መግለጺ ንጥፈታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን፡ ብሓጂ ጀሚል ኣማንን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ኣባላት ባይቶ፡ ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ኣስፊሖም ዘትዮም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግፍዓውን ጨካንን ጉጅለ ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳርን መከራን ዝመልኦ ናብራ ብዝርዝር ኣብሪሆም።
ክምኡ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈ ማዕቀብ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከም ዘለዎን ከምኡ ‘ውን ነቲ ህግደፍ ካብ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእክቦ ግብሪ (2%) ደው ክብል ከምዘለዎ ኣጥቢቖም ሓቢሮም።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣቃውማ ሃገራዊ ባይቶን ዕላምኡን ከምኡውን እዚ ባይቶ ዳርጋ ናይ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፡ መንእሰያትን ከምኡ ‘ውን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወካሊ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን፡ ምስ ዝተፋላለያ መንግስታትንን ዓለም-ለኻውያንን ዞባውያን ውድባት ዘካይዶ ዘሎ ዝምድናታት ኣብሪሆም። እዚ ዝምድናታት ‘ዚ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ዝኸደሉ ኩነታት ኽልቲኦም ወገን ዘትዮሙሉ።
Mr. Tewelde Habtemikale is not the right person to advocate about Eritrean people. he has been having fun with the those people in power since 1991 and now he tries to show that he cares. he can hide his true color but those people who live in Carson City can attest who he really is.
هذا شئ مهم وجاء متأخر وافضل من ان لم يحدث واللقاءت ناهيك دولة بمكانة امريكايجب ان يلتقو مع اى من له استعداد للسماع منهم عن مأسات شعبهم والظروف الصعب الذى تمر به بلادهم بسبب النظام الكتاتورى ونهجه التصفوى والأستبدادى. ويجب ان يتأكدت كل ارترى اصيل ارحم واشفق واحرص على الشعب الأرترى من اسياس وزبانيته وعليه اقول لبعد الأخوة الذين ينتابهم الخوف من حدوث حرب اهلية تذهب باللين واليابس,يا ناس ارترية لم يبقى فيها لين ولا يابس اسواء عند الشعب الأرترى هو بقاء اسياس. فإذالاتخشو الخاشية من اسختدام جميع الوصائل التى تسرع اسقاط هذا النظام.
what does they discussed about could you explain ….did they cook how to reunite the people or make a civil war and play with their brothers blood to make a living ….shame on dirty game …