Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ኢሳያስ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማይ ጣይታ ኮይኑ ክምድር ርኢና

September 26, 2011
Gedab News

ትማል 23 መስከረም፡ እቲ ጸርፍን ምቁንጻብን ዝኣመሉ፡ ኣባ ጃዊ ህግደፍን፡ ዓንተር ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ዘይከምቀደሙ፡ ቅርዓት ዘየውጽእ ዘረባ ኣብ መበል 66 ኣኼባ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣስሚዑ።

ወያ ፈላጥ-ኹሉ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ‘ተስፋ ብዘቁርጽ ኣገባብ ዝኣረገ’ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ውድብ፡ ጥራሽ ጣቋ ዘይብሉ ናይ ሙዃን ሓደጋ የንጸላልዎ ምህላው ኣጠንቂቁ፡፡ ዋላ እኳ ብንጹር ከሙኡ ኢሉ ኮፍ እንተዘየበሎ፡ ንስምምዕ-ኦስሎን፡ ንናይ ሶማልያ ግዝያዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ምቅንባርን፡ ከምዘይሰርሕ፡ ሓድ ካብቶም ብኣግኡ ዝሓበሩ ሙዃኑ ብምእንፋት፡ ነብሱ ከተዓባብያ ኣብ መደርኡ ተሰሚዑ።

Advertisement

ንፕረዚደንት ኦባማ ንዝምልከት ድማ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ብዛዕባ ምምራጽ ኦባማ፡ ኣብ መኣከናት ዜና ብምቁንጻብ ዝብሎ ዝነበረ ብዝተፈልየ፡ ኦባማ ዋላ’ኳ ሓያልን፡ ተውህቦ ዘሎዎ መራሕን እንተኾነ፡ ዋላ’ኳ እቲ ናይ ፈለማ መልእኽትታቱ፡ ትስፍውነትን፡ ሓድሽ መንፈስን እንተነበሮ፡ ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይካኣለ ዋጥዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብዛዕባ ክዓዝዝ ዘለዎ ተራ ዝቅልቀላ ዘለዋ ሓይልታት፡ ከምእኒ ቻይና ህንዲ ብራዚልን ሩስያን፡ ዘይከምኣመሉ፡ ብዘይምንእኣስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተዛሪቡ፡፡

ካልእ ዘደንጽው ነገር ድማ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝብሎ ዚነበረ ኣዝዩ ብዝርሓቀ፡ ነዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት የዕራብን ዝተራእየ ሰውራን ለውጥን፡ ዋላ’ኳ ቁጠባዊ ቅልውላው ጥራይ ዝመበገሲኡ ጌሩ እንተገለጾ፡ ናይ ህዝቢ  ናዕቢ ሙኻኑ ግን ተኣሚኑ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ነዚ ለውጥታት እዚ፡ ሽርሒ ስለያ ኣመሪካ ወይ ሲኣይኤ ሙዃኑ እዩ ተዛሪቡ ኔሩ። ምስዚ ብዚተኣሳሰር ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ [ብዘይካ ኤርትራ] ብምጥፍፋእን ጉቦን ዝተሓመሰትን፡ ድሕርትን ኢሉ ዚገልጻ ዚነበረ፡ ንመጀመርያ ግዜኡ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ፖሊቲካዊ ኢኮኖምያዊን ማሓበራዊን ሕዳሰ ወይ ለውጢ የምርሓ ምህላወን ተዋሒጥሉ።

ንጉዳይ ፍልስጥየምን እስራኤልን ብዚምልከት ድማ ማይ ዘይጠዓመ መርገጺ ሒዙ’ዩ ኣትዩ፡፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚፍለጥ፡ ሓደ ንጹር መርገጺ ኣይነብሮን። ኣብ ዝሓለፈ የካቲት ንምሳሌ፡ ነቲ ብፍታሕ ክልተ=ሃገራት ዝፍለጥ ውሳኔ ክሰርሕ ከምዘይክእልን፡ እቲ ክኸወን ዘለዎ ድማኒ፡ እስራኤል ከምዘላታ ክትከዉን፡ ህዝብታት ፍልስጥየምን ዮርዳኖስን ድማ ብሓባር ሓደ ሃገር ክምስርቱ ክግደፉ፡ ክብል ኣፉ መሊኡ ተዛሪቡ ኔሩ። በዓል መንታ መልሓስ ኢሰያስ፡ ኣብ ናይ ቲማል መደርኡ ግን፡ ህዝቢ ፍልስጥየም መሰል ርእሰ=ውሳነን፡ ነጻን ሉኡላዊት ሃገር ከህልዎን ክፍቀደሉ፡ ዝድግፍ እዩ ኔሩ።

ኣብቲ ናይ ትማል መደርኡ፡ ዋላ ነተን ኣዝየን ኣገደስቲን፡ ንናይ ወጻኢ ፖሊስኡ ሓማሚሰንኦ ዘለዋን ዓበይቲ ኣርእስቲታት [1. እምቢታ ምውጽእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ኤ.ኢ.ዶ.ኮ. ዝፈረዶን ሒዛቶን ዘላ መሬት ኤርትራን፡   2. ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ካውንስል እገዳ (1907) ኣብ ልእሊ መንግስቲ ኤርትራን] እውን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይጠቀሰን ሓሊፉ ከይባሃል፡ ትንክፍ ኣቢልወን ጥራይ’ዩ ሓሊፉ። ከም ሓደ ጽቡቅ መልሲ ዘይጽበ፡ ግን ከኣ ግዴታ ኮይንዎ ከይተዛረበ ክሓልፍ ዘይደለየ ሰብ፡ ኢሳያስ ‘ከም ምዝንጋዕ ሓለፍነትይ  ከይቁጸርሲ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ቻርተሩን ኣለምለኻዊ ሕግን ብምኽባር . . . ኢትዮጵያ መሬት ኤርትራ ለቂቃ ክትወጽእ ሁጹጽ ውሳኔ ክወስድ ነዚ ወድብ ከየዘኻኸርኩ ክሓልፍ ኣይደልን።’ እሉ’ዩ ዓጽይዎ መደርኡ።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

ብሓፈሽኡ እቲ መደረ፡ ናይ ሓደ ዝጃጀወን ኢዱ ዝሃበን፡ ካብ ናይ ዓመታት፡ ዲፕሎማሲ ዝጎደሎ፡ ስምዒትን ሕርቃንን ዝተሓዎሶ ኣገባብ ኣዘራርባ፡ ፋይዳ ከምዘይርከብ ዝተስቆሮ ሰብ መደረ እዩ ኔሩ። ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ግን ኣሎ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኩሉሳዕ ንህዝቢ ኤርትራ ሓደ መልእኽቲ፡ ንህዝቢ ዓለም ድማኒ ካልእ መግለጺ ሒዙ’ዩ ዝጉዓዝ። እታ ናይ ብሓቂ ርዝነቱ ድማኒ ጽባሕ 25 መስከረም ንወይጦታቱ ዝህቦ መደረን፡ ንኤርትራ ምስተመልሰ ድማኒ ንማእከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ብዚህቦ መግለጺ ክምዘንዩ።

Advertisement
Advertisement
In A Twist, Isaias Afwerki Gives A Subdued Speech
إيثار للإغاثة تصل الى مخيم الخوخة المنسي

Comments

Latest News

  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026
  • Peekaboo: The Ethio–Eritrean GameApril 30, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (753)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services