Skip to content
Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ኣብ ክንዲ ብጥርኑፍ ብንጽል ቃልሲ

November 7, 2009
Awate Team
f X

ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ሃግራዊ ከብሎ ዝኽእል እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ህዝቢ ብሓባር ተሳቲፎም ምስ ዝቃለሱ ኢዩ። ርግጽ ፖለቲካውን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ይኹን’ምበር ምእንቲ ናጽነት ሃገርን መሰላት ህዝብን ክትብል ነቲ ዘሎ ፍልልያት ኣወንዚፍካ ተጠርኒፍካ ካብ ምቅላስ ካሊእ ኣማራጭ ክህሉ ኣይክእልን። በዚ ኣገባብ’ዚ ኢዩ ድማ ሓደ ቃልሲ ሃገራዊ ትሕዝቶ ክህልዎ ዝኽእል። ጥርኑፍ ቃልሲ እርኑብ ስራሕ የፍሪ። ዘይተወሃሃደን ዘይተማእከለን ስራሓት ከድምዕ ኣይኽእልን። ከይዱ-ከይዱ ከኣ ካብ ጠቐሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ።በዚ መሰረት’ዚ ኢዩ ድማ ቅድም-ቅድም ምሕዝነት፡ ድሒሩ ኪዳን ክምስረት ተኻኢሉ። ብርግጽ ኪዳን ከምቲ ዝድለ ኣይዓምምን ኣሎ። እሞ እቲ ምርጫ እንታይ ኢዩ? ንኪዳን ሓዲካ በቢወገንካ ከም ደቂ ዛግራ ዘይተጠርነፈ ቃልሲ ምክያድ? ወይስ ከም ቃልሲ መጠን ንኪዳን እና ኣሓየልካ ንቕድሚት ምስጓም? ኣነ ከም ዝመስለኒ  እቲ ምርጫ እዛ ዳሕረወይቲ እብል። ፍልልያትን ድኽመታትን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። ነዚ ተጻዋዊርካን ተኻኣኢልካን ሓደ ሃገራዊ ስርዓት ምትካል ግን ናይ ቃልሲ ሕቶ ኢዩ። ሃገር ክበሃል ከሎ ሓደ ዝተሓላለኸ ኣምር ዝሓዘለ ኢዩ። ብዙሓት ብሄራትን ዓሌታትን ሃይማኖታዊ ጉጅለታትን ዝሓቖፈ ኢዩ። ነዞም ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ጽላል ጠርኒፍካ ምቅላስ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ብቑዑን ውፉይን መሪሕነት የድሊ። ስለዚ ኪዳን ምስ ኩሉ ድኽመታቱ ንወሰን ገዲፍካ ህላዌኡ ብሸለል ዝሕለፍ ኣይ ኮነን።ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጽሑፍ “Engagement and Exclusion: US, Eu & Eritrea “ ዝብል ብዓዋተ ዳት ኮም (Gedab News) ኣንቢበ። ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ’ውን እቲ ኣብ ብሩሰልስ ዝካየድ ኣኼባ ዓዳሚ ሕብረት ኤውሮጳ ይኹን’ምበር፤ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣባላት ናይ ሓደ ብውልቀ-ሰባት ዝቖመ ኤርትራዊ ጉጅለ ምዃኑ ኢዩ። ሰናይ። ኩሉ ብዛዕባ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ዝድገፍ ኢዩ። ግን በየናይ ኣገባብ? እዚ ጉጅለ’ዚ ብዛዕባ ሃገር ክዕድምን ክዕደምን ክዝትን ንመን ይውክል? ዝብል ሕቶ የስዕብ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ናይ ገለ ኣባላት ውድባት ከም ዝተዓደሙ ኣንቢበ። ስለምንታይ ቃልሲ ብጥርኑፍ ገዲፍና ብንጽል ንፈቱ? ዕዱማት ካብ መሪሕነት ኪዳን’ዶ ኣይምሓሸን? እዚ ጉጅለዚ ንኪዳን ስለ ዘይድግፍ ድዩ? ስም ናይ’ዚ ጉጅለ’ዚ “ሓይሊ ዕማም” (Task Force) ይበሃል። ሽሕ’ኳ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ዝዝውሮ ሓይሊ ምህላው እንተ ተፈልጠ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እዚ ጉጀለ’ዚ ኣባላት ስድሪ (CDRiE) ምዃኖም እውን ይፍለጥ።ብመሰረቱ ስድሪ ክምሰረት ከሎ ከምተን ካልኦት በርገሳውያን ማሕበራት ደጊፍናዮ። ኣባል ናይ ኤርትራዊ መርበብ ኤውሮጳ ንክኸውን እውን ተጸቢናዮ። እንተኾነ ግን ኣይኮነን ኣባል ክኸውንን ከምኡ ድማ ምስተን ካልኦት በርገሳውያን ማሕበራት ክተሓባበረን፤ ኣብቲ ዝገበርዎ መስራቲ ጉባኤኦም ንመርበብ ኤውሮጳዊ ማሕበር ክዕድምዎ ኣይከኣሉን። ቀጺሎም ንኪዳንን በርገሳዊ ማሕበር መርበብ ኤውሮጳን ብድኽመት ይኸስዎም። ንኪዳን ከምዘይድግፉ’ውን እዚ እንሪኦ ዘሎና ግብራዊ ምስክር ኢዩ። መተካእታ በርገሳዊ ማሕበር መርበብ ኤውሮጳ ባዕሎም ክኾኑ ይፍትኑ። ማሕበር ኣዳኺምካ ማሕበር ምፍጣር ቅዱስ ዓላማ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኪዳን ገዲፍና ብዛዕባ ድኽመታትን ንጥፈታትን በርገሳዊ ማሕበር መርበብ ኤውሮጳ ክንዛረብ እንተ ኰይኑ፡ ሽሕኳ ከም ቃልሲ መጠን እኹል ስራሓት ተገይሩ እንተዘይበልና፡ እቲ ኩሉ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ በቢዓዱ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታትን ጉዳይ ኤርትራውያን ሰደተኛታትን፡ ዘይካሓድ ዕማም ማሕበር ኤውሮጳዊ መርበብ ኢዩ ነይሩ። ብዓቢዩ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ንኪዳን ንምሕያል ኣይተዋሰአን ድዩ?እቲ ኣብ ብልጁምን ሆላንድን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ንምቀዋም ኣይኮነን። እቲ ዘዛርብ ዘሎ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ኣገባብ (ስትራተጂ) ንምሉእ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዘየንጸባርቐ ምኻኑ ኢዩ። እቲ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝዋሳእ ዘሎ ዓዳምን ተዓዳምን ኣካል ቀሉዕ ከበሳዊ ብምዃኑ ኢዩ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ነቲ ዘሎ ተኣፋፊ መድረኽ ብዝያዳ ዘነሃህር ኢዩ። ከም ዲሞክራስያውን ተቓለስቲ መጠን ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ከፋፋሊ ፖሊሲ ኣረምቲ ክንከውን ኢዩ ዝግባኣና። ከም ጥርኑፋት ተቓለስቲ ሓይልታት መጠን ብማእከልነት ኪዳን ዝካየድ ስራሓት ብትሕዝቶኡ ሃገራውነት ኣለዎ። ሕድሕድ ምትእምማን ከኣ ይፈጥር።ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ዓርከይ ብዛዕባ ድኽመታት ኪዳን ኣልዒልና ከነዕልል ከሎና ከምዚ በለኒ፡ “ ኣድሓኖም! ኣነ ብወገነይ ካብ ሓደ ሓያል ፓርቲ ወይ ውድብ ድኹም ኪዳን እመርጽ።” እዚ ኣበሃህላ’ዚ ድሒረ ክሓስቦ ከሎኹ፡ ሓቅነት ዘሎዎ ይመስለኒ። እቲ ድኽመት ምስ ግዜ ክንእርሞ ንኽእል ኢና። ሓደ ንበይኑ ሓያል ፓርቲ ወይ ውድብ ግን ካብ ህዝባዊ ግንባር(ህግደፍ) ስለ ዝተመኮርና ኣየትኣማምነናን።ኣብ መደምደምታ፤ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ከቕርብ ከሎኹ፡ ነቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባታት ምቅዋመይ ኣይኰነን።የግዳስ ሙሉእ ዓወት ክጓናጽፍ ድሌተይ ኢዩ። እቲ ጉዳይ ኣገባብ ዝሳሓተ ኰይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ ኢዩ። ኣቦታትና ክምስሉ “ ካብ ጉዪይ ምውዓልስ ክሳድ ምሓዝ” ይብሉ። እቲ ስትራተጂ ንሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብውልቀ-ውድባትን ጉጅለታትን ዝዕመም ብጥርኑፍ ክካየድ፤ ኣብ ክንዲ ብውድበይ-ውድብካ ናይ ሓባር ቃልሲ ብሓባር ስለ ዝምረጽ ኢዩ። 

ጥርኑፈ ቃልሲ፤ሀ) ንዓወትና ዘረጋግጽ ሓይሊ ምዃኑለ) ሃገራዊ ሓድነትና  ስለ ዝሕሉሐ) ናይ ሕድ-ሕድ እምነት ስለ ዝፈጥርታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መግዛእትን ቃለስን ዝተመርኮሰ ቃልሲ ኢዩ። ካብ ነዊሕ ተመኩሮ ዝደለቦ ሃብቲ እንተሎ ሓድነቱ ኢዩ። እዚ ሃብቲ’ዚ ከም ሃገር መጠን ዋሕስ ህላዌ ኤርትራ ኢዩ። ነዚ ሃብቲ’ዚ ክንሕልዎን ክንካናኸኖን ይግባኣና። ዝዀነ ይኹን ንጥፈታት ነዚ ዝትንክፍ ሽለል ኢልና ክንሪኦ ኣይግባኣናን። በዚ ምኽንያት ኢዩ ንኪዳን ምስ ኩሉ ድኽመታቱን ጉድለታቱን ከም ሓደ ምልክት ሃገርነት ዝረኤ።Comment: fitiwi@planet.nl

Advertisement

Donate

Donate to support awate.com

$
Select Payment Method
Personal Info

Donation Total: $100.00

Advertisement
Advertisement
A Chat With Prof. Kjetil Tronvoll
Louis Michel’s letter to Isaias Afwerki

Comments

Latest News

  • How the Pledged Public WorksMay 27, 2026
  • Egypt, Eritrea, and the New Geometry of the Red SeaMay 24, 2026
  • The Hewett Treaty and the Road to AdwaMay 22, 2026
  • Reengaging Eritrea: A Path Beyond the StalemateMay 17, 2026
  • The Pledged Public: Toward an answer to “The Grammar of Promise”May 16, 2026
  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (102)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (755)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (105)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Eritrean Diaspora
  • Djibouti
  • Somalia
  • ELF
  • Human Rights
  • Yemen
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (296)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (107)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services