Awate.com

ንጉስ ኢሳያስ: ቃለ-መሕተት ጭንቂ

ሓደ መራሒ ናይ ሓደ ሃገር ባዛዕባ ኣካይዳ ምሕደራ ህዝብን ቁጠባዊ ፖሊስን ዝመልከት ንህዝቡ ከፍልጥ ግቡእ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ኣገባብ መግለጺ ድማ ብቓለ-መሕተት ኣቢልካ ናብ ህዝቢ ዝፍኖ ሓበረታ ይኸውን። ብፍላይ ኣብ ሓደ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ብነጻ ናይ መራኸቢ ማዕከናት(መዲያ) ካብቲ ህዝቢ ዝምንጩ ሓሳባትን ርኢቶታትን፡ ኣዋህሊሎም ነቲ መራሒ ይሓትዎ። ህዝብ’ውን ብግልጺ ይከታተል። በዚ ኣገባብ’ዚ ህዝቢ ነቲ ብሓላፍነት ዝመረጾ መንግስቲ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ይቆጻጸሮ። በንጻሩ ኣብ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ድማ እቲ መራኸቢ ማዕከናት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት መሳርሒ ይኸውን። እዚ ድማ ናይ ሓሶት ወረ ፈነዋ፡ ንስልጣኑ ዘናውሕ ፕሮፖጋንዳን ንህዝቢ ምትላል ወዘተ ኣገልግሎት ይውዕል።

ኢሳያስ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ ናይ መራኸቢ ማዕከናት፡ በርከት ዝበሉ ቃለ-መሕተታት ጌሩ። ብብዝሑን ብዓይነቱን እውን ቀዳማይ ቦታ ከይሓዘ ኣይተረፈን፡ እብል ብወገነይ። እቲ ብዝሒ በርከት ዝበለ ነይሩ። ብዓይነቱ ድማ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትጽበዮ፡ ንኽትሰምዖ ዘሕፍር ምዃኑ ኢዩ።  ቅድሚ ናብቲ ዓላማን ትሕዝቶን ቃለ-መሕተት ምእታወይ ግን፡ እቲ ኣቶ ኢሳያስ ብኽልሰሓሳብ መልክዕ ዝተዋራዘየሉ ቃለ-መሕተት ምሰቲ ግብራዊ ትሕዝቶ ስርዓት ህግደፍ ምንጽጻር የድሊ ይመስለኒ። እወ! ልክዕ ኢዩ፡ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ኢዩ ተጻሒፉን ተዘሪቡን። ንኽዳጋገም’ውን ደስ ኣይብልን ይኸውን። ይኹን’ምበር እቲ ሽግር ከምዘለዎ ስለ ዝደጋገም ንምግላጹ’ውን ክድገም ናይ ግድን ይኸውን።

እዛ ሎሚ ኢሳያስ ዝዋራዘየላ ኤርትራ፡ ህዝባ ን30 ዓመታት ንናጽነቱን ሓርነቱን መሰሉን፡ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለላ ኢያ። ውጺኢቱ ድማ ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲ ናይ ብዙሓት ብብዙሓት፡ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ዝነገሰላ፡ እሞ ከኣ እቲ ሓደ ስርዓት(ሰለፊ) ሓደ ውልቀ-መራሒ ዘሕምቖ ምዃኑ ኢዩ። እዛ ኤርትራ ናይ ሎሚ ን18 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ክንዲ ብሕጊ ብሕገልባ እትግዛእ፡ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን ምእካብን ናይ ሃይማኖት እምነትን መሰላት ዘይብላ ሃገር ኢያ። እዛ ሎሚ ኢሳያስ ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራ ካብ ኵናት ዝተረፉ ደቃ ብሰላም ክመሃሩላን ክነብሩላን ዘይኽእሉ፡ መብዛሕትኦም ዕድል እንተረኺቦም፡ ናብ ስደት ዘምሩሑላ፡ ገለ ካብኦም’ውን ኣብ ዶባት ዝርሸኑላ፡ ዝተረፉ ድማ ኣብ ፍቖዶ ምድረበዳን ባሕርን ወዲቖም ዝተርፉላ ሃገር ኢያ። እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ በሻሓት ዝቑጸሩ ህዝባ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፍቖዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሳቐዩላ፡ ዝጥዉሮም ዝሳኣኑ ሽማግለታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝስደዱላ ኢያ። እዛ ኢሳያስ ዝቋናጀወላ ዘሎ ኤርትራ መብዛሕትኡ ህዝቢ ረዲአት ተኸልኪሉ ብጥሜት ዝሳቐየላ ኢያ። አወ! ኢሳያስ እምበኣር ነዚ ስርዓት’ዚ ሒዙ ኢዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ቃለ-መሕተታት ከም ትሕዝቶ ዘለዎ ዓቢ መራሒ መሲሉ ዓጀው-ጀው ዝብል ዘሎ። ብርግጽ ሎምስ ንሕና ተቃወምቲ ጥራይ ዘይኰናስ እቶም ልብም ዝበሉ ደገፍቱ’ውን ከይተረፉ ኣግሂዶም ነዚ ዓጀው-ጀዉ ዝቃወምዎ ዘለው። እሞ ንመን ከእምን ኢዩ ድኣ እዚ ኹሉ ዓጀው-ጀው? ነዚ ሕቶ’ዚ ገዲፈ ካሊእ ሕቶ ከቐድም እፈቱ።

መንቀሊ(ምኽንያት) ናይዚ ቃለ_መሕተት’ዚ እንታይ ኢዩ? ከም ሪኢይቶይ ክልተ ምኽንያት ኣለዎ።

ሀ) ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ፖለቲካ ኢሳያስ ኣብ ቅንእን ህልኽን ዝተመርኰሰ ኢዩ። ኢሳያስ ኣይኰነን ብፖለቲካ ዝዋዳደሮስ፡ ሓደ ደራፊ ኣብ ኣካባቢኡ ሽሙ ምስ ዝገንን ከማን ከይደቀሰ ዝሓድር ሰብ ኢዩ። እዚ ንኢሳያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ናይ ዓይኒ ምስክር ኢዮም። ስለዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ 20G ኣኼባ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር መለስ ዘያናዊ ንምልእቲ ኣፍሪቃ ወኪሉ ናብ ለንደን ዝመጸሉ ግዜ ብዝተፈልጡ መራኸቢ ማዕከናት ቃለ-መሕተት ጌሩ ነይሩ። ኢሳያስ ካብዚ ግዜ’ዚ ንደሓር ከይደቀሰ ብምሕዳር በርከት ዝበሉ ዝጠቕሙን ዘይጠቕሙን ጋዜጠኛታት ሃሰስ እናበልካ ብምዕዳም፡ ከምቲ ኣሰና ዝበሎ ገለውን ገንዘብ ብምኽፋል ብዙሕ ዓጀው-ጀው ክብል ጀሚሩ።

ለ) ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓለም ተነጺሉ ስለ ዘሎ ማንም ሰብ ዘይስሕቶ ኢዩ። ስለዚ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ፡ ሕብረተሰብ-ዓለም ኣድህቦ እንተ ገበረሉ ኢዩ።

በዚ ኰይኑ በቲ ግን እቲ ውጽኢት ቃለ-መሕተት ናይ ኢሳያስ ትዕዝብቲ ተዘይኮይኑ ዋላ ሓንቲ ፋይዳ ክህልዎ ኣይክእልን። ርግጸኛ ኢየ ኣይኰነን ናይ ርሑቚ ሰማዕትስ እቶም ብቐረባ ደገፍቲ ስርዓት ህገደፍ’ውን በቲ መልሱ ዕግበት ከም ዘይብሎም። ከይዱ ከይዱ ግን ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኣቶ ኢሳያስ እቲ ስጊንጥራዊ ጠባያቱ ናብ ህዝቢ ዓለም ምቅላዕ ጥራይ ኢዩ።

ናብቲ ዝርዝር ቃለ-መሕተት ከኣቱ ኣይደለን። ብሓፈሽኡ ግን  ዘሕፍር ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዝሃቦ መልሲ መስሓቕ ትታተሮ ኢዩ ነይሩ። ኢሳያስ እቲ ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዲክታተራዊ ስርዓቱ ከንሱ፡ “ ካብ ናይ ሽወደን ይበልጽ” ክበሎ ዘስደምም ኢዩ። የዝከረኒ ኣብ ናይ መጀመርያ ሰብዓታት ሓንቲ ኢጣልያዊት ጋዜጠኛ፡ ንሃጸይ ሃይለ ስላሴ “ ጃንሆይ ዝሓሸ ስርዓት ኢዩ እትብልዎ ኣየናይ ኢዩ?” ኢላ ምስ ሓተተቶም።

ጃንሆየ ድማ ከይተጣራጠሩ “ከሁሉ የተሻለው የኛ ነው።” በሉዋ።

እታ ጋዜጠኛ እትጽበዮ ዝነበረት መልሲ ወይ ሕበረ-ሰብኣዊነት ወይ ምዕራቢ ዲሞክራሲ ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ሕጂ  ድማ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንጉስ  ድሕሪ ኣስታት 35 ዓመት ኣብ መበል 21 ክፈለ ዘመን እዚ መልሲ’ዚ ሂቡና። በዚ ምኽንያት’ዚ ኢየ ድማ ንጉስ ኢሳያስ ዝበልኩዎ። ብርግጽ ድማ ንጉሰ ኢዩ። ብዘይ ገለ ሕጊ ወይ ምርጫ ን18 ዓመታት ነጊሱ። ንድሕሪ ሕጂ’ውን ምርጫ ኣየድልን ኢዩ ይብል። ብዕሊ ኣኽሊል ዘይደፍአ ንጉስ!!

ቀጺሉ እቲ ጋዜኛ “ ዲክታተር ይብሉኻ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ። ኢየ ወይ ኣይኮንኩን ኣብ ክንዲ ዝብል “ ንሱዑዲ ዓረቢያ ወይ ንጆርዳን ወይ ከኣ ንክወት ከምኡ ዘይትብሉወን” ይብል። ርግጸኛ ኢየ እቲ ጋዜጠኛ ብልቡ “ እንታይ ፍልልይ ኣሎካ ካብኦም፡ ብወግዒ ንጉስ ተባሂልካ ዘይምጽዋዕኻ ጥራይ ኢዩ ፍልልዩ” ዝበሎ ኮይኑ ይስማዓኒ። ከም ሪኢይቶይ እኳ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ንግስነት ስዑድን ጆርዳን ወይ ማረኮ ይሓይሽ። ህዝቦም ካማን ብሰላም ኣድሪሮም ይሓድሩ። ንሱ ግን ህርኩት ዝነበረ ህዝብና ኣብ ምልማን ደረጃ ኣብጺሕዎ።

ንጉሰ ኢሳያስ “ ኣብ ዝበዝሐ ህዝቢ (majority) ዝጥቀመሉ ቁጠባ ከይመስረትካ ምርጫ ወይ ዲሞክራሲ ኣየድልን” ይብል። ኣነ ኳ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ኣገባብ ትርጉሙ ኣይርድኣንን። ሕበረተሰብኣውነት? ርእሰማልነት? ሕውስዋስ? ወይ ከኣ ሓዱሽ ክልሰ-ሓሳብ ኢሳያሲዝም? ብዝኾነ እቲ ዘሎ ኣገባብ ቁጠባ ድላዩ ይበሎ፡ እቲ ሕቶ ግን ስጋብ ማኣስ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ስርዓት’ዚ ጸይርዎ ክኸይድ? ኢሳያስ “ ብኣፉ ናይ መብዛሕትኡ ቁጠባ ክምስርት” ይብል ። እቲ ክውንነት ግን ናይ መብዛሕትኡ ድኽነት ተጋሂዱ ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢለ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ሕማም ኢሳያስ ቅንእን ህልኽን ኢዩ። መሰረታዊ ፖለቲክኡ ዝብገስ ካብዚ ኢዩ። ንሓደ ለውጢ ዝንቀሳቐስ ወይ ዝሓስብ ጉጅለ ወይድማ ውልቀሰብ ምስ ዝህሉ ቀልጢፉ ምስ ጸላኢኡ የተኣሳስሮ። ወያኔ ይብሎ።ንኣፍሪቃ ሕበረት’ውን በቲ ዝደልዮ መንገዲ እንተዘይ ከይዱ ይኹንኖ። ኣባልነቱ’ውን ይስሕብ። ከምኡ’ውን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጋራጮ። ቀጺሉ’ውን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜኢሪካ ኣብዘይ ዓቕሙ ን24 ሰዓታት ክጻረፍ ይውዕል። ደቡብ ኣፈሪቃን ናጀርያን ሃገራት ሕብረት ኤውረጳ እውን ኮራኩር ኣሜሪካ ተባሂለን። “ኩለን ተጋግየን” ንሱ ጥራይ ዘይጋገ። እዚ ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ኣታ ኣማኸርቲ’ዶ የብሉን’ዩ? ለባም ሰብዶ’የሎን’ዩ ኣብ ሃገርና? ስጋብ መኣስና ህዝቢ እናበረሰ ስቕ ኢልና እንርኢ?

እቲ ዘገርም ኢሳያስ ሲኣይአ(CIA) ክብል ትንፋሱ ወጺኡ። ኣነ ከም ዝመስለኒ ኢሳያስ ሲኣይአ ዝብል ቃል ከም ጸርፊ ኢዩ ዝወስዶ ። ናይ ሓደ ሃገር ኢንተሊጀንስ ትካል ምዃኑ ይረስዖ’ሎ ። ልክዕ ከምቲ ናቱ “ ሃገራዊ ድሕነት” ህዝቢ ከጥፉ ተዘይ ኮኑ ሃገር ከድሕኑ ድኣ ኣረአናን’ምበር። ኢሳያስ ዝጸልኦ ኩሉ ሲኣይአ ኮይኑ። ዋላ ኣትርር ኣቢሉ ዝሓተቶ ጋዜጠኛ ከይተረፈ ብዓይኒ ኢሳያስ ሲኣይአ ኢዩ። ንምዃኑ ኢሳያስ አውን ንባዕሉ ብሰብዓታት ኣባል ሲኣይአ ነይሩ ይብሉዎ። ኣነውን ይገድፍ’ዩ ኣይብሎን። ንጥቕሙ ዝተፈጥረ ሰብ ስለ ዝኾነ።

ኢሳያስ ብዛዕባ ናብራ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተሓተ “ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዓይነታዊ ሂወት (quality of life) ኣብ ሕበረተሰብ ኤርትራ ከተግብር ኢየ” ይብል። መኣስ? ንዓመታ ክብላ ሞታ ከም ዝበሃል “ናይ ዓይነታዊ ለውጥስ” ይትረፍ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንዕለት መግቡ እትኸውን ቅጫ ወይ ባኒ ሲኢኑ፤ ብጥሜት ይሰሓግ ኣሎ። ሕጻናት ቆልዑ ኣብ ጽርጊያ ንቑራስ ባኒ ምልማን ልሙድ ኮይኑ’ሎ። ጠወርቲ ዝሳኣኑ ኣቦታትን ኣዳታትን እውን ኣብ ጽርጊያታት ሕብእ ኢልካ ምልማን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ስኡን ህዝብና እተን ውሑዳት ናይ ዓመት ፍርያት እኽሉ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ መንዚዑ ይወስደን። እዚ ኢዩ ምልክት “ዓይነታዊ ሂወት” ናይ ጨካን ንጉስ ኢሳያስ።

ካሊእ ኢሳያስ ኣብቲ ብኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ሓርበኛ ግንባር(EPPF) ዝበሃል ብኢሳያስ ተፈጢሩ ብኢሳያስ ዝደገፍ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ፡ ዝሃቦ ቃለ-መሕተት እውን ሰሚዐዮ። ኣብዚ’ውን ከምቲ ናይ ካልኦት ብሓፈሽኡ ሓደ ዓይነት ኣጀው-ጀው ኢዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ሓንቲ ዘገረመትኒ ነጥቢ ክይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ኢሳያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሳን ሆሰ (ካሊፎርንያ)፡ ብፕሮፈሶር ተስፋጽዮን መደሃኔን ፕሮፈሶር ዳኔል ኪንደን ዝቐረበ ናይ  ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮንፈደረሽን ዝተገብረ መደረ ከመይ ከም ዝሪኦ ተሓቲቱ ክምልስ ”ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝግበር ዘተ ይድግፎ ኢየ። ሎሚ ዘይኮነስ ቅድም ኢሉ ክጅመር ነይሩዎ።” ይብል። ኢሳያስ መኣስ መዓልቲ ዘተ (ምይይጥ) ደጊፉ ይፈልጥ? ኢትዮጵያ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ምይይጥ (dialogue) ይታሓወሶ ክትብል ድኣ ሕራይ ዘይብል። ዘተ ብመንግስታዊ ደረጃ ‘ዶ ኣይቐልልን ካብ ብህዝባዊ ደረጃ? ኢሳያስ ኩሉ ግዜ እቲ ዝህቦ መልሲ ተመሊሱ ንዓኡ ዝወቅዕ፡ ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፡ ፕሮፈሶር ትሰፋጽዮን ብዛዕባ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮንፈደረሽን መዲሩ ምስ ተመልሰ፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ድምጺ ኣሜሪካ ናይ ትግርኛ መደብ፡ ከም ኣኽላባት ኢዮም ኣንጻሩ ውሕ-ውሕ ዝበሉ። አሞ ሎሚ ድኣ እቲ ንጉሶም ምስ ደገፎ እንታይ ይብሉ ይኾኑ?

ኣብ መደምደምታ ብወገነይ ክበሎ ዝደሊ፡ እዚ ሰብኣይ ናይ ኣእመሮ ጥዕና ዘለዎ ኣይ መስለንን። በዚ ኰይኑ በቲ እቲ መፍትሒ ናይ ቃልሲ ጉዳይ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ገዲፉ ሓቢሩ ንህላዌኡ ክቃለስ ኣለዎ። ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ሰሜን ደቡብ፡ ምብራቕ ምዕራብ፡ ከይበሉ ተጠርኒፎም፡ ኣብ ነንሕድ-ሕዶም ዘሎ ዘይምትእምማን ኣወጊዶም፡ነዚ ህዝቢ ካብ’ዚ ስርዓት’ዚ ክገላግልዎ አለዎም። ሃገር ነይሩኒ፡ ህዝቢ ነይሩኒ ትርጉም የብሉን። እቲ ኩነታት ህዝብና ግዜ ዝህብ ኣይኰነን።

ሪኢቶ፡ fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares