Awate.com

መልሲ ንቐሺ ማርቆስ ብኮሎነል ጸጉ ፍስሃየ (2ይ ክፋል)

ብመጀመርታ ኣብ ‘ቲ “ደመኛታት ተዋህዶ” ኢልካ ገሊጽካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ኣትየ ክገልጽ፡ እዚ ኣርእስቲ ‘ዚ ንኲናትን ንሕነ ምፍድዳይን ዝዕድም ኣር እስቲ ኮይኑ ‘የ ረኺበዮ።፡ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምቅትታል ኣትዩ ቀተልትን ተቐተልትን ከም ዘለዉዎ ዘስምዕ፡ ካብ ሓደ መራሕ ሃይማኖት ክወጽእ ዘይትጽበዮን ዘይሓላፍነታውን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ናብ ናይ ምትፍናን መኣዝን ዘአንፍት፡ ከም ቀሺ ብኣኻ ክምረጽ ዘይነበሮ ኣርእስቲ ‘ዩ። ከም መራሕ ሃይማኖት መጠን ከምቲ ቅዱሳት መጻሓፍቲ ዝብልዎ ንዝበደሉ ይቕረ ክሓቱ ክትጽውዕን ይቕረ ይቕረ ከተበሃህልን ክትዓርቕን ምተገብአ። እዚ ኣርእስቲ ተመሪጹ ከብቅዕ ‘ውን ትሕዝቶ ናይ ‘ቲ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ነጥብታት ምስ ‘ቲ ንዓይ ኣመልኪትካ ኣቕሪብካዮ ዘሎኻ ምርኩስ ጌረ ክርእዮ ከለኹ ‘ውን ኣብ ይመስለንን ይኸውንን ዝተመርኮሰ፡ እኹል መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ምዃኑ እየ ገምጊመ። እቲ ከምኡ ዘበለኒ ምኽንያት ድማ ኣብ ታሕቲ ኣስፊረዮ ኣለኹ። እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምትፍናንን ዘይምስምማዕን የልቦን ንምባል ኣይኮንኩን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ‘ቲ ኣነ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተመዲበ ብቐረባ ዝፈለጥኩላ ሰዓት፡ ካብ 1996 ጀሚራ ዘይምስምማዕን ሕድሕድ ምጥቕቓዕን ነይርዋ ‘ዩ። ድሕሪ ነጻነት እታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እትመሓደር ዝነበረት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ናታ ምሕደራ ክትገብር ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ፡ ኣብ መንግስቲ ተጸጊዓ ባጀት ተፈልዩላ ነብሳ ንከተመሓድር ውሽጣዊ ቅርጺ ኣወዳድባኣ ኣዋዲዳ ናብ ስራሕ ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን ‘ዩ እቲ ሽግር ተጋሂዱ። ኣብ 1993 ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ ምምሕዳር ኮይነ ይሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ንዖኦምን ንቤትጽሕፈት ሙፍትን ዝተሰላዓሎም ነብሲ ወከፍ ናይ 200.000 ብር ባጀት ካብ ኣካል ፋይናንስ ካብ ኣቶ ሙኽታር ይቕበሉ ምንባሮም ኣረጋጊጸ እፈልጥ። መራሕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ነቲ ናይ ምምሕዳር ስራሕ ከም ቀዳምነት ኣመጻጽኦኦም፡ ነቲ ናይ ስራሕ ሓላፍነታት ተመቓሪሖም፡  ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነጥፍሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ ሕድሕዶም ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።

– ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣብ ‘ቲ ግዜ ‘ቲ ዝለዓሉ ሓላፊ መንበረ ጵጵስና ፤
– ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ናይ ምምሕዳር ሓላፊ፤
-ብጹእ ዎ ቅዱስ አቡነ ማቃርዮስ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስርዑ ዝለዓሉ መራሕቲ ‘ዮም ነይሮም።

ኣብ ‘ቲ ንቤተ ክርስትያን ብዝለዓለ ደረጃ ንምምራሕ ናይ ፓትርያርክነት መዓርግ ንምርካብ ኣብ ሕድሕዶም ክወዳደሩን ሰዓብቲ ከጥርዩን ክጓየዩ ተራእዮም። ኣብ ‘ዚ ሰዓት ‘ዚ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ስለ ዘይቆመ እቲ ምስ መንግስቲ ዝግበር ዝነበረ ርክባት ብመንገዲ ምክትል ሚኒስተር ነብሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣቢሉ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ከም ‘ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ክብ ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ነቲ አብ ናይ ፓትርያርክነት መዓርግ ዝመጽእ መራሕ ሃይማኖት ምስ ‘ቲ ናይ ‘ቲ ስርዓት ኣካይዳ ዝቃዶ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለ ዝኣመነ፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ማቃርዮስ ድማ ምስ መንግስቲ ኣይክቃደዉን ‘ዮም ኢሉ ስለ ዝገመተ፡ ናይዝጊ ክፍሉ ብናይ ኢሳያስ መምርሒንብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ማቃርዮስ ካብ ሃገር ከም ዝባረሩ ጌሩ። ኣቡነ ማቃርዮስ ብሂወቶም ስለ ዘለዉ ነዚ ሓቂ ‘ዚ ከረጋግጽዎ ይኽእሉ ‘ዮም። ኣቡነ ማቃርዮስ ካብ ሃገር ክወጹ ከም ዘለዎም ምስ ተነግሮም፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ኣባላት ሲኖዶስ ነቲ ናይዝጊ ዝወሰዶ ውሳኔ ተቓዊሞም ንናይዝጊ ውሳኔኡ ንክቕይር ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክሓትዎ ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ ናይዝጊ ውሳኔይ ኣይቅይርን ‘የ ስለ ዝበለ፡ ኣብ ‘ቲ እዋን ናይ ኣውራጃ ሓማሴን ሃገረ ስብከት ሓላፊ ዝነበሩ፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንናይዝጊ “በጃኻ ናይዝጊ ወደይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኢድካ ኣይተእትወልና” ኢሎም ምስ ተቓወምዎ፡ ንሱ ‘ውን ከምኡ እንተ ኾይኑ ንስኹም ባጀት ኣይትሕተቱና ኢልዎም ተፈላልዮም። ካብ ‘ዛ ሰዓት ጀሚሮም ምስ ናይዝጊ ኣይተቓደዉን። እታ ኣብ መጨረሽታ ካብ ፓትርያርክ ንክወርዱ ጠንቂ ዝኾነትት ቀዳመይቲ ምኽንያት (ንነጻነት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተማጎቱ) እምበኣር እዛ ነጥቢ እዚኣ ‘ያ።

ድሕሪ ኣቡነ ማቃርዮስ ናብ ደገ ምኻዶም፡ እቲ ምፍሕፋሕ ኣብ መንጎ ኣቡነ ፊሊጶስን ኣቡነ ያዕቆብን ቀጺሉ። ኣብ ‘ቲ ኣነ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝተመድብኩሉ እዋን (1996) እዞም ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ዝመርሕዎም ኣብ ድሑር ትሕተ ሃገራውን ወገናውን ኣተሓሳስባ ዝተመስረተ ጉጅለታት ኣቒሞም እዮም ጸኒሖምኒ። ክሳብ ነቲ ዝነበሮም ናይ ስራሕ ሓላፍነት ተጠቒሞም ‘ውን፡ ነቶም ኣይናትናን ‘ዮም ዝብልዎም ኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጸቕጥታት ክገብሩን ካብ ስራሕ ከባርሩን ‘ዮም ተራእዮም።

እቲ ጉዳይ ከቢድ ብምንባሩ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጠቒሰዮም ዘለኹ ዓበይቲ ዓዲ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ካል ኦትን ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ንክሕግዙና፡ ናይ ኣማኸርቲ ሽማግለ ኣቚምና ነቲ ኩነታት ከህድኡን ከቀራርቡን ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይድና። እንተ ኾነ እቲ ኩነታት ኣጸቢቑ ከይሃድአ እቲ ናይ ፓትር ያርክ ምርጫ ኣርኪቡ፡ እቲ ምርጫ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ኮፕቲክ ቤተክርስትያን ላዕለዎት ልኡኻት ኣብ ዝተረኽቡሉ ተኻይዱ ኣቡነ ፊሊጶስ ዝለዓለ ድምጺ ኣምጺኦም ኣብ 1998 ቀዳማይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያ ኤርትራ ኮይኖም ተሸይሞም።

ናብ ‘ቲ ቀሺ ማርቆስ ኣብ ትሕቲ “ደመኛታት ኦርቶዶክስ ኢሉ ኣስፊሮሞ ዘሎ ነጥብታት ክምለስ፡ – መጀመርታ ናይ ‘ቲ ስርዓት ቀንዲ መሳርሒ ኮይኖም ምስ ሃገራዊ ድሕነት ይእከቡ ነይሮም ዝበልዎም ላዕለዋይ መራሒ ካላኣይ ፓትርያርክ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ንኩነታቶም ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ክህብ የ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣቡነ ያዕቆብ መሬት ኣጣሊሎም፡ ደንጉዮም እዮም  ናብ ኤርትራ መጺኦም። ካብ ‘ዚ ወጻኢ ‘ውን ኣቡነ ያዕቆብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ክትመሓደር ኣለዋ ዝብል፡ ካብ ናይ ኣስመራ ስርዓት ዝተፈልየ ርእይቶ ነይርዎም። ክሳብ ከም ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ ኮይኖም ምስ ናይ ኢትዮጵያ ጳጳሳት ናብ ግብጺ ብምኻድ፡ ኤርትራ ፓትርያርክ ኣየድልያን እዩ ኢሎም ኣብ ሲኖዶስ ናይ ግብጺ ዝተቓወሙ ኣቦ እዮም ነይሮም። ፖለቲካዊ መርገጺኦም ምስ ናይ መንግስቲ ድሌትን ኣረኣእያን ዘይሳነን  ብስርዓት ኣስመራ ተቐባልነት ዘይነበሮምን እዮም ነይሮም። ብድሕሪ ኣብ ምርጫ ዘይምዕዋቶም ‘ውን ኮርዮም ኣይሰርሕን ‘የ ኢሎም ክሳብ ቀዳማይ ፓትርያርክ ካብ ‘ዛ ዓለም ብሞት ዝፍለዩ፡ ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ቦኺሮም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሎም እዮም ኣሕሊፎሞ። ኣብ ‘ቲ ሰዓት እቶም ብቀጥታ ምስ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝራኸቡ ዝነበሩ ኣቡነ ፊሊጶስን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝነበሩ መሳርሕቶምን እዮም ነይሮም።  ሕጂ ቀሺ ማርቆስ ንኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ናይ ‘ቲ ስርዓት መሳርሒ ነይሮም ኢሉ ክገልጽ ዝተደልየሉ ምኽንያት እንታይ ስለ ዝተደልየ ‘ዩ ኣይበርሃለይን። ኣነ ካብ ዝፈልጦም (1996) ክሳብ ‘ታ ናይ ፓትርያርክ ምርጫ ዝተኻየደትላ እዋን ምስ መንግስቲ ተሳንዮም ኣይፈልጡን ‘ዮም። ካልኣይ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ምስ ኮኑ ግን ምስኦም ኣይሰራሕኩን። ኣባ ተወልደብርሃን .ውን ቀንዲ ሰዓብን ደጋፍን ናይ ኣቡነ ያዕቆብ እዮም ነይሮም።

ቀሺ ማርቆስ ኣብ መግለጺኡ ኣስዒቡ ነዞም ምስ ሃግራዊ ድሕነት ይሰርሑ ነይሮም ኢሉ ዝጠቐሶም – ንብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቦና ያዕቆብን ንኣባ ተወልደብርሃንን –  ስም ወይ ‘ውን ኣስማት ከይሮቕሐ ነዞም ክልተ ኣቦታት ክሳብ ደም ዝነብዑ ገሪፎሞም ይብል። ነቶም “ናቶም መሳርሒ” ኢሉ ዝጠቐሶም ደኣ ስለምንታይ ክሳብ ደም ዝነብዑ ገሪፎሞም? እንታይ ስለ ዝገበሩ ኸ? መንን መዓስን ‘ዩ ኸ ገሪፍዎም? ዝብሉ ሕቶታት ክምለሰለይ ምደለኹ።

ስዒቡ ድማ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ 2 ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤተ ክርስትያንን (ነዞም 2 ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ብዘዕባ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ደሞዝ ምቕባሎምን ዘይምቕባሎምን ርግጸኛ ኣይኮንኩን ይብል) ካልኦት ሓደ ጳጳስ ዝርከቦም 8 ላዕለዎት ሓለፍቲ ካህናትን ሓደ ሲቪል ሰራሕተኛን፡ ብመንገዲ ስምኦን ገብረ ድንግል ካብ ሃገራዊ ድሕነት ካብ 1500.00 – 2500.00 እናተኸፍሉ ብመንገዲ እታ ምስጢራዊት ሰልፊ ኣብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጸጉ ይእክቦም ነይሩ ክብል ገሊጹ። ንመጽሓፈይ ጠቒሱ ድማ ናይ ጸጉ መጽሓፍ ኣምቢብኩማ እንተ ኴንኩም፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ጎጃጂልዎም ነይሩ፡ ጸጉ ባዕሉ ተጋጊና ኢና ኢሉ ኣብታ መጽሓፉ ጠቒሱ ኣሎ ክብል ገሊጹ። ቀዳማይ ነገር ቀሺ ማርቆስ ንመጽሓፈይ ዘምበባ ኣይመስለንን፡ ኣምቢብዋ እንተ ኮይኑ ግን ትሕዝቶኣ ብግቡእ ስለ ዘይተረድኦ፡ ነዚ ሕጂ ዝተዛረበሉ ኣር እስቲ ኣጸቢቑ ከኳማስዖ መታን ደጊሙ ከንብባ እላበዎ።

እታ ሰልፊ ነብሱ ዝኸኣለ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ከም ዝነበራ እታ መጽሓፍ ብብሩህ ኣቐሚጣቶ ኣላ። እታ ሰልፊ ኣብ 1990 ደስኪላ ስርሓ ኣቋሪጻ ‘ያ። ኣብ መጨረሽታ 1993 ናይ መወዳእታ ጉባኤ ጌራ፡ ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ መጀመርታ 1994 ምፍራሳ ብወግዒ ኣዊጃ። ሕጂ ቀሺ ማርቆስ ነታ ሰልፊ ብኸመይ መንገዲ ‘ዩ ምስ ‘ታ ክሳብ 1996 ዘይቆመት ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከተኣሳስራ ዝፍትን ዘሎ? ብዝኾነ ይኹን መለክዒ መእሰሪ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን። ሓበሬታ ክኾኖ፡ ምናልባት ምስታ ምክትታል ሃይማኖት እትበሃል ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ጸጥታ እትነጥፍ ኣካል ዘባሪቕዎ ከይከውን፡ ነቶም ነዚ ኣካይደዮ ዝብሎ ዘሎ ዘይጽፉፍ መጽናዕቲ ንከዳሉ ከም ምንጪ ሓበሬታ ዝተወከሶም ሰባት ደጊሙ ሓቲቱ፡ ካልእ ዝተርፎ ሓበሬታታት እንተሎ ‘ውን ነቲ ኣነ ክሳብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝፈልጦ ሓበሬታ ክህቦ ‘ሞ፡ ነዚ ኣቕሪብዎ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ክእርሞ ደጊመ ይምሕጸኖ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ስርዓት ኣስመራ ኣብ ኦርቶዶክስ ምትእትታው ይገብር ኣይነበረን ንምባል ኣይኮንኩን፡ ብወገነይ ‘ውን ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ትካላት ሃይማኖት ክሳብ ኣብ ‘ቲ ስራሕ ዝነበርኩሉ እዋን ብዝከኣለኒ መጠን ገሊጸዮ ‘የ።

ኣስዒቡ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዝለዓለ ምስጢር ዝፈልጡን ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝእከቡን ደሞዝ ዝቕበሉን ላዕለዎት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን፡ ትሕት ዝበሉ ቀንዲ ኣበጻጻሕቲን ካብ 1500 -2500 ዝቕበሉ ኣብ ‘ታ ምስጢራዊት ሰልፊ ግን ዘይእከቡ ኢሉ 10 መራሕቲ ሃይማኖት ጠቒሱ ኣሎ። ነዚኦም ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ማእሰርትን መቕዘፍትን ዘስዓቡ ምዃኖም ይጠቅስ። እዚ ኣብ ልዕሊ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ቀሪቡ ዘሎ ናይ ቀሺ ማርቆስ ጃምላዊ ክሲ፡ መዓልትን ዕለትን ዘይፈሊ፡ መን ንመን ከሲሱ፡ ዝቐረበ ክስታት እንታይ ምንባሩ ዘየነጽር፡ ከምኡ ‘ውን ምስ ‘ቲ ንዓይ ምስ ‘ታ ድሕሪ 1990ን ዘይነበረት ምስጢራዊት ሰልፍን፡ ምስታ ክሳብ 1995 መጨረሽታ ዘይቆመት ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳይን ኣተኣሳሲሩ ካብ 1993-1995 ዝተኸትቡን ብምስጢራዊት ሰልፊ ዝ እከቡ ዝነበሩ ሰለይቲ ኢሉ ከቕምጥ ምፍታኑ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ መሰረት ዘይብሉን  ኣብ ይኸውንን ይመስለንን ዝተመርኮሰ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን ከኸትል ዝኽእል መኣዝኑ ዝሰሓተ ውዱቕ መጽናዕቲ ዩ።

ኣስዒቡ ብድሕሪ ‘ዚኦም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዝስርዑ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኖም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ፡ ብሃገራዊ ድሕነት ዝኽፈሉን ዘይክፈሉን ዘይተረጋገጸን መጽናዕቲ ዘድልዮን፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝለኣኹ 31 መራሕቲ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብ ‘ዞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ጉጅለ ኢሉ ኣቐሚጥዎም ዘሎ፡ ክጠቕሶ ዝደሊ ነጥቢ እንተ ደኣ ሃልዩ፡ ናይ ቀሺ ኤፍሬም ልኡል ኢሉ ጠቒስዎ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ። እዚ ሰብ ‘ዚ ዘመድ ጠዓመ መቐለ ኮይኑ ኣብ ዓዲ እናኣተወ ምስኡ ከም ዝራኸብን ምትእስሳር ከም ዘለዎን ጠቒሱ ኣሎ። ቀሺ ማርቆስ ስራሕ ናይ ጠዓመ መቐለ እንታይ ምዃኑ ብዙሕ ዝተረደአ ኣይመስለንን፡ ስለምንታይ ምስ መቐለ ከተኣሳስሮ ይፍትን ኣሎ ብሩህ ይመስለኒ። ቀሺ ኤፍሬም ምስ ዘመዱ ስለ ዝተራኸበ ጥራሕ፡ ዝኾነ ይኹን ገበን ናይ ምፍጻም መርት ዖ ከየቕረብካ ምስ ‘ቲ ዕሉል ገበነኛ ኣተኣሳሲርካ ክትወቕዖ  ምፍታን ቅኑዕ ኣይኮነነ ጥራሕ ዘይኮነ ሓደገኛ ‘ውን እዩ። ዝኾነ እንገብሮ መጽናዕቲ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰን ተሓቲትካ እትምልሰሉን ክኸውን ይግባእ።

ኣብ መጨረሽታ ኣብ ውሽጢ እቶም ብህግደፍ ኣብ “ዝመሓደራ” ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ ውሽጦም ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ተቓውሞታት ናይ ዘስምዑ ናይ 8 ካህናት ኣስማት ዘርዚሩ፡ ምስጋና ኣቕሪቡ እዩ ነዚ ቀዳማይ ክፋል መጽናዕቱ ደምዲሙ። ኣብ ‘ዚ ንቀሺ ማርቆስ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን፡ ምኽንያቱ ብኣረኣእያ ካባኻ  ንዝተፈልዩ ሰባት ብሓሳብ ኣእሚንካ ወይ ውን ባዕላቶም ነቲ ዘሎ ኩነታት ተገንዚቦም ናብ ‘ቲ ንስኻ ቅኑዕ እዩ እትብሎ መስመር ምስ ዝመጹን ወይ ውን ከተምጽኦም ምስ እትኽእል ኣብ ‘ቲ ዝግበር ቃልሲ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ስለ ዝፈጥር ‘ዩ። መራሕቲ ናይተን ኣብያተ ክርስትያናት ሕድሕዶም ከም ዝራኸቡን ከም ዝረዳድኡን ብምግባር ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝረጋገጽ ምግባር ቅዱስ ተግባር ስለ ዝኾነ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምውጥዋጥን ምጽልላምን ኣቲኻ ክሳብ ብደረጃ ደመኛታት ሰሪዕካ ኣልሚምካ ንኹሉ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎ መሳርሒ ሃገራዊ ድሕነት እዩ እናበልካ ምዝላፍን ከም ዝተፋነን ምግባርን፡ ኣብ ህዝብና ብፍላይ ድማ ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዕርቅን ሰላምን ከምጽእ ዝኽእል ሰናይ ዝኾነ መገዲ ምኽታል ቅዱስ ተግባር ‘ዩ።

ቀሺ ማርቆስ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሱ መበቆሎምን ዓዶምን ብምዝርዛር ጠቒሱ፡ 1. ዝለዓሉ ብሃገራዊ ድሕነት ገንዘብ እናተኸፍሉ ምስ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝእከቡ “ሰለይቲ”  2. ነቶም ካብ ‘ዚኦም ዝተሓቱ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝደናገጹ ገንዘብ ዝኽፈሉን ዘይክፈሉን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኖም ዘይተረጋገጹ 3. ነቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ‘ተን ንህግደፍ ዝድግፋ ኣብያተ ክርስትያናት ኮይኖም ዝቃወሙ ኣብ ሰለስተ ጉጅለ ኣቐሚጡ ብምግላጽ፡ ከም ‘ቲ ጸጉ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ዘሎ እቲ ስርዓት ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሰለስተ ጎጃጂልዎም ነይሩ ኢሉ ጠቒስዎ ‘ሎ። ከም ‘ቲ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮ ዘለኹ ግን ጠንቂ ናይ ‘ቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል፡ እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ተዋህዶ ሃይማኖት – ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ፊሊፖስን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብን – ናይ ፓትርያርክነት ስልጣን ንምጭባጥ ተባሂሉ ዝግበር ዝነበረ ምፍሕፋሕ ኮይኑ፡ ነዚ ምፍሕፋሕ እዚ መዝሚዙ ድማ እቲ ናይ ኣስመራ ስርዓት ኣብ ረብሕኡ ኣውዒልዎ። ስለ ‘ዚ ቀሺ ማርቆስ ተመሊሱ ነታ መጽሓፍ ምውካስ ከድልዮ ‘ዩ። ካብ ‘ዚ ወጻኢ ግን ኩሉ ‘ቲ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝገበርዎ ጉድለታት ወንዚፍካ፡ ብሙሉኡ እቲ ጉድለት ናብ መንግስቲ ኣጸጊዕካ ካብ ጉድለታት ክትሕባእ ምፍታን ንዕብየት ናይ ‘ቲ ቤተክርስትያን ሓጋዚ ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ዝፈጸሞ በደላት ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ጉድለታትካ ምእራም ድማ ሓጋዝን ሃናጽን ዩ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares