Awate.com

ኤርትራ ብጓይላ፡ ኢትዮጵያ ብምርጫ

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብዘይካ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስን ምዕባሌ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብዘይካ ህላውየ ብዝሓ-ሰልፊን(multi-party system) ምርጫን ድማ ደሞክራሲ ኣሎ ክበሃል  ኣይክኣልን። ደሞክራሲ ባሓደ ለይቲ ዝፍጠር ኣይኮነን። ብናይ ነዊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝህነጽ መስርሕ ኢዩ።

ተበግሶይ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘለው ስርዓታት ንምንጽጻር ኣይኮነን። ጨርሾም ብዓይነት ዘይመሳሰሉ ስርዓታት ምዃኖም ብሩህ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝተነግረን ዝተጻሕፈን፤ ንህዝቢ ኤርትራ ብድኽነት ቆሪኑ፤ ካብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ሓሊፉ ንለውጢ ከም ዘይሓስብ ጌርዎ ኢዩ። ካብዚ ወጺኡ ተቓውሞ ምስ ዘርኢ፤ እታ ተጋጥሞ ዕድል ወይ ማእሰርቲ ወይ ከኣ መቕተልቲ ኢያ። እዚ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይተራእየ ጭቆና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜትን ብፍርሕን ኢዩ አእምሮኡ ተኣሲሩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኢዩ ዕድል ዝረኸበ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝውሕዝ ዘሎ።ኢትዮጵያ ሎሚ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ስደተኛታት ተዋሒጣ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ይኸውን ኣሎ። ኣብቲ ዶባት ወተሃደራት ሓለውቲ እንተዘይህልው’ሞ ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ተጓሕጕሑ ንኢትዮጵያ መኣተወ ነይሩ ማለት ኢዩ።

ዘገርም ኢዩ! ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ብዝሐ-ሰልፊ(multi-party system) ስርዓት ክዝረብ እንከሎ፤ ኣብ ኤርትራ ዝዝረብ ብዛዕባ ኣስካሕካሒ ቤት-ማእሰርቲ ዒራ-ዒሮ ኢዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምርጫ ክዝረብ እንከሎ፤ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ብሕቡራት ሃገራት ዝወረደ ማዕቀብ ኢዩ ዝዝረብ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ናይ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ክትዕ ክረአ እንከሎ፤ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ እታ እተመንወት ለውጢ ዘይበላ ኵናት ጎቦታት ሳሕል ኢዩ ዝረአ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ብዝሒ ዩኒቨርስቲታት ክዝረብ እንከሎ፤ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ማዓስከር ሳዋን ግፋ መንእሰያትን ይዝረብ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዕብየት ቁጠባ ሃገር ክዝረብ እንከሎ፤ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ሲኣኤ(CIA)ን ጸረ ምዕራባውያን ሃገራት ፕሮፓጋንዳ ይዝረብ። ኣብ ተለቪዠን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ክትዓት ፓርላማ ክረኤ እንከሎ፤ ኣብ ቲቪ-ኤረ ጓይላን ዳንከይራን ይረኤ። በየናይ መንገዲ ንቕድሚት ክስጎም?

ስርዓት ኢሳያስ፤ ሓንቲ ሰንቲ ሜተር ንቕድሚት ምስጓም ዝተሳእኖ፤ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ምዕባሌታት ከቋሽሽን ከናሹን ይረኤ።ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ምርጫ ብመራኸቢ  ብዙሓን ኣብ ሃገሩ  ከይረኤ ከልኪሉ። ስለ ዝሕፍሮ ኢዩ ይመስለኒ። ካብ ህዝቢ ግን ክሕባእ ኣይኽእልን ኢዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ምርጫሞ፤ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስራሐ ኢሉ ኢዩ ንኸዳናቕፎ ተዓጢቑ ዘሎ። ከምቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር መለስ ዜናዊ ዝበሎ፤ “ ኢሳያስ ከም ሓደ መራሒ ጐረበት ሃገር ዘይኮነስ ከም ሓደ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ኢዩ ዝዋሳእ።” ክብሎ ሓቂ ኢዩ። ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ግዜ ምርጫ ከተካይ እንከላ፤ኣቶ ኢሳያስ ግን ን19 ዓመታት ብዘይምርጫ ገዚኡ። ምናልባሽ ከምቲ ኣብ ቃለ መሕተት ኣልጀዚራ ከምዝበሎ ኩለን ሃገራት “ ቅኑዕ ምርጫታት” ምስ ገበራ፡ አሞ ድሕሪ 40 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ምርጫ ይግበር ይኸውን። ዋእ! ኢሳያስ’ከ ስጋብ ሽዑ ይጸንሕ ድዩ? እዚ ካሊእ ሕቶ ኢዩ።ስርዓት ኢሳያስ ንህዘቢ ኤርትራ ምጭቋኑ ጥራይ ኣይኮነ ዝኽሰስ፡ ኢሳያስ ናይ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገበነኛ ኢዩ። ኣብቲ ጎረባብቲ ኢዱ ዘየእተወለን ሃገራት የለዋን። እቲ ዘገርም! እዚ ሰብ’ዚ ብዛዕባ ሃገሩ ተሓቲቱ ኣብ ክንዲ ናቱ ዝምልስ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ምጥቃሱ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ጥሜት ኣሎ እንተ በልዎ፤ ኣብ ካይሮ ባኒ የለን ይብል። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይሪኦ? እቲ ውጽኢት ናይ’ዚ ምርጫ’ዚ ከ ከመይ ክጸልዎ ኢዩ? እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ኰይኑ ይስማዓኒ።

ብመሰረቱ፤ ኣየናይ ሰልፊ ይዕወት ብዘየገድስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋገኤ ምዕቡል ደሞክራሲ ክትከል፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መኽሰብ ኢዩ። ቅድም-ቅድም ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓው ስለ ዝኾነ ጽቡቕ ንኽነብር ይምነየሉ። ብተወሳኺ 80 ሚል ዮን ዝኣክል ህዝቢ ጐረበቱ ብቑጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳያት ክዓቢ እንከሎ መኽሰብ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ካሊእ ብመንጽር ሃገራዊ ጠቕሚ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣቲና ክንትንትን እንተዀይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ፣ ኢህወደግ ከም ጸላኢ ይሪኦ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፤ እዚ ሰልፊ’ዚ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ ከም ዘኽበረ። ኣብ ገለ ተቓወምቲ(ተወዳደርቲ) ሰልፍታት ኢትዮጵያ ግን ዕቃቤታትን ስግኣትን ኣለዎ። ገና ኣብ ስልጣን ከይመጹ “ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ወደብ ክህልዋ ኣለዎ” ማለት ኣብ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝምድና ዘየስግእ ኣይኮነን። ብስምምዕን በፍቶትን ንዝግበር ናይ ወደባት ምጥቃም፡ መናልባሽ ካብ ንኢትዮጵያ ብዝያዳ ንኤርትራ ይጠቅም ይኸውን እብል ኣነ። እቲ ቀንዲ ሽግር ግን ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። ሽሕኳ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣትየ እዚን አቲይን እንተ ዘይበልኩ፤ ብሓፈሽኡ ብጣዕሚ ጽቡቚ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ርግጽ ሓድ ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ሕጉሳት ከም ዘይኾኑ ንካታዕን ንመያየጥን ኢና። ሚኢይቲ-ብሚኢይቲ ጽቡቚ ኢዩ፡ ጌጋ የሎን እኳ እንተዘይበልና፡ ምስቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ብምነጽጻር፡ “ኣቱም ሰባት እዚ ንስኻቱም ረኺብኩምዎ ዘሎኹም ሓደ ርብዒ ናቱ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ዝረኽቦስ ክንደይ’ኮን ጽቡቚ ምዀነ” ንበሎም።

ኤርትራ ሎሚ ናይ ምዕባሌ ጭራ ናይ ጭቆና ርእሲ ኰይናላ። ኣብዛ ሃገር’ዚኣ ኣብ ቤት-አማእሰርቲ ዝመውትን ክሃድም ኣብ ፈቖዶ ዶባት ዝርሸንን ህዝቢ ይበዝሕ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓለም ተነጺሉ፡ ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ተቐይዱ የዕለብጥ ኣሎ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ እንታይ ክገብር ኣለዎ?

ከይጠቐስክዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ነዚ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት እተድሚዮ ሓንትን እንኮን መሳርያ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢያ። ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውሽጣውን ዞባውን ምቹእ ኩነታት ተጠቒምና፡ ነዚ ዋዕላ’ዚ ከነዐውቶ ኣሎና። ነዚ ዋዕላ’ዚ ንምክያድ ዘይተማልኡ ሓድ-ሓደ ነገራት ክህልዉ ይኽአሉ ኢዮም። ኣይ ኮነን ኣባና ንመጀመርያ ግዜ ዝግበር ዘሎ ዋዕላስ ኣብ ተመክሮ ዘለወን ሃገራት እውን ጉድለት ክህሉ ንቡር ኢዩ። ጉድለታትን ሽግራትን ዝፍታሕ ህዝቢ ኣማእኪልካ ምስ እትመያየጥን እትረዳዳእን ኢዩ። ሓደ ዋዕላ ድማ ዓላማኡ ነዚ ኢዩ። ንዓይ ከም ውልቀሰብ ኤርትራውን ከም ኣባል በርገሳዊ ማሕበርን፡ እዚ ዋዕላዚ የገድሰኒ ኢዩ። ስለዚ ለበዋይ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘሕለፍዎ ውሳኔ ቀይሮም ናብዚ ህዝባዊ ዋዕላ’ዚ ንኽኣትዉ ኢዩ። ሽግር ዝፍታሕ ኣብ ህዝቢ ዝሳተፎ ዋዕላ ብምስታፍ ኢዩ። ካብኡ ብምርሓቕ ኣይኮነን። ኣቱም ኣብ ክንዲ ንምቅርራብን ንልዝብን፡ ነቲ ዘሎ ግርጭት ንብብላሕ እትጽሕፉ እንተ ተቖጠብኩም ይሓሽ። እዚ ተግባራት’ዚ ንስርዓት ህግደፍ እንተዘይኮይኑ ንህዝብና ኮቶ ኣይክጠቕሞን ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ንሓው ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዕውት ኪዀነሉ ብልቢ እምነ።

Comment: fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares