Awate.com

ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)

ተጋዳላይ ከመዓልካ

ጅግና ተጋዳላይ ሰላም ዶ ክብለካ?
መንፈሰይ ይሕደስ ወርትግ ክሓስበካ
ናይ ሓርነት ጸዳል ዘብርህ ግንባርካ
ኣኽራን ዝቐስቀሰ ሰውራዊ እምነትካ።
*
ጥውይዋይ ነይሩ መንገዲ ሂወትካ
ድኻምን መከራን ናይ ዕለት ቀለብካ
ኣቦታት ከም ዝብሉ “ክሳዕ ዝደልወካ
ትነብር ናይ ግድን ዓንዴል ተሓቒፍካ”
*
ዓለም ከይፈለጦ ናይ ናብራኻ ኩነት
ኣብ ርእስኻ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት
ኣኽሊል እሾኽ ዳንዴር ናይ ስቅያት ሽመት
ዓንዴል ተሓቒፍካ ቃንዛኡ ዘይግመት
*
ዘዕቆብካዮ ህዝቢ ኣብ ጎቦ ስንጭሮ
ብሓዊ መግዛእቲ ዓዱ ዝሓረሮ
ባርባራዊ ተግባር ፍጹም ዝመረሮ
ብተስፋ ይነብር ተደቢሱ ድሮ
*
ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ሓላው ሰውራ ኮይኑ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ይከላኸል ኣሎ ጸላኢ መኪቱ
ከጥፍኦ ዝመጸ ካብ ርሑቕ ዘሚቱ።
*
ጽጌረዳ መሮር ቀያሕቲ ዕምባባ
ትማል ዘሪእካዮም ኣብ ስንጭሮ ኩርባ
ለምለም ተኽሊ ሰውራ ብሕብሮም ደሚቑ
ንኦም ዝረኣየ ኩሉ ተደኒቑ
*
ጭርሖ መዛሙር ካብ ግብሪ ዘይፍለ
ካብ ጎቦታት ኤረ ሓዲስ ዝፈልፈለ
ብሰውራዊ ሙቐት ሓፋሽ ዘምበልበለ
መንፈሳዊ መትኒ ኮይኑና ‘ንሆለ!
*
ኣብ ስደት ዝነብሩ እልፍን ኣእላፋትን
ከም ጨቓዊት ዛግራ ዝበሉ ፋሕ ብትን
ቃል ተስፋ ረኺቦም ካብ ጸምጸም በረኻ
ብስራት ሓርነት ሰሚዖም ካባኻ
ይጽበዩ ‘ሎዉ ከተውጽኦም ሓራ
ካብ ጸልማት መግዛእቲ ካብ ጭቆና ‘ምሓራ።
*
ኣጆኻ ኣያ ሓፋሽ ብጻይ ተጋዳላይ
ከም ነብሪ ዝነብሕ ዝነፍር ከም ሊላይ
ኣምበሳ በረኻ ዘንቀጥቅጥ ጸላኢ
ኣራም ሕሉፍ ስርዓት ሃናጻይ መጻኢ፡
*
ጅግና ተጋዳላይ እሞ ኸመዓልካ
መንፈሰይ ይሕደስ ወርትግ ክርእየካ
ናይ ሓርነት ጸዳል ዘብርህ ግንባርካ
ኣኽራን ዝቐስቀሰ ሰውራዊ እምነትካ
*
ህዝባዊ ሰራዊት ይሃምም ‘ባሎ
መላእ ህዝቢ ሃገር እናተኸተሎ
ነጻነት ኪጭብጥ ይርኣየኒ ‘ሎ
ወደባት ሃገረይ ይርኣየኒ ‘ሎ
ይሃምም ‘ባሎ ይሃምም ኣሎ ‘የ
ጅግና ሰራዊትና ይዕወት ኣሎ ‘የ።
_____________

ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ
ዋሺንግተን ዲሲ (ኣሜሪካ)
ሳግም – ቁ. 13 ነሓሰ 1988

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares