Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ሕጂውን ንሃግራዊ ጉባኤ ንዳሎ

November 28, 2010
Awate Team

“ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ጥራይ ነጽንዕ” ይብሉ ህግደፋውያን። እዚ ከኣ   ህዝቢ ዝኸፍአ ይኽፋኣዮ  ንሕና ጥራይ ንቕድሚት ንኺድ ማለት ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህግደፍ ዝቕረጽ ኣምር ኢዩ። መትከልና ግን ከምኡ ኣይኮነን።

“ዝኸኣለ ይሰጉም። ዝደኸመ ይሳለ። ጭራሽ ዘይከኣለ ይጸበ። ንሕና ግን ንቕድሚት ንሰጉም። እዚ ጭሮሖ’ዚ ኣብ ዝኾነ ሰውራ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ኩሉ ግዜ ዘልሓጥሓጥ ኣሎ። እቶም ካብ ህዝባዊ መትከላት ነቕ ከይበሉ ዝቃለሱ ግን ኩሉ ግዜ ተዓወቲ ኢዮም።

Advertisement

እወ! ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ዝቃወሙ ብዙሓት ዘይኰኑ ውሑዳት ጽሑፋት ኣንቢበ። ቀድሚ ሕጂ’ውን “ስለምንታይ ኣንጻር ዋዕላ” ዘርእስታ ሓንቲ ሓጻር ጽሕፍቲ ኣቕሪበ ነይረ። ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጉድለታት እንተለዎ እናነቐፍካን እናኣረምካን ትኽተሎ’ምበር፡ ተቓዋሚ ከንስኻ ክትነጽጎ ጭራሽ ጌጋ ኢዩ። ምንኽንያቱ ዋዕላ ናይ ዘተን ዕርቅን መስርሕ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ናይ ዘተን ጥርናፈን መስርሕ ምቅዋም ከይዱ ከይዱ ንገዛእ ርእስኻ ብገዛእ ርእስኻ ናይ ቃልሲ ዓቕምታትካ ምድኻም ኢዩ። ልክዕ ድማ ከምቲ ዝተራእየ ነቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝደገፎ ዓላማ ምቅዋም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘኸተሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት፡ ብሓፈሽኡ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብርግጽ ጐዲእዎ ኢዩ። “ኣይ ጎድኦን” ዝብል ሰብ ምስ ዝህሉ ናይ ፖለቲካ ኣምር ዘይርድኦ ጥራይ ኢየ ዝብሎ።ስለምንታይ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝደገፎ እንብል? 10 ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዘለዋን 18 ካብ ውጻኢ ኪዳን ዘለዋን ዳርጋ ኩለን በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ምሁራት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ብርግጽ ዘየጠራጥር ህዝባዊ ዋዕላ ኢዩ። ነዚ ዓላማ’ዚ ምቅዋም ኢዩ ምቅዋም ኣብ ውሽጢ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዘኸተለ። እዚ ምፍንጫልዚ ኣነ ብወገነይ ኣይድግፎን። መኽሰበይ እውን ኣይኮነን። ህዝቢ እናበረሰ፡ መንእሰይ ፈቖዶ ምድረበዳን ባሕርን አናወደቐ፡ ናይ ምክእኣልን ጥርናፈን ምልክታት ድኣ ክረአ ነይርዎ’ምበር ናይ ምንጽጻግን ምፍንጫላትን ተርእዮታት ክረአ ኣይነበሮን። 

ዘገርም ኢዩ! ዋዕላስ ይጠራንፍ እምበር ዋዕላ’ዶ ይፈናጭል ኢዩ? ኣነ ኳ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣትየ ቅንዑን ጌገኛን ክፈርድ ኣይህቅንን። ግን ሓደ ታሪኽ ጠቀስ ከካፈለኩም እፈቱ። ናይ ቀደም ነገስታት ኣይምዕቡላትን ነይሮም ይበሃል። ታሪኽ ከም ዝሕብረና ግን ገለ ካብኣቶም ቅኑዕ ተግባራት ከምዝ ዝኽተሉ ዝነበሩ ይንገር። ገለ ነጋውስ ከምዚ ናይ ሎሚ ምዕቡል መራኸቢ ህዝቢ(መዲያ) ስለ ዘይነበረ፡ ናይቲ ዝገዝእዎ ዝነበሩ ሕብረተሰብ ኣረኣእያ ንኽፈልጡ፡ ብስውር ማለት እቲ ንጉስ ካልእ ሰብ ተመሲሉ፡ ንዝኾነ ሰብ ይሓትት እሞ ርእይቶ ህዝቢ ይፈልጥ ። ናይ መብዛሕትኡ ዝሓተቶም ሰባት ርእይቶኦም ኣዎንታዊ እንተ ኮይኑ ፖሊሲኡ ብኡ ይቐጽል። ተዘይኮነ የማሓይሽ ማለት ኢዩ። ናይ ግዜና መራሕቲ ግን እዚ ንምትግባር ኢዩ ተሳኢኑዎም ዘሎ። ህዝቢ እንታይ ይብል? እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ኢዩ። ኣባላት ሰልፍታትካን ውድባትካን ጥራይ ኣኪብካ ንሰፊሕ ህዝቢ ዝምልከት፡  ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ ርእይቶ ከይተወከስካ ምውሳን ከይዱ ከይዱ ናይ ፖለቲካ ክሳራ ኢዩ ዘኸትል። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ዘይኮነ ካብ ቀደም ጀሚሩ ንሓድነትን ዘተን እምባሕ ምስበለ ኢዩ። ኣይኰነን ተቓዋሚ ኣካል፡ ገለ ለባማት ካብ ደምበ ህግደፍ ከይተረፉ ውጽኢት ናይ’ዚ ዋዕላ ንኽዕወት ብልቦም  ዝተመነይዎ ኣለው እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ምስዚ ኣተሓሒዘ ሓንቲ ሓቂ  ዝኾነት ነገር ክነግረኩም። ኣብቲ ድሮ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንኣዲሰ ኣበባ ዝተበገስኩሉ እዋን፡ ሓደ ኣባል  ህግደፍ ካብ ሰላምታ ሓሊፉ ካሊእ ርክብ ዘይነበረና፡ ስልኪ ደዊሉ፡ “ዋዕላ ክትካፈል ምዃነካ ስሚዐ፡ ሓቂ ድዩ?” በለኒ። ኣነ ከኣ ቁሩብ ብምስንባድ፡ “ኢሂ? እወ” በልኩዎ። ቅጽል ኣቢሉ “በሉ ኣምላኽ ይሓግዘኩም ኣይትሕመቑ። እንተ ተጠርኒፍኩም ኩላትና ክንስዕበኩም ኢና።” በለኒ። እሞ ኣይኮነን ተቓዋሚ ኣካልሲ ኣብ ደምበ ስርዓት ህግደፍ ዘለው ከይተረፉ ዓው ኢልካ ምዝራብ ኢዩ ተሩፍዎም  እምበር ዋዕላ ደጊፈምዎ ኢዮም ክብል ስለ ዝደለኹ ኢየ።

ካሊእ ዘገረመኒ ነገር እንተሎ፡ገለ ተቓወምቲ-መሰል ግን ከ ካብ ደንበ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ዘይረሓቑ፡ ከም ኣብ ደምበ መስከረም ዳት ነት ዝዓኾኹ ኩሉም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላስ ምቅዋሞም ኢዩ። ኢዚ ዝኣረገ ኣበሃህላ’ዚ “ለማ በገበያ” ይበሃል። ኢህኣደግ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ መሰል ህዝብና ዝፈለጡልና ዲሒሮም’ውን ልዕላውነት ሃገርና ብዘየወላውል ዝኣመኑልና፡ ኢሳያስ ንጠቕሙ ምስ ኢትዮጰያ ስለ ዝተጻልኤ ንሕና እምቢ ኣይንጸልኦምን። እኳ ድኣ ኢትዮጵያ ናይ ስትራተጂ ፈታዊትና ምዃና ናይ ክልቲኡ ሃገራት ኣህዛብ ሕውነት ዝመልኦ ብጽቡቚ ጉርብትና ክነብር ክንጽዕር ኢና። እዞም ደድሕሪ ኢሳያስ ዝደግሙ ባእታታት ግን ኢሳያስ ጽልኢ ገዲፉ ምስ ኢትዮጵያ እንተ ዝዕረቕ፡ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ጸላኢትና ዘይኮነትስ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ፈታዊትና ኢያ ምበሉ። ኣነ ኳ ነዞም ደድሕሪ ኢሳያስ ዝነብሑ፡ ካብ ኢሳያስ ፈልየ ኣይሪኦምን። ንጹሃት ሃገራውያን እነተ ዝኾኑ፤ ብዛዕባ ኣብ ሲናይ ምድረበዳ ዝርሸኑ ዘለው መንእሰያት ድኣ ዘይዛረቡ። ኣንጻር ግብጺ ድኣ ዘይጽሕፉ? ብዛዕባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ዝሳቐዩ ዘለው መንእሰያት ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ድኣ ዘይዛረቡ። ንቐታሊ ህዝቢ ኤርትራ እተስንቕ ዘላ ሊብያ ድኣ ጸላኢትና ኢያ ዘይብሉዋ?  ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሳ ሽሕ ንላዕሊ ስደተኛታትና ሓብሒባ፡ ገለ ሚኢይቲታት ምንእሰያትና ኣብ ፎቖዶ ዩኒቨርሲታት እተምህር ዛለ፡ ኢሳያስ “ጸላኢት” ስለ ዝበላ ጸላኢት ይብሉዋ? ሕልና እንተ ዝህልወኩም፡ ሓደ ጽሉል ሰብኣይ መሰል ህዝብኹም ረጊጹ፡ ሃርኩም ኣብ ናይ ዓለም ዓውደ ምዕባሌ ጭራ ዘትረፋ ኣብ ጐድኒ ህዝብኹም ብምስላፍ፡ ክትመውት እትጻዓር ዘላ ሃገርኩም ዘይተድሕኑ?

ሕጂ’ውን ዘርከበ የርክብ ዝተረፈ ይትረፍ ንሃገራዊ ጉባኤ ንዳሎ። ግዜ ዝኣክል ኣሎ። ሓሳብ ንሓሳብ ንላዋወጥ። ሓሰባትና ኣብ ጽሑፍ ነስፍር። ጌጋ ዝረኣየና ንኣርም። ዋና(ባዓል ቤት) ሃገራዊ ጉባኤ ከሉ ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ጥቐሚ ዘለዎ ዝኾነ ተቓዋሚ ኣካል ኢዩ። ንጠርነፍ። ብዝኾነ መልክዕ ንጠርነፍ። ወከልትና ካብ ሕጂ ንመልምል። ነጻ ዝኾነ መራኸቢ ህዝቢ(መዲያ) ይሃልወና። ኣብ ዝካየድ ክትዓት ዓቕልን ትዕግስትን ይሃለወና። ኣብ ምትህልላኽ ግዜና ኣይነጥፍእ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ከእትውና ዝደልዩ ኣካላት ስለ ዘለው። ንዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤና ዝድግፍ ሓንጎፋይ ኢልና ንቀበሎ። ኮሚሽን ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ሓበረታ ትመግብ። ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ(ናብ ኮመሸን) ድማ ሓበርታታትን ሪኢቶታትን ትመገብ። ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ግበሪ ተውዕል። እዚ ምስ እንኽተል፡ ከም እንዕወት ናይ ግድን ኢዩ።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

ዓወት ንዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ

comments: fitiwi@planet.nl

Advertisement
Advertisement
Towards Sustainable Peace And Justice In Eritrea: Introductory Article (I)
Of Kings And Bandits: Honoring The Author

Comments

Latest News

  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026
  • Peekaboo: The Ethio–Eritrean GameApril 30, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (753)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services