Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

እቲ ሓቂ ክበርህ ንተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን

March 20, 2011
Awate Team

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር (Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።

ብሓደ ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን  ብዝወሰደኦ ቕዱስን ቅኑዕን ተብግሶ ንሕና ኣብዚ ዘለና ኣብ ዝሐሸ  ህይወት ዘለዎ  ሃገር እናነበርናን ደቅና ብጽቡቕ እናዕበናን ፣ ነተን ኣሓትና ኣንስቲ ስዉኣትናን ኣዴታት ስዉኣትናን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ እሞ ከኣ በቲ ዝታሓተ ህይወት ናብረኣን ክመርሓሉ ኣብዘይክኣል ደርጃ  እናሃለዋ  ፣ንሕና ሪእና ከምዘይረኣና ሰሚዕና ከም ዘይሰማዕና፣ትም ኢልና ክንሓልፎ ሕልናና ኣየፍቅድን ብምባል፣ እሞ ኸኣ ተኣኪብካ ንእትገብሮ ውጺእቱ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለን ብምእማን፣ነቲ ክርዳድ ከይኣለያን ከየለለያን ንኹለን ደቂ ኣንስቲዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ ኣረኣእየን ብዘየገድስ  ኣኼባ ጸዊዐን ኩሉ ኹነታት ገለጻለን፣ ቐጺለን ከኣ ንሕና ካብ ፖለቲካ ይኹን ካብ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ወይ ውድብ ነጻ ዝኾነ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ሃይደልበርግ/ጀርመን ክንምስርት ስለ ዝደለና ፣ ዕላማ ማሕበር ከኣ ንሓንቲ ኣብ ኤርትራ  እትነብር ኣደ ስዉእ ወይ ሴይቲ ስዉእ ገንዘብ ኣኪብናን ናብርኣ ባዕላ ክትመርሓሉ እትኽእል እግሪ ከንትካላ፣ ካብ ጽግዕተኝነት ከንውጽኣ ኢዩ፣ እዚ ከምዚ ሉ እንከሎ ግን እቲ እንእክቦ ገንዘብ ብቤት ጽሕፈታት ወይ ውድባት ወይ ወን ብኻሎኦት ማሕበራት ዘይኮነ ፣ ባዕልና በቲ ነታ ኣደ ወይ ሓፍትና ብቐጥታ ኣብ ኢዳ ይበጽሕ ኢዩ ኢልና እንኣምነሉ መንገዲ ንምስዳድ ኢዩ ሓስብና፣ ብምባል ብንጹር ዕላመአን ኣነጽራለን ፣ ስለዚ ነዚ ትቃወማ ወይ ካልእ ሓሳብ እንተለክን  ምስበለአን ፣ ኩለን ኣብቲ አኼባ ዝነበራ ብዘይ ገለ ተቓውሞ ተቐበልኦ።

Advertisement

ሲዒበን ነዚ ቕዱስ ዕላማ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ወይ ውን ውልቀሰብ ዝቃወመና ኣይክህሉን እዩ ብምባል፣ ብግርህነተን ኣሰራርሓ ኮራኹር ኣባልት ህግደፍ  ከየጽንዓ፣ብዘይነዊሕ ምክታዕን ምሕሳብን፣ ብታህዋኽ ኣካየድቲ ማሕበር ብምምራጽ ብጠበቓ ጌርን ቅዋም አጽዲቐን ነቲ ማሕበር ሕጋዊ ማሕበር ኣብ ከተማ ሃይደልበርግ/ ጀርመን ገበርኦ (ሕጋውንውት ኣልበስኦ)።

ቐጺለን ውን ነቲ ቐንዲ ዕላማ ማሕበር አብ ግብሪ ንምውዓል፣ ኤርትራውያን ፣ጀርመናውያንን፣ ካለኦት ዜጋትትን ዓዲመን መግቢ፣ቡን፣ ሻሂ እንዳሸጣ ነቲ ማሕበር ምስቲ ኸባቢ ዘሎ ህዝቢ ኣላለየኦ ፣ እዚ ከምዚ እሉ እንዳሃለወ ኣብታ ኸተማ ኣብ ግዜ ሓጋይ ኣብ መንገዲ (ጽርግያ) ዝግበር ናይ  ኩሎም ኣብ ሃይደልበርግ ዝነብሩ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ዓለም በዓል ንምስታፍ ካብቶም ኣዳለውቲ ናይ ፍቓድ ወረቐት ድሕሪ ምርካብ ቴንዳ ተኺለን ን ክልተ መዓልቲ ዝኣክል መግቢ ድሕሪ ምሻጥ ነቲ ቐንዲ ዕልማ ማሕበር ብጥብቂ ተታሓሓዘኦ ፣እዚ ክብል ከልኹ ግን ዳርጋ 90% ናይቲ ኩሉ ስርሓት በተን ነቲ ማሕበር ዘበገሳ  ክልተ ሰለስተ ዝኾና ይዕመም ከም ዝነበረ ክንስሕቶ ኣይግባእን ፣ ምስቲ ኹሉ ድኻምን ላእልን ታሕትን ግን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክእክባ ኸኣላ።እቲ ስራሕ ውን ዕውት ነበረ።

ዎዮ|“ዝበእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ„ ከምኡ ውን “ዘራጊ ኾሎስ ጽሩይ ማይ ነይስተ,, ከም ዝብሃል ኣብቲ ውሽጢ ማሕበር ክርዳዳት ኣባልት ህግደፍን ኣንስቲ ኣባልት ህግደፍን ስለ ዝንበራ ፣ ማህበር ካብ ዝምስረት ጀሚሮም ውን ከይደቀሱ ይሓድሩ ስለዝነበሩ ንሶምን ኣንስቶምን ነቲ ሉሙድ እከይ ስርሖም ተታሓሓዝዎ፣ እሱ ኸኣ  ኣብዚ ኸተማ ነጻ ካብ ህግደፍ ዝኮነ ማሕበር ይምስረት ስለ ዘሎ ፣ ኣንስትና ኸኣ ኣብ ውሽጠን ስለ ዘለዋ ብኣኣተን ጌርና ተቓላጢፍና ኣብዚ ኸባቢ ሱር ከይሰደደ ኾሎ ፋሕ ከነብሎ ኣለና ብምባል ንገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኸተማ ብቴለፎን ንገሊኤን ከኣ  ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ ረኺብካ ናይ ምፍርራህን ታህዲድን ስርሖም ተታሓሓዝዎ፣ ንገለ ውሑዳት ንስኺ ዓዲ ክኣትዊ ኣይትደሊን ዲኺ ስድራቤትኪ ክትሪኢ ኣይትደሊን ዲኺ ኣብዚ እኮ ናጻ ካብ ህግደፍ ዝበሃል ማሕበር ኩልኩል ኢዩ ተሓሰብክሉ ይሓይሽ እናበሉ፣ ነተን ገሊኤን ከኣ በንስቶም ጌሮም ቴለፎን እንዳደወላ ስምዒ ኩስቶ ተጠንቀቒ እዚ ማሕበርን እተን መስረቱን መንገደን ስሒተን እየን ዕላማኤን ሓደግኛ እዩ ኣብ ሕማቕ ከውድቓና ኤየን ዝሓስባ ዘለዋ ሰለዚ ብትሪ ክንቃወመን ኣለና እዚ ማሕበር ኣብ ሃማደኤ/ህግደፍ ክጽንበር ኣለዎ ክንብለን ኣለና፣ እንተዘየሎ ኩሉ ኣብዚ ኸተማ ዘሎና ንዓኺ ውን ምስኤን ክንጽለኪ እዩ እንዳበላ ነትን መሳኪን ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ ዘይነበረን ሻቕሎትን ሕንፍሽፍሽ ኣእተዋለን ።በተን ካብ ኩቺና(ውሻጠ) ጀርመን ወጺኤን ዘይፈልጣ ሰበኡተን ዘዘምጹለን ወረ ዝምገባ ናይ ርእሰን ርእይቶ ክህባ ዘይክእላ ብፕሮፖጋንዳ ኤሪ ቲቪ  ዝደንቆረ ርእሰን ኣንስቶም ጌሮም ነቲ  ከም ወትሩ ፍሹል ዝኾነ ሓሶታቶም ክነዝሓ  ጀመራ።

 እዚ ከይኣክል እዞም ኮራኹር ኣባላት ህግደፍ ኩሉ ግዜ ዘይፍለጡ መሲሉዎም ብሕቡእ ክሰርሑ ዝፍትኑ ፣ ነተን ሓለፍቲ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ጸዊዖም ነጻ ማሕበር ዝበሃል የለን ኩሉ ኣብቲሕቲ መንግስቲ ህግደፍ እዩ ክኸውን ዘለዎ ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን አብ ወጻኢ ሃገር  ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ  ህግደፍ ኣየፍቅድን እዩ፣ስለዚ እዚ ኣዋህሊልክንኦ ዘለኽን ገንዘብ ናብ መንግስቲ ክኣቱ ኣለዎ መንግስቲ ባዕሉ ነቲ ዝምልከቶ ክህቦ ኢዩ ብምባል ኣፈራርሑወን።ገሊኤን ካብ ኣባላት፣ ዝመጸ ይምጻእ በቲ ቕዋም ማሕበርና ክንግዛእ ኣለና፣ ሕጂ ወን  በቲ ዝተሰማምዕናሉን ዝጀመርናዮን ዕላማ ክንከይድ እዩ መምሪሕና፣ ገንዘብና ከኣ ኣብ ማሕበርና(ነጻ ማሕበር) ኣትዩ ባዕልና በቲ ዝመስለና ነታ ወጽዕቲ ኤርትራዊት ኣደ ክንሰደላ ኢና  ክብላ ከለዋ፣ በዚ ኾይኑ በቲ ኸኣ ገለ ካብ መስረቲ እቲ ማሕበርን ካብ ኣካየድቲ እቲ ማሕበርን ኣብቲ ቀንዲ ዕላመኤን ስለ ዘይጸንዓን፣ ቀልጢፈን ስለ ዝረዓዳን፣ ናብትን ናብትን ግልብጥ ግልብጥ፣ ስለ ዝበላን፣ ምስ  ኣካየድቲ ኣባላት ህግደፍ ብምስጢር ድሕሪ ምዝርራበንን  እቲ ገንዘብ ናብ  ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ፍራንክፎርት ክኣቱ ተገደዳ (ብምፍርራሕ)።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

ከምቲ ሉሙድ ኣሰራርሕኡ ካብ ኣፍ ድኻ  ክምንጥል ዝለመደ መግስቲ ህግደፍ  ነቲ ነታ ውጽዕቲ  ኣደ ስውእ/ ሰይቲ ስውእ ንመነባበሪኣ ክኸውን ኢለን ዝኣከበኦ ገንዘብ  ብመገዲ ኮራኹር ኣብላት ህግደፍ ኣብ ሃይደልበርግ ዘለዉ ጌሩ ኣብ ቆፍኡ ኣእተዎ። ጽንሕ ኢሉ ኸኣ በቶም ናቱ ሉኡኻት ጌሩ መታን ከምስልን ነተን መሳኪን ኣባልት እቲ ነጻ ማሕበር  ከእምንን ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ መርበብ ኢንተርነት ሻባይት፣ ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ከተማ ሃይደልበርግ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣወፊየን ክብል ተሰምዔ።ካብ ኣፍ ኣደ ስውእ፣ ካብ ኣፍ ሰይቲ ስውእ፣ ካብ ኣፍ ውላድ  ስውእ፣ እንጀራ፣ ባኒ እንዳመንጠልካን ንዖኦም መነባበሪ ክኸውን ዝተኣከብ ገንዘብ እንዳመንዛዕካን ፣ ዓመት ዓመት 20 ሰነ መጸት ናይ ስዉኣት መዓልቲ ከትኽብር ሸበድበድ ምባል ምስምንታይ ይቑጸር፣ ንመን ንምእማን እዩ ኸ፣ፍርዲ ንኣንባቢ ይገድፈሉ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባልት ህግደፍ ሃማድኤ ዓቢ ጉዳይ ከም ዝትረኸበ  ነጻ ማሕበር ኣብ ከተማና(ሃይደልበርግ) ተምስሪቱ ስለ ዘሎ ጠፋእና በጃኽን ቀልጢፍክን ርድኣና ብምባል ን ወ/ሮ ኣደ ወንበር ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመንን ንወ/ሮ ወካሊት ሃማደኤ ንኡስ ጨንፈር ካብ ማንሃይምን(ንግዚኡ ሽማ ዘይፈለጥክዋ) መጺኤን ኣኼባ ክገብራለን ተላብወን ፣ ከም ለበወእን ሃጽ እናበላ ኸኣ መጻ፣ እንታይ እሞ እሰን ውን ከምቶም ዝቐደሙ ደቂ መዛሙረን ከይሓፈራ ኣብዚ ኣብ ጀርመን ይኹን ኣብ ካልእ፣ ካብ ህግደፍ ዝውንኖ  ማሕበር  ወጻኢ ዝኾነ ማሕበር ክትምስርታ ፈጺሙ ክልኩል ኢዩ ክብላ ተስምዓ።

እሞ ኸ ደኣ ወይዘራዝር ሓለፍቲ ሃማደኤ ህግደፍ፣ ነዚ ከም ዓቢ ጉዳይ ቆጺርክን  ህጹጽ ወራር ከም ዝተርኸበ ኣብ ሃይደልበርግ መጺኽን ነቲ ካብ መጽሔት ህግደፍን ሰብኡትክንን ዝተምሃርክንኦ እቲ ንዑቕን ሓልፍነት ዝጎደሎ ዘረባታት ካብ ኣፍክን ምስ ተሰምዔ፣ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንክንን ዝኾነ ይኹን ቁምነገር ዘለዎ ስራሕ ከምዘይትሰርሓን ናይ ዱሑራት ድሑራት ኣተሓሳስባ ከምትውንናን ንኹል ክበርሃሉ ኪሉ ፣ እስኽን ክልቴኽን ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ክትመርሓስ ይትረፍ ንነብስኽን ኣበይ ቦታ ከምዘላ ክትፈልጠኣ ዘይትኽእላ ሰባት ምዃንክን በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረክን እፈቱ

Advertisement

ስለዚ ነዚ ከማዚ እከይ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰብእቶም ይኹኑ ኣንስቶም ኣብላት ህግደፍን ነቶም ክልተ ገጽ ሒዞም/ሒዘን ብምስጢር ምሶኦም እንዳተራኸቡ/ባ ቴለፎን እንዳደወሉን/ላን ኩሉ ናይቲ ቁኑዕ ኤርትራዊ  ጸብጻብ ከሕሉፉ ዝውዕሉ ናይዚ  ከተማን ከባቢኡን ሃሱሳት እንታይ ይገብሩ፣ ኣበይ ይሰርሑ፣ ካበይ ይነብሩ፣እንታይ ይዛረቡ፣እንታይ ይብልዑ፣ ምስ መን ይዘሩ ኣንዳዕዲዕና ስለ ንፈልጥ ፣ ንቐጻሊ ካብ ከምዚ ኣነዋሪ ዘይ ኤርትራዊ ባህሊ ዓይነት ስራሕ ምስራሕ እንተተቖጠብኩም ግርም እንተዘየሎ ግን ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሉ እቲ ግብርኹምን፣ ክፋትኩምን ፣ሓሶትኩምን፣ ኣስማትኩምን ፈሊጥናኩም/ክን ስለዘለና ንኹሉ ህዝቢ ካብ ምሕባር ድሕር ምባል የለን።

እሞ ኣሓት ደቂ ኤርትራ

ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግን/ማንሀይምን ከባቢኡን ፣ ኣብ ጀርመን ዓዲ ዲሞክራሲ ፣ ዓዲ መሰል እንዳተቐመጥና ብሓደ ክልተ ህይወቶም ብርእሶም በቲ ንዕኦም ዝመስሎም ብድላዮም ክመርሑ ዘይክእሉ ፣ናብርኦም ብመጽሔት ህግደፍን ኤሪ ቲቪ ዝምራሕ ፣ ንጥቕሞምን ንጅብኦም ክመልኡ ክብሉ ነቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣጆኻ ኣለናልካ ክብሉ ዝውዕሉ ኣባላት ህግደፍ እዚ ከባቢ፣ ንሕና ተቢዕና ብትሪ ክንቃወዎምን መለእኽትና ከነስምዖምን ኣለና፣   

ከም ኩለን  ደቂ ኣንስቲዮ ዓለምና ንሕና ውን ኣብዚ ሃይደልበርግን/ማንሃይምን ከባቢኡን እንቕመጥ ኣብ ጀርመን መሰልና ሕልውን ውሕሱን ከም ሙኻኑ መጠን፣ክነብር፣ክንሰርሕ ክንዛረብ፣ ክንጽሕፍ፣ ክንእከብ ፣ ክንቃወም፣ ክንድግፍ ፣ክንንቀሳቐስ ፣እንዳተፈቐደልና ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሳስብኦምን ታህዲዶምን ኣባላት ህግደፍን ሰዓብቶምን፣ ከይተሰናበድና፣ ከይፈራሕናን ካብ ጽኑዕን ቅኑዕን ዕላማናን ኣተሓሳስባናን ነቕ ከይበልና ጉዕዞና ክንቅጽል ኣጆኽን ኣጆና ንዓና ውን ኣልዉና ኣብጎንና ይብለክን።

Advertisement

መሰልና ባዕልና ብኣና ንዓኣና

The Struggle Ahead: A Matter of Perspective
Dissipation Of Social And Political Energy

Comments

Latest News

  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026
  • Peekaboo: The Ethio–Eritrean GameApril 30, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (753)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services