Awate.com

ብሓደ ዜጋ ናብ ኢሳያስ ዝተጻሕፈት ደብዳበ

{እዚ ጽሑፍ ብ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዜጋ ዝተጻሕፈ እዩ ፡ ምእንቲ ድሕንነቱ ስሙ ዓቂብናዮ አለና።}
__

ናብ ዝኸበርካ ኢሳያስ

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን እቲ ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ከምዘይርስዓካ ገይሩኒ።

ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ዓበይቲ ኣሕዋተይ እናኣኽበርኩ ስለዝዓበኹ፡ ንኽብሮምን ንኽብሪ ባህልና ብምባል፡ ስምካ እናጸዋዕኩ መልእኽተይ በዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክልእከልካ ወሲነ። ትፈልጥ’ዶ? እቶም ኣብ ትሕቲ ፍጹም መግዛእቲ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ኣረቛቑሓን ኣዘራርባን ስም፡ ሓደ ክልተ ከም ዝርድኦም። ኣመሪካዊት ገጣሚት ክብርቲ ኦድሪ ሎርድ፡ ግጥሚ ናይ ራህዋ ኣይኮነን (1985)፡ ኣብ ዝብል ጽሑፋ ከምዚ ትብል። ብግጥሚ ኢና ንሰምዮ ትብል፡ ነቲ ዝተጠንሰ ሓሳብ፡ ነቲ ገና ቅርጺ ዘይሓዘ፡ ስመ-ኣልቦ፡ ነቲ ንኽዓቢ ዝተሃንጸ፡ ንኽውለድ ዓቕሊ ዘቕበጸ። ሓሳብ ሃፊፉ ጸርዩ ዝግ ኢሉ ግጥሚ ይወልድ፡ ሕልሚ ንጽንሰ-ሓሳብ ይስርት፡ ስምዒት ንሓሳበ፡ ድሓርውን ንፍልጠት፡ ፍልጠት ናብ ምርድዳእ ይመርሕ። ከምኡውን፡ ኣነ ብስምካ እንድሕሪ ዘይጸዊዔካ፡ ቅርጸ-ግብርኻ ኣብ ቅድመይ ክርኣየኒ ኣይክእልን እዩ። ሓይሊ ብርዒ ካብ ሽቶል ዝበልሕ ምዃኑ ስለዝኣምን፡ ትምኒተይ ነታ ከም ዕንጸይቲ ዝደረቐት ልብኻ ተንኪፈ እንተ ኣለስለስኩዋ እዩ። ንስኻ ብዛዕባ ብርዕን ሽቶልን ኣጸቢቕካ ከም እትፈልጥ ኩሉ ዝርድኦ እዩ። ሽቶልካ ኣብ ስጋይ ዘሎ በሰላ፡ ብርዕኻ ብንእስነትካ ንሓንጎልና ዝበከሎ ናይ ንሕናን ዕላማናን መከራ፡ ዘኸተልዎ ጸገማት ንኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት፡ ንድሕሪት የንቆልቁላ ኣሎ። ዘይከምሎሚ ሾተልካ ከምዚ ሕጂ ትቕርድደና ዘላኻ፡ እቲ ቐደም ብልሒ ብርዒ ጥራይ ኣኺሉካ ነይሩ።

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንኣኻ ዘየረስዓኒ። ተራኺብና ኣይንፈልጥ ተጋጢምና፣ ግና ዕላማኻ ቀኒዑልካ፡ ኣብ ልበይ ዘይወጽእ ጽልኢ ከምዝሓድር ጌርካ። ኣብ ንእስነተይ ብመንገዲ ክትሓልፍ እንኮለኻ ቛልዑ በቲ ዘመስጥ ተፈታዊ ሽፋንካ ተሳሒቦም ይኽተሉኻን፡ ባባ ኢሳያስ ኢሎም ይጽውዑኻ ከምዝነበሩ እፈልጥ። እዝይን ወዲ ከምዝይን ተደሚሩ ኣብ ህዝብን ዓለምን ክውረየልካ ሓጊዙካን ኣፍሊጡካን። ምስቲ ን30 ዓመታት ሃገርና ነጻ ኸውጽእ ሰላም ከስፍን ኢልካ ዝተቓለስካዮን ተደሚሩ … ከምዚ ዝኣመሰለ መራሕስ … ኢሎም። እህም መሲልዎም…

ኣብ ሓንጎለይ ዝመላለስ ሕቶ ኣለኒ። ሓደ ንእስነቱን ጉብዝነቱን ኣብ ቓልሲ ዝሰውአ መራሒ፡ ከመይ ጌሩ እዩ ግልብጥ ኢሉ ነዚ ከማይ ዝኣመስሉ ናእሽቱ ዘለዓለማዊ ጉድኣትን በሰላን ዘኸትል? ካልእ ድቃስ ዝኸልኣኒ፣ ፍቕሪ ቤት ፍቕሪ ወላዲ ካብ ቤተሰበይ ዝቐስምኩ ብምዃነይ፡ ናይ ባዕለይ ቤት መስሪተ ክነብር ዘለኒ ሃረርታ እዩ። ንስኻ ግና ፍቕሪ ስልጣን፡ ገባርን ሓዳጊን ገይሩ ክሳብ ክንደይ ከምዘባዕለገካ እርእዮ ኣለኹ።

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንዓኻ ዘየረስዓኒ።

እንታይ ዓይነት ኣባዕላጊ ስልጣን እዩ ካብ ፍቕሪ ሃገር ናብ ጽልኢ ህዝባ ዘስገረካ? ንሃገረይ ደው ኢለ እናበልካ ኣብ ህዝባ እዚ ዘይብሃል ጽልኢ ዘሕደርካ? እንታይ ዓይነት መራሒ እዩ ነዚ ዝፍጽሞ። ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ኣብ ዝጠሓልሉ ጊዜ፡ እትውንኖም ማዕከናት ዜና፡ ኣፍሪቓውያ ስደተኛታት እዮም ኢሎም ዝዘርግሕዎ ዜና ምስ ሰማዕኩ ቀቢጸካ፡ ፕረሲደንተይ ምባል ኣሕፊሩኒ። ዓዲን ዓውድን ከምዘይብሎም፡ ብሓጺሩ ሽም ከምዘይብሎም ትቕጺሮም። ግጥሚ ኦድሪ ሎርድ ጽቡቕ ጌርካ ሒዝካዮ፣ ዘይምስያም ከምዘየሎ ምቁጻር። ኦድሪ ኣብ መጀመርታ ግጥማ ከምዚ ትብል። “ጽርየት ናብራና ንምምርማር እንጥቀመሉ መብራህቲ፡ ነቲ ከነመሓይሾ እንደልዮ ናብራዊ ለውጢ ወሳኒ እዩ። በዚ መብራህቲ እዚ እዩ ከኣ ሓሳብና እንመርሖ።” ኤርትራውያን ከምዚ ብዝኣመሰለ ንጹር መብራህቲ ተጠቒሞም፡ ነቲ ዘኸተልካዮ ገሃነም ከምዘጥፍእዎን ዝልውጥዎን ዓቢ ተስፋ ኣሎኒ። ለውጢ ምስ መጸ እቲ ብዕሸሉ ዘጸልመትካዮ ናብራ ክበርህ እዩ፣ ኤርትራውያን እቲ ዘይብተኽ መንፈሶም ደጊሞም ክተኽልዎ እዮም።

ካብቲ ኣዝዩ ዝገርመኒን ዘሰንብደኒን ከኣ፡ ነቶም ብጾትካ፡ ከማኻን ምሳኻን ዝተቓለሱ፡ ንሃገሮም ደሞምን ርሓጾምን ዘፍሰሱ ምእሳርካ እዩ። ነዚ ተግባርካ ንክርድኦ፡ ገላቢጠዮ፡ ብኹሉ ወገኑ ርእየዮ። ክርድኣኒ ግና ኣይከኣለን። ከምዚ ጌሩ መሰል ሰብ ዘግህስ ግብርኻ መሰረት ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን።

ስማዕ እባ፡ መን ምዃነይ ንባዕለይ ጽቡቕ ጌረ ኣየላለኹኻን። እምበኣር ካብቶም ባዕልኻ ዝፈጠርካዮም ጸላእትኻ ሓደ እየ። ወዲ ድሩዕ፥ ቆልዓ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፥ ጓል ሓጂ ሙሳ፥ ሓውቲ ቢተወደድ ኣብርሃ፥ ኣቦ እቶም ኣብ ጉግጓድ ዝዳጎንካዮም፥ ሓውቲ ሽሪፎ፥ ኣደ እታ ብንእሽቶኣ ዝተገሰት ጓል፥ ዓርኪ ዳዊት፥ ጎረቤት ጀሿ፥ መንፈስ እቶም ኮሎም ብዘይዕለቶም ዝሞቱ ዝሓደረኒ እየ። ክጽሕፈልካ ዝደረኸኒ ሓደ ምክንያት ጥርይ እዩ። እንታይ ይፍለጥ፡ ካብ ዘለኻዮ እንተተበራበርካ ብምባል እየ፣ ኤርትራ ኣብዚ ኣብጺሕካያ ዘለኻ ኩነታት ክትጸንሕ ኣይቅበሎን ስለዝኾንኩ።

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንኣኻ ዘየረስዓካ።

ነዛ ደብዳበ ክጽሕፈልካ ክውጥን እንከለኹ ኣብ ክልተ ሓሳብ ተመቒለ። በቲ ሓደ ወገን፡ ነዞም ግዳይ ናይ ልጓም ዘይብሉ ስርዓት ከልዕል በልኩ። ሓደ ጎነይ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ንሃገር ዝደኸሙላ ይሕሸኒ እናበልኩ ከለኹ፡ መርድእ እዞም ክልተ ጀጋኑ ጥብ በለት። ነዞም ክልተ ዓበይቲ እፈልጦም እየ። እዞም ክልተ ጀጋኑ፡ ክ’ምለኹ ዘይደልዩን ሓሳብ ዘይነበሮምን እዞም ክልተ ጀጋኑምንባሮም እንዳፈለጥኩ፡ ብእኦም ኣልዒለ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ ደብዳበ ቅልዕቲ ክገብራ መሪጸ። ከምኡውን ንክብሪ ኣቦይ ሃይለን ሓጂ ሙሳን ክትከውን አወፍያ ኣለኹ። ብዛዕባ ሃይለ ድርኡዕ ገለገለ ከዘክረካ። ትዝክር’ዶ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ኣቛሪጹ ንሃገሩ ከምእተሰርዐ? ንስኻ ጥራይ እኮ ኣይኮንካን ትምህርትኻ ዘቛረጽካ:: ነጻነት ኤርትራ ብጻዕሪ ኩሎም ደቃ ዝመጸ እዩ። እንትርፊ ኣቶም ናእሽቱ ዝነበርናን፡ ኢርትራ ብስርሒት ኩሎም ደቃ እያ ነጻ ወጺኣ።

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንኣኻ ዘየረስዓኒ።

ኢሳያስ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቶም ቅድመኻን ዝነበሩ ንጹሃት ኢርትራውያን ዝቐትሉ ዝነበሩን ኣመሓደርቲ? ንምሳለ፡ እዞም ወዲ 93 ዓመት ኣምጽእ ኣቢልካ ዝኣሰርካዮም ንጹህ ዓቢ ሰብ። እታ እንኮ ሕቶኦም፡ ንደቖም ናይ እምነትን ትምህርትን ምርጫነጻነት እዩ ነይሩ። ኣይትዝንግዖን ትኸውን፡ ሓጂ ሙሳ፡ ህይወቶም ሙሉእ ንዓዶም ዘወፈዩ፡ ነጸነት ንኽትትግበር ብዙሕ ዝጸዓሩን፡ ዝያዳ ኩሉ ከኣ፡ ዓቅሞምን ገንዘቦምን ንድኻ ህዝቦም ዝገበሩን ዜጋ እዮም ኔሮም። ኤርትራ ጥምየት ኣትዩ ኣብዝነበረሉ ጊዜ፡ ኢዶም ሒዝካ፡ ንዝገበርዎ ልግሲ፡ ከተመስግኖም ይዝከረካ’ዶ? ኣብ ጊዜ ጾም ሮመዳን መግቢ ተሰኪሞም ንእሱራት ከውርፍዩ ትዝክር’ዶ? ከምዚ ንዝገብር ሓላይ ሰቡ፡ እንታይ ዓይነት ጭካነ እዩ ካብ ዝፈትውዎ ሰቦም ፈሊኻ ክሞቱ ዝገበርካ?

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንኣኻ ዘየረስዓኒ።

ርግጸኛ እየ ከም እትፈልጥ፡ ድሩዕን ሓጂ ሙሳን ክሳብ ክንደይ ንሃገሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ። ክትርድኦ ዘለካ ግና ሕጂውን፡ ስግኦም ኢና ቀቢርናዮ እምበር፡ መንፈሶም ምሳና ኣሎ፣ ይሰርሑን ይቃለሱን ኣለዉ፡ ነቲ ጨቛኒ ስርዓትካ ንምብርቛር። ናይዞም ተባዕት ክልተ መራሕቲ ብስጋ ንምፍላይ፡ ንቃልስና የዳኽሞ እዩ ኢልካ ተስፋ ኣይትግበር። ስርዓትካ መዓልቱ እዩ ዝቆጽር ዘሎ። ሰብ ኣኺልዎ ይልዓል ኣሎ። ክትርእዮ ኢኻ!

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንኣኻ ዘየረስዓኒ።

ካልእ እንተተረፈ እዚ መፋነዊ ቃላተይ ዘክር። ፍጡራት ንዘለዓለም ኣይንነብርን ኢና። ንኸደላ መዓልቲ ሎሚ ወይ ጽባሕ ትመጽእ። ጨኳኒ ኰንካ ካብ ምሟት፡ ስዉእ ኰንካ ምኻድ’ዶ ኣይመሓሸን? ኢሳያስ ብጽባሕ ዝበንን ስልጣን ኣይትታለል። ሓጂ ሙሳ ንዘልኣለም ዓይኖም ተዓሚተን እየን። ግና ባኣሽሓት ዝቑጸራ ኣዒንቲ ኤርትራውያ ከፊተን እየን ከይደን። ንዕለተ ዕረፍቶም ቁሩብ ዓመታት ንዝተረፎም ሓጂ ሙሳ መስዋእቲ ህዝቦም ጌርካዮም። ከይሓሰብካሉ ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ መሳርያ ኢኻ ኣዕጢቕካዮ። እምበኣር ኤርትራውያን ካብ ጭቆና ንኽወጹ ቆሪጾም እዮም። ዕምሪ ግዝኣትካ ባዕልኻ ስለዘሕጸርካ ብመስዋእቲ ስለዘዕጠቕካ።

ትጋግየኒ ትኸውን ዘይተለልየኒ፡ ግን ኣባይ ዘስዓብካዮ በሰላ ኣሎ ንኣኻ ዘየረስዓኒ።

ግዳይ ጭካኔኻ

ዘይጠራጠር ሕቡን ኤርትራዊ!

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares