ሃይማኖታዊ ጎንጺ ዝበሃል የለን
“ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ዝበሃል የለን“ … ካብዚ እምነት`ዚ`የ ክብገስ፤ እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ተረደኦና ዘሎ ጸህያይ ከኣ ክዕጸድ ኣለዎ።
- ዝናብ ኣብ ምድሪ ከሕዲ ይዘንብ ኣብ ምድሪ ኣማኒ ይዘንብ
- ጸሓይ ኣብ ዓዲ ኣማኒ ትበርቅ ከምኡ`ውን ኣብ ዓዲ ኸሓዲ
- ኣማኒ ዝዘረኦ ይኹን ኸሓዲ ዝዘረኦ ይፈሪ
- ከሓዲ ይኹን ኣማኒ ይዋሰብ ይፋረ
- ዝሰጎመ ኣማኒ ይኹን ከሓዲ ናብቲ ዝኣመቶ ይበጽሕ…፤ ወዘተረፈ
ካብ`ዚ እንታይ ንርዳእ ?
ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ፈጣሪ ዋላ ነቶም ዝኽሕድዎ ኣብ ዕደልኡ / ኣብ ሂባ ጸጋታቱ ከም ዘየዳልዎም። ፈልዩ ከም ዘየጥምዮም ከም ዘየጽምኦም ፤ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ንትእዛዛቱ ተቀቢሎም ወይ ነጺጎም ክነብሩ ከምዘፍቀደ ፤ ንተግባራትና ንፍረደሉ ቦታ ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ከምዘይኮነ ኸኣ ንርዳእ።
ስለዚ ንሕና/ ደቂ ሰባት ናይ ማንም ሰብ ናይ ነጻ ኮንካ ምንባር መሰል ክንሕልው እንኮለና ፤ ምስቲ ናይ ፈጣሪ ውሳነ ንሰማማዕ ኣሎና ማለት`ዩ ። ፈጣሪ`ኳ ዘይኣመነለይ ኢሉ ዘይ ኣዳለወን ጻማ ዘይከለኤን መን ኮና ኢና ደቂ ሰብ ከም ናተይ እምነት ዘይ ኣመነ ኢልና ንጸልእን ንቀጽዕን !!
እቲ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ንትእዛዛቱ ተቀቢሎም ወይ ነጺጎም ክነብሩ ዘፍቀደ ጎይታ፤ ኣመንቱን ክሓድቱን ደሞም ከይፈስስ፤ ክብረቶም ከይድፈር፤ ንብረቶም ከይዝመት ዝሕሉ ሕግታት ሸሪዑ /ሓጊጉ`ዩ። ከምኡ`ውን ምስ ካለኦት ፉጡራቱ ከም ማይ እንስሳ ወዘተ ብከመይ ክንናበር ከምዘለና ዋላ ነቶም ክንበልዖም ዘፍቀደልና እንስሳታት ኣተሓራርዳ ከይነኽፋኣሎም ከይ ነሳቅዮም ኣጠንቂቁና`ዩ። ንማይ ብዝምልከት ከኣ ዋላ ኣብ ጥቃ ዋሓጂ ማይ ንንብር እንተኾና ብጥንቃቀ ክንጥቀመሉ፤ ንእንስሳ ብዝምልከት ከኣ ከም ኣብነት … ንዝጸምኤ ከልቢ ማይ ምስታይ ዓቢ ጻማ ካብ ጎይታ ከም ንረክብ`ውን ተገሊጹልና`ዩ።
እቲ ዘየባእስን ርድኡን ክኸውን ዘለዎ እንታይ`ዩ ?
- ፈጣሪ እንተዝደሊ ንኹልና ሓደ ሃይማኖት እንኣምን ክገብረና ይኽእል ምንባሩ ምፍላጥ።
- ክልተ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዝኣምኑ ማለት ክልተ ዝያዳ ዘሰማምዕ ዘራኽብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ማለት ካብ ኮነ ምትእስሳሮም ከም ናባኻ ዘማዕደወ ጽልኢ ክትወስዶ ጌጋ`ዩ፡ ንእትድግፋ ጋንታ ኩዑሶ ዝድግፍ ካብ ንኻልእ ጋንታ ዝድግፍ ንላዕሊ`ዩ ዝቃረበካ !
ነዚ ልቦና ልቢ እንተወስኽካሉ ኸኣ፤ ሓደ ከም ሃይማኖትካ ዝኣምን ከጽድፈካ ዘይወዲ ሃይማኖትካ ከኣ ዘድሕነካ ኩነታት ኣሎ። ብዓብዩ ኸኣ ሰብኣዊ ዝምድና ዝበሃል ዓቢ ጉዳይ ክርሳዕ የብሉን።
- ኣማኒ ወይ ከሓዲ ማለት ዝምድናዊ ኣገላልጻ`ዩ። ማለት ነቲ ንስኻ ትኣምኖ መሰረተ እምነት ዘይተቀበለ ኹሉ ንዓኻ ኸሓዲ/ካፍር ማለት`ዩ (እዚ ኣጸዋውዓ`ዚ ዘባእስ ክኸውን የብሉን)
- እቲ ኻሓዲ (ትኣምኖ ዘይኣምን)ብቀጥታ ባይታ ጻዊዒትካ /ስብከትካ ምዃኑ`ዩ፤ ንእምነትካ ክኣምን ትዕድሞ ሰብ ኸኣ ምስኡ ጽቡቅ ዝምድና ክትፈጥር ሰነ-ሞጎት`ዩ፤ እዚ ሰነ-ሞጎት`ዚ ኸኣ ንተኸባብርካ ምንባር ሓጋዚ ሮቋሕን ባይታን`ዩ።
እዘን ዝቀደማ 4 ነጥቢ ብምኽንያት ፍልልይ ሃይማኖት ምጉናጽ ዕሽነት ምዃኑ ዘብረሃ እመስለኒ።
- ምግብኻ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ኣማኒ ወይ ከሓዲ ዝሓረሶ፤ክዳንካ ኣማኒ ወይ ከሓዲ ዝኣለሞ ………. ድዩ ክትፈልጥ ኢልካ ዝሓተትካ ኣይመስለንን ! እቲ ምኽንያት ዘይመሕተቲኻ ኸኣ፡ ብሓጺሩ ኩልና ነዛ ዓለም ክነብራ ስለ ዝተፈጠርና ክንተሓባበር ከኣ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ`ዩ። ከም`ቲ ምራኽ ትውልድ ኢላ ጡብ ኣዲኣ ሃሰስ ትብል መጠን`ዩ፤ ብዙሕ ምፍልሳፍ ዝሓትት ኣይኮነን።
- ፍርዲ ጽባሕ`ዩ ። ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ። ከም ኣደ ዝልውህ የለን`ሞ ፤ ኣብታ ማዓልቲ ፍርዲ ግና ውላዳ`ውን እንተኾነ ከገድሳ ኣይኮነን።
- ንስኻ ኣማኒ ኮንካ ወለድኻ(ኣቦኻ ኣደኻ)ኸኣ ዘይኣመንቲ ኾይኖም፤ ኹሉ ንወለዲ ዝግባእ ምክብኻብ ክንገብረሎም ፈጣሪ ክእዝዘና እንኮሎ እንታይ ማለት`ዩ እንታይ ንርዳእ ?!
- ሃይማኖታዊ መሰል ምሉእ ብምሉእ ክሕሎ ኣለዎ። ኣብ ናይ ሓባር ሃገር ኩሉ ነገር ንኽልተ ሸነኽ ሚዛን ኣብ ሓደ መስመር ዘንበረ ክኸውን ኣለዎ፤ዝኾነ ይኹን ሓለፋ ክህሉ የብሉን።
- ብሰንኪ ሃይማኖቱ ዝብደል ዜጋ ካልእ ዝሃይማኖቶም ዜጋታቱ እንተዘይ ረዲኦሞ ዶብ ሰጊሩ ረዳእቲ ከናዲ እንኮሎ መሰሉ ምዃኑ ተረድእካዮ ክትጸኒሕ ዘለካ`ዩ።
- ዘራኽበናን ዘፋላልየናን ብፈላጣት እንተ ተነጺሩ ነቲ ፍልልያት ምውጋን ቀሊል`ዩ። ክሳብ`ቶም ፈላጣት ዝብገሱ ገለ ክንብል ንፈትን ፤ ነቲ ፍልልያት ኣብ 1- እምነት 2- ተገዛእነት 3- ማዓልታዊ ሂወት / ስነ-ምግባር ኢልና ወጊና ንርኣዮ፡ ን ኣብነት ፡-
- እምነነት…
*ክልትኡ ሃይማኖት ብኹሎም ነብያት/ ኑሕ፡ ኣብራሃም፡ያዕቆብ፡የሱፍ፡ ሙሴ … ወዘተ ክኣምኑ ጸኒሖም፡ *እስልምና ድሕሪ ሙሴ/ሙሳ ንእየሱስ ከም ነቢ፤ መሓመድ ኸኣ ከም ድሕሪ እየሱስ ዝተላእከ ናይ መጨረሽታ ነቢ ይፈልጦ። እየሱስ ምምጻእ ነቢ መሓመድ ከም ዝገለጸ ኸኣ ይኣምን።
*ክርስትና ብነቢ መሓመድ ኣይኣምንን፤ ንእየሱስ ከኣ ከም ነቢ ዘይኮነስ ኣምላኽ`ዩ። *ክልትኡ ሃይማኖት ብድንግል ማርያም /ከም ዝነጽሄት ጓል ሄዋን ይኣምን፤ እየሱስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ብዘይ ኣቦ ከም ዝወለደቶ ይኣምኑ። *ክርስትና ከምዝተሰቅለ ክኣምን እንኮሎ *እስልምና ኸኣ ከም ዘይተሰቅለን ብቀጥታ ንሰማይ ከምዝዓረገ`ዩ ዝኣምን ። እዝን ካልእ ንዕኡ ዝመስልን ፍልልያት ሰፈሩ ኣብ ልብና ስለ ዝኾነ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ንሃገርና ክንከላኸል እንኮለና፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ … ኣይረኤን`ዩ። ብርግኣት ክትካታዓሉ ትኽእል ፤ከም መባኣሲ ክትወስዶ ግና ዕብዳን`ዩ።
- ተገዛእነት/worship /عبادة …
ኣሰጋግዳና፡ኣጻውማና፡ ኣማጻውታና፡ ኣለማምናና … ይፈላለ`ዩ። በዚ ሰባት ክባኣሱ ኸኣ ርእየ ኣይፈልጥ`የ።
- ስነ-ምግባር/ማዓልታዊ ሂወት …
ስርቂ/ሽፍትነት፡ ቅትሌት፡ ምንሻው፡ ሓረጣ፡ ሓሶት፡ ምንቋት፡ጉቦ፡ምንዝርና፡ …. ብ ዝምልከት ከኣ ኣብ እምነት እስልምና ወይ ክርስትና ኣለኹ እናበልካ ክትፈላለየሎም ዘበት`ዩ ።
ነዚ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ዝምልከት ኩሉ ኣብ`ዛ ሓተታ ከምዘይሰፈረ ርግጸኛ`የ፤ ኣድህቦና ክንህቦሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ከም ዝሓበርኩ ግና ርግጸኛ`የ። ነስተውዕል ! ንማይ ዝሶቶኻ መርከብ ምጭንጓዕ እንታይ`ዩ ሃይማኖትካ ዝበሃሎ ኣይኮነን!
Awate Forum
Hi BNB, I will stick to my initial assertion, "If you write they will show up". Ergo your amendment has been rejected or as Daniel will say these days, "ብጻይ በያን፣ዘቅርብካዮ አማማ ቅቡል...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 7 hours ago
ሰላም በያን
ማ ፊ ሙሽኪላ
ኣነስ ዛዕባ ዲሞክራሲ እንተልዒልና እሞ ኸኣ ናብ ከባቢና ካብ ጠመትና .. ነገሩ በትረይ አሎኒ ዘሕምቖ 'ለኒ ኣይኹን ክብል ንምፍታን ኢኢዩ
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 7 hours ago
Selam M/Brhan,
Many thanks for your comments. Greetings for now, bear with me as well until I come back later today.
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 10 hours ago
Hey now, "If you write others will show up". Amending it to read, if WE write others will show up. Speaking of writing, you do have a way of expression that can only emanate from someone...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 10 hours ago
Hi All Speaking of justice and democracy and rule of law. There is breaking news today in Shabait declaring th 34th anniversary If you do not know what this anniversary is here is a primer It...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Hi BNB
Thanks for the selamta. If you write others will show up
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Selam Dr Beyan, keep in mind, generally historians are good writers and good analysts. Hence haw Ismailo is a sample from that discipline of knowledge in our forum here. Historians know how to...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Selam Aman, There is no discord of what you and I are stating. I agree people are humans who exist in, and manipulate, natural habitat to ensure survival. Competition for finite material engender...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago