Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
Documents ትግርኛ

ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ኣድሓኖም!

February 20, 2021
awatestaff

ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም
ዕለተ መስዋእቲ፡ ለካቲት 19 2021

ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ኣብ ወርሒ መስከረም 1945 ኣብ ኣፈልባ
ተወሊዱ። ወላዲቱ ካብቲ ዝነበራ ከቢድ ናይ ሕርሲ ኩነታት፣ ብዘይ ጉድኣት ክትገላገል ብምኽኣላ፣ ልዑል ፈጣሪ
ንምምስጋን ወለዱ “ ኣድሓኖም ” ዝብል ረዚን ስም ከምዝሃብዎ ታሪኽ ቤተሰቡ ይሕብር።

Advertisement

ሕሳስ ልደ እንዳ ኣቦይ ባሻይ ገብረማርያም ዝኾነ ኣድሓኖም፣ ምዉቕን፡ ፍቅርን፡ ምሕብሓብን ዝመላኦ ግዜ
ህጻንነት ኣብ ሑቕፊ ወለዱን ኣሕዋቱን ኣሓቱን የሕሊፉ። ኣብ ምስግጋር ካብ ህጻንነት ናብ ቁልዕለት፡ ብፍላይ
ምስቶም ንስለ ናጽነት ኤርትራ በጃ ዝሓለፉ የሕዋቱ ሓጎስን መምህር መሓርን እናተጻወተ ዕድመ ናይ ትምህርቲ
በጽሐ።

ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣብታ ኣብ ከብዲ ዓዲ ተደኲና ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ኣፈልባ ብምምዝጋብ፣
ናይ መባእታ ትምህርቱ ተኸታቲሉ። ኣብቲ ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ፈተናታት፡ ብልዑል ነጥቢ ብምሕላፍ
ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ተኸታተሉ።
ብምቕጻል፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph
School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተኸታቲሉ። ብምቕጻል ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ብምምጻእ፣ ናብ ኣዲስ
ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ።

ምስእናይ ኣብቲ ናይ 1970ታት ምንቅስቃስ ተምሃሮ ውፉይ ተሳትፎኡ፡ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት
ድሕሪ ምክትታል፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1972 ሃገራዊ ጉቡኡ ንምፍጻም፡ ምስ ብዓል ተጋዳላይ ብርሃነ
ገረዝግሄር፣ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ፡ ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍረምን ካልኦትን ዝነበርዎም ናይ ቃልሲ ብጾቱ
ብሓባር ብምዃን፣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፣ ኣብቲ ኣድሓኖምን ብጾቱን ዝተሰለፉሉ እዋን፡ ቁጽሪ ተጋደልቲ ሰልፊ ናጽነት
ኤርትራ ከባቢ 100 ተጋደልቲ እዩ ኔሩ።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

ብወትሃደራዊ ታዕሊም ዝጀመሮ ሂወት ገድሊ፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ መራሕ ጋንታ ክሳብ ኣዛዝን ኮሚሳርን ክፍለ-
ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ነዊሕ ኣገልጊሉን፣ ወሰንቲ ውግኣት መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።

ኣብ 1987 ኣብ ዝተገብረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ውዱብ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን
ኣገልጊሉን። ከም ዝበዝሑ ብጾቱ፣ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ብዙሕ መውጋእቲ ዘጋጠሞን፣ ከቢድ በሰላ ኲናት ኣብ
ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቱ ዝርኣየሉን እዩ ኔሩ።

ምዝላቕ፣ ሽድሻይ ወራር፡ ምድምሳስ ውቃው እዝ፣ ምድምሳስ ናደው፡ ስርሒታት ግንባር ድሕሪ መስመርን
ክትቆጽሮም ዘጸግም ብዙሓት ውግኣትን ምስ ብጾቱ ዝመከተ ኣድሓኖም፣ ዋግዋጎ ነጻነት ክርኣ ኣብ ዝጀመረሉ
ማለት ኣብ ከባቢ 1989 ፡ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ፣ ንኽፍሊ ንግዲ ክመርሕ ተመዲቡ እናሰርሐ፡ ተረፍ
መስዋእቲ ኮይኑ ምስ ኩሎም ጀጋኑ ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝብን ነጻነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክርኢ በቒዑ።
ኣብቲ ድሕሪ ሉኣላውነት ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ፡ ከም ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኮይኑ እጅግኡ ሰብሲቡ መስርሕ ጉዕዞ
ዳግመ ህንጻ ሃገር ምስ ብጾቱ ጀሚሩ።

Advertisement

በዚ መሰረት ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ፡ ከም ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ነቲ ቤት
ጽሕፈትን ንሚንስትሪ ፍትሕን ዝኸውን መሰረት ኣንቢሩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ዝተገብረ ዳግመ-ውደባ መንግስቲ፣
ኣድሓኖም ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኮይኑ ተመዚዙ ብተወፋይነትን ብብሕልን ህዝቡ ኣገልጊሉ።
ድሕሪ ምምሕዳር ኣውራጃ ሰራየ፡ ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስቻንደነቭያ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ድሒሩውን ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ኮይኑ ተመዚዙ ኔሩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ መንግስታውን ሃገራውን ተልእኾታት፡ ኣብቲ ኣብ 2001 ዝተጀመረ ንፍትሕን፡ ግሉጽነትን፡
ደሞክራስን፡ ቅዋማውነትን ግዝኣተ ሕግን ዝጽውዕ ምንቅስቃስ ገዳይም ተጋደልቲ ክታሙ ኣንቢሩ፡ ዳግም
ቃልሲ ንሰባዊ-ሓርነትን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ድምጹን፡ ሕልንኡን፡ ምሉእ ግዚኡን ጉልበቱን ሂወቱን
ከወፊ ተበጊሱ።

ኣብቲ ድሕሪ መፋርቕ 2001 ዝቀጸለ ሂወቱ፡ ከም ልሳንን ተረካቢ ዕላማ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ትሓይሮምን ድሃይ
ኣጥፊኦም ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሕልና እሱራትን፡ ኣብዘውዳእ
ኣገልግሎት ሂወቱን ዕድሚኡን ዝኸፍል ዘሎ ዋርሳይ ወለዶን ብምዃን፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ብትብዓትን ብመሪሕ
ተራን ደው ብምባል ተቓሊሱን ኣቃሊሱን።

ተጋዳላይ ኣድሓኖም፣ ንሃገሩ ኤርትራን ህዝባን ኩልንትንኡ ዝኸፈለ፡ ጸላእቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝኾኑ ባዕዳውያን
ገዛእቲ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብትብዓት መኪቱ ዝስዓረ፣ ምሁርን ክኢላን ናይ ሕጊ፡ ኣመሓዳሪ፡ ዲፕሎማሰኛ፡ ብሉጽ
ጽሓፋይን ክሳብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ፍትሕን ደሞክራስን ኔሩ። ተጋዳልይ ኣድሓኖም ብዓል ሓዳርን ኣቦ
ሰለስተ ቆልዑን እዩ።

Advertisement

እታ ዕትብቱ ዝተቀብረላ፣ ነጻ ንኽትወጽእ ዕድመ ንእስነቱን፡ ደሙን፡ የሕዋቱን፡ ብጾቱን ዝኸፈለላ ሓላል ሃገሩ ካብ
መፋርቕ 2001 ኣትሒዙ ክርእያን ክነብረላን ኣይክኣለን፡ ኣብ ዘልኣለማዊ ፋንዉኡ እውን ክቕበረላን ኣይክኣለን።
ብምቅላሱን ብምግዳሉን፡ ክሳብ እታ መወዳእታ ህሞት ናይ እስትንፋሰ-ሂወቱ ተጣዕሱ ኣይፈልጥን!
“ ነዚ ክብርን፡ ምዕባለን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝግብኦ ረዚን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕ ግዚ ምስዋእ ሓላል እዩ!“
ዝብላ ቃላት፡ ናይ ወትሩ መዛዘሚ እቲ ምቕሉልን መሃርን ኣዘናጋዕን ዕላላቱ እየን።

”ዘጋጠመ የጋጥም፡ ዝሓቶ ከቢድ ዋጋ ይሃሉ፡ ንመሰልካ ካብ ምቅላስ ደው ኣይትበል፡ ኣይትበሊ“ ዝብል
ለበዋ ተላብዩ ሓሊፉ፡ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም!

ክቡር ሓርበኛ ኣድሓኖም፣ ኩሎም ኣባላት ቤተሰብካ፡ ዝኣዘዝካየን በራጊዳትካ፡ ዝመራሕካየን ክፍላተ ሰራዊትካ፡
ዘምሓደርካዮ ህዝቢ፡ ብጽሑፋትካን ኣብነትካን ዘንቃሕካዮ መንእሰይ ኤርትራ ብልብን ብመንፈስን ናይ ክብሪ
ሰላምታ የቕርቡልካ።

ኽንዲ ሽሕ ኔርካ፡ ኣሽሓት ድማ ኣፍሪኻ ኢኻሞ፡ ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ኣድሓኖም!

ንኽብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ዮዲት ፍስሃየ፡ ንፍቑራት ደቁ፡ ንናይ ቃልሲ ብጾቱን ንመላእ ህዝቢ
ኤርትራን ጽንዓት ይሃብ።

Adhanom Gebremariam Eritrean heroes indefatigable Eritrean hero
ምቛም ሓድነታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ግዜኡ ሕጂ እዩ!
A Tribute to My Friend Adhanom

Comments

Latest News

  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026
  • ተጋዳላይ ከመዓልካ (ዶ-በረኸት ሃብተስላሴ)May 2, 2026
  • Peekaboo: The Ethio–Eritrean GameApril 30, 2026
  • The Wound and the Cure: How Nehnan Elamanan Damaged Eritrea’s National Unity — and What a Truthful Manifesto Could Have Built InsteadApril 26, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (100)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (753)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (103)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Eritrean Diaspora
  • Yemen
  • Human Rights
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (294)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (105)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services