Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ

March 31, 2010
Awate Team

ሃገራዊ ዋዕላ ትርጉሙን ክልሰ-ሓሳባዊ ኣገላልጻኡን ስፍሕ ዝበለ ኢዩ። ኣብኡ ኣትየ ብዝርዝር ክትንትን ኣይህቅንን። ብሓጺሩ ግን ሓደ ሃገራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሓደ ሃገር ብዛዕባታት ሰሪዕካ እትዝትየሉን እትውስነሉን ጉባአ ኢዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ጉዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ህዝቢ ናይ ሓደ ሃገር ብቐጥታ ዝሳተፈሉ ዋዕላ ኢዩ።

ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘለዎ ተስፋን ድሌትን ዑዙዝ ኢዩ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ድማ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽካየድ ድሌቱን ትምኒቱን ክገልጽ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ዝተኻየዱ ጉባአታትን ኣኼባታትን ብዛዕባ ኣድላይነት ሃገራዊ ዋዕላ ዳርጋ ከይተ ጠቕሰ ኣይሓለፈን ክበሃል ይከኣል።ካሊእ ይትረፍ ብወገን መርበብ በርገሳውያን ማሕበራት ኤውሮጳ፡ ብ2003 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበርናዮ ዓመታዊ ጉባአና፡ ሽሕኳ ከምቲ ዝደለናዮ ኣይኹን’ምበር ሓንቲ ንሃገራዊ ዋዕላ እተጽንዕ ሽማገለ ኣቚምና፡ሰነዳት ክንእክብ ጀሚርና ኢና። ብ2006 ኣብ ሆላንድ ኣብ መንጎ ኪዳንን መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኤውሮጳን ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ሰሚናር እውን ንሃገራዊ ዋዕላ ዝኣመተ ኢዩ ነይሩ። ቀጺሉ ኣብ ካስል ብፕረፈሶር ተስፋጽዮን መድሃኔን ኢስማዒል ዓልን ዝተገብረ መጽናዕቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ዓቢ ባይታ ፈጢሩ ኢዩ። ከምኡ ድማ ዓሚ ሓምለ 2009 ብኪዳን ዝተኻየደ ዎርክሶፕስ(workshops) ዓቢ ስጉምቲ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዋዕላ ቆይማ። ከምኡ’ውን ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2010 ክካየድ ተወሲኑ 

Advertisement

ኮይኑ ግን ኣብ ምቛም ናይታ ኣሳናዳኢት ሽማግለን ዝግበረሉ ግዜን፡ ኣብ መንጎ ገለ ኣባላት ኪዳን ዘይምስምማዕ ዘሎ ይመስል። ብፍላይ ብሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ኣብ መርበብ ኢንተርነት “ ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝብሉ ተኸታተልቲ ጽሑፋት ምስ እነንብብ፡ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣክል ምድላው ከም ዘይተገብረሉ፡ ኣብ ምቛም ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ ገለ በርገሳውያን ማሕበራት ተሳትፎ ከም ዝጐደሎ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝተገብረ ውሳኔ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ገለ ውድባትን ሰልፍታትን ከም ዘይተሳተፋ ዝገልጽ ተቓውሞ ኢዩ። ኣትኵረይ ንሓው መንግስትኣብ ንመውቃስ ወይ ምቅዋም ኣይኰነን። በንጻሩ እኳ ድኣ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎኒ ኣረኣእያ ኣዎንታዊ ኢዩ። ሓው መንግስትኣብ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ስጋብ ሕጂ ንህዝቡ ውፉይ ምዃኑ ኣይስሕቶን። ይኹን’ምበር እዚ ፍልልያት’ዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ብምርድዳእ ዝፍታሕ ናብ ግዳም ክወጽእ ኣይነበሮን ዝብል ኣረኣእያ ኣሎኒ። ምኽንያቱ ውጽኢቱ ንጸላኢ ዘሐጉስ፡ ሞራል ህዝቢ ድማ ዘውድቕ ስለ ዝኾነ። ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ከተኵረሉ ዝደሊ ግን ናብቲ መፍትሒ ክኽውን ዝኽእል ሸነኻት ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ፡ እቲ ጉዳይ ግዜ ወሲዱ፡ ዝኣክል ህዝባዊ ክትዓት ተኻይዱ፡ ካብ ኩሉ ሸነኻት ሕብብረተሰብና ክሳተፍዎ እቲ ዝድለ ኢዩ። ከምኡ’ውን ካብ ኣብ ቃልዕ ወጺኻ ምክሳስ፡ ኪዳን ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከማእክል እንከሎ፡ ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እታ ፈጻሚት ሽማግለ ኪዳን ተሳማሚዓ፡ ናይ ዋዕላ ውሽጣዊ መምርሒ ከተውጽእ ነይሩዋ እብል(እዚ መምረሒ’ዚ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይፈልጥን)። ንኣብነት፡ መን’ዩ ኣብ ምቛም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝሳተፍ? መንዩ’ኸ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፍ? ወ.ዘ.ተ.። ኣብ ምቛም  ኣሰናዳኢት ሽማገለ ዓይነት’ምበር ብዝሒ ኣየድልን። ሓላፍነት ናይዛ ሽማገለ’ዚኣ ኣድለይቲ ነገራት ምድላውን ጥጡሕ ባይታ ንሃገራዊ ዋዕላ ምፍጣርን ኢዩ። ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ግን ካብቲ ኣኼበኛ ይኸውን። ወሳኒ ድማ ንሱ ኢዩ።

ዝኾነ ኰይኑ እቲ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ግዜ ክግበር ኣለዎ እብል። ምኽንያቱ፤

ሀ) መቹእ ኩነታት ኣብ ጐድኒ ተቓወምቲ ሓይልታት ምህላው ዘይካሓድ ኢዩ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጥን ብደገን ተዳኺሙ ይርከብ።  ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ብዝያዳ ኣብ ቃልሲ ክጥርነፍ ይኽእል። ካብ ወጻኢ’ውን ፖለቲካውን ነገራውን ሓገዝ ብቐሊል ይርከብ።

Donate

Donate to support awate.com

$
Select Payment Method
Personal Info

Donation Total: $100.00

ለ) ሕጂ’ውን ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ዋዕላ ንዲሞክራሰያዊ ለውጢ ምጽዓር “ግብ በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ምቛም ኣሰናዳኢት ሽማገለ ዘይተሳተፉ ኣብ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣይሳተፉን ማለት ኣይኰነን።ብመምረሒ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መሰረት ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ወከልቲ ብንጹር ክቕመጥ ይግባእ።

ሐ) ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቀጻሊ መስርሕ ኢዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ ሓንትን ኪያንትን ኣይኰነትን። ቀጻሊ መስርሕ ኢዩ። ሎሚ ብውሑዳት ተጀሚሩ ጽባሕ እናዓመረን እናሰፍሔን ዝኸይድ ኢዩ።

Advertisement

መ) ዋዕላ ንዲሞክራስዊ ለውጢ ኣብ መስርሕ ምእራም

ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ሓንሳብ ብመደብ ተሓንጺጹ ብጥጡሕ ዝጐዓዝ ኣይኰነን። ኣብ ጉዕዞ ካብ ተመኩሮ እናቐሰምካ ኣብ መስርሕ እናተኣረመ ዝኸይድ ኢዩ። ሕጂ’ውን እቲ ጉድለታት ዝበሃል ብምርድዳእ ክእረም ኣለዎ።

ኣብ መጨረሻ፡ በዚ ኰኑ በቲ ንዝኾነ ውሽጣዊ ግርጭት መፍትሒኡ መርድዳእ ኢዩ። ሓደ ነገር ንኹላትና ክበርህ ዘለዎ፡ ሓደ ሃገራዊ ዋዕላ ክግበር እንከሎ ኣብ መንጎ እቶም ንዋዕላ ዘካይዱ ኣካላት ስኒት ክህሉ ኣለዎ። ከምቲ “ፈረንሳ እንጥሾ ክትብል፡ ኤውሮጳ ብሙሉኣ ትስዕል” ዝበሃል፡ ኣብ መንነጎ ኣባላት ኪዳን ዘይምረድዳእ ክፍጠር ከሎ፡ ተቓወምቲ ኣካላት ብሙሉኡ ኢዩ ተስፋ ዝቘርጽ። ስለዚ ልባዊ መልእኽተይ ንኣቦመምበር ኪዳን ሓው ተወልደ ከመሓላለፎ ዝደሊ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ጸዊዑ፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰውራዊ መንፈስ ክራዳድእሉ ብትሕትና የተሓሳስብ።

ዓወት ንዋዕላ ዲሞክራስያዊ ለውጢ

Advertisement

ርእይቶ: fitiwi@planet.nl

The Eritrean Covenant: A Serious Window for Dialogue
Ngdet London, Kahsa Weyane

Comments

Latest News

  • The Pledged Public: Toward an answer to “The Grammar of Promise”May 16, 2026
  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (754)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services