ ልዙብ ኣገባብ ይመርጽ ምንባሩ ምስ ኢሳያስ ይቃደዉ ኣይነበሩን ኢሎም ዝገልጹ ወገናት ኣይተሳእኑን። ስዒቡ እታ ንሱ ኣባላ ዘይነበረ ኤህሰሰ እትበሃል ሕብእቲ ሰልፊ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥርያ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ‘ቲ ዝነበሮ ናይ ግንባር መሪሕነት ሓላፍነት ኣልያቶ፡ ስዒቡ ድማ ምስ ኩሎም ሰዓብቱ ተኣሲሩ። ሰለሙንን እቶም ድሒሮም የማናውያን ተባሂሎም ዝተኸሱን ዝተቐንጸሉ ሰዓብቱን፡ ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡ እዮብ ገብረልኡል፡ መሓሪ ግርማጽዮን፡ ገብረሚካኤል መሓርዝጊ፡ ሕብረት ተስፋጋብር ጓል ኣንስተይቲ፡ ኪዳነ ኣበይቶ፡ ፍስሃየ ኪዳነ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ ኣርኣያ ሰመረ፡ ኣማኑእል ፍላንሳ፡ ክኾኑ ከለዉ፡ መጎስ ፋሲል ግን ብጸቢብ ኣምሊጡ ናብ ተሓኤ ኢዱ ሂቡ። Critical Reflections: 280.
ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ 1973 ምንቅስቓስን፡ ብጻይ ጎይትኦም በርሀን ሰዓብቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ናይ የሚን ምንቅስቓስ ኣባላት ዝተወስደ ስጉምትታት፡ –
ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተኸስቱ ጉጅላውን ሰልፋውን ምንቅስቓሳት (ብኣገላልጻ ናይ ‘ቲ ውድብ ድማ ብዝምባለታት/ Deviation ዝተኸሱ)
ተኽላይ ዓደን ድሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ምሃቡ ብዙሕ ዝኾነን ዘይኮነን ሓዋዊሱ ሃለውለው ይበል እምበር፡ ብዙሕ ሓቅታት ‘ውን ኣቃሊዑ ‘ዩ።
እዚ ኣብ ቁጽሪ ሰለስተ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ኣነ ካብ 1977 ክሳብ መጀመርታ 1985፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ተመዲበ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን ብምንባሩ፡ እቲ ፍጻመ ድማ ኣብ ሳሕል ዘጋጠመ ብምንባሩ፡ ኣብ ‘ታ ናይ ትግርኛ መጽሓፈይ ንኣወሳስናን ኣፈጻጽማን ናይ ‘ቲ ጉዳይ ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዘይነበረኒ ሓቢረ ሰጊረዮ ነይረ።
ድሕሪ መስፍን ሓጎስ መጽሓፈይ ምንባቡን ሓቢርና ንመጽሓፈይ ምግምጋምናን ግን፡ ንመስፍን ሓጎስ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ክሕብረኒ ተወኪሰዮ፡ “ድሕሪ ተኽላይ ዓደን ናብ ኢትዮጵያ ምስላሙ፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ስለ ዘይነበረ፡ ንሃይለ ድሩዕ ወኪልዎ ከይዱ፡ ተኽላይ ዓደን ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ኣባላት መንካዕን የሚንን ኩሎም ናይ ሞት ስጉምቲ ተወሲዱሎም ኢሉ ምስ ገለጸ፡ ሃይለ ድሩዕ ንኹልና ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኣንጻር ‘ቲ ዓደን ዘካይዶ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ፡ ጎስጓስ ከነካይድ ሓቢሩና። ብዛዕባ ናይ የሚንን እቶም ናይ መንካዕ ተረፍን ብዓል ብጻይ ጎይቶኦምን ከም ዝተቐትሉ ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረኒ፡ እንታይ ኢልና ኢና ፕሮፖጋንዳ ክንገብር? የሚንን እቶም ካልኦትን ተቐቲሎም ይብል ኣሎ፡ ትፈልጦ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ ኢለ ሓቲተዮ፡ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ኢሉኒ። እንድሕሪ ትፈልጦ ነገር ዘይብልካ እንታይ ኢልና ኢና ፕሮፖጋንዳ ከነካይድ? ኣነ ብወገነይ ክገብሮ ኣይክእልን ‘የ ኢለዮ። ኣብ ‘ቲ እዋን ዓሊ ስለ ዘይነበረ፡ ምስ ተራኸብና ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ የሚን ናይ ሞት ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ተኽላይ ዓደን ብናይ ኢትዮጵያ ሬድዮ ዝገለጾ ሓቅነቱ ሓቲተዮ። ብልክዕ እቲ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ሓቢሩኒ። ስለምንታይ ብዛዕብኦም ናይ ሓባር ውሳነ ከይሓለፈ እቲ ውሳነ ተወሲዱ? ብናይ መን ሓላፍነትን ውሳነን ከ ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ ብናይ ኢሳያስ ትእዛዝ ምዃኑ ሓቢሩኒ።” ክብል መሊሱለይ።
ነዚ መስፍን ዝሓበረኒ ኣብ ‘ታ ዝተኸለሰት ናይ እንግሊዝኛ ትርጉም መጽሓፈይ ኣስፊረዮ ኣለኹ። The Hidden Party (Revised English Version 2019) 52 Tsegu Bahta. ሕቶይ ግን ኣብኡ ኣየብቅዐን። ድሕሪ ናይ ዓሊ ሰይድ ሓበሬታ ምርካብኩም እንታይ ጌርኩም ኢለ ሓቲተዮ፡ ዝኾነ ነገር ከም ዘይገበሩ – ንኢሳያስ ተሓታቲ ከም ዘይገበርዎ መሊሱለይ። ተጋጊኹም ኢለዮ፡ እወ ተጋጊና ኢሉኒ። እዚ ኩነታት መርኣያ ናይ ‘ቲ ምቁጽጻር ዘይተገብረሉ ጥርዚ ዝበጽሐ ናይ ኢሳያስ ውልቀ መላኽነት ገና ኣብ ሜዳ እንከሎ ዝነበረ ምዃኑ ብብሩህ ይሕብረና።
መደምደምታ፡ –
እዛ ኣብ “ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራውያን” ቀሪባ ንናይ መስፍን ሓጎስ መጽሓፍ እትኽልስ ተኸታታሊት ጽሕፍቲ ሳልሳይ ሰሙና ኣቑጺራ ኣላ፡ ሕጂ ‘ውን ኣብ መደምደምታ በጺሓ ተቖሪጻ ገና ይቕጽል ትብል ኣላ። እቲ ድሒሩ ተዘርዚሩ ዘሎ ጽሑፋት ብዙሕ ሚዛን ዘይብሉን ሃተውተውን ኮይኑተሰሚዑኒ፡ ገምጋመይ ኣብ ‘ቶም ኣገደስትን ቀንድን ዝበልክዎም፡ ሓያልን ድኹምን ጎንታት ናይ ህግሓኤ ዘተኮረ ‘ዩ። ኩሉ ኣብ ‘ዚ ሰነድ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ፡ ንዝኾነ ይኹን ካልእ ኣካል ዘይውክልን ባዕለይ ሓላፍነት ዝወስደሉን ‘ዩ። ኣምበብቲ ርእይቶታትኩም ብምስፋር ክትነቕፍዎን ከተሀብትምዎን እናተማሕጸንኩ፡ ዝስዕቡ ርእይቶታትን ገምጋማትን ኣገዳስነቶም ኣብ ግምት ኣእትየ፡ ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝስመዓኒ ክምለሰኩም ምዃነይ እናሓበርኩ ይፋነወኩም።
Sources:
#setit ትርጉም ናጽነት እንታይ እዩ? By Col. TseguFessehaie
ረድኢ መሓሪ, “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” 2012.
Kibreab, Gaim, “Critical Reflections on the Eritrean War of Independence…” Red Sea Press
Tesegu Fesesehaie, “Hidden Party,” Red Sea Press
Awate Forum