ኣየ ‘ጎብየ’፡ ትጎዪ ኣብዘይጉየ
“ሓምሳ ኣእዱግ መራሒኦም ኣንበሳ፡ ዳርጋ ኣናብስ፡ ሓምሳ ኣናብስ መራሒኦም ኣድጊ ድማ ኣእዱግ” ዝብል ብሂል ቀዳሞት ኣገዳስነት ብሉጽ መሪሕነት የመላኽት። ሃገር ልዕሊ መራሒኣ ክትዓርግ፡ ክትሰርር ወይ ጸብለል ክትብል ኣይትኽእልን። ንላዕሊ ‘ተበለ ንላዕሊ ትብል፡ ንታሕቲ ‘ተበለ ድማ ባይታ ትዘብጥ።
መሪሕነት ልዑል ስነ-ሓሳባዊ ብቕዓት ዝሓትት ጻውዒት’ዩ። ናይ’ቲ ዚደልን ዚጐይን ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ዘበለ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብቚዕ መራሒ እዩ ምባል ኣይክኣልን። ንፉዕ መራሒ ኣሎ፡ ምጭቋ መራሒ ‘ውን ኣሎ። “ዝበረቐት ጸሓይና፡ ዝነገሰ ንጉስና” ዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ለባማት ኣይኮነን።
ሓደ መራሒ፡ ንርእሱ ከም ሰራሕ መሬት፡ ገባርን ሓዳግን ክቖጽር ኣይግብኦን። ህዝቢ መራሒ ከም ዊንታኡ ወይ ቃሕታኡ ክሰርሖ ዝጽበ ጽቡር መሬት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ግዳ፡ ከገልግል፡ ታሪኽ እቲ ህዝቢ ናብ ዝሓሸ መጻኢ ከማእዝን ፍሉይ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣካል እቲ ሕብረተሰብ’ዩ። ካብ ድኽነትን ሕማማትን፡ ስእነት ስራሕን ዋሕዲ ዕድላትን፡ ድንቁርናን ድሑርነትን፡ ስግኣትን ፍርሕን፡ ከላቕቆ ሰፍ ዘይብል ጾር ህዝብን ሃገርን ኣብ ማእገሩ ይጸውር። ከምዚ ዝበለ መራሒ ዝረኸበ ህዝቢ፥ ሃገሩ ገነት፡ ቤቱ ኣድሃ ይኾነሉ። ከምዚ ዝበለ መራሒ ይሃበና ይሃብኩም’ዩ ዜብል።
ጽቡቕ ባህርይ ብሓቂ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ሓደ መራሒ ከም ኣደ ንህዝቡ ርሕሩሕ፡ ሓብሓብን፥ ከም ንስሪ ብልሒን ምስትውዓልን እተዓደለ፥ ከም ጎብየ ድማ ንተጻብኦን ጸላእትን ዝጻወር ተሪር ቆርበት ክህልዎ የድሊ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ብቑዕ መራሒ ሃገር፡ ጸላእተይ ዚብሎም ደቂ ሃገር የብሉን። ሓሳቦም ካብ ናቱ ፍልይ ምስ ዝብል እንተኽኢሉ የሐጉሶ፡ እንተዘይኮነ ግና ይጻወሮ’ምበር ኣይተሃላለኾን። “ኩልኻ ሓደ ኣይግበርካ” ድማ ይብል ካብ ልቡ። ዓወት ካብ ብዝሒ መኸርትን፡ ብዓይነቶም ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ከም ዝምንጩ ኣይስወሮን፡ ክፉታት ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ርሒብ ኣእምሮ ይውንን።
ብዘይ ኣብ ሃገርና፡ ርእሶም ከም ብምሳሌ ጎብየ ጌሮም ዝገልጹ መራሕቲኳ ብዙሓት ኣይተራእዩን። ግናኸ ብዛዕባ ጎብየ’ውን ብዙሕ ክበሃል ይክኣል’ዩ። ንመርኣዪ ዝኾኑና ክልተ መለለዪ ምልክታት ንውሰድ።
እቲ ቐዳማይ፡ ጎብየ፡ እቲ ሰረጣን ዝባኑ ካብ ዓጻጽምቲ እተሃንጸ፡ ኣዝዩ ረጒድ’ዩ። እዚ ኣብ ረርእሲ ብዝተደራረበ ቀጸላታት ድርዒ እተሰርሐ ሕቖኡ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ተጻብኦ ምስ ዘጋጥሞ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ዝባኑ ይቐብሮ፥ ይሕባእ። ንሱ ዕርዱ እዩ።
እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣእጋር ጎብየ ኣዝየን ሓጸርቲ እየን፡ ተበጊሱ ገፈፍ እናበለ ይጓዓዝ፡ ኣየስልጥን ድማ። ንርእሱ’ኳ ተሸኪሙ ክኸይድ ጋዶ ይኾኖ። እንትኾነ እዚ’ውን ዝጠቕመሉ እዋን ኣለዎ።
ብሱል መሪሕነት ናብ ፍርዲ ኣይህንደድን። መንግስቲ፡ ኣብ ውግእ ንምእታው፡ ደም ንምኽዓው ዘይህወኻ ኣእጋር፡ ሰለይ ዝብላ ኣእጋር የድልያኦ። ስለዚ ብተርባጽ ኣብ ኲናት ካብ ትሽመም፡ ከም ጎብየ ደፋእ ኢልካ ንኹናት ብዝተኻእለ መጠን ከተወግዶ፡ እንተዘይተኻእለ ድማ ከተደናጉዮ ይምረጽ።
ዝኾነ ይኹን ህዝቢ፡ መራሒኡ ከብዱ ዘየኽእሎ፡ ቦቕቧቕ፡ ስቓዩ፡ ጭንቀቱ፡ ስግኣቱ ዝርድእሉ ክኸውን ሃረር ይብል። ዜጋታትና ፈቖድኡ፥ ገለ ዶብ ክሰግሩ ብዘይ ንሕስያ ብጥይት፡ እቶም ካብዚ ዘምለጡ ድማ ሸቃጦ ሰብ ኣብ በረኻታት ሲናይ ከመናጠሉሎም ከሎዉ፡ እቶም ነዚ’ውን ዝሰገሩ ኣብ ሜዲተራንያን (ከም እኒ ላምፐዱዛ) እንኪሃልቁ እምብኣር መንግስትናን መራሕትናን ኣብ ክንዲ ከም ናይ ኣደ ዝበለ ርሕራሔ ዘይኮነስ፡ ከም ጎብየ እቲ ከም ከውሒ ዝደረቕ ዝባኖም ክህቡና ከሎዉ ሕቶ ክለዓለና ግቡእ’ዩ። እምበርዶ እዞም ስልጣን ሒዞም ዘሎዉ መራሕቲ ሓልዮት ህዝቢ ኣለዎም እዩ ድማ የብለና።
ሕቶ ቅዋም እንተልዓልካ – ኣጽቅጥ፤ ሕቶ ናይ ፖለቲካን ናይ እምነትን እሱራት እንተልዓልካ – ጥርቅም፤ ሽግርና ኣብ ምፍታሕ ከም ጎብየ ገርፈፍ። ጥርቅም ደኣ’ሞ እንታይ ይጠቅም።
መንግስቲ፡ ንተቓውሞን ወቐሳን ዘአንግድ ሰፊሕ ልብን እንግድዓን ክህልዎ እዩ ዘምሕረሉ። እቲ ዝባን ጎብየ ሻቡ ዝያዳ መገልገለ። ጎብየ ግን ነዚ ሰረጣን ዝባኑ መሕብኢ ርእሱ እዩ ዝጥቀመሉ። ነታ ዝርካባ፡ ክንዮ ገዛእ-ርእሱ ክትሓስብ ዘይኮነላ ንእሽቶ ርእሱ ኣብኣ ይሓብኣ። ንፉዕ መራሒ ክብረቱስ ይትረፍ ሂወቱኳ እንትኾነ ስለ ህዝቡ እሕሊፉ እዩ ዝህብ።
ነቐፌታ ንዘቕርቡ ንምሕያር ካብ ጉማ ሰማይ ትሸብብ፡
ጎብየ መዓስ ኣብቆልካ እኽናፍ፧
ፍሉይ ሓሳብ ንዘልዕሉ ንምድስካል ካብ ሰገን ትፈጥን፡
ጎብየ መን ሃበካ ነዋሕቲ ኣእጋር፧
ተቓውሞ ንዘስምዑ ንምጉባጥ ከም ነብሪ-ጫካ ብቕጽበት ትዘልል፡
ጎብየ መዓስ ተዋህበካ ሓያላት መሓውር፧
እምነት ንዘለዎም ክትውሕጥ ከም ገበል ፈጢንካ ትውርወር፡
ጎብየ ካብ መዓስ ትፈናጠር፧
ኣየ ጎብየ፡ መኒ’ኻ ተበሉኻስ መን ትብል፧ ሓርቢቱናኮ፡ ነፋሒቶዶ ክንብለካ ወይስ ዕንቅርቢት፧ ንጉዳይ ሃገር፡ ጉዳይ ፍትሒ፡ ጉዳይ ፍርዲ፡ ጉዳይ ዕርቂ ከውሒ ልቢ ምስ ጸማም ኣእዛን፤ ወዲ ኣፎም፡ ኢሱ ንዝብሉኻ ክምስምስ እትብል ወርቂ ሚዛን።
ትጎዪ፡ ትነጥር፡ ትመጣጠር፡ ትቕልጥፍ ክትቀጽዕ፡ ክትቀትል ዝበለ ዒም። ትድንዝዝ፡ ይጻንዓካ፡ እዝንኻ ትደፍን ንናይ ውጹዓት ጥርዓን።
ኦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጎብየ ኣይኮነን ርኤ ተመን ኣብ ርስትኻ፡ ኣብ እግርኻ። ህዝበይ፡ እቲ በትሪ ኣብ ኢድካ ደጊም እንታይ ምኽሪ ደሊኻ።
Awate Forum
Hey iSem, Let me quickly give you two thumbs up - one here and one with the emoji. I am always grateful to your comments irrespective whether you agree or disagree. Hence the beauty to this forum....
A Letter of Truth and Reconciliation · 2 hours ago
Brief Review of the Reviewer and Negarit 320 Hi awatista, 2025 has been good year for me and the reason is BNB’s ወኒ for writing has surged after waning for a couple of years. I blame Woyane. The...
A Letter of Truth and Reconciliation · 7 hours ago
Haile S.,
Don't you think he sniffed enough with that thing? But I think it's the wrong nose; if not, do you think he left it with contempt or feasted on it?
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 3 days ago
ሰላም ሳልሕ
Pragmatic ምኽሪ ሂብካ
ንዓ ኢሱ ኩነታት ሃገር ጭኖ ቢልካ
ኮይኑ'ምበር ኣፍንጫ እንዳ-ዳዕመስካ
-- ግና ካብ ሃለዎ 5x2 ኣብ መንጎ ሰለፉ
-- መሽተቲ'ውን ይህልዎ ኣብ ትሕቲ ኣፉ
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 3 days ago
Hi BNB, I will stick to my initial assertion, "If you write they will show up". Ergo your amendment has been rejected or as Daniel will say these days, "ብጻይ በያን፣ዘቅርብካዮ አማማ ቅቡል...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
ሰላም በያን
ማ ፊ ሙሽኪላ
ኣነስ ዛዕባ ዲሞክራሲ እንተልዒልና እሞ ኸኣ ናብ ከባቢና ካብ ጠመትና .. ነገሩ በትረይ አሎኒ ዘሕምቖ 'ለኒ ኣይኹን ክብል ንምፍታን ኢዩ
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
Selam M/Brhan,
Many thanks for your comments. Greetings for now, bear with me as well until I come back later today.
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
Hey now, "If you write others will show up". Amending it to read, if WE write others will show up. Speaking of writing, you do have a way of expression that can only emanate from someone...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago