Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ዶር የዕብዮ ወልደማርያም: ጉልሓይ

October 7, 2009
Awate Team

ምናልባት ብሕርሻ ንዝማዕበሉ ሃገራት ከም ተራ ስርሒታት ዝቑጸር፡ ግን ዜጋታቶም ናይ መግቢ ውሕስነት ዘይብሎም ብፍላይ ድማ፡ብውዕል ሕድር ናብራ ዝሳቐዩ ደቐባት ኢትዮጵያን፣ ኤርትራን ፣ ሶማልያን ፣ከም ዓቢዪ ዓወት ተቑጺሩ እንተዝድንከረሉ  ዘየሕፍር ፣ ሕማም ጉልሓይ ካብ ሱሩ ተባሕጒጉ ምጥፋኡ ዘበሰር ወረ ክዝርጋሕ ከሎ ይኸውን። ርግጽ ጒልሓይ ካብ ኢትዮጽያ ምብራሱ ዘረጋግጹ መረዳኣታታት ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ባኣታታትን ኣህጉራዊ ዜናታት ምርካቡ ዘይከሓድ ኢዩ። ፈጺሙ ምብራሱ ግን የጠራጥር። ምኽንያቱ  ካብቶም ብማዕከናት ዜና ዝተፈነወ ብሥራት ሓደ  ንሶማልያ ዘይምሕዋሱ ኢዩ።  ምናልባት’ዶ እዛ ሃገር እዚአ ፡ ኣብዚ ናይ ጒልሓይ ምብራስ ዝተገብረ ወፈራ ኣይተሳተፈትን ትኸውን ወይ ድማ ገና ኣብ ምብራሱ ቓልሲ ተዋዲዳ ትህሉ? እንተኾነ ግን እዚ ናይ ጉልሓይ ምብራስ ወፈራ ሃገራዊ ጥራይ ዘይኮነስ አህጉራዊ መልክዕ ስለዝነበሮ ፡ ሶማልያውን እንተኾነ ተሳቲፋቶ ኔራ ክትከውን ትኽእል ኢያ ዝብል ኣምነት ኣሎኒ። ነዚ ምኩሕ ሕማም ከብቲ ንምጥፋእ፡ ካብ 1992 ኣትሒዘን ዝተሰለፋ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ መግብን ሕርሻን ድርጅት ከማኡ’ውን ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ታፍት ዩኒቨርሲቲ  ስለ ዝነበሩን ኢየ ምንጻል ሶማሊያ ዘጠራጥረኒ። ብወግዒ’ኳ ኣይነገር’ምበር ኤርትራ እንተኾነት’ውን ካብ ጉልሓይ ነጻ ሃገር ምዃና ዝሕብሩ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰነዳት ኣለዉ።

ብወገነይ ብ2001- 2003 ኣብ ኤርትራ ክፍሊ ሕርሻ ኣብ ዝሰራሕኩሉ ጊዜ ጉልሓይ ንምጥፋኣ ይትረፍ ንምክልኻል’ውን ኣንተኾነ ብዙሕ ፋዕራ ዘይግበረሉ ዝነበረ እዋን ከም ዝነበር ይዝክር። የግዳስ ነቶም ዝርካቦም ሰብ ሞያ ኣብ ክንዲ ኣብምዓላ ምውዓል ምክልባት፣ ብሞያኦም ኣብ ክንዲ ምምዳብ፡ ጸላኢ ጓል ሕድርትና  ንምንዳይ ኣብ ፈቐዶ ጎቦ ሽንጭሮ ተዋፊሮምሉ ዝነበሩ ጊዜ ቅልውላው ምንባሩ ካብአንበብቲ’ውን እንተኾነ ዝተሰወረ አይመስለንን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ጒልሓይ ክጠፍእ ከምዝኽል ብምብሳርና ንኹልና ዮሃና ይብል። ግንከስ፡ ኣዚ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ጉልሓይ ቫይረስ ካብ ሶማልያ ከይጠፍኤ ፡ ኣብ ኢትዮጽያ ይኹን ኣብ ኤርትራ ተረኺቡ ዘሎ ዓቢ ዓወት ጊዜዊ’ምበር ነባራዊ ከምዘይኮነ ክንግንዘቦ ይግባኣ።  ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ብሰንኮፍ ዝምልከት ሰብ ኣንተሎ ንታሪኽ ክውከስ የማሕጽኖ።

Advertisement

አብ ዞባና ፡ ኣተፈላለየ ዘመናትን ናይ ኣየር ጣባያትን ተኸቲሎም ዝጋሃዱ ናይ ኣንስሳታት ሕማም ድኣ ይንበርዎ’ምበር፡  ጉልሓይ (ተሓላላፊ ጠባይ ዘለዎ) ኣብ መጀመርያ ኣዚ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኢዩ ክድህጸና ዝጀመረ። ጉልሓይ ግዜ ዘይህብ ኣሳቕዩ ዝቐትል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብምትንኻፍ፣ብማይ፣ ብኣየር ዝተሓላለፍ ዘሰንብድ ተላጋቢ ሕማም ከብቲ ኢዩ። ናይ ምንቋሕ(incubation) ግዜኡ ካብ 3 ክሳብ 10 መዐልቲ ክኸውን እንከሎ ናይ’ቲ ሕማም ምልክት ምስ ተራእየ ድማ እቲ ግዳይ ንኽመውት ካብ 6 ክሳብ 12 መዐልቲ ይወስደሉ።  ናይ’ዚ ጠንቀኛ ሕማም ተሓተቲ ዝኾኑ ድማ ጣልያን ኢዮም( ናይ ኢዶም አይስአኑ )። ኣብ አህዛብና ጣልያን ካብ ዝወረዶ ሓደ ዓቢ ወንጀል፡ ናይ ጉልሓይ ምትእትታው ኣብ ዞባና ምኳኑ መዛግብ ታሪኽ ይምስክሩ ኢዮም። መግዛእቲ ጣልያን፡ ሀ ኢሉ ፡ ኣብ ምጅማሩ ኢዩ ጉልሓይ ሱር ክሰድድ ዝጀመረ። ቀጺሉ’ውን ሃንቐውታ’ኦም ዝነበረ  ደቐባት ኣጽኒቶም፡ ብኹርማጅ ድኽነት ዝማሰኑ ዜጋታቶም ኣብ ኤርትራ ኣምጺእካ ንምስፋር ኢዩ ዝነበረ። ነዚ ውጥኖም ኣብ ግብሪ ንምውዐል ድማ ዉሑዳት ሰባት፡ ዳርጋ ኩሉም ብማሕረስ ዝናበሩ ደቒ ሃገሮም ፡ ካብ ደቡብ ጣልያን ኣጕዒዞም ኣብ ኣከባቢ ኩዶፈላሲ ከም ዘስፈሩ ይንገር። እምበርከስ ነዚ ወፍሪ ሰፈራ ንምድላው ምናልባት’ውን ንሶልዳቶ ቐለብ ተባሂሉ ፡ ከብቲ፡ ብፍላይ ድማ ብሕማም ጉልሓይ ዝተልኽፋ ከብቲ፡ ካብ ማእከላይ ምስራቕ ካብ ግብጺ ከይተረፈ በመራኽብ ተጻዒነን ምምጸኤን ይንገር። እዚ ዝኾነሉ እዋን ካብ 1886 ክሳብ 1889 ኢዩ።

ናይ’ዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ስጉምቲ መጀመርያ ግዳይ ዝኾኑ ሓረስቶትን ከብቲ ኣርባሕትን ኤርትራ ውያን ምዃኖም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ቫይረስ ሓንሳእ ኣብ ከበሳን ቖላታትን ጡጡሕ መዛግቦ ምስ ገበረ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣልማማ ኣጥቀዖ። ካብ ሳሕል ክሳብ ሞምባሳ ፡ ካብ ኣሶሳ ክሳብ ሞቓድሾ-በርበራ ከም  ሃልሃልታ ዱር ተዘርገሔ። ቅድሚ’ዚ ሕማም ከብቲ ምብርዑ፡ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ካብዚ ሕጂ ኤርትራ ተባሂሉ ዝተሰምየ መልክዓ-ምድሪ ክሳብ ዓደምሓራ፡ ሓሊፉውን ደቡብ ኢትዮጵያ ዘይተኣድነ ሕማም ሾሮኽን እንፊሊወንዛን ብድርቂ መሬት ተሰንዩ ነቲ ዜጋ ንሓሙሽተ ዓመት ደርቆሶ። ካብዚ ዝተላዕለ ሓደሲሶ ናይ’ቲ ህዝቢ ከምዝሃለቐ ክሳብ 80% ከብቲ እቲ ዞባ ድማ ከም ዝበረሰ  ይንገር። እቦታትና ከም ዘዘንትዉዎ እዚ ዘበን’ዚ  ብ ‘ዘበን ኣካሒዳ’ ይፍለጥ።

Donate

Donate to support awate.com

$
Select Payment Method
Personal Info

Donation Total: $100.00

Advertisement
Advertisement
Saleh Meki Dies Of A Heart Attack
What do the PFDJ and Procrusle have in common?

Comments

Latest News

  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026
  • Peekaboo: The Ethio–Eritrean GameApril 30, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (753)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services