Awate.com

ሹም ገደደን ቆርበትን

ናይ ሎሚ ክፋል ነጋሪት ንመጀመርታ ግዜ ብወርሒ 9, 2005 ዝተጻሕፈት እያ–ሳልሕ “ቃዲ” ጆውሃር 3/25/2019

አዚኣ ዛንታ ነቶም ብሓይሊ ዝተዓስከሩ ግዳያት ዘይኮነ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዝተጻሕፈት እያ።

ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጽብቕቲ በዓልቲ ሓዳር ሰበይቲ ሰለዝደለያ፡ ሓደ እከይ መደብ ኣውጺኡ፡ ሸያጥ ጠስሚ ተመሲሉ ማዕጾ ገዝኣ ኳሕኲሐ። ብዓል ቤታ ማዕጾ ምስ ኸፈተ አብ ቆርበት ዝተመልአ ጠስሚ ብኣዝዩ ሕሱር ዋጋ ከም ዝሸይጥ ዘሎ ነገሮ። እቲ በዓል በት በቲ ሕሱር ዋጋ ስለዝተሳሕበ ክጥዕሞ ሓትተ። እቲ ሸያጥ ጠስሚ ድማ ሕራይ ኢሉ ነታ ቆርበት ጤል ክሳዳ ክፈትሓ ሕዘለይ በሎ። እቲ በዓል ቤት ነታ ቆርበት ብክልቲኡ ኢዱ ምስሓዘ፡ እቲ ሸያጣያ ነታ ክሳዳ ዝሓዘት መእሰሪ ፈቲሑ ትኽ ኢሉ ናብታ ሰበይቲ ዘላቶ ከፍሊ ኣተወ። እቲ በዓል ቤት ኣብ ክንዲ ነቲ ቆርበት ደርብዩ ብጉያ ናብ ሰብይቱ ምድሓን ክንዲ ዝኣቱ፡ ፈራሕ ስለዝኾነ ነታ ጠስሚ ዝመልአት ቆርበት ሒዙ ዓው ኢሉ “እዚ ጠሰሚ ከይፈስስ እንተዘይስከፍ ኔረስ, ምቐተልኩኻ ኔረ” ኢሉ ጨደረ። ነታ ተደፊራ ተእዊ ዝነበረት ሰብይቱ ድማ “ንገርዮ፡ ሰብኣይ እንተኾይኑ መጺኡ ነዚ ጠስሚ ይቐበለኒሞ ክልተ ኢደይ ነጻ ምስኮነ፡ ሰብኣይ ምዃኑ ከርእዮ። ንገርለይ በላ!!!

ኣታ ሹም ገደደ

ኣታ ሹም ገደደ ሹም ገደደ
ኣብ ርእሶም ኮፍ ኢልካ ሜስካ ስተ

እዛ ናይ ቀደም ናይ ከባቢ ደርፊ ቁሩብ ደብዚዛ ትዝከረኒ’ላ። ሎሚ ሹም ገደደ ሜስ ኣይኮነን ዓቲሩ ዘሎ፡ እንታይ ድኣ፡ ዊስኪ ዓቲሩ ኣብ ርእሴና ምኻድ ሓሊፍዎ በቲ ናይ ወታሃደር ሳእኑ ኣካላትና ይረጋግጽ ኣሎ– ጸገመይ ምስ ላዕለዎት ሓልፍቲ ሰራዊት ከኣ እዚ እዩ። ብፍላይ እቶም ይከኣሎ ዝበሃሉ ነባራት ተጋደልቲ፣ እቶም “ንሓርነት ኤርትራን ነጻነት ህዝባን” ዝተቓለሱ፣ እንቀዓ ዓወት “ንሓፋሽ” ን “ኣልነስር ልል ጀማሂር” ኢሎም ዝጨረሑ።

እንኾርዓሉ ቃለስናን መስዋእትናን ቦታኡ ዝሓዘ ዝሓለፈ ታሪኽ እዩ፤ ኣብ ታሪኽና ኻኣ ብኽብሪ ነዐቅቦ። ናይ ትማሊ ተጋድለቲ ዝገብርዎ ዘለዎ እከይ ተግባር ስቕ ኢልካ ምቕባልን ነቲ ጭካነኦም ምምኽናይን ግና ነቲ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ምኽሓድ ማለት እዩ። ኣብ ኤርትራ በደል (ስእነት ፍትሒ) ብዘይ ተግበርቲ ኣብ ባዶ መሬት ኣይኮነን ዝካየድ ዘሎ።

ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ዝተዓስከሩን ስልጣን ዘይብሎምን እዮም። ምእንቲ ክኣርጉን መንፈሶም ክማስንን ሕልነኦም ክዓርብን ብህግደፍ ኣብ ስንጭሮታት ዝተሓየሩ እዮም። ከምዚ ኾይኑ ኸሎ ፤ ገለ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ቀጻሊ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የካይዱ ኣለዉ። እዚኣቶም ንኤርትራ እናተጋስስዋ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ “ተጋደለቲ” ከምቲ ሰበይቱ ክትድፈር ገለ ዘይገበረ ደኹም ሰብኣይ ቆርበት ጤል ሒዞም ተሪፎም።

ሎሚ ዉሑዳት እዮም ነቲ ናይ ታሪኾም ሕድሪ ብሓቂ ሒዞም ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ጸገም መፍትሒ ክረኽቡ ዝጽዕሩ ዘለዉ። ገለ ዉሑዳት ድማ ርሙሳት ደገፍቲ ናይቲ ዝትግበር ዘሎ ጭፍጨፋ ኮይኖም ይርከቡ። ልክዕ ከምቲ ዘገልግልዎ ቐታሊ ስርዓት ገበነኛታት እዮም። ገለ ገለ በዘይ ሕልና ብህይወቶም ዝሞቱ ውን ኣለዉ። መሓውር ናይ ህዝቢ ኢና ዝብሉ እንተለዉ ቆርበት ጤል ደርብዮም፡ ወላ ጠስሚ ይፍሰስ፡ ሃገር ክድሕኑ እዩ ዝግባእ። ሓደ ዓንደ ሕቖ ዘለዎ ኤርትራዊ ናይ ሓደ ንህዝቢ ዘጋፍዕ ስርዓት “ኣገልጋሊ” ክኸውን የብሉን። መጋበርያ ናይ ጨካን ስርዓት ምዃን ከም ኣገለጋሊ ሃገር ገርካ ክቑጸር የብሉን። ኣባል ሰራዊት ኹን ኣይትኹን ብዘይገድስ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ድማ ቀሪባ እያ።

እቶም መሻርኽቲ ናይቲ ጨኳኒ ስርዓት ዝኾኑ “ክቡራን” ይካኣሎ ተጋደልቲ ካብ ባር ንባርን ንትልሂትን ክዘሉ ይርከቡ። እዚ “ዝያዳታት”ን ስልጣንን ብክፍሊት ነጻነት እቲ ተራ ህዝቢ እዮም ዝረኽብዎ ዘለዉ። ተራ ወተሃደራትን በርገስን ንደቂ ሃገሮም ምስላይ፡ ምህራምን ምውራድን ናተይ እሎም ዝሓዝዎ ውራይ ኮይኑ’ሎ። ናይ ህግደፍ መዛረቢ ኣፍ በትሪ ኮይና ተሪፋላ፤ ግን እታ በትሪ መን እዩ ሒዝዋ ዘሎ? እቲ ይከኣሎ ዝኣዘዞ ተራ ዋርሳይ!! እዞም ውሑዳት ዝመሽመሹ ድንሽ ነቲ ኩሉ እሙን ሓይሊ፡ ዘይብሉ ዜጋ፡ ከም ባርያ፡ ውርደተኛ፡ ኣብ ፍርሓትን ሽበራን ዝነበር፡ ግዳይ ራዕድን እስራትን ቅተለትን ጌሮሞ ይርከቡ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ህዝባዊ ናይ እምቢ መድረኽ ክኽሰት ባህርያዊ እዩ። እቲ በሕርቃን ከም ሃልሃልታ ዘባራዕ ዘሎ ከብዲ ህዝቢ ክትኵስ ንእሽቶ ወሰኽ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ ። ስለዚ፡ ናይ ጎነጽ ስግኣት ኣይህሉን ክበሃል ድዩ? ሽዑኸ ንሃገራት ምዕራብን ንሕቡራት መንግስታትን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክህቡናን ሽግራትና ክፈትሑልና ክንጸበ ዲና? መዓስ ኢና ክንዓቢ? መዓስ ኢና ሽግርና ባዕልና ንፈትሕ?

ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ፡ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ክገብር እየ ኢሉ ፈንጥራዕ ፈንጥራዕ ክብል ጀሚሩ ኔሩ። እቲ ሰራዊት ነቲ ዝወርድ ጥፍኣት ኣተሓሳሲብዎ ዝን ኢሉ አብ ዘነበረሉ እዋን፡ ሓደ ጀነራል እዩ ንኢሳአስ ዝተቓወሞ– “ኣነ ኣይሰማማዓካን እየ። ውግእ ኣየድለየናን እዩ። ኣይተቐረብናሉን ድማ” ብምባል ንኢሳያስ ደፊሩ ዝተዛረቦ። ኣብቲ ዶብ ዝርከበ ወጻእተኛ ምንጪ ከምዝሓበሮ እዚኣ ናይቲ ጀነራል ድፍረት ሓደ ክፉእ ኩነት ንኸይመጽእ ተኽላኺላ።

ውሑዳት ሓልፍቲ ሰራዊት ናይ ሃገርና ኩነታት ዘሻቕሎም ከም ዘለዉ እኹል መረደኢታት ኣሎ። ብግልጺ ድማ ህግደፍ ነቲ ናይ ወጻእተኛታት መግዛእቲ ብናይ ደቂ ሃገር መግዛእቲ ዝተከአ ስርዓት ገሮም ይርእይዎ። እዚ ግን እኹል ኣይኮነን። እዚ ዕግበታት ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምኻድ ነቲ ዝደሚ ዘሎ ሃገር ካብቲ ዝፈሶ ዘሎ ድሜት ጠጠው ከብሎ ኣለዎ። ሎሚ ዘይድህሰስ “ናይ ሞራል ዓወት” ኣይኮነን ዘድሊ ዘሎ። ናይ ኤርትራ ሽግር ብሓላፍነት ዝሕተትን ናይ ምፍትሑ ሓላፍነትን ብቐዳምነት ኣብቶም ነቲ ወጽዓን ጭፍጨፋን ዘምጽኡ ኣባላት እዩ ዝወድቕ። እዚ ድማ ከምቲ– ዝሰቢርካዮ ባዕልኻ ኣዕርዮ ኣዩ ዝብል ብሂል እዩ።

ካብታ ከም ኤርትራ፡ መንፈስ ህዝባ በቲ ሃገራዊ ቃልሳ አንጻር ፈረንሳ ዝተመሰረተ ሃገር፡ ካብ ኣልጀርያ ክንመሃር ይግባእ።

ኣልጀርያ ካብ ፈረንሳ ነጻ ድሕሪ ምውጻኣ፡ እቲ ነጻነት ዘምጽአ ናይ ኣልጀርያ ሓርነታዊ ግንባር (ተሓአ)፡ ምስሊ ኣልጀርያ “ዓዲ ሓደ-ሚልዮን ስዉኣት” ኣብ ዝብል ጭርሖ እዩ ሲኢሉ ቀሪጽዎ። እዚ ንኣልጀርያ ብሓንቲ ፓርቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገዝአ ግንባር ልክዕ ከም ናይ ሕጂ ህግደፍ እዩ ዝዋሳእ ኔሩ። ድሕሪ ቁሩብ ናይ ታሕጓስን ትዕግስትን ዓመታት እቲ ምሕደራ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣብቲ መንእሰይ ጽልኣትን ምፍንፋንን ኣሕዲሩ ስጋብ መቓብር ተጋደልቲ ኣብ ምብልሻው ተበጺሑ። እዚ ኣብ ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን ኣልጀርያ ኣይምተሓስበን። ኣብ ሰማንያታትን ተስዓታትን ግና፡ ኣቲ ጨቋኒ ግንባር ነታ ሃገር ኣብ ክንደይ ኣሽሓት ሂወት ዝወደአ ኣዕናዊ ኩነት ኣእትይዋ እዩ። ህግደፍ ውን በዘይ ዓጋቲ መግዛእቱ ኣንተቀጺሉ፡ ናይ ቃልስና ፍረን ክብርናን፡ እቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልናሉ ታሪኽ ጌና ከነጥፍኦ ኢና፡

ባህታ ሓጎስን ዓዋተን ተቓወምቲ ኣይነበሩን

ዘይፍትሓዊ መግዛእቲ አብ ዘለዎ ሃገር ምምካት ንቡር እዩ። ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዲክታቶርያ ስርዓት ተቓዋማይ የልቦን፤ እንታይ ድኣ፡ ምቹእ ናይ ፖልቲካ ባይታ ስለዘይለ፡ እምብይታን መኸተን ዕዩ ዝህሉ።

ዝኾነ ይኹን ነጻ ህዝቢ ብዲክታቶረ ምስ ዝጩቆኑን ዝዋረድን ነቲ ጭቆና ንምልጋስ እምቢ ክብልን ክቃልስን ባህርያዊ እዩ። ግና ኩሎም ደቅሰብ ኣይኮኑነ ነዚ ብድሆ ዝዓትርዎ። እዚ ናይ ጀጋኑ ስራሕ ስለዝኾነ ድማ እዮም ጅጋኑ ዝፍጠሩ።

ባህታ ሓጎስ ኣንጻር ጥልያን፡ ዓዋተ ድማ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተላዕሉሉ ምኽንያት ሓደ እዩ፡ ድሌት ነጻነት። ምእንቲ ፍትሓዊ እምነቶም ድማ ሂወቶም በጅዮም። ነጻ ኣገልገልቲ ናይ ነጻነት ኮይኖም መንፈሶም ኣብ ባርነት ስለዘይኣለኹዎ ድማ ከም ጀጋኑ ተፈልጡ። ተቓወምቲ ገና ኣይኮኑን። ናይቲ ክብሪ ዘለዎ ናይ መኸተ ሓይሊ ኣዮም ዝነበሩ።

ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንነጻነት ህይወቶም ኣሕሊፎም እዮም። እቲ ዝገደፍዎ ሓድግን መስዋእትን ድማ ስጋብ ሎሚ መለለዪ ናየ ኤርትራዊ መንፈስ ኮይኑ ይርከብ። ተዓዘብቲ፡ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ተዓዚቦም፡ ሓደ ንፉዕን ጅግናን ህዝቢ ከመይ ጌሩ እዩ ነዚ ዝወርዶ ዘሎ ጭፍጨፈ ዝቕበሎ ዘሎ ኢሎም ይግረሙ እዮም። እቲ መልሲ ድማ ስምባደ እዩ። ናይቲ ብደቕኻ ዝወርድ ክሕደት ስምባደ! ሕጅ ግና እቲ ስምባደን ዋእ ዋእን ሓሊፍናዮ ኢና። ከም ብሓድሽ ትርጉም ኤርትራውነት ከነረጋግጽ ከድልየና እዩ– ኩርዓትናን ክብረትናን ንምሕላው ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከምዘየንሕለል ንምርግጋጽ። ማህጸን ኤርትራ ምፍራይ ጀጋኑ ዝለመዳ ማህጸን አያ፤ እዚ ዝረአ ዘሎ ስቕታ ድማ የደናግር እዩ፤ ምኽንያቱ፡ ምልክት ናይቲ እናገደደ ናብ ናይ ምትኳሱ ኣንፈት ዘምርሐ ዘሎ ናይ ምዕባስ ወጥሪ ስለ ዝኾነ። እቲ ምእባይን ምምካትን እምበኣር እንዳናሃረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡፡ ካብቲ ዝነበረ ልሙድ ናይ ርእስኻ ኣድኒንካ ምኻድ ሓሊፉ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ብትብዓት ነቲ ዝወርድ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኩርማጅ ንምጥቃዕ ናብ ምቅላስ ኣዝጊሙ ድማ ይርከብ።

እዚ ናይ ምስጢራዊ ዝመስል ናይ ስቕታ ኣብያ ዝዓይነቱ ንባዕሉ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝዓቢ ዘሎ ውሽጣዊ ምንቅስቃስ ባህርያዊ ተርእዮ እዩ። እቶም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን መከትቲ ድማ ኣብ ድሞክራሲያዊ ክብርታት፡ ግሉጽነት፡ ናይ ነዊሕ እዋን ቑጠባዊን ማሕበራዊ ሽቶታት ዝሓዘለ ዓንድ ሕቖ ዘለዎ ትልሚ ምስ ናይ መሪሕነት ብቕዓት ከርእዩ ጊዚኡ ኣኺሉ እዩ። ንኤርትራ ኣብ ናይ ግሎባል ዓለም ንኸትሰጋግራ ዘኽእል ትጉህ ጻዕሪ ክገብሩ ማሕላዊ ተበግሶ የድልዮም። ሎሚ እዩ እቲ ግዜ፡ ናይ ኣውንታዊ ናይ ምጥቃዕ ስትራተጂ ግዜ።

ምምካትን ረጽምን

ኣብ ሃገርና ክልተ ዓይነት ረጽሚ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ሓደ፡ ብሓቂ ክንስሕቶ ዘይብልና፡ ዋላኳ ኣብ መንጎ መንግስትን ናይ ምምካት ሓይልታትን ሰፊሕ ውግእ ኣይሃሉ፡ ጎነጽ ካብ ዝጅመር ነዊሕ እዋን ጌሩ እዩ። ኤርትራውያን ነንሕድሕዶም ካብ ዝቃተሉ ኣይወሓደን፤ ብዙሕ ህይወት ኤርትራውያን ውን ጠፊኡ እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ተቃወምትን ናይ መንግስቲ ሓይልታትን ዘሎ ጎነጽ እዩ። ካልኣይ፡ እሞ ብዝዓበየ ደረጃ ድማ፡ እቲ ረጽሚ ዝኣመሉ ምሕረት ዘይብሉ መንግስቲ ኩርማጁ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ካብ ዝዝርግሕን ዝሻሙጥን ኣንጻር ህዝቢ ካብ ነዊሕ ዘጀመሮ ጎነጽ እዩ። እዚ እዩ ድማ እቲ ቀንዲ ናይ ጎነጽ ጸገም።

ብዙሓት ውልቀሰባትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ሰ-ባ) ንነዊሕ እዋን ሃገራዊ ዕርቂ ክግበር ጸዊዖም እዮም። እቲ ትዕቢተኛ ህግደፍ ግን ነዚ ጻውዒት ናይ ድኽመት ምልክትን ከም መስሓቕን ቆጺሩዎ። ዓብደላ ጃብር፡ ኣብቲ ብክፉእ ዝዝከር ዘርብኡ፡ ንተቓወምቲ “ነፈር፡ ነፈረን” ወይከኣ “ሓደ ክልተ” እናበለ ኣቛናጺብዎም እዩ። እቲ ልዑል ህግደፍ ከመይ ጌሩ እዩ ምስ ሓደ ክልተ ዝዛረብ? እናበለ ብብድዐ ከም ዝገረሞ ተዛሪቡ እዩ። እዚ እዩ ናይ ህግደፍ ናይ ዕርቂ መስትያት። ኣብ ዝኾነ ባይታ ድማ እዛ ዘረባ እዚኣ ንህግደፍ መውጽኢ ኣፎም ኮይና ነራ እያ። ኣነ ሓደ ካብቶም ንዕርቂ ስለዝተጣበቕኩነ ዝተቆናጸብኩን ስለ ዝኾንኩ ነዚ ጉዳይ ኣጸቢቀ ይፈልጦ እየ። ኣብ ህግደፍ ዝነበረኒ “ተስፋ” መኺኑ፡ ኣብ መጻኢ ንዝርከብ ረጽሚ ባዕሉ ህግደፍ ናይ ሓላፍነት ተሰካሚ ምዃኑ ደምዲመ እየ፡ እቲ ዝበልክዎ ድማ እንሆ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል መዓልቲ መዓልቲ ይምስከር ኣሎ።

ምሕራቕን ኣንጻር ግፍዒ ምምካትን፡ ነቲ ፈጣሪ ዝሃበካ ሰብኣዊ መሰል ንምዕቃብ ምቅላስን ባህርያዊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዘኹርዕ ቃልሲ እዩ። ሰባት ጎንጺ ዝመርጹ ፍትሒ ንምርካብ ካልእ ኣማራጺ መገዲ ምስዝስእኑ እዩ። እዚውን ባህርያዊ ምዃኑ እዩ። መወዳእታኡ ድማ ደም ምፍሳስ ይስዕብ። ናይ ሕጂ ሕቶ፡ ነታ ኣብቲ ርእሲ ድኽመታ ትደሚ ዘላ ሃገር ከመይ ጌርና ነዚ ዝፈስስ ዘሎ ደም ጠጠው ነብለላ? ዝብል ሕቶ እዩ። መጀመርታ፡ ምንጪ ናይዚ ዘይፍትሓዊ መግዛእትን ንዕርቂ ዝዕንቅፍ ዘሎን መን እዩ ዝብል ሕቶ ምምላስ የድልየና። እዚ እቶም ሃገራውያን መሊሶሞ እዮም። ናየ ኩሉ ጸገምና ጠንቂ ህግደፍ እዩ። ካልኣይ፡ ህግደፍ ካብ ሱሩ ክብንቆስ ኣለዎ።

ገለ ሰባት ንመሰሎም ንዘለዓለም ክጽበዩ ይመርጹ። ምርጭኦም እዩ። ገለ ኸኣ ንመሰሎም ክመልሱ ስጉምቲ ክወስዱ ይመርጹ። ምርጭኦም ደማ እዩ። ካብቶም ብሕልና ረጽሚ ዘይብሉ ቃልሲ ዝድግፉ ዉሑዳት እቶም፡ “ሱቕ ኢልና ንጸበ” ዝዓይነቱ ጠባይ ሒዞም ዝጓዓዙ ዘለዉ ይበዝሑ። እንተኾነ ግን ህግደፍ ብተኣምር ባዕሉ ብርኩ ተሰሩ ባዕሉ ክወድቅ እዩ ዝብል መጎተ ፍርያት የብሉን። እቲ ዝገርም፡ እቶም ነዚ መገዲ ክኽተሉ ዝደልዩ ዋላ ሓንቲ ከይገበሩ፡ ዝመረጽዎ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ርእሲ እቲ ሙሉእ ናይ ምቅዋም ምንቅስቓስ ክደፍእዎ ይደልዩ። ግንከ ተቀባልነት ከርክቦም ዘኽእል ወላ ሞራላዊ ተሰማዕነት ውን የብሎምን። ምርጫኦም እምባኣር ኣብቲ ዘይረጽማዊ ቃልሲ ይሳተፉሞ ለውጢ ከምጽኡ ከምዝኽእሉ የእምኑ። ሽዑ እቶም ብረት ሒዞም ዘለዉ ኣሚኖም ኣጽዋሮም ምእንቲ ክድርብዩ።

እቲ ዘሕዝን፡ ኤርትራዊ ንኤርትራዊ ይቐተል ኣሎ። ዝኾነ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከምዝፈልጦ፡ ክልተ ሰባት እንተድኣ ጠበንጃ ሒዞም፡ ብዘይ ቅድመ ኲነት ወይ ናይ ተኹሲ ጠጠው ምባል ሰምምዕ ወይ ናይ ዕርቂ ልዝብ ከይተገብረ ስቅ ኢሉ ብረቱ ዘውርድ የልቦን። እቶም ዋላ ሓንቲ ዘይገብሩ ተሳተፍቲ ብምኹናንን ዘረባን ካብ ዘጽምሙና መፍትሒ ክረኽቡ ምንዳይ ምሓሾም ገለ ፍረ እነተምጽኡ።

ኤርትራ ናይ ኣስላምን ናይ ክርስትያንን ሃገር ምኻና ዘይፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣየመስለንን፡ ናይ ሓደ ሃይማኖት ኣመንቲ ክብርታቶም ናብቶም ናይቲ ካልእ ሃይማኖት ኣመንቲ ብሓይሊ ከተግብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ንዝሓለፉ ኣማኢት ዓመታት ከምዝነበርናዮ ናይ ሃገርና ብሰላምን ብሓባር ናይ ምንባር ጸጋ ብኣተኩሮ ክንከላኸሎ ይግባአና። ጥሩፋትን ዕዉራት-ኣእምሮን ንሓድነትና ይፍታትንዎ ኣለዉ። ህግድፍ ድማ ነዚ ቁስሊ ዝተናኽፍ ሃዋህው እዩ ዝፈጥር ዘሎ። ንሓደነትና ምክልኻል እንተዘይበቂዕና እሞ ብሰላም ዘንብረና ናይ ፍትሓዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ሃዋሁ እንተድኣ ዘይፈጢርና፡ በጺሑና እዩ። ስለዚ፡ ንኤርትራ ንምድሓን፡ ናይ ምምካት እዋን ኣኺሉ እዩ።

ንርእይቶኹም እናኣመስገንኩ። articles@awate.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares