Awate.com

ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ: ደራሳይ ኣብ ልዕሊ ድርሰቱ

እቲ ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ
ዘፍጥረት ውልቀ መላኺ
ቀዳማይ ሕታም  ­_ ጥሪ 2008
ካልኣይ ሕታም   _ ሓምለ 2009

ፍልጥ

ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ እበሃል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቬርሲቲ ሕጊ ተማሂረ።  ብ1974 ዓም ሓዲስ ፖለቲካዊ  ኵነት ኣብ መላእ እትዮጵያ ተተኵሱ  ትምህርተይ ኣይፈጸምኩን። ብ1974 ዓም ናብ ጀብሃ ተሰሊፈ፡ ተሰጕጔ፡ እንደገና ብ1976 ዓም ተሰሊፈ ብ1985ዓም እታ ውድብ  ምስተጸንቀቐት ከኣ ተሰዲደ። ነቲ ገድሊ’ውን ኣይፈጸምክዎን። ሕጂ ኣብ ጀርመን እነብር። ሓላውታ ወርቃዊት ገረብ፡  ዘፍጥረት ውልቀ መላኺ ዝተባህለ መጽሓፍ ከኣ ጽሒፈ። እቲ መጽሓፍ ተፈጺሙ ግን  ኣይተፈጸመትን ከኣ።  ንካልኣይ  ጊዜ  ስመይ  ክቕይር  ‘ተተገዲደ < ዘይፍጹም> ክበሃል ድሮ መሪጸ’ሎኹ።

እቲ መጽሓፍ

ኣብ 51  ምዕራፋት ዝተመቕለ በዓል 582 ገጻት’ዩ ። ብግዝፉ ብዙሓት ሰንቢዶም። ይግዘፍ ድጋ’ምበር ቴማዊ ማእከልነቱን ስነሞገታዊ ቅደም ተኸተልነቱን ኣየጥፍእን። ዋዛን ቁምነገርን  ኣብ ስነጽሑፋዊ ጽባቔ ጠቕሊሉ ብመጠን ስፍሕቱ ገዛእ ነፍሲ ፈጢሩ፡ ማራኺ ስለዚ  ተነባቢ  እዩ።

እቲ መጽሓፍ፡ ብመሰረቱ፡  ዛንታ ተጋዳላይ’ዩ።  እዚ ዓሌት ሰብ’ዚ፡  ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ጊዜ፡ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ዕላማ ተኣምራት ሰሪሑ’ዩ። ተኣምር  ተግባረ ኣምላኻት ጥራሕ ከምዘይኮነ ከኣ ብግብሪ ኣረጋጊጹ። ኵሉ ኤርትራዊ ዝሕበነሉ ተኣምራት ከኣ’ዩ። እቲ ኤርትራ ሓራ ዝወጸትሉ ቅያ። እቲ፡ ኤርትራ፡ ንወለዶታት ከም ምንጪ መንፈሳዊ ብቅዓትን ብርታዔን ነብሰ ኵርዓትን ክትግልለኡ  ትኽእል ዝነበረት ዝና ተጋዳላይ’ዩ።  ነዚ ተኣምር’ዚ ከኣ፡ ነቲ ንሔዝን መጻእን ምንጪ ሞራላዊ ሓይልና ባዕላትና ብኢድና ከነርስሖን፡ ከነሕስሮን ከነፍርሶን ንርከብ። ጀብሃ ዝበሃሉ ሓርበኛታት የለዉን ጥራሕ ከይኣክል፡ እዚ’ኳ  መምሰለ፡  ክሳብ ብጥራሱ ኣይነበሩን ማለት ግን ኣይታሪኽን። 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ቅያ ተጋዳላይ ንገዛእ ዓምጣሪ ጥቕሙ ክሳብ ውሽጢ ዓጽሙ መዝሚዙዎ፡ ጠምዚዝዎ፡ ኣጋዕዝዪዎ ክሳብ deromanticized ክኸውን ኣሎዎ ተበጺሑ ዘሕዝን ጉዳይ’ዩ። እዚ ኣፍንጫኻ ባዕልኻ ቈሪጽካ ብገዛእ ኣፍንጫኻ ገጽካ ንፋጥ ምጽያቕ’ዩ። ክላሲካዊ ሓርበኛታት እስክንድር፡  ሃኒባል፡ ኣቲላ፡ ናፖልዮን …. ፡ ድሕሪ ነዊሕ መዋእላት፡ ክሳብ ሕጂ ምንጪ ፍናንን ሓበንን ህዝብታቶም’ዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ኣብ ዕስራ ዘይኣኸለ ዓመታት ታሪኽና ኣጸዪኑና። ጅግንነትናን ጽንዓትናን ነጻነትና’ውን ከይተረፈ ኣጽሊኡና። 

ጀብሃ ኣካል ናይዚ ታሪኽን ዝናን ኤርትራ’ያ። ንሕሱር ጊዝያዊ ፕሮፓጋንዳ ታሪኻን ዝናኣን ተቦጃጕሉ፡ ሃሲሱ ዳርጋ ናብ ጠሓኒት ስጋን ወሓጢት እንቋቝሖን ረቒቓ።  እምበር፡ እቲ ተጋዳላይ ነበር፡  ነቲ ውነናን ሓበንን ምሉእ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ታሪኹ ንመጻኢ ወለዶታት ምዕቃብ  ከም  መዛዘሚ መወዳእታ ክፋል ቃልሱ ክወስዶ ይግባእ እብል። ከም ተሞኵሮ ምሉእ ወለዶ ናብቲ መጻኢ ምምሕላፍ ዝዓበየ ተጋድሎ ከኣ ኣይህሉን።

ኣነ ብዛዕብኡ ልበወለዳዊ መጽሓፍ ክጽሕፍ ወሲነ። እቲ  ሓሳብ  ልበወለድ  ነቶም  ቀንዲ ባእታት ታሪኽ – ተጋደልቲ፡ ብምሉእ ነጻነት ንምግላጽ ንምኽኣል’ዩ። ልበወለድ፡ ብመሰረቱ ምግናን (dramatization) ክውንነት’ዩ።  ተጋደልቲ  ግን  ብባዕሎም  ግኑናት  ነበሩ’ሞ  ብተዋሳኺ  ምግናኖም  ኣየድለየንን። 

.ንምዃኑ እቲ መጽሓፍ  መጽሓፈ ታሪኽ  ይኮነን በቲ ልሙድ ትርጕም ታሪኽ። ዕለታትን ቦታታትን  ብዙሕ ኣይግድሶን። ብልበወለዳዊ መልክዕ ግን ማሕበራዊ ስነኣእምሮኣዊ ታሪኽ ናይ ሓደ ዝተወሰነ  ኤርትራዊ ማሕበረሰብ – ጀብሃ፡  ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ኩነት – ገድሊ፡  ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ጊዜ፡ 1970-1980ዓም  ንምምዝጋብ ይፍትን።  ደቂቕ  መዓልታዊ ህይወት ይዝርዝር።  ካብዚ ኵርናዕ’ዚ ተራእዩ ታሪኽ’ዩ።  ዘረባታት  ይበዝሖ ታሪኽ ‘ ዘረባ ‘ እዩ’ውን። ኣብቲ ገድሊ ብዙሕ’ዩ ተዘሪቡ።  እምበኣር፡ ብስጋን ደምን ዝተሰርሐ ህያው ታሪኽ’ዩ። 

ንምዃኑ እቲ መጽሓፍ  መጽሓፈ ታሪኽ  ኣይኮነን በቲ ልሙድ ትርጕም ታሪኽ። ዕለታትን ቦታታትን  ብዙሕ ኣይግድሶን። ብልበወለዳዊ መልክዕ ግን ማሕበራዊ ስነኣእምሮኣዊ ታሪኽ ናይ ሓደ ዝተወሰነ  ኤርትራዊ ማሕበረሰብ – ጀብሃ፡  ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ኩነት – ገድሊ፡  ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ጊዜ፡ 1970-1980ዓም  ንምምዝጋብ ይፍትን።  ደቂቕ  መዓልታዊ ህይወት ይዝርዝር።  ካብዚ ኵርናዕ’ዚ ተራእዩ ታሪኽ’ዩ።  ዘረባታት  ይበዝሖ ታሪኽ ‘ ዘረባ ‘ እዩ’ውን። ኣብቲ ገድሊ ብዙሕ’ዩ ተዘሪቡ።  እምበኣር፡ ብስጋን ደምን ዝተሰርሐ ህያው ታሪኽ’ዩ። 

እቲ መጽሓፍ ፖለቲካዊ’ውን ኣይኮነን። ኢፖለቲካዊ  ምኽንያቱ ካብ ዝኾነ  ነብሰ  ጥቕማዊ (pragmatic) ድርኺታትን ርእይቶታትን ግቡኣትን ፖለቲካ ከም ማሕበራዊ ትካል ነጻ ኴይነ ስለዝጸሓፍኩዎ። ኢጃንዳዊ ስነጽሑፍ ከኣ ንፖለቲካ ብዝበለጸ የገልግል ኢለ እኣምን። ጀብሃ ኣይሞተትን፡ ኣይክትመውትን ከኣ’ያ ምባለይ ከኣ ንጀብሃ ከም ረቂቕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሸቶን ብምርኣይ ድኣ’ምበር ከም ውዱብ ፖለቲካዊ ትካል ማለተይ ኣይነበረን።

እቲ መጽሓፍ ፖለቲካዊ’ውን ኣይኮነን። ኢፖለቲካዊ  ምኽንያቱ ካብ ዝኾነ  ነብሰ  ጥቕማዊ (pragmatic) ድርኺታትን ርእይቶታትን ግቡኣትን ፖለቲካ ከም ማሕበራዊ ትካል ነጻ ኴይነ ስለዝጸሓፍኩዎ። ኢጃንዳዊ ስነጽሑፍ ከኣ ንፖለቲካ ብዝበለጸ የገልግል ኢለ እኣምን። ጀብሃ ኣይሞተትን፡ ኣይክትመውትን ከኣ’ያ ምባለይ ከኣ ንጀብሃ ከም ረቂቕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሸቶን ብምርኣይ ድኣ’ምበር ከም ውዱብ ፖለቲካዊ ትካል ማለተይ ኣይነበረን።

ኣብ ውሽጢ’ቲ ታሪኽ ተጋዳላይ ካልእ ውሽጣዊ ታሪኽ’ውን ኣሎ። እቲ ታሪኽ’ቲ ሓላውታ ወርቃዊት ገረብ። እቲ ንጉስ ነፍስን ስጋን። እቲ ዓቃቤ ፍጹም ስልጣን። እቲ መሬታዊ ኣምላኽ።  እቲ ብሴፍ ዝመጸን፡ ብሴፍ ዝነብርን ብሴፍ ዝጠፍእን ውልቀ መላኺ።

ግርንቢጥ፡ እቲ ፍጹም ወልቀ መላኺ ንባዕሉ ጊላ ዝነበረ እዩ። ስለምንታይ እዚ ግርንቢጥ? ጊላ  ንጭቈና ይፈልጣ።  ካብኡ  ንላዕሊ’ሞ መን ክፈልጣ! ንነጻነት’ውን ይፈልጣ እቲ ኵሉ ጭኮና ዘይኮነ’ያ። ካብኡ ንላዕሊ ዝምነያ ድማ ኣይህሉን። ስለዚ ንጭቈና ይቃወም። ሓይሉ ድማ እዚ ንቕሓት’ዚ’ዩ። ኵናት፡ ዋልታ፡ ሴፍ ኣይኮነን ቀንዱ ረቂቕ መንፈሳዊ ሓይሊ’ዩ። ነዚ ሓይሊ’ዚ ብብቕዓትን ብብልሓትን  ተጠቒሙ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምኵርን ዕጡቕን ጨካንን ሓላው’ታ ገረብ ይዕወት ንጉስ’ታ ገረብ ድማ ይኸውን። ንጉስ ነፍስን ስጋን። ቀታሊ ከኣ’ዩ ኣብ ምቕታል ድማ ይቕጽል።

ስለምንታይ’ዩ ሓደ ጭኩን ጊላ፡ ንጭኮና ኣብ ገዛእ ነብሱ ፈቲንዋ ክነሱ፡ እሞ ኣንጻር ጭቈና ተቓሊሱ ተዓዊቱ ድሓር እንደገና ንባዕሉ ካብቲ ቀዳሚኡ ዝጨከነ ጨቛኒ ዝኸውን? ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽን ማሕበራዊ  ስነኣእምሮኣውያንን  ዘደንዘዘ ሕቶ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምጽናዕ ከኣ፡ ምናልባት፡ ካብ  ኤርትራ ዝበልጽ ጉዳይ ኣይርከብን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ምሉእ ታሪኹ፡ እቲ  ዝጸንሐ መግዛእቲ ካብቲ ሓዲስ መግዛእቲ ዝሐሸ ምንባሩ እንዳስተማሰለ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ነቶም ውዑይ ቈሎኦም ኣብ ኣእዛኑ  ክኽዝኑ ዝጸንሑ ትግራዎት  ቱርካውያን ምስተክእዎም ከኣ  <ሎምስ ከኣ ስሬኻ ብርእስኻ ኣውጽእ!> ዝብሉ መጺኦሙና በለ። ጣልያን ከም ሰብ ኣይፈለጥዎን ንእንግሊዝ ግን  ኣማረረ ኣብ ጊዜ ጥልያንስ’ኳ ጉልበቱ ከም ድላዩ ብፓስታን  ሽኾርን ክሸይጥ ይኽእል ነበረ። መግዛእቲ ሃይለስላሴ መጺኡ ከኣ ኣብ ጊዜ እንግሊዝ’ስ ተማሂርና’ኳ በለ። ንመግዛእቲ ሃይለስላሴ ናብ ገነት ዝቐየረ መግዛእቲ ደርግ ድማ መጸ። ሰላሳ ዓመታት ተቓሊሱ፡ ተዳምዩ፡ ተዋሪዱ ተሰዲዱ ከኣ ነጻነቱ ኣረጋገጸ። ነቲ ኣብ ምሉእ ታሪኹ ዝኸፍአ ጭቘና ከኣ ብገዛእ ክልተ ኣእዳዉ ተኸለ። ታሪኽ መላገጺት’ያ።

ካብ ሓደ ምኵር፡ ንቑሕ  ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ከመይ ጌሩ ከም ንኢሳያስ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ጭራቕ ተፈጢሩ ብሓቂ ዘስደምም’ዩ እቲ መጽሓፍ ነዚ ሕቶ’ዚ ካብ መሰረቱ ክምርምሮ ይፍትን። ስለ’ዚ ከኣ ንኡስ  ኣርእስቱ  ዘፍጥረት ውልቀ መላኺ።

ስለምንታይ’ዩ’ቲ መላኺ ዝመልኽ? ስለምንታዩ’ኸ እቲ ተመላኺ ዝምለኽ ? ንስልጣኔን ባህላዊ ምዕብልናን’ውን ዝምለከቱ ሕቶታት ኣይኮኑን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ስልጣኔን ጽሕፍታት ሕብረተሰብን ዝኾነ ህዝቢ መላኽን ተመላኽን ስለዘሎን ዝነበረን። እቲ ሕቶ ካብ ባህላውን ነገራውን ደረጃ  ምዕብልና ዝዓሞቐ ንዅሎም  ባህላውን ነገራውን ጽፍሕታት ወድ ሰብ ዝዓምም መንፈሳዊ ድሕረ መሬት ኣሎዎ። ናብዚ  መሬት’ዚ ከኣ ብዕምቈት ክኣቱ ፈቲነ። እንተላይ ኣብ’ቲ መለኮታዊ ዕምቈታቱ። ብተምሳል ተፈጢርና መንጸብረቕታ ናይቲ ሰማያዊ ስርዓት ኢና’ሞ ! 

እቲ ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ዝኣዘዘ ኣምላኽ እቲ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ውልቀ መላኺ ዘየሎ ኣድማሳዊ መላኺ እዩ። እቲ ቃል ‘ኣምላኽ’ ንባዕሉ መላኺ ማለት’ዩ። ሰባት ድማ ንኣምላኾም ክመስሉ ክደልዩ ባህርያዊ እዩ ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ቍጽሪ ንነብሶም ናብ ደረጃ ኣምላኽን ፍርቂ ኣምላኽን ኣምላኽ መሰልን ሰፍ ዘበሉ መራሕቲ ማእለያ የብሉን። እቲ ንሓደ ህዝቢ ዝሰዓረ  ወይ ዘድሓነ እቲ ህዝቢ ናቱ’ዩ።  ነቲ ህዝቢ ዳግማይ  ከምዝፈጠሮ ይስምዖ። እቲ ሕማም እንዳበርትዖ ይኸይድ። ንሰብነቱ ከም ኣምላኽ ክርእያን ክኣምናን ይጀምር።  ኣምራት፡ መለኮታዊ መሰል ነጋውስ (divine right of kings)፡ ኣማልኽቲ ነጋውስ (god kings),  ኣማልኽቲ ጸሓይ (sun kings )፡ ህያው ኣምላኽቲ (living gods) ከኣ ማዕበሉ።  ካብ ኣምላኽ  ዝመንጨዉ መለኮታዊ  ስልጣናት’ዮም።  L’ Etat, c’ est Moi !

ኢሳያስ ንኤርትራ ሓራ ኣውጺኤያ ! ይኣምን። ስለዚ፡ እታ ዓዲ – እቲ ህዝቢ፡ እቲ ሓመድ፡ እቲ  እምኒ፡ እቲ ዕንጸይቲ ኵሉ ናቱ’ዩ። እቲ ቀዳማይ በዓል ሃገር፡ እቲ ቀዳማይ ሓላይ ሃገር፡ እቲ ቀዳማይ ፍቑር ሃገር፡ እቲ ውላድ ወርቂ ማህጸን ንሱ’ዩ። እቲ ቀዳማይ ኣእምሮ ሃገር ከኣ። እቲ ቀዳማይ ልቦናን ሕልናን ሃገር’ውን።  L’ Etat, c’est Issayas. 

ነቲ ህዝቢ የጽግቦ የጥምዮ፡ ይቐትሎ ይምሕሮ፡ ይስይሞ የዋርዶ፡ ካብ ኵሉ ድማ የርዕዶ ምሉእ ሓላፍነትን ቁጽጽርን ህዝቢ ወሲዱ እዩ እንካ ዝበሎ’ውን እንተዘይሃለወ።  ዓንኬላት ኣመንቲ (personality cults) ኣቝሙ ድማ  ንነብሱ  ናብ ሓውሲ ኣምላኽ   ኣደየባ።

ሓላፍነት’ቲ ምሉእ መስዋእቲ ኤርትራ ዘሰከሞ ከይነበረ ናይት’ቲ ምሉእ መስዋእቲ ንበይኑ ሓላፍነት ወሲዱ እቲ ምሉእ መስዋእቲ ንሱ ንበይኑ እዩ። ንሱ ኣይተሰውአን ግን እቲ ምሉእ መስዋእቲ ንሱ እዩ። ስለዚ ከኣ ነቲ ምሉእ መሰል ኤርትራ ክሕምትል በቒዕዎ’ዩ። እምበኣር ኢሳያስ ዓቢዱ። ውልቀ መለኽቲ፡ ኵሎም፡ ኣብ መወዳእታ ይዓብዱ። ወይስ ድሮ ስለዓበዱ እዮም ናብ መጠነ ኣምላኻዊ ስልጣን ዝመጣጠሩ ! ኢሳያስ፡ ኵሉቲ ዝገብሮ ምእንቲ ጽቡእ ኤርትራ’ዩ ! ይኣምን። ስለዚኮ’ዬ ዓቢዱ ዝበልኩ። ምእንቲ ጽቡቕ ኤርትራ  ከኣ ንኤርትራ የዕኑ።

*እቲ  ጊላ ድማ  ሴፉ ይስሕል። ግድን’ሲ ሓንቲ መዓልቲ ጎይታ’ታ ገረብ ክኸውን’ዩ።  ንሱ’ኸ ክቕተል’ድዩ ? ነቲ ዓንኬል ደም ከነቋርጾ ይከኣል ድዩ ? ዝኣመሰሉ ፖለቲኮ ፍልስፍናዊ፡  -ስነኣእምሮኣዊ፡  ኤቲካዊ ሕቶታት የልዕል እቲ መጽሓፍ። ንሃይማኖት፡ ካብቲ ዝተሰቕሎ መለኮታዊ ዓምዲ ኣውሪዱ ከም ማሕበራዊ ፍልስፍና ይዛረበሉ።  ኣንጻር ሃይማኖታዊ እምነታት ግን ኣይኮነን። ኣብ እምነታትና፡ ንህልውና ዝምድና መላኽን ተመላኽን ዘጣጥሑ ፍልስፍናዊ ስነኣእምሮኣዊ ባይታት ግን ንዘመናዊ ድልዬታትና ብዘገልግሉ መገዲ ከነመዓራርዮም ኣሎና  በሃሊ  እዩ። ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ‘ ባህላዊ ‘ ሰውራ ከነካይድ ኣሎና!  መቕድምን ኣርኣያን ባህግና እዩ’ሞ  ምስሊ ኣምላኽና  ሰላምን፡ ፍቕርን ሓቅን ፍትሕን ብዘገልግል ክንትርጕሞን ከነመሓይሾን  ክንጽዕር  ጊዜ’ኡ በጺሑ’ዩ ኢሉ ይሓልም። ኣብ ቀጻሊ ኣዎንታዊ ምዕብልና ንቕሓትን ወዲሰብ፡ ክሳብ መለኮታውነት ይኣምን። ንኣምላኽ ከየሸገረ፡ ወድሰብ፡ ኵሉ ሽግራቱ  ባዕሉ ክፈትሕ ብቑዕ ምዃኑ የረጋግጽ። ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን፡ ኣብ ክልተ ሰፋሕቲ ኣርእስታት፡ ሃይማኖታዊ ስነሓሳባዊ መሰረታት ጽቅጠትን ግህሰትን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይትንትንን መሰረታዊ   ስነሓሳባዊ ፍታሕ’ውን ይእምትን።

ኣብ ጉዳይ’ቶ’ም ከም ልሕሉሕ ነጥቢ ኣብ’ቲ ሰንሰለት ሃገራውነት ኤርትራ (Weak links in the Eritreans Nationalism) ክግለጹ ዝኽእሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ’ውን (ደንከልን ቈሓይንን) ዓሚቘ ክኣቱ ፈቲነ። ንባዛን ካልኦት ‘ልሕሉሕ ነጥብታት? ሃገራውነትን’ ኣብቲ መጽሓፍ ከምቲ ዝደልዮ ክጽንብር ኣይከኣልኩን እቕሬታ ጉድለት ውልቃዊ ተሞኵሮይ እዩ። ንዝውከሶ’ውን ኣይረኸብኩን። ኣብ ኣታሕዛን ኣፈታትሓን ናይዚ ግድል’ዚ ጀብሃ ድሮ ኢዳ ሓዊ ነዲዳ እያ። መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣይተማህረን።

በቲ መጽሓፍ ኣቢለ፡ ንኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ እምነታታ፡ ፍርሕታታ፡ ብቕዓታታ፡ ድኽመታታ፡ ትጽቢታታ ዝተሰባበረ ተስፋታታ ክኣቱ ነፍሳ ክርኢ ነፍሳ ክዕቅን ፈቲነ።    ኣብ ክንድዚኣ ንእሽቶይ ነገር ክንድዚ ነፍሲ ድማ ኣደኒቐ። ናብቲ ካልኣይ ገጽ ነፍሳ’ውን ኣትዬ። ገጸይ ኣብሪሀ ተዋዝየ። ሓጪጨ፡  ክሳብ’ውን ተጻሪፈ ግን ስምዒት ኵሉ ሓልየ። ኣብቲ መጽሓፍ ኣፍቂረ፡ ደሪፈ፡ ሳዕሲዐ፡ ስሒቐ፡ ሓዚነ በኽየ ኣብቲ መጽሓፍ ነፍሰይ ረኺበያ  ከኣ ሓውየ።

ነፍሲ ሓደ ህዝቢ ብስነጽሑፉ ይምዘን ይብል ሓደ ሩስያዊ ምስላ። ትግርኛ ንነዊሕ ዓመታት ብመግዛእታዊ ቋንቋታት ተጨፍሊቑ ኣይማዕበለን ጥራሕ ዘይኮነስ ንድሕሪት ተጎሲሱ እዩ። እቲ ዝነበረና ድማ ኣብ ፈቐዶ ደብርታት ኣብ ግእዝ ተሓቢኡ ገና ኣይረኸብናዮን። እቲ ዓቢዪ ስነጽሑፍን ኪነትን ክኸውን ዝስምዓኒ መዛሙራትን ቅኔታትን ያረድ ድማ እንትርፎ ንገለ ሊቃውንቲ ካብቲ ሓፋሽ  ገና ክዉል እዩ። እምበኣር ብሓፈሽኡ ድኻታት ስነጽሑፍ ኢና። ስለዚ’ውን ባህሊ ምንባብ  ኣየማዕበልናን። እሞ ድኻታት ነፍሲ ዲና? ነቲ ባህሊ   ስለዘየማዕበልና  ከኣ ንወትሩ ድኻታት ነፍሲ ኴንና ክንነብር ዲና? ብሓቂ ዶ’ኸ እቲ ባህሊ የብልናን ወይስ ንቑዕ ዝንበብ ስለዘይተቐረበልና እዩ? ዘተሓትት እዩ። ሓደ ጊዜ’ስ ነዚ ዓንኬል’ዚ ክንሰብሮን ካብኡ ክንወጽእን ክነብረና’ዩ። ከምኡ ክገብር ከኣ’ዬ ሓሊነ። ግዙፍ ሓሊነ። ቶልስቶይ፡ ዶስከየቪስኪ፡ ጀይምስ ሚሽነር፡ ሄሚንግወይ ካብቶም ኣዝየ ዝምሰጠሎም ጽሓፍቲ’ዮም። ዓቢዪ ይሓስቡ፡ ዕቢዪ ይሕልኑ፡ ዓቢዪ ይጽሕፉ። ንህይወት ብምሉእ ስፍሓታን ዕምቈታን የርእዩ። ንህይወት ይገልጹ። ህይወቶም ንመጻኢ የውርሱ። ኣነ’ውን ከምኡ’ዬ ሃቂነ።  ብትግርኛ፡  ሓደ  ሓንሳብ  ተነቢቡ  ዝድርበ  መጽሓፍ  ዘይኮነስ

‘ስነጽሑፍ’ ክጽሕፍ ሃቂነ። ሓደ ዝውረስ መጽሓፍ። ዋው! ኣቦታትና ከምዚ ኔሮም!? ዘብል መጽሓፍ።

እቲ ቀንዲ ነቀፌታ’ቲ መጽሓፍ ገዚፉ ዝብል’ዩ። እወ፡ ገዚፉ። እኣምን።  መፈለሚ፡ ወርትግ፡ ገዚፍ’ዩ። እቲ ክበሃል ዝተደልየ’ውን ገዚፍ’ዩ። እቶም ኣገደስቲ ሕቶታት ግን እዚ ዓርሞሸሽ’ዚ ተነባቢ ድዩ? ማራኺ ድዩ? ዝነግሮ’ኸ ኣሎዎዶ? …  ዝብሉ ክኾኑ ኔሩዎም። ድሓር ኣብ ሓንቲ ኵላሶ ውሓጥዎ ዝበለ የሎን።

በቲ መጽሓፍ ኣቢለ’ውን ኣብ ስነኣጻሕፋ ትግርኛ ንእሽቶይ ሓዲስ ከበርክት ፈቲነ። ንቃላት ብሰረዝ ኣጣቢቕካ ሓንቲ ቃል ምስራሕ ካብ ዓይኒ መልክዐ – ጽባቐን ተግባራውነትን ማራኺ ኴይኑ ኣይረኸብኩዎን። ስለዚ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ቋንቃታት’ውን፡ ናይ ሓደ ቃል ትርጕም  ዘለዎም ድርብ ቃላት ናብ ሓደ ክድርቦም ሓሲበ። ስለዚ፡ ስነጽሑፍ፡ ስነኣእምሮ … ።

ከምኡ’ውን መወዳእታ ፊደል ቃል ናብ ግእዝ ተለዊጡ ምስ ካልእ ቃል ተላፊኑ ከም  ሓደ ቃል ክጸሓፍ ተፈትዩኒ። ነብሰቁጽጽር፡ ሕብረተሰብ፡ ውልቀሰብ፡ ገሃነመእሳት፡ወድሰብ፡ ቁምነገር …። ካብ ዝተጣበቑ ድርብ ቃላት፡ ቅጽልን ረቒቕ ኣስማትን ምስራሕ  ይውቅብን ንምግንዛቦም ይሰልጥን። ኣጥበቕቲ ‘ጽሩይ’ ትግርኛ ግን ደስ ኣይበሎምን። ኣነ’ውን  እንታዋይ ኴይነ’ዬ  ከምዚ ዝልውጥ ተጠራጠርኩ። እቲ ፍርዲ ንኣንበብቲ ክሓድጎ ግን ንገሊኡ ናብ ባህላዊ ኣጣብቓ ቃላት ትግርኛ ቀይረዮ። ንገሊኡ ድማ ሓዲገዮ። ንቃላት ትግርኛ፡ ከም ቃላት ጀርመንኛ ክሳብ ሓደ መትሮ ክመጦም ግን ዕላማ የብለይን። እቲ ንቃላት  ብዘረዝ ምጥባቕ ግን ግናይን መጥፍእ ጊዜን ኴይኑ ረኺበዮ ሓዲገዮ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሰ – እምነት፡ ነብሰ እምነት። ንዓይ ግን ነብሰእምነት ቃሕ ምበለኒ። ‘ታይ ትብሉ ?

ኣብቲ መጽሓፍ ሓያሎ ባዕዳዊ ቃላት ኮነ ተባሂሉ ተሰኵዖም ይርከቡ። እዚ ድማ ንገለ ኣንበብቲ ኣይተፈተዎምን። ትግርኛ፡ ከም ዝኾነ ካልእ ቋንቋ፡ ብዝተዛመዶም ካልኦት ቋንቋታት ይጽሎን ተመሊሱ ከኣ ይጸሉን እዩ። ‘ ማንጆስ ‘ ወትሃደራት ሱዳን ነበር ኤርትራውያን  ካብ  ደቡብ  ሱዳን ናብ ቋንቋና ዝተማልእዎ እዩ። ኣብ ሜዳ ከኣ ብዘይካ ‘ ማንጆስ ‘ ቈልዓ ወይ ንኡስ ኢልና ኣይንፈልጥን። ብብዝሒ ተጠቃምነቱ ከኣ ትግርኛ ኴይኑ እዩ። ምሕራሙ ከኣ ንትግርኛ ብሓንቲ ቃል ምድካዩ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሳልሰይቲ ቃል እንግልዝኛ ካብ ፈረንሳይኛ ዝተወስደት’ያ። እንግልዝኛ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዝገዝኦም ቋንቋታት ቃላት ወሲዱ’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ብቃላቱ እቲ ዝሃብተመን ንዝኾነ ኣምር ከኣ ክገልጽን ዝኽእል። ትግርኛ’ውን ካብ ኢጣልያንኛ፡ እንግልዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ግእዝ … ቃላት ወሲዱን ክወስድ ድማ እኽእልን እዩ። ንቋንቁኡን ኣተሓሳስባቱን ባዕዳዊ ንዝኾኑ ኣምራት ከኣ ባዕዳዊ ቃላት ብምውሳድን ትግርኛዊ ጣዕሚ ብምሃብን ድሮ ንዝጸንሑ ህሉዋትን ምዉታትን ቃላት ሓዲስ ትሕዝቶ ትርጕም ብምስኳዕን ጥራሕ’ዩ ክገልጽ ዝኽእል። ክሳብ’ውን ቋንቋ ጽርግያ ንቤት ከነእትዎም ንኽእል። ክሳብ ክጽሕፍ ኢለ ዝፍትን ከኣ፡ ትግርኛ፡ ዘመናዊ ኣምራት ኣብ ምግላጽ ክሳብ ክንደይ ድኻ ምዃኑ ኣየስተውዓልኩን።

እምበኣር እቲ መጽሓፍ ተጻሒፋ። ቀሊል ስራሕ ኣይነበረን።  ብፍላይ ሓደ ሓንቲ ምልእተ ሓሳብ ክጽሕፍ 16 ዓመታት ዝወሰደሉ ሰብኣይ ኣብ ሕልመይ ከይተረፈ እናተራእየኒ   ክሳቕየኒ ጸኒሑ ቀሲነ ከኣ ኣብ ምሕታሙን ምዝርግሑን እንደገና ብዙሕ ጃጀኹ። ዕራቈት ነብስኻ ኣብ ኣደባባይ ምስጣሕ ኴይኑ ቀሊል ኣይነበረን። እቲ መጽሓፍ ግን ተሓቲሙ፡ ተዘርጊሑ  ወዲኡ ተነቢቡ’ውን።

በቲ ጽሑፍ ገለ ዝምሰጡን ገለ ድማ ዝቕየሙን ከምዝነብሩ ተነብየ ኔረ። ክሳብ ሕጂ ግን ዝተመሰጠን ዘመስግንን ድኣ’ምበር ዝተጸየነ ኣየጓነፈንን። ገለ’ኳ’ድኣ፡ ድሮ፡ ክላሲካዊ ትግርኛዊ ስነጽሑፍ ክብሉ ኣጋኒኖም። ንሓደ ጸሓፊ ከኣ ካብ’ዚ ዝበለጸ ካሕሳ ናይቲ ኵሉ ቍኒንን ጽሞናን፡ ኣንባቢ እንታይ ክብል’ዩ ? ስነኣእምሮኣዊ ስቅቕታን ኣይህሉን። ኵልኹም ኣንበብቲ የቐንየለይ።

ገለ ኣንበብቲ ድማ 500 ቅዳሕ ጥራሕ ንትሕዝቶ መጽሓፍን ዝተቐመጦ ጻዕርን  ፍትሓዊ ኣይኮነን  ስለዝበሉ እምበኣር ነቲ መጽሓፍ ካብቲ ብዙሕ ጌጋታት ኣጸሓሕፋ ፊደላትን ሆህያትን ነጥብታትን ነጥብታትን ኣሪመን፡ ንወሓዚ ተነባብነቱ ወልዊለን እንሆ ደጊመ አሕቲመዮ። ጌና’ውን ሓያሎ ጌጋ ፊደላትን ሆህያትን ክትረኽቡ ኢኹም። ከም ንዅሉ ንበይኑ ዝገበረ ጀማሪ ግን  ትምሕሩኒ ትኾኑ። ድሓር ልዕሊ ሚልዮን ፊደላት’ዮም። ኣብ ምርጫ ሆህያት ድማ ዘይቀሊል ጸገም ኣጓኒፉኒ። ኣብ ጀርመን ኣጻሕፋ ቃላት ብሊቃውንቲ ተጸኒዑ ብሕጊ ይጸድቕ። ኣብ ትግርኛ ካብ ስነሞገት፡ ስነመጎት፡ ስነመጐት … ክመርጽ እኽእል። ጽቡቕ’ዩ ማለተይ ግን ኣይኮነን።

ስነጽሑፍ፡ መስትያት ነፍሲ ሓደ ህዝቢ። ስነጽሑፍ ዘይብሉ ህዝቢ ነፍሲ የብሉን። ኣብ ስጋ ኤርትራ ነፍሲ ክንሰኵዕ መጻሕፍቲ  ንጽሓፍ። መጻሕፍቲ ነንብብ።   ልዋም ምንባብ። 

ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ
ባድ ቪልዱንገን: ጀርመን

መጻሕፍቲ በዞም ዝስዕቡ ኣድራሻታት ክጥለቡ ይከኣል።

1. Daniel Tesfai Tel. 0049 (0) 5621 91229  – Germany

2. Elsa Gaiem Tel. 202 9868948 (Washington DC- USA)

3. Estifanos Tewelde Tel. 573 673 470 2  (Columbia, MO.)

4. Issac Berhe Tel. 408 246 1853 (Santa Clara, Calf. USA)

5. Tizaz Semere Weldu Tel404 2468940 (Lawrenceville, GA. USA)

6. Zeudi Ghebreab Tel. 713 660 9913 (Houston, Texas)

7. Issayas Redeab Tel. 516 95 899 (Norway)

8. Meron Estefanos Tel. 0737444385 (Sweden)

9 Zeru Yebio Tel. 226 635 142 (London/ Ontario, Canada)

10. Haile Weldu Tel. 0208 932 0061 (London)

11. Cafe Nile (Aziz Abdulhay) Tel. 020 7720 3076 (London) Mobile. 079 297 107

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares