ትግርኛ

ስለምንታይ ኣንጻር ዋዕላ

Awate Team3 min read

ዋዕላ ንመን ይጠቅም? ንመን’ከ ይጐድእ? ዝብል  ሕቶ ኣድላኢ ኰይኑ ይስማዓኒ። ዋዕላ ናይ ምይይጥን ምርድዳእን መኣዲ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ብፍላይ ንዓና ዋዕላ ናይ ጥርናፈ መስርሕ ኢዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝኾነ መለክዒ ንሓደ ውጹዕ ህዝቢ ጠቓሚ’ምበር ጐዳኢ ኣይኮነ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ዝኸስር ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። እሞ ስለምንታይ ድኣ ገለ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ንዋዕላ ይቃወሙ?

Advertisement

ካብ መጀመርትኡ፡ ዓወት ናይ’ዚ ዋዕላ’ዚ ብዙሕ ህዝቢ ተጸብይዎ፡ ውሑዳት ድማ ውድቀቱ ተመኒዮምዎ። ኣብ መጨረሻ ድማ ድሌት ናይ ብዙሓት ሲዒሩ። ምኽንያቱ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝደግፎን ዝተሳተፎን ኢዩ። ዋዕላ ከም ሓደ ወተሃደራዊ ስርሒት ናይ ግብ ወይ ክብ ተርእዮ (ከምቲ ገለ ዝተመነይዎ) ኣይኮነን። ዋዕላ ሓደ ቀጻሊ መስርሕ ኢዩ። ሎሚ ሚኢይቲ ብሚኢይቲ እንተ ዘይተዓወትካ፡ ኣብ ቀጻሊ እትዕወተሉ ጉዳይ ኢዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ብኣካል ተሳቲፈ ኢየ። ብገለ ግዜ ምስኣን ግን ብዛዕባኡ ኣብ ግዜ ርእይቶይ ከስፍር ኣይከኣልኩን። ብዙሓት ኣዕሩኸይን ፈተወተይን እውን “ ሎምስ እንታይ ድኣ ኰንካ ወስ ዘይትብል(ዘይትጽሕፍ)” ዝበሉኒ ውሑዳት ኣይኮኑን። ውጽኢት ናይዚ ናይ መጀመርያ ዋዕላ ካብቲ ዝተጸበኹዎ ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ኣይኮነን። ተቓዋሚ ደምበ ልክዕ እቲ ከበርክቶ ዝኽእል ዓቐሙ ኢዩ ኣበርኪቱ። እዚ ንዓይ ዓወት ኢዩ። ውድባትን ሰለፍታትን ጥራይ ዘይኮናስ፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን መራሕቲ ሃይማኖታትን፡ ካብ ኩሉ ሕበርተሰብና ዝተወከሉ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ንዓይ ዓወት ኢዩ። እዚ ኣኸበኛዚ ኣብ ሓደ መኣዲ ክትዕ ተሳቲፉ እተን ዝወጻ ውሳኔታት ከሕልፍ እንከሎ ተስፋ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስግኣት ንህግደፋውያንን ተሓባበርቶምን ኢዩ። እቲ ኣብ ዋዕላ ዝሓለፈ ውሳኔታት ዳርጋ ኩሉ ሰብ ሰለ ዘንበቦ ክደግሞ ኣይደልን። ንዓይ ዝሐጎሰኒ ነገር ግን ኣብ መንጎ ወከልቲ ዝነበረ ሓለፍነትን ምትሕልላይን ኢዩ።ንኣብነት ኣብ ጉጅለና (G1: Workshop)  እቶም ደቂ ከበሳ ነቲ እስላማዊ(መታሕታዊ) ሕብረተሰብና “ዝያዳ ውጹዕ ኢዩ፡ ንፍለጠሉ” ክንበል ከሎና እቶም ካብ ሱዳን ተወኪሎም ዝመጹ ኣያታትናን ኣቦታትናን መሻይኽ ተተሲኦም “ ኣፋል፡ ንሕና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፎቖዶ ኮንተይነራትን ምድረ በዳታትን ዝወድቁ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርሰትይን ሪኢና ሰለ ዘመጻና፡ ኩላትና ኢና ውጹዓት፡ ስለዚ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ጥራይ ነዚ ጸረ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ነውድቆ” ብምባል ይትንትኑ ምስ ሰማዕኩ፡ ፈጹም ሞራለይ ኢዩ ሓፍ ዝበለ። ሓሶት እንተ ኮይኑ ኣብ ጉጅለና ዘነበርኩም መስክሩ።

እወ! ኩላትና ምተመነና፡ እዚ ዋዕላዚ ሓደ ባይቶ ኣቚሙ፡ ኣብ ስደት ግዝያዊ መንግስቲ ኣዊጁ፡ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ምሕዩ ከምቲ መስከረማውያንን ሰዓብቱን ዝብሉዎ፡ ኢትዮጵያ ሒዝና ንኤርትራ ክንርር ዘይኮነስ፡ኣብ ቦታ እቲ ጸረህዝቢ ዝኾነ ስርዓት፡ ሓደ ፍትሓውን ዲሞክራሰያውን ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንተክል ምተመነና ። እቲ ሕቶ ግን ንሕና ተቓወምቲ ኣካላት ብሓደ ዓላማን ሓደ ልብን ኮና ነዚ ኩነታት ተዳሊናሉ ዲና? ሓደ ጉዳይና ከንሱ ኣብ ርእሲ ዋዕላ ዋዕላ እንእውጀሉ ኩነታት እንዲና ዞሎና? ኣብ ክንዲ ድሌት ህዝቢ ተመርኵስና ዘሎ ጉደለታት እናኣረምና እንቃለስ፡ ኣብ ሰልፋውን ውልቃውን ጠቕምታት ጢሒልካ ዕንክሊል ምባል፡ ከይዱ ከይዱ ንነብስኻን ህዝብኻን ምጉዳእ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ፡ ጥርናፈ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ዓሚ ለብዘበን፡ ካብ ለብዘበን ንዓመታ ከም ዝሓይሽ ኣይጠራጠርን።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations

ዓወት ንሃገራዊ ጉባአ ኤርትራ

ርእይቶ፡ fitiwi@planet.nl

Advertisement
Advertisement