Awate.com

መሰል ንኽትሓትት ነጢፍካ ግቡእ ንምትግባር…

(እዚ ጽሑፍ ዕላማኡ ንኣስተንትኖ’ዩ’ሞ መዓዲ፡ ገሳጺ፡ ምናልባት’ውን ከም ገለ ክብል መሃሪ እንተ መሲሉ ሰኣን ኣኻእሎ ጥራይ’ዩ።)

ነቶም እንተስ ብጥቕሚ፡ ምድንጋርን ሰሪ እዅል ምስትውዓልን ንስርዓት ህግደፍ ዝድግፉ ገዲፍና፡ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ኣንጻሩ ደምበ ዘሎና ጥራይ ከተኵር። ስእነት ተሓታትነት፡ ግሉጽነትን ምዝርጋሕ ጭቡጥ ሓበሬታን ገለ ካብቶም ስርዓት ህግደፍ ዘይቀባበሉዎ መሰረታውያን ኣዕኑድ ንቡር መንግስቲ እዮም። ኣንጻር’ዚ ወጽዓ’ዚ እንቃለስ ወይ ድማ ካብኡ ዝሃደምና እምበኣር ነቲ ተግባር’ዚ ካብ ምድጋምን ምግዋሕን ክንቍጥብ መሰረታዊ መንጸፍ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎንና።

ብሰንኪ ዓፈና ሓበሬታ፡ እተን ዝርካበን ማዕከናትን፡ ኣብ ወረን ዘይተረገገጸ ምንጪን ክምርኰሳ ግድን ይኸውን። ምስ ምስፋሕን ተጠቃምነትን ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሎሚ ብዙሕ ኤርትራዊ ቅድሚ’ተን ዝጥቀሳ ማዕከናት ዜና ሓበሬታ ክረክብን ብዝመጾ ኣብ ናይ ውልቁ ገጻ ፈይስቡክ፡ ትዊተር፡ ኢንስታግራም ወይ ድማ መርበብ ዩትዩብ ክዝርግሖን ልሙድ’ዩ። ኣብ መንጎ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልኦት ልምዳውያን መራኸቢ-ብዙሃንን ብዘሎ ተወራራስነት፡ ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዕበ-ይንኣስ ኣካል ናይቲ ዝሰፍሐ ምቕባልን ምዝርጋሕን ሓበሬታ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣዝየን ዕጹዋት ሃገራት ድማ እቲ መስኰት ኣዝያ ጸባብ ስለ ዝዀነት ነቲ ጾር ድርብ ይገብሮ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዜጋዊ/ኣጋር ጋዜጠኛ ስለ ዝልወጥ ድማ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ፡ ምንፋይን ምዝርጋሕን ብማዕረን ሓላፍነታዊ መገዲን ክዓዪ ግዜን ኵነታትን ይጠልብ።

ካብቲ ኣዘውቲሩ ዘጓንፍ ዘሎ፡ ካብቲ እንነቕፎ ስርዓት ዝብእስ ስእነት ተሓታትነት፡ ምንጩን ሓቅነቱን ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ምፍናው’ዩ። እዚ ስሕተት’ዚ ሳሕቲ ዘይኰነስ ዳርጋ ንቡር ተርእዮ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ፡ ነቲ ዝንቡዕ ወረታት ቀንዲ ኣበገስቱን መገብቱን መርብበ ስለያ እቲ ስርዓት እንተዀኑ ኣየገርምን። ንህንጡይነት ገለ ማዕከናት ዜናታትና ብምስትውዓል ድማ፡ ዳሕራይ ኣብ ቅድሚ ሰማዒን ኣንባቢን እምነት ንምጕዳል ብዝዕላማኡ፡ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምምጋብ ይዋፈሩ። ካልእ ኣጀንዳ ዘለዎም ወገናት’ውን እቲ ዝስዕብ ሕንፍሽፍሽ ኣብ መቓን’ቲ ዓቢ መደባቶም ስለ ዝጥቕለል፡ ኣበገስቲን ደፋእቲን ክዀኑ ንቡር’ዩ።

እቲ ካልእ ጠንቂ ጽቡቕ ድሌትን ኣንጻር’ቲ ስርዓት ዝኸሓነ ጽልኢን ዘበገሶ ስሕተት ይመስል። ንምስሊ’ቲ ስርዓት ዝድውን ጥራይ ይዅን’ምበር ሓቅነቱስ ከም ሻሙ ብዘስምዕ ርድኢት ዝንቐለ ዝርጋሐ ሓበሬታ ሱር ሰዲዱ’ዩ። ማዕከን ዜና ንተኸታታሊኡ “ዘሕጕስን ክሰምዖ ጥራይ ዝደሊን” ሓበሬታ ዘሕልፍ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ማዕከናት ሓበሬታትና ግን፡ ኪንዮ ምንጪ ሓበሬታ ከም ተቓለስቲን ዘርጋሕቲ ጸግዒ ዝሓዘን ወገን ምዃነን ስለ ዘእመና፡ ሓቅነት’ቲ ዝዝርግሐኦ ሓበሬታ ኣብ ምፍታሽ ዘጥፍአኦ ሃልኪ ዘሎ ኣይመስልን።

ሓቅነቱ ዘይምምዛን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ሰንሰለታዊ ክስተታ ኣሎ። ቀዳማይ ነቲ ጌጋ ዘይምእራም’ዩ። እቲ ጌጋታት ናይ ዕለታት፡ ምድንጋር ኣስማትን ኣሃዛትን ጥራይ ኣይኰነን። ብቐንዱ ንሞትን ህይወትን ዓበይቲ መራሕቲ ዝምልከት’ዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናጻ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዙሕ ሳዕ ሞይቱ’ዩ። ኣብ ገለኡ ድማ ካብ 50-90% ከም ዝሞተ ተሓቢሩ ኣሎ። ብሚእታዊት ሞት ከመይ ከም ዝዀነ ኣይርድኣንን፣ እንተዀነ፡ ምማቱ ዝሓበረት ማዕከን ዜና ሃለዋቱ ምስ ተረጋገጸ፡ ቅድሚ ይቕረታ ምሕታት፡ ካልእ ፍጻመ ኣብ ምቅላሕ’ያ እትኣቱ።

ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት “ዝሞቱ” ላዕለዎት መራሕቲን ስሙያት ሰባትን፡ ብሕልፊ ንነባሪ ኤርትራ፡ ካብ ህዝባዊ ቦታታት ፈጺሞም ክኸወሉ ስለ ዘይክእሉ፡ መስደመም ዜና ይኸውን። እቲ ዝበኣሰ ድማ እቲ ዜና ጌጋ ምዃኑ ናብ ዘርጋሕቲ ናይቲ ዜና ምስ ቀረበ (ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ክኸውን ይኽእል) ኣብ ክንዲ ተቐዳዲምካ ይቕረታ ምሕታት፡ “እንታይ’ሞ ዘይጽባሕ ክመው’ት’ዩ” ብዘስምዕ ምኽኒት ወይ ድማ ሞራል’ቶም በታ ዜና ዝተሓጐሱ ወገናት ንዘይምህሳይ ኣይእረምን።

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተጻረየ ሓበሬታ ክንረክብ ይኽበድ ደኣ’ምበር፡ ብሕልፊ ነቶም ቀረባ ዓመታት ዝወጻእና ወይ ድማ ሞያና ሓሲብና እንዓዪ ኣካላት ካብቲ ተራ ዜጋ ዝሓይሽ መምዘኒ መንፊት ክንጥቀም ሓላፍነትና’ዩ። እቶም ከየረጋገጽና እናጋውሕ ድማ፡ እንተስ ከም ተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ ድማ ሓላፍነታውያን ዜጋታት፡ ካብቲ ዝሃደመናዮ ኣገባባት’ቲ ስርዓት ዝሓይሽ ሞራላዊ ሓላፍነት ክህልወና ትጽቢት ይግበረልና።

ንበል ኵሉ ዝከኣለና ኣገባባት መንፈዪ ጌርና’ውን እቲ ጌጋ ኣጋጢሙስ ንህዝቢ ዘርጊሕና። እቲ ወረ ጌጋ ምንባሩ ምስ ተረጋገጸ ግን ነታ ዘሕለፍናያ ሓበሬታ ክንእርማ መሰረታዊ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት’ዩ። እዚ እንኮላይ ንተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ዝምልከት’ዩ። ኣብ መንጎ ክሊ ኣዕሩኽ፡ ብጌጋ ዝነገርካያ ሓበሬታ ምእራም ልሙድ’ዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቶም “መሓዙትና” ዝዘርጋሕናዮ ጌጋ ሓበሬታ ክንስሕቦ ኣማራጺ ዘይኰነስ ግድን’ዩ።

እዚ ስእነት ሓላፍነት’ዚ ብተደጋጋሚ ግዜ ዘጓንፍ ዘሎ፣ ምስ ምንዋሑ ድማ እቲ ተኸታታሊ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ዝርአ ልምዲ፡ እንተስ ፍርቁ፡ ርብዑ፡ አረ ገለ እዋን’ሲ ስም ጥራይ ወሲዱ ነቲ ዝተረፈ ሓበሬታ ክጕሕፎ ነልምዶ ኣለና። ከምኡ እናበለ ድማ ካብ ወግዓዊ ምንጪ ሓበሬታ ጥዑይን ጭቡጥን ዜና ክረክብ ከም ዘይኰነ ባህሊ ይሰርጽ ኣሎ። ኣንባቢ/ሰማዒ ንዝረኽቦ ሓበሬታ መርሚሩ ክቕበል ትጽቢት ዝግበርሉ እኳ እንተዀነ፡ ብጋዜጠኛታት እቲ መራኸቢታት ክኸውን ዝነበሮ ስራሕ ይዝንጋዕ ስለ ዘሎ፡ ግን ብመሰረቱ ባዕለ-ኵናት ኣንጻር መራኸቢ-ብዙሃን ይኸውን።

እዚ ሕቶ’ዚ ነቶም ማዕከን መራኸቢታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ብማዕረ ዝምልከት’ዩ። ኵሉ ሰብ ንዝቕበሎን ዘንብቦን ሓበሬታ ክመሚን እኹል ኣፍልጦ ክህሉዎን እኳ እንተ ዘይተጸበና፡ ማዕረ’ቶም ብመትከል ከም ዝድገፎም ዝግለጹ ከም ዝቃለሰሎም ዝገልጽ ተሓታትነት ግን ነብሱ ክፍትሽ ኣለዎ። ብጌጋ ኰነ ሸለልትነት ግጉይ ሓበሬታ ዝለጠፈ፡ ዘካፈለ፡ ድጋፉ ብቕሉዕ ዘርኣየ ጌጋኡ ክእርምን ክሕብርን ግዴታኡ’ዩ።

ካልእ ገኒኑ ዘሎ ተርእዮ ኣብ መንጎ ክውንነትን ምንዮትን ፍልልይ ምስኣን’ዩ። “ጥራይ ነቲ ስርዓት ዘዳኽም ይዅን’ምበር ሓቅነቱስ ደሓን…” ዝብል ርድኢት ኣብ ብዙሓት ዘርጋሕቲ ሓበሬታን ተጠቀምቲን ሰሪጹ ኣሎ። እዚ ልምዲ’ዚ ድማ ነቶም ወግዓውያን መራኸቢ-ብዙሃን ጥራይ ዘይኰነስ ንተራ ተገልጋሊ’ውን “ወገንና እንድዩ” ብዘስምዕ ርድኢት ጌጋ ምዃኑ እናፈለጥካ ምድጋፍን ምግዋሕን ባህሊ ኣንጊሱ። እቲ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ክእርም ንዝፈተነ ሰብ፡ “ልኡኽ ህግደፍ” ብዝብል ቅጽል ነቲ ዘሎ ግዜያዊ ሓጐስ ክዘርግ ከም ዝተላእከ’ዩ ዝርአ። ነዚታት ዘስትወዓሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ጌጋ’ውን እናረኣዩ፡ ክመጾም ዝኽእል ግብረ-መልሲ ስለ ዘስተውዕሉ ትም ይመርጹ።

ናጽነት ምስ ተሓታትነት

ኣብ ናጻ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዝርአ ስሕተት ከምእኒ ጌጋ ሓበሬታ ምግዋሕን ዘይምእራምን፣ ብቐንዱ ከኣ ተደጋጋሚ ዝርአ ጉድለት ተሓታትነት፡ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ብዝበኣሰ ይዝውተር’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ተጠቃሚ ናይ ዝዘርግሖን ዘካፈሎን ጽሑፍ ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦ እኳ እንተዀነ፡ እቶም ዝሰፍሐ ጽልዋን ሰዓብቲን ዘለዎም ዜጋታት ወይ ድማ ጸለውቲ ተጠቀምቲ ግን ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ መሰረታዊ’ዩ።

“ኣንባቢ ባዕሉ ይመምዮ” ኢልካ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ምክፋልን ምድጋፍን ገለ ካብቲ ኣብ ብዙሓት ተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰሪጹ ዘሎ ሃዚልነት’ዩ። ብብዝሒ ምክፋል፡ ድጋፍን ጣቕዒትን ዝዕቀን ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓደ ካብቲ ኣበሳኡ ዘይተደረተ ሓላፍነት ስለ ዝህብ’ዩ። እዚ ኣብ ዘየድሊ ውድድር ስለ ዝመርሕ፡ ብዝሒ ሰዓብቲ ንምርካብ ብዝብል እምነት ጥራይ ገለ ጽለውቲ ዜጋታት ኣንጻር እምነቶም’ውን ጽሑፋት ከካፍሉን ኣጋይሽ ክዕድሙን ይረኣዩ። ዳሕራይ ሰብ ኣጥቢቑ ምስ ሓተቶም ድማ፡ “ኣነ’ኳ ምስ ሓሳባቱ/ባታ ኣይሰማማዕን’የ፣ ህዝቢ ባዕሉ ክፈርዶ ግን ዓዲመዮ፡” ዝብል መልሲ ይህቡ።

ዝዀነ ማእከል ሓበሬታ ንዅሉ ዘቃልሖ ይሰማምዓሉ ማለት ደኣ ኣይዅን’ምበር፡ እቲ ዝዝርግሖ ሓበሬታ ንዝሰፍሐ ሕብረተሰብ ክጐድእ ዝኽእል’ዩ ኢሉ ምስ ዝኣምን ግን ክገትእ ሓላፍነቱ’ዩ። ኣብ ክፉት ዘተ ምስ ዘቕርቡዎም ኣሽሓት ተኸታተልቲ ስለ ዘምጽኡ’ሞ፡ “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከነዋጥሮም” ብዝብል ዕባራ ምኽኒት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት (ብቐንዱ ድማ ፈይስቡክ ቀጥታን ዩትዩብን) ዓዲሞም መርዚ ንኽዘርኡ ዘኽእሉ “ጸለውቲ” ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣይወሓዱን። ብስም “ናጻ ፕረስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን” ድማ ንኻልኦት ወገናት (እምነታት፡ ጾታ፡ ኣውራጃ፡ ከባቢ ወዘተ.) ክዝልፉ መሰሎም ምዃኑ ይምጕቱ።

ብኻልእ ጠመተ ኵርናዕ፤ ማሕበራዊ መራኸቢታት “ፍኑው” ስለ ዝመሰለ ጥራይ ዝዀነ ሰብ ድላዩ ኢሉን ብዘይ ተሓታትነት ናጻ ክኸይድን ዝኽእል ዝመስሎም ከይህልዉ እስከፍ። ሓደ ኣብነት ናይዚ “ናጻ” መድረኽ’ዚ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት መስመር/ቤት ብምኻድ ዝገብሩዎ ጸርፊ’ዩ። ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ስፍራ (ታይምላይን) ብምኻድ ክዝልፉ ምሉእ መሰል ዘለዎም ዝመስሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ እዋን እርኢ። ምስ ከምኣቶም ዝመስሉ ሰባት ምምልላስ ስለ ዘይከኣል (ንውሕጅ ብነጸላ ዝዓገቶ ሰብ ኣይረኣናን) ክትኣልዮም/ክትክልክሎም ምስ ጀመርካ ድማ “ሰንሱር ገይሩና” ኢሎም ይምጕቱ።

ነዛ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንዕዘባ ኣገባብ ኣመላልሳን ጸርፊን ናብ ተግባር ከነውርዳ ንፈትን። ንሓደ ሰብ ኣብ ገዛኻ ዘርኢካዮ ዘለኻ ዕንባባ ባህ ኣይበለንን ኢልካ ከም ምጽራፍ፣ ወይ ድማ ሕብሪ መስኮት ገዛኻ ኣይፈተኹዎን’ሞ፡ ብእኡ ክሓልፍ ይርብሸኒ ስለ ዘሎ፡ ክሰብሮ መሰለይ’ዩ ማዕረ ከም ምባል’ዩ። እቲ ሰብ ኰነ ካልእ ኣካል ብወግዒ ጸዊዑ ርእይቶ ክሳብ ዘይሓተተ ወይ ድማ እቲ ስራሕ ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝዀነ ህዝባዊ ቦታ ክሳብ ዘይኰነ ከምዚ ዝመስል ምትእትታው ክገብር ሓላፍነት’ዩ ኢሉ ዝምጕት ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።

ካብ ብዙሕ ጠንቅታት ምብዛሕ ናይ ሓሶት ኣካውንትን ንሱ ዝፈጠሮ ስእነት ተሓታትነት’ዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘይ ስሞምን ስእሎምን ዝጥቀሙ፡ ብዘይ ዝዀነት ተሓታትነት ክጻረፉን ክዝንጥሉን ምርኣይ ሓድሽ ርኽበት ኣይኰነን። ብናይ ሓሶት ስምን ምስሊን ምኽዋል ድርዒ ስለ ዝህቦም ድማ ነቲ ድሮ ማህሚኑ ዘሎ ኵነት መሊሶም የብእሱዎ። ብምጽራፍን ምክሽማሽን ጥራይ እቲ ስርዓት ክዳኸም ዝኽእል ዝመስሎም ከይህልዉ’ውን ገለ እዋንሲ የጠራጥር’ዩ። ብኸምኡ ተደሪኾም ከኣ ይዅኑ ብዋጋ ሓበሬታን ካልእ ልዙብ ምብህሃልን ምጽራፍ ዝያዳ ውጽኢታዊኢ ዘምስሎም።

(ብምንዮትን ጸርፊን ዝወድቕ ስርዓት እንተ ዝህሉ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣይምጸንሐን ‘መስለኒ።)

ተደርማሚሩ እዚታት መናውሒ’ቲ ስርዓት’ዩ። “እዚኣቶም ከይመጽኹም ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣፍሪሑ ክገዝእ ከኣ መራጐዲ መርትዖ ይዀኖ። ይዀኖ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ዝቃወሞ ኣካል’ውን ካብቲ ስርዓት ከም ዘይሓይሽ የመልክት ስለ ዘሎ ሞራላዊ ፍናን ይኸልኦ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንኣብ መራኸቢ-ብዙሃን እምነት ምጕዳል ንቡርነት የልብሶ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares