Thursday , September 20 2018
Home / ትግርኛ / ካብ ሳዕሳዕካስ ጾርካ ኣጸቢቅካ ተሓንገጦ

ካብ ሳዕሳዕካስ ጾርካ ኣጸቢቅካ ተሓንገጦ

(እዚ ጽሑፍ ካብ ናይ ዓዋተ ናይ ክትዕ ገጽ ዝተቀድሐ እዩ)

ትብጻሕ እዛ ደብዳበ ናብ ኩቡር ሓው ማሕሙድ ሳለሕ፡ ምስ ሙሉእ ሰላምታ።

ማሕሙድ፡ ኣብ መድረኽ ዓወተ ስለዘይረኸብኩኻ፡ እስኪ ኣበይ ሓኪሉ ኢለ መስከረም ግንጽል እንተበልኩስ፡ ኣሰርካ ኣብኣ ረኺበዮ። ንስኻ ካብ መድረኽ ዓወተ እንተጠፋእካ፡ ኣብ መስከረም ትርከብ፣ ኣቦይ ሃይለ (ኣነ ኣይኮንኩን፡ ናይ ብሓቂ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ሽሞም ብስመይ ሓቢኤዮ) ገዝኦም እንተዘይተረኽቡ እንዳ-ኣንጥባሉ ኣይስኣኑን ነበሩ። ኣቦይ ሃይለ ባዕሎም እዮም እዛ እንዳ-ኣንጥባሉ ትብል ሽም ንቐላቢቶም ዘውጽኡላ። ነዳቓይ እዮም ነይሮም። ቤተሰቦም ኣብ ዓዲ ኣቐሚጦም ኣብ ካንሾሎና፡ ሓንቲ ንእሽተይ ክፍሊ ተኻርዮም ይነብሩን ይሰርሑ ነበሩ። መግቢ ትምግቦም፡ ቀላቢት ኣብ-ገዝኣ፡ ሰሙን ሰሙን ዝኸፍሉዋ ነይራቶም። ቀላቢቶም፡ ቁሩብ ዝያዳ ገንዘብ ንክትረኽበሉ ኢላ፡ እቲ ጸብሓ ቀጢን፡ ብዓል ሰለስተ ፍረ-ስጋ፡ እቲ ጭልፍኣ ንእሽተይ ማንካ ዳርጋ፡ ነበረ’ሞ፡ ኣቦይ ሃይለ ኣብ መኣዲ፡ እቲ ብታህዋኽ ዝሰንከተቶ ኣጸቢቑ ዘይበኹዐ እንጀራ ጥራይ እንዳተረፈ፣ ኣንቲ ቁሩብ እንዶ ጸብሒ ኣንጥብሉ ይብልዋ ነበሩ። ንሳ ከ’ኣ፡ ‘ወይለ’ከ ኣይትሓፍሩን፡ ካልኦት’ከ እንታይ ክበልዑ’ እንዳበለት፡ ፍርቂ እታ ንእሽተይ ጭልፋኣ ፈይ ተብለሎም እሞ፣ ኣንቲ ክንደይ ትረግሚ፡ ቁሩብ ጥብ ኣብልሉ እንተበልኩስ እዚ ጥራይ፣ ካይተርከሰ ከመይ ጌሩ ናብ ከርሰይ ክወርድ እንዳበሉ ነይሮም ዝቕለቡ። በዚ ምኽንያት እዚ እንዳ-ኣንጥባሉ ኢሎም ቤት መግቦም ዝሰመይዎ። ቀላቢቶም ስዋ ተዳሉ ስለዝነበረት’ውን፡ መውዓሊቶም፡ መሓከሊቶም ንሳ እያ ነይረ።

ማሕሙድ፡ እንዳ-ኣንጥባሉ ቀይርካ። ምቕያርካ እኳ ደሓን ነይሩ። ቅድሚ ሕጂ ኣነ’ውን ብወገነይ ኣብ ካልኦት ቅልቅል እንተበልካ ጽቡቕ እዩ ኢለካ ነይረ። ግና ኣየብዛሕካዮን’ዶ? ምለሊኽ ሰዋ ነጻ ኢዩ ይመስሊ ኣብኡ። እዛ ብርዒ ናትካ ዘይፈልፈለቶ ሓተታ የብላን! ኣንታ ማሕሙዳይ ንተቓወምቲ ዘይገበርዎ ንኽትጽብጽብ’ሲ፡ ተግባር YPFDJ ተግባር ጽድቂ ጌርካዮ። ከምቲ ገሌና ብእንጽጽሮት ምኽንያት ንYPFDJ በትርና ነትርር፡ ንስኻውን ኣብ ተቓወምቲ ዝዘርጋሕካዮ መህረምቲ ዘትረርካ ይመስለኒ። ኣነ ብዝመስለኒ፡ YPFDJ ንሃገሮም ስለዝተሰለፉ ኣይኮነን’ቲ ሽግር፣ ንሃገሮም ናይ ብሓቂ ከገልግሉ ዝቃወሞም ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ሰብ ዝቃወሞም ዘሎ፡ ናይቲ እዝኑ ዝሓተመ፡ ዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ፡ ዝበለ ስርዓት መሳርሒ ስለ ዝኾኑ እዮም። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንዘለዉ መናእሰያት ነጻነትን፡ ግፍሒ-ኣተሓሳስባን፡ ዕብየትን ንኽህልዎም ዘይጸዓረ ስርዓት፡ ን ኣብ ወጻኢ ከምዚ ኢሎም ካልኣይ ሃገሮም ዝዕበዮም መናእሰያይ ኮነ ዓበይቲ ብስም YPFDJ፡ ብዝገብሮ ዘሎ (እቲ ስርዓት) ኣጉል ምክንኻን እዩ’ቲ ተቓውሞ። እዚ ስርዓት እዚ ከምዚ ዝበለ ክንክንን ኣቃልቦን ኣብ ልዕሊ YPFDJ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ መንእሰይ ዝዝርግሖን ዘስምዖን ዘሎ መልእኽቲ፡ “ኪዱ ተሰደዱ ከምኡ ጌርኩም ተማሂርኩም YPFDJ ኰንኩም ምጹና ደቅኹም ልኣኹልና” ዝብል እዩ። መናእሰያት ኤርትራ ናይ ብሓቂ ንሃገሮም ክጠቕሙን ክዕንብቡን እንተዝሓስብ ነቶም ኣብቲ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘለዉ፡ ሙሉእ ዲሞክራስያዊ ነጻነት ሂቡ እንተዘምህሮም ኣይምሓሸን’ዶ? ብዘይ ፍርዲ እናኣሰረ፡ ትርጉም ፍትሒ ኣብ ወረቐት ጥራይ ምዃኑ ብተግባር እንዳምሃረ፡ ን’ኣብ ወጻኢ ፍትሒ ኣብ ዘለወን ሃገራት ብምሉእ ነጻነት ንዝዓበዩ መንእሰያት ከም ናይ ሃገራዊነት ኣርኣያ ጌይሩ ምቕራቡ፡ ነቶም ዓዲ ዘለዉ ንዑ ኪዱ ተሰደዱ ማለት ጥራይ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ፡ ንስኻ ትስሕቶ ኢኻ ማለተይ ዘይኮንኩስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ YPFDJ ዘሎ ተቓውሞ መለዓዓሊኡ ንምግላጽ ጥራይ ኢየ። ማህረምቲ ኣይተትርር። እንተ’ጋቢዞምኻ ክ’ኣ ምድርጓሕ ኣይትሕመቕ። ባህላዊ ምስላና፡ “ንለባም ደርጓሓሉ እንተቋመቶ፡ ንዓሽን ኣምተሉ ዘይ ኩሉ ጊዜ ዝስሕቶ” ክኸውን ነይርዎ።

ጽሑፍካ ብዙሕ ኣርእስቲ ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ክትንክፎ ኣይከኣልኩን። ሓንቲ ኣብ መጨረሽታ ሓተታኻ ንጽሑፋት ኣማኑኤል ሳህለ ኣመልኪትካ ዘስፈርካዮን፡ መብዛሕቲኡ ዝሰማምዓሉን ግና ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣማኑኤል ሳህለ ዘውጽኦ ጽሑፋቱ ብሕልፊ’ኳ ኣብታ “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” እትብል ጽሑፉ፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንኤርትራውያን ዝደቁስ እምበር ዝሃንጽ ኮይኑ ስለዘይረኸብኩዎ ብወገነይ መልሲ ንምሃብ ጽሑፍ ጀሚረ ብጊዜ ምስኣን ምኽንያት ክጠራንፎን ክውድኦን ኣይከኣልኩን። ካብቲ ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ሓሳባተይ እምበኣር እንሆ። ከምቲ ኣምሓራ ዝብልዎ “የወደቀ ዛፍ ምሳር ይበዛበታል”፡ ዝወደቕና መሲልዎ ምሳር ዘብዝሐ ይመስል። ኣማኑኤል ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝጽሕፎ ዘሎ፡ ሓሳቡ ኣበይ ክበጽሖ ከምዝደለ ዘደንጹን ዘደናግርን እዩ። ሕጂ’ውን ካልአይቲ ኣምሓርኛ ምሳለ ክጠቕሰልካ። ጽሑፍ ኣማኑኤል “በPFDJ እንቅርት ላይ ‘ናይ ብሓቂ’ ጆሮ ደግፍ tetanizing” ኮይኑ ተሰሚዑኒ። “ኣንታ ኣነ ሕማቕ፡ ኣንታ ኣነ ጀልጋፍ፡ ኣንታ ኣነ ፈሽኳል፡ ኣንታ ኣነ ጥልቁይ፡ ኣንታ ኣነ ተገዛኢ እምበር ማዕረ-ሰብ ክኸውን ዘይክእል ሰብ ኢየ” እንዳበልና ነፍሲወከፍና ንባዕልና ምውቃስ ሰብኣዊ መሰልና ይመስለኒ። ከምኡ እንዳበልና መንፈስናን ስጋናን ከም ዛር ሰሪሩኒ-ዝበለ-ሰብ ብኩርማጅ ክንቀጽዕ መሰልና እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ከም ቅናት ኣደይ ማርያም (rainbow) ሕብራዊ፡ ብብሔር፡ በተሓሳስባ፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽ ደሚቕን ብዙሕን፡ ሃብታምን ቅኑዑን ህዝቢ ኣብ ሓደ ዝመረጽካዮ ዘንቢል ኣእቲኻ ዓጺኻ ምቕራብ ካብቲ PFDJ ዝብልዎን ዘይንሰማማዓሉን ሓደ-ሕዝቢ-ሓደ-ልቢ ዝብል ኣጉል ጭርሖ ፈሊኻ ዘይርአ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስቲ ጊጉይ ንሕናን ዕላማናን ዝብል ናይ ቀደም ሓቛፊ ዘይኮነ ሓሳባት ተፈልኡ ክርአ ዝኽእል’ውን ኣይመስለንን።

ህዝቢ ኤርትራ ተገዛኢ ኣይኮነን፣ ግና በብግዜኡ ሓይልን መሳርያን ድጋፍን ረኺቦም፡ ኣብ ጊዜ ጽጋቡ ኮነ ኣብ ጥምየቱ፡ ቀረጽን ፈሰስን ክእክቡ ጠመንጂኦም እናዋጣወጡ ዘበሳብስዎ ብዝነበሩ፡ ሓንሳእ ኣሕዋትካ ሓንሳእ ገዛእትኻ ብሃልቲ፡ ግዳይ ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዝተሳቐየ ህዝቢ እዩ። ነዚ ከይጠቐስካ ዘሊልካ ሓሊፍካ፡ ኤርትራውያን ናይ ቱርኪ’ዶ ናይ ጥልያን ለመንቲ-ተገዛእቲ ናይ ፈጠራ ትንታነ ምቕራብ፡ ሓቅነት ዝጎደሎ ጥራይ ዘይኮነስ ጎዳኢ’ውን ይመስለኒ። እዚ ሓበሻ ንሓበሻ ምግዛእ፡ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዝዋግኦ ዝነበሮ ሓቢሩ ዘሕለፎ ቃልስን ቃንዛን እዩ ኢልካውን ሸፊንካ ክሕለፍ ዝኽእል ታሪኽ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ እንተኾይኑ እሞ፡ ነጺልካ ነቲ ደሓር ኤርትራዊ ዝኾነ፡ ተምበርኻኺ፡ ተገዛኢ፡ ፈሽኳል ጌርካ ንምንታይ ምቕራብ ተደልኡ? ኤርትራዊ ሕማም ተገዛእነት (colonized mind) የብሉን፣ ናይ ገዛእነት ሕማም (colonizing mind) ናይ ዝነበሮም እሕዋት ተጠቃዒ ወይ ግዳይ ግና ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ጊዜ እውን እንተኾነ፡ እቲ ሃገርና ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ኣመሓዳድራ ዜጋታቱ ገዛእነት ሕማም (colonizing mind) ተኸቲሉ ዝኸይድ እንተተባህለ ጌጋ ኣይኮነን። እዚ ግና ልክዕ ከምቶም ትማሊ ኣብ ቀረባ፡ ሎሚ ብማዕዶ ኮይኖም ናይ ገዛእነት ሕማሞም (colonizing mind) ከጥፍእዎ ዘይከኣሉ ወይ በብግዚኡ ዝግንፍሎም ተፈልዩ ክርአ ኣይግብኦን።

ኣማኑኤል ሳህለ “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” ኣብ ዝብል ጽሑፉ፡ ኤርትራዊ ቀጻሊ ተገዛኢ ኣምሲሉ ንኸቕርብ ዘይሃቀኖ የለን። ናይ ቱርኪ ንባጽዕ ናይ ነዊሕ ጊዜ ም’ሓዝን ንሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ገምገም ባሕሪ ምቁጽጻርን ንከበሳ ምድያብን ነዛ ትማኒ ኣብ ሓደ ተጠርኒፋ ብጣልያን ኤርትራ ዝተሰየመት ሃገርና ብምሉኡ ቀጻኒ ተገዛኢት ጌይሩ ዘቕረቦ ታሪኽ መሰረቱ ዝሰሓተ ኮይነ፡ ኮነ ኢሉ ንሓሳባቱ ንምድጋፍ ዘቕረቦ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ከም ኣቦታት ኣበሓጎታት እንዳበለ ዝጠቐሶ ስዉር ዝኾነን ኣብ ትሕቲ ባዕዲ ምሕዳር ትውልዳዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ፍጹም ጌጋ እዩ። ኣማኑኤል ናቱ DNA ኣብ ምሳለ ኣቕሪቡ ዝሃቦ መግለጺን ፈጠራን ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ምሁር (intellectual) ክወጽእ ዘይነበሮ ሓሳባት ኮይኑ ይርኣየኒ። ናይ ኤርትራውያን DNA ፍሉይ DNA እዩ ዝበለ ብወገነይ ኣይርኣኹ ኣይሰማዕኩ። ኣብዚ ኣማኑኤል ዘልዓሎ ሓሶት ህቦብላ፡ ‘ናተይ DNA ፍሉይ’ዩ’ ዝበለት ሓንቲ ጸጸር የላን። “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” ጽሑፍ ናይ ኣማኑኤል ናብ ጽሑፍ ጸለመ ዘድሃበ እዩ። ሽም ዝረኸበ ክጋገ ከሎ ኣየርእኻ! ጌይረ ጥራይ ክወስዶ። እዚ ክብል ከለኹ ግና ምስ ኣማኑኤል ምግጣም ከም ምስ ሓወልቲ ምብኣስ ኮይኑ እናተሰምዓኒ’ዩ። ኣማኑኤል ሙሉእ ሓውልቲ እምበር ነቓዕ ሓወልቲ ኮይኑ ከይተርፍ ዘሎኒ ትምኒት እንዳገለጽኩ፡ ማሕሙዳይ፡ ካብ እንዳ-ኣንጥባሉና* ከይትጠፍእ ከዘኻኽረካ እፈቱ።

Haile S.

*ዓወተ.ኮም እቲ ዝበለጸ ጽራይ ስዋን ጽራይ ፍልጠትን ዝርከበሉ ነበርሲቲ ከም ምዃኑ እኣምን።

About Haile S.

Check Also

Negarit #17- Do you know me? you know me? ሸመይ ዝፈለጠ ይባረኽ

Negarit #17- Do you know me? you know me? ሸመይ ዝፈለጠ ይባረኽ

  • MS

    ሰላም ሃይለ፥ በያን ሰመረ ዓንዶም፣ ብሊክን ዓርከይ ኢማን (ኣ/ሕድራት) ከምኡ እውን እቲ ገዛይ ገይረ ዝቖጽሮ ዓዋተ.ኮም።
    ንኩሉኹም ከመስግን እደሊ። ይርደኣኒ አዩ፣ ስለትግደሱለይ ኢኹም ብዛዕባይ ትዛረቡ ዘለኹም። ስለ’ዚ ኣሕጽር ኣቢለ ክምልስ።
    ዓዋተ.ኮም፥
    1. ብዛዕባ እታ ዝሃብኩምዋ ኣርእስቲ፥ ” ካብ ሳዕሳዕካ ጾርካ ኣጸቢቅካ ተሓንገጦ” ኢልኩም። ብወገነይ ነታ ጽሕፍቲ ብምጽሓፍ፣ ዘፍኮስክዎ ጾር እምበር ዝወሰኽክዎ ሸኸም የለን። ስለ’ዚ፥ ፈዂሱኒ ክቖጻጸ እየ።
    ባንደራ ኤርትራን DNA Double Helix ምስ ምልክት ሕቶ ተወሃሂዱ ቀሪቡ ዘሎ ስነጥበባዊ መሰነይታ ብዝምልከት
    2. ንጽሑፋት ዘሳኒ ስነጥበባዊ ዲዛይናት ይኹን ስእልታትኩም ኩሉ ግዜ ምስ ኣድነቕክዎ እየ። I can say, you are the best, in this area. ስነጥበብ ንሓንጎል ኣንበብቲ ንምምሳጥ ወይ ከም ዝሓቱን ዝመራመሩን ክገብር ተባሂሉ እዩ ዝውጠንን ዝስራሕን። እዚ እብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ንጽሑፍ ሃይለ ዘሰነየ ውህደት ኣሳእል መሲጡንን ንኽሓትት ደሪኹንን። እታ ባንደራ ኣብ ገለ ክልታት ምጉት ከም ናይ ህግድፍ ወይ ህ.ግ ስለትውሰስለትውሰድ (ነዚ ዝምልከት “ጉዕዞ ባንደራታት ኤርትራ” ዝብል ጽሑፍ ሳልሕ ቃዲ ተመልከት) ፣ ገለ ካብቲ ኣብ ሓንጎለይ ዝተመላለሰ ግምታት፥
    ሀ. መንእሰያት ህግድፍ ሕመረት-ዘርኢ (DNA) ኤርትራ /ህግድፍ እዮም
    ለ. ኣተሓሳስባ ናይቲ ዝንቀፍ ዘሎ ጽሑፈይ ውላድ ህግድፍ/ህ.ግ እዩ
    ሐ. ማሕሙድ ሳልሕ ሕመረት-ዘርኢ (DNA) ናይ ሻዕብያ/ህግድፍ ። ብዝኾነ ነቲ ሃይለ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ነቐፌታ ቦታ ብምሃብኩም፣ የቐንየለይ እብል። ንሃይለ ዘለኒ ኣኽብሮት ድማ እዝዩ ልዕሉ እዩ። ዝፈትወካን ዝግደሰልካን እዩ ግዚኡን ጉልበቱን ዘቓጽለልካ።
    ሃይለ ኤስን ክቡራትን ክቡራንን (እሕም—)፥
    ሓው ሃይለ፣ ተገዲስካ ብ email ረኺብካኒ። ኣብ መገሻ ስለዝነበርኩ በታ ዝነበረትኒ ሓጻር ዕድል ተጠቒመ ኣድናቖተይ ገሊጸልካ ጥራይ ዘይኮነስ ስለምንታይ ከምዚታት ዓይነት ዘከራኽር controversial ኣርእስትን መርገጽን ከም ዝወስድ ኣሕጺረ ሽዑ-ንሽዑ ሓቢረካ ነይረ። መልሰይ በጺሓትካ ትኸውን ኢለ እግምት።
    እታ ዝሓለፈት ጽሕፍተይ ብዙሕ ኣርእስታት ዝሓቖፈት እያ ኔራ፣ ግን ሓደ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ ነይሩ ዕላማኣ። ” ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ” ከም ዝበሃል ውሽጣዊ ዓቕምታትና ንምትእኽኻብ ክሓልኩና ጸኒሖም ኢለ ዝገመትክዎም ሓደ-ሓደ ነገራት ከተኣሳስር ፈቲነ። ወላ’ኳ ነድሪ ዝተሓወሶ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እጠቐም እምበር፣ እቲ መልእኽቲ “ንበራበር፣ርእሰ-ፍተሻ ንግበር” ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንዓይ ሓድሽም መርገጺ ኣይኮነን። ምቅዋምን ነቲ ትቃወሞ ኣራሚ ዝኾነ መተካእታ ወይ መለሳ ምርኣይ (alternative) ክልተ ነገራት እዮም። ኩሉ ክቃወም ይኽእል እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቃስ፥ እቲ ብቅልጡፍ ናብ ለውጢ ዘምጽእ ዝተበታተነ በጮቕታን ዘይተኣኻኸብ ነድርን ኣህዛብ ዘይኮነስ፣ እቲ ጉይይ ካብ ምውዓል (ምዓል) ክሳድ ዝሕዝ እዩ። እቲ ክሳድ ድማ ብንጹር መልእኽትን ቀሊልን ግብራውን ሜላን ክምሰል ይከኣል። ዕላማይ ነቲ መሰረት ለውጢ ክኸውን ዝኽእል መንእሰይ ተስፋ ምሃብን ናጻ ዚጋ ኮይኑ ዝሓሸ ኣማራጺ ከናዲ ምምዓድ እዩ። እዚ እንርእዮ ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ነድርን ኩራን ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክልወጥ እንተኾይኑ ቀዪዱ ዝጸንሐ ልማዳትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ክፍተሽ፣ ክርከብ ወይ ክጭበጥን ድሕርኡ ድስ ክመሓውን ኣለዎ። ነድርን ቑጠዐን ናይ ለውጢ ጥረ-ነገራት (raw materials) እዮም They must be processed.
    ብሓጺሩ፥ እቲ ለውጢ ክዉን ንምግባር ዝሓሸ ተኽእሎ ዘለዎ ወገን፣ እቲ ኣብ ነድርን ኩራን ጥራይ ዘተኮረ ምልዕዓል ዘይኮነስ ነቲ ኩራን ምልዕዓልን ምኽንያትን መንቀልን ዝኾነ ውድዓዊ ኩነታት ብንጹር ተንቲኑ ዝሓሸ መተካእታ ዘቅርብን ብሩህ መርሓ-ግብሪ ዘቅርብን ወገን እዩ። ንኤርትራውያን እብ ክሊ እዚ መርሓ-ግብሪ ዘዕስል ወገን እዩ ለውጢ ዘምጽእ።
    ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ ቀጻሊ ተኸታተለኒ። መን ይፈልጥ፥ ኣብ እንዳ-ኣንጥቡ እጸንሓካ እኸውን። ግን ዘይከም ኣቦይ ሃይለ (እቲ በዓል ዛንታ ሰብኣይ)፣ እታ መኣዲ ባዕለይ ስለዝቕርባ፣ ኩሉ ንዓቢ ሰብ ዝኸውን እንግዶት ክገብረልካ እየ። ኣብቲ መልእኽተይ ከምዝሓበርኩኻ፣ ካብ ናይ ህግድፍ ቁጽጽር ወጺአ ኣብ ኢድ ካልኦት ክኣቱ ኣይደልን። ንናጽነተይ ሓልየ ከም እኹል ሰብ ሓሲቡ ዝቐርበኒ ወገን መርሓባ በሃላይ እየ። ንሰባት ብቓላቶምን ግብሮምን እምበር በቲ ዘለዎም ማሕበራዊ ቦታ (social status) ኣይፈርዶምን እየ። ኣማኑኤል ሳህለ ክኢላ ጸሓፋይ ጥራይ ዘይኮነ ከም መምህር፣ ተዓዛብን ነቓፍን ባህላውን ማሕበራውን ኣመለኻኽታናን (social critic) እየ ዝወስዶ። ብከምኡ ስለዝወስዶ ድማ እየ ኣብኡ በጺሐ እቲ ዕያር (መዓቐኒ ወይ bar) ኣዝየ ዘልዕሎ። ንከም እማኑኤል ሳህለ እንገብሮ ንባብን ነቐፌታን ኣይከምቲ ንማንም ሰብ እንገብሮ ንባብ። እቲ እንገብሮ ትኩር ንባብ ወይ ንስርሓቶም ንገብሮ ክትትልን ምምርማርን (scrutiny) ይፈላለ እዩ። እቶም ከም ፈላስፋ ዝወስድዎ (ፍልስፍናዊ ኣርእስታት ከምዘልዕልን ጽሑፋቱ ፍልስፍናዊ ትንታነን ኣመለኻኽታ ከም ዘዘውትርን እፈልጥ እየ)፣ ንፈላስፋ ዝበቅዕ ነቐፌታዊ መርማርን ሓታትን ንባብ ክገብሩሉ እምሕጸን። ንፈላስፋ ኣይትተንክፍ ዝብል ኣመለኻኽታ ከኣ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዘብቀዐ እዩ ክብሎም እደሊ።
    ብወገነይ ደቂ-ሃገር ብዛዕባ ሃገሮም ምዝታይ ገበን ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለኒ። ፈቲና ጸሊእና፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ህግድፍ ዝነጥፉ ዘለዉ መንእሰያት ሃገራውያን እዮም። ንዕኦም ምጉያይ ዘይኮነስ ነቲ ዘስገኣና ኣተሓሳስባ ክስዕር ዝኽእል መደባትን ንጥፈታትን ኣተሓሳስባታትን ምድላውን ምስርጫውን እዩ። ነታ ናይ ኣማኑኤል ጽሕፍቲ ምስ’ዚ ብምትእስሳር እየ ኣቕሪበያ። ኤርትራውያን ብጃምላ (ንቓል-ዓለም ጥራይ፣ መብዘሖም እንዳበልካ) ምዝላፍ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ወርቂ ናብ ጨርቂ ዝቕይር እዩ። ኣካታዒ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ግን ኣየናይ እዩ ናይ ለውጢ ዓቕሚ (potential) ዝህልዎ? ፋሕ-ፋሕ ዝበለ መንእሰይ’ዶ ወይስ እንተወሓደ ባዛዕባ ሃገሩ ዘተኣሳስር መደባት ዘካይድ? ስለምንታይ ከ ተመሳሳሊ መድረኻት ዘይከፈትና? ውድባት ተቓውሞ ንመንእሰያትን ደቀንስትዮን ዘይምስሓበን ኩሉ ግዜ ዝዝረበሉ ጸገም’ዶ ኣይኮነን?
    ብዝኾነ፥ እታ ኣካታዒት ኮይና ዘላ ኣብ መወዳእታ ዘላ ብዛዕባ ኣማኑኤል ሳህለ እትዛረብ እያ። እቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ኣማኑኤል ሳህለ ዝገበርክዋ ነቐፌታ፣ ኣብታ ንስኻ ዝጠቐስካያ “ሕማም ሕዱር ፍሽኩልና” ዘይኮነትስ እታ ” ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን” እትብል አያ። ግን እቲ ዝነቕፎ ዘለኹ መዳይ ናይ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ኣብታ ጠቒስካያ ዘለኻ ጽሕፍቲ እውን ይረአ እዩ። ግርም ጌርካ ከኣ ነቢብካያ። ኣብኡ ዘፈላሊ መዳይ የብልናን። ፍልልያትና ኣብቲ ምስ መንእሰያት ህግድፍ ዝምልከት እዩ። ንሱ ድማ ንኽንካታዕ ዕድል ከፊቱልና ኣሎ።
    ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ነቲ ዝለመድናዮን ዝምችኣናን ፖለቲካዊ ልምዲ ዝፈታተን ስለዝኾነ፣ ክንካታዕን ክንማጎት ዕድል ይፈጥር። ዕላማይ ኤርትራውያን ነቲ ሓጺርዎም ዘሎ ኬላታት በጣጢሶም ንገዛእ ርእሶም ወኪሎም ከም ናጻ ሰባት ክካትዑን ክራኸቡን እዩ። ካልእ ሕቡእ ፖለቲካዊ ጥሙሓት የብለይን። ነቶም ዘይኣምኑኒ ከእምን ዝኽእል በትረ-ትእምርቲ ኣይውንንን እየ። ግን ኣሕዋትን ፈተውተይን እዮም። ዝገብርዎ ነቐፌታዊ ጉስጢ እውን ካብ ሓልዮት ዝነቐለ ምዃኑ ኣይዝንግዕን።
    በዚ ኣጋጣሚ ቅድሚ ሃይለ ብኢ-ሜል ምርካብካ ሓደ ካልእ ኣዝየ ዘኽብሮ ዓወታዊ መንእሰይ ብኢ-ሜል ረኺቡኒ ነይሩ። ኣብ መልእኽቱ፣ ዘልዓልክዎ ነጥብታት ዘካትዕ ብምዃኑ ብእወታ ከምዝተቐበሎ ግን እታ “ኣቶ ኣማንኤል ሳህለ ነቶም ስራሕ ዝሃቡኻ መራሕቲ ትግራይ ክትከላኸልን ስነ-ሓሳቦም ክተወናጭፍን መሰልካ እዩ (ጌጋ ይኽለኣለይ እምበር ሰራሕተኛኦም ኢኻ)” እትብል ኣይተደልን ነይራ፣ ናብ ውልቃዊ ምጥቅቃዕ ትወስድን ነቲ ቁምነገር ናይቲ ጽሑፍ ተፍኩስ ኢሉኒ ነይሩ። ሓው በያን ነጋሽ (ሓደ ካብቶም ብጣዕሚ ዘኽብሮም ምሁራትና) ተመሳሳሊ ርኢቶ ሂቡ ነይሩ። መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ነዚ ጽሑፈይ ተንብብ እንተለኻ፣ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከመሓላልፈልካ እፈቱ።
    እቲ ካልእ ኣነ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ጽሁፍካ ዝገበርክዎ ነቐፌታዊ ህየሳ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፣ እዛ ኣብ ጠቕሲ ዘላ ስሒበያ ኣለኹ። ኣይትግበእን ነይራ። ምኽያቱ ድማ ንስኻ ምስ እትደልዮ ወገን ዝኾነ ናይ ሂወት ይኹን ምንቅስቃስ ወይ ስራሕ ዝመረጽካዮ ዝምድና ክህልወካ ይኽእል እዩ። ናጻ ርኢቶ እትውንን ሰብ ገይረ ክወስደካ ከቕርበካን ነይሩኒ። ኣብቲ ኣራኣእያን ኣመለኻኽታን ክጸቕጥ ይግባእ ነይሩ። ንመምህር እማኑኤል ሳህለን ካልኦት ግዱሳትን እቕረታ እሓትት። ንትሕዝቶ ጽሑፈይ ኣፍኲሳን ንዓኻ እውን ስምዒትካ ጎዲኣ ክትከውን ትኽእል። ስለ’ዚ፥ ሰብ ኮይኑ ሸተት ዘይብል የለን። ሸተት ኢለ። ግን ኣይወደቕኩን እሞ ነቶም በዚ ዝነቐፍኩምኒ ኣሕዋት ገፈል ዓይነይ ከም ዝኣሊ ስለዝገብርኩምኒ የመስግነኩ። ቀደም ነኣሽቱ ተጋደልቲ እንኮለና ” ብጻይክ መስትያትካ እዩ” ንበሃሃልክ ነይርና እሞ መስትያትና ኣይሰበር! በዚ ከኣ ነበብትን መምህር ኣማኑኤል ሳህለን፣ ነቲ ካልእ ነቐፌታዊ ትሕዝቶ ናይታ ጽሕፍቲ ትኩረት ክትህቡ ተስፋ እገብር።
    እታ ምርኩስ ዝገበርክዋ ጽሕፍቲ እማኑኤል ሳህለ ኣብ ኣሰና ኣላ። ኣብ snitna.com እውን link ገሮምላ ኣለዉ። እታ ጽሕፍተይ ከኣ ኣብ መስከረም.net ከምኡ እውን ኣብ snitna.com ኣላ። ዓዋተ.ኮም እውን ነታ ናይ ሃይለ ርኢቶ መሰረት ኮይና ዘላ ጽሕፍተይ እንተተኣሳስርዋ (ሊንክ) ነባባይ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ከዛምድ (contextualize ክገብር) ምቹእ ምኾነ።
    ምስ ሰላምታ።

    • Haile S.

      ሰላም ማሕሙድ፡
      ካብ መገሻኡ ብሰላም ይመለስ ኢለ እየ ሰቕ ኢለ ቀንየ እምበር፡ መልእኽትኻስ በጺሓትኒ። ማሕሙድ፡ ኣባኻ ዘለኒ ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኣብ ዓውተ እተበርክቶ ሓሳባት ናይ ሓባር ሃብቲ መበርከቲ ከም ዝኾነ ስለ ዝኣምን እየ፡ ካብ ዝሓከልካዮ ናብዚ ክጎተካ ፈቲነ። እንቋዕ ብደሓን መጻኻ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ክእለት ኣሰኳኩዓ ትግርኛኻን ጽሑፍካን፡ ነዚ ዓወተ ትጽዕረሉ ዘላ ሃብቲ ቛንቛታትና ነተግብሮ ዝብል ዓላማ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክተትገብር ትኽእል ሰብ ኢኻ ኢለ ስለዝግምት እየ። ኣርእስቲ ናይዛ ጽሑፈይን ስእላን ዓወተ ዝመረጽዎ ስለዝኾነ መልሲ ንዕኦም እገድፎ። እዚ ንሕጂ ሕጽር ዝበለ መልሰይ ኮይኑ፡ ካልእ ኣብ ዘልዓልካዮ ነጥብታት ዳሕራይ እምለስ እኸውን።

    • halafi mengedi

      MS,
      After I read your article, i scanned the twitter accounts of several ypfdj leaders and members (i haven’t done that for a while). I’m sorry, I just can’t see what you saw on them. I wouldn’t go as far as ‘they are not winnable’ or shouldn’t have a role in future Eritrea etc, but I am baffled by what made you think they are the future of Eritrea.
      hm

      • MS

        Selam Halafi megedi
        Sorry for the late reply. I appreciate your observation. I’m behind in monitoring social media, I do not look up for twitters. But I will try to articulate it in my follow up article, and its title won’t be what iSem has suggested. The gist is that the potential for change is organizing. The second part is the belief in human potential that at some stage, once the national security issue is settled, these young people will demand for political reform. Some may think this counterintuitive, but I have consistently advocated for investing in the country’s young population rather than wasting time on getting together individuals of the opposition who have been bruising each other through the years. I expect nothing from them.
        BY YPFDJ I mean organized youth. I took the YPFDJ because it happened during that week. If you read my article carefully, I stress that change will come by young people who engage in their country’s affair and underlined that the engine of change will be the committed young people. I specifically said YPFDJ and Non-YPFDJ. So the issue is not about promoting YPFDJ, it is instead, stressing on encouraging people to come together and discuss their country’s affairs to come up with common understanding. Today, ask any wannabe opposition about concepts such as democracy, change, reform, justice, form of government, economic and political roadmap, transition…and you will have as many versions. We need to talk and talk frankly.

        • halafi mengedi

          MS,

          – agree on first paragraph by all means.
          – 2nd paragraph: willing to give benefit of the doubt, but i think there is need to parse between ypfdj and organized youth. even within ypfdj, agree that many of them could be swayed and their energy could be harnessed, but almost all of their leaders and rank members are just too gross. but, happy to be proven wrong.

          good luck MS.

          hm

    • Haile S.

      ሰላም ማሕሙድ፡
      ናይ ሎሚ ንግሆ ጽሑፍካ፡ ጊዜ ወሲደ ኣየንበብኩዎን ነይረ። ሕጂ እየ ኣንቢበዮ። ኣብ ሕብረተሰብና ወይ ኣብ ፖሊቲካ ኣርኣእያና ዘሎ ጸገማትን ፍልይያትን ብብዙሕ ኩንዓት ክትገልጽ ፈቲንካ። ካብ’ዞም ነጥብታት እዚኦም፡ ነቲ ኣድላዪ ነጥብታት ይግህሱ እዮም ዝበልካዮም ንምዕቃብ፡ “ነድሪ እተሓወሶ” ዘረባ ተዛሪበ ክኸውን ይኽእል ዝበልካዮ፡ ግቡእ ከምዘይኮነን ናብ ርእሰ-ነቐፌታ ዘዘንበለ ዘረባኻ ደስ ዘብል እዩ። ካብኡ ሓሊፍካ’ውን ንመምህር ኣማኑኤል ብቐጥታ ዝሓተትካዮ ይቕሬታ፡ ነቶም ንጋገን ክንጋገ እንኽእል ዓቢ ትምህርቲ እዩ።
      ሓንቲ ጽንሰ-ሓሳብ ካብ ባህላዊ ምስላታትና ዝጥቐስካያ ኣነ’ውን ክደግማ እደሊ። ንሳ ኸኣ “ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ” ዝበልካዮን፡ ውሽጣዊ ዓቕምታትና ንምትእኽኻብ ከመይ ጌርና ብዘይ ሃልኪ፡ ጨርቂ ከምዘይኮነ ንዜጋትትና ነርእዮም ዝብል እዩ። ንሕና ክብል ከለኹ፡ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ማለተይ እዩ። መሪሕነት ሃገርና፡ ኣብ ዜጋታቶምን ኣመራርሓ ሃገርን፡ ወርቅን ጨርቅን ምፍላይ ዝተሳእኖም ይመስል። ኣብ ኢዶም ዘሎ ወርቂ ክንዲ ዝከናኸኑ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ወርቂ ክሓቑፉ መሪጾም፣ ኣብቲ ዘልዓልካዮ ኣርእስቲ ንምድሃብ እምበር ብዙሕ ካልእ ምሳለ ክጥቀስ ይከኣል። እሞ ሕብረተስብና’ኸ ብፈሊጥ ኮነ ብዘይ ፈሊጥ ነዚ ጌጋ ናይ መራሕቲ ሃገርና ካብ ምንጽብራቕ ተቆጢቡ ከመይ ጌሩ ናብ ሃናጺ መንገዲ ክመርሖ ይኽእል? ኣነ ብወገነይ፡ እዚ ናይ’ቶም መራሕቲ ሕብረተሰብ ሓላፍነት እዩ፡ ብሕልፊ’ኳ ናይቲ ድምጻዊ (vocal) ኤርትራዊ፡ ናይቲ ምሁር፡ ናይቲ ሓሳብ-ሰንዛሪ እዩ።
      ልዋም ለይቲ።

  • Haile S.

    ዝኸበርኩም ብጾት-ዓወተ,

    ን’ሓው ማሕሙድ ዝለኣኽክዎ ጽሑፈይ ኣብ ዓምዲ ትግርኛ ባዕሉ ዝኸኣለ ጽሑፍ ቆጺርኩም ምቕማጥኩም እሰማማዕ። የቐንየለይ። ጽሑፍ ትግርኛ ኣብ ዓወተ ንኽዓቢ እትገብርዎ ጻዕሪ ክሕገዝ፡ ብኣና በዞም ተኻፈልቲ ዓወተ ንኽዕንብብ ዝከኣለና ጻዕሪ ንክንገብር ከዘኻኽር እፈቱ።

    ትግርኛ፡ ትግርይና፡ ናህና ናይ ኩላትና
    ክዕንብብ እምበር፡ ክጎብጥ ኣይኮነን ትምኒትና
    ምስ ኣሕዋቱ ቛንቛታት፡ ምስ ብጾቱ ናይ ብጾትና
    ናይ ቀደም ናይ ጥንቲ፡ ንበሎ መሰረታዊ
    ምስ ካልኦት ኮይኑ ዘንጸባርቕ ሃብትና ቲ’ሕብራዊ።

    • Beyan

      Selam Haile S.,

      Old habits die hard, as the saying goes. I have yet to get used to visiting the Tigrinya page. The linear fellow that I am, I delve right into awate homepage without looking left and right to see if there is anything new. A lot of times, I miss out on many good comments because I don’t catch it in time before it moves under the intended article. If an article has more than 100 messages, I find it a tough act to follow. Many times I even find out to my embarrassment some comments in response to my own comments way too late – like several days later. Many thanks for letting us know that your response was moved to the Tigrinya page. I shall head on there to see if others have shared their rebuttals.

      Beyan

      • Amanuel Hidrat

        Selam Hailat & Beyan

        I listened again the article of Amanuel Sahle in the radio broadcast of Assenna. I have hard time to find anything to criticize in his piece. In contrary, I found it as if he is reading the unspoken thoughts stored in the back loading of my mind. The mastery of the language, the way he packed his ideas, and the truthfulness of his view, is second to none. In my view, the bases of the criticism can be only from the prisms of the ideological divide we have, though the critic from the opposite can not challenge him with ideological merits. Amanuel Sahle is a philosopher and his critics are not.

        Regards

        • Beyan

          merHaba Aman & Haile S.,

          I was going to say that Amanuel Sahle’s language is a joy to read, but you’ve covered that for me rather nicely. Now, I had forgotten that there is also an audio version, which I didn’t listen to. I read the article when it first came out and the audio version, usually, lags a day or two behind. So, I may just resort to listening to it on the audio so as to give my take of it, soon, inshallah.

          Beyan

        • Haile S.

          Selam Emma,
          I respectfully disagree. I don’t also consider myself belonging to any “ideological” rift. For me Amanuel’s “A pernicious light minded affliction” is not a work of philosophy. It is an essayist’s pamphlet barbe-wiring a people of a nation in a light minded colonized mindset in space and deep in time in order to arrive and justify his thoughts of the present state of affairs of our nation.

          • Amanuel Hidrat

            Selam Hailat,

            Talking about a “state” and “state affairs” is a political philosophy. In Amanuel Sahle’s articles, if you notice the way he always present or frame his arguments, by giving a philosophical and conceptual background to the issue at his hand and then he relate to the problems we are facing. You could revisit his writing. I am surprised Haile to pass it without noticing his style of writing.

            Regards